ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያ
ስሎቬንያ ንእሽተይ ኣውሮፓዊት ሃገር (ኣባል ኣሕ/EU) ኮይና፣ ኣብ ልቢ ኣውሮፓ እትርከብ ሃገር እያ፣ ምስ ኢጣልያ ብምዕራብ፣ ኣውስትርያ ብሰሜን፣ ሃንጋሪያ ብሰሜንምብራቅ፣ ከምእውን ክርዋታያ ብምብራቅን ደቡብ ምብራቅን።ኣብ ደቡባዊ ክፋል ድማ ንእሽተይ ቁራጽ ባሕሪ ኣላታ።
ዋና ከተማ ሉብልያና ትበሃል ኮይና፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ኢኮኖሞያውን፣ ባህላውን፣ ፖሊቲካውን ማእከል ኢያ።ግዝኣት ስሎቬንያ ኣስታት 20,273 ትርብዒት ሜትር ዙሪያ የጠቃልል።ሃገራዊ ዶብ ድማ 1,382 ዝርገሐ ኣለዎ፣ ካብኡ ድማ 921ኪ.ሜ ናይ መሬት ክኸውን ከሎ፣ 413ኪ.ሜ ድማ ዋሓይዝ፣ ከምኡውን 48ኪ.ሜ ናይ ባሕሪ ዶብ እዩ።
ብኣቃማምጣ ጂኦግራፊ ፣ ስሎቬንያ ኣብ ማእከላይን ደቡብ ምብራቅን ኣውሮፓ እትርከብ ሃገር ኮይና፣ ኣብ መራኸቢ ጫፋት ናይ ኣኽራናት ዲናሪክ፣ ጎላጉል ፓንኖንያን ኣብ ማእከላይን ትርከብ።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይታ ሃገር ቡዙሓት ዓበይቲ ኣኽራናትን ትውንን፣ እቲ ዝበረኸ ጫፍ ድማ ትሪግላቭ ይበሃል(2864ሜ)፣ ሰጣህ ቅርጺ መሬት ድማ ኣብ ፐክሙሪየ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ፣ ወሓይዝን ዲጋታትን ድማ ኣብ ማእከላይ ክፋል ይርከብ፣ ዝተፈላለየ ቅርጺ መሬት ድማ ኣብ ደቡብ ምብራቅ፣ ከምእውን ቀጢን ዝርገሐ ዘለዎ ባሕሪ ድማ ትውንን።
ፍርቂ ክፋል ናይታ ሃገር ድማ ብጫካ ዝተሸፈነ እዩ።እቲ ከባቢ ብዙሓት ዋሓይዝን፣ ባዓቲታትን ይርከቦ፣ ገለ ካብኡ ድማ ባዓቲ ፖስተንያ ከምእውን ባዓቲ ሽኮችያን ይባሃሉ ፡እሳቶም ኣብ ናይ ስሎቬንያ ሃገራዊ ርስቲ ተመዝጊቦም ይርከቡ።
ክሊማ ስሎቬንያ እንታይ ይመስል?
ስሎቬንያ ተኸታታሊ 4 እዋናት ክረምቲ፣ሓጋይ፣ ቀውዒ.. ኣብ ዓመት ትውንን ፣ ነፍስወከፍ እዋን ድማ ነናቱ ጠባያት ኣለዎ።ኣብ ክረምቲ መዐቀኒ ሙቀት 20 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ይወርድ፣ ኣብ ሓጋይ ድማ ክሳብ 35 ዲግሪ ልዕሊ ዜሮ ወይ ዝያዳ ይኸውን። ኣዝመራ ድማ እቲ ዝያዳ ዝናብ ዝዘንበሉ እዋን እዩ።
ዝተፈላለዩ ናይ ክሊማ ዞናት ኣለዋ፣ ኣኽራናዊ/ከበሳዊ ፣ ማእከላይ ክሊማ ኣለዋ ፡ እዚ ድማ ምስ ምፍልላይ ቦታታትን ቅርጺ መሬትን ይውሰን።
ሰሜናዊ ምዕራብ ከበሳዊ ክሊማ ይውንን፡እዚ ማለት ድማ ብተዘማዲ ቆራሪ ክሊማ ሙሉእ ዓመት ይኸውን፡ዛዕዛዕታ ብመልክዕ በረድ ድማ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ቦታ ብብዝሒ ይረኣ።
ከበሳዊ ክሊማ ናይታ ሃገር ፍሉይ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሓጋይ ከይተረፈ ብበረድ ተሰንዩ ዝሑል ክሊማ ይህልዎ፡ ኩነታት ሙቀት ክሳብ ዜሮ ዲግሪ ይበጽሕ እቲ ካልእ ከባቢ ናይታ ሃገር ሙውቅ እንከሎ ማለት እዩ።
ገማግም ባሕሪ ድማ ማእከላይ ክሊማ ኣለዎ፡ስሕት ኢሉ ድማ ኩነታት ሙቀት ሓሓሊፉ ትሕቲ ዜሮ ኮይኑ ሙውቅን ጸሓያዊ ይኸውን።
ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ማእከላይ ክሊማ ኮይኑ፡ ኣብ ክረምቲ ዝሑል ኣብ ሓጋይ ድማ ሙውቅ ይኸውን ፡እዚ ድማ ኣቀማምጣ ወይ ድማ ቦታ ምርኩስ ብምግባር ይኸውን።
ብተወሳኺ እታ ሃገር ብዝተፈላለዩ ኣታኽልትን ዘርኢ እንስሳታት ትፍለጥ፡ ብዓለም ደረጃ ድማ ዓሳ-ሰብ ዝበሃል እንስሳ ትፍለጥ።
ተቀማጦ ስሎቬንያ
ተቀማጦ ስሎቬንያ ብዝምልከት ፡ስሎቬንያ ናይ ሓደ ዘርኢ ወይ ድማ ተመሳሰልቲ ህዝብታት ዝቅመጡላ ሃገር እያ።ኣብ ጥሪ 2018፡ 2,066,880 ተቀማጦ ክህልዉ ከለዉ ፡94.10% ካብኣቶም ድማ ቀቢላ ስሎቨን እዮም።ናይ ወጻኢ ዜጋታት ድማ ብቁጽሪ እንዳወሰኸ ክመጽእ ጸኒሑ፣ እንተኾነ ግን ዛጊት ብመሰረት መዝገብ ጥሪ 2018 5.9% ኔሩ ፡እዚ ማለት ኣዝዩ ትሑት ቁጽሪ ማለት እዩ።
ኣብ ስሎቬንያ ክልተ ንኡሳን ቀቢላታት ኣለዉ ፣ እሳቶም ድማ ኢጣልያውያን ፡ኣብ ከተማታት ገማግም ባሕርን ሓዲግ መሬትን ይነብሩ፣ ሃንጋራውያን (ፕረክሙርየ ዝበሃሉ)፣ ከምእውን ሮማ ዝበሃሉ ቀቢላ ( ፕረክሙርየ፣ ዶለንይስካ፣ ከምእውን ክራይና) እዮም።
ገምጋም ተቀማጢ ህዝቢ ድማ 101.9 ብ ትርብዒት ሜትሮ፣ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ድማ ኣብ ከተማታት ይነብር ፡ዝተረፉ ድማ ኣባ ገጠራት ይነብር ገምጋም ዕድመ ድማ 43.1 ዓመት እዩ።ናይ ህይወት ዕድመ ድማ 78 ዓመታት ንደቂተባዕትዮ ከምእውን 84 ዓመታት ንደቂንስትዮ(2016) ይኸውን።
መብዛሕትኦም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ድማ ካብ ናይ ዩጎዝላቪያ ነበር ዝተሰደዱ ሰርብ ከምእውን ክርዋት (2%)ኮይኖም፣ ተወሳኺ ድማ ቦስንያውያንን ኣልባንያውያን እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት (ግንቦት 2016-2018) 362 ስደተኛታት ዑቅባ ኣብ ስሎቬንያ ተዋሂቦም ብጠቅላላ 756 እዮም።እሳቶም ካብ ሱርያ፣ ዒራቅ፣ ኢራን፣ ከምእውን ኤርትራ ዝመጹ ኮይኖም ኣብ ሉብልያናን ማሪቦር ካላይቲ ዓባይ ከተማ ይቅመጡ።
እምነት ካቶሊክ እቲ ቀንዲ ሃይማኖት ኮይኑ ልዕሊ 50% ተከተልቲ ኣለዎ።እንተኾነ ግን ካልኦት ሃይማኖታት እውን ይርከቡ፣ ኢቫንጀሊካን ድማ ኣብ ደቡብ ምብራቅ ይፍለጥ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሃይማኖት ተወከስ።
ቋንቋ ኣብ ስሎቬንያ እንታይ እዩ?
ወግዓዊ ቋንቋ ኣብ ስሎቬንያ ስሎቨን ይበሃል።ኢጣልያውያንን ሃንጋራውያንን ዝቅመጡለን ምምሕዳራት (ምስ ሃንጋርያን ኢጣልያን ዘዳውብ) ወግዓዊ ቋንቋ ድማ ኢጣልያን ሃንጋርያን እዩ።ካብ 2004 ጀሚሩ ድማ ስሎቨን ኣብ ኣውሮፓዊ ሕብረት ወግዓዊ ቋንቋ ኮይኑ።ቋንቋ ስሎቨን ድማ 50 ላህጃታት ቋንቋ ዘለዎ ኮይኑ ገለ ላህጃታት ዝዛረቡ ህዝብታት ወላ እቲ ወግዓዊ ቋንቋ ዝዛረቡ ድማ ንምርድዳእ ይጽገሙ።
ቋንቋ ሶቨን ኣካል ናይ ናይ ጉጅለ ሳልቪክ ቋንቋታት ከም ቋንቋታት ቸክ፣ ስሎቫክ፣ ሩስያ፣ ዩክሬን፣ ፖላንድ፣ ቡልጋርያ፣ ማቀዶንያ ወዘተ እዩ።ምስ ቋንቋታት ክርዋትያ፣ ቦስንያ፣ ሰርብያ ድማ ይመሳሰል።25 ፊደላት ድማ ኣለዎ፣( a b c č d e f g h i j k l m n o p r s š t u v z ž) ከምእውን 25 ኣዳምጽ ይርከቦ።
መብዛሕትኦም ስሎቬንያውያን ሓደ ናይ ወጻእ ሃገር ቋንቋ ይዛረቡ ፣ ብፍላይ ድማ ቋንቋታት እንግሊዝን ጀርመንን። ብተወሳኺ ድማ ቋንቋታት ክርዋትያ፣ ቦስንያ፣ ሰርብያ ና ዩጎዝላቭያ ነበር ዓበይቲ ቋንቋታት ድማ ይዛረቡ።ቋንቋታት ኢጣልያን ሃንጋርን ድማ ኣብ ዶባት ናይዘን ሃገራት ይዝረብ።ብብዝሒ ኣብ ስደተኛታት ኣልባንያ ዝርከብዎ ድማ ቋቋ ኣልባንያ ይዝረብ።
ኣስታት 2,500,000 ህዝቢ ቋንቋ ስሎቨን ይዛረብ፡ መብዛሕተኦም ኣብ ውሽጢ ስሎቬንያ ይነብሩ፣ እንተኾነ ግን ብተወሳኺ ኣብ ኦስትርያ፣ ኢጣልያ፣ ሃንጋሪን ክርዋትያን ይዝረብ። ንኡሳን ቀቢላታት ናይ ስሎቬንያውያን ድማ ኣብ ኣርጀንቲና፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከምእውን ኣብ ኣውስትራልያ ይርከቡ።
ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ስሎቬንያ እንታይ ይመስል?
ስሎቬንያ ባይቶኣዊ ደሞክራሲ ኣለዋ።ንሓበሬታ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስርዓት ድማ ተወከስ።
ዕድላት ትምህርቲ
- ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያ
- ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ፡ምዕራፍ ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ተወከስ፡(hyperlink to language courses)
ፖሊቲካዊ ስርዓትን ሕብረተሰብን
ኣብ ስሎቬንያ እንታይ ዓይነት ፖሊቲካዊ ስርዓት ኣሎ?
ስሎቬንያ ባይቶኣዊ ደሞክራሲ እያ።ካብ 2004 ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ(ሕኣ) እያ።ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብዚ ዝስዕብ ተመልከት፣.
መራሒ ሃገር ድማ ፕረሲደንት ናይታ ሪፓብሊክ ኮይኑ፣ ዓቢ ተራ ኣለዎ ፡ኣብ ነፍስወከፍ 5 ዓመት ድማ ይምረጽ።ፈጻሚ ሓይሊ ዝህልዎ ድማ መንግስቲ ኮይኑ ብ ቀዳማይ ሚንስተር ይምራሕ።
መንግስቲ ብቀዳማይ ሚንስተርን ብሚንስተራትን ዝቆመ እዩ።ቀዳማይ ሚንስተር ብፕረሲደንት ናይታ ሃገር ይምረጽ፣ ሙሉእ ደገፍ ናይ ሃገራዊ ባይቶ፣(ብፕረሲደንት ናይ ሃገራዊ ባይቶ ዝምራሕ) ድማ ኣለዎ።
ባይቶ ስሎቬንያ ብሃገራዊ ባይቶን ብቤት ምኽሪ ሃገራዊ ባይቶን ዝቆመ እዩ። ሃገራዊ ባይቶ (ፈጻሚ ኣካል)፡ 90 መናብር ኣለዎ፣እዞም መናብር ብ 88 ቀጥታ ዝምረጹ ወከልቲ ህዝቢ፣ 2 ድማ ካብ ንኡሳን ቀቢላታት ሃንጋሪን ኢጣልያን ዝምረጹ እዮም።
ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ፡ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት እዮም፣ ስለዚ ድማ ኣደመጽቲ ንሰልፍታት ይመርጹ፣ ንውልቀሰባት ኣይመርጹን።ኣብ ስሎቬንያ ብዙሓት ሰልፍታት ኣለዉ፣ ብሓፈሻ ግን ኣብ ክንፊ ጸጋማውያን(ሊበራል)፣ክንፊ የማናውያን(ዓቃባውያን) ተባሂሎም ይፍለጡ።
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ድማ 40 ወናብር ኣለዎ፣ ወከልቲ ናይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖምያዊ፣ ምሁራትን፣ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣገደስቲ ጉጅለታት ዝተሓዝኣ እዩ።ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ከም ካልኣይ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣየገልግልን ፣እዚ ድማ ድማ ቅዋም ናይታ ሃገር ስለ ዘየቀመጦ እዩ።
ፕረሲደንት እታ ሃገርን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ብ ቀጥታዊ ምርጫ ይምረጹ፣ እዚ ድማ ንነፍስወከፍ ዜጋ ልዕሊ 18 ዓመት መሰል ምርጫ ከም ዝህልዎ ይገብር። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ድማ ዜጋታት ጥራይ ክመርጹን ክምረጹን ይኽእሉ ማለት እዩ።ናይ ስሎቬንያ ዜግናት ንምሓዝ ድማ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ተወከስ፣
ስሎቮንያ ብ ስርዓተ ሕጊ እትምራሕ ሃገር እያ፣ እዚ ማለት ድማ ሕግታት ናይ ግጭታት መፍትሕን መወከስን ከምእውን ውሕስነት ማሕበራዊ ፍትሒ ዝረጋገጸሎም መሳርሕታት እዮም።ሓፈሻዊ ሕግታት ናይታ ሃገር ዝእምምን ዝሕግግን ድማ ቅዋም ናይታ ሃገር ኮይኑ ኩለ መዳያዊ ሕግታትን መትከላትን ፖሊቲካዊን ማሕበራውን ስርዓት የቅውም።
ቅዋም ናይታ ሃገር ብተወሳኺ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነትን ን ነፍስ ወከፍ ዜጋ የዳሉ።እዚ ማለት ድም ዝኾነ ይኹን ሰብ ማዕረ መሰላትን ናጽነትን ከምዝህልዎ ውሕስነት ይህብ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ጾታ፣ ፖሊቲካውን ካልእን እምነታት፣ ደረጃ ሃብቲ፣ ትውልዲ፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ደረጃ፣ ስንክልና፣ ካልኦት ሰብኣዊ ኩነታትን ብዘየገድስ ማዕረ መሰላት ይህልዎም።
ኣብ ስሎቬንያ 212 ምምሕዳራት ኣለዉ፣ 11 ካብኣቶም ድማ ደረጃ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣለዎም፡ ከም ኮፓር፣ ክራንይ፣ ሉብልያና፣ ማሪቦር፣ ሶቦታ፣ ኖቫጎሪሳ፣ ኖቮመስቶ፣ ፑትይ፣ ስሎቨንይራደች፣ ቨለንየ እዮም።
ምምሕዳራት ናይ ቅድመ ትምህርቲን ፣ ትምህርትን፣ ከምእውን መባእታዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ከዳልዉ ይግባእ፡ (ህዝባዊ መጓዓዝያን ህዝባዊ ቤት ንባብን ዘጠቃለለ)፣ ከምእውን ስልጣን ናይ ቦታ ምምቅራሕ ኣለዎም።
ስሎቬንያ ኣባ 12 ቆጸራዊ ዞባታት ትኽፈል፡ ዞባ ፖድራቭስካ፣ ዞባ ካሪንትያን፣ ዞባ ሳቪንይስካ፣ ዞባ ዛሳቭስካ፣ ዞባ ፖሳቭየ፣ ደቡብ ምብራቅ ስሎቬንያ፣ ማእከል ሶቬንያ ፣ ዞባ ጎረንይስካ፣ ዞባ ፕሪሞርይስኮ-ኖትራንይስካ፣ ዞባ ጎሪሽካ፣ ዞባ ኦባልኖ- ክራሽካ ኮይኖም ዝኾነ ስልጣን ናይ ምምሕዳር የብሎምን።
ሊንክታት
ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ፖሊቲካዊ ስርዓት ኣብ ስሎቬንያ፡
ሃይማኖት
ሃይማኖታት ኣብ ስሎቬንያ ኣዮኖት ኢዮም?
ኣብ ስሎቬንያ ፡ መንግስትን ሃይማኖትን ክልተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እዮም።እዚ ማለት ድማ ሕጊ ልዕሊ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ሕግታት እዩ።ስሎቬናውያን ናቶም ናይ ሃይማኖት መሰላት ኣለዎም።ሃይማኖት ውልቃዊ ጉዳይ እዩ፣ ስለዚ ድማ ሃይማኖት ምግላጽ ግዴታ ኣይኮነን።
ሕቶታት ብዛዕባ ሃይማኖት፣ ጾታዊ ወይ ድማ ፖሊቲካዊ እምነታት ምቅራብ ብቁዕ ኣይኮነን።ከምእውን ኣባል ናይ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ምዃን ክልኩል እዩ። ዝኾነ ሰብ ማዕረ መሰላት ኣለዎ፣ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ብዘየገድስ። ሃይማኖታዊ ማሕበራት ሓደ ዓይነት መሰል ኣለዎም፣ እምነታቶም ድማ ክኽተሉን ከንጸባርቁን ናይ ሓባር መሰል ኣለዎም።
ዝበዝሑ ስሎቬናውያን ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና እዮም። ብገምጋም ድማ 60% ናይቲ ህዝቢ ይኾኑ።ዝተፈላለዩ ንኡሳን ጉጅለታት ሃይማኖት ክርስትና ኣለዉ፡ ካቶሊክ፣ ኦርቶዶክስ፣ ከኒሻን እዮም።ዓቢ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ማለት 10% ዝኾነ ይኹን እምነት የብለሙን፡ ወይ ፈጺሙ ሃይማኖት ኣይነበረሙን ወይ ድማ ካብ እምነታቶም ኣንሰሒቦም ማለት እዩ።
ዉሑድ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ድማ ካልኦት ሃይማኖታት ይኽተል፣ ብገምጋም 2.4% እስልምና ሃይማኖት ይኽተሉ።ዝበዝሑ ድማ ሃይማኖታቶም ኣይገልጹን። ዝበዝሑ ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ይነብሩ።(2002)
ኣብ ስሎቬንያ ሓደ መስጊድ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ኣብ የሰኒሰ ይርከብ፣ ኣብ ሉብልያና ድማ ሓደ ናይ እስልምና ማእከል ኣብ ምህናጽ ይርከብ። እንተኾነ ግን ንእስላማዊ ባህልን ስርዓትን፣ ከምእውን ሃይማኖታዊ በዓላት ዘካይዱ ክልተ ማሕበረኮማት ኣብ ንጥፈት ይርከባ፡እስላማዊ ኮሚኒቲ ናይ ስሎቬንያ ፣ ከምእውን ናይ ኢስላም ማሕበረኮም .
ህዝባዊ በዓላት ድማ ብመሰረት መደባት ሃይማኖት ክርስትና ይኸውን፣ ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ እስላማዊ በዓላት የለዉን።ሃይማኖታዊ ቆብዕ ምውዳይ ፍቁድ እዩ፣ እንተኾነ ግን ብ መሰረት ሕጊ ደቀንስትዮ ብወለንተኣን ክገብረኦ ይግባእ። እንተኾነ ግን ኣፈላላይ ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ኣሎ።መደረ ናይ ጽልኢ ከምእውን ናይ ቃላት ጸርፊ ገለ ካብቶም ቀንዲ ምልክታት ናይ ዓሌትነት እዮም።<ምዕራፍ> ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ(link)።እንተኾነ ግን ኣንጻር ኣፈላላይ ዝቃለሱ ውልቀሰባትን ማሕበራትን ኣለዉ ፣ ብተወሳኺ ቡዝሑነትን ናይ ባህሊ ብዙሕነትን የተባብዑ።
መሰላትን ግቡኣትን
ነበርቲ እንታይ ዓይነት መሰላት ኣለዎም?
ከም ነባሪ ግዝኣት ስሎቬንያ ፣ ናይ መሰረታዊ መሰላት ውሕስነት ኣሎካ (ኣዋጅ ህቡራት ሃገራት ንመሰላት ወድሰብ) ክገሃስ ውን ኣይከኣልን።
- መሰል ርእሰ ውሳኔ
- መሰል ሓርነት
- መሰል ንመስርሕ ሕጊ
- መሰል ንናጽነት ምንቅስቃስ
- መሰል ንናጽነት ሓሳብ
- መሰል ንናጽነት ሃይማኖት
- መሰል ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ
- መሰል ንሰለማዊ ምትእኽኻብ
- መሰል ንናጽነት ምምስራት ማሕበር
ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታውያን ናጽነትን ኣብ ስሎቬንያ ብሕጊ ቅዋም እውን ዝጸደቀ እዩ፣ ፣ እዚ ድማ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ ይገልጽ።ኣብ ስሎቬንያ ፡ ዝኾነ ሰብ ማዕረ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን መበቆል፣ ዓሌት፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካዊ ወይ ካልእ ክስታት፣ ደረጃ ሃብቲ፣ ትውልዲ፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ስንክልና፣ ወይ ካልእ ሰብኣዊ ኩነታት ብዘየገድስ ይህልዎ።
ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ብመሰረት ቅዋም ኣብ ኣርባዕተ ይኽፈል
1.ውልቃዊ
- ህይወት ወድ ሰብ ዘይምግሃስ
- ምሕላው ውልቃዊ ሰብኣውነት ክብርን
- ናይ ሕልና ናጽነት
- ናይ ምንቅስቃስ ናጽነት
- መሰል ን ሓለዋ ቤትፍርዲ
- ናይ ሓዳር መሰልን ስድራቤት ምምስራትን፣ ናጽነት ን ምርጫ ምዕባይ ህጻን፣ መሰላት ህጻናት -ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ (ምዕራፍ ስድራቤትን ህጻናትን ተመልከት)
- ዕድላትን ትምህርቲ-ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ትምህርቲ ተመልከት link-education
- ምግላጽ ዝምባሌ ንብሄራዊ ስምዒታት፣ መሰል ናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋን ፊደላትን
ኣብ ስሎቬንያ ናይ ሞት መቅጻዕቲን ምስቃይን ክልኩል እዩ።
2.ፖሊቲካዊ
- መሰል ምርጫ (ንዜጋታት ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ) -ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ፖሊቲካዊ ስርዓት ተመልከት
- መሰል ናይ ባይቶን ማሕበር ምምስራት
- ዑቅባ (ኣብ ክሊ ሕጊ ፣ መሰል ሕቶ ዑቅባ ንናይ ወጻኢ ዜጋታትን ሃገር ኣልቦ ሰባትን ኮይኑ ን ጭቆናን ስቅያትን ዝተቃልዑ ዝኾኑ እዮም ፡ሰብኣዊ መሰልን መሰረታዊ ናጽነትን ድማ ይህልዎም)-ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ተመልከት።
3.ማሕበራውን ኢኮኖምያውን
- ናይ ስራሕ ናጽነት-ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመልከት
- መሰል ንማሕበራዊ ውሕስነት -ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሰብኣዊ ሓገዝን ማሕበራዊ ውሕስነት ተመልከት
- መሰል ክንክን ጥዕና -ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት
- መሰላት ስንኩላን ሰባት-ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት
መሰላት ብሄራዊ ኮማት-ንኡሳን ብሄራት ናይ ኢጣልያን ሃንጋሪያን ኮማዊ ማሕበረሰባት ኣብ ስሎቬንያ ፍሉይ መሰል ኣለዎም።
እንተድኣ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ተጋሂሱ ፡ተጠባባቂ ሰባት(ombudsperson) ምውካስ ይከኣል።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ተመልከት።
ናይ ሓተትቲ ዑቅባ መሰላትን ግቡኣትን ኣዮኖት እዮም?
መሰላትን ግቡኣትን ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ዓንቀጽ ኣዋጅ ናይ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ ስሎቬንያ ሓታቲ ዑቅባ እንተደኣ ኮንካ ፣ እዚ ዝስዕብ መሰላት ኣሎካ፥
- ምንባር ኣብ ስሎቬንያ
- ምክትታል መስርሕ ብዝርዳኣካ ቋንቋ
- ሓበሬታ ምርካብ
- ነጻ ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ቅድሚ ናይ ምምሕዳራውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ናይ መዳእታ ዝኸውን
- መሰረታዊ ክንክን ኣብ መዕረፊ ማእከል ናይ ሓተትቲ ዑቅባ (መንበሪ፣ ምግቢ፣ ኣልባሳት፣ ሳእኒ፣ ናይ ጽሬት ናውቲ፣ -ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት)
- ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ እዋን ምንባር ብውልቂ -ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት
- ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት-ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት
- ዕድል ትምህርቲ-ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት
- ዕድል ናይ ዕድጊ ዕዮ፡ ከም ሓታቲ ዑቅባ መጠን ካብ ምሕታት ዑቅባ ድሕሪ 9 ወርሒ ውሳኔ እንተድኣ ዘይወሲድካ ክትሰርሕ ይፍቀድ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ስራሕ/ዕዮ ተመልከት
- ሰብኣዊ ሓገዝ
- ናይ ጁባ ገንዘብ(18 ዩሮ ወርሓዊ)
ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባት ምስ ፍሉይ ድሌታት ፍሉይ መሰልን ክንክንን ኣለዎም-ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት
ሓተትቲ ዑቅባ ንናይ ስሎቬንያ ሕግታትን ናይ መንበሪ ሕግታትን ከኽብሩ ግዴታ ኣለዎም፣ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቅባ ኣድላይ ምትሕብባር ክገብሩ ይግባእ።እንተኾነ ግን መሰል ስድራቤታዊ ጥርናፈ ቅድሚ ውሳኔ ናይ ዑቅባ ሕቶ ኣይህሉን።
ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቡ ሰባት እንታይ መሰላትን ግዴታትን ኣለዎም?
መሰላትን ግቡኣትን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ኣብ ዓንቀጽ ናይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ተገሊጹ ይርከብ ፣
ኣብ ስሎቬንያ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ እንተኾንካ፣ እዚ ዝስዕብ መሰላት ኣሎካ፣
- ሓበሬታ ብዛዕባ ደረጃ ዑቅባ፣ መሰላትን፣ ግቡኣትን ናይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ተዋህቦም ሰባት፣
- ዘላቂ መንበሪ ፍቃድ ኣብ ሃገረ ስሎቬንያ- ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ተመልከት፣
- ዕቅሚ ሚንስትሪ ዘፍቅዶ መሰረት መዕረፊ ገዛን መሳለጥያትን -ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት፣
- ገንዘባዊ ሓገዝ ንናይ ውልቂ መንበሪ ገዛን መሳለጥያትን – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት፣
- ክንክን ጥዕና -ልክዕ ከም ናይ ስሎቬንያ ዜጋ (ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት)
- ማሕበራዊ ክንክን – -ልክዕ ከም ናይ ስሎቬንያ ዜጋ (ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት)
- ዕድል ትምህርቲ – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመልከት፣
- ሽቅለት/ስራሕ – ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመልከት፣
- ሓገዝ ኣብ መስርሕ ምውህሃድ ምስ ሕብረተሰብ
ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባት ምስ ፍሉይ ጠመተ ዝተፈልየ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም – ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ሐበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመልከት።
ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት ናይ ሃገረ ስሎቬንያ ሕግታትን ከኽብሩ ግዴታ ኣለዎም።መሰል ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ድማ ኣለዎም።(ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመልከት።)
ዜግነት ስሎቬንያ ብኸመይ ይርከብ?
እንተዳኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተውህበካ ሰብ ኮንካ ፣ መሰል ንዜግነት ሃገረ ስሎቬንያ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ይህልወካ፥
- ንተኸታታሊ 5 ዓመታት ኣብ ስሎቬንያ እንተድኣ ተቀሚጥካ(እዚ ማለት ድማ ምንባር ኣብታ ሃገር-ካብታ ሃገር ወጻኢ ንነዊሕ ግዜ እንተዳኣ ዘይወጺእካ )
- ብውሑዱ ናይ 18 ዓመት ዕድመ እንተዳኣ ኣሎካ
- ቀጻሊ ምንጪ ናይ ኣታዊ ብውሑዱ ንናብራን ማሕበራዊ ውሕስነት ዝሽፍን ምዃኑ ዝተረጋገጸ እነተዳኣ ኣውሒስካ(ኣብ ግብሪ ንቀጻሊ 2 ዓመት ምዱብ ስራሕ ሰሪሕካ ስሩዕ ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ) ወይ ድም ን6 ወርሒ እንተዳኣ ግዝያዊ ኮንትራት ናይ ስራሕ ኣሎካ
- ዝተወሰነ ናይ ቋንቋ ስሎቬንያ መርመራ እንተደኣ ሓሊፍካ
- ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን 3 ወርሒ እንተዘይተኣሲርካ ወይ ድማ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ ምስ ዘይህሉ
- መንበሪ ፍቃድ ኣብ ሃገረ ስሎቬንያ እንተደኣ ዘይተቋሪጹ
- ዝኾነ ይኹን ስግእት ንጸጥታን ስግእትን ሃገረ ስልቬንያ ምስ ዘይህልወካ
- ኩሉ ናይ ግብሪ ግዴታታት ምስ ዝኽፈል
- ዜግነት ናይ ሃገረ ስሎቬንያ ምውስድካ ን ሕግታት እታ ሃገረ ከተኽብር ድልውነትካ ብጽሑፍ መልክዕ እንተደኣ ኣረጋጊጽካ
ሕቶ ጠለብ ንዜግነት ፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣሃዱ ይቀርብ ።ብዙሕ ወረቃቅቲ ዝምላእ ኣሎ ፣እቲ መስርሕ ድማ ነዊሕ ግዜ ይወስድ።
ኣብ ስሎቬንያ ምንባረይ እንታይ ግቡኣት ኣለኒ?
ከም ኣባል ሕብረተሰብ ስሎቬንያ ፣ ሕጊ ምኽባር ይግባእ። ኣባል እቲ ማሕበረ ኮም ክትከውን እንተደሊኻ ብንጥፈት ኣብ ስራሓት ውሽጣዊ ኮሚኒቲ ምስታፍ የድሊ።እዚ ድማ ብመልክዕ ወለንታውነት ኣብ ኮማዊ ንጥፈታት ምስታፍ ይከኣል፣
ኣብ ምዕባለ ናይ ኮሚኒቲ ምስታፍካ ከምእውን ኣብ ምውህሃድ ምስ ሕብረተሰብ ዘለካ ቅሩብነት ፍቃደኛ ምዃንካ ብከምዚ መልክዕ ይርኣ።
ግቡኣት ሃገር ስሎቬንያ እንታይ ይመስል?
መንግስቲ ሃገረ ስሎቬንያ ድማ ተመሳሳሊ ግቡኣት ማለት መሰላትካ ዝሕልወሉ መንገዲታት ብመሰረት ሕጊ ቅዋም እታ ሃገር ይንቀሳቀስ።
ስሎቬንያ ኣብ መስርሕ ምውሃህድ ንወጻእተኛታት ሓገዝ ክገብር ድሉው እዩ።እዚ ድማ ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ማህበራት፣ ትካላት፣ ብመሰረት ደረጃ ዑቅባኻ ይፍጸም። ንዝይዳ ሓበሬታ ድማ ፡ምዕራፍ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ተመልከት።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ዜግነት ስሎቬንያ ብኸመይ ይረክብ
http://www.mnz.gov.si/en/services/slovenia_your_new_country/citizenship/
ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
ኣፈላላይ እንታይ ማለት እዩ?
ኣፈላላይ ኣብ ገለ ባህሪያት ተሞርኪሱ ዘይቅኑዕን ዘይምዕሩይን ኣተሓሕዛ ንውልቀሰባት ወይድማ ንጉጅለታት የመልክት።ዝኾነይኹን ሰብ ብኽብርን ብቅንዕና ክእለ/ክትሓዝ መሰል ኣለዎ።ሓደ ሰብ ኣፈላላይ ተፈጺምዎ ክበሃል እንተኾይኑ ዘይግቡእን ዘይቅኑዕን ኣተሓሕዛ ኣብ ልዕሊኡ እንተተፈጺሙ ይኸውን።
ዓንቐጽ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ኣብዚ መዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕጊ ኣብ ስሎቬንያ እዩ።በዚ መሰረት ኣፈላላይ ኣንጻር ሓደ ሰብ ብምኽንያት ዓሌት፣ ቀቢላ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካ፣ ወይ ካልእ እምነታት፣ ማሕበራዊ መበቆል፣ ንብረት፣ ኣባልነት ማሕበራት ንግዲ፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ደረጃ፣ ደርጃ ስድራቤት፣ ኩነታት መርዓ፣ ጥዕናዊ ኩነታት፣ ስንክልና፣ ውርሻ፣ ጾትዊ መንነትን መግለጺታትን፣ ጾታዊ ኣረኣእያ ክልኩል እዩ።
ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ሰባት ዝተወሰነ ኣይኮነን።ብኻልእ ወገን ድማ ኣፈላላይ ኣባል ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ብምዃን ወይ ድማ ጉጅለ ብቡዙሕ ኣጋጣሚታት ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ውልቀሰባት ወይ ማሕበራት ካብ ካልኦት ሰባት ብዝተፈልየ ኣገባብ ኣፈላላይ እንተፈጺሞም ብምኽንያት ብሔር፣ ስንክልና፣ ኣንጻርካ ኣፈላላይ ይፍጸም ኣሎ ማለት እዩ።ኣፈላላይ ጎዳእን ኣስካሕካሕን ተመክሮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ክኸውን ይኽእል።እዚ ኣካል ጭቆና ኮይኑ ብሕጊ ድማ ዝተኸልከለ እዩ።ስለዝኾነ ድማ ጥንቃቀታት ካብ ከምዚ ዓይነት ጭቆና ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ገለ ኣብነታት ኣፈላላይ ይስዕብ፥
- ዝኾነ ሰብ ሕማቅ ዘረባ ይብል እንተሃልዩ፣ኣነዋሪ ተግባራት፣ወይ ድማ ቀጻሊ ዘጥቅዓካ ፥
- ላግጺ ዘረባ ኣንጻርካ
- ምንጻል
- ዓዋሉ ኣንጻርካ ምውዳብ
- ምፍርራሕ
- ምክልኻል ስለ መንነትካ እምነታትካን ዘይቅቡል ኣባህላታት
ሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ሓባር ህይወት ኣፈላላይ ዘይሕጋዊ እዩ፥
- ስራሕ ቦታ፣ዕድላት ናይ ዕዮ ዕዳጋን፣ ስራሕን
- ትምህርቲ፣ሳይንስን፣ስፖርትን
- መአንገዲ/መንበሪ ቤት
- ሰብኣዊ ሓገዝ፣ስርዓት ጥሮታ፣ማሕበራውን ጥዕናውን ውሕስነት
- ዕድላት ክንክን ጥዕና
- ኣገልግሎታት መንግስቲ-ዕድላት ፍትሕን ምምሕዳርን
- ዕድላት ኣገልግሎት፣መሳለጥያን ንብረትን
- ህዝባዊ ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን\ሜድያ
- ኣባልነት ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ማሕበራትን
- ተሳትፎ ኣብ ባህልን ስነ ጥበብን
ኣንጻር ኣፈላላይ ብኸመይ ሓለዋ ይረክብ፣ኣበይ ይረክብ?
ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ሰባት ዝለዓለ ትካል ን ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ እዩ፣ሕጋዊ ምኽሪ ንግዳያት ይህብ፣ሓቅታት ናይቲ ጉዳይ ብ ምጽራይ ለበዋታት ናይ ምክልኻል ይህብ፣ ወይ ድማ ኣፈላላይ ደው ዝብለሉ መንገዲታት ይእንፍት።
ብተወሳኺ ተጠባባቂ ሰባት ኣብዚ ዝስዕብ ክተሓባበር ይኽእል፥
- ኣገባባት ሓለዋ ብዝምልከት ን ውልቀሰባትን ናይ ሕጊ ሰብ ሞያን ኣገዳሲ ሓበረታ የዳልው
- መጠንቀቅታታት ህላዌ ኣፈላላይ ንህዝቢ ይህብ
- መጽናዕትታት ብዛዕባ ኣፈላላይ የካይድ
- ሓሳባት፣ምኽርታትን፣ለበዋታት ከምእውን ኣገደስቲናይ ሕግን ስትራተጅን ፍታሓት የካይድ
ጥርዓን ንተጠባባቂ ከተቅርብ ምስእትደሊ ብመልክዕ ኢመይል፣ ፋክስ፣ ክተቀርብ ትኽእል።ተጠባባቂ ሰባት ሕጋዊ ምኽሪ ን ግዳያት ይህብ፣ሓቅታት ናይቲ ጉዳይ ብ ምጽራይ ለበዋታት ናይ ምክልኻል ይህብ፣ ወይ ድማ ኣፈላላይ ደው ዝብለሉ መንገዲታት ይእንፍት።ሕጋዊ መስርሓት ኣየካይድን ፣ወይ ድማ ን ግድያት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይውክልን እዩ።
ውላድካ ኣፈላላይ ተፈጺምዎ ትብል እንተደኣ ኮንካ ናብ ተጠባባቂ ንህጻናት ምቅራብ ይከኣል።ብተወሳኺ ሲቪካውያን ማሕበራት ምስ ግዳያት ዝሰርሑ ሓገዝ ምሕታት ይከኣል።
ኣብ ውሽጢ ማሕበረኮምን ከባብን ምንብር ?
ኣብ ስሎቬንያ ማበረኮም ብኸመይ ተጠርኒፉ ይርከብ?
ኣብ ስሎቬንያ ኣብ ከተማታት ምንባር ካብ ኣብ ገጠራት ምንባር ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።ኣብ ከተማታት ኩነታት ምንባር ባሕታዊ እዩ፣ ጎረባብቲ ነሓድሕዶም ቡዙሕ ኣይፋለጡን፣ ኣብ ገጠራት ግን ሕዝቢ ነሓድሕዱ ዝያዳ ይፋለጥን ይራኸብን።ገለ ካብ ኣብነታት ድማ ኦረባብቲ መፋትሕ ናይ ገዛውቶም ይለዋወጡ ፣ ኣብ ግዜ መገሻ ድማ እቶም ካልኦት ጎረባብቲ ንዘቤታዊ ስራሕ ይኣልይዎ።
ኣብ ገጠራት ሰባት ነሓድሕዶም ኣዝዮም ስለ ዝራኸቡ ውልቃዊ ጉዳይ ከተካይድ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ጎረባብቲ መን እንታይ ይገብር፣ ኣበይ ኣሎ ብቀሊሉ ይፈልጡ።
ኣብ ሕብረተሰብ ስሎቬንያ ነሓድሕድካ ምክብባርን መሰል ሰባት ምሕላውን ውልቃዊ ህይወት ሰባት ምሕላውን ይግባእ።ብተወሳኺ ድማ ካልኦት ኣገደስት ኣገደስቲ ደንብታት ናይ ሕብረተሰብ ምኽባር የድሊ።
ኣብ ኣብያተ መግብን ናይ ህዝቢ ቦታታት ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል እዩ።ኣብ ሕብረተሰብ ስሎቬንያ ዓው ዓው ኢልካ ምዝራብ ምትንኻፍን ከም ምጽሕታር ሽግርን ናዕብን ይቁጸር።ስለዚ ድማ ድምጺ ምቁጽጻር የድሊ፣ ኣውያትን ዓውዓውታን ቅቡል ኣይኮነን።
ኣብ ስሎቬንያ ኮማት ኣብ ሓውሲ ከተማን ወይ ድማ ናይ ገጠር ኮማት ተባሂሎም ይፍለዩ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ድማ ምምሕዳራዊ ጉዳያት የካይዱ።ከባብያዊ ኮማትን ነበርትን ኣብ ስረሓት ናይ ሕብረተሰብ ጸለኣዊ ተራ ኣለዎም።
ንሕዝባዊ ኣገልግሎት ብዝጥዕም መልክዕ ኮማት ይስርዑ፣ ከም መውዓሊ ህጻናት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ማእከል ጥዕና ወይ ሓኪም፣ ድኳናት፣ ATM፣ ሕዝባዊ መጓዓዝያ፣ ካልእ ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን የጠቃልል።ብተወሳኺ ኮማት ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ፣ዘይመንግስታውያውን ትካላትን ካልኦት ግዱሳት ጉጅለታትን ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይሳተፉ።
ሕብረተሰባዊ ደንብታት ንምንባር ኣብ ሕብረተሰብ እንታይ ይመስል?
ስሎቬንያውን ተቀበልቲ ኣጋይሽን እዮም እንተኾነ ግን ዕጽው ሕብረተሰብ እዩ ፣ ስለዝኾነ ድማ ደንብታት ናይዚ ሕብረተሰብ ጽኑዓት እዮም።ብዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ ትነብር እንተደኣ ኮንካ፣ ናይ ገዛ ሕግታት ምኽባር የድሊ፣ ናይ ሓባር ንብረት ምክንኻን ከም ንብረትካ ድማ ይግባእ።
ካብ 10 ድ.ቀ ክሳብ 6 ቅ.ቀ ጫውጫውታ ኣይፍቀድን (ናይ ድቃስ ሰዓት ስለዝኾነ) ፣ እዚ ምስ ዘይከውን ድማ ጎረባብቲ ፖሊስ ክጽውዑ ይኽእሉ።ብተወሳኺ ድማ ሰባት ውልቃዊ ህይወቶም ክኽብረሎም ይጽበዩ።ጎረቤት ክትበጽሕ እንተደሊኻ ኣቀዲምካ ትሕብር። ስሎቬንያውያን ናይ ሻሂ ዕድመ ብኣኽብሮት ይቅበልዎ እዮም።
ብልምዲ ብዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ ኣላይ ኣለዎ፣ ንብረትን ካልእን ድማ ይቆጻጸር። ብተወሳኺ ድማ ነበርቲ ተወስኺ ክፍሊት ናይ ጽሬት፣ ኤለክትሪክ፣ ካልእን ኣለዎም።መብዛሕትኦም ህንጻታት መንበሪ ኮሚቴ ኣለዎም ብቀጻሊ ብምርኻብን ኣብጉዳዮም ብምምካርን ነቲ ህንጻ ዝምልከት ኣድላይ ስጉምትታት ይወስዱ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪገዛ ተመልከት።
ጓሓፍን ዳግም ምጥቃም ንብረትን
ኣብ ስሎቬንያ ዳግም ምጥቃም ንብረት ግዴታዊ እዩ።ጉሓፍ ድማ ኣብ 5 መአከቢ ይእከብ፡ወረቃቅቲ፣ ዳግም ዝጠቅም ፕላስቲክን ሕጺንን፣ ጠራሙዝ፣ ስነ-ህይወታዊ ጓሓፍ ፣ከምእውን ዝተሓዋወሰ ጓሓፍ።ነፍስወከፍ ገዛውቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝተፈላለየ መአከቢ ኣለዎ። ጓሓፍ ዝእክብ ትካል ድማ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ መጺኡ ይእክብ።(ነፍስወከፍ ዓይነት ጓሓፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ይእከቡ) ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እቲ ጓሓፍ ኣብ ጎደና ብምውጻእ ብቀሊሉ ከምዝእከብ ይኸውን።ብዘይ ኣገባብ ጓሓፍ ኣብ ጎደነ እንተደርቢኻ ክትቅጻዕ ትኽእል።
ጀራዲንን መናፈሲ ቦታታትን
ጀርዲን ዘለዎ ቤት ትነብር እንተደኣ ኮንካ ፣ ሳዕሪ ብግቡእ ክቅረጽ ክቅምቀምን ኣለዎ፡ ንሕርሻ ዘይትጥቀመሉ እንተደኣ ኮንካ ብስሩዕ መንገዲ ክትከናኸኖ ይግባእ።መናፈሲ ቦታ ድማ መኣከቢ ንነበርትን ንህጻናት መጻወቲ ስለዝኾነ ኣትክልቲ፣ ቁጥቃጥን፣ ካልእ ናይ ሓባር መሳለጥያታት ብክንክን ክትሓዝ ይግባእ።መኣከቢ ጉሓፍ ኣብ ውሽጢ መናፈሲ ቦታ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ።
ዘቤታዊ እንስሳታት
ዘቤታዊ እንስሳታት ኣብ ስሎቬንያ ሉሙዳት እዩም።ከም ኣባል ስድራቤት ክንክን ይግበረሎም። ብተወሳኺ ድማ ንድሕነትን ውሕስነትን እንስሳታት ሕግታትን ደንብታትን ኣለዉ፣ እዚ ማለት ድማ እንስሳታት ክዕመጹ የብሎምን፣ ክህረሙ የብሎምን።ዘቤታዊ እንስሳ እንተደኣ ኣሎካ ብክንክን ክትህዞ ይግባእ።
ኣኽላባት ካብ መንበሪ ገዛ ወጻኢ እንተኮይኑ ኣብ መቆጻጸሪ ገመድ ክትሓዙ ይግባእ።ኣብ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቦታ መኻፍቲ ኣፎም ዝዓጹ መትሓዚ ክወድዩ ይግባእ።ብጽሬት ክትሓዙ ድማ ይግባእ።
እንስሳ ዘቤት እንተድኣ ኣሎካ ገዛ ምክራይ ብቀሊሉ ኣይርከብን፡ ምኽንያቱ ኩሉ ዋና ገዛ እንስሳ ምእታው የፍቅድ ማለት ኣይኮነን።ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘቤታዊ እንስሳታትን መንበርን ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክን-
- ጓሓፍ ብከመይ ይትሓዝ፡ How to handle waste:
ስድራቤትን ህጻናትን
ወላዲ ምዃን ኣብ ሓድሽ ሃገር ከመይ ይመስል?
ምምጻእ ኣብ ሓድሽ ሃገር ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ትውልዲ ሃገሮም ክወጹ ዝተገደዱ ፡ ስድራቤትን ህጻናትን ከቢድ እዩ።ከም ወላዲ ዝተፈላለዩ ባህልታት፣ ኣገባባት፣ ግቡኣት ከጋጥሙኻ ይኽእሉ ፡እዚ ድማ ምስ ዝነበርካዮ ባህልን ቦታን ከምእውን ኣተዓባብያ ህጻናትን ስለ ዘይሳነ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ህጻናት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ነቲ ሓዲሽ ከባቢ ናይ ምልማድ ክእለት ይህልዎም።ብተፈጥሮ ህጻናት ቋንቋ ብቁልጡፍ ናይ ምኽኣልን ምልማድን ክእለት ኣለዎም፤ ብፍላይ ድማ ፡ግዜኦም ምስ ህጻናትን ኣዕሩኽቶምን እንተድኣ ኣሕሊፈሞ።
ህጻን ብቀሊሉ ዝዋሳእ ስለዝኾነ ሓላፍነት ወላዲ ኣብቲ ህጻን ንክህልዉ ኣለዎ።ወለዲ ነቲ ምዕባለ ናይቲ ህጻን ክድግፉን ከተባብዑን ይግባእ፡ እዚ ድማ ዓቅምታቱ ንክድልብ ይሕግዞ።እዚ ኣብ ናቱ ድሌት ዝተመርኮሰ ዕብየትን ምዕባለን ክስጉም የኽእሎ።
ብዛዕባ ስድራቤት፣ መውስቦ/መርዓ፣ ዝምድና እንታይ ክፈልጥ ይግባኣኒ?
ብባህሊ ኣብ ስሎቬንያ ከም ስድራቤት ዝቁጸሩ ኣካላት ፡ምርዕዋት ጽምዲ ምስ ደቆም ፣ ከምእውን ኣሕዋት፣ኣሓት ከም ስድራቤት ይቁጸር።
ዝበዝሑ ጽምዲ ብሓደ ይነብሩ ከምእውን ቅድሚ መርዓ ውላድ ይህልዎም፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ፍጹም ከይምርዓዉ ይመርጹ።ንነዊሕ እዋን ብሓደ ዝነበሩ እንተኮይኖም ሓደ ዓይነት መሰላት ከም ምርዕዋት ጽምዲ ይህልዎም።
ክልተ ደቀንስትዮ ወይ ድማ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ ፣እዚ ማለት ድማ ዝምድንኦም ድማ ሕጋዊ ኣፍልጦ ይህልዎ፣ ኣብ መሰላት ድማ ልክዕ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ጽምዲ ይህልዎም።እንተኾነ ግን ሓደ ዓይነት ጽምዲ፡ ህጻን ከም ሞግዚት ከዕብዩ ኣይክእሉን።
ኣብ ስሎቬንያ ናይ መርዓ ጽንብል ሲቪላውን ሃይማኖታዊ ክኸውን ይኽእል።መርዓ ብቁዕ ንክኸውን ብፍሉጥ ሰብ ዝተደገፈን ሙዝጉብን ክኸውን ይግባእ።ሲቪላዊ መርዓ ድማ ምስ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ትካል ርክብ የብሉን።
ኣብ ስሎቬንያ፡ ክልተ ሰባት ክምርዓዉ ወይ ናይ ህይወት ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ እዚ ድማ ክልቴኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ እንተደኣ ኣለዎም ፣ዛጊት ዘይተመርዓዉ እንተኾይኖም፣ ኣብ ሓደ እዋን ንክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ምምርዕው ክልኩል እዩ ፣ ከምእውን መርዓ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝማድ ክልኩል እዩ።
ብሕጊ ስሎቬንያ ግዱድ መርዓ ክልኩል እዩ።እዚ ማለት ድማ ሓደ ንካልእ ከገድዶ ኣይክእልን እዩ።መን ንመን ከም ዝምርዖ ናይ ምውሳን መሰል ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ይኸውን ፣ኣብ ዝኾነ እዋን `ውን ኣይፋል ንመርዓ ናይምባል መሰል ኣለዎ።
ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓላፍነታትን ኣለዎም።ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ብማዕረ ክሰርሑ ይፍቀዶም፣ኣብ ምርጫ ናቶም ዝተምርኮሰ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ይኽእሉ።ኣበይ ብሓደ ክነብሩ ይደልዩ ውን ይውሰኑ፣ እንተዳኣ ውላድ ክወልዱ ደልዮም `ወይ ዘይደለዩ ፣ክንደይ ውላድ ይደልዩ ኣብ ናቶም ውሳኔ ይሙርከስ።ብማዕረ ናይ ገዝኦምን ውላድን ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ።ኩሉ ኣባል ስድራቤት ድማ ክኸብር ይግባእ፣ ክተሓባበሩን ክተሓጋገዙ ድማ ይግባእ።
ልዕሊ 18 ዓመት ዘለዎ ብገንዘብ ነብሱ ክኽእልን ክኣልይን ይግባእ ፣ንስድራቤቱ ድማ ክሕግዝን ክኣልይን ይግባእ።
ከም ወላዲ ናተይ ግቡኣት እንታይ ይመስሉ?
ኣብ ስሎቬንያ ህጻናት ፍሉይ መሰላት ኣለዎም ከም ወላዲ ድማ ጉቡእ ክንክንን ክብርን ክትህቦም ይግባእ። ንመሰላት ህጻናት ዝምልከት ቀንዲ ጽሑፍ ስምምዕ ኣብ መሰላት ህጻን ይርከብ።
ዝኾነ ትሕቲ 18 ዓመት ሰብ ህጻን ይበሃል።ዝኾነ ህጻን ማዕረ መሰላት ኣለዎ፣ኣደ ወይ ኣቦ ዘለዎ/ዘይብሉ ወይ ድማ እቶም ወለዲ ምርዕዋት ይኾኑ /ኣይኽኑ ኣገዳስነት የብሉን። ከም ሞግዚት ዘዕበኻዮ ማዕረ ውላድካ እዩ። ተባዕትዮ ህጻናት ከምእውን ኣንስትዮ ህጻናት ማዕረ እዮም ብማዕረ ድማ ክረኣዩ ይግባእ።
ትሕቲ 7 ዓመት ህጻን በይኑ ብዘይ ኣላይ ክትገድፎ ኣይግባእን ፣ ኣላይ ድማ ትሕቲ 16 ዓመት ክኸውን ኣይግባእን።ነቲ ህጻን በይኑ ኣብ ገዛ ምግዳፍ ኣይፍቀድን ።
ህጻናት ድማ እዞም ዝስዕቡ ተወሰኽቲ መሰላት ኣለዎም፥
- መሰል ትምህርቲ
- ነገራት ኣለሊኻ ምርካብ ፣ምስ ካልኦት ምክፋል ኣድላይነት እንተለዎ ብመልክዕ ዘረባ፣ስእሊ፣ ጽሑፍ፣ ወይ ብካልእ መንገዲ ንካልኦት ዘይጎድእ ክሳብ ዘይኮነ
- ሕጻናት ሓሳቦትም ክህቡ፣ ዓበይቲ ድማ ክሰምዑን ብቁምነገር ክካተተልዎ ይግባእ
- ዝደለይዎ ክሓስቡን ክኣምኑን ክሳብ ንካልኦት ሰባት መሰሎም ክገብሩ ዘይከልከልዎም
- ኣዕሩኽ ክመርጹን ናብ ዝደለይዎ ጉጅለ ክጽንበሩን ፡ክሳብ ንካልኦት ዝጎድእ ተግባር ዘይኮነ
- ከስተማቅሩ፣ክጻወቱ፣ ከምእውን ኣብ ባህላዊ፣ስነጥበባዊ፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ክሳተፉ
ህጻናት መሰል ጽፉፍ ናይ ጥዕና ክንክን፣ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ክግበረሎም ይግባእ። ስንክልና ዘለዎም ህጻናት መሰል ናይ ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ኣለዎም።
ህጻናት ካብ ኩሉ ዓይነት ጉድኣትን ሕማቅ ኣተሓሕዛ ኣካላዊ ይኹን ስነኣእምራዊ፣ ኩሉ ዓይነት ጭቆና፣ ምዝመዛ፣ ከምእውን ጾታዊ ኣመጽን ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።ምስ ወለዶም ምንባር ነቶም ህጻናት ሓደገኛ እንተዘይኮይኑ ምስ ወለዶም ምንባር መሰል ኣለዎም፣ ወለዶም ብሓደ ዘይነብሩ ህጻናት ድማ ምስ ወለዶም ክራኸቡ መሰል ኣለዎም፡ ክሳብ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዘይኮነ።
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካን ካብ ወለዲኻ እውን ዝተፈለኻ ምስ እትኸውን ስድራቤትካ ምጥርናፍ መሰል ኣለካ።ኣባላት ስድራቤትካ ምሳኻ ክነብሩ መሰል ኣለዎም።
ህጻናት ካብ ዘይንቡር ኣተሓሕዛን ጭቆናን ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእሙራዊ በደላት ናይ ምሕላው መሰል ኣለዎም፣ ብሕጊ ድማ ህጻናት ምህራምን ምግፋዕን ክልኩል እዩ።እዚ እንተኾይኑ ግን ገንዘባዊ ወይ ናይ ምእሳር መቅጻዕቲ የኸትል።
ወልዲ ናይ ህጻን ስምዒታትን፣ ማሕበርዊ ድሌታትን፣ ከማልኡ እንተ ዘይክኢሎም፡ ብማእከል ማሕበራዊ ዕዮ መጠንቀቅታ ይወሃቦም።ወላዲ ህጻን ከዕብዩ ዘጸግሞም እንተኾይኑ ሞያዊ ሓገዛት ይግበረሎም።ምስ ወለዲ ቆጸራ ብምሓዝ ድማ ባዓል ሞያ ናብ ገዛ ብምምጻእ ሞያዊ ሓገዛት ይህብ።
ጥዕናዊ ኩነታት ናይ ህጻን ኣስጋኢ እንተኾይኑ ካብ ስድራ ወጻኢ ግዝያዊ ኣብ ካልእ ቦታ ይሰጋገር።እቲ ህጻን ዝተፈልየን ውሑስን ክንክን ይግበረሉ እቲ ጸገም ክሳብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣቱ።ህጻናት ንቀጻሊ ብዘይ ኣገባብን ኣሰቃቂ ኣገባብ እንተድኣ ተታሒዞም ቤት ፍርዲ ንወለዲ ካብ ህጻን ክእግደሙን ጨሪሱ ክኣልዮምን ይኽእል።
ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ህጻናት ከምእውን ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ መሰላት ህጻን ዝጠባበቁ ኣካላት እዮም።
እንተተፋቲሐ እንታይ የጋጥመኒ?
ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብዝኾነ ምኽንያት ብሓደ ክነብሩ እንተዘይክኢሎም ናይ ፍትሕ ሕቶ ከቅርቡ ይኽእሉ።ፍትሕ ድማ ክልቴኦም ወይ ሓደ ካብኦም ናይ መርዓ ዝምድና ክውድእ/ኡ እንተደልዩ/ያ ከጋጥም ይኽእል።
ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘለውዎም ተጻመድቲ ክፋትሑ ምስ ዝደልዩ ኣገዳሲ ምኽሪ ካብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ ምኽሪ ክዋሃቦም ግዴታዊ እዩ።ስድራቤታዊ ክንክን ንክገብሩ ናይ ሓባር ስምምዕ ክህሉ ይግባእ።
እቲ መደብ ህጻን ድሕሪ ፍትሕ ኣበይ ይነብር ይሕብር፣ ንክንደይ ግዜ ምስ ወለዲ ክጸንሕ ይኽእል፣ ኣብ ጥቅሚ ናይ ህጻን ዝተመርኮሰ ውሳኔታት ከመይ ይፍጸም፣ ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛን ካልኦት ጉዳያትን የጠቃልል።
ወለዲ ምስ ተፋትሑ ብሓደ ኣይነብሩን እዮም።እንተኾነ ግን ወለዲ ብ ሓባር ነቲ ህጻን ኣድላይ ክንክን ክገብርሉ ኣለዎም።ነፍስወከፍ ወላዲ ምስ ውላዶም/ደቆም ግዜ ምሕላፍን ምዝንጋዕን መሰልን ግዴታን ኣለዎ።
ምዕባይ ህጻን ማለት ሕጋውያን ሞግዚቱ ፣ብልምዲ ወለዱ ነቲ ህጻን ሕጋዊ ሓላፍነትታት ኣለዎም ማለት እዩ።ሕጋዊ ወላዲ ወይ ሞግዚት ነቲ ህጻን ክከናኸኑን ድሌታቱ ከማልኡን መሰልን ግዴታን ኣለዎም።እቲ ህጻን ወለዲ እንተዘይብሉ ወይ ድማ ወለዲ ናይ ወላዲ መሰሎም እንተ ተሓዲጎም ፡ መንግስቲ ሓደ እኹል ሰብ ከም ሕጋዊ ሞግዚት ነቲ ህጻን ዝኣሊ ይምዝዝ።
እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ወለዲ እንተተፋቲሖም እቲ ህጻን ምስ መን ይዓቢ ክሰማምዑ ዝሓሸ እዩ።እንተ ዘይ ተሰማሚዖም ግን ቤት ፍርዲ እቲ ህጻን ምስ መን ከም ዝዓቢ ይውስን።እቲ ምስቲ ህጻን ዘይነብር ወላዲ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ይግባእ።
ኣብ ስድራቤታውን ምዕባይን ጉዳያት ሓገዝን ደገፍን ካበይ ክርክብ ይከኣል?
ስድራቤታውን ናይ ኣተዓባብያ ጉዳያት እንተዳኣ ኣሎካ ሞያዊ ሓገዛትን ምኽርን ምሕታት ንቡርን ተመራጽን እዩ።ሓገዝን ደገፍን ድማ ብማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ ክኢላታት ስነ ኣእምሮ፣ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ፣ ከምእውን ካልኦት ሰብ ሞያን ክርከብ ይከኣል።
እቲ ህጻን ንመውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ዝኸይድ እንተዳኣ ኮይኑ ብውልቂ ምስ መማህራን፣ ኣማኸርቲ ቤት ትምህርቲ ምዝታይ እቲ ዝቀለለ መንገዲ እዩ።ሓገዛት ምስ ዘድልዩ ድማ ናብ ካልኦት ኣገልግሎታት ክሕብሩኻ ይኽእሉ።ንማሕበራዊ ሰራሕተኛ ካልኦት ኣገልግሎታት ብዝምልከት ኣብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ ምውካስ ድማ ይከኣል እዩ።ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ሓገዝን ድማ ኣለዉ፥ ከም ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት፣ ኣታዊ ዘይብለን ማሕበራት ቆጸራ ብምሓዝ ሓገዝን ደገፍን ብነጻ ምሕታት ይከኣል።
ስምምዕ መሰላት ህጻን/Convention on the Rights of the Child:
ሓለዋ ኣንጻር ጭቆና
ብኸመይ ካብ ጭቆና(ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ) ሓለዋ ይረክብ፣ሓገዝ ካበይ ይረክብ?
ኣብ ስሎቬንያ ጭቆና ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን ፣ እንተኣጋጢሙ ድማ ብሕጊ የሕትትን የቅጽዕን።ብሓፈሻ ጭቆና ክልኩል እዩ።ቅዋም ስሎቬንያ ከምዝሕግጎ መሰረት ፣ ዝኾነ ዓይነት ዘይንቡር ኣተሓሕዛ፣ ምድፍፋእ ንኲናት፣ ሓይሊ ምጥቃም ንቀቢላታት፣ ዓሌት፣ ሃይማኖታዊ ጽልኢ፣ ዝኾነ ዓይነት ዘይምጽውዋር ክልኩልን ብሕጊ የሕትትን።
ጭቆና ኣንጻር ደቀንስትዮ እቲ ልሙድ ዓይነት ጭቆና ኣብ ስሎቬንያ እዪ።ነዚ ዝምልከት ድማ ፍሉይ ሕጊ ኣንጻር ዘቤታዊ ጭቆና ይርከብ።ስድራቤታዊ ጭቆና ፡ኣካላዊ ሓይሊን ከምእውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቅጥን ፣ምፍርራሕ፣ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ውጽኢቱ ብዘየገድስ፣ ጸርፊ፣ ሽም ጠቂስካ ምርጋምን ካልኦት ረብሻታትን፣ጾታዊ ትንኮሳ፣ ዘይሕጋዊ ተነጽሎ፣ ምእጋድ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነትን ካልእን የጠቃልል።
ዝተፈላለዩ ማሕበራት ድማ ናይ ማሕበራዊ ሓገዛት ይህቡ።
ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ግዳይ እንተኮንካ ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ምድዋል ይከኣል፥ ህጹጽ ቁጽሪ 113 ንፖሊስ ወይ ድማ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ።ብካልእ ወገን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓደጋ እንተተዓዚብካ ድማ ከምቲ ልሙድ ንፖሊስ ወይ ድማ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምድዋል ይከኣል፣ ብፍላይ ድማ እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህጻን እንተኾይኑ ብህጹጽ ምሕባር ይግባእ።ብተወሳኺ ድማ ሕጋዊ ሓገዛትን ምኽርን ዝህባ ማሕበራት ኣለዋ።
ካብ ጭቆና ብኸምዚ ዝስዕብ ሓለዋ ክርከብ ይከእል፥
- ንመጥቃዕቲ ዝፈጸመ ካብ መንበሪ ምውጻእ፣
- ስርዓት ምትሓዝ፣
- ኣብ ክንዲ ግዳይ ብምክልኻልን ምውሳእን
ኣብ ልዕሊ ጭቆና ዝፍጽም ሰብ ቤት ፍርዲ ናይ ገንዘብ ወይ ማእሰርቲ መቅጻዕቲ ከሕልፍ ይኽእል።
ገበናት ጽልኢ
ናይ ጽልኢ ገበን ብ ምኽንያት ዓሌታዊ ፍልልይ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ሃይማኖታዊ እምነታት፣ብሄራዊ ወይ ዓሌታዊ መበቆል፣ ጾታ፣ ስንክልና፣ ጾታዊ ሌላ፣ ጾታዊ መንነትን ይፍጸም።
ናይ ጽልኢ መደረ/ዘረባ ፡ ማሕበራዊ መግለጺ ን ምስፍሕፋሕ፣ ምዕባይ ወይ ጽልኢ ምግላጽ፣ ኣፈላላይ፣ ጽልኢ ንዝተወሰኑ ጉጅለ ን ምክያድ ዝዓለመ ማለት እዩ።ናይ ጽልኢ መደረን ገበንን ብገበናዊ ኣንገጽ ክልኩልን ዘቅጽዕን እዩ።
ንዝኾኑ እዞም ናይ ገበን ዓይነታት ን ፖልስን ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን ምውካስ ይከኣል።
ሊንክታት
Amnesty International Slovenija/ዓለምለኻዊ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰል፡ስሎቬንያ:
Pravno informacijski center (PIC) – Legal information centre:ማእከል ሕጋዊ ሓበሬታ፡
DNK – Association for nonviolent communication:ማሕበር ዘይናዕባዊ ርክባት፡
ኮንትራትን ምቅያድ ብስምምዓትን
ኣብ ስሎቬንያ እንታይ ዓይነት ቅጺ ናይ ኮንትራት ኣለዉ ፣ ደንብታቶም እንታይ ይመስሉ?
ኮንትራት ማለት ቀያዲ ስምምዕ ኣብ ዝተወሰኑ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ኩሉ ዝሰማማዕ ወገን እዩ።ኩሎም ወገናት በቲ ኮንትራት መሰረት ክሰማምዑን ክትግብሩን ግዴተኦም እዩ።ስምምዓት ብጽሑፍ ወይ ድማ ብቃል ክኸውን ይኽእል፡እቲ ጉዳይ ምርኩስ ብምግባር፡ እንተደኣ እቲ ስምምዕ ዘይተኸብረ ፡ እቲ ዝተጎድኣ/ዝተዓመጸ ወገን ናይ ሕጋዊ መፍትሒ መሰል ኣለዎ።
ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት ናይ ቃል ስምምዓት ብብዝሒ ይረኣ።ናይ ጽሑፍ ስምምዓት ድማ ኣብ ሞባይል ተለፎን፣ ገዛ ኽራይ፣ አለክትሪክ፣ መውዓይ፣ ስራሕ፣ ኣገልግሎታት፣ ልቃሕ፣ (ንልቃሕ ዝምልከት ኣብ ምዕራፍ ባጤራን ፊናንስን ተመልከት-
ቅድሚ ምፍራም ኮንትራት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ንምምዝዛን ንምርኣይን ኣዳላውቲ ናይቲ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኾና ምምኽኻር ዝሓሸ እዩ፥ንኣብነት ናይ አለክትሪክ ኣገልግሎት፣ እቲ ናይ ኣገልግሎት ዓይነትን ዋጋታትን ኣብ ሞንጎ ዋሃብቲ ኣገልግሎት ይፈላለ። ብሓፈሻ ፡ መንበሪ ፍቃድ የድልየካ፣ ( መብዛሕትኡ እዋን ሕሳብ ናይ ባንኪ ኣብ ስሎቬንያ)፣ እዚ ድማ ኮንትራት ክትፍርም እንተተደልዩ ይኸውን።
ደቀንስትዮ ከምእውን ደቀተባዕትዮ ብማዕረ መሰል ናይ ኣብ ኮንትራት ዝግበር ስምምዓት ኣለዎም።ዝርገሓ ናይ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ስምምዕ ኮንትራት ኣብ ዕድመ ናይቲ ሰብ ይሙርከስ።ሙሉእ ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ልዕሊ 18 ዓመት) ማለት ድማ ኩሉ ዓይነት ስምምዓትን ንግድን ምክያድ ይከኣል እዩ።እስኻ ባዕልኻ ሙሉእ ሓላፍነት ናትካን ናይ ባህሪያትካን ትወስድ።
ኣብ ክልል ዕድመ 14ን 18ን ውሱን ሕጋዊ ብቅዓት ኣለካ። እዚ ማለት ድማ ኣገደስቲ ውሳኔታት ባዕልኻ ክትገብር ኣይትኽእልን፣ ወይ ድማ ሕጋዊ ሞግዚት ኣብ ስምምዕ ክፍርም ይግበኦ።
ክሳብ ናይ ጥዕና ኩነታት ኣስጋኢ ዘይኮነን ናይ ትምህርቲ መስርሕ ድማ ዘይተጎናደበ፣ ክትሰርሕ ትኽእል።ምሉእ ናይ ኮንትራት ብቅዓት ክህልወካ (ንካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ) ባዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዓን ክትከውን ይግባእ።
ገለ ሰባት ድማ ውሱን ሕጋዊ ብቅዓት ይህልዎም፡ ወላውን ካብ ክልል ዕድመ 18 ንታሕቲ እንተኾኑ፡ ኣብነት ንምሃብ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባትን፣ ወልፊ ዘለዎ ዘለዎም ሰባትን የጠቃልል።
ብሓፈሻ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ውዕል እንታይ ክፈልጥ ይግባኣኒ?
ናይ ስራሕ ውዕላት ብጽሑፍ መልክዕ ክኸውን ይግባእ፡ ቅድሚ ምጅማር ስራሕ ክኸውን ድማ ኣለዎ።ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕን ናይ ስራሕ ስምምዓትን ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመለልከት።
ዝበዝሑ ውዕላት ሓፈሻዊ ናይ ሓለዋ/ድሕነት ስምምዓት የጠቃልል።እዚ ማለት ድማ መሰላት ኣስራሕን ሰራሕተኛን የኽብር፣ ግቡእ ደሞዝ ድማ የውሕስ። እዚ ሓፈሻዊ ስምምዓት ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ይዝተየሉ።
ናይ ኣህላኺ/ተጠቃሚ መሰላት እንታይ ይመስሉ?ሓለዋ ን መሰላት ዓሚል/ተጠቃሚ ዝህብ ኣገልግሎት ኣሎ ዶ?
ከም ተጠቃሚ፡ ዘድልየካ ንብረት ወይ ድማ ኣገልግሎት ክትሽምት ነጻ ኢኻ-ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝተፈላዩ ዋጋታትን ኣገለግሎትን ከምዝህቡ ድማ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ስሎቬንያ ናይ ዕዳጋ ተቆጻጻሪ ኣካል ድማ ኣብ ዕዳጋታት ዝግበር ምንቅስቃሳት ሕጋዊ ምዃኑ ይቆጻጸር፡ እዚ ድማ፡ ውሕስነት ተጠቃሚ፣ ውሕስነት ንብረት፣ ሃለኽቲ መግብታት፣ ናይ ኢድ ስራሓት፣ ኣገልግሎታት፣ ዋጋታትን ቱሪዝም፣ ናይ ንግዲ ፍቃድን ካልእን የጠቃልል።
ባጤራን ፊናንስን
ኣብ ስሎቬንያ ገንዘብ ንምቅባልን ንምልኣኽን ሕሳብ ባንኪ ምኽፋት ይግባእ።ዝተፈላለዩ ኣብያተ ባንክን ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝህቡን ምዃኖም ድማ ይፍለጥ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ዓይነት ዋጋ ናይ ኣገልግሎት ኣይህቡን፡ ስለዝኾነ ድማ ድሌታትካ ኣብ ግምት ብምእታው ዝሰማመዓካ ባንኪ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ።ሕሳብ ባንኪ ንምኽፋት ድማ እንታይ ዓይነት ዶኩመንትታት ከምዘድሊ ምፍላጥ ይግባእ።ሓደ ሓደ ባንክታት ንወጻእተኛታት ጽኑዕ ሕግታት ኣለዎም ፡ (ዝበዝሑ ባንክታት ድማ ንሓታቲ ዑቅባ ሕሳብ ባንኪ ኣይከፍቱን)።
ዝተፈላለዩ ናይ ባንኪ ሕሳባት ኣለዉ፣ ውልቃዊ ከምእውን ንግዳዊ ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይነት ዝኽፈት ሕሳብ ባንኪ ይሙርኮስ።ዝተፈላለዩ ዓይነት ካርድታት ይርከቡ፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ቪዛ ከምእውን ማይስትሮ ይበሃሉ፡ ካብዚኦም ድማ ብምርጫኻ ናይ ልቃሕ፣ ወይ ድማ ቅድመ-ተኸፋሊ ካርድታት ክትመርጽ ይከኣል።ዝተፈላለዩ ኣገባባትን ኣጠቃቅማ ድማ ኣለዎ።ካብ ባንኪ ናይ ባንኪ ድማ ይፈላለ።
ናይ ክፍሊት ኣገባባት እንታይ ይመስል?
ኣብ ስሎቬንያ ባጤራ ዩሮ እዩ፣ ልሙድ ኣገባብ ኣከፋፍላ ድማ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ካርድ ይኸውን።ብቸክ ምኽፋል ድማ ኣይከኣልን እዩ።ንወጻኢታትን ክፍሊትን ድማ ስርዓት ክፍሊት
ምጥቃም የድሊ፡ እዚ ማለት ድማ ወሃቢ ኣገልግሎት ድማ ብመልክዕ ጶስጣ ናይ ተሌፎን፣ አለክትሪክ፣ ተለቪዥን፣ መውዓይን ካልእን ብደብዳቤ ናብ ኣድራሻኻ ይለኣኽ።ብመንገዲ ባንኪ ወይ ድማ ፖስታ ምኽፋል ይከኣል፡ተወሳኺ ካልኦት ክፍሊታት ድማ ኣብ ቤት መሸጣ ትምባኾ/ሽጋራ ምኽፋል ይከኣል።ናይ ክፍሊ ግብሪ ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፍለ(ባንኪን ፖስታ ድማ ዝለዓለ ግብሪ ኣለዎ)።
ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ብኸመይ ይኽፈል?
ክፍሊታትካ ብስሩዕ መንገዲ ክትከፍል ይግባእ።ኣብ ነፍስወከፍ ወረቀት ክፍሊት ድማ ዝወድቀሉ ዕለት ተጻሒፉ ይርከብ ፡ ግዜ እንተ ሓሊፉ ድማ መቅጻዕቲ ይህልዎ። ንኣብነት ናይ ኤለክትሪክ ሃልኪ እንተዘይተከፊሉ ድማ ወሃቢ ኣገልግሎት ናይ አለክትሪክ ምንጪ ሓይሊ ከምዝቅረጽ ይኸውን።ስለዝኾነ ድማ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊታት ኣብ እዋኑ ክኽፈል ይግባእ።
እንታይ ጥንቃቀታት ክግበር ይግባእ?
ኣተሓሕዛ ገንዘብ ዘይግቡእ እንተኾይኑ ፡ክፍሊታት እውን ኣብ እዋኑ እንተዘይተኸፊሉ ብቀሊሉ ኣብ ዕዳ ክትወድቕ ትኽእል።ስለዚ ድማ ኣብ ኣጠቃቅማ ገንዘብ ጥንቁቅ ምዃን ይግባእ።ወርሓዊ ድማ ዝተወሰነ ገንዘብ ምቅማጥ ይግባእ ፡ምኽኒያቱ ጸቅጢ ናይ ናብራን ክብሪ ዋጋታት ስለ ዘሎ እዩ።
ብዙሕ ገንዘብ ካብ ምልቃሕ ድምቁጣብ ይግባእ፡ቡዙሕ ገንዘብ ምልቃሕ ኣብ ክኽፈለሉ ዘይከኣል ደረጃ ክትወድቅ ስለ ትኽእል፣ ስለዝኾነ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ተጠቃሚ ምዃን ኣይከኣልን።ዕዳ እንተደኣ ኣሎካ ፡ ኣለቃሒ ወይ ድማ መንግስቲ ዝተወሰነ ዓቀን ገንዘብ ብቀጥታ ካብ ሕሳብካ ክወስድ ይኽእል፡ እዚ ድማ ኣብ ግዚኡ ዕዳ እንተዘከፊሉ ይኸውን።
ሓበሬታን ሊንክታትን፡
ዓበይቲ ባንክታት ኣብ ስሎቬንያ፡
- ባንክ ሉብልያና NLB
- ባንክ ማሪቦር NKMB
- SKB
- ኣባንካ ቪፓ
- ባንክ ኮፐር
- ናይ ስሎቬንያ ባንክ ዶዠልና
- ባንክ ጎረንያ
- ባንክ ኣዲኮ
- ደላቭስካ ኽራኒልሳ
ስሎቬንያ ብልምዲ እንታይ ትመስል?
ልምድታት ህዝቢ ስሎቬንያ እንታይ ይመስል?
ስሎቬን/ስሎቬንያውያን ንኡስ ብሄር ኮይኖም ኣብ ንኡስ ግዝኣት ይነብሩ።ሓድሓደ ግዜ ስሎቬንያውያን ኩላህና ነሓድሕድና ንፋለጥ ኢና ኢሎም ይዋዘዩ።ቋንቋ ስሎቬንያ ክልተኣዊ ግራመር ቁጽሪ ይጥቀም፡ ብተወሳኺ ንንጽልን ብዙሕን ፡መብዛሕትኦም ድማ ፍቅራዊ ኢሎም ይገልጽዎ።ዋና ከተማ ሉብሊያና ድማ ተፈቃሪት ዝብል ትርጉም ይሓዝል።ኣብ ስሎቬንያ ኩሉ ሰብ ካልኣይ ቋንቋ ይዛረብ።
ስሎቬንያ ኣብ ዓለም እታ ሓምላይ ሃገር ተባሂላ ተሓርያ፡ 63% ብጫካ ዝተዓብለለ ኮይኑ (ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎም ድቢ ይነብርሉ)።ብተወሳኺ ኣብ ስሎቬንያ 10000 በዓትታት ይርከብ፣ ገለ ካብ ፍሉጣት ድማ በዓቲ ፖስቶይና፣ ልዕሊ 20 ሜትሮ ቁመት ኣለዎ።
ስሎቬንያውያን ብ ናይ ግዳም ስፖርት ፍሉጣት እዮም።ኣብ ግዜ ሙቀት ሰባት ብሽግለታ፣ ሸታሕታሕ፣ ካልእ ጸወታትን ክጻወቱ ምርኣይ ሉሙድ ተርእዮ እዩ።ውድድር ሸታሕታሕ በረድ ምስ ጀመረ ሰባት ኣብ ትቪ ኮይኑም ክድግፉን ከጣቅዑን ይረኣዩ።
ካልእ ልሙድ ጸወታ ድማ ናይ ኣኽራን ምድያብ ጸወታ እዩ።ናይ ብሓቂ ስሎቬንያዊ እንተኮንካ ን ጎቦ ቲሪግላቭ፣ እቲ ዝበረኸ ኣብታ ሃገር ፡ብውሑዱ ሓደ ግዜ ክትድይቦ ኢኻ።
ጉዕዞ እግሪ፡
ስሎቬንያውያን ጥዑም ምግቢ፣ መስተ፣ ደሓን ዕርክነትን የዘውትሩ። ዞባታት ስሎቬንያ ነናቶም ፍሉይ መግብታት የዳልዉ።ፍሉጥ መግብታት ድማ ክራኒስካ ክሎባሳ(ሰውሳጅ)፣ ሽትሩክሊ፣ (ብፍሉይ ኣገባብ ዝዳሎ)ፖቲሻ ካልኦትን ዝውቱራት መግብታት እዮም።መስተ ወይኒ ድማ ሓደ ካብቶ ዝውቱራት መስተታት እዩ።
ገለ ካብቲ ኣገራሚ ልምድታት ስሎቬንያውያን ድማ ሽንት ቤት/ቶይለት ሸበጥ ዝበዝሖ እዩ። ስለዚ ገዛ ናይ ስሎቬንያዊ እንተድኣ ተዛዊርኩም ጫማ ከተውጽኦ ሓቲቶም ሸበጥ እንተሂቦሙኻ ኣይትገረም።
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንታይ ማለት እዩ?
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ካብ መበቆላዊ ማለት ትዉልዲ ሃገሮም ብምኽንያት ከቢድ ፍርሕን ብዘጋጥሞም ጭቆናን ንኽስደዱ ዝተገደዱ ሰባት አፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።
ዓይነታት ዓለም ለኻዊ ሐለዋ እንታይ ይመስሉ ?
ክልተ ዓይነት ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣለዉ፡ ናይ ስደተኛ ደረጃ ከምእውን ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ።እዞም ክልተ ዓይነት ሓለዋ ድማ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዓንቀጽ ኣዋጅ ተገሊጾም ይርከቡ፡
- ስደተኛ
ደረጃ ስደተኛ ንናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ ይወሃብ ፡እዚ ድማ ማለት ካብ ትውልዲ ሃገሩ ብምኽንያት ጭቆና ኩናት ወይድማ ናዕቢ ንክወጽእ ወይድማ ክሃድም ዝተገደደ ማለት እዩ። ስደተኛ ሱርሰደድ ፍርሒ ናይ ጭኮና ብምኽንያት ዓሌታዊ ሃይማኖታዊ ቀቢላዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይድማ ኣባልነት ምስ ዝኾነ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምኻን ኣለዎ። መብዛሕቱ ኣጋጣሚታት ናብ ትውልዲ ሃገሩ ናይ ምምላስ ስግኣት ኣለዎ ኩናት ቀቢላዊ ግጭት ሃማኖታዊ ዓሌታዊ ግጭት ካብቶም ስድተኛ ሃገሩ ገዲፉ ንክሃድም ዝግድድዎ ረቃሕታትእዮም፣ ወይ ንሃገር ኣልቦ ሰብ፡ ካብቲ ቅድም ዝቅመጠሉ ዝነበረ ሃገር ክወጽእ ዝተገደደ ክምለስ ዘይክእል ከቢድ ፍርሒ ዘለዎን ይኸውን።
- ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ
ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ማለት ንዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ወይድማ ሃገር ኣልቦ ሰባት ንናይ ስደተኛ ደረጃ ብቁዓት ዘይኮኑ እንተኾነ ግን ከቢድ ምኽንያት ናይ ስግኣትን ስቅያትን ሞትን ከምዘለዎም ዝእመነሎም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።ንሃገር ኣልቦ ሰብ ብዝምልከት ናብ ዝነብረሉ ዝነበረ ሃገር እንተተመሊሱ ከቢድ ስግኣት ዘለዎ ምስ ዝኸውን ናይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ይወሃቦ።
ብኸመይ መንገዲ ዑቅባ ወይ ሓለዋ ኣብ ስሎቬንያ ይሓትት?
ወላ`ውን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገረ ስሎቬንያ እንተ ኣተኻን ዶኩመንት እውን እንተዘይሃለወካን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ክትሓትት ትኽእል።ከም ኣመልካቲ ዑቅባ ኩነታት መህደሚኻን ዝወረደካ ጉድኣትን ዘጋጠመካ ስቅያትን ክትገልጽ ይግባእ።
መስርሕ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
- ምምልካት ንዑቅባ
ከም ሓታቲ ዑቅባ ንስሎቬንያ ምስ ኣተኻ ዑቅባ ከተመክት ይግባእ።ስለዚ ንዝኾነ ኣባል ፖሊስ ወይ ድማ ክፍሊ ፖሊስ ክትሕብር ይግባእ።እንተደኣ ንዑቅባ ኣመልኪትካ ናብ መዕቆቢ ማእከል ትውሰድ።
ብቀዳምነት፣ ምዝገባን ሕክምናዊ መርመራን ይካየድ።ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ዑቅባ መሕተቲኻ ምኽኒያትን ብኸመይናብ ስሎቬንያ ከምዝመጻካን ትሕተት።ቅድሚኡ ግን ብዝርድኣካ ቋንቋ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ምውሃብ መሰል ኣለካ።
ቀጺሉ ድማ ፣ ቃለ መሕትት ይህልወካ፣ ኣብኡ ድማ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኻ ካልእ ተቅርብ።ዶኩሙንትታት ንመረጋገጺ ዝኣክል ከተቅርብ ይግባእ(ዓንቀጻት ጋዘጣ፣ ኣሳእል፣ ወግዓዊ ዶኩመንት ከም ጥርዓንን ሕክምናዊ ጸብጻብ)።ኣብ ግዜ ቃለ መሕትት ዘድሊ ዶኩመንትታትን ምኽንያታትን ዘይምቅራብ ነቲ ምምልካት ዑቅባ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል።ኣድላይነቱ ተራእዩ ንካልእይ ግዜ ቃለ-መሕትት ክካየደልካ ይኽእል።
ናይ ሓታቲ ዑቅባ መንነት ካርድ ትቅበል። እዚ ድማ ዶኩመንት መንነት ይኸውን። ስምካ ኣብ ግዜ ምእካብ ሓበሬታ ኣብ ፈለማ ቃለ መሕትት ኣብ መዕረፊ ማእከል ብትኽክል ከተቅርብ ይግባእ።እተቅርቦ ስም ንቀጻሊ ስምካ ይኸውን፡ ኣብ መንነት ካርድ ፣ ፓስፖርት፣ ወዘተ ።ልክዕ ከቲ ኣብ ቃለመሕትት ዝተሰነደ ይጸሓፍ።
- ምርግጋጽ ሓላፍነት ትወስድ ሃገር
ናይ ዑቅባ ሰብ መዚ መርመራታት ብምክያድ ኣየነይቲ ሃገር፣ ስሎቬንያ ወይ ካልእ ሃገር ሓላፍነት ንምሕታት/ምምልካት ዑቅባ ከምእትወስድ የለልዩ።ተኣተፍነትካ ኣብዚ ጉዳይ ዑዙዝ ክኸውን ይግባእ።ኩሉ ሓበሬታ ንሰብ መዚ ከተቅርብ ይግባእ(ብኣብነት፣ ስምካን ዕለተ ልደትካን)።ኣብ ስሎቬንያ ዑቅባ ክትረክብ ኣይትኽእልን እንተደኣ ኣብ ካልእ ውሕስነት ዘለዎ ሃገር ኔርካ።
እንተደኣ ስሎቬንያ ሓላፍነት ናይ መስርሕ ዑቅባ ትወስድ ሃገር ኮይና ፡ሰብ መዚ ናይ ዑቅባ ሕቶኻ ይምርምሩ። እንተዳኣ ብቁጠባዊ ጸገም ካብ መበቆል ሃገርካ ወጺኻ ዑቅባ ኣይትረክብን(ንኣብነት፣ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ኣብ መበቆል ሃገርካ እንተዘይብልካ)።ዘለካ ዶኩመንት ንሰብ መዚ ከተርእይ ይግባእ።ኣብ ግዜ ዑቅባ ሰብ መዚ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክረኽቡኻ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ ቆጸራታት ኣብ ግዜ ክትርከብ ይግባእ።ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቅባ ድማ ኣብ ስሎቬንያ ክትህልዉ ይግባእ።
- ውሳኔ
ሰብ መዚ ናይ ዑቅባ ሕቶኻ ይምርምሩ። እቲ መስርሕ ኣስታት 6 ወርሒ ይወስድ፣ ኣብ ክውንነት ግን ክሳብ ክልተ ዓመት ክወስድ ይኽእል(ብመደብ ዳግመ ሰፈራን ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራን ዝመጹ ግን ኣስታት ክልተ ወርሒ ይወስድ)።እቲ ውሳኔ ድማ ብጽሑፍ መልክዕ ምስ ዘድሊ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት፣ ግቡኣት፣ ግዜን መንገድታት ናይ ምፍጻም ጠለብ ይቀር ብ።እቲ ውሳኔ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
- ኣፍልጦ ንዓለም ለኻዊ ዑቅባ -ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ድማ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ
- ዘይቅቡል/ንጹግ ውሳኔ
- እንተደኣ ኣብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሃገር ዑቅባ ሓቲትካ ኔርካ ሕቶ ጠለብ ዑቅባኻ ይንጸግ፣ ናብታ ሃገር ድማ ትጥረዝ
እንተዳኣ ናይ ምቅባል ውሳኔ ኮይኑ፡ ናይ ስደተኛ ደረጃ ትረክብ ወይ ዓይነታዊ ሓገዝ ደረጃ-ኣብ ስሎቬንያ ክትነብር ይከኣል።
እንተደኣ ዘይቁቡል /ንጹግ ውሳኔ ኮይኑ ፡ናይ ዳግመ መርመራ ዕድል ይህሉ ብፍላይ ተወሳኺ መርትዖ ሃልዩ፣እንተዘይሃልዩ ግን ጥርዓን ከተቅርብ ትኽእል።
ጥርዓን
ጥርዓን ኣንጻር ናይ ፈለማ ውሳኔ ንላዕለዋይ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ተቅርብ ።ነጻ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ይምዘዘልካ።እንተደኣ ሕጅውን እቲ ውሳነ ከም ናይ ፈለማ ንጹግ ውሳኔ ኮይኑ ካብ ስሎቬንያ ክትወጽእ ትግደድ።ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣብ ፖስቶንያ ትቅመጥ(50 ኪ.ሜ. ካብ ሉብሊያና)።ዕጹው መዕቆቢ እዩ፣ እዚ ማለት ነቲ ቦታ ገዶፍካ ክትወጽእ ኣይፍቀድን፣ ካብኡ ድማ ን ሃገርካ ትጥረዝ።
እንተደኣ ዑቅባ ዘሓቲተ እንታይ የጋጥመኒ?
እንተደኣ ዑቅባ ዘይሓቲትካ ካብ ስሎቬንያ ክትወጽእ ትግደድ።ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣብ ፖስቶንያ ትቅመጥ(50 ኪ.ሜ. ካብ ሉብሊያና)።ዕጹው መዕቆቢ እዩ፣ እዚ ማለት ነቲ ቦታ ገዶፍካ ክትወጽእ ኣይፍቀድን፣ንሓደ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊኣብኡ ክትጸንሕ ትኽእል፣ ካብኡ ድማ ን ሃገርካ ትጥረዝ።
ከም ሓታቲ ዑቅባ ኣበይ ይቅመጥ/ይነብር?
ንውሳኔ ናይ ዑቅባ/ሓለዋ ዝጽበ ሓታቲ ዑቅባ መጠን፣ ኣብ መዕረፊ ማእከል ንሓተቲ ዑቅባ ትእንገድ።ኣብ ስሎቬንያ ሰለስተ መዕቆቢ ማእከላት ኣለዉ፣ 2 ኣብ ዋና ከተማ ሉብሊያና ከምእውን ሓደ ኣብ ሎጋተጽ፣ ኣስታት 30 ኪ.ሜ. ካብ ሉብሊያና ይርከቡ። ኣብ መዕቆቢ ማእከል መሰረታውያን ናይ –
ህይወት ነገራት ይዳለዉ፣ መግቢ፣ ኣልባሳት፣ ናውቲ ጽሬትን ካልእን። ውሑድ ናይ ጁባ ገንዘብ ድማ ይወሃበካ(18 ዩሮ)።መሰረታዊ ናይ ጥዕና ክንክንን መዘናግዒ ፣ ትምህርታዊ(ትምህርቲ ቋንቋ) ሞያዊ ንጥፈታት ይርከቡ። ናይ ስንኣእምሮኣውን ሕጋዊ ሓገዛት ብዝተፈላለዩ ማሕበራት እውን ተዳልዩ ይርከብ። ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት።
ኣብ ፍሉይ ኩነታት ድማ (ንኣብነት ናይ ጥዕና ጸገማት) ኣብ መዕቆቢ ማእከል ወጻኢ ክትነብር ይፍቀደካ። ንሓገዛትን ካልእ ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ጉዳያት ድማ ኣብ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ድሕሪ ናይ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ምንባር ኣብ መዕቆቢ ማእከል ከተመልክት ይከኣል።
ከም ሓታቲ ዑቅባ እንታይ መሰላት ኣለዉኒ?
ከም ሓታቲ ዑቅባ ንካልኦት ሕጋውያን መስርሓት ብመሰረት ሕጋዊ ደረጃ ክትቅጽል ዕድል ይወሃበካ።መትከል ኣገዲድካ ዘይምጥራዝ ዝተሓለወ እዩ። ዓለም ለኻውያን መትከላት ንደቂ ሰባት ናብ ዝነበርዎ ሃገር ኣገዲድካ ምምላስ ይኽልክል፣ ንግዱድ ምጥራዝ ናብ ስግኣት ዝህልወን ሃገራት ይእግድ።
መሰላትን ግቡኣትን ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ሕጊ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ተደንጊጉ ይርከብ፡
ኣብ ስሎቬንያ ሓታቲ ኦኡቅባ እንተኾንካ እዞም ዝስዕቡ መሰላት ይህልወካ ፥
- ምንባር/ምቅማጥ ኣብ ስሎቬንያ
- እቲ መስርሕ ብዝርደኣካ ቋንቋ ምክትታል
- ሓበሬታ ምርካብ
- ነጻ ናይቲ መስርሕ ሕጋዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ምምሕዳራውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ትረከብ
- መሰረታዊ ክንክን ኣብ መዕቆቢ ማእከል (መንበሪ ክፍሊ፣ መግቢ፣ ኣልባሳት፣ ሳእኒ፣ ናውቲ ጽሬት- ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት
- ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ናይ ግሊ ኣድራሻ ምስ እትቅመጥ- ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት)
- ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ- ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት)
- ዕድል ትምህርቲ-ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት
- ናይ ዕዮ/ስራሕ ዕድል – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመልከት)
- ሰብኣዊ ሓገዝ – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመልከት)
- ናይ ጁባ ገንዘብ(18 ዩሮ ንወርሒ)
ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባ ፍሉይ ናይ ሕክምናዊ ክንክን መሰል ኣለወም-ናይ ዕዮ/ስራሕ ዕድል – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመልከት።
ከም ሓታቲ ዑቅባ እንታይ ግዴታታት ኣለዉኒ?
ከም ሓታቲ ዑቅባ ንካልኦት ሕጋውያን መስርሓት ብመሰረት ሕጋዊ ደረጃ ክትታሓባበር ይግባእ፣ ብካልእ ኣገላልጻ ጻውዒት ሰብ መዚ ምኽባር ስለምንታይ ናብቲ ትውልዲ ሃገርካ ክትምለስ ከም ዘይትኽእል ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ምኽንያታት ምሃብ፣ እንተተኻኢሉ ድማ መርትዖ ምቅራብ። ሓተትቲ ዑቅባ ናይ ስሎቬንያ ሕግን ናይ ገዛ /መዕቆቢ ማእከል ሕግታትን ምኽባር ይግበኦም።እንተኾነ ግን ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቅባ ቅድሚ ውሳኔ ምርካብካ ኣይከኣልን።ኩሎም ህጻናት ናብያተ ትምህርቲ ክኸዱ ይግባእ(ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት)።
መሰላትን ግቡኣት ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም እንታይ ይመስሉ?
መሰላትን ግቡኣትን ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ሕጊ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ተደንጊጉ ይርከብ፡
ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣብ ስሎቬንያ እንተደኣ ኣሎካ እዞም ዝስዕቡ መሰላትይህልዉኻ፥
- ሓበሬታ ብዛዕባ ደረጃ ዑቅባ ፣ ናይ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ንዘለዎም ሰባት ዝህልዎም መሰላትን ግቡኣትን
- ቀጻሊ ናይ መንበሪ ፍቃድ ኣብ ሃገረ ስሎቬንያ- ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዓለምለኻዊ ዑቅባ/ሓለዋ ተመልከት
- ምእንጋድ ኣብ መቀበሊ ማእከል ብዓቅሚ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት(መንበሪ ንማሕበራዊ ምውህሃድ) – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት)
- ኣብ ናይ ግሊ መንበሪ ዝህልዉ ገንዘባዊ ሓገዝ ምውህሃድ – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት
- ክንክን ጥዕና -ልክዕ ከም ናይ ስሎቬንያ ዜጋ ምውህሃድ – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት link to health
- ማሕበራዊ ክንክን–ልክዕ ከም ናይ ስሎቬንያ ዜጋ- ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት link to health
- ዕድል ትምህርቲ-ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት
- ዕዮ/ስራሕ -ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕዮ/ስራሕ ተመልከት
- ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ሓገዝ- (ብናይ ምውህሃድ ቤት ምኽሪ ዝተዳለወ)
ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባ ፍሉይ ናይ ሕክምናዊ ክንክን መሰል ኣለወም-ናይ ዕዮ/ስራሕ ዕድል – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመልከት
ዓለም ለኻዊ ዕቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ናይ ሃገረ ስሎቬንያ ሕግን ናይ ገዛ ሕግታትን ከኽብሩ ይግባእ።ህጻናት ድማ ክመሃሩ ይግባእ – ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።ብተወሳኺ ናይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት መሰል ይህልዎም እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ይኸውን -ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመልከት።
ተወሳኺ ሓበሬታን ሊንክታትን
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት ኢዩ?
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት ኢዩ?
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብ ሕብረት ኣውሮፓ ናይ ምትሕግጋዝ ዝተዳለወ ኮይኑ ንሓለዋ ዘለዎም ሰባት ካብ ሓንቲ ኣባል ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገር ናብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገር ዳግም ምስፋር ማለት ኢዩ።ጽዕንቶ ኣውሮፓዊት ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዶባት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ዝርከባ ሃገራት ንምቅላል ዝዓለመ ፕሮግራም ኢዩ።መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ መደብ ድማ ብሓባራዊ ውሳኔ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገራት ዝተደገፈ ኢዩ።
ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣዮኖት እዋናውያን ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ይርከቡ?
ብምኽንያት ቀጻልናት ዋሕዚ ጠለብ ሓለዋ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ኣብ ዓመተ 2015 ክልተ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ስምምዓት ተበጺሑ።ኣውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ግንቦት 2015 መደብ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናይ 40000 ሰባት ካብ ኢጣልያን ግሪክን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።ስዒቡ ድማ ጠለብ ሓለዋ ኣብ መስከረም 2015 ዘቅረቡ 120000 ሰባት ተወሳኺ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሓንጺጹ።ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ለበዋትት ብ ጠቅላላ 160000 ሰባት ካብ ግሪክ ፣ኢጣልያ፣ከመእውን ሃንጋሪያ ተቀባልነት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ብዝተፈላዩ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ክረኽቡ ኢዮም።እንተኾነ ግን ነቲ ለበዋ ሲዒቡ ሃንጋርያ ኣብ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዘይተስተፍነታ ኣፍሊጣ። ስለዝኾነ ድማ አቲ መደብ ካብ ኢጣልያን ግሪክን።
ሕጋዊ መስፈሪታት ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ
ሕጋዊ መሰረት ናይዚ ህልው መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ኢዩ?
ሕጋዊ መሰረት ናይዚ መደብ እዚ ውሳኔ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ን ዳግመ ምውዛዕ ስደተኛተት፣ ካብ ዝኣትውለን ሃገራት (ኢጣልያ/ግሪክ) ናብ ኣባል ሃገር ከምእውን ውሳኔ ናይ ዝምልከቶ ሚንስትሪ ኣባል ሃገር ።ንስሎቬንያ ብመሰረት ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝኣትዉ ሰባት ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ኣተሓሕዛ ይህልዎም።
ብኸመይ ይትግበር?
እውናዊ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?
ሕርያ ናይ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ኣብ እማመ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ኢጣልያን ግሪክን ብ ምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ (EASO
(European Asylum Support Office) ይካየድ።ኣብ ዝቅጽል ስጉምቲ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስሎቬንያ ፍቃድ ምቅባል ይህብ።ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዛጊት ኣብ ኢጣልያ /ግሪክ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ዘለዎም ሰባት ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ብውሑዱ 75% ናይ ሓለዋ ገምጋም ዘለዎም ዘካተተ ኢዩ።ዛጊት ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ጠለብ ዑቅባ ዘቅረቡ ሰባት ግናብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።
በዚ ውሽጣዊ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሃገረ ስሎቬንያ ከም ዝተቀበለትካ መጠን ፣ድሕሪ ምእታው ናብታ ሃገር ሙሉእ ናይ ዑቅባ መስርሕ ከተካይድ ይግባእ።ፈለማ ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት ክትምዝገብ ይግባኣካ፣ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝተዳለወልካ ቦታ ትቅመጥ፣ድሕሪዚ ናይ ምዝገባ ግዜ እቲ መስርሕ ልክዕ ከምቲ ልሙድ ሕቶ ጠለብ ንዑቅባ ይኸውን፣ቀጺሉ ድማ ቃለ መሕትት ይኸውን።
ብውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናብ ስሎቬንያ እንተሓርየ ዝስዕቡ ስጉምትታት እንታይ ይመስሉ?
ሃገራዊ ናይ ዑቅባ ሰበስልጣናት (national asylum authorities) ኣብ ግሪክን ኢጣልያን ብምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ንዑቅባ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ከም ሕጹይ ክመርጹካ ይኽእሉ፣ቀጺሉ ናብ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስሎቬንያ የሰጋግሩኻ።እታ ሃገር ናይ ምቅባል ደገፍ ምስ ሃበት ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM)ይዋሳእ። ብወገንካውን እቲ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ውሳኔ ናብ ስሎቬንያ እንተ መሪጽካ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ብቀጥታ ኣብ ናይ ተጠቀምቲ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝርዝር ኣስማት የእትወካ።
ቀጺሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር ነቲ ኣገዳሲ ናይ ቅድመ ምብጋስ ኩነታት ንጥፈታታብ ግብሪ ንምውዓል ይንቀሳቀስ፣እዚ ድማ ብዛዕባ ጉዕዞ ሙሉእ ሓበሬታ ከምዘለካን ብኽብረትን ውሕስነትን ከምእትጓዓዝ የጠቃልል።ኣገዳስነት ሙሉእ ጥዕና ንምርግጋጽ ናይ ጥዕና መርመራን ከምእውን ብቁዕ-ን-ጉዕዞ መርመራ የካይድ።ኣገዳሲ ሓበሬታ ድማ ምስ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ሃገር ይለዋወጥ።ኣገዳስነት ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣካል ድማ ይሕበር፣ብኽብረትን ውሕስነትን ድማ ትሳፈር።
IOM ብተወሳኺ ናይ ቅድመ ምብጋስ ናይ ምልላይ ኣኼባታት የካይድ ።እዚ ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያን ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ይኸውን።እዝውን ሙቹእ ዕድል ንምእካብ ሓበሬታ ብዛዕባ ተመዲብካሉ ዘለኻ ሃገር ፣ትጽቢታትካ ንምቁጽጻርን ፣መባእታዊ ናይ ድሕረ ምቅባል ግዜን ፣ሓገዝ ንምውህሃድ የጠቃልል።
ነቲ ጉዕዞ ብዝምልከት ድማ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ምንቅስቃስ ይቆጻጸር፣ቅድመ-ምብጋስ ኣኼባ የካይድ ፣ኣብዚ እዋን `ዚ ድማ ሓፈሻዊ ግብራዊ ዝርዝር ናይቲ ጉዕዞ የዳሉ፣መሰጋገሪ በረራ ንዘለዎም ድማ ዝሕግዝ፣ከምእውን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ንዝኣትዉ ድማ ይቅበል።
ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ምምዳብ ክንደይ ግዜ ይወስድ?
ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብቁዕ ምዃንካ እንተትወሲኑ ፡ ምስግጋር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ይካየድ።ብ ገምጋም ኣስታት 2 ወርሒ ይወስድ።
ስሎቬንያ ምስ አተኹ እንታይ የጋጥመኒ?
ድሕሪ ናብ ስሎቬንያ ምእታውካ ኣብ ናይ ዑቅባ ማእከል ትእንገድ (ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ዑቅባ ማእከል ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት)።ፈለማ ምዝገባን መባእታዊ ሕክምናዊ መርመራ ይካየድ።ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ብዛዕባ ምኽንያት መውጽኢ ካብ ሃገርካን፣ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ኣብሃገረ ስሎቬንያ ከም ዘድልየካን ካልእን ከተቅርብ ትሕተት።ቅድሚኡ ግን ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን መስርሕ ዑቅባ ብዝርዳእካ ቋንቋ ይወሃበካ።
ቀጺሉ፡ ንቃለ መሕትት ትዳሎ ፡ ኣቡኡ ድማ ዛንታኻ ብዝርዝር ተቅርብ።መረጋገጺ መንነት ተዳሉ እዚ ድማ ጽሑፋት፣ ወግዓዊ ዶኩመንት (ጥርዓን ወይ ሕክምናዊ ጸብጻብ)።ሕቶ ጠለብ ብምኽንያት ዘይሙሉእ ዶኩመንት ወይ ድማ ግዜ ናይ ሕቶ ጠለብ ክንጸግ ኣይክእልን።ኣድላይነቱ ተራእዩ ክልተ ግዜ ቃለ መሕትት ክካየድ ይኽእል።
ናይ ሓታቲ ዑቅባ መንነት ካርድ ትቅበል። እዚ ድማ ዶኩመንት መንነት ይኸውን። ስምካ ኣብ ግዜ ምእካብ ሓበሬታ ኣብ ፈለማ ቃለ መሕትት ኣብ መዕረፊ ማእከል ብትኽክል ከተቅርብ ይግባእ።እተቅርቦ ስም ንቀጻሊ ስምካ ይኸውን፡ ኣብ መንነት ካርድ ፣ ፓስፖርት፣ ወዘተ ።ልክዕ ከቲ ኣብ ቃለመሕትት ዝተሰነደ ይጸሓፍ።
ዝምልከቶም ሰበስልጣን ናይ ዑቅባ ሕቶኻ ይምርምሩ።ንዝምልከቶም ሰም መዚ ድማ ኩሉ ዶኩመንትኻ ከትርኢ ይግባእ።ኣብ ዝኾነ ግዜ ድማ ሰበስልጣን ዑቅባ ክረኽቡኻ ክኽእሉ ይግባእ። ኣብ ቆጸራታት ድማ ኣብ ግዜኻ ክትርከብ ይግባእ።ኣብ መስርሕ ዑቅባ ድማ ኣብ ማእከል መዕረፊ ስደተኛታት ክትረክብ ይግባእ።
እቲ መስርሕ ኣስታት ክልተ ወርሒ ይወስድ።ውሳኔ ድማ ብጽሑፍ መልክዕ ምስ ዘድሊ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት፣ ግቡኣት፣ ግዜን መንገድታት ናይ ምፍጻም ጠለብ ይቀር ብ።እቲ ውሳኔ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
- ኣፍልጦ ንዓለም ለኻዊ ዑቅባ -ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ድማ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ(ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ደረጃ ዕቅባ, ምዕራፍ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ተመልከት)
- ዘይቅቡል/ንጹግ ውሳኔ
እንተዳኣ ናይ ምቅባል ውሳኔ ኮይኑ፡ ናይ ስደተኛ ደረጃ ትረክብ ወይ ዓይነታዊ ሓገዝ ደረጃ-ኣብ ስሎቬንያ ክትነብር ይከኣል።
እንተደኣ ዘይቁቡል /ንጹግ ውሳኔ ኮይኑ ፡ናይ ዳግመ መርመራ ዕድል ይህሉ ብፍላይ ተወሳኺ መርትዖ ሃልዩ፣እንተዘይሃልዩ ግን ጥርዓን ከተቅርብ ትኽእል።
ጥርዓን ኣንጻርናይ ፈለማ ውሳኔ ን ላዕለዋይ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ተቅርብ ።ነጻ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ይምዘዘልካ።እንተደእ ሕጅውንእቲ ውሳነ ከም ናይ ፈለማ ንጹግ ውሳኔ ኮይኑ ካብ ስሎቬንያ ክትወጽእ ትግደድ።
ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣብ ፖስቶንያ ትቅመጥ(50 ኪ.ሜ. ካብ ሉብሊያና)።ዕጹው መዕቆቦ እዩ፣ እዚ ማለት ነቲ ቦታ ገዶፍካ ክትወጽእ ኣይፍቀድን፣ ካብኡ ድማ ን ሃገርካ ትጥረዝ።
ኣበይ ይነብር?
ከም ሓታቲ ዑቅባ ኣብ መዕረፍ ማእከል ትቅመጥ።እንተደኣ ቁቡል ውሳኔ ረኺብካ ኣብኡ ወይ ናይ ግሊ መንበሪ ክትነብር ትኽእል።ንሓበሬታ ምዕራፍ መንበሪ/ገዛ ተመልከት።
ዝህልወኒ መሰላት እንታይ ይመስሉ?
ዝህልወካ መሰላት ኣብ ዝወሃበካ ደረጃ ይምርኮስ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ መሰላትን ግቡኣትን ተመልከት።
ኣዮኖት ማሕበራዊ ሓገዛትን ኣገልግሎታትን ይህልዉኒ?
ካብ መንግስቲ ናይ እትቅበሎ ሓገዝ ዓቀን ኣብ ዝወሃበካ ደረጃ ዑቅባ ይሙርከስ።ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምዕራፍ ሰብኣዊ ሓገዛትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ተመልከት።link-social welfare and social security
ስድራቤተይ ንስሎቬንያ ክጥርንፍ ይኽእል ዶ?
እንተድኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ /ሓለዋ ኣሎካ ስድራቤትካውን ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣለዉ ፡መሰል ጥርናፈ ስድራቤት ኣሎካ፣ እሳቶም ድማ ብመሰረት ሕጊ ስሎቬንያ ዳግም ምሳኻ ክጥርነፉ ይኽእሉ፣ እሳቶም ድማ ፥
- በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት(እንተድኣ ምርዑው ኮንካ) ወይ ንነዊሕ ግዜ ጾታዊ ዝምድና ዘለካ ግን እንተደኣ ቅድሚ ናብ ሃገረ ስሎቬንያ ምእታውካ ኮይኑ፣
- ናትካ ወይ ናይ በዓልቲ ቤትካ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ፣ ልዕሊ 18 ዕድመ ድማ እንተደኣ ስሩዕትምህርቲ ዝከታተሉን ዘይተመርዓዉን ኮይኖም፣
- ወለዲ ወይ ድማ ሞግዚት/ዘዕበዩኻ(ናይ ወለዲ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት) እንተደኣ ትሕቲ ዕድመ ህጻን ኮንካ፣
- ኣብ ፍሉይ ኩነታት ድማ ናይ ቀረባ ቤተሰብ(ንኣብነት ዓበይቲ ወለዲ፣ ምስኦም ዝተቀመጥካን ካባኻ ዝጽበዩን ምስ ዝኾኑ )።
ስርዓት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ።ዝተፈላለዩ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣለዎም።
- ሓታቲ ዑቅባ
ከም ሓታቲ ዑቅባ መጠን ስድራቤትካ ክትጥርንፍ ኣይከኣልን።
- ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ
ዑቅባ/ሓለዋ ዝተዋህበካ ሰብ እንተደኣ ኮንካ ስድራቤትካ ናብ ስሎቬንያ ክጥርነፉ ይኽእሉ።ኩሉ ኣባል ስድራቤት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ምቅባልዑቅባ/ሓለዋ ከመልክቱ ይግባእ።ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ስድራቤት ምጥርናፍ ዝቀለለ እዩ፣ ስለዚ ብቅልጡፍ ክትጥርንፍ ይግባእ።
- ሓለዋ/ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ
እንተደኣ ስድራቤትካ ድሕሪ ምቅባል ሓለዋ ካብ ሰለስተ ወርሒ ንላዕሊ ክጥርነፉ ሓቲትካ ገለገለ መምዘኒታት ከተማልእ ትግደድ(እኹል ኣታዊ፣ ውሕስነት ጥዕናን ዶኩመንት መንቀሳቀሲ)።እዚ ዝተጠቅሰ ከተማልእ ድማ ይኸብድ፡ስለዚ ድማ ኣብ ናይ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ከተመልክት ይግባእ።
ስድራቤታዊ ዳግመ ጥርናፈ ምምሕዳራዊ መስርሕ ኮይኑ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝኽእል እዩ።ስለዝኾነ ድማ ሓገዛትን ደገፍን ንስደተኛታት ዝህቡ ማሕበራት ምውካስ ይግባእ(PIC, ናይ ስሎቬንያ ሓገዝ ማሕበር፣ ቀይሕ መስቀል) ጌጋታት ንምውጋድ ክትውከስ ይግባእ።
ተወሳኺ ሓበሬታን ሊንክታትን፥
ዳግመ ሰፈራ
ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት እዩ?
ዳግመ ሰፈራ፡ ንብፍሉይ ተጠቃዕቲ ስደተኛታት ናይ ምሕላው መንገዲ ወይ መስርሕ ኢዩ።እዞም ስደተኛታት ድማ ካብ ናይ ፈለማ ተቀባሊት ሃገር ብምኽንያት ኲናት፡ግጭት፡ ወይ ድማ ጭቆና ዝተዓቅቡላ ፡ናብ ሳልሳይ ሃገር ተቀባልነት ሓለዋ ንስደተኛታት ትህብ ይሰጋገሩ። ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት(UNHCR) ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ትካል( UNRA) ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አማዕቢሉ ይርከብ።
ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤
ዝበዝሑ ስደተኛታት ቁልጡፍ ሓለዋ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ይደልዩ።(ካብዚኦም ሒደት ሚእታዊ ድማ ናብ ርሑቅ ናይ ኤውሮፓ ሕብረት ሃገራት ዑቅባ ንክሓቱ ይንቀሳቀሱ) ፡ እንተኾነ ግን ዘተአማምን ምትሕብባርን ንነዊሕ ዝዓለመ ክንክን አብተን ሃገራት ውሑስ አይኮነን።
- ሕጋዊ መስፈሪታት ን ዳግመ ሰፈራ
ንተቀባልነት ዳግመ ሰፈራ እንታይ የድሊ?
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) 8 መምዘኒታት ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አዳልዩ ይርከብ።እዚ ድማ “ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ነጥብታት” ይበሃል። ብሓፈሻ ስደተኛታት ክመዝገቡን አፍልጦ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ክህልዎም ይግባእ።ብ ውሑዱ ሐደ ካብዚ ዝስዕብ ዘማልኡ ውልቀ ሰባት ንዳግመ ሰፈራ አብ ግምት ይአትዉ።
- አድላይነት ሕጋውን አካላውን ሓለዋ
- ካብ ጭቆናን ግጭትን ዝደሓኑ
- ሕክምናዊ አድላይነት
- አብ ስግአት ዝርከባ ደቀንስትዮ
- ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
- ህጻናትን ብጹሓትን
- ሽማግለ ስደተኛታት
- ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) 8 መምዘኒታት ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አዳልዩ ይርከብ።እዚ ድማ “ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ነጥብታት” ይበሃል።ብሓፈሻ ስደተኛታት ክመዝገቡን አፍልጦ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ክህልዎም ይግባእ።ብውሑዱ ሐደ ካብዚ ዝስዕብ ዘማልኡ ውልቀ ሰባት ንዳግመ ሰፈራ አብ ግምት ይአትዉ።
መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?
- ምርጫን ምግዓዝን ስደተኛታት ከም አካል መስርሕ ዳግመ ሰፈራ አዝዩ ዝተሓላለኸን ብዙሓት ዓለም ለኻውያን ተዋሳእቲ አለውዎ።ተጠቃሚ መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ንሙዃን ድማ መጀመርታ አፍልጦ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት( UNHCR ) ክህሉ ይግባእ።ብተወሳኺ ፍሉይ ደረጃ ተጠቃዕነት (VULNERABILITY) ክህሉ ይግባእ-ኣብ ላዕሊ ዝተቅሱ መምዘኒታት ክማልኡ ድማ ይግባእ።
- ሓደ ካብዞም መስፈሪታት ምስ ዝማላእ ከምእውን አብ መበቆል ሃገርካ ወይ ድማ አብቲ ፈለማ ዝተዓቆብካሉ ሃገር ንሽግርካ ዘላቂ ፍታሕ ምስ ዘይህሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR )ናይ ዳግመ ሰፈራ እማመ ይህብ።ከም ስደተኛ ን ናይ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ከተመልክት አይካአልን።
- እዚ ናይ ዳግመ ሰፈራ ሕጋዊ መስርሕ አብ ናትካ ሙሉእ ድጋፍ ይሙርከስ።
- እንተኾነ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ምቅባል ውሳኔ ሓላፍነት ናይ ተቀባሊ ሃገር ይኸውን።ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR )ንዳግመ ሰፈራ ዘድልዩ መምዘኒታት ይመዝን፤መን ይግበኦ ድማ ይመርጽ።ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን ተወሳኺ ናይ ምቅባል መስፈሪታት ይህልወን፤ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት መስፈሪ ድማ ሓደ አይኮነን።
- መስርሕ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ኣብታ ተቀባሊት ሃገር ይካየድ፣ ውሳኔ ደረጃ ተቀባልነት ድማ ኣብኡ ይውሰን።
- ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ባህላዊ ናይ ምልላይ ስልጠናታት የካይድ፤እዚ ድማ ቅድሚ ምብጋስ ናብ ተቀባሊት ሃገር ይኸውን፤ ናይ ጉዕዞ ምድላዋት ናብ ተቀባሊት ሃገር/ስሎቬንያ የሳልጥ።
ስሎቬንያ ምስ አተኹ እንታይ የጋጥመኒ?
ናብ ስሎቬንያ ምስ ኣተኻ ፡ኣብ መቀበሊ ኣጋይሽ ተዕርፍ ፣ ወይ ድማ ኣብቲ ዝተዳለወልካ ቦታ ፣ዘድሊ ምስትእንጋዳት ድማ ይግበረልካ ፡ ጉዳይ ምቅባል ስደተኛታት ድማ ብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ንሓገዝን ምውህሃድ ስደተኛን ዝተመወለ እዩ።
ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወጻኢ ኣብቲ መቀበሊ ቦታ ንሓደ ዓመት ትጸንሕ፣ ብኣድላይነት ድማ ናይ 6 ወርሒ ግዜ ክውሰኽ ይኽእል።ብድሕሪዚ ድማ ናይ ውልቂ መንበሪን ገንዘባዊ ሓገዝን ይወሃበካ፣ እዚ ድማ ብቤት ጽሕፈት መንግስቲ ንምውህሃድን ሓገዝን ስደተኛታት ይኸውን።
ብጠቅላላ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ረዲኤት ገንዘባዊ ሓገዝ የብቅዕ፣ ስለዚ ድማ ወጻኢታትካ ባዕልኻ ትሽፍን ማለት እዩ።ነዚ ድማ ገንዘብ እንዳ ዓቀብካ ክትዳሎ ይግባእ።ኦድኖስ/Odnos ዝተባህለ ትካል ናይ ግሊ መንበሪ ኣብ ምርካብ ይተሓባበር ፣ ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምስትእንጋድ ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት።
እንታይ መሰላት ኣለዉኒ?
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰል ፣ ምዕራፍ መሰላትን ግቡኣትን/ሓላፍነትን link-rights and responsibilities
እንታይ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣሎኒ?
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ምዕራፍ ሰብኣዊ ሓገዛትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ተመልከት።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ሓበሬታ ንተፈላለዩ ጉጅለታት
ዝተፈልዩ ሓገዛት ንደቀንስዮን ኣዋልድን እንታይ ይመስሉ?
ደቀንስትዮን ኣዋልድን_ስደተኛታት፣ብፍላይ ድማ ብ ውልቂ ዝንቀሳቀሳ ፡ብዙሕ ሓደታት የጋጥመን።ስለዝኾነ ድማ ንጠለባተን ኣተክሮ ንምሃብ ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣብ ዝወሃባሉ ግዜ ፍሉይ መሰል ይህልወን።
ደቀንስትዮን ኣዋልድ ደቀንስትዮ ብምዃነን ጥራይ ንዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሓደጋታት ይቃለዓ፡እሳቶም ድማ፣ ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ፣ ኣንጻር ደቀንስትዮውሽጣዊ ዓመጽ፣ ግዱድ መውስቦ፣ ናይ ክብሪ“ ገበናት፣ ዝውውር ንምንዝርናን ፣ ግዱድ ስራሕን፣ ከምእውን ካልኦት ዓይነታት ስቅያትን ዓመጽን የጠቃልል።እዞም ምኽኒያታት ኣብ ግምት ብምእታው ደቀንስትዮ ኣዋልድን ፡ኣብ ስሎቬንያ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ክረኽባ ይኽእላ።
ከም ደቀንስትዮ(ልዕሊ 15 ዓመት ዕድመ)፣ ምስ ኣባላት ስድራቤተን እንከለዋ በይናዊ ናይ ዑቅባ ጠለብ ከቅርባ መሰል ኣለወን።እዚ ማለት ድማ ናይ ዑቅባ ጠለበን ካብቲ ናይ ኣባላት ስድራቤት ብፍሉይ ይረኣን ይምርመርን ማለት ኢዩ።ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ድማ ነቲ ቃለ መሕትት ተካይድን ትምርምርን።ጓል ኣንስተይቲ ተርጓሚት ውን ትዳለወለን ፣እንተኾነ ግን ኣብ ስሎቬንያ ፡ከምቲ ኣብ ካልእ ኣውሮፓ ብቁዓት ተርጎምቲ ንናይ ኩሎም ስደተኛታት ቛንቛ ብቐሊሉ ኣይርከብን።
ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ደቀንስዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ገዛን ቀረባትን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ይኸውን፡ምስ ኣባላት ስድራቤተን ምስ ዝደልያ ግን ብሓባር ይዳለወለን።ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ሽንት ቤትን ናይ ጽሬት ማሳለጥን ክዳለወለን ይግባእ።
ናይ ዑቅባ መሰላት ንደቀንስትዮን ኣዋልድን፣
- ኣዋልድ ድሌታተን ምርኩስ ብምግባር ዕድልትምህርቲ ይህልወን።መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታዊ ኮይኑ ፣ ኣዋልድ ደረጃ ዑቅባ ብዘየገድስ ክምዝገባን ክመሃራን ይግባእ።ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድማ ከም ሓተትቲ ዑቅባን ፣ ደረጃ ዑቅባ/ሓለዋ ዘለወን ክመርጻን ክኸዳን ይኽእላ።ደቀንስትዮ ስደተኛታት ድማ ብመሰረት ምርጫን መምዘኒታት ናይ ዩኒቨርሲቲ ክመሃራ ይኽእላ። ንዝያዳ ሓበሬታ ፣ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።
- ደቀንስትዮን ኣዋልድን ናይ ክንክን ጥዕና መሰላት ኣለወን። ንፍርያምነተን ዝምልከት እውን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይረኽባ።ነፍሰጹር ደቀንስትዮን ዝወላዳን ልክዕ ከም ዜጋታት ስሎቬንያ መሰል ናይ ክንክን ጥዕና ኣደን ኣገልግሎታትን ኣለወን፣ሓተትቲ ዑቅባ ይኹና ወይ ድማ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበን።እዚ ድማ ተኸታታሊ ምርመራ ጥዕና ፣መድሃኒት ኣድላይ ምስ ዝኸውን፣ጥዕናዊ ምኽሪ ኣብ ግዜ ጥንሲ፣ናይ ሆስፒታል ኣገልግሎት፣ሓገዝ ኣብ ግዜ ጥንስን ድሕሪኡን የጠቃልል።ካልኦት ደቀንስዮን ኣዋልድን ድማ ደረጃ ናይ ዑቅባ ጠለብን ዝተዋህበኦ ዓለምለኻዊ ዑቅባን ምርኩስ ብምግባር መሰል ናይ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይህልወን።እንተኾነ ግን ብመንጽር ደረጃ ዑቅባ ይኹን ካልእ፡ ደቀንስትዮን ኣዋልድን ፍርያማነተን ብዘየገድስ ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ተዳልዩለን ይርከብ።
- ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ምስ እትኸውን(ብ ኣባላት ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ)ፍሉይ ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ።ናይ ምፍላይ መሰልን ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ ዓመጸኛ ሓለዋ ብ ፖሊስ ክግበረላን ኣብ ንደቀንስትዮን ህጻናትን ዝተዳለወ መዕቆቢ ትሰፍር/ትጽመጥ፣-ግዳያት ዓመጽ።ካብ ዓመጸኛ ድማ ብምስጢር ትነብር ሕክምናውን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛት ድማ ትረክብ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ተመልከት።
- ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ሓታቲት ዑቅባ ምስእተኸውን ጠለብ ዑቅባኣ ኣብ ድልየታ ዝተሞርኮሰ ብፍሉይ ይምርመር።ድሮ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህባ ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ምስ ዝህልዋ ብፍሉይ ካብ ኣባላት ስድራቤት ወጻኢ መንበሪ ፍቃድ ክሕደስ ይኽእል።እዚ ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ብስድራቤታዊ ጥርናፈ መንበሪ ፍቃድ ዝረኸባ የጠቃልል።
ኣብ ስሎቬንያ ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ኣባላት ፖሊስ ኣባላት ማሕበራዊ ስራሕን ሲቪካዊ ሕብረተሰብን ማሕበራትን፡ ሓላፍነት ናይ ሓለዋን ሓገዛትን ንግዳያት ንግዲ ወድሰብ ወሲዶም ይንቀሳቀሱ። ድሩዥትቮ ክሊዩች ፣ ማሕበር ካሪታስ ስሎቬንያ (ዘቤታዊ ግጭትኣብ ስሎቬንያ ምስ ዘጋጥም) ድማ ተወሳኺ ሓገዛትን ንግዳያት የዳልው። እንተደኣ ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ ኮንካ ተገዲድካ ብዝገበርካዮም ነገራት ኣይትሕተትን።
ደረጅኡ ዝሓለወ መስርሕ (SOP`S) ስርዓት ድማ ንናይ ዝኾነ ዓይነት ግዳያት ተዳልዩ ሓገዛት ይህብ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ዓመጽ/ጭቆና ተመልከት።
ፍሉይ ሓገዛት ንሰብኡትን ኣወዳትን እንታይ ይመስል?
ሰብኡትን ኣወዳትን እውን ግዳያት ናይ ግጭት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።እቲ መስርሕ ድማ ተመሳሳሊ ከም ንምክልኻል ግጭት ኣንጻር ደቀንስትዮ ይኸውን።ኣሰብኡት ብፍላይ ድማ ኣወዳት ግዳያት ና ግዱድ ጉልበታዊ ስራሕን ከምእውን ግዳያት ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ፍሉይ ኩነታትን ፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን ሓገዛትን ንህጻናት እንታይ ይመስል?
ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ 18 ዝርከብ ብመሰረት ሕጊ ስሎቬንያ፡ ህጻን እዩ።ኣብ መስርሕ ዑቅባን ስደትን ህጻናት ከም ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ጉጅለ ይፍለጡ፣ወላኳ ምስ ስድራቤቶም ወይ መቅርቦም ይሃልዉ ፡ፍሉይ መሰል ናይ ሓለዋ ኣለዎም።
ብስም ህጻን ዓለምለኻዊ ጠለብ ዑቅባ ምቅራብ ንዋሕስ ናይቲ ሕጻን ይምልከት።አዚ ድማ ወለዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ህጻን ዝወስድ ሰብ ይኸውን።ጠለብ ዑቅባ ናይቲ ህጻን ድማ ምስ ናይ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ጠለብ ዑቅባ ዝተኻተተ ይኸውን።
ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባ ህጻናት ካብ ወለድን መቅርብን ክፍለዩ የብሎምን።እዚ ድማ ነቲ ህጻን ምስ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ምዃን ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምስ ዝኸውን እዩ።
ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስ ዝኸውን ግን ሰብ መዚ መዕረፊ ማእከል ንዝምልከቶ ኣካል ብምሕባር ነቲ ህጻን ኣብ ውሑስ ቦታ ከንብርዎ ይግባእ።ህጻናት ካብ ወለዲ ወይ ድማ መቅርብ ዝተፈልየ ናይ ባዕሎም ቀረብን መሳለጥን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ኩሎም ህጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ፣ ሓተትቲ ዑቅባ፣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፣ ግዝያዊ መንበሪ ዝተዋህቦምን መሰላት ናይ ክንክን ጥዕና ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ኩነታት ፣ ልክዕ ከም ስሎቬናዊ ዜጋ ይህልዎ።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት።
ህጻናት ኣብ ትሕቲ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዘለውን ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ፡ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ክመሃሩ ይግባእ። ናይ ቅድመ ትምህርቲ ህጻናት ፡ ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ(ሓተቲ ዑቅባ) መውዓሊ ህጻናት ክከታተሉ ኣይክእሉን።ብሓፈሻ ግን ፣ንክንክን ህጻናት ዝምልከት ፡ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ሓገዛት ይረኽቡ።
ኩሎም ህጻናት ናይ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም፡ሓተትቲ ዑቅባ፣ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም፣ግዝያዊ መንበሪ ብስድራቤታዊ ጥርናፈ ዝተዋህቦምን የጠቃልል።ህጻናት- ሓተትቲ ዑቅባ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ካብ ዘቅርቡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ይግባእ።እቲ ቛንቛ ስሎቬንያ ምስ ዘይዛረብ ፣መባእታዊ ምድላው ንቛንቛ ኮርሳት ይውሃቦ፣ብተወሳኺ ድማ ናይ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ኮርሳት የጥቃልል።ከም ህጻን ገምጋማዊ መርመራታት ኣይግበረሎምን(ትምህርቲ ዝተኸታተሉ ኮይኖም ግን ነጥቢ ዘይረኸቡ)።
መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ስሎቬንያ ግዴታዊ ኢዩ።ኣብ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዝጀመረ ቅድሚ ትምህርቲ ኣብ ስሎቬንያ ምቅጻሉ ፈተናታት ይወሃቦ።ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽብዎ እቲ ህጻን ኣድማዕነቱ ተራእዩ ሓደ ክፍሊ ንታሕቲ ክምዝገብ ይኽእል።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ፣ግዴታዊ ኣይኮነን እንተኾነ ግን ድሌት ዘለዎ ህጻን ን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክቅጽል መሰል ኣለዎ።ህጻናት ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ይደልዩ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም ፣ እንተኾነ ግን ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ውጺኢት ብምርኣይ ይኸውን።እንተደኣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ጀሚርካ፣ ክትቅጽሎ መሰል ኣሎካ፣ ወላ`ውን ዕድመ እንተደፋእካ/ዝዓበኻ እንተኾንካ።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።
ፍሉይ ኩነታትን ፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን፣ ንኣላይ ዘይብሎም ህጻናት እንታይ ይመስሉ?
ትሕቲ 18 ዓመት ኮንካ ወላዲ ፣ቤተ ሰብ፣ ቤተ ዘመድ፣ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት (unaccompanied minor) ይበሃል።ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ንሓደጋ ዝተቃለዑ ኮይኖም ናይ ዝተፈልየ ሓለዋ መሰል ኣለዎም።
ኣብ መዕረፊ ማእከል ከም ትሕቲ ዕድመ ህጻን መጠን ካብ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቅባ ዝተፈልየ ቀረብን መሳለጥያን ይወሃበካ።ኣብ ስሎቬንያ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣባይቲ ማሕበራዊ ሓገዛት ንህጻናትን መንእሰያትን ዝተባህለ ቀረብ መንበርን መሳለጥን ይህልወካ። ማእከል ህጻናትን መንእሰያትን ክፉት ማእከል ኮይኑ ብፍሉይ ካብ ወለዶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈልዩን ምስ ስድራቤት ክነብሩ ዝተጸገሙን ዝነብርሉ ማእከል ኢዩ።
ሓላፍነት ናይ ወላዲ ዝወስድ ዋሕስ (guardian)ይህልወካ።እሱ ድማ ኣብ ንዓኻ ዝጠቅም ውሳነታት ይሳተፍ።ኣብ ዝውስነልካ ጉዳያት ድማ ክትሕበርን ክትሕተትን መሰል ይህልወካ፣እዚ ድማ ኣብ ስሎቬንያ ጠለብ ዑቅባ ምስእትደሊ ይኸውን።ዋሕስካ ድማ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትካ፣ዝወሃበካ ኣገልግሎት፣እንታይ ዕድላት ይህልወካን ናይ ምሕባር ግዴታ ይህልዎ።
ናይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት መሰል ይህልወካ ፡ስድራቤትካ ኣብ መበቆል ሃገር ይሃልዉ ፣ኣብ ካልእ ሃገር፣ብተወሳኺ ድማ ምስ ስድራቤትካ ቀጻሊ ምርኻብ መሰል ኣሎካ።ነዚ ድማ (PIC ገባር ሰናይ ማሕበር ኣብ ስሎቬንያ) ይተሓባበር። ዑቅባ ክትሓትት እንተወሲንካ ጠለብካ ኣብ ምሃብ ውሳኔ ቀዳምነት ኣለዎ።ባዓል መዚ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፍሉይ ስልጠና ን ጉዳይ ህጻናትን መንእሰያትን ዝወሰደ መርመራ የካይድ።ዋሕስ ድማ ነት ሕቶ ጠለብ ዝምልከት ከዳልወካን ን ቃለ መሕትት ከቅርበካን ይግባእ።
ከም ኣላይ ዘይብሉ ህጻን (ትሕቲ 18 ዓመት )መሰል ጥዕናዊ ክንክን ልክዕ ከም ስሎቬንያዊ ዜጋ ምስ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ይህልወካ።
መሰል ትምህርቲ ብመሰረት ዕድመኻን ዝንባሌታትካ ይህልወካ።ኣየናይ ደረጃ ክፍሊ ክትመሃር ከምእትደሊ ፡ዝሓለፈ ደረጃ ትምህርትኻ ይግምገም።ተወሳኺ ክላሳትን ሓገዛትን ን ቋንቋ ስሎቬንያ ድማ ይዳለወልካ።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።
ክሳብ ኣብ ስሎቬንያ ዘለኻ ደረጃ ዑቅባኻ ብዘየገድስ፣ ዑቅባ ሓቲትካ ዲኻ ወይስ ኣይሓተትካን፣ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣሎካ/የብላካን ፣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛትን ይህልወካ። ደገፍን ኣልያን(guidance) እንተ ደሊኻ፣ዋሕስካ ንትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዝሕግዙ ማሕበራትን ሰብ ሞያን ከራኽበካን ከላልየካ ሓላፍነታዊ ግደታ ኣለዎ።
ካብ ስድራቤት ዝተፈልዩ ህጻናትን ወይ ድማ ብዘይ ኣባል ስድራቤት ዝጓዓዙን ግዳያት ናይ ሓደጋ ንግዲ ወዲ ሰብ ሙዃኖም ይእመኖሎም።እዚ ማለት ድማ ን ምስጋግር፣ምምዝማዝ ህጻናትን መእሰያትን ብግዴታ ይኹን ብዓፈና ንስራሕ ፣ምንዝርና ፣ለመና ወይ ድማ ካልኣት ገበናዊ ንጥፈታት የጠቃልል።ሰብ መዚ ፖሊስ(ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ድሩሽትቮን ክልዩች ኣብ ስሎቬንያ) ፣ማሕበራውያን ሰራሕተኛታት፣ከምእውን ዋሕስካ ድማ እዚ ገበናት ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ ንከይከውን ብምርግጋጽ ኣድላይ ሓገዛት ይገብሩልካ።
ፍሉይ ኩነታት ፣መሰላት፣ ኣገልግሎታትን ሓገዛትን ንስድራቤታት እንታይ ይመስሉ?
ስድራቤታት ናይ ጥርናፈን ብሓባር ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም።ሓተትቲ ዑቅባ ስድራቤታት ናይ ሓባር መንበርን ቀረብን ኣብ መዕረፊ ማእከል ይዳለወሎም።ልዕሊ 18 ዓመት ኣባላት ስድራቤት በብውልቆም ዑቅባ ይሓቱ፣ ሕቶ ዑቅባ ትሕቲ ዕድመ ኣባላት ስድራቤት ድማ ምስ ናይ ወለዲ ጠለብ ዑቅባ ይጠቃለል።ውልቂ ስድራቤታት ምስ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ድማ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ስለ ዝኾኑ ፍሉይ ሓለዋ ይግበረሎም።ሓተትቲ ዑቅባ ምስ ዝኾኑ ድማ ናይ ውልቆም መንበሪ ካብ ዓበይቲ ነበርቲ ዝተፈልየ ይወሃቦም።
ኣብ ስሎቬንያ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንተ ተዋሂቡካ ፡ስድራቤትካ ድማ ኣብ መቆል ሃገርካ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ሃገር እንተደኣ ኣለዉ መሰል ናይ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣሎካ።ክትጥርንፎም ትኽእል ኣባላት ስድራቤትካ ብመሰረት ሕጊ ሃገረ ስሎቬንያ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣
- በዓል ቤት ወይ ድማ በዓልቲ ቤት ምርዕው/ምርዕውቲ እንተኾንካ፣ናይ ህይወት ብጻይ/ብጸይቲ ኣብ ስሎቬንያ፣ ብሕጊ መሰረት ናይ ህይወት መጻምድቲ ይበሃል።
- ናትካ ወይ ድማ ናይ በዓልቲቤትካ ውላድ /ዘዕብኻዮ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ዓበይቲ ልዕሊ 18 ዓመት ምርዕዋት እንተዘይኮይኖም
- ህጻን(ትሕቲ 18 ዓመት) እንተኾንካ ወለድኻ፣ሕጋዊ ሞግዚት(ከም ወላዲ ዝሕሰብ ኣባኻ ዝተመርኮሰ)
- ናይ ቐረባ ቤተሰብ(ዓበይቲ ወለዲ ፡ን ኣብነት)ብ ሓደ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ዝነበርካን ብ መንገድኻ ዝእለዩ።
ጥርናፈ ስድራቤት ሕጋዊ፣ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ዘለዎን ከቢድን ግዜ ዝወስድን እዩ።ምኽሪ ካብ ዝምልከቶም ማሕበራት ምርካብ ኣገዳሲ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ (PIC ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት፣ ቀይሕ መስቀልን) መስርሕ ጥርናፈ ጌጋታት ሕልኽላኻት ንኸየጋጥም እዩ።
ፍሉይ ኩነታት ፣መሰላት፣ ኣገልግሎታትን ሓገዛትን ንስንክልና ዘለዎም ሰባት እንታይ ይመስሉ?
ስንክልና ዘለዎም ሰባት ማለት ናይ ነዊሕ ኣካላዊ፣ስነ ኣእሙራዊ ናይ ብልሒ ምምዝባላት ዘለዎም ኢዮም።እዚ ድማ ዓረቢያ ስንክልና(wheelchair)ተጠቀምትን ካልእ ናይ ምንቅስቃስ ጸገም ዘለዎም ሰባት፣ዓይነ ስውራን፣ጸማማትን፣ ናይ ሓንጎል ጸገም፣ወይ ድማ ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት የጠቃልል።
ስንክልና ዘለዎም ሰባት ንሓደጋ ዝተቃልዑ እዮም ፡ስለዝኾነ ድማ ብፍሉይ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።እዚ ማለት ድማ ናይ ምእንጋድ መሰሎም ዝተሓለወ ክኸውን ይግባእ፣ዑቅባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ካብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ሓተትቲ ዑቅባ ብዝተፈልየ ኣገባብ ይኸውን።ውሕስነት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ፡ስንክልና፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ጥዕናን ስንክልና ኣእምሮ ኣገዳሲ ውሳኔታ ኣብ ናቶም ዝንባለ ምስ ህይወቶም ዝተኣኣሳሰር ንክገብሩ የጸግሞም።ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚታት ብሕጊ ዓቅሞም ድሩት ኪኸውን ይግበር።
እዞም ሰባት እዚኦም ሕጋዊ ሞግዚት ክህልዎም ይግባእ፣እዚ ድማ ኣገዳሲ ውሳኔትት ንኽገብሩን ምስ ናቶም ዝንባሌ ዝኸይድ ኣብ ናይ ዑቅባ ውሳኔ መስርሕ ክሳተፉን ኣሎውም ነቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብምትካእ ሞግዚት ዓቢ ተራ ኣለዎ።
ሕጋዊ ሞግዚት ፡ኣብመስርሕ ውሳኔ ናይ ዑቅባ ብንጥፈት ክሳተፍ ይግበኦ፣ እንተኾነ ግን ክንዲ እቲ ስንክልና ዘለዎ ሓታቲዑቅባ ክዋሳእ ኣይክእልን እዩ።
ሕጋዊ ዓቅሚ ምእጋድ ተነቃፊ ክሳብ ዝኾነ ፡ሓገዝ ዘድልዮም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ ሕጋዊ ሓገዛት ክግበረሎም ኣድላይ ምትሕብባር ክንገብር ይግባእ። ብተወሳኺ ማሕበራት ናይ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከምእውን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ምኽርን ሓገዛትን ዝህባ ኣለዋ፣ (PIC ተወከስ)።
ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኩነታቱ ኣብ ግምት ዘእተወ መሰልናይ ክንክን ጥዕና ኣለዎ፡እዚ ድማ ን ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቦ ሰብ ብሓደ ይምልከት፣ ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት።
ዕድመ ምርኩስ ብ ምግባር ልክዕ ከም ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦ ሰብን ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎካ።እዚ ማለት ድማ ከ ሓታቲ ዑቅባ ፡ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ናይ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም።ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከም ናይ ስሎቬንያ ዜጋ መሰላት ትምህርቲ ኣለዎም።
መባእታዊ ትምህርቲ ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት ግደታዊ እዩ።ስንክልና ዘለዎም መእሰያትን ህጻናትን መሰላት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲ ዕድላትን ኣለዎም።መስርሕ ትምህርቲ ን ስንክልና ዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መስርሕ ምስትምሃር ብቀጻልነት ብግቡእ ንክመሃሩን ክርድኡን ሓገዝ ይግበረሎም፡ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።
ስንክልና ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ስራሕ ኣለዎም፡እዚ ድማ ን ሓተትቲ ዑቅባን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ ሰባት የጠቃልል፣ሕጊ ዝጠልቦ ኩነታት ከማልኡ ድማ ይህልዎም።
ስንክልና ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበ ሰብ እንተኾይኑ መምዘኒታት ስራሕ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ተመራጺ ይኸውን።እዚ ሓበሬታ ድማ ካብ ሕዝባዊ ናይ ዕዮ ኣገልግሎት ወይ ድማ ማሕበራት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ይርከብ።
ኣፈላላይ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።ስንክልና ዘለዎ ሰብ ናይ ኣፈላላይ ኩነት እንተ ኣጋጢምዎ ፣ማለት ካብ ስንክልና ዘይብሉ ሰብ ብዝተፈልየ መልክዕ እንተደኣ ተራእዩ ሓለዋ ክግበረሉ መሰል ይህልዎ።
ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ ናይ ጥርዓን ፋይል ንቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ማሕበር ን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክኸፍት ይኽእል።ወይ ድማ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ማሕበር ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ይግባእ።
እንተኾነ ግን ፡ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ ንቋንቋኻ ክትርጉሙ ዝኽእሉ ተርጎምቲ ብቀሊሉ ክርከቡ ኣጸጋሚ እዩ።ኣብዚ ኩነት እዚ ቋንቋኻን ቋንቋ ስሎቬንያ ዝርዳእ ሰብ ክትረክብ ንዝሓሸ ይኸውን፡ ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ተመልከት።
ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ እንተኾይነ እንታይ ይገብር?
ግዳያት ንግዲ ወዲ ሰብ ዝኾኑ ሰባት ማለት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ካልኦት ብምዃን ካብ ድሌቶም ወጻኢ ክምዝመዝዙን፣ኣብ ዘይደለይዎ ስራሕ ክዋፈሩን፣ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክሰርሑ ክግደዱን ማለት እዩ።
ግዳያት ክስልጥኑን ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ውን ክሽየጡን ይኽእሉ ፣እዚ ድማ ምብ ፈላጢኦም፣ ቤተ ዘመድ፣ ወይ ድማ ገበነኛ ጉጅለታት ይኸውን።ሓደ ሓደ እዋን ውን ጹቡቅ ክፍሊት ዘለዎ ክንረኽበልኩም ብምባል ናይ ሓሶት መብጽዓ ይወሃቦም።
መብዛሕትኡ እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይንቀሳቀሱ ወይ ውን ካብ ሩሑቅ ገጠራትን ከተማታትን። ነጋዶ ድቂ ሰብ ነቶም ግዳያት ሙሉእ ብሙሉእ ቁጽጽር የእትውዎም፣ የገድድዎም፣ ይጨውዮም፣የታልልዎም። ገንዘባዊ ዓቅሞምን ወረቀት መንነቶምን ይውሰዶም ምኽኒያቱ ምሉእ ብ ምሉእ ኣብ ትሕቲ ቶም ነጋዶ ደቂ ሰብ ን ክኾኑ ማለት እዩ።
ግዳያት ኣካላዊ ፣ጾታዊ ፣ስነ ኣእሙራዊ ኣመጽ የጋጥሞም፡ኣብ ገለ ኣጋጣሚ `ውን ዘደንዝዝ መድሃኒት ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይእትዉ።ነጋዶ ደቂ ሰብ ንግዳያት ይምዝምዝዎም፣ናብ ካልኦት ድማ የሰጋግርዎም ፡እዚ ድማ ን ጉዱድ ስራሕ፣ ምንዝርና፣ካልእ ናይ ገበን ንጥፈታት ብዘይ ናቶምድሌት ከዋፍርዎም ይኽእሉ።
ደቀንስትዮን ህጻናትን ብፍላይ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ን ንግዲ ደቂ ሰብ ይርከቡ፡እንተኾነ ግን ደቂ ተባዕትዮ `ውን ንግዱድ ስራሕ ክምዝመዙ ተኽእሎታት ኣሎ።
ዝኾነ ሰብ ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ክኸውን ይኽእል።እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ፣ኣብ ዝበጽሖ መወዳእታ ሃገር ውን ከጋጥሞ ይኽእል።ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ናይ ትራንስፖርት ኣብ ዝህበሉ ግዜ ፣ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ ግዜ ስራሕ ክረኽበልካ ብ ዝብል ምስምስ ግዳያት ክኸውን ይኽእል።ወላ`ውን እቲ ሰብ ናይ ቀረባ በተ ሰብ ይኹን ልዑል ጥንቃቀ ኣድላይ ይኸውን ፡ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚ ብናይ ቀረባ ሰቦም ዝተጨውዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብ መስርሕ ዑቅባ ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ብፍሉይ ተጠቃዕቲ ምዃኖም ይእመን።መሰል ናይ ፍሉይ ሓለዋን ሓገዝን ከም ግዳያትንግዲ ደቂ ሰብ ካብ ዝተለለይሉ እዋን ይህልዎም።
ቀንዲ ተዋሳኢ ማሕበር ኣብዚ ጉዳይ ክልዩች(kljuc) ይበሃል።ግዳያት ደቂ ሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገድን ናይ ሕክምናዊ፣ስነ ኣእሙራዊ፣ማሕበራውን ሕጋውን ሓገዛት ካብ ግዳያት ምዃኖም ዝተለለይሉ እዋን ጀሚሩ ይግበረሎም። ነዚ ተበግሶ ናይ ሓለዋ ዘካይዱ ኣካላት ድማ ኣብላት ፖሊስ፣ኣባላት መዕረፊ ማእከል፣ዓለም ለኻውያን ማሕበራት፣ከም ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ቀይሕ መስቀል፣ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ወይውን ኣብ ሜዳ ዝሰርሑን እዮም።
ስርዓት ደረጅኡ ዝሓለወ መስርሕ (SOPS) ንኩሎም ግዳያት ናይ ዝኾነ ይኹን ግጭት/ስቅያት ዝተዳለወ እዩ።ናይ ክኢላታት ጉጅለ ድማ ንጉዳይ ስቅያት ብውልቂ ደረጃ ይዛተይሉ ፣ ከምእውን ንግዳይ ዘድሊ ሓገዝ ንምሃብ ይውስኑ።
ወጻእተኛታት ግዳያት ደቂ ሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገዲ ክጸንሑ መሰል ኣለዎም።ብተወሳኺ እቲ ዝተዳለወሎም መደብ ናይ ሓለዋ ክቅበሉ ከምዝደልዩን ክውሰኑ ይግባእ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ ብኣስገዳድ ክጥረዙ ኣይክእሉን።
ኣብዚ እዋን ዚ እቲ ሰብ ክስጎግ ኣይኽእልን።ኣብ መደብ ሓለዋ ምስታፍ ድማ ወለንታዊ እዩ።ብዛዕባ እቲ መደብ፣ ዝህሉ ሓገዛት ን ኩነታት ብዝርደኦ ቋንቋ ምድላው እቲ ግዳይ ሓበሬታ ይወሃቦ።ብዘይ ናቲ ግዳይ ስምምዕ ዝኾነ ውሳኔ ብዛዕብኡ ክውሰን ኣይግባእን።ግዳይ ኣብ መደብ ናይ ሓለዋ ፕሮግራም ክኣቱ ፍቃደኛ እንተኾይኑ ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይወሃቦ፡ እቲ መንበሪ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል።
ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ ወላውን ምስ ፖሊስ ወይ ውን ምስ ናይ ሕጊ ኣካል ኣይተሓባበር መሰል ሓገዛትን ደገፍን ኣለዎ።መንነትን ሓበሬታ ናይ ግዳይ ድማ ብ ሚስጥር ይተሓዝ።ብነጋዶ ደቂ ሰብ ተገዲዶም ዝገበርዎ ገበናት ድማ ክቅጽዑን ክጭቆኑን የብሎምን።
ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ህጻን እንተኾይኑ ድማ ተወሳኺ ስጉምትታት ንክትግበሩ ኣብ ግምት ይኣትዉ።ሕጋዊ ሞግዚት ብ ስድራቤታዊ ሓላፍነት ዝዋሳእ ይምዘዝ።ሕጋዊ ሞግዚት ድማ ኩሎም ውሳኔታት ንረብሓ ናይቲ ሕጻን ከምዝተወሰኑ ከረጋግጽ ይግባእ።ብኩሉ መዳያት ናይቲ ሕጻን ድሌት ንዝሚልከቶም ክሕብርን ከማኽርን ይግባእ።
ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዑቅባ ከቅርብ መሰል ኣለዎ።
ካብ ስቅያት ዝደሓንኩ እንተኾይነ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክረክብ ይኽእል?
ስቅያት ክልኩልን ካብቶም ቀንዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።ስቅያት ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ስነኣእምሮን ኣካላውን ስቅያት ኮይኑ ብናይ ሃገር ወይ ድማ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ንዝተወሰነ ዕላማ ዝፍጸም እዩ።
ኣካላዊ ስቅያት ብመልክዕ ብርቱዕ ማህረምቲ፣አለክትሪክ ምንፍጥፋጥ፣ምቅጻል፣ምምካን፣ጾታዊ ኣመጽ፣ዓፈናን ካልእን የጠቃልል።እቲ ልሙድ ናይ ስነ ኣእምሮ ስቅያት ድማ ውርደት፣ተነጽሎ፣ምቅንጻልን ወይ `ውን ሙቅራጽ፣ምፍርራሕ ፣ከምእውን ናይ ካሎት ስቅያት ምዕዛብ ዛመሰሉን ኢዮም።
ነቲ ስቅያት ዝፍጽሙ ኣካላት ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ሓለውቲ ቤጥ ማእሰርትን፣ወታሃደራዊ ሓይልታትንሰበስልጣን መንግስትን እዮም።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት `ውን እቶም
ኣካየድቲ ናይቲ ስቅያት ሰብ ሞያ ጥዕና፣ዶካትር፣ኣለይቲ ሕሙማትወይ ድማ እሱራት ብጾት ብድፍኢትን ትእዛዝን ሓለፍቲ ክኸውን ይኽእል።
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ኣብ መስርሕ ዑቅባ ን ሓደጋ ዝተቃልዑን ሓለዋ ክግበረሎም ድሌታቶም ክማላእን ይግባእ።ካብ ስቅያት ምድሓን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ከውህብ ይኽእል።
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ምቹእ ናይ ምቅባል/መዕረፊ ኩነታት መሰል ኣለዎም።እዚ ማለት ድማ ሙሉእ ቀረብ ናይ ሕክምናዊ፣ናይ ስነኣእምሮ ተሃድሶ ኣገልግሎት ናይ ሕጊ ሓገዝ ፡ብመሰረት ውልቃዊ ድሌታቶም ክህልዎም ይግባእ።ኣብ ስሎቬንያ እዚ ዓይነት ሓገዛት ካብ ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት(ክልዩች/kljuc፣ ገበርቲ ሰናይ ስሎቬንያ) ይርከብ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ናይ ካብ ዝደሓነ ሰብ ጸብጻብ ሕክምናን ስነኣእምሮ ሓገዛት ንናይ ዑቅባ መስርሕ ንምቅልጣፍ ይድመር።እዚ ጸብጻባት ከም ሰነድን መረጋገጽን ናይ ኣካላዊ፣ ስነኣእምሮ ስቅያትን ናይቲ ካብ ስቅያት ዝደሓነ ውጺኢት ይኸውን።ብ ክኢላታት ይጻሓፍ ፡ብልምዲ ናይ ስነኣእምሮ፣ዶካትር ሕክምናን ይኸውን።ነቲ ጸብጻብ ን ምቅራብ ናይ ሓታቲ ዑቅባ ሙሉእ ደገፍን ስምምዕን ክህሉ ይግባእ።
ፍሉይ ኩነታትን፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን፣ ሓገዛትን ንLGBTI እንታይ ይመስል?
LGBTI ማለት ለስቢያን፣ግብረሰዶማዊ፣ክልተጾታዊ፣ጾታዝቀየረ፣ኢንተርሰክስ ሰባት(LGBTI)ማለት እዩ። LGBTI ሰባት ፍሉይ መዕረፊ ቦታን /ባይታ ን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣለዎም።
ኣፈላላይ ብሰንኪ ጾታዊ ሌላ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ተመልከት።
ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ እንተኾንካ ካብ ናይ LGBTI ማሕበራት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ገለ ካብኣቶም ናይ ሕጊ ሓገዛትን ስነ ኣእሙራዊ ምኽርን ይህቡ።
ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ግን ብቁዕ ተርጓሚ ቋንቋኻ ከይረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ሊንክታት፡
ማእከል ሕጋዊ ሓበሬታ ዘይ መንግስታውያን ትካላት /NGO`S፡(PIC-Pravno-informacijski center):
Društvo Ključ (ማእከል ዘመተ ኣንጻር ንግዲ ደቂ ሰብ):
LEGIBITRA: LGBTI ማሕበራት;
