Health care in Slovenia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያ » Health care in Slovenia

 ኣብ ውሽጢ ስሎቪኒያ ናይ ጥዕና ተገዳስነት ስርዓት ከመይ ዝተዋደደ እዩ?

 ክልተ ዓይነት ናይ ጥዕና ውሕስነት ኣለዉ

እዛዊ ናይ ጥዕና ተገዳስነት ውሕስነት

እዛዊ ናይ ጥዕና ተገዳስነት ውሕስነት ግዴታ እዩ. እዚ ኣጠቓላሊ ከምኡውን ህጹጽ ናይ ጥዕና ተገዳስነት ኣገልግሎታት ከምኡውን ምርመራ የጠቓልል

(http://www.zzzs.si/zzzs/internet/zzzseng.nsf/o/DB29291A87496668C1256E8900489918)

ተወሳኺ ናይ ጥዕና ዉሕስና

ተወሳኺ ናይ ጥዕና ዉሕስና ብወለንታዊ  ኮይኑ ተወሳኪ ዝክፈል እዩ. ግዴታዊ ናይ ጥዕና ዉሕስና ሽፋን እንተድኣ ሃሊኩም  ጥራሕ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ዉሕስና ምምልካት ይኽእሉ.

ተወሳኺ ናይ ጥዕና ውሕስነት ምርካብ ብጣዕሚ ይምከር ምክንያቱ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ውሕስነት  ኣብ መንጎ ሙሉእ ዋጋ ኣገልግሎት ጥዕናን ናይ  ግዴታዊ ጥዕና ውሕስነት ሽፋን ዘሎ ፍልልይ ዝሽፍን ይከዉን

ኩሉ ዓይነት ተወሰክቲ ክፍሊታት ኣብ ናይ ጥዕና ኣብ ኩለን ናይ ጥዕና ትካላት እንኮላይ መበእታዊ ደረጃ ናይ ጥዕና ተገዳስነት, ናይ ፍሉይ ክኢላ መርመራታት, መርመርታት,  ምርመራ ላብራቶሪ, ናይ ኣካላዊ ሕክምና, ስነ-ኣስናን ክንክን ኣገልግሎታት, ናይ ሆስፒታል ክንክን ከምኡውን ዝተኣዘዘ መድሃኒት ይሽፍን. ተወሳኺ መድሃኒት  እንድሕር ደኣ ተወሳኪ ናይ ጥዕና ወሕስና ዘይብልካ/ኪ ኮይንካ/ኪ ኩሉም ወጻኢታት ባዕልካ/ኪ እትከፍል/ሊ እንትትከን  እዚ ብጣዕሚ ክቡር ክኸውን ይኽእል.

ናይ ጥዕና ውሕስነት ትካላት ኣብ መንጎ ምምራጽ/ምሕራይ ይኽእሉ. መብዛሕትኡ ግዘ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ወሕስና ወጻኢታት ወርሓዊ 30 ኦይሮ እዩ

እንታይ ዓይነት ናይ ጥዕና ዉሕስና ኣገልግሎታት ምጥቃም እኽእልየ?

ኣብ ስሎቪኒያ ንዜጋታት ወጻኢ ሃገር  ናይ ጥዕና ዉሕስና ኣገልግሎታት ንምርካብ ብናይ መንበሪ ፍቓድ ኩነታት ከምኡውን ናይ ጥዕና ዉሕስና ኣለዎም  ዶ ወይ ከኣ የብሎምን ብዝብል ይዉሰን

ሓታቲ ዕቁባ

ሓታቲ ዑቕባ ምስ እትትከዉን እዞም ዝስዕቡ ይረክቡ

  • ሓገዝ ሃንደበታዊ ሕክምና ከምኡውን ክንክን ንቃንዛ ከምኡውን ከቢድ/ኣድካሚ ኣእምሮኣዊ ሽግር,
  • ሃንደበት መጉዓዝያ ናብ ሕክምናዊ ክንክን ቦታታት፤ ኣድላይ ተኾይኑ
  • ሃንደበት ሓገዝ ስነ-ኣስናን ክንክን.

ናይ ህጹጽ ጊዜን መሰረታዊ ዝኾነ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምኡውን ኣገልግሎታት ንዑቁባ ሓተቲ ኣብ ናይ ህዝቢ ጥዕና ሓለዋታት ብናጻ ይህብ. ኣብ ውሽጢማእከል ዕቁባ ዝርከብ ፍሉይ ኮምሽን ተወሳኺ ህጹጽ ዘይኮኑ, ተወሳኺ ናይ ጥዕና ተገዳስነት ኣገባባት ከፅድቅ ይኽእል.

ናይ ዶክተር ቈጸራ መዓልታዊ ዝገብሩ ነርስታት ኣብ ሉብያና ቪች ዝርከብ  ዋና ዑቕባ ማእከል ኣለዉ  እንድሕር ድኣ ሕክምና ደሊካ/ኪ ናይ ሓኪም ትእዛዝ መድሃኒት (recept) ምስበጽሓካ/ኪ ንሱ ብምሓዝ መድሃኒት (zdravila) ካብ ቤት መድሃኒት (lekarna) ይረኽቡ

ንመድሃኒት ኣይክፈልን እንድሓር ድኣ እቶም በዓል ቤት መድሃኒት ክትከፍል ሓቲቶምካ ምናልባት ዘለካ መሰል ዘይተረድኡ ክኮኑ ስለ ዝክእሉ ንኣብ ማእከል ዕቁባ ዝርከብ ሰራሕተኛ ክትሓትት/ክትሓቲ ይግባእ

እንድሕር ድኣ ኣካል ንሓደጋ ዝተቃልዑ ኣካላት (ፍሉይ ድሌት)  ኮይንካ/ኪ ከም ዓይነት ድልየትካ/ኪን ፍሉይ ኩነታትን ተወሳኪ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረክብ ትክእል

ብተወሳኺ ቆልዑ ከምኡውን ኣዋልድ ብዛዕባ ናይ ወሊድ ጥዕና (ጥንሲ,  ድሕረ ወሊድ ክትትል ጥዕና,  ምክልካል ጥንሲ ወዘተ.) ምስ ዜጋታት ስሎቪኒያ ማዕረ መሰል  ኣለዎም. ንሳቶም ናይ ጥዕና ውሕስነት የብሎምን ግን  ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ምርካብ ይኽእሉ. ኣገልግሎት ንምርካብ ናይ ሓታቲ ዕቁባ መለለይ ካርዲ እኩል እዩ.

ከም ሓታቲ ዕቁባ ስራሕ እንተደኣ ረኪብካ (ብዛዕባ ስራሕ ዝበለፀ ሓበሬታ) ብቐጥታ ናይ ኣገዳዲ ዉሕስና ጥዕና ትረክብ ንስካን/ክን ኣስራሒካን/ክን በቢወርሒ ብምዉፃእ ዝሽፈን ይከዉን (ካብ ጠቕላላ ደምወዝ ዝቕነስ ይከዉን). ኢንስትትዩት ውሕስና ጥዕና ስሎቪኒያ መለለዩ ካርዲ ዉሕስ ጥዕና (http://www.zzzs.si/zzzs/internet/zzzseng.nsf/o/1A4ACD74ABDDAEC4C1256EC8002A79DD )  ከምኡ ዉን መለለዩ ቀፅሪ ዉሕስና ጥዕና ( መለለዩ ቁፅሪ ናይ እቲ ዉሕስና ዝረከበ ሰብ) ዝህበካ ይከዉን  እዚ ማለት  ኣብ ናይ ህዝቢ ጥዕና ሓለዋ ስርዓት ውሽጢ ናይ ጥዕና  ኣገልግሎታት ምርካብ ይኽእሉ ማለት እዩ, እዚ ድማ ምስ ማንም  ኣብ ውሽጢ ስሎቪኒያ ዝርከብ ተጠቃሚ  እዛዊ ናይ ጥዕና ዉሕስና  ተመሳሳሊ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰል ጥዕናዊ ኣገልግሎት ሓተቲ ዕቁባ ኣብ ስሎቪኒያ https://www.filantropija.org/wp-content/uploads/2018/08/medical-treatment.pdf.

 

ዓለም ለከ ሓለዋ ዝረከቡ ሰባት  

እንድሕር ድኣ መሰል ዓለም ለከ ሓለዋ ረኪብካ/ኪ ንስካን/ኪን ስድራካን/ኪን ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኣገዳዲ ዉሕስና ጥዕና ትኮኑ ከምኡ ዉን ከም ማንም ኣብ ስሎቪኒያ ብኣገዳዲ ዉሕስና ጥዕና ዝተሓቆፈ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ጥዕና ማዕረ መሰል ይህልየካ/ኪ

አዚ ማለት ናብ ዶክተር ክትከይድ ከለካ እተቕርቦ ናይ ዉሕስነት መለለይ ካርዲ ትረክብ ከምኡ ዉን ናይ ዉልቀ ሓኪምካ ናይ ምምራፅ መሰል ይህልየካ/ኪ ሕድ ሕድ ሰብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ዝህብ ሓኪም ጠቕላላ ሕክምና ክመርፅ ይግባእ እንድሕር ድኣ ህፃዉንቲ ሃልዩካ/ኪ ኣብ ናይ ሕክምና ህፃዉንቲ ክምዝገቡ ይግባእ

እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ብነፃ ክረክቡ ይክእሉ

  • ኣጠቓላሊ ሕክምናዊ ክኢላ (ናይ ቤተሰብ ዶክተር), ናይ ማህፀን ሓኪም, ናጽላዊ ሓኪም ከምኡውን ሓኪም ስነ-ኣስናን
  • ምርመራዊ ፈተነ ኣብ ጥዕና ጣብያታት, ቤተ ፈተነታት ከምኡውን ሆስፒታላት እንድሕር ድኣ ብሓኪም መባእታዊ ብርኪ ትካል ጥዕና ንተወሳኪ ሕክምና እንተተላኢካ
  • ፍሉይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ወይ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ሆስፒታል ንክትረክብ ብሓኪም መባእታዊ ብርኪ ትካል ጥዕና እንትትለኣክ
  • ናይ ሃንደበት ጊዜ ናይ ሕክምና ከምኡውን ናይ ኣምቡላንስ ምጉዓዝ
  • ብሓኪም መባእታዊ ብርኪ ትካል ጥዕና ወይ ንተወሳኪ ሕክምና ዝተለኣካዮ ሓኪም ዝተሓበረ ሕክምና ምሃብ

እንድሕር ድኣ ኣካል ንሓደጋ ዝተቃልዑ ኣካላት (ፍሉይ ድሌት)  ኮይንካ/ኪ ከም ዓይነት ድልየትካ/ኪን ፍሉይ ኩነታትን ተወሳኪ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረክብ ትክእል

እንድሕር ድኣ ስራሕ ዘይብልካን ተጠቃሚ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ሓገዝ ( ንዝበለፀ ሓበሬታ ዉሕስና ጥቕምታት ከምኡ ዉን ማሕበራዊ ደሕንነት ምርኣይ ይከኣል) ኮይንካ ብቐጥታ  ኣገዳዲ ዉሕስና ትረክብ

ተወሰክቲ መለክዕታት እንተማሊእካ (ንኣብነት ኣብ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ ምስትምዝገብ) ንኣብ ማእከል ማሕበራዊ ጉዳይ ብምካድ ንዓካን/ክን ንተወሳኪ ዉሕስና ጥዕና ምምልካት ይከኣል.

ስራሕ እንተድኣ ረኪብካ ስራሕካን መሰረት ብምግባርን ኣስራሒካ ኣብ ዝምልከቶ ኣካል ምስ እተመዝግበካን/ኪን ብቐጥታ  ኣገዳዲ (እዛዊ) ዉሕስና ትረክብ እዚ ማለት ንስካን/ክን ኣስራሒካን/ክን በቢወርሒ ካብ ደሞዝካ ዝዉሰድ ክተዋፅኡ ይግባእ (ንዝበለፀ ሓበሬታ ስራሕ ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል)

ንዝኾነ ሕክምናዊ ምሉእ ኣገልግሎታት ብናጻ ንምርካብ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ውሕስነት የድሊ እዩ እንድሕር ድኣ ተወሳኪ ዉሕስና ጥዕና ተዘይብልክ/ኪ ከባቢ 55% ጥራሕ ኣገልግሎት ዝሽፈን ይከዉን እቲ ዝተረፈ በዓልካ ክትከፍሎ ይግባእ

ስድራይ ብእንታይ ዓይነት ኣገልግሎታት ጥዕና  ከጥቀሙ ይኽእሉ?

ዓለም ለከ ሓለዋ ረኪብካ ከምኡ ዉን ኣባላት ስድራካ/ኪ ኣብ ስሎቪኒያ ሕጋዊ መንበሪ እንተሃልይዎም ምስ ዜጋታት ስሎቪኒያ ማዕረ መሰል ይህልዮም ማዕረ ምስ ኣብ ስሎቪኒያ ማንም ኣገዳዲ (እዛዊ) ዉሕስነት ጥዕና ዘለዎ ሰብ ዝረክቦ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ/ዋ ከምኡ ዉን ልዕል ኢሉ ከም ዝተገለፀ ንተወሳኪ ዉሕስና ጥዕና ምምልካት ይከኣል

Which are the types of healthcare services in Slovenia (relevant for insured persons)?

ኣብ ስሎቪኒያ እንታይ ዓይነታት ኣገለግሎታት ጥዕና ኣለዉ (ንዉሕስነት ጥዕና ዘለዎም ሰባት)

ስርዓት ጥዕና ስሎቪኒያ ሰለስተ ክፋላት ኣለዉዎ

ሀ/ቀዳማዊ ደረጃ ናይ ጥዕና ተገዳስነት (ኣጠቓላሊ ናይ ሕክምና ሞያውያን ከምኡውን ፋርማሲታት) 

ለ./ካልኣይ ናይ ጥዕና ተገዳስነት (ናይ ሆስፒታላት ናይ ፍሉይ ክኢላ ምርመራታት)

ሐ/ ሳልሳይ ሓለዋ ጥዕና  (ፍሉይ ክንክን ክሊኒክ) 

ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናይ ሃንደበት ጊዜ ናይ ጥዕና ሓገዝ ዝምርካብ መሰል ኣለዎ

ናይ ሕክምና ሓገዝ እንትደሊ ኣበይ ምኻድ ይክእል

ቀዳማይ ብርኪ ሓገዝ ሕክምና

ቀዳማይ ብርኪ ሕክምናዊ ሓገዝ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ናይ ስሎቪኒያ ስርዓት ሕክምና እትረክበሉ ይከዉን

ቀዳማይ ብርኪ ሓገዝ ካብዞም ዝስዕቡ ምርካብ ይከኣል

  • ጠቕላል ሕክምና/ ናይ ስድራ ቤት ሓኪም(splošni zdravnik) ኣብ ከባቢካ/ኪ ዝርከብ ናይ ጥዕና ሓለዋ ማእከል (zdravstveni dom).
  • ናይ ህጻናት ሓኪም (pediater) ንህጻናት
  • ሓካይም ማህፀን (ginekolog)ንደቂ ኣንስትዮ
  • ሓካይም ስነ-ኣስናን (zobozdravnik) ንፀገም ስኒ

ናብ ናይ ቀዳማይ ብርኪ  ሕክምና ሓኪም ምእንቲ ንምኻድ ናይ ተወሳኪ ሕክምና ዘርኢ ፍቃድ ኣየድልይን. ይኹን እምበር ቈጸራ ምሓዝ የድልይካ (ብተሌፎን ወይ ከኣ ብኣካል) ድንገተኛ ሕማም ተዘይኮይኑ

ናብ ቀዳማይ ብርኪ ሕክምና ሓኪም  ክትከይድ/ደ ከለካ/ኪ ናይ ጥዕና ውሕስነት መለለይ ካርዲ(zdravstvena kartica)  ምስካ/ኪ ክትሕዝ ኣለካ/ኪ

 ፍሉይ Expert ምርኣይ ወይ ከኣ ናብ ሆስፒታል ምኻድ If I need it?

 ፍሉይ ሓኪም ንምርኣይ ወይ ሆስፒታል ንምካድ እንተደልየ

ናይ ፍሉይ ክኢላ ክንክን ከምኡውን ሆስፒታላት

Your primary health care physician, usually your general practitioner or family doctor, assesses if you need some additional tests (for example in laboratories) or further examinations.

እንድሕር ድኣ ተወሰክቲ ምርማራታት (ንኣብነት ቤተ ፈተነ) ወይ ካልእ ምርመራ ንምግባር እንተደሊካ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ማብዛሕቲኡ ግዘ ናይ ጠቕላላ ሕክምና ሓኪምካ ወይ ሓኪም ስድራ ቤትካ/ኪ ይርኤካ/ኪ

ንሱ ወይ ንሳ ወረቐት ንተወሳኪ ሕከምና (napotnica) ናብ ፍሉይ ሓኪም ወይ ምርምራ ቤተ ፈተነ ይህበካ መብዛሕቲኡ ግዘ ዶክተርካ እቲ ናይ ተወሳኪ ሕክምና ወረቐት መለለይ ካርዲ ዉሕስነት ጥዕና ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ተጠቂሙ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ ኣካል የፍልጥ ፍሉይ ሕክምናዊ አገልግሎት ብቆፀሮ ጥራሕ ዝወሃቡ እዮም ኩሉ ግዘ ቆፀሮ በዓልካ/ኪ ክትሕዝ/ዚ ኣለካ/ኪ ነግር ግን ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ሓኪም ሓበሬታ ካብ ዶክተርካ ምርካብ ይከኣል ቆፀሮ ክትሕዝ/ዚ ከለካ/ኪ መዓልትን ሰዓትን ቆፀሮካ/ኪ ይግለፀልካ/ኪ ቆፀሮ ክተክብር/ሪ ኣለካ/ኪ ኣብ ቆፀሮካ/ኪ እንድሕር ድኣ ዘይትርከብ/ቢ ኮይንካ/ኪ ክትድምስሶ ወይ ከዓ ክተናዉሖ/ዉሕዮ ኣለካ/ኪ

ምናልባት ሕክምና ዝገብረልካ/ኪ ፆታ (ጎል ኣነስተይቲ ወይ ወዲ ተባዕታይ)  ክትፈሊ ድሊካ/ኪ ቆፀሮ ክትሕዝ ከለካ ክትገልፅ/ፂ ኣለካ/ኪ ሓደ ሓደ ግዜ ዘይከኣል እዉን ክከዉን ይክእል ምክንያቱ እቲ ዝመረፅካዮ ፆታ ከይህልይ ይክእል ኣብ ስሎቪኒያ ከምዚኦም ዝበሉ ሕክምና ንምርካብ ብዙሕ ተራ ኣሎ ሓደ ሓደ ምርመራታት ንምርካብ ክሳብ ኣዋርሕ ምፅባይ ልሙድ እዩ ተወለድቲ ስሎቪኒያ ዝኮኑ እዉን ብተመሳሳሊ ብዙሕ ይፅበዩ ነግር ግን ኩነታት ጥዕናካ/ኪ ግዜ ዘይህብ ምርመራ ዘድልዮ ኮይኑ ቅድምያ ይወሃበካ/ኪ

እንተድኣ ኣብ ሆስፒታል (bolnišnica) ክትሕከም ደሊካ/ኪ ቆፀሮ ክትረክብን ከምኡ ድማ ናይ ጠቕላላ ሓኪምካ/ኪ ናይ ተወሳኪ ሕክምና ክፅሕፈልካ/ኪ ይግባእ ነገር ግን ኣብ እዋን ሃንደበታዊ ሕክምና ብዘይ ፍቓድ ወረቐት ንተወሳኪ ሕክምና ብቀጥታ ክትሕከም/ሚ ትክእል/ሊ

ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ምግባር ኣለኒ?

ናይ እዋን ሓደጋ ኣገልግሎት ሕክምና(NUJNA MEDICINSKA POMOČ)

In case you need to see a general physician outside their working hours (on weekends, during holidays or at night), you can go to the on-call duty medical service (dežurni zdravnik) in your community healthcare centre. Check where the closest service is

እንድሕር ድኣ ካብ ናይ ጠቅላላ ናይ ጥዕና ሓኪምካ/ኪ ናይ ስራሕ ሰዓት ወፃእ (ቀዳመ ሰንበት በዓላት ወይ ለይቲ) ኮይኑ ኣብ ከባቢካ/ኪ ናብ ዝርከብ ማእከል ማሕበረ ሰብ ኣገልግሎት ጥዕና ብምድዋል ናይ ሕክምና ኣገልግሎት (dežurni zdravnik)  ምርካብ ይከኣል እቲ ዝቐለበ አገልግሎት እትረክበሉ ቦታ ምርኣይ የድሊ

ንሃንደበት ክንክን ኣገልግሎታት ናብ 112 ምድዋል ወይ ከኣ ኣብ ጥቓካ/ኪ ናብ ዝርከብ ናይ ጥዕና ማእከል ናይ ሓደጋ ጊዜ ምከላኸሊ ክፋል ምካድ. ኣብ ስሎቪኒያ ናይ ሃንደበት ክንክን ኣገልግሎት 24 ሰዓታት  ኣብ መዓልቲ ሰሙን ሙሉእ  በዓላት ሓዊሱ ይርከብ

ንሂወትካ/ኪ ዘስግእ ኩነታት ክህሉ ከሎ ጥራሕ ኢካ/ኪ ናይ ሃነደበት እዋን ህክምና ትሓትት ተዘይኮየኑ ግና ንዝተገልገልካሉ ብዓልካ ትከፍል

ንሃነደበታዊ ሓገዝ ክትድዉል ከለካ/ኪ እዞም ዝስዕቡ የድልዩካ

በዓልካ ተፋልጥ

እንታይ ከም ዘጋጠመካ/ኪ ክትገልፅ/ፂ ኣለካ/ኪ

ሓገዝ መን ከም ዝሓተተ ምግላፅ

ኣድራሻካ ምሃብ

መምርሒ ብጥብቂ ምስማዕ  ብጣዕሚ ኣድላይ እዩ. ድሕሪ, ምድዋልካ ናይ ሃንደበት ሓደጋ ጉጅለ መሊሶም ክድዉሉ ስለዝክእሉ  ስነ-ተለፎን  ነፃ ምግባር የድሊ

እንታይ ዓይነት ስነ-ኣስናን ኣገልግሎታት ምጥቃም እኽእል?

ቀዳማይ ስነ-ኣስናን ክንክን ሞያውያን (zobozdravnik) ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ጥዕና ማእከል (zdravstveni dom) ዝሰርሑ ወይ ከኣ ምስ ናይ ህዝባዊ ገንዘብ ዉህስነት ጥዕና ዉዕሊ ዝኣሰረ ናይ ግሊ ሓኪም

ከም ሕጊ ንኩሉ ናይ ስኒ ሕክምና ኣገልግሎት ክተከፍል ይግባእ  ነግር ግን ምትካል ስኒ ሓዊሱ ሕሙማን እንትትከፍሉ ኣይረኣዩን ዋላ ዜጋታት ንሕክማና ስኒ ክከፍሉ ይግባእ

ካብ ናይ ስራሕ ወፃኢ ብምክንያት ሃንደበታዊ ኩነታት (ሓያል ቃነዛ ስኒ) ኣገልግሎት እንተደሊካ/ኪ ናብ ናይ ሃንደበታዊ ኣገልግሎት ስነ ስኒ ክትከይድ ኣለካ/ኪ እዚ ድማ ብዉሑዳት ናይ ጥዕና ማእከላት ይወሃብ

መድሓኒት እንትደልይ ካበይ ምርካብ እኽእል?

መድሃኒት ምርካብ ዝከኣል ኣብ ውሽጢ ፋርማሲ (lekarna) ጥራይ እዩ. ነፍሲ-ወከፍ ከተማ ብዙሕ ጊዜ ሓደ ፋርማሲ ይህልየን. ንሓደ-ሓደ መድሓኒታት ናይ ሓኪም ምኽሪ ኣየድልን (ንኣብነት ፀረ ረስኒ, ርእሲ ቃንዛ ወይ ከኣ ካልኦት ቃንዛታት, ሰዓል ከምኡውን ተመሳሳሊ ምልክታት). እዞም መድሃኒት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ፋርማሲ መክፈሊ ሂሳብ ምግዛእ ይኽእሉ.

ኮይኑ ግና ንመብዛሕቲኦም መድሓኒታት ናይ ጠቅላላ ሕክምና ሓኪምካ ፅሑፋዊ መግለፂ የድሊ እንተደኣ ዉሕስና ጥዕና ሃልዩካ/ኪ ናይ ጠቅላላ ሕክምና ሓኪምካ ናይ መድሓኒት ትእዛዝ (መብዛሕቲኡ ብኤለክትሮኒካል መልክዕ) ካብ ፋርማሲ ምዉሳድ ይከኣል ካብ ፋርማሲ መድሓኒት ንምዉሳድ እቲ ትእዛዝ ክተርኢ ይግባእ (ብወረቐት እንተተዋሂቡካ/ኪ) ወይ ከዓ መለለይ ካርዲ ጥዕናዊ ዉሕስና ምርኣይ ይከአል

እቲ ዝተኣዘዘልካ/ኪ መድሓኒት እንድሕር ድኣ ኣብ ዝርዘር ናይ ህዝቢ ጥዕና ውሕስነት ዝሽፈን ኮይኑ ክተከፍል ኣይግባእን ሓኪምካ/ኪ ከምኡ ዓይነት መድሃኒት ይእዝዘልካ

ናይ ሓደ ሓደ መድሓኒት ዋጋ በቲ ዉሕስና ብዉስን ዝሽፈን ስለዝኮነ ዝተወሰን ባዓልካ/ኪ ክትከፍል/ሊ ትክእል/ሊ እዚ ንዜጋታት ስሎቪኒያ እዉን ተፈፃሚ እዩ እነተድኣ ካብ ስራሕ ወፃኢ ህፁፅ መድሓኒት ደሊካ/ኪ 24 ሰዓት ክፍቲ ዝኮና ፋርማስታት ክትከይድ ይግባእ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት 24 ሰዓት ዝሰርሓ ፋርማስታት ኣለወን

ንህጻውንቲ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ጥዕና  ኣሎ?

ከም መትከል ኩሎም ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ህፃዉንቲ (ንዝመሃሩ ድማ ትሕቲ 26 ዓመት) እንኮላይ ሓተቲ ዕቁባን ዓለም ለከ ሓለዋ ዝረከቡ ህፃናትን ምስ ካልኦት ናይ ስሎቪኒያ ዜግነት ዘለዎም ህፃናት ማዕረ መሰል ምጥቃም ኣገልግሎት ጥዕና ኣለዎም

ናጽላ ህጻናት ከምኡውን ቕድመ ትምህርቲ ቤት ቆልዑ (ክሳብ 6 ዓመት ዕድመ ዘለዎም) ናብ ህጻናት ክንክን ክኢላ (pediater ክውሰዱ ኣለዎም. ናብ ናይ ናጽላዊ ሓኪም  ንምኻድ ናይ ተወሳኪ ሕክምና ትእዛዝ ኣየድልካን. ይኹን እምበር ቈጸራ ቅድም ኢልካ ብቴለፎን  ወይ ከኣ ብኣካል ተረኺቦም ቈጸራ ምሓዝ የድሊ.

Children of school age go to the general or family physician, specialising in school-age children. 

ትምህርቲ ዝጀመሩ ህፅዉንቲ ግን ኣብ ናይ ጠቕላላ ሕክምና ወይ ስድራ ቤት ሓኪም ዝሕከሙ ይኮኑ

If your child goes to school, physicians specialized in school medicine at a local health centre will periodically examine him/her. These physicians are perform preventive medical check-ups in schoolchildren and university students, vaccination and health education.

እንድሕር ድኣ ዉላድካ/ኪ ዝመሃር ኮይኑ ኣብ ናይ ከባቢታት ትካላት ትዕና ናይ ቤት ትምህርቲ መድሓኒት ዝሰልጠኑ ሓካይም በብእዋኑ ዝምርመር ይከዉን እቶም ሓካይም  ኣብ ቤት ትምህርትታትን ዩኒቨርሲታትን ናይ ምክልካል ህክምናዊ ምርመራ ክትባት ከምኡ ዉን ሕክምናዊ ትምህርቲ ይህቡ

ኣብ ስሎቪኒያ ንህፃዉንቲ ግዴታ ዝኮኑ እንታይ ዓይነት ክታበታት እዮም

ኣብ ስሎቪኒያ ንህፃዉንቲ ኣገዳዲ ዝኮነ ናይ ክታበት መደብ ኣሎ እዚ ማለት ኩሎም ህፃዉንቲ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝከላከል ክታበት ክወስዱ ይግባእ እንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ዝሎቪኒያ በቢዓመቱ ናይ ክታበት ግዜ ሰሌዳ የዉፅእ (ብስሎቪኒያhttp://www.nijz.si/sl/koledar-cepljenja-predsolskih-in-solskih-otrok-v-sloveniji).

እንድሕር ድኣ ዉላድካ/ኪ ኣብ ትዉልዲ ሃገርካ/ኪ ወይ ከዓ ኣብ ካልእ ሃገር ክታበት ወሲዱ/ዳ እቶም ዶካትር እቲ ናይ ስሎቪኒያ መደብ ክትበት ምስ እቲ ዝወሰዶ ክታበት ዘላምድዎ ይከዉን ስለዚ ዉላድካ/ኪ ዝወሰዶ ክታበት ዘርኢ መዝገብ ምሓዝ ኣድላይ እዩ

ክታበት ንምንታይ የድሊ

ክታበት ህፃዉንቲ ካብ ዝኮሳሕ/ተመሓላላፊ ሕማም ይከላከል ክታበት ተመሓላላፊ ሕማም ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ከይዛመት እቲ ዉሑስ ሜላ እዩ ካብዚ ወፃኢ ኣብ ስሎቪኒያ ክታበት እንተዘይወሲዱ ዉላድካ/ኪ ኣብ መዋእለ ህፃናት ኮነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣይምዝገብን

ብዛዕባ ክታበት ዝበለፀ ሓበሬታ ካብ ናይ ቤተ ሰብ ሓኪምካ/ኪ ሓኪም ህፃናት ወይ ኣብ ዝኮነ ቅርንጫፍ እንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ዝሰርሕ በዓል ሞያ ምርካብ ይከኣል  (http://www.nijz.si/en)

ንደቂ ኣነስትዮ ፍሉይ ሕክምና ዶ ኣሎ

ምስ ናይ ዉሕስና ስምምዕነት ዘለዎም ኣብ ናይ ከባቢ ማእከላት ጥዕና ዝርከቡ ናይ ማህፀን ሓካይም(ginekolog) ወይ ግሊ ሓካይም እሞ ብዛዕባ ናይ ወሊድ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህቡካ/ኪ ይክእሉ ኣብ መባእታዊ ሓኪም ቤት ንዝርከብ ናይ ማህጸን ሓኪም ንምሕካም ናይ ሪፈር ወረቐት ኣየድልየካን ነገር ግን ቆፀሮ ኣቐዲምካ ምሓዝ የድሊ

ናይ ማህፀን ሓኪምኪ በዓልኪ ክትመርፂ ትክእሊ መድህን ዉሕስናኪ ክፍሊት ኩሎም ትረኡዮምን ሪፈርን መግሓኒትን ይሽፍን እንተድኣ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተዘይመረፅኪ ኣብ ዘሎ ሓኪም ማህፀን ቆፀሮ ምሓዝ ይከኣል ነገር ግን ናይ ኣገልግሎት ትከፍል ይከዉን ኩለን  ነፍሰ ፁራት ወይ ከዓ ዝወለዳ ደቂ ኣነስትዮ ምስ ዜጋታት ስሎቪኒያ ማዕረ መሰል ምጥቃም አገልግሎት ክንክን ወሊድ  ይህልየን ብርኪ ኣፍልፀጦአን ብዘይአገድስ እዚ ድማ ቀፃሊ ሕክምናዊ ምርመራ መድሓኒት ኣድላይ እንተኮይኑ ምክሪ ኣብ እዋን ጥንሲ ከንክን ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ቅድመ ከምኡ ዉን ድሕረ ወሊድ

ንናይ ኣእምርኦም ዝተነክኡ ወይ ከዓ ስቓይ ዝበፀሖም ሰባት ዝወሃብ ፍሉይ ሕክምና ኣሎ ዶ

ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ኣእሙራዊ ምክሪ ከምኡ ዉን  ናይ ኣእምሮ ሕክምና (እንድሕር ድኣ ኣብቲ ሓዱሽ ዓዲ ብሕታዉነት ተሰሚዑካ ቱሮማ/ጭንቀት ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል) ንዘይርሳዕ ግፍዒ ወይ ስቃይ ዝበፀሖም ሰባት ይወሃብ መብዛሕቲኡ ግዘ ከምዚኦም ዝበሉ ኣገልግሎታት ንተመዛበልቲ ዝሕግዛ ወለንታዉያን ትካላት ይወሃብ ወይ ንከምዚ ዓይነት ምክሪ ይደሉልካ

እንድሕር ድኣ ግዳይ ስቓይ ወይ ዘስቅቕ ፍፃመታት ኣሕሊፍካ/ኪ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ሓገዝን የድልየካ ዘድልየካ/ኪ ሕክምና ወይ ዘለካ/ኪ መሰል ኣገልግሎት ጥዕና መሰረት ብምግባር ወለንታዉያን ትካላት ዶክተር ክትረክብ ይሕግዙካ

Further information & links

ዝበለፀ ሓበሬታን ሊንክታትን

Health care system in Slovenia with detailed explanations on rights for asylum seekers and refugees

Health insurance in Slovenia

Slovene Health Insurance Institute

Slovene Institute of Public Health

Multilingual dictionary for easier communication accessing health services (Slovene, Arabic, Farsi)

Slovenian health system navigation guide in English 

Slovenian health system navigation guide in Arabic: (booklet) or (leaflet

Slovenian health system navigation guide in Tigrinya (booklet) or (leaflet)

ሕቶን መልስን

  ሓኪም ከመይ ምርካብ እኽእልየ?

 ኣብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ሕብረተሰብ    (zdravstveni dom) ወይ ከኣ ብግሉ ናይ ሕክምና ዝሰርሕ ሓኪም ውሽጢ ኣጠቓላሊ ሓኪም ወይ ከኣ ናይ ቤተሰብ መድሃኒት ክኢላ ምርካብ ይኽእሉ መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ ናይ ዓበይቲ ከተማታት ማሕበረኮም ወይ እንድሕር ድኣ ኣብ ንእሽቶይ ከተማ ትነብር/ሪ ኮይንካ/ኪ ድማ ኣብ ቤት መዛገጃ ይርከቡ ናይ ሓፈሻዊ ሕክምና በዓል ሞያ ኣብ ስርዓት ጥዕና እትረክቦ ናይ ፈለማ ሓኪም ይከዉን

እዛዊ ናይ ጥዕና ብያነ ሽፋን እንተድኣ ኣለኩም, ኣብቲ ዝተመዝገብካዮ/ክዮ”ዝተመርጸ ዶክተር” (izbrani zdravnik) ተጠቃሚ ይኾኑ. ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ መባእታዊ ሓለዋ ጥዕና ዝብል ክፍሊ ይርኣዩ.

እንተድኣ ዉሕስና ሓለዋ ጥዕና ዘይብልካ/ኪ ኮይንካ/ኪ ተጠቃሚ ሓገዝ እዋን ሓደጋ ትከዉን/ትኮኒ ነግር ግን ናብ  ናይ ዉሕስና ጥዕና ዘይብሎም ሰባት ዝግልገሉሉ ክሊኒካት ምካድ ይከኣል እዩ ኣብ ዉስናት ዓበይቲ ከተማታት ከምዚኦም ዝበሉ ክሊኒካት ኣለዉ (ንኣብነት ሉብያና ማሪቦር ክራጅ ኩፐር ኖቫ ጎሪታ ወዘተ)

ከም ጉድእ ኣካል እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ጥዕና እረክብ

እንተድኣ ጉድእ ኣካል ኮይንካ/ኪ ኩነታት ዝምጥን ዓይነት ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ/ኪ

ዓይነት ጉድኣትካ/ኪ ከም ኦርቶፓዲክ ወይ ካልኦት መሳርሕታት (ወንብር ጉድእ ኣካል ክራንች  ዘድልዮ ኮይኑ ዶክተር (መብዛሕትኡ ናይ ሓፈሻዊ ሕክምና ሓኪምካ/ኪ ዝልእከካ/ኪ) ትእዛዝ (ደረሰይ) ዝህበካ/ኪ ይከዉን ጫማ ኦርቶፓዲክ መስምዒ መሳርሒ እንድሕር ድኣ እቲ እትደልዮ መሳርሒ ኣብቲ ብኢንሰቲትዩት ዉሕስና ጥዕና ስሎቪኒያ ዝተፀርሑ መሳርሕታት ኣካል ኮይኑ ብነፃ ተጠቃሚ ትከዉን/ትኮኒ

ኣእምሮኣዊ ጥዕና  ኣገልግሎታት ኣበይ ምርካብ እኽእል?

መብዛሕትኡ ግዘ ሓገዝ ሕክምና ኣእምሮ ብ ናይ ስነ ልቦና ከምኡዉን ሓካይም ስነ ኣእምሮን ዝወሃብ እዩ ኣገልግሎት ሕክምና ስነ ኣእምሮ ህዝባዊ ስርዓት ሕክምና ወይ ኣብ ግሊ ምርካብ ይከኣል ብዶከተር እንተድኣ ሪፈር ተባሂልካ/ኪ ኣትከፍልን

እንድሕር ድኣ ሓታቲ ዕቁባ ወይ ዓለም ለከ ሓለዋ ረኪብካ/ኪ በቶም ንፅግዕተኛታት ሓገዝ ዝህባ ትካላት ናፃ ናይ ሓገዝ ስነ ኣእምሮ ትረክብ/ቢ ትክእል/ሊ ( ንዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ሓዱሽ ዓዲ ቦታ ዝሰሓትካ/ኪ እንተመሲሉካ/ኪ ዝብል ምዕራፍ ይርኣዩ

ናይ ሕማም ዕረፍቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኒ ዶ

እንድሕር ድኣ ወዕሊ ዝተኣሰሮ ስራሕ ሃልዩካ/ኪ ኣብ እዋን ሕማም እናተከፈለካ/ኪ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ምርካብ መሰል ኣለካ/ኪ ናይ እዋን ሕማም ዕረፍቲ ንምርካብ እንተሓመካ/ኪ ናይ ዶክተር ምካድ ወይ ምድዋል የድሊ ብተወሳኪ ንኣስራሒካ/ኪ ብቀጥታ ስራሕ ከም ዘይትኣቲ ክተፍልጥ/ጢ ይግባእ

ኣብ እዋለወ ስራሕ እንትትጉዳእ

ብሕጋዊ መገዲ እንትትሰርሕ/ሒ ኣብ እዋን ስራሕ ጉድኣት እንተበፂሑካ/ኪ ዉሕስና ይህልየካ/ኪ ዋጋ ናይቲ ዉሕስና ካብ ጠቅላላ ደምወዝካ ዝቕነስ ይኩዉን (ንዝበለፀ ሓበሬታ ስራሕ ዝብል ምዕራፍ ይርኣዩ). እዚ ማለት ንሕክምናን ንምምሕያሽን በቲ ዉሕስና ዝሽፈን ስለ ዝኮን እትከፍሎ/ልዮ ክፍሊት የለን

መቆጻጸሪ ስነ ወሊድ ከመይ ምርካብ እኽእል?

ኮንደም ካብ ፋርማሲታት ምግዛእ ይከኣል መብዛሕትኦም ናይ ቤት መድሓኒታት መብርሂ ኣይሓቱን ን ናይ ጥንሲ መቆፃፀሪ ክኒናትን ካልኦት መከላከሊ ጥንሲ ናብ ናይ በዓል ሙያ ማህጸን(ginekolog) ምካድ የድሊ ንሱ/ንሳ ትእዛዝ (ደረሰኝ) ዝህበካ/ኪ ይከዉን

 ናይ ጥንሲ መቆፃፀሪ ክኒናትን ኣብ ፋርማሲታት ጥራሕ እዮም ዝርከቡ ከምኡ ዉን ንሓደ ሓደ ዓይነታት መድሓኒታት ክትከፍል ኣለካ/ኪ