Welfare benefits and social security in Slovenia
ማሕበራዊ ውሕስነት (socialno varstvo) እንታይ እዩ?
ማሕበራዊ ውሕስነት ማለት እኹል ሂወታዊ ውሽጢ ጉጅለ ከምኡውን ውልቀ-ሰባት ናይ ኣገልግሎታትን ገንዘባዊ ረብሓ ይሽፍን ፡፡ ቀዳማይ ዕላማ ድማ ክብሪ ማዕረ ዕድላት ከምኡውን ማሕበራዊ ተነፅሎ ንምግታእ እዩ፡፡ እታ ሃገር ንዋታዉን ማሕበራዊን መሰላት እንተተቕርብ, ውልቀ-ሰባት ድማ ብመልክዕ ግብሪ ከምኡውን ካልኦት ግዴታታት መልክዕ ይቕርብ፡፡
መሰል ማሕበራዊ ዉሕስነት መንግስቲ ንሓገዝ ዘድልዮም ሰባት (ኣብነት ሸቕሊ ኣልቦነት ኣብ እዋን ስራሕ ሓደጋ ሕማም ጥሮታ ኣገልግሎት ዉሕስና ቤተ ሰብ ወሊድ) ብመልክዕ ገንዘባዉን ወይ ካልኦት ሓገዛት ብመንግስት ይወሃብ፡፡
ንተጠቃሚነት ማሕበራዊ ዉሕስና ዓለም ለኸ ሓለዋ ዝረከቡ ሰባት ምስ ዜጋታት ስሎቪኒያ ማዕረ መሰል ኣለዎም፡፡ ነግር ግን ሓደ ሓደ ማሕበራዊ ዉሕስናታት ምስ ስራሕ ዜግነት (ስሎቪኒያዊ፣ሕብረት ኣዉሮፓ ወይ ናይ ሕብረት ኣዉሮፓ ዜጋ ዘይኮነ) ከምኡ ዉን ብርኪ ኣፍልጦ እቲ ነባርን ይዉሰን፡፡
ሓተትቲ ዕቁባ ቀዋሚ ጥቕሚ ማሕበራዊ ዉሕስና ናይ ምርካብ መሰል ኣይክህልዮምን ብዛዕባ ሓተትቲ ዕቁባ ዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ዓለም ለኸ ሓለዋ ኣብ ዝብል ምዕራፍ ምርካብ ይከኣል ዝተፈላለዩ ዉሕስናታት ንምርካብ ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ክማልኡ ይግብኡ፡፡ እዞም ጉዳያት በብግዚኡ ዝቀያየሩ ስለዝኮኑ ንማእከል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ፡፡ (http://www.mddsz.gov.si/si/delovna_podrocja/sociala/izvajalci_na_podrocju_socialnega_varstva/centri_za_socialno_delo/) ወይ ንዝበለፀ ሓበሬታ ካልኦት ተወዳደርቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ፡፡
ጥቕምታት ማሕበራዊ ዉሕስና እንታይ እዮም?
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ሓገዝ (denarna socialna pomoč)
እንድሕር ድኣ ምንም ዓይነት ኣታዊ ዘይብልካ/ኪ ኮይንካ/ኪ ወይ ትሕቲ እቲ ዓመታዊ ብመንግስቲ ዝተቐመጠ ዝተሓተ መጠን እቶት ኮይኑ ገንዘባዊ ሓገዝ ምሕታት ትክእል/ሊ (http://www.mddsz.gov.si/en/areas_of_work/social_affairs/financial_social_assistance/). እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኮይኑ ንወፃኢታት ባዕሎምን ስድርኦምን ምሽፋን ንዘይክእሉ አካላት ዝወሃብ እዩ፡፡ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ ክማልኡ ዝግብኦም ኩነታታት ኣለዉ ፈለማ ፀገምካ/ኪ ባዕልካ/ኪ ንምፍታሕ ክትፅዕር/ሪ ኣለካ/ኪ፡፡ እንድሕር ድኣ ክትሰርሕ ዝትክእል ኮይንካ ኣብ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ ብምምዝጋብ ኣብ ፕሮግራም ፖሊሲ ስራሕ ተሳታፋይ ምኮንን ብንቕሓት ስራሕ ምድላይን የድሊ፡፡ መጠን እቲ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ብተፈላለዩ ምክንያታት ዝዉሰን ይከዉን ከም ኣታዊካ መጠን ኣባል ስድራ ንብረትን ዕቁርን ወዘተ ፡፡
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ንምርካብ ብቀዋምነት እትነብረሉ ቦታ ዝርከብ ማእከል ማሕበራዊ ጉዳይ(Center za socialno delo) ክተምልክት ኣለካ ፡፡ (http://www.mddsz.gov.si/si/delovna_podrocja/sociala/izvajalci_na_podrocju_socialnega_varstva/centri_za_socialno_delo/) ፡፡ ንሓገዝ ብቁዕ ከም ዝኮንካ ንምርግጋፅ ናይ ሕድሕድ ኣባል ስድራ መግለፂ ባንኪ ከምኡ ዉን ካልኦት ሰነዳት ክተቕርብ ኣለካ፡፡
ከም ተጠቃሚ ገንዘባዊ ማሕበረሰባዊ ሓገዝ ብቀጥታ ተጠቃሚ እዛዊ ናይ ጥዕና ተገዳስነት ውሕስነት ትከዉን ከምኡ ዉን ንናይ ተወሳኺ ወሕስና ክተምልክት ትክእል ፡፡
እንድሕር ድኣ እቲ ንማሕበራዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝሓተተ ሰብ ኣታዊ ተዘይብሉ እቲ ዝሓተቶ መጠን ዝወሃብ እንትትኮን ተዘይኮይኑ ግን ኣብ ሞንጎ ኣታዊኦምን ዝሓተቶ መጠንን ዘሎ ኣፈላላይ ይረክብ፡፡
ማሕበራዊ ግንዘባዊ ሓገዝ ንዝተፈላለዩ እዋናት ዝወሃብ ይከዉን ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኢሉ ዉን ብቀዋምነት ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታታት ፍሉያት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ሓገዝ (izredna denarna socialna pomoč) ብፍሉይ ኩነታት ክወሃብ ይከኣል እቲ ዝተወሃበካ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከም ዝወዓለ ካብቲ ዝተዉሃበካ ግዘ ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልታት ንማእከል ማሕበራዊ ጉዳይ ክተፍልጥ ኣልካ፡፡
ሓገዝ ኣታዊ (varstveni dodatek) ንንዉሕ ዝበለ እዋን ወፃእታት (ገዛ ክራይ ወዘተ) ዝሽፍን ይከዉን እዚ ንብቐፃሊ ስራሕ ንዘይብሎም ወይ ክሰርሑ ዘይክእሉ ንልዕሊ 63 ዓመት ኣነስቲ ወይ ንልዕሊ 65 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ እተቶም ካብቲ ዝተሓተ መጠን ዝወረደ ይምልከት፡፡
ሓዘንን ክፍሊት ስነ ስርዓት ቀብሪ (pogrebnina) ስነ ስርዓት ቀብሪ ዘዳለወ ስድራ ቤት ወይ ኣባል ስድራ ቤት ሙማቱ ስዒቡ ዝግበር፡፡
ማሕበራዊ ሓገዝ (socialne storitve) ንዉልቀ ሰባት ስድራ ጉጅለታት ንምሕጋዝ ካብ ዉልቃዊ ጭንቀት ክወፁ ከምኡ ዉን ሓገዝ ሓለዋ ትምህርቲ ከምኡ ዉን ስልጠና ዝወሃቡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡፡ማሕበራዊ ሓገዛት ማሕበራዊ ጭንቀታትን ፀገማትን ከምኡ ዉን ዓርሰ ሓገዝ ኩሎም ምንቅስቃሳትን ሓገዛትን ይሓዉስ እቶም ኣገልግሎታት ዝስዕቡ ይሓዉስ፤
-ምክሪ ንዉልቀ ሰባት
-ሓገዝ ስድራ ቤት
-ሰብ ዕድመ ፀጋን ቆልዑን ካብ ስድራ ቤትን ገዛን ዝረክብዎ ሓገዝ ንምትካእ ዝግበር ትካላዊ ሓገዝ
-ንኣካላዉን ኣእሙራዉን ፀገም ዘለዎም ኣካልት ዝዳሎ ሓገዝ
-ሰራሕተኛታት ትካላትን ካልኦት ኣስራሕትን ምስ ስራሕ ዝተሓሓዙ ፀገማት ንምፍታሕ ዝገብርዎ ፃዕሪ ምሕጋዝ
ማሕበራዊ ትካላት ከምዚኦም ዝበሉ ኣገልግሎታት ይህባ ኩሉ ሰብ ነዚኦም ኣገልግሎታት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ነገር ግን ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ተፈፃሚ ይኮኑ፡፡ ብቀዋምነት ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ማእከል ማሕበራዊ ጉዳይ ምምልካት ይከኣል(http://www.mddsz.gov.si/si/delovna_podrocja/sociala/izvajalci_na_podrocju_socialnega_varstva/centri_za_socialno_delo/)
ንስድራይ ዝምልከቱ እንታይ ዓይነት ጥቕምታት ኣለዉ
መሰል ዓለም ለከ ሓለ እንተተዋሂቡካ እሞ ድኣ ስድራ እንተልዩካ ኣባላት ስድራካ ስድራቤታዊ ኣበል (ኣሉዋንስ) ንዝበሃል ዉሕስና ጥቅሚ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፡፡
እቶም ዓይነታት ኣብል (allowance) ዝስዕቡ ይኮኑ
- ንቆልዑ ዝወሃብ ጥቕሚ/ክፍሊት (otroški dodatek)
ዉላድካ ተወሊዱ ክሳብ 18 ዓመት ዝመልኦ ናይቲ ቆልዓ ጥቅሚ በቢወርሑ ትረክብ፡፡ ዉላድካ ኣብ ስሎቪኒያ ዝነብር ክክዉን ኣለዎ ከምኡ ዉን ኣታዊ ሕድ ሕድ ኣባል ካብቲ ማእከላይ መጠን ኣታዊ ስሎቪኒያ ብ ካብ 64% ክበልፅ የብሉን እቲ መጠን ጥቕሚ ብበዝሒ ቆልዑን ዕድሚኦም ይዉሰን፡፡
ኣብ ከባቢካ እቲ ህፃን ብቀፃልነት ዝነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ማእከል ማሕበራዊ ጉዳይ ናይ ምጥቃም መሰል እቲ ህፃን ዘረጋግፅ ይከዉን፡፡
- ክፍሊት ግዘ ወሊድ (starševski dodatek)
እዚ በቢወርሒ ንናይ ካሕሳ ክንክን ወላዲ (ካሕሳ ክንክን ወላዲ ማለት ስራሕ ዘለዎም ወለዲ ኣብ እዋን ወሊድ ዝረክብዎ ኣተዊ እዩ ሓደ ሃደ ኩነታት ተፈፀምቲ ይኮኑ) ዘይረክቡ ወለዲ ዝወሃብ ሓገዝ እዩ፡፡
- ሓገዝ (ኣበል) ግዘ ምዉላድ ቆልዓ (pomoč ob rojstvu otroka)- ክዳዉንትን ከምኡ ዉን ኣብ እዋን ወሊድ ዘድልዩ ነገራት ንምግዛእ ሓደ ግዜ ጥራሕ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ፡፡
- ቡዙሕ ኣባል ዘለዎ ዝወሃብ ሓገዝ (dodatek za veliko družino) ንሰለስተን ልዕሊኡን ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ዝወሃብ ሓገዝ፡፡
- ንክንክን ቆልዓ ዝወሃብ ሓገዝ (dodatek za nego otroka) ንፍሉይ ክንክን ዘድልዮ ህፃን ወርሓዊ ዝወሃብ ክፍሊት
- ንኣታዊ ዘይብሎም ዝወሃብ ዉስን ክፍሊት(delno plačilo za izgubljeni dohodek) እዚ በቢወርሒ ን ሓያል ኣእሙራወን ኣካላዉን ፀገም ዘለዎም ህፃናት ዘዕብዩ ወይ ዝከናከኑ ስድራ ቤታታት ዝክፍል እዩ ዝተፈላለዩ ናይ ቆልዑ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኩነታታት ተፈፀምቲ ይኮኑ እቶም በብእዋኑ ዝቀያየሩ ስለዝኮኑ ማእከል ማሕበራዊ ጉዳይ ምዝርራብ የድሊ ንዝበለፀ ሓበሬታ (http://www.mddsz.gov.si/si/delovna_podrocja/sociala/izvajalci_na_podrocju_socialnega_varstva/centri_za_socialno_delo/)
ንጉድኣት ኣካል ዝከዉን እንታይ ዓይነታት ጥቕምታት ኣለዉ፡፡
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣካል ጉድእነት ኣሎ ሓደ ሓደ ሰባት ኣካላዊ ጉድኣት ንኣብነት ዓይነ ስዉርነት ዘይምስማዕ ምካድ ዘይምክኣል ካልኦት ድማ ኣእሙራዊ ጉድኣት ኣካል ጉድእነት ብዉርሽ ወይ ብሓደጋን ሕማመን ዝመፅእ ይከዉን፡፡ ጉድኣት ኣካል ኣብ ዉሽጢ ማሕበረ ሰብ ማዕረ ተሳትፎ ንክህልዮም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይግበረሎም፡፡ ንኣብነት ካብ ስራሕ ንከይስጎጉ ምክልካልን ናይ ስራሕ ድጎማ ምርካብ፡፡ ንዝበለፀ ሓበሬታ ማሕበራት ንጉድኣት ኣካላት ምርካብ ይከኣል እንድሕር ድኣ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ሓገዝ ደሊካ ንዝበለፀ ሓበሬታ ንናይ ምዉሃድ ኣማኻሪኻ ምሕታት ይከኣል፡፡
ከም ኣካል ጉድኡ ዝዉሰዱ ኣካላት መሰል ዉሕስና ኣካል ጉድኡነት ይረክብ፡፡ ZPIZ ዝተብሃለ ናይ ጉድእነት ኮሙሽን ኣካል ጉድእነት ይመዝን፡፡ ናይ ምስራሕ ዓቕሞም ኣብ ግምት ብምእታዉ ጉድኣት ኣካል ኣብ ሰለስተ ይምደቡ ኣቢሉ ድማ ዝተፈላለዩ መሰላት ይህልዮም፡፡
-ጥሮታ ጉድእነት(invalidska pokojnina);
-ሙያዊ ምምሕያሽ (poklicna rehabilitacija);
-ሓገዝ (ኣበል) ጉድእነት(nadomestilo za invalidnost);
-ከፊል ጥቕሚ (ሓገዝ) (delno nadomestilo) ከምኡ ዉን
-ጥቕሚ (ሓገዝ) ጉድእነት ን ኣካላዊ ዉስንነት (ጎደለነት) (invalidnina za telesno okvaro).
-ስርዓት ማሕበራዊ ዉሕስና ስሎቪኒያ ከመይ ዝተዳለወ እዩ?
ኣብ ስሎቪኒያ ማሕበራዊ ዉሕስና ሕጋዊ ኣስገዳድት ኣለዎ፡፡ እዚ ማለት ዉሕስና ክህልየካ ትግደድ ማለት እዩ፡፡ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ብምዉፃእ ዝሽፍንዎ ይኸዉን መዋጮ ማሕበራዊ ድሕንነት ኣስራሕቲ ብመልክዕ ግብሪ ከምኡ ዉን ሰራሕተኛታት ድማ ካብ ወርሓዊ ደምወዞም ዝዋፃእ ይከዉን፡፡
እዞም መዋጮታት ድማ
-ንጥሮታን ዉሕስና ኣካል ጉድኣነት ዝግበር መዋጮ
-ንኣገዳዲ ዉሕስና ጥዕና
-ንስድራቤታዊ ክንክን
-መዋጮ ስራሕ
ኣስራሒካ ኣብ ማሕበራዊ ዉሕስና ከመዝግበካ ይግደድ፡፡ ናይ ባዕልካ ስራሕ እንተሃልዩካ ግን ባዕልካ ክትምዝገብ ኣለካ፡፡
እንታይ ዓይነት መስላት ጥዕና ኣለዉኒ?
እንድሕር ድኣ ሓታት ዕቁባ ኮይንካ ድንገተኛ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ጥራሕ ይህልየካ ንዝበለፀ ሓበሬታ ጥዕና ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል.
ነግር ግን መሰል ዓለም ለከ ሓለዋ ምስ ረከብካ መሰል ጥዕናዊ ዉሕስና ኣለካ ክልተ ዓይነታት ዉሕስና ኣለዉ ኣገዳድን ተወሳክን ክልቲኦ ዓይነታት ዉሕስና ከመይ ከም እትረክቦም ጥዕና ዝብል ምዕራፍ ምርዓይ ይከኣል
እቲ መሰረታዊ (ኣገዳዲ) ዉሕስና ጥዕና ብኢንስቲቱት ዉሕስና ጥዕና ስሎቪኒያ (Zavod za zdravstveno zavarovanje (http://www.zzzs.si/) ዝእለ እዩ ዉሕስና እንተትረክብ መለለይ ካርዲ ዉሕስና ጥዕና ትረክብ፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ጥዕና ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል፡፡
ናይ ጥሮታ ዉሕስና እንታይ ይሓዉስ?
ኣብ ስሎቪኒያ ሕጋዊ ዝኮኒ ናይ ጡረታ ዋሕስ ፕሮግራም እዞም ዝስዕቡ የካትት
– ጥሮታ ዕድመ ፀገባት (starostna pokojnina)-ማንም ልዕሊ 60 ዓመት ንደቂ ኣነስትዮ ከምኡ ዉን 65 ዓመት ንደቂ ተባዕትዮ ነቲ ዝድለ ናይ ስራሕ ግዘ እናሰርሑ ዝፀነሑን መዋጮ ዝከፍሉን ንዕድመ ፀገባት ዝወሃብ ጥሮታ ይረክቡ
-ንዝተፋተሑን ካብ ሓደጋ ዝተረፉን ዝወሃብ ጥሮታ- ዉሕስና ዘለዎ ኣባል ስድራ እትትመዉት ዝወሃብ ጥቕሚ/ሓገዝ
-ተሎ ኢልካ/ኣብ ንኡስ ዕድመ እንትትዉፃእ ዝወሃብ ጥሮታ-(predčasna pokojnina);
–ናይ ስራሕ ዓቕሚ እንትትቕንስ ዝወሃብ ጥቕሚ (invalidity pensions);
– ከፊል ጥሮታ (delna pokojnina) ጥሮታ ዝተፈቐደሎም ሰባት ከፊል/ፍርቂ ጥሮታ እናተከፈሎም ናይ ፍርቂ ግዘ ስራሕ ይክእሉ እዮም፡፡
ንኩሎም ዓነታት ጥሮታታት ዝተወሰኑ ኩነታት/ቅድመ ኩነት ከማልኡ ይግባእ፡፡ መጠን እቲ ናይ ጥሮታ ጥቕሚ በቲ ዘዋፀአ ሰብ ኣታዊ መጠን፤በዝሒ ናይ ዉሕስና ኣዋርህ ከምኡ ዉን ናይተ ጥሮተኛ ዕድመ ዝዉሰን ይከዉን፡፡ ጥሮታት ብ ZPIZ ((Zavod za pokojninsko in invalidsko zavarovanje) -ኢኒስቲቱት ጥሮታን ዉሕስና ጉድእ ኣካልነትን ስሎቪኒያ ዝሳለጥ ይከዉን (https://www.zpiz.si/cms/?ids=zpizen) ፡፡
ስርሕ ንዘይብሎም ዝወሃብ ጥቕሚ ብቑዕ ድየ (denarno nadomestilo za brezposelnost) ?
እንድሕር ድኣ ስራሕ ዘይብልካ ኮይንካ ከምኡዉን ቅድሚ ሸቕሊ ኣልቦ ምኾንካ ንናይ ስራሕ ኣልቦነት ኣገዳዲ ዉሕስና እተሃሉካ ስራሕ ንዘይብሎም ዝወሃብ ጥቕሚ ተጠቃሚ ትከዉን፡፡ ነገር ግን ስራሕ ብጥፍኣትካ ዘይኮነስ ብወለንታካ ዝገደፍካዮ ክከዉን ይግባእ ንናይ ስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ጥቕሚ ንምርካብ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት ክተማልእ ይግባእ፡፡ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ስራሕ ስሎቪኒያ ZRSZ (Zavod Republike Slovenije za zaposlovanje) ይበሃል ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ (http://english.ess.gov.si/)፡፡
ፍልፍላት፤ዝበለፀ ሓበሬታ ከምኡ ዉን ሊንክታት
ናይ ሓበሬታ ቡክሌት/ንእስ ዝበለ መፅሓፍ “መሰላት ማሕበራዊ ድሕንነት ስሎቪኒያ” ብኮምሽን ሕብረት ኣዉሮፓ ዘተሓተመ ኮይኑ ዝርዝር ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ጥቕምታት፤ከመይን ኣበይን ተመልክት ከምኡ ዉን እንታይ ዓይነት ሰነድ የድልካ ዝብል ዝሓዘ እዩ፡፡
እቲ ሐዚ ዘሎ ስርዓት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ስሎቨኒያ ናቲ ሓያል ፍሰት ስደተኛታትን ስድረኦምን ብዙሕ ኣብ ግምት ዘእተየ ኣየኮነን፡፡ እቶም ኣገልግሎታት ንምርካብ ዝክየድ ክያዶታት ንወፃእኘታት ዘተሓላለኩን ዘጋግዩን ክኮኑ ይክእሉ ንሓገዝ ሓደ ሓደ ትካላት ምርካብ ይከኣል፡፡
-ስሎቪኒያ ፍላንትሮፕያ: https://www.filantropija.org/en
-ድሩስትቮ ኦደኖስ :http://odnos.si/
-ድሩስትቮ ኣፕ ጀስኒሰ: http://www.up-jesenice.org/en
እዞም ትሕት ኢሎም ዘለዉ ድሕረ ገፃት ብዛዕባ ማሕበራዊ ጥቕምታትን ማሕበራዊ ድሕንነትን ከም ምንጭታት ሓበሬታ ከገልግሉ ይክእሉ፡፡
ማሕበራዊ ድሕንነት ከምኡ ዉን ክንክን ጥዕና
- http://www.vlada.si/en/about_slovenia/society/social_security_and_health_care/
- Social security act: http://www.mddsz.gov.si/fileadmin/mddsz.gov.si/pageuploads/dokumenti__pdf/zsv_upb2_en.pdf
ናይ ማሕበራዊ ደሕንነት መሰላትካ ኣብ ስሎቪኒያ :
ሕቶን መልስን
ከም ሓታቲ ዕቑባ ማሕበራዊ ጥቕምታት ከምይ ይረክብ?
መሰላት ሓተቲ ዕቑባ ኣብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ሓለዋ ተፀሪሑ ይርከብ (http://www.refworld.org/pdfid/47f1fdfc2.pdf).
እንድሕር ድኣ ኣብ ስሎቪኒያ ሓታቲ ዕቑባ ኮይንካ እዞም ዝስዕቡ መሰላት ይህልዩካ፤
-ኣብ ስሎቪኒያ ክትነብር ኣለካ
-ብእትርድኦ ቃንቃ እቲ ኣካይዳ ምክትታል
-ሓበሬት ምርካብ
ክሳብ ናይ መወዳእታ ዉሳነ ዝህቡ ኣብ ቅድሚ ምምሕዳርን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን እትትወርብ ነፃ ናይ ህጊ ኣገልግሎት ምርካብ
መረታዊ ሓገዝ ኣብ ማእከል ሓተቲ ዕቑባ (መንበሪ መግቢ ክዳን ጫማ መሐለዊ ንፅህና ንዝበለፀ ሓበሬታ መንበሬ ዝብል ምዕራፍ ይርኣዩ.
መንበሪ ብግሊ ኣብ እትከረ እዋን ገንዘባዊ ሓገዝ ንዝበለፀ ሓበሬታ መንበሪ ዝበል ምዕራፍ ይርአዩ.
ድንገተኛ ሓገዝ ሕክምና ንዝበለፀ ሓበሬታ ጥዕና ዝበል ምዕራፍ ይርአዩ .
ትምህርቲ ንዝበለፀ ሓበሬታ ትምህርተ ዝበል ምዕራፍ ይርአዩ.
ናይ ስራህ ዕዳጋ/ስራሕ ንዝበለፀ ሓበሬታ ስራሕ ዝበል ምዕራፍ ይርአዩ .
ሰብኣዊ ሓገዝን ዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ካልእ ዓዲ አንትትጠፍእ ዝበል ምዕራፍ ይርአዩ
ወርሃዊ ናይ ጁባ ገንዘብ (18 ዩሮ ኣብ ወርሒ)
ዝተፈላለይ ድልየት ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተጋለፁ ኣካላት ፍሉይ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል አለዎም ንዝበለፀ ሓበሬታ ንዝተፈላለዩ ኣካላት/ጉጅለታት ዝብል ምዕራፍ ይርኣዩ.
እንድሕር ድኣ ኣታዊ ዘይብለይ ወይ ኣታዉየ ብጣዕሚ ትሑት ኮይኑ እንታይ ይገብር?
ኣታዊ እንተዘይብልካ ወይ ኣታዊካ ካብቲ ዝተሓተ መዐቀኒ ብታሕቲ ኮይኑ ደገፍ ማሕበራዊ ሓገዝ ገንዘብ ክተምልክት ትከእል ንዝበለፀ ሓበሬታ ልዕል ኢልካ ምርኣይ ይከኣል፡፡
ከም ዘይተመዝገበ ሰብ ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
እንድሕር ድኣ ኣብ ስሎቪኒያ ብዘይኣፍልጦ ትነብር ኮንካ ምንም ዓይነት ማሕበራዊ ድሕንነትን ጥቕምን ኣይትረክብን ነግር ግን ኣብ እዋን ሓደጋ ካብ ሕክምናዊ ሓገዝ እይትኽልከልን ዉሕስና ጥዕና ዘይብሎም ሰባት ኣብ Ambulanta s posvetovalnico za osebe brez zdravstvenega zavarovanja (http://www.ordinacija.net/members/www-pzs.php?lang=slo&mg_pzs_id=74) ዝበሃል ፕሮጀክት ሕክምናዊ ኣገልገሎት ይክእሉ፡፡
ማሕበራዊ ድሕንነትን ጥቕምን ንምርካብ መሰረታዊ ቅድመ ኩነታት እንታይ እንታይ እዮም?
እንተነኣሰ ኣብ ስሎቪኒያ መሰል ሓለዋ ክትረክብ ኣለካ እንድሕር ድኣ ዉሳነ ትፅበ ሃሊካ ዝህሉካ መሰላት ዝተፈለዩ ይኮኑ (ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል)፡፡