ሓበሬታ ብዛዕባ ኢጣልያ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኢጣልያ
ጂኦግራፋዊ ሓበሬታ
ኣብ ደቡባዊ ኣውሮፓ ትርከብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ, ደረቅ መሬትን ዓበይቲ ደሴታት የጠቃልል፣
ሲሲሊን and ሳርዲንያ ካብተን ዓበይቲ ድሴታት እየን። ጠቅላላ ስፍሓት መሬት ናይ 301,230 ስ.ኪ.ሜ ኣለዋ። ናይ ኢጣልያ ዋና ከተማ ሮማ ትበሃል፣ ።ብሰሜን ፈረንሳ, ስዊዘርላንድ, ኣውስትርያ ከምእውን ስሎቬንያ ።እታ ዝዓበየት ድሴት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድማ ሲሲሊ ትበሃል ዋና ከተማኣ ድማ ፓለርሞ ተባሂላ ትጽዋዕ ።ሳርዲኒያ ካልኣይቲ ዝዓበየት ደሴት ድማ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሲሲሊ ትርከብ ፣ ከተማ ሳሳሪ ትበሃል።፣ ሳንማሪኖ ትበሃል ሉኡላዊ ሪፓብሊክ ኣብ ውሽጢ ደጀን ኢጣልያ ትርከብ።, ኣብስፍሓት ናይ 61.2, ስ.ኪ.ሜ ድማ ሃገረ ቫቲካን ትርከብ፣, 44 ሄክታር ስፍሓት ኣለዋ።
ኢጣልያ ኣኽራናታ ዝበዝሕዋ ሃገር ኮይና ፡ጸበብቲ ሰጣሕ ጎላጉል ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ። በረኽቲ ጎቦታት ድማ ጎቦ ኣልፕስ እቲ ዝነውሐ ጎባ ምዃኑ ይፍለጥ ጎቦ ብላንክ 4,807 ሜ. ዶልማይትስ ከምእውን ኣፐኒነስ፣ ናብ ደቡብ እታ ሃገር ዝኸደ እዩ።ኣብ እግሪ እታ ሃገር ድማ ሩባ ፖ ይርከብ፣, እዚ ሩባ እዚ ድማ እቲ እንኮ ሩባ ማይ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሕርሻውን ኢንዱስትርያውን ጠለባት የማልእ።ካልኦት ናኣሽቱ ሩባታት ድማ ኣርኖን ቲበርን ይበሃሉ።ኢጣልያ ሓደ እንኮ ናይ እሳተ ጎመራ ክስተት ኣብ ኣውሮፓ ኣለዋ ፣ቬሱቪዩስ (ናፕለስ), ጎቦ አትና፣ ፣ (ሲሲሊያ)፡ ከምእውን ስትሮምቦሊ
ክሊማ
ብሓፈሻ ኢጣልያ ኣርባዕተ ወቅትታት ኣለዋ። ገማምግም ባሕሪ ማእከላይን ቆራርን ኮይኑ፣ ዝናባዊ ሓጋይ፣ ዉዑይ ደረቅ ክረምቲ ኣለዋ።ምስ ዝሑል ሓጋይ ማእከላይ መሬትን ኣኽራናትን ዝዛሓለ ክኸውን እንክሎ፣ ውዑይ ክረምቲ ዝናብ ዝዓብለሎ ይኸውን፣ ብዝያዳ ኣብ ቀውዒ ኣዝመራን ይሃርም እዚ ድማ ምስ ብርቱዕ በረድ ኣብ ኣኽራናት ዝበዝሖ ከባቢ ይኽሰት።እቲ ዝዛሓለ ወቅቲ ድማ ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ ይኸውን፣ እቲ ዝወዓየ ድማ ወሓት ሓምለን ነሓሰን ይኸውን።ደረጃ ሙቀት ኣብ ሓጋይ ድማ ትሕቲ ዜሮ ኣብ ሰሜን ክሳብ 18® ሰ.ግ.ኣብ ሲሲልያ ፣ ኣብ ክረምቲ ግን ልክዕ ከም ናይ ሰሜን ደረጃ ሙቀት ካብ 24-30 ዲግሪ ይኸውን።ምብራቃዊ ገማግም ናይ ኢጣልያ ድማ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ጥሉል ኣይኮነን እንተኾነ ግን ኣብ ሓጋይ ዝዛሓለ እዩ።ዓመታዊ ዓቀን ዝናብ ኣብ ሲሲሊያን ሳርዲንያ ድማ 50 ሰ.ሜ ይበጽሕ፣ ክሳብ 200 ሰ.ሜ ኣብ ኣልፕስ /በረኽቲ ቦታታት ይባጽሕ።
ቋንቋ
ናይ ኢጣልያ ቋንቋ ሮማዊ ቋንቋ ኮይኑ ፣ካብ ብሮማውያን ዝዝረብ ዝነበረ ቋንቋ ዝመጸ እዩ።ቋንቋ ኢጣልያ ምስ ካልኦት ሮማዊ ቋንቋታት ዝተመሳሰለ ኮይኑ 89% ናይ ቃላቱ ምስ ናይ ፈረንሳ ፣88% ምስ ናይ ካታሎን፣ 82% ምስ ናይ ስፓኛን ፖርቱጋልን፣ ከምኡ ድማ 77% ምስ ናይ ሮማንያ ቋንቋታት ይዛመድ።ሓደ ካብዞም ዝተጠቅሱ ቋንቋታት ትዛረብ እንተደኣ ኮንካ ናይ ኢጣልያ ቋንቋ ብቀሊሉ ክርደእካን ክትመሃርን ትኽእል።
መደበኛ ቋንቋ ጥልያን ኣብ ጽሕፈት ናይ ቱስካን ጸሓፍቲ ኣብ 12 ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ እዩ።እንተኾነ ግን ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ደረጅኡ ዝሓለወ ቋንቋ ብሓድሽ ዝተመስረሐ ኮይኑ በቲ እዋን 2.5 % ናይቲ ህዝቢ ይዝረበሉ ነይሩ)።ኣብዚ እዋን እዚ ቋንቋ ጥልያን ወግዓዊ ቋንቋ ኮይኑ ብዝበዝሑ ሰባት ይዝረብ ኣሎ።ነፍስ ወከፍ ናይ ኢጣልያ ዞባ ነናተን ላህጃት ቋንቋ ኣለወን።(ሲሲልያ፣ ሮማ፣ ቨነሲያ፣ ናፖልያ ፣ወዘተ..)። ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኢጣልያ ኣቀዲሙ ላህጃታት ቋንቋ ምስ መለኸ ምስቲ ወግዓዊ ቋንቋ ጥልያን ንክዛረብ ኣብ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝመሃር ይግምገም።እንተኾነ ግን እቲ ደረጅኡ ዝሓለወ ቋንቋ ጥልያን እቲ እንኮ ክጻሓፍ ዝኽእል ቋንቋ ኮይኑ ይርከብ።
ቋንቋ ጥልያን መበል ኣርባዕተ /ራብዓይ ዝጽናዕ ቋንቋታት ዓለም እዩ።ፊደላት ቋንቋ ጥልያን 21 ፊደላት ኣለዎ።ፊደላት j` k` w` x` y` ኣብቲ ደረጅኡ ዝሓለወ ቋንቋ ጥልያን ኣይርከቡን፣ ጥራይ ንናይ ልቃሕ ቃላት( ከም jeans)።ኢጣልያውያን ክዛረቡ ከለዉ ዝደርፉ ዘለኡ ኢዮም ዝመስሉ ይበሃል፡ ምኽንያቱ ድማ መብዛሕትኡ እቲ ቃላት ብኣድማጺ/ቮወል ስለ ዝውዳእ ምዃኑ እዩ።
ቋንቋ ጥልያን ኣብ ካልእ ሃገር/ደገ ኣበይ ይዝረብ?
ቋንቋ ጥልያን ከም ወግዓዊ ቋንቋ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኢስትርያ፣ (ዞባ ናይ ክርዋትያ)፣ ሳን ማሪኖ፣ ቫቲካን፣ ስሎቬንያ፣ ቦዝንያን ሀርዞጎቪናን ሮማንያን። ከማኡ ድማ 12 ንኡሳን ቋንቋታት ኣብ ኢጣልያ ይዝረቡ፣ ጀርመን , ፈረንሳኛ , ግሪክ , ኣልባንያ , ላዲን, ስሎቨን ,ሳርድንያን, ፍሩልያን , ኦቺታን, ፕሮቨንቻል ከምእውን ክርዋትያ
ፖሊቲካዊ ስርዓት ኢጣልያ
ኢጣልያ ካብ 1946 ጀሚሩ ሰልፈ ብዙሕነት ዘለዋ ባይቶኣዊት ደሞክራሳዊት ሃገር እያ።ፕረሲደንት (ናይዚ እዋን ሰርግዮ ማታረላ) መራሒ ሃገር እዩ፣ ምንም እኳ ጽምብላዊ ሓላፍነት እንተኾነ።እቲ ዝዓበየ ተራ ዘለዎ ድማ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ቤት ምኽሪ ምንስትራት ዝሓቆፈ እዩ። ፕረሲደንት ቀጥታ ብህዝቢ ኣይኮነን ዝምረጽ፣ ብናይ ምስጥር ድምጺ ናይ ዞባውያን ወከልትን ባይቶን ግን ይምረጽ ፣ንሸውዓተ ዓመታት ድማ የገልግል። ፠፠፠፠.
ፖሊቲካዊ ስርዓት ኢጣልያ
ኢጣልያ ካብ 1946 ጀሚሩ ሰልፈ ብዙሕነት ዘለዋ ባይቶኣዊት ደሞክራሳዊት ሃገር እያ።ኣብ ኢጣልያ ሰለስተ ናይ ስልጣን ጨንፈራት ኣለዉ፡ፈጻሚ፣ ሓጋጊ፣ ፈራዲ።
- ፕረሲደንት (ናይዚ እዋን ሰርግዮ ማታረላ) ፣ ምንም እኳ ናይ ጽምብላዊ ሓላፍነት ተራ እንተሃለዎ መራሒ ሃገር እዩ።ፕረሲደንት ቀጥታ ብህዝቢ ኣይኮነን ዝምረጽ፣ ብናይ ምስጥር ድምጺ ናይ ዞባውያን ወከልትን ባይቶን ግን ይምረጽ ፣ንሸውዓተ ዓመታት ድማ የገልግል።ግዴታታት ፕረሲደንት፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ምስ ተኻየደ እኳ እንተኾነ ቀዳማይ ምኒስተር ምሕራይ/ምምራጽ እዩ፣ብተወሳኺ `ውን ንምርጫ፣ ረፈረንዱም ይጽውዕ፣ ሕግታት ድማ ብወግዒ ኣብ ግብሪ የውዕል(ምንም እኳ ብካልኦት ተበይኑ ዝሓልፍ እንተኾነ)።
- እቲ ዝዓበየ ተራ ዘለዎ ድማ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ቤት ምኽሪ ምንስትራት ዝሓቆፈ እዩ።እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ፈጻሚ ስልጣን ኣለዎ። ሚንስትራት ድማ ሕግታትን ካልኦት ፖሊቲካዊ ውሳኔታት የፈጽሙ።
- እቲ ሓጋጊ ስልጣን ድማ ናይ ባይቶ ስልጣን እዩ፣ ቀንዲ ስርሑ ድማ ሕግታት ምእማም እዩ።ባይቶ ኢጣልያ ብክልተ ቤት ምኽሪ ዝቆመ ኮይኑ፣ ተመሳሳሊ ስልጣን ድማ ኣለዎም፡ ቤት ምኽሪ ወከልትን ላዕለዋይ ቤት ምኽርን።ዜጋታት ኢጣልያ ኣብ ነፍስወከፍ ሃሙሽተ ዓመታት ባይቶኣዊ ምርጫ የካይዱ።
- ፈራዶ ድማ ናይ ፍርዲ ስልጣን ኣለዎም፣ ብባይቶ ዝጸደቀ ሕግታት ድማ የተግብሩ።
ገለ ሕግታት ናይ ምርጫ ስርዓት
- ኢጣልያውያን ክመርጹን ክምረጹን መሰል ኣለዎም(ህጹያት ናይ ሰልፊ እንተኾይኖም)
- ውልቀ ሰባት ዘይኮኑስ ፡ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ምርጫ ይወዳደሩ ፣ ውልቀሰባት ድማ ይመርጹ
- ኢጣልያውያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ይመርጹ
- ዜጋ ናይ ኢጣልያ ምስ ኮንካ ናይ ምምራጽ ዕድል ይህልወካ ፣ስደተኛ እንተኾንካ ድሕሪ 5 ዓመታት ምንባር ኣብ ኢጣልያ ንዜግነት ምሕታት ይከኣል።ንስደተኛታት እቲ ግዜ 10 ዓመታት እዩ።
- ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኢጣልያውያን ወከልቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክመርጹ ይኽእሉ ንኣባላት ላዕላዋይ ቤት ምኽሪ ግን ናይ ምርጫ ዕድመ 25 እዩ። ቅዋም ኢጣልያ እቲ ዝለዓለ ሕጊ ኮይኑ ኣብ ቀንዲ ደንብታት ሕብረተሰብ ኢጣልያ ተመርኲሱ ዝጸደቀ እዩ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ቅዋም ኣብ 1948 ዝጸደቀ እዩ።እቲ ዓንቀጻት ኣብ ሰለስተ ምድባት ዝተኸፍለ እዩ፣ መሰረታውያን መትከላት፣ መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት፣ ከምእውን ናይ ሪፖፕሊክ ምሕባር/ጥርናፈ። ስለዚ ድማ ፣ ዝኾነ ኣብ ኢጣልያ ዝቅመጥ ሰብ ፡ውሑስ ሰብኣዊ መሰልን፣ መሰረታዊ ናጽነታት ኣለዎ ፡እዚ ድማ ቀቢላ ፣ ዓሌት፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካዊ ወይ ካልእ እምነት፣ ደረጃ መርዓ፣ ትውልዲ፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ደረጃ፣ ስንክልና ወይዝኾነ ካልእ ውልቃዊ ኩነታት ብዘየገድስ ይኸውን።
ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ኢጣልያ
ኣብ ኢጣልያ ብዙሓት ፖሊቲካውያን ሰልፍታት ኣለዋ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ማእከላይ ሰልፊ ክሪስትያን ደሞክራሲን ጸጋማይ ክንፊ ሰልፊ ኮሚንስት ንናይ ኢጣልያ ፖሊቲካ ዓብሊለሞ ኔሮም።ኣብ እዋን 1992 ኢጣልያ ብቀንዲ ፖሊቲካውያን ሰልፍታት ዝተኻየደ ብልሽውና ተናዊጻ ኔራ።ቀንዲ ምቅይያራት ናይተን ሰልፍታት ምዝዛም ናይ ብቀዳመይቲ ሪፓብሊክ ዝፍለጥ ዘመን ኮይኑ፡ እቲ ክሳብ እዚ እዋን ዘሎ ግዜ ድማ ካልኣይቲ ሪፓብሊክ ተባሂሉ ይፍለጥ።ኣብ ናይ ሎሚ ፖሊቲካዊ መድረኽ ኢጣልያ ናብ ማእከላይን የማናይ ክንፊ ፖሊቲካ ዛዝዩ ይርከብ፡ ደሞክራስያዊ ፓርቲ፣ five star movement (ማእከላይ)፣ ሕብረት ሰሜን/northern league(የማናይ ክንፊ)፣ ከምእውን ፎርዛ ኢጣልያ/forza italia(ማእከላይን-የማናይን) ፡እቶም ቀንዲ ሰልፍታት ኮይኖም ይርከቡ።
ኢጣልያ ኣብ 20 ዞባታት ዝተኸፍለት ኢያ። ሓሙሽተ ካብኣቶም ሳርዲንያ፣ ትረንቲኖ*-ኣልቶ ኣዲገ፣ ኣኦስታ ስንጭሮ/valley, ፍሪዩልይቨነዝያ ጒልያ ፍሉይ ደረጃ ናይ ናጽነት ኣለዎም። ዞባታት ኣብ ኣውራጃታት፡ ኣውራጃታት ድማ ኣብ ኮማት ዝተኸፋፈሉ እዮም።
ዝያዳ ሊንክታትን ሓበሬታን ፡
http://www.integrazionemigranti.gov.it/en/legal-framework/fundamental-rights/Pages/Italy.aspx
https://www.thelocal.it/20170518/italys-political-system-key-things-to-know
ሃይማኖት
ኣብ ኢጣልያ ቅዋምን ካልኦት ሕግታትን ፖሊሲታትን ናይ ሃይማኖት ናጽነት የውሕሱ፣ ።ሃገራዊ ሃይማኖት የለን።ዝኾነ እምነት ቅቡል እዩ።ገለ ካብኣቶም ድማ ብሓደ ምስ ናይ ካቶሊክ እምነት ይኸይድ፣ካብ ቅድም ጀሚሩ ከም ናይ ጁደይዝም እምነት ማለት ፣ካልኦት እምነታት ድማ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ምስ ምምጻእ ስደት ፣ከም ኦርቶዶክስ ፡እስልምና ከምእውን ቡደይዝም።እንተኾነ ግን ብምኽንያት ሉኡላዊ ደረጅኡን ታሪኻዊ ፖሊቲካውን ጽልውኡ ፣ ሮማዊ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ፍሉይ ሓለፋታት ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ኣለዎ።
ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ልቢ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መሬት ኢጣልያ ኣብ ውሽጢ ከተማ ቫቲካን ትርከብ።
ዓብላሊ ሃይማኖት ኣብ ኢጣልያ ክርስትና ኮይኑ፣ 74.4% ተቀማጦ ኢጣልያ ክርስትያን፣ 22.6% ዝኾነ ሃይማኖት ኣይክተልን-እዚ ካብ ትውልዲ ወይ ምንስሓብ ካብ እምነት ክኸውን ይኽእል፣ 3.0% ድማ ካልእት ሃይማኖታት ይኽተሉ።ዝበዝሐ ቁጽሪ ካብ ክርስትና እምነት ተኸተልቲ ድማ ካቶሊክ ኮይኖም 71.1% ካብ ህዝቢ ኣለዎም። ካልኦት ንኡሳን ሃይማኖታት ድማ ምብራቃዊ ኦርቶዶክስ (1.6 ሚልዮን(2.6%)) እቲ ዝዓበየ፣ እስልምና (1.4 ሚልዮን(2.34%)) ብዓብላሊ ዳርጋ ኩሎም ሱና) ፕሮተስታንት/Protestantism, ጂሆባ ዊትነስ ፣ቡድሂዝም፣ሂንዱዝም/ Hinduism፣ሲኺዝም/ Sikhism ጁደይዝም/ Judaism።ኩሎም ነናቶም ማእከላት እምነት ኣለዎም።
በዓላት ኣብ ኢጣልያ ድማ ንሃይማኖት ክርስትና (ካቶሊክ) ወይ ድማ ታሪኻዊ ኣጋጣሚታት ይኽተሉ። እስላማዊ በዓላት የለን። ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ፍቁድ ኮይኑ ከም ኒቃብን ቡርቃን ኣልባሳት ኣይፍቀዱን ብሕጊ ድማ የሕተቱ።
ሃይማኖታውን ፖሊቲካውን ጉዳያት ኣብ ኢጣልያ ክልተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እዮም።ሕጊ ኢጣልያ ልዕሊ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ሕግታት እዩ።
ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሃይማኖታዊ ሓሳባቶም ከካፍሉን ምስ ካልኦት ክጽንበሩን ክዛተዩን ዝደልዩ ሰባት ይርከቡ።ብ ሓባራውን ሰለማውን ኣገባብ ኩሎም ሃይማኖታት ጠሚረን ዘንቀሳቀሳን ዝተሓጋገዛን ማሕበራት ድማ ይርከባ። እንተደኣ ዝኾነ ኣፈላላይ ብምኽንያት እትኽተሎ እምነት ኣጋጢሙካ ፡ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ዝርከብ ቤት ጽሕፈታት ከድካ ምሕባር ሓገዝ ምሕታት ይከኣል ወይ ድማ፡
ሕጋዊ ሓገዝ/ASGI juridical help
ኡናር /UNAR
Forum antirazzista Palermo: https://www.facebook.com/groups/112901105393866/
https://www.lifeinitaly.com/culture/religion
https://www.state.gov/documents/organization/208540.pdf
https://riforma.it/it/articolo/2016/02/01/litalia-e-le-religioni-nel-2016
http://www.mondita.it/2017/02/religioni-italia-2016/
http://eurispes.eu/content/rapporto-italia-2016-la-sindrome-del-palio
መሰላትን ግቡኣትን
ናይ ውልቅን ሓባርን መሰላት ንነበርቲ
ከም ናይ ሃገረ ኢጣልያ ግዝኣት ነባሪ መጠን ውሕስነት መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰብ ኣሎካ፣ (ዓንቅጽ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፣ ከምእውን ብቅዋም ኢጣልያ ዓንቀጽ 2 ዝጸደቀ ፍሉይ መሰላት ይህልወካ ፡ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ሊንክ ተወከስ፡
ከምእውን ብተወሰኺ ዝተወሰኑ ግቡኣት ኣለዉኻ።
ዓንቀጽ 2 ከምዝገልጾ ድማ መንግስቲ ኢጣልያ ብዘያፈላላልይ መሰላት ብማዕረ ከምዝህሉ ኣፍልጦ ይህብ።ሕጋውያን ወጻእተኛታት ነበርቲ መሰላቶም ብመሰረት መትከላት ማዕርነት ዝተደንገገ እዩ። ፖሊቲካው፣ ሲቪካዊ፣ ቤተሰባዊ፣ ማሕበራውን መሰላት ድማ የጠቃልል ፡ ከም ፥
- ዕድል ስራሕ
- መሰል ስድራቤታዊ ጥርናፈ
- መሰል ማሕበራዊ ሓገዛት
- መሰል ክንክን ጥዕና
- መሰል መንቀሳቀሲ ዶኩመንት ከም ፓስፖርት (ኤምባሲ ትውልዲሃገር ከዳሉ እንተ ዘይክኢሉ)
- መሰል ህዝባዊ ዕድል ትምህርቲ፣
- ትምህርቲ ኣብ ኢጣልያ ካብ ዕድመ ክልል 6-16 ግዴታዊ፡ ግን ንኣላይ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ።እዚ ነቶም ኣብ ሃገሮም ተማሂሮም ግን ምስክር ወረቀቶም/ዲፕሎማ ከተርጉሙ ዘይከኣሉ የጠቃልል።እንተኾነ ግን እቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ብሓደ ዓመት ከጠቃልልዎ ይኽእሉ።
- መሰል ናይ ምንቅስቃስ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኣውሮፓዊ ሕብረት (ደንማርክን ዓባይ ብሪጣንያ ዘየካተተ/ዘየእተወ) ብዘይ ቪሳ ካብ ሰለስተ ወርሒ ዘይሓለፈ
- መሰል ምምልካት ን ዜግነት ድሕሪ ናይ 5 ዓመት ምንባር ኣብ ኢጣልያ
- መሰል መርዓ
- መሰል ምውዛዕ ናብ ህዝባዊ መንበሪ
- መሰል መምርሒ ፍቃድ መኪና….
- መሰል ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
- መሰል ምስታፍ ንነጻ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት
መሰላት ሓታቲ ዑቅባ
ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ኢጣልያ መሰል መስርሕ ዑቅባን መባእታዊ ክንክን ናይ መንበሪ/ገዛ፣ መግቢ፣ ክንክን ጥዕና፣ ናይ ጁባ ገንዘብን ኣለዎም።ናይ ስራሕ ፍቃድ እውን ኣለዎም፡ እዚ ድማ 60 መዓልታት ካብ ንዑቅባ ዘመልክትሉ ግዜ ይኸውን ፡ ፣ብተወሳኺ ካብ ኣፈላላይ እውን ሓለዋ ይረኽቡ።
።ኣብ መስርሕ ዑቅባ ድማ ሓተትቲ ዑቅባ ክትሓባበሩ ግዴታ ኣለዎም።እንተኾነ ግን ቅድሚ መልሲ ናይ ጠለብ ዑቅባ ዝርከብ ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ መሰል ኣይህልወካን።
መሰል ንሕቶ ጠለብ ዜግነት ኢጣልያ
ከም ናይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዘለካ ሰብ መጠን ናይ ኢጣልያ ዜግነት ክትረክብ መሰል ኣሎካ፡
፡እዚ ድማ ብሕጊ ዝተደንገጉ ኩነታት ምስ እተማልእ ይኸውን።
- ስድተኛ ደረጃ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ምንባር ኣብ ኢጣልያ ዜግነት ክሓቱ ይኽእሉ
- ዓይነታውን ሰብእውን ሓለዋ ዝረኸቡ ድማ ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ምንባር ዜግነት ክሓቱ ይኽእሉ
- ዝኣክል ኣታዊ ዘለዎ (8263,31 ዩሮ) ወይ ናይ ስድራቤት ኣታዊ (11,362,05 ዩሮ ተወሰኺ ድማ 516,00 ዩሮ ነፍስወከፍ ኣባል ስድራ )
ሕቶ ጠለብ ዜግነት ኣብ ቀጥታ/ONLINE ዝርከብ ኣድራሻ ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ይካየድ፡ እቲ ሊንክ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ ፡
ምሕዳስ መንበሪ ፍቃድ
መንበሪ ፍቃድ መልሲ ናይ ጠለም ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ምስ ረኸብካ ብቀጥታ ይወሃብ።
መንበሪ ፍቃድ ምስተቀብልካ ፡ቀጺሉ ናይ ሕብረተሰባዊ ምውውሃድ ስምምዕ ትፍርም ፥ እዚ ስምምዕ ድማ ገለ ገለ ቅሩብነታት ከተርእይ ይገልጽ (ከም ቋንቋን ሲቪካዊ ትምህርቲ ዘካተተ) ከም ቅድመ ኩነት ድማ ንምሕዳስ መንበሪ ይጠቅም።
ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ዘቀመጦም ቅድመ ኩነታት ንምሕዳስ መንበሪ ፍቃድ፡
- እኹል ደረጃ ኣፍልጦ ክህልወካ ንቋንቋ ጥልያን ተመሳሳሊ ንናይ ኣውሮፓ ደረጃ ምልከት ቋንቋ A2 (ፈተና ክትሓልፍ ኣለካ)
- ምርካብ እኹል ኣፍልጦ መሰረታዊ መትከላት ቅዋምን ኣሰራርሓ ህዝባውያን ትካላትን ኣብ ኢጣልያ
- እኹል ኣፍልጦ ሲቪካውን ማሕበራውን ሕይወት ኣብ ኢጣልያ (ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ስራሕ፣ናይ ቀረጽ ግቡኣት)
- ውሕስነት ምፍጻም ናይ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ግቡኣት ትምህርቲ
- ምቅባልን ምኽባርን መትከላት ቻርተር ዜግነትን ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ደንብታትን
ገለ መረጋገጺ ነቲ ስምምዕ ከምዘኽበርካ ድማ ትሕተት ፡
- ምእካብ 30 ነጥቢ
- እዞም ነጥብታት ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ብምምሃርን፣ ኣብ ካልእ ሲቪካዊ፣ ባህላዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ፡ትምህርትን ስልጠናን ፣ መባእታዊ ሓኪም ክንክን ከምዝመረጽካ መንበሪ ንምግዛእ ከምዝፈረምካን ወለንታዊ ስራሓትን ካልእን ብምግባር ይእከቡ።
- እቶም ነጥብታት ድማ ሕጊ ብምጥሓስን ብምኽሳስን ይጠፍኡ
- ኣብ ሲቪካዊ ስልጠናታት ብምስታፍ (16 ነጥቢ)
- ፈተና ቋንቋ
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስምምዕ ሕብረተሰባዊ ምውውህሃድ ፡
ናይ ሕብረተሰባዊ ምውውህሃድ ስምምዕ ብ16 ቋንቋታት፡http://www.stranieriinitalia.it/l-esperto-risponde/accordo-di-integrazione-e-permesso-a-punti/accordo-di-integrazione-e-permesso-a-punti/laccordo-di-integrazione-in-16-lingue.html https://www.cittametropolitana.bo.it/immigrazione/Engine/RAServeFile.php/f/Accordointegrazione_vademecum_2015.pdf
ኣብ ኢጣልያ ብምንባር ክማልኡ ዘለዎም ግቡኣት
(http://www.insardegnamigranti.it/index.php?option=com_content&view=article&id=136&Itemid=43&lang=en)
ከም ሓደ ኣባል ሕብረተሰብ ኢጣልያ ከተማልኦ ዘለካ ግቡኣት ከም፡ ቋንቋ ጥልያን ምምሃር፣ ኣብ ቅዋም ዝተደንገገ ሕግታት ምኽባር፣ ምስታፍ ኣብ ደንብታትን መሰረታውያን ባህልታት ናይዚ ሃገር (ማዕርነት ጾታ፣ መሰል ካልኦት፣ ግቡኣት ናይ ምትእኽኻብ/solidarity …..ወዘተ)። ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ህዝቢ ድማ ብንጥፈት ምስታፍን ብሓባር ዝበለጸን ጥሙርን ሕብረተሰብን ንምፍጣር ምስራሕ።እዚ ድማ ኣብ ናይ ወለንታዊ ስረሓት ብምስታፍን ፡ ኣብ ናይ ኮማት ሕብረተሰብ ብንጥፈት ምስታፍን ይካየድ። ኣቢጣልያ ብምቅማጥካ ተበግሶኻ ን ምውህሃድ ከተርእይ ይግባእ፡እዚ ድማ ኣበርክቶኻ ኣብ ሕብረተሰብ የዕዝዝ።እዚ ድማ ኣጋጣሚ ን ባህላውን ማሕበራውን ምልውዋጣትን ሰብኣዊ ምዕባለ ናትካን ናይ ሕብረተሰብን ይኸውን።
ግቡኣት ሃገረ ኢጣልያ
ሃገረ ኢጣልያ ተመሳሳሊ ግቡኣት መሰላት ናይ ማዕርነት ምድላውን ማዕረ ክብርን፣ ናጽነት ሃይማኖትን፣ ዕድል ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ ብቁዕ መንበሪ፣ ከምእውን ናይ ጽሬት ስርዓት የዳሉ።
ኢጣልያ ሓገዝ ንመስርሕ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ተበግሶታትን ምስ ናይ ከባብን ሰብመዝን ብምስራሕ ቅሩቡነታ ተፍልጥ።እዚ ድማ ብመንገዲ ምትሕብባር ናይ ዓባይቲ ማእከል ትምህርቲ፣ ሳልሳይ ጽላት ማሕበር፣ ኣስራሕቲ፣ `ማሕበራትን ሰራሕተኛታትን` ካልኦትን ይኸውን።ሲቪካዊ ሓበሬታውን ስልጠና ብዛዕባ ህይወት ናይ ወጻእተኛታት ኣብ ኢጣልያ ድማ ብተወሳኺ ውሕስነት ዘለዎ ይኸውን።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን፡ Further information & links
La Constituzione, Diritti Fondamentali: http://medea.provincia.venezia.it/pm4/costit/ricostituz.htm
http://www.camera.it/cartellecomuni/leg14/RapportoAttivitaCommissioni/testi/01/01_cap09_sch06.htm
Caneva, E (2014).The integration of migrants in Italy: an overview of policy instruments and actors. INTERACT research report. http://cadmus.eui.eu/bitstream/handle/1814/32019/INTERACT-RR-2014_05.pdf
Access to the labour market: ዕድላት ስራሕ http://www.asylumineurope.org/reports/country/italy/reception-conditions/employment-education/access-labour-market
Rights and responsibilities of asylum seekers: መሰላትን ግቡኣትን ሓተትቲ ዑቅባ https://refugeerightstoolkit.org/advocate/legal-services/case-management/rsd-procedures/rights-and-responsibilities-of-asylum-seekers/
Knowledge of the Italian language and integration agreement: ኣፍልጦ ቋንቋ ጥልያንን ስምምዓት ሕ.ምውህሃድ http://www.integrazionemigranti.gov.it/en/services/language/Pages/default.aspx
PIANO NAZIONALE D’INTEGRAZIONE DEI TITOLARI DI PROTEZIONE INTERNAZIONALE: http://www.interno.gov.it/sites/default/files/piano-nazionale-integrazione.pdf
Diritti e doveri dei cittadini: http://www.sapere.it/sapere/strumenti/studiafacile/diritto/Diritto-costituzionale/La-Costituzione-italiana/Diritti-e-doveri-dei-cittadini.html
Articolo 2 Testo unico sull’immigrazione, Diritti e doveri dello straniero: https://www.brocardi.it/testo-unico-immigrazione/titolo-i/art2.html
Il piano del governo: profughi integrati con diritti e doveri https://www.avvenire.it/attualita/pagine/diritti-in-cambio-di-doveri-ecco-il-piano-integrazione
Italian citizenship: https://www.cittadinanzattiva.it/approfondimenti/giustizia/11085-cittadinanza-italiana-come-si-ottiene.html
ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
ኣፈላላይ ኣብ ገለ ባህሪያት ተሞርኪሱ ዘይቅኑዕን ዘይምዕሩይን ኣተሓሕዛ ንውልቀሰባት ወይድማ ንጉጅለታት የመልክት።ዝኾነይኹን ሰብ ብኽብርን ብቅንዕና ክእለ/ክትሓዝ መሰል ኣለዎ።ሓደ ሰብ ኣፈላላይ ተፈጺምዎ ክበሃል እንተኾይኑ ዘይግቡእን ዘይቅኑዕን ኣተሓሕዛ ኣብ ልዕሊኡ እንተተፈጺሙ ይኸውን።
ኣፈላላይ ብመሰረት ዓሌት፣ ሕብሪ፣ ናይ ወለዶ ወይ ቀቢላዊ መበቆል፣ እምነታትን ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ብቅዓት ይኸውን።ብተወሳኺ ድማ ሰብኣዊ መሰልን መሰረታዊ ናጽነት ናይ ፖሊቲካ፣ አኮኖሚ፣ ማሕበራዊ ጽፍሕን ካልእ ጽላ ናይ ማሕበራዊ ህይወትን የጠቃልል።
ዝኾነ ሰብ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ክኸውንን ወይ ድማ ንገለ ካብዞም ጉጅለታት ኣባል ምዃኑን ኣድላይነት የብሉን።እናታይ ደኣ ከምዘለዎ ካብኦም እንተደኣ ተወሲዱን ምትእስሳር ኣለዎን እኹል እዩ።
ውልቀሰባት ወይ ማሕበራት ካብ ካልኦት ሰባት ብዝተፈልየ ኣገባብ ኣፈላላይ እንተፈጺሞም ብገለ ምኽንያታት ኣፈላላይ ይገብሩ ኣለዉ ማለት እዩ።ኣፈላላይ ጎዳእን ኣስካሕካሕን ተመክሮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ክኸውን ይኽእል ብግሊ ይኹን ወይ ድማ ብጉጅለ።
ገለ ኣብነታት ኣፈላላይ ይስዕብ፥
- ዝኾነ ሰብ ሕማቅ ዘረባ ይብል እንተሃልዩ፣ኣነዋሪ ተግባራት፣ወይ ድማ ቀጻሊ ዘጥቅዓካ ፥
- ላግጺ ዘረባ ኣንጻርካ
- ምንጻል
- ዓዋሉ ኣንጻርካ ምውዳብ
- ሕማቅን ጎዳእን ነገር ክትፍጽም እንተተገዲድካ
- ምፍርራሕ
- ምክልኻል ስለ መንነትካ እምነታትካን ዘይቅቡል ኣባህላታት
ሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ሓባር ህይወት ኣፈላላይ ዘይሕጋዊ እዩ፥
- ስራሕ ቦታ፣ዕድላት ናይ ዕዮ ዕዳጋን፣ ስራሕን
- ትምህርቲ፣ሳይንስን፣ስፖርትን
- መአንገዲ/መንበሪ ቤት
- ሰብኣዊ ሓገዝ፣ስርዓት ጥሮታ፣ማሕበራውን ጥዕናውን ውሕስነት
- ዕድላት ክንክን ጥዕና
- ኣገልግሎታት መንግስቲ-ዕድላት ፍትሕን ምምሕዳርን
- ዕድላት ኣገልግሎት፣መሳለጥያን ንብረትን
- ህዝባዊ ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን\ሜድያ
- ኣባልነት ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ማሕበራትን
- ተሳትፎ ኣብ ባህልን ስነ ጥበብን
ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ኣፈላላይ ኣለዉ፥
- International: (ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት, ስምምዕ ሮማ, ዓለም ለኻዊ ስምምዓት ንምጥፋእ ኩሉ ዓይነት ዓሌታዊ ኣፈላላይ
- European: ቻርተር መሰረታዊ መሰላት ናይ ኣውሮፓዊ ሕብረት
- Italian legislation: ቅዋም ኢጣልያ ዓንቀጽ 3, ዓንቀጽ 10, ዓንቀጽ 21, ዓንቀጽ 43, ዓንቀጽ 44, ሕጊ 205/93
UNAR ወይ ድማ ቤት ጽሕፈት ጸረ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ወግዓዊ ስርዓት ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ኮይኑ፡ንምትብባዕ ማዕረ ኣተሓሕዛን ናይ ዓሌትን ቀቢላን ኣፈላላይ ክደቁስ ዝዓለመ እዩ።ኣብ ዓመተ 2003 ዝተመስረተ ኮይኑ ናይ መራኸቢ ቁጽሪ ድማ (800 90 10 10) እዩ፡ ዘጋጠመ ናይ ኣፈላላይ ኩነት ጸብጻብ እውን ከተማሓላልፍ ይከኣል።
ግዳይ ናይ ኣፈላላይ እንተኾንካ ፡ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጸረ-ኣፈላላይ ምውካስ ይከኣል ወይ ድማ ፥
ASGI juridical help https://www.asgi.it/servizio-antidiscriminazione/
UNAR (National Anti-Racial Discrimination Office) http://www.unar.it/
Forum antirazzista Palermo: https://www.facebook.com/groups/112901105393866/
ARCI: https://www.arcipalermo.it/index.php/i-circoli/3-arci-porco-rosso
CLEDU Palermo: https://www.facebook.com/CLEDU-1663643247204597/
Avvocato di strada: http://www.avvocatodistrada.it/
ብዛዕባ ኣፈላላይ ጥርዓን ከተቅርብ እንተደኣ ደሊኻ፥
- ኣብ ትነብረሉ ከተማ/ቦታ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቁ ማሕበራት ሓበሬታ ምሕታት ፣ እዚ ጥርዓን ኣብ ምቅራብ ዝኾነ ጸገም እንተደኣ ኣለካ ይኸውን።
- ምስክርነትን ጭብጥታትን ምቅራብ
Further links & info: ካልኦት ሊንክታትን ሓበሬታን፡
http://www.venetoimmigrazione.it/antidiscriminazione-normativa
ኣብ ውሽጢ ማሕበረኮምን ከባብን ምንባር
ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ናይ ካልኦት መሰላትን ውልቃዊ ህይወትን ምኽባር ይግባእ።ካባኻ ትጽቢት ዝግበር ነገር እምበኣር ህዝባውያን ቦታታት ምኽባር (መናፈሲ ቦታታት፣ ጎደናታት፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ ይኾኑ።እዚኦም ገለ ከተኽብሮም ዝግበኣካ ሕብረተሰባዊ ሕግታት ኮይኖም፡ ከም ፡ ብቡርቱዕ ድምጺ ህዝባዊ ስርዓት ዘይምርባሽ፣ ብዓውታ ሙዚቃ ምስማዕ፣ ጫውጫታ ምግባር፣ ጓሓፍ ምንባርን ካልእን የጠቃልል።ኣብ ኣብያተ መግብን ካፈተርያታት ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል እዩ (ክሳብ ምልክት ፍቃድ ዝሃለወ)፣ ከምእውን ኣብ ሆስፒታላት፣ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ህዝባውያን መሳለጥያታት ኣይፍቀድን እዩ።ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ድማ ኣሎኮላዊ መስተ ክልኩል እዩ። ድምጽኻ ክትቆጻጸር ይግባእ፣ ወላ ኣብ ግዜ ቁጠዐ ንሰባት ዘይምቹእ ሃዋህው ምፍጣር ክልኩል እዩ።
ኮማት/ሕብረተሰብ ኣብ ኢጣልያ ናብ ክፍላ ከተማን ወይ ገጠራዊ/ውሽጣዊ ኮማት ይምቀሉ፣ እዞም ኮማት እዚኦም ድማ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ብዝተሓተ ደረጃ የሰላስሉ።ህዝባዊ ጠለባት ኣብ ምቅራብ ድማ ይዋፈሩ ፡እዚ ድማ ብመንገዲ ናይ ውሽጢ ኮሚኒትታት ይኸውን ፣ ነበርቲ ድማ ውሳኔታት ናይ ኮሚትኦም ክቀልዉ ይኽእሉ።ኮሚኒቲ ድማ ብመልክዕ ቀረብ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት፣ ፡ከም፡ መውዓሊ ህጻናት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ማእከል ጥዕና ወይ ሓኪም፣ ኣብያተ ሸቀጥ ፣ATM(ኣገልግሎት ናይ ግዳም ባንኪ)፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን ብዝዳለወሉ መንገዲ ተሰሪዑ ይርከብ።
ህዝቢ ኣብቲ ኮሚኒቲ ብመልክዕ ዝተፈላለዩ ማሕበራት፣ ክለባት፣ ብውሽጢ ደረጃ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዘዳልዉ ናይ ዝንባለ ጉጅለታት ይተኣሳሰሩ።
ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዓቢ ከተማን ኣብ ገጠርን ምንባር ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ዓቢ ከተማ ትነብር እንተደኣ ኮንካ ምስ ጎረባብትኻ ብዙሕ ኣይትፋለጥን።እዚ ድማ ኣብ ትነብረሉ ክፍላ እውን ይምርኮስ፣ ኣብ ፍሉጥ ቦታን ክሳብ ክንደይ ግዜ ትነብር ኔርካ ይውስኖ። ኣብ ንኣሽቱ ሓውሲ ከተማን ገጠራትን ሰባት ነሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ እዮም።ኣብ ዓቢ ህንጻ ትነብር እንተደኣ ኮንካ ክትክተሎም ዘለካ ናይ ገዛ ሕግታት ይህልዉ ፡ምኽንያቱ ፡ብቀረባ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ስለ ትነብር ምዃኑ እዩ።እንተደኣ ኣብ ናይ ውልቂ መንበሪ ትነብር ኮንካ ዝያዳ ናጽነት ይህልወካ ፡እንተኾነ ግን ኣብኡ`ውን ምስ ጎረባብትኻ ጽቡቅ ዝምድና ክህልወክ ይግባእ።
- ሰላምታ
ምስ ጎረባብትኻ ክትራኸብ ከለኻ ኣብ ዓቢ ከተማ ይኹን ኣብ ንእሽተይ፡ ሰላምታ ክትለዋወጥ ይግባእ።
- ናይ ሓድ ሕድ ሌላ
ኣብ ሓድሽ ከባቢ እንተደኣ ክትቅመጥ መጺኻ ነብስኻ ምልላይ ዓቢ ቁምነገር እዩ።እዚ ምልክት እዚ ብጎረባብትኻ ኣድናቅት ረኺቡ ዓጸፈታ ክምለሰልካ ይኽእል።ምስ ጎረባብቲ ንሻሂ ክትዕድምን ክትዕደምን ወይ ምሳሕ ክትጋብዝን ክትግበዝን ንዝያዳ ሌላ ይጠቅም (ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ)።ምስ ዘይቅበሉ ብጌጋ ክትርደኦ የብልካን ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ትነብር እንተደኣ ኮንካ ቅቡል ነገር እዩ።
- ንኡስ ሓገዝ ምሕታት
ንጎረባብቲ ነኣሽቱ ነገራት ምሕታት ወይ ድማ ክሓቱኻ ልሙድ ነገር እዩ – እንተደኣ ንብረት ከንቀሳቅሱ ወይ ከተንቀሳቅስ ተደልዩ፣ ጸባ፣ ሽኮር ምልቃሕ ወዘተ….
ምሕዝነታዊ ምዃንን ምስ ጎረባብቲ ምውህሃድን ሰናይ እዩ ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓድ ሕድ ምክብባር ክህሉን፣ መሰላቶምን ውልቃዊ ህይወቶም ምኽባር ኣገዳሲ እዩ።
- ጫውጫውታ
ንጎረባብቲ ብብርቱዕ ድምጺ፣ ዓውታ፣ ቲቪን ራድዮን ብብርቱዕ ድምጺ ምኽፋት ክትርብሽ ኣይግባእን።ኣብ ዝኾነ ግዜ ቡርቱዕ ድምጺ ኣወግድ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ግዝያት፡ካብ 22.00 -9.00, 14.00 ድ.ቀ -16.00 ድ.ቀ። ከም ወላዲ ድማ ህጻናት ጎረባብቲ ከይርብሹን ክጻወቱ ጉድኣት ከየውርዱን ብፍላይ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ናይ ዕረፍቲ ሰዓታት ክትቆጻጸር ይግባእ።
- ናይ ሓባር ቦታታት
ሕጽቦ ፦ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝተሓጽበ ክዳውንቲ ናብ ጎደና ዝርኢ ባልኮኒ ምስጣሕ ክልኩል እዩ።ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እቲ ክዳውንቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕንጻ፡ክሳብ ነጠብታ ናይ ማይ ዘይብሉ ክትሰጥሖ ይከኣል።
ንዕምባታት ማይ ከተስቲ ብባልኮኒ ማይ ምኽዓው ክልኩል እዩ(እንተኽኢልካ ናይ ምሸት ኣስትይ ፣ማይ እውን ክትቁጥብ ይግባእ)።ቅድሚ ንግዳም ምውጻእካ ኣመት ንብረት ከም ሽግለታ፣ ናይ ህጻን ዓረብያ/ጅሮሎ፣ ካልእን ክትገብር ይግባእ።
ብመስኮት ጓሓፍ ክትስርቢ ኣይግባእን፣ ኣብ ውሽጢ ኮሪዶር ድማ ክትገድፎ ኣይግባእን።
- ፍቃድ ምሕታት ንዝተፈልየ ጉዳይ
ቡርቱዕ ድምጺ ዘኸትል ናይ ምዝንጋዕ መደብ እንተኣሎካ ።
ኣቀዲምካ ንጎረባብትኻ ይቅሬታ ክትሓትት ይግባእ እንተደኣ ናይ ቤት ምሕዳስ መደብ ኣለካሞ ቡርቱዕ ድምጺ ክፈጥር ዝኽእል እንተኾይኑ።
መኪና ኣብ ማእከል ቀጽሪ ናይቲ ህንጻ ወይ ድማ ናይ ህጻን ዓረብያ/ጅሮሎ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ህንጻ ከተቀምጥ እንተደሊኻ ኣቀዲምካ ፍቃድ ክትሓትት ይግባእ።
እንተኾነ ግን ፡እስኻ ወይ ካልእ ጎረበት ብኻልእ ሰብ እንተደኣ ተረቢሹ ብትሕትና ክትራዳዳእ ይግባእ ፡እዚ ምስ ዘይከውን ግን ንምምሕዳር ናይቲ ህንጻ ክትሕብር ይግባእ።
- ኣትክልትን ቀጽሪታትን
እንተደኣ ኣብ ናይ ውልቂ ቀጽሪ ትነብር ኮንካ ፡ኣቲ ቀጽሪ ድማ ንሕርሻ ዘይትጥቀመሉ ኮንካ ቀጻሊ ምክትታልን ክንክንን ክትገብረሉ ይግባእ።
ኣንተደእ ኣብ ናይ ሓባር ህንጻ ትነብር ኮንካ ኣብ ግዳም ቀጽሪታት መውዓሊ መነፈስን ይርከብ።ኣብቲ ቀጽሪ ድማ ህጻናት ይውዕሉን ይጻወቱን። ኩሉ ሰብ ድማ ኣብቲ ቀጽሪ ዝርከብ ኣትክልትን ካልእን ብጥንቃቀ ክሕዞ ይግባእ ፡ ጉሓፍ እውን ኣብቲ ቀጽሪ ምድርባይ ክልኩል እዩ።
- ጉሓፍን ዳግመምጥቃምን
ብሓፈሻ ኣብ ኢጣልያ ዳግመ ምጥቃም/recycling ግዴታዊ እዩ።እዚ ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ይኽእል።ግዴታዊ ዳግም ንጥቀመሎም ጉሓፍ ካብ ኣብ ደቡብ ኢጣልያ ኣብ ሰሜን ብዝያዳ ይትግበር። ብልምዲ ናይ ጉሓፍ ግብሪ ዝኽፈል ኣሎ ፡ (ስፐሰ ኮንዶሚንያሊ)።
ዳግም ንጥቀመሎም ንብረት ናይ ጉሓፍ ኣብ ዝተፈልየ ኣምግሓፊ ከተቀምጥ/ከተንብር ይግባእ።ኣዚ ድማ ፡ወረቃቅቲ፣ ጠራሙዝ፣ ፕላስቲክ/ጎማ፣ ሩቡዕ መዐሸጊ፣ ካልእ ጉሓፍን ኣብ ዝተፈላለዩ መንበሪ ጉሓፍ ከተቀምጥ ይግባእ። ዳግመምጥቃም /recycle ኣገዳስን ጠቃምን ኮይኑ ንንጹህ ከባብን ሕብረተሰብን ተመራጺ እዩ።እንተደእ ዳግመ ምጥቃም ዘይደለኻ ነቲ ጉሓፍ ኣብ ዝምልከቶ ቦታ ምንባር ሓላፍነትካ እዩ። ካልኦት ዓይነት ጉሓፋት ድማ ምስ ምምሕዳር ብምውህሃድ ኣብ ብቆጸራ ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ክእለ ይከኣል።እዚ ድማ ነጻ ክፍሊት ኣገልግሎት እዩ።
መምርሕታት ናይ ዳግመ ምጥቃም ጉሓፍ ድማ ኣብዚ ዝስዕብ ዌብሳይት/website ክርከብ ይከኣል።ዳግመ ምጥቃም ንኣብ ጎደናታት ከተማ ሮማ ዝርከቡ፡
ዝያዳ ሊንክታትን ንባብን/ Further links & reading
file:///C:/Users/Ana/Downloads/regole-convivenza-condominio-pratomigranti.pdf
https://smartexpat.com/italy/how-to-guides/home/services/waste-recycling
ስድራቤትን ህጻናትን
- ዝምድና ቅድሚ መርዓ
ኣብ ናይ ኢጣልያ ሕብረተሰብ ምስ ዝኾነ ሰብ ክትላለይን ቅድሚ መርዓ ዝምድና ክትምስርትን ልሙድ ተርእዮ እዩ። ብልምዲ እውን ቀጥታ ናብ መርዓ ኣይትኣቱን። ዝኾነ ሰብ ምምራጽ መጻምድትን፣ ክቋጸርን ክላለይን መሰል ኣለዎ። ዝኾነ ከገድድ ዝኽእል ኣካል የለን።
- መርዓን ስድራቤትን
ምስ ተመርዓኻ ስድራቤት ትምስርት፣ ብልምዲ ድማ ኣብ ኢጣልያ ስድራቤት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ደቆምን ዝሓቆፈ እዩ።ዝበዝሑ ተጻመድቲ ብሓደ ይነብሩ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ቅድማ መርዓ ውላድ ይህልውዎም። ገል ድማ ብፍጹም ንከይምርዓው ይመርጹ። መጻምድቲ ንነዊሕ ግዜ ብሓደ እንተደኣ ተቀሚጦም ልክዕ ከም ምርዑዋት መሰላት ይህልዎም።ክልተ ደቀንስትዮ ፡ከምኡ ድማ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ ፡ዝምድነኦም ድማ ብሕጊ ደጃ ተፈላጥነት ይረክብ፡ ልክዕ ከም ናይ ሰብእይን ሰበይትን መርዓ/ዝምድና ድማ ይቁጸር። እንተኾነ ግን ሓደ ዓይነት መጻምድቲ ቆልዓ ከም ሞግዚት፡ ውላድ ናይ ሓዲኦም ክሳብ ዘይኮነ/ት ከዕብዩ ኣይፍቀድን።
መርዓ ሲቪላዊ ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ክኸውን ይኽእል። መርዓ ብቁዕ ንክኸውን ብሓደ ፍሉጥን ምዝጉብን ዓቢዓዲ/ሽማግለ ክካየድ ይግባእ። እዚ ድማ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ቀሺ/ሸይኽ ወይ ድማ ቤት መዝገብ መንግስቲ ክኸውን ይግባእ። ሲቪላዊ መርዓ ድማ ምስ ዝኾነ ሃይማኖታዊ መርዓ ርክብ ዘይብሉ እዩ። እቲ መርዓ ሃይማኖታዊ መርዓ እንተኾይኑ እቲ ኢማም/ቀሺ ድማ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘይብሉ እንተኾይኑ እቲ መርዓ ብ ዓይኒ ሕጊ ቅቡል ኣይኮነን። ብሓደ ሲቪላውን ሃይማኖታውን መርዓ ክኸውን፡ ክልተኦም ወግዓውያን ስለዝኾኑ፡ ተመራጺ እዩ።
ኣብ ኢጣልያ ድማ ሓደ ግዜ ንሓደ ሰብ ምምርዓው ጥራይ እዩ ዝፍቀድ። ንምምርዓው ዝኣክል ፡እቶም ሰባት ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ክኾኑ ይግባእ። ብፍሉይ ግን ክልል 16 ዓመት ዘለዎ ሰብ ብናይ ቤት ፍርዲ ፍቃድ ክምርዖ ይኽእል። ኣብ ናይ ደም ዝምድና ዘለዎም ሰባት ድማ ናይ መርዓ/መውስቦ ክልኩል እዩ። ሕጊ ኢጣልያ ግዱድ መዓ እውን ይኽልክል፡ እዚ ዝኾነ ሰብ ንኻልእ ሰብ ንመርዓ ከገድድ ኣይከኣልን። መን ንመን ከምዝምርዖ ክመርጽ ይኽእል ።ኣብዝኾነ ግዜ ድማ ኣይፋል ንመርዓ ምባል ይከኣል።
- መዓርነት መጻምድቲ
ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓላፍነታትን ኣለዎም።ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ብ ማዕረ ክሰርሑ ይፍቀዶም፣ኣብ ምርጫ ናቶም ዝተምርኮሰ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ይኽእሉ።ኣበይ ብ ሓደ ክነብሩ ይደልዩ ውን ይውሰኑ፣ እንተዳኣ ውላድ ክወልዱ ደልዮም ወይ ዘይደለዩ ፣ክንደይ ውላድ ይደልዩ ኣብ ናቶም ውሳኔ ይሙርከስ።ብማዕረ ናይ ገዝኦምን ውላድን ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ።ኩሉ ኣባል ስድራቤት ድማ ክኸብር ይግባእ፣ክተሓባበሩን ክተሓጋገዙ ድማ ይግባእ።
- ኣብ ሓድሽ ሃገር ወላዲ ምዃን
ምምጻእ ኣብ ሓድሽ ሃገር ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ትውልዲ ሃገሮም ክወጹ ዝተገደዱ ፡ ስድራቤትን ህጻናትን ከቢድ እዩ።ከም ወላዲ ዝተፈላለዩ ባህልታት፣ ኣገባባት፣ ግቡኣት ከጋጥሙኻ ይኽእሉ ፡እዚ ድማ ምስ ዝነበርካዮ ባህልን ቦታን ከምእውን ኣተዓባብያ ህጻናትን ስለ ዘይሳነ እዩ።
ሓደ ሓደ እዋን ህጻናት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ነቲ ሓዲሽ ከባቢ ናይ ምልማድ ክእለት ይህልዎም።ብተፈጥሮ ህጻናት ቋንቋ ብ ቁልጡፍ ናይ ምኽኣልን ምልማድን ክእለት ኣለዎም፤ ብፍላይ ድማ ፡ግዜኦም ምስ ህጻናትን ኣዕሩኽቶምን እንተድኣ ኣሕሊፈሞ።ህጻን ብቀሊሉ ዝዋሳእ ስለዝኾነ ሓላፍነት ወላዲ ኣብቲ ህጻን ን ክህልዉ ኣለዎ።ወለዲ ነቲ ምዕባለ ናይቲ ህጻን ክድግፉን ከተባብዑን ይግባእ፡ እዚ ድማ ዓቅምታቱ ንክድልብ ይሕግዞ።እዚ ኣብ ናቱ ድሌት ዝተመርኮሰ ዕብየትን ምዕባለን ክስጉም የኽእሎ።
- መሰላት ህጻን
ኣብ ኢጣልያ እቲ ቀንዲ ጽሑፍ ኣብ ጉዳይ መሰላት ህጻናት ስምምዕ ኣብ መሰላት ህጻን እዩ።
ዝኾነ ትሕቲ 18 ዓመት ሰብ ህጻን ይበሃል።ዝኾነ ህጻን ማዕረ መሰላት ኣለዎ፣ኣደ ወይ ኣቦ ዘለዎ/ዘይብሉ ወይ ድማ እቶም ወለዲ ምርዕዋት ይኾኑ /ኣይኽኑ ኣገዳስነት የብሉን። ከም ሞግዚት ዘዕበኻዮ ማዕረ ውላድካ እዩ። ተባዕትዮ ህጻናት ከምእውን ኣንስትዮ ህጻናት ማዕረ እዮም ብ ማዕረ ድማ ክረኣዩ ይግባእ።
ትሕቲ 7 ዓመት ህጻን በይኑ ብዘይ ኣላይ ክትገድፎ ኣይግባእን ፣ኣላይ ድማ ትሕቲ 16 ዓመት ክኸውን ኣይግባእን።ነቲ ህጻን በይኑ ኣብ ገዛ ምግዳፍ ኣይፍቀድን ።
ህጻናት ድማ እዞም ዝስዕቡ ተወሰኽቲ መሰላት ኣለዎም፥
- ሓበሬታ ምርካብን ምስ ካልኦት ምክፋልን
- መሰል ትምህርቲ
- ከስተማቅሩ፣ክጻወቱ፣
- ከምእውን ኣብ ባህላዊ፣ስነጥበባዊ፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ክሳተፉ
- ዝደለይዎ ክሓስቡን ክኣምኑን ክሳብ ን ካልኦት ሰባት መሰሎም ክገብሩ ዘይከልከልዎም
- መሰል ናይ ውልቅዊ /በይንኻ ምዃን
- ኣዕሩኽ ክመርጹን ናብ ዝደለይዎ ጉጅለ ክጽንበሩን ፡ክሳብ ንካልኦት ዝጎድእ ተግባር ዘይኮነ
- ህጻናት መሰል ጽፉፍ ናይ ጥዕና ክንክን፣ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ክግበረሎም ይግባእ
- ስንክልና ዘለዎም ህጻናት መሰል ናይ ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ኣለዎም።
- ህጻናት ካብ ኩሉ ዓይነት ጉድኣትን ከምእውን ጾታዊ ኣመጽን ምዝመዛን ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ
- ምስ ወለዶም ምንባር ነቶም ህጻናት ሓደገኛ እንተዘይኮይኑ ምስ ወለዶም ምንባር መሰል ኣለዎም
- ወለዶም ብሓደ ዘይነብሩ ህጻናት ድማ ምስ ወለዶም ክራኸቡ መሰል ኣለዎም፡ ክሳብ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዘይኮነ።
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካን ካብ ወለዲኻ እውን ዝተፈለኻ ምስ እትኸውን ስድራቤትካ ምጥርናፍ መሰል ኣለካ።ኣባላት ስድራቤትካ ምሳኻ ክነብሩ መሰል ኣለዎም።
- ምኽልካል ጽቆና ኣንጻር ህጻናትን ሳዕቤናቱን
ህጻናት ካብ ዘይንቡር ኣተሓሕዛን ጭቆናን ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእሙራዊ በደላት ናይ ምሕላው መሰል ኣለዎም፣ ብሕጊ ድማ ህጻናት ምህራምን ምግፋዕን ክልኩል እዩ።እዚ እንተኾይኑ ግን ገንዘባዊ ወይ ናይ ምእሳር መቅጻዕቲ የኸትል።
ወልዲ ናይ ህጻን ስምዒታትን፣ ማሕበርዊ ድሌታትን፣ ከማልኡ እንተ ዘይክኢሎም፡ብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ መጠንቀቅታ ይወሃቦም።ወላዲ ህጻን ከዕብዩ ዘጸግሞም እንተኾይኑ ሞያዊ ሓገዛት ይግበረሎም።ምስ ወለዲ ቆጸራ ብ ምሓዝ ድማ ባዓል ሞያ ናብ ገዛ ብምምጻእ ሞያዊ ሓገዛት ይህብ።
ጥዕናዊ ኩነታት ናይ ህጻን ኣስጋኢ እንተኾይኑ ካብ ስድራ ወጻኢ ግዝያዊ ኣብ ካልእ ቦታ ይሰጋገር።እቲ ህጻን ዝተፈልየን ውሑስን ክንክን ይግበረሉ እቲ ጸገም ክሳብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣቱ።ህጻናት ን ቀጻሊ ብዘይ ኣገባብን ኣሰቃቂ ኣገባብ እንተድኣ ተታሒዞም ቤት ፍርዲ ን ወለዲ ካብ ህጻን ክእግደሙን ጨሪሱ ክኣልዮምን ይኽእል።
ማእከል ማሕበራዊ ስርሓት ንሓለዋ መሰል ህጻናት ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል እዩ።
ዝኣኸሉ ዓበይትን ህጻናት ኣድላይ እንተኾይኑ ብቁጽሪ ስልኪ 196.96 ጉዳዮም ንምሕባር ምድዋል ይከኣል።እዚ ድማ ነጻን ናይ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኮይኑ (ናይ እዋን ሓደጋ መስመር ኣዡረ) ኣብ ትሕቲ ማሕበር s.o.s. Telefono Azzuro ዝመሓደር እዩ ፡
- ፍትሕን ምዕባይ ህጻናትን
ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብ ዝኾነ ምኽንያት ብ ሓደ ክነብሩ እንተዘይክኢሎም ናይ ፍትሕ ሕቶ ከቅርቡ ይኽእሉ።ፍትሕ ድማ ክልቴኦም ወይ ሓደ ካብኦም ናይ መርዓ ዝምድና ክውድእ/ኡ እንተደልዩ/ያ ከጋጥም ይኽእል። ፍትሕ ድማ እቶም መጻምድቲ እንተደኣ ተሰማሚዖም ኣብ ምምሕዳር ወይ ድማ ቤት ፍርዲ ይፍጸም። ጠበቃ ክትቆጽር እውን ኣድላይነት የብሉን።ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘለውዎም ተጻመድቲ ክፋትሑ ምስ ዝደልዩ ኣገዳሲ ምኽሪ ካብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮን ማእከላት ፕላን ስድራቤታት ምኽሪ ክዋሃቦም ግዴታዊ እዩ. እቶም መጻምድቲ ንሓባራዊ ናይ ወላዲ ክንክን ክሰማምዑ ይግባእ፡ እዚ ድማ ቅድሚ ንቤት ፍርዲ/ፈራዲ ምኻዶም ይኸውን። እቲ ፈራዲ ናይ ምፍልላይ መደብ ይሕንጽጽ። እቲ ፕላን ድማ ህጻናት ድሕሪ ፍትሕ ኣበይ ከም ዝነብሩን ፡ክንደይ ምስ መኖም ከምዝጸንሑን ይኸውን ፣ከምእውን ድሌት ህጻን ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳኔታት ከመይ ከምዝትግበሩን ኣከፋፍላ ገንዘብን ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያትን ይኸውን።
ወለዲ ምስ ተፋትሑ ብሓደ ኣይነብሩን እዮም።እንተኾነ ግን ወለዲ ብ ሓባር ነቲ ህጻን ኣድላይ ክንክን ክገብርሉ ኣለዎም።ነፍስወከፍ ወላዲ ምስ ውላዶም/ደቆም ግዜ ምሕላፍን ምዝንጋዕን መሰልን ግዴታን ኣለዎ።
ምዕባይ ህጻን ማለት ሕጋውያን ሞግዚቱ ፣ብ ልምዲ ወለዱ ነቲ ህጻን ሕጋዊ ሓላፍነትታት ኣለዎም ማለት እዩ።ሕጋዊ ወላዲ ወይ ሞግዚት ነቲ ህጻን ክከናኸኑን ድሌታቱ ከማልኡን መሰልን ግዴታን ኣለዎም።እቲ ህጻን ወለዲ እንተዘይብሉ ወይ ድማ ወለዲ ናይ ወላዲ መሰሎም እንተ ተሓዲጎም ፡መንግስቲ ሓደ እኹል ሰብ ከም ሕጋዊ ሞግዚት ነቲ ህጻን ዝኣሊ ይምዝዝ።
እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ወለዲ እንተተፋቲሖም እቲ ህጻን ምስ መን ይዓቢ ክሰማምዑ ዝሓሸ እዩ።እንተ ዘይ ተሰማሚዖም ግን ቤት ፍርዲ እቲ ህጻን ምስ መን ከም ዝዓቢ ይውስን።እቲ ምስቲ ህጻን ዘይነብር ወላዲ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ይግባእ።
- ኣብ ስድራቤታውን ምዕባይን ጉዳያት ሓገዝን ደገፍን ካበይ ክርክብ ይከኣል
ስድራቤታውን ናይ ኣተዓባብያ ጉዳያት እንተዳኣ ኣሎካ ሞያዊ ሓገዛትን ምኽርን ምሕታት ንቡርን ተመራጽን እዩ።ሓገዝን ደገፍን ድማ ብማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ ክኢላታት ስነ ኣእምሮ፣ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ፣ ከምእውን ካልኦት ሰብ ሞያን ክርከብ ይከኣል።
እቲ ህጻን ን መውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ዝኸይድ እንተዳኣ ኮይኑ ብውልቂ ምስ መማህራን፣ ኣማኸርቲ ቤት ትምህርቲ ምዝታይ እቲ ዝቀለለ መንገዲ እዩ።ሓገዛት ምስ ዘድልዩ ድማ ናብ ካልኦት ኣገልግሎታት ክሕብሩኻ ይኽእሉ።ንማሕበራዊ ሰራሕተኛ ካልኦት ኣገልግሎታት ብዝምልከት ኣብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ ምውካስ ድማ ይከኣል እዩ።ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ሓገዝን ድማ ኣለዉ፥ ከም ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት፣ ኣታዊ ዘይብለን ማሕበራት ቆጸራ ብምሓዝ ሓገዝን ደገፍን ብነጻ ምሕታት ይከኣል።
ማእከላት ውጥን ስድራቤት፡
(http://www.salute.gov.it/portale/temi/p2_6.jsp?id=1933&area=saluteBambino&menu=assistenza)
ማእከላት ስድራቤት ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት
ትዕዝብቲ ስድራቤት፡Family Observatory: http://www.osservatoriofamiglia.it/
Union of Family planning Associations Pescara: http://www.ucipempescara.org/
ሓገዝ ንህጻናት ዝህባ ማሕበራት ፡Organisation that offer help to children: http://www.unicef.it/default.aspx.htm?PH=3
ሓለዋ ኣንጻር ጭቆና
ጭቆና ብመሰረት ቅዋም ኢጣልያ ክልኩል ኮይኑ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ፣ ሞራላውን ጭቆና ኣንጻር ደቂ ሰባት(ዓንቀጽ 3)፣ ኣፈላላይ፣ ጽልኢ፣ ወይ ድማ ጭቆና ብምኽንያት ዓሌት፣ ቀቢላ፣ ብሄር፣ ወይ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት (ሕጊ ቁ.205) ክሉኩልን ብሕጊ ዘሕትትን እዩ። ብተወሳኺ ኢጣልያ ስምምዕ ኢስታንቡል ንምክልኻልን ምጥቃዕን ጭቆና ኣንጻር ደቀንስትዮ ከምእውን ዘቤታዊ ጭቆና ፡ንስይ 2013 ነዲፋ ትርከብ። እዚ ንድፊ እዚ ድማ ዝለዓለ ሓለዋ ንደቀንስትዮ ፡ደረጃ ዜግነተን ብዘየገድስ ፡የውሕስ።እንተኾነ ግን ጭቆና ኣብ ኢጣልያ ብብዝሒ ይኽሰት፡ግን ኩሎም ቅርጺታት ጭቆና ብብዝሒ ዘሕትቱን መቅጻዕቲ ዘስዕቡን እዮም።
ጭቆና ኣንጻር ደቀንስትዮ ፡ከም ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ፡ኣፈላላይን ኣንጻር ደቀንስትዮ ይቁጸር። እንተኾነ ግን ኣብ ኢጣልያ ዘሎን ኣተሓሳሰብን ጉዳይን እዩ።ዘቤታዊ ጭቆናን ወይ ድማ ስድራቤታዊ ጭቆና ብሕጊ ክልኩል እዩ ፡ ፍሉይ ሕጊ ድማ ኣብ ፡ሕጊ ቁጽሪ 93/2013 ኣንጻር ኣፈላላይ ደቀንስትዮ፡ ይርከብ።
ስድራቤታዊ ጭቆና ነዞም ዝስዕቡ የካትት፥
- ፡ኣካላዊ ሓይሊን ከምእውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቅጥን ፣
- ምፍርራሕ፣
- ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ውጽኢቱ ብዘየገድስ፣
- ጸርፊ፣ ሽም ጠቂስካ ምርጋምን ካልኦት ረብሻታትን፣
- ጾታዊ ትንኮሳ፣ ዘይሕጋዊ ተነጽሎ፣
- ምእጋድ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነትን ካልእን የጠቃልል፣
- ምብልሻው ወይ ምዕናው ንብረት ወይ ፈተነታት ምክያድ፣
- እናተጓዕዙ ምትንኳስ/ምርባሽ፣
ግዳይ ነቲ ጭቆና/ግህሰት ከውግድ ይኽእል ፡ኣብ ውሑስ ቦታ ክቅመጥ ይኽእል። ዘቤታዊ ጭቆና ብዝምልከት ድማ እቲ ግዳይ ነጻ ክፍሊት ጠበቃ ካብ መብ መንግስቲ ይምዘዘሉ።ካልእ ምትእትታው ኣብ ግዳይ ዝምልከት ድማ ፡ ሕማቅ ኣተሓሕዛን፣ ዘቤታዊ ጭቆናን ፡ ስልጠና ንናይይ ምስማዕ ተክኒካትን ኣቀራርባ ንግዳይን ምምዛን ሓደጋን ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ምልልላይ ፣ስልጠና ንምክልኻል ዘቤታዊ ጭቇናን እናተጓዕዙ ምርባሽን የጠቃልል።
ሓገዝ ካበይ ትሓትት?
ንዝኾነ ዓይነት ጭቆና ንፖልስን ናይ ሰእዊ መሰል ማሕበራትን ምውካስ ይከኣል፡
Carabinieri/ካራቢነሪ ፡112
Police/ፖሊስ ፡113
Fire fighters/መጥፋእቲ ሓዊ ፡115
Ambulance/ኣምቡላንስ ፡118
ARCI:
ስድራቤታዊ ወይ ዘቤታዊ ጭቆና
ማእከል ቸንትሮ ኣንቲ-ቪዮለንዛ-ነጻ ተለፎን/መስመር 1522(24/7 ) ብቀጥታ ንዝምልከቶ የቅርበልካ።
ማሕበር ጠበቃታት ደቀንስትዮ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታት ኢጣልያ ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎትን ፣ስነ ኣእምራዊ ምኽርታትን፣ ምኽሪ ኣብ እዋን ናይ ኣእምሮ ነውጺ ይህብ።
ናይ ጽልኢ ገበን ብ ምኽንያት ዓሌታዊ ፍልልይ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ሃይማኖታዊ እምነታት፣ብሄራዊ ወይ ዓሌታዊ መበቆል፣ ጾታ፣ ስንክልና፣ ጾታዊ ሌላ፣ ጾታዊ መንነትን ይፍጸም።ናይ ጽልኢ መደረ/ዘረባ ፡ ማሕበራዊ መግለጺ ን ምስፍሕፋሕ፣ ምዕባይ ወይ ጽልኢ ምግላጽ፣ ኣፈላላይ፣ ጽልኢ ንዝተወሰኑ ጉጅለ
ንምክያድ ዝዓለመ ማለት እዩ። ናይ ጽልኢ መደረን ገበንን ብገበናዊ ዓንቀጽ ክልኩልን ብናይ ኢጣልያ ገበናዊ ዓንቀጽ ዘቅጽዕን እዩ (ዓንቅጽ 415 (https://www.brocardi.it/codice-penale/libro-secondo/titolo-v/art415.html) )። ኣፈላላይ ብዓበይቲ ህዝባውያን ትካላት ፡ብመንገዲ ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ ዝዋስኡ ማሕበራትን ጠበቃን ምምልካት /ምጥራዕ ይከኣል።
ዓለምለኻዊ ተጣባቂ መሰላት/Amnesty international: https://www.amnesty.org/en/
ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰል/Human Rights Watch: https://www.hrw.org/
ክሊኒክ ሰብኣዊ መሰል ፓለርሞ/Legal Clinic for Human Rights (Palermo): https://www.facebook.com/CLEDU-1663643247204597/
Avvocato di strada: http://www.avvocatodistrada.it/sedi-locali/
Italian Coordination of Services against Mistreatment and Child Abuse: http://cismai.it/
Further information & links/ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
http://www.comune.torino.it/guidaantiviolenza/
ኮንትራትን ምቅያድ ብስምምዓትን
ኮንትራት ማለት ቀያዲ ስምምዕ ኣብ ዝተወሰኑ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ኩሉ ዝሰማማዕ ወገን እዩ።
ኣብ ኢጣልያ እንታይ ዓይነት ስምምዓት ይርከቡ፣ ሕግታቶም እንታይ ይመስሉ?
ስምምዓት ብጽሑፍ ወይ ድማ ብቃል ክኸውን ይኽእል።ናይ ቃል ስምምዕ ክቡር እኳ እንተኾነ እቲ ዝሓሸ ግን ናይ ጽሑፍ ስምምዕ ይኸውን።ናይ ቃል ስምምዓት ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት ብብዝሒ ይፍጸም።
ናይ ጽሑፍ ስምምዓት ድማ ልሙድ ኮይኑ ኣብ ሞባይል ተለፎን፣ ገዛ ኽራይ፣ አለክትሪክ፣ መውዓይ፣ ስራሕ፣ ኣገልግሎታት፣ ልቃሕ፣ (ንልቃሕ ዝምልከት ኣብ ምዕራፍ ባጤራን ፊናንስን ተመልከት) ።ንናይ ጽሑፍ ውዕላት ዝምልከት እቶም ዝሰማምዑ ወገናት ብመሰረት ሕጊ መሰሎም ዝተሓለወ እዩ።እዚ ግን ንናይ ቃል ስምምዕ ኣይምልከትን።ቅድሚ ምፍራም ኮንትራት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ንምምዝዛን ንምርኣይን ኣዳላውቲ ናይቲ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኾና ምምኽኻር ዝሓሸ እዩ፥ንኣብነት ናይ አለክትሪክ ኣገልግሎት።
ዝርገሓ ናይ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ስምምዕ ኮንትራት ኣብ ዕድመ ናይቲ ሰብ ይሙርከስ።ደቀንስትዮ ከምእውን ደቀተባዕትዮ ብማዕረ መሰል ናይ ኣብ ኮንትራት ዝግበር ስምምዓት ኣለዎም። ብቕዓት ናይ ኮንትራት ዝገብር ሰብ ኣገዳሲ ቀዳምነት እዩ።ኣብ ሞንጎ ክልል ዕድመ 14-18 ውሱን ሕጋዊ ዓቅሚ ኣለዎም፣ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ሙሉእ ሕጋዊ ብቕዓት ኣለዎም።
ውሱን ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ክልል ዕድመ 14-18) ማለት ነገራት ናይ ምጥቃም ዕድል ኣለካ (ንኣብነት ናይ ጁባ ገንዘብ፣ ኣታዊ ገንዘብ)። ብመሰረት ስምምዕ ስራሕ ክትሰርሕ ይከኣል ፡ ጥዕናኻ ሙሉእ ክሳብ ዝኾነን ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርትኻ`ውን ጸገም ምስ ዘይህልዎ እዩ። ሙሉእ ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ልዕሊ 18 ዓመት) ማለት ድማ ኩሉ ዓይነት ስምምዓትን ንግድን ምክያድ ይከኣል እዩ።
ኣገዳሲ ፡እንተደኣ መንበሪ ፍቃድካ ናይ ኢጣልያ ኮይኑ ውዕል/ስምምዕ ክትገብር ትኽእል።
ስራሕ ብዝምልከት ዝበዝሑ ውዕላት ኣብ ኢጣልያ ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ሓለዋ ኣለዎም።እዚ ማለት ድማ መሰላት ኣስራሕን ሰራሕተኛን የኽብር፣ ግቡእ ደሞዝ ድማ የውሕስ። እዚ ሓፈሻዊ ስምምዓት ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ይዝተየሉ።
ናይ ሓባር ስምምዓት ዝኾነ ዝርዝር ኣብ ግምት ኣየእትውን እዩ።ሓባራዊ ኩነታት ናይቲ ትካልን ሕግታቱን ደንቢታቱን ይውከስ።
- ከም ሓድሽ ሰራሕተኛ ቅዳሕ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ክወሃብ ይግባእ
- ብልምዲ ንሓድሽ ሰራሕተኛ ናይ ስራሕ ስምምዓት ይግለጸሉ
- ቅድሚ ምፍራም ዝኾነ ዝመስለካ ሕቶ ክትሓትት ይከኣል
- ድሕሪ ምፍራም ቐያዲ ስምምዕ ምስ ኣስራሒ ትለዋወጥ
- ካልእ ነገራት ድማ፡ ሓባራዊ ስምምዕ ሸፈነ፣ ወለንታዊ ክፍሊት ማሕበራዊ ውሕስነት፣ ክፍሊት ብመሰረት ታሪፍ፣ ሰዓታት ስራሕ፣ ክፍሊት ወጻኢታት ጉዕዞ፣ ካሕሳ ናይ ቦታ ምቅያር
ዝተፈላለዩ ዓይነት ስምምዓት ስራሕ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ዝተመርኮሰ ይኸውን።
ብመትከል ፡ ናይ ስራሕ ስምምዕ ኩሉ ግዜ ብጽሑፍ ክኸውን ይግባእ።ብቀሊሉ ናይ ቃል ስምምዓት ክጻረዩ ክረጋገጹን ኣይክእሉን እዮም። ናይ ጽሑፍ ስምምዓት ግን ንኩሎም ወገናት ዘየማትእ ጭብጢ ኣለዎም። ኩነታት ናይ ስምምዕ እንተደኣ ተቀይሩን ኣፈላላይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣጋጢሙ ብዘይ ጥርጥር ንገለ ማሕበራት ተወከስ፡
ኣገልግሎት ሓለዋ መሰላት ተጠቃሚ
ብዛዕባ ተጠቃምነትን ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ምውካስ ይከኣል ፡(መሰል ተጠቃሚ፣ ሕጋዊ ምኽሪ..ወዘተ)፡
ወብሳይት ተጠቃሚ/ Consumers website፡ ወይነጻ ተሌፎን መስመር: 06 32600239
ዝያዳ ሓበሬታ ሊንክታትን፡
Employment & labour law in Italy: ስራሕን ዕዮን ኣብ ኢጣልያ
Collective contract: / ናይ ሓባር ስምምዕ፡
List of syndicates in Italy:/ ዝርዝር ማሕበራት ኣብ ኢጣልያ
ባጤራን ፊናንስን
ኣብ ኢጣልያ ገንዘብ ንምቅባልን(ንኣብነት ካብ ኣስራሒ) ንምልኣኽን ሕሳብ ባንኪ ምኽፋት ይግባእ።ዝተፈላለዩ ኣብያተ ባንክን ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝህቡን ምዃኖም ድማ ይፍለጥ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ዓይነት ዋጋ ናይ ኣገልግሎት ኣይህቡን፡ ስለዝኾነ ድማ ድሌታትካ ኣብ ግምት ብምእታው ዝሰማመዓካ ባንኪ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ።ሕሳብ ባንኪ ንምኽፋት ድማ እንታይ ዓይነት ዶኩመንትታት ከምዘድሊ ምፍላጥ ይግባእ።
ሓለዋ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ ወይ ሓታቲ ዑቅባ እንተኾንካ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት መለለይ ዶኩመንት (ብቁዕ ፓስፖርት/ካርድ መንነት) ከምእውን ኣድራሻ ኣብ ኢጣልያ ይኸውን፡ እቲ ባንክ በቲ ኣድራሻ መሰረት ከረኽበካ ይኽእል። ውዕል ክትፍርም ትሕተት። ኣብ ኢጣልያ ዝተፈላለዩ ባንክታት ዝተፈላለየ ሕጊ ንምኽፋት ሕሳብ ባንኪ ንወጻእተኛታት ኣለዎም።እቲ ዝሓሸ ዝሳነየካ ምምራጽ እዩ።
ብተወስኺ ብዙሓት ዓይነት ባንኪካርድታት `ውን ኣለዉ። ኣዝዩ ዝውቱር ድማ ደቢት ካርድ ንምኽፋል ከምእውን ምስሓብ ገንዘብ ኣብ ባንኪን ካብ ATM ይኸውን። ሕሳብ ምስ ከፈትካ እቲ ባንኪ ብነጻ ካርድ የዳልወልካ/ይሓትም።ዝተፈላለዩ ናይ ልቃሕ ካርድታት ውን ኣለዉ ፣ እሳቶም ንብረት ኣብ ምግዛእ፣ ምኽፋል ናይ ኣገልግሎት ብ ልቃሕ ( ዝኾነ ወርሓዊ ዝኽፈል ኣገልግሎትን ካልእን)። ሓበሬታ ክወሃበካን ክትጥንቀቅን ይግባእ ቅድሚ ምጥቃምካን እዚ ድማ ዘየድሊ ወጻኢታትን ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ ከይከውን ዝዕለመ እዩ። ቅድመክፉል/prepaid ካርድ ወይ ስቶር-store-valued ካርድ ፡ ድማ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ።
ዓለም ለኻዊ ምስግጋር ገንዘብ (ምልኣኽን ምቅባልን ገንዘብ)
ሰለስተ ዓይነት ናይ ገንዘብ ምስግጋር መንገድትታት ኣለዉ፡ ቤት ጽሕፈት ፖስታ፣ ባንክን ገንዘብ ምስግጋርን።እታ ኣብ ድሕሪት ዝተጠቅሰት ንምስግጋር ገንዘብ ብብዝሒ ኣገልግሎት ትህብ፡ (http://moneygram.it/)፡ ከምእውን ዌስተርን ዩንዮን፡ ። ዝርዝር ማእከላት ወስተርን ዩንዮን ኣብ ፓለርሞ ፡ ።
ኣብ ኢጣልያ ፣ ወግዓዊ ባጤራ ዩሮ እዩ።
እቲ ልሙድ መንገዲ ንምኽፋል ወጻኢታት ክፍሊታትን እንታይ ይመስል?
እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣከፋፍላ ብባንኪ ካርድ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ እዩ።ንኣገልግሎታትን ንብረትን ብዝምልከት ከም ኤለክትሪክ፣ ጋዝ፣ ተሌኮሙኒኬሽን፣ (ቀዋሚ ተሌፎን፣ ሞባይል፣ ቲቪ)፣ ማይ፣ ካልኦት ኣገልግሎታትን ንክፍሊት ዝምልከት ወሃቢ ኣገልግሎት ናብ ኣድራሻኻ ደብዳቤ ይልእኽ።ኣብ ባንኪ ወይ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ምኽፋል ይከኣል።ከምእውን ብ ኢ-ባንኪንግ ዝበሃል ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ከለኻ ብ ዝህልወካ ስምምዕ ይኽፈል።ነቲ ወርሓዊ ክትከፍሎ ዝግባእ ክፍሊት ንነዊሕ ዝዓለመ ትእዛዝ ናይ ክፍሊት ምጥቃም ይከኣል፣ እዚ ማለት ድማ ብ ቀጥታ ካብ ናይ ባንኪ ሕሳብካ ወርሓዊ ይኽፈል ማለት እዩ።ዝውሰድ ኮምሽን ገንዘብ ብመንጽር ኣከፋፍላ ክፈላለ ይኽእል።(ኣብ ባንክን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ዝኽፈል ዝኸበረ እዩ)።
ክፍሊታትካ ቀጻሊ ኣብ ግዚኡ ክኽፈል ይግባእ። ግዜ ክፍሊት ኣብ ነፍስወከፍ ክፍሊት ተጻሒፉ ይርከብ ወሃቢ ኣገልግሎት ድማ ናይ ምኽፋል ግዜ እንተሓሊፉ ወይ እንተዶንግዩ ዝያዳ ከኽፍል ይኽእል።ን ኣብነት ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት እንተዘይከፊልካ ወሃቢ ኣገልግሎት ን ኣገልግሎት ኤለክሪክ ክቆርጾ ይኽእል።ምስ ተቋርጸ ድማ እቲ ዝያዳ ዝመጽእናይ ምቁራጽን ምቅጻልን ክፍሊት ክትከፍሎ ትግደድ እዚ ድማ እንደገና ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ንምርካብ ማለት እዩ።
ምስ ዘይጡንቁቅ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ከምእውን ዘይምኽፋል ክፍሊታትን ወጻኢታትን፣ ብቀሊሉ ኣብ ዕዳ ክትወድቅ ትኽእል።ገንዘብካ ከመይ ከምትሕዞ ምፍላጥ ካብ ዘየድሊወጻኢታትን ምድሓንን ምቁጽጻር ዝሓሸ ይኸውን።ወርሓዊ ገለ ካብ ኣታዊታትካ ምውፋይ/ምቅማጥ ኣብ ሴቪንግ ተመራጺ እዩ።
ገንዘብ ክትልቃሕ ከለኻ ምጥንቃቅ ኣድላይ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ብዙሕ ገንዘብ፡ ምኽንያቱ ዳግም ንኽትከፍሎ ኣጸጋሚ ይኸውን። ዕዳ ኣብ እዋኑ እንተዘይተኸፊሉ፣ ኣለቃሒ ወይ ድማ መንግስቲ ብ ቀጥታ ካብ ሕሳብካ ዝተወሰነ ገንዘብ ክወስድ ይኽእል እዩ።ልቓሕ ከተወግድ እንተዘይክኢልካ ፡ ንዝምልከቶም ፊናንሳዊ ትካላት ብ ናይ መንግስቲ ብሄራዊ/ሃገራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዘለዎ ምውካስ ኣገዳሲ ይኸውን። ብተወሳኺ ሙሉእ ኩነታት ናይ ልቓሕ ከምዝተረዳእካ ርግጸኛ ክትከውን ይግባእ።
ገለ ኣብነታት ብፍሉይ ንስደተኛታት ደሓን ኣገልግሎት ዝህባ ባንክታት ፡
ሓገዝ ወይ ሕቶ ንምኽፋት ሕሳብ ባንኪ ምስ ዝህልወካ እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎት ንስደተኛታት ዝህቡ ወገናት ምውካስ ይከኣል፡
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/Further links & information
https://thebottomup.it/2016/10/13/finanza-inclusiva-integrazione-migranti/
http://www.conto-corrente.com/guida/stranieri.html
http://orizzonti.tv/episodi/migranti-conto-conto-corrente-e-cittadinanza-economica/
Check the best bank account for your needs: / ዝበለጸ ሕሳብ ባንኪ ንምኽፋት
ንምኽፋት ሕሳብ ባንኪ ክማልኡ ዝግበኦም ዶኩመንታት/ Documents required to open a bank account:
ኢጣልያ ብልምዲ እንታይ ትመስል?
ኢጣልያዊ ዓይነት ቅዲ ናይ ናብራ፡ ብባህልን ታሪኽን ዝተጸልወ እዩ።ኢጣልያውያን ገርሂ፣ ሕጉሳት፣ ተቀበልቲ ኣጋይሽ ህዝቢ እዮም። ምዝንጋዕ ይፈትዉ፡ ምስ ዝፈትውዎም ብጾቶም ተሰንዮም ይዛናግዑ።ምዝንጋዕ ብልምዲ ኣብ መኣዲ ጣውላ፣ ቤት፣ ወይ ኣብ ኣብያተ መግቢ ብባህላዊ ኢጣልያዊ መግብን መስተ ወይኒን ብዋዕዋዕታን ዕላልን ምስ ብጾትን ኣዝማድን ይካየድ። ብሓጺሩ እዚ እዩ la dolce vita ኢሎም ዝገልጽዎ ፡ትርጉሙ ድማ ህይወት ብዘይ ጭንቂ ምስትምቃርን፣ ምስ እትፈትዎም ሰባት፣ ጽቡቅ ምምጋብ፣ ጽቡቅ ምስታይ ማለት እዩ።
መግቢ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ኣብ ቅዲ ናብራ ኢጣልያ እዩ። ባህሊ ምእካብ ቤተሰብ ኣብ ምሳሕ ዕለተ ሰንበት ክሳብ እዚ እዋን እዚ ኣሎ።ፍሉይ መግቢ ኣብ ካልእ ግዜ ዘይዳሎ ድማ ይቀርብ።(ከም ፓስታ ፎርኖን ፓርሚጅያናን)።
ኢጣልያዊ ቅድን ኢጣልያዊ ፋሽንን ኣብ ዓለም ህቡብ እዩ።እንተኾነ ግን ኢጣልያዊ ዓይነት ኣከዳድና ማለት ፍሉይ ምኽዳን ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ዝያዳ ብምስልኻ ምግዳስ እዩ።
ኢጣልያውያን ተዛረብትን ገለጽትን እዮም። ኣካላዊ ምንቅስቃስ ብምግባር ድ ሓሳቦም ምግላጽ ሓደ ካብ ናይ ኢጣልያውያን ገጸ ባህርያት እዩ። ቅርበት ብዘየገድስ ድማ ድምጺ ዓው ብምባል ምዕላል ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ኣገረምቲ ሓቅታት ፡
- ኢጣልያ ሃገር ካብትበሃል 157 ዓመት ኣቊጺራ
- ብ 1827 ናይ መጀመርያ ልብወለድ መጽሓፍ/ኖቨል ብ ኣለሳንድሮ ማንዞኒ ቀ. ፕሮመሲ ስፖሲ (the betrothed)
- ዳብል/ተውለ ኣደማምጻ ኣብ ቋንቋ ጥልያን ተደጋጋሚ እዩ።ገለ ቃላት ክሳብ ኣርባዕተ ድምጽታት ኣለዎም፡“appallottolare“(ኣብ ኳዓሳሱ ምቅናስ) ከምእውን “disseppellire“ (ምፍሓር)
- ዞባ ሊጉርያ ከም Riviera of flowers / ሩባ ዕምባባታት ፡
- ሲሲልያ እቲ ዝዓበየ ናይ ኦፔራ ገዛ ኣብ ኢጣልያ ኣለዋ -እቲ ህቡብ ናይ ፓለርሞ ቲያትሮ ማሲሞ ኣብ ኣውሮፓ ብሳልሳይ ደረጃ እቲ ዝዓበየ እዩ።
- እታ ዝነኣሰት ሃገር ኣብ ዓለብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ሮማ ትርከብ እያ።
- ፒዛ ኣብ ናፖሊ ብ1860 ተማሂዙ።
- እቲ ናይ ፈለማ መዐቀኒ ሙቀት ብኢጣልያዊ መሃዚ ሳንቶርዮ ሳንቶርዮ ብ1612 ተማሂዙ።
- ፓለርሞ ሓንቲ ካብተን ዝጠዓሙ ናይ ጎደና መግብታት ትፍለጥ ከተማ እያ ። ገለ ካብኡ ድማ ኣራንቺነ/Arancine ከቢብ ሩዝ ምስ ስጋ ዝዳሎ) ፓነለ /Panelle ፡ ቺክፒስ ምስሕብስቲ ዝብላዕ ፣ ስፊንስዮነ (ናይ ውሽጢ ፒዛ)፣ ስቲግዮላ (ድሎት )።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን፡
ኢጣልያዊ ምዃን፡/ Being Italian
ዘገርሙ ሓቅታት/Fun facts about Italy:
https://www.roughguides.com/article/23-fun-facts-about-italy/
https://takelessons.com/blog/interesting-facts-about-italy-z09
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንታይ ማለት እዩ?
ዓይነታት ዓለም ለኻዊ ሐለዋ ፥መን እዩ ብቑዕ?
ዓለም ለኻዊ ሐለዋ እንታይ ማለት እዩ?
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ (en) ካብ መበቆላዊ ማለት ትዉልዲ ሃገሮም ብምኽንያት ከቢድ ፍርሕን ብ ዘጋጥሞም ጭቆናን ን ኽስደዱ ዝተገደዱ ሰባት አፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።
ዓይነታት ዓለም ለኻዊ ሓለዋ
ስለስተ ዓይነት ሓለዋ ኣለዉ፤ናይ ስደተኛ ደረጃ ሐለዋ ፣ናይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ፣ ከምእዉን ሰብኣዊ ሓለዋ።
ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ(en) ኣብ ኢጣልያ ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ 1951 ዝተደንገገ እዩ።
ስደተኛ ማለት ካብ ትውልዲ ሃገሩ ብምኽንያት(en) ጭቆና ኩናት ወይድማ ናዕቢ ንክወጽእ ወይድማ ክሃድም ዝተገደደ ማለት እዩ። ስደተኛ ሱርሰደድ ፍርሒ ናይ ጭኮና ብምኽንያት ዓሌታዊ ሃይማኖታዊ ቀቢላዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይድማ ኣባልነት ምስ ዝኾነ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምኻን ኣለዎ። መብዛሕቱ ኣጋጣሚታት ናብ ትውልዲ ሃገሩ ናይ ምምላስ ስግኣት ኣለዎ ኩናት ቀቢላዊ ግጭት ሃማኖታዊ ዓሌታዊ ግጭት ካብቶም ስድተኛ ሃገሩ ገዲፉ ንክሃድም ዝግድድዎ ረቃሕታትእዮም። (UN)
ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ (en)ማለት ንዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ወይድማ ሃገር ኣልቦ ሰባት ንናይ ስደተኛ ደረጃ ብቁዓት ዘይኮኑ እንተኾነ ግን ከቢድ ምኽንያት ናይ ስግኣትን ስቅያትን ሞትን ከምዘለዎም ዝእመነሎም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።
ሰብአዊ ሓለዋ (en)ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘኽእሉ ባይታታት ምስ ዘይህልዉ ፖሊስ ንሓታቲ ዑቕባ ፍቓድ ናይ ሰብአዊ ሓለዋ ብመሰረት ውሽጣዊ ኮምሽን ስደተኛታት መርትዖታት ናይ ሰባብአዊ አረአእያታት ምስ ዝህሉ ክህብ ይኽእል እቲ ፍቓድ ንሓደ ዓመት ዝውሃብ ኮይኑ ክሕደስ ዝኽእልን ፍቓድ ስራሕ ዝህብን ኢዩ ።
ዝኾነ ሰብ ካብ ሃገሩ ብ ምኽንያት ጭቆና ኢሰብአዊ አተሓሕዛ ወይ ድማ ኵናት ንኽሃድም ስለዝተገደደን ምንም ኳ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢጣልያ እንተ አተወ ከምኡውን ወረቀት መንነት ምስ ዘይህልዎን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ክሓትት ይኽእል። እቲ ጠለብ ዘቅርብ ሰብ ድማ ብ መርትዖ አሰንዩ ኩነታት መህደሚኡን ወይ ድማ ዘስካሕክሕ ጉድአትን ንኽወጽእ ዘተባብዕዎ ነገራትን ክገልጽ ይግባእ።
መስርሕ ናይ ዓለም ለኻዊ ሓለዋን ናይ ግዜ ሰለዳን
መስርሕ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ አርባዕተ ስጉምትታት የጠቃልል(en)
ምድላው (ምቅራብ) ጠለብ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ
ወግዓዊ ጠለብ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ ብመንገዲ “C3 MODULE”
ቃለ መሕትት ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛ
ውሳኔ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛ
ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጠለብ ዑቅባ ምስ ዝንጸግ
ምቅራብ ወግዓዊ ጠለብ ፍሉጥ ናይ ግዜ የብሉን ።እንተኾነ ግን እቲ ጠለብ ንናይ ዶብ ፖሊስ ፡ ወይ ድማ ንጨንፈር ፖሊስ ማለት ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክርከብ አለዎ።ሓታቲ ጠለብ አገደስቲ ወረቃቅቲ ከም ናይ ዓምድታት ጋዜጣ ፡አሳእል ፡ከምእውን ወግዓዊ ሰነድ ጥርዓን ወይ ድማ ጸብጻብ ሕክምና ብምቅራብ ጠለቡ ከረጋግጽ ይግባእ።
እቲ ሰብ ንሃገር ኢጣልያ ብዘይ ቪዛ ምስ ዝአቱ ፖሊስ አድላይ ምጽራይ ናይ መንነት ንምግባር አሰር አጻብዕን ስእልን ክወስድ እዩ።ቀጺሉ እቲ ጠለብ ንላዕለዋይ ተጸዋዒ ኢምግረሽን ብምልአኽ መስርሕ ምቅባል ጠለብ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ይካየድ።ሓታቲ ዑቅባ መልሲ ናይ ላዕለዋይ ኮምሽን አብ ዝጽበየሉ እዋን አብ ሃገር ኢጣልያ ክጸንሕ ይኽእል ከምእውን ካብ ዝምልከቶም አካላት መንግስቲ መዕረፊ ማእከልን መሰረታዊ ሓገዝ ይዋሃቦ።
መስርሕ ግምገማ
መስርሕ ምስማዕ ጠለብ ሕቶ ዑቅባ አብ ውሽጢ 30 ማዓልታት ካብቲ ናይ ፈለማ ሕቶ ክካየድ ይግባእ።ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ድማ አብ ውሽጢ 3 ማዓልታት ውሳነ ይህብ።እንተኾነ ግን አብ ባይታ ነዊሕ ግዜ ይወስድ።መስርሕ ምስማዕ ድሕሪ ዝተወሰነ አዋርሕ ስለ ዝካየድ መሰል ናይ ተርጓሚ ድማ ይህልወካ።
ውሳነ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብጽሁፍ መልክዕ ይቀርብ፤ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት ፤ግቡአት፤ግዜ ገደብን ፤አገባብ አፈጻጽማ ጠለብን የቅርብ ።ውሳኔ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል።
አፍልጦ ን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ፦ደረጃ ስደተኛ
ንጹግ ደረጃ ስደተኛ ፦ ግን ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ይዋሃብ
ንጹግ ደረጃ ስደተኛ፦ግን ሰብአዊ ሓለዋ ይዋሃብ
ዘይ ብቁዕ ጠለብ ይንጸግ (en)
ዘይ ቅቡል ጠለብ (አቀዲሙ አብ ካልእ ናይ ኤውሮፓ ሃገር ጠለብ ዘቅረበ )
ጠለብ ምስ ዝንጸግ ናይ ዳግመ ግምገማ ዕድል ይህልው።እንተኾነ ግን ሓድሽ ወይ ድማ ፈለማ ዘይቀረበ መርትዖታት ምስ ዝህሉ ይኸውን።እዚ ምስ ዘይከውን ድማ ጥርዓን ዘይ (en) ናብ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛ ዝተዋህበሉ ግዜ ጀሚሩ አብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክቅረብ ይከአል:(አብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከብ ድማ 15 ማዓልታት) እዚ ድማ ነቲ ናይ አገዲድካ ምፍናው (ምጥራዝ) መስርሕ ደው የብሎ ግዝያዊ ናይ መንበሪ ፍቃድ ድማ ይዋሃብ።
መሰላትን ሓላፍነትን ሓተትቲ ዑቅባ
ሓታቲ ዑቅባ መሰል ስራሕ ይህልዎ እዚ ድማ 60 መዓልታት ካብ ናይ ዑቅባ መስርሕ ጠለብ ዝቀረበሉ ግዜ ይኸውን።
ክሳብ መንበሪ ፍቃድ ናይ ሓታቲ ዑቅባ ዘይወደቀ መሰል ናይ ሕክምናዊ ሓገዝ ይህልዎ (እዚ ድማ አብ ሃገራዊ ጥዕናዊ አገልግሎት ምዝጉብ ምስ ዝኸውን እዩ)።
አብ እዋን መስርሕ ምሕታት ዑቅባ መሰል ናይ ተርጓምን ሕጋዊ ወኪልን ይህልዎ።
ሓላፍነት ሓታቲ ዑቅባ ብዝምልከት ድማ ንናይ ሃገረ ኢጣልያ ሕግታትን ደንብታትን ምኽባር ይግባእ።
ብተወሳኺ ሓታቲ ዑቅባ ምስ ናይ መንግስቲ ትካላት ማለት ቤት ፍርዲ ፤ፖሊስን፤ ካልኦትንና ይምትሕብባር ግዴታ ይህልዎ።
ማሕዩር(ቤት ማእሰርቲ) ፦ሓታቲ ዑቅባ ገበን ምስ ዝፍጽም ፡ናይ ምእሳር ውሳኔ ምስ ዝህልዎ ወይ ድማ ግዴታዊ ናይ ምጥራዝ ውሳኔ ምስ ዝህልዎ ክእሰር ይኽእል።
ተወሳኺ ሓበሬታ እዚ link ተወከስ፦
http://www.caritas.eu/functions/policy-advocasy/international-protection
http://.unhcr.org/excom/standcom/3ae68d054/note-internationalprotection.html
http://www.integrazionemigranti.gov.it/en/international-protection/pages/default.aspx
http://wwwinfomigrants.net/en/
the italian asylum system:ናይ ኢጣልያ ዑቅባ ስርዓት:
temporary protection:ግዝያዊ ሓለዋ፦
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብሕብረት ኣውሮፓ ናይ ምትሕግጋዝ ዝተዳለወ ኮይኑ ንሓለዋ ዘለዎም ሰባት ካብ ሓንቲ ኣባል ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገር ናብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገር ዳግም ምስፋር ማለት ኢዩ።ጽዕንቶ ኣውሮፓዊት ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዶባት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ዝርከባ ሃገራት ንምቅላል ዝዓለመ ፕሮግራም ኢዩ።መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ መደብ ድማ ብሓባራዊ ውሳኔ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገራት ዝተደገፈ ኢዩ።
ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣዮኖት እዋናውያን ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ይርከቡ?
ብምኽንያት ቀጻልናት ዋሕዚ ጠለብ ሓለዋ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ኣብ ዓመተ 2015 ክልተ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ስምምዓት ተበጺሑ። ኣውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ግንቦት 2015 መደብ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናይ 40000 ሰባት ካብ ኢጣልያን ግሪክን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።ስዒቡ ድማ ጠለብ ሓለዋ ኣብ መስከረም 2015 ዘቅረቡ 120000 ሰባት ተወሳኺ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሓንጺጹ።ብ መሰረት እቲ ዝሃለፈ ለበዋትት ብ ጠቅላላ 160000 ሰባት ካብ ግሪክ ፣ኢጣልያ፣ከመእውን ሃንጋሪያ ተቀባልነት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ብዝተፈላዩ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ክረኽቡ ኢዮም።እንተኾነ ግን ነቲ ለበዋ ሲዒቡ ሃንጋርያ ኣብ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዘይተስተፍነታ ኣፍሊጣ።ስለዝኾነ ድማ አቲ መደብ ካብ ኢጣልያን ግሪክን። ቁጽሪ ብውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ካብ ኢጣልያ ካብ 2015-2017 ዝተወዝዑ ኣስታት 10 000 ይኸውን።
ኣሃዱ ደብሊን ክፍሊ ሲቪላዊ ናጽነትን ስደትን ድማ ሓላፍነት ናይ መስርሕ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ወሲዱ ብምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ኣውሮፓ ንሓገዝ ዑቅባ (EASO) ከምእውን ሊያይሶን ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ተቀብልቲ ሃገራት ሰብ መዚ ይርከብዎ። ስርሒት ሓገዝ ንኢጣልያ ካብ መፋርቅ መስከረም ጀሚሩ።ኣብ ስራሕ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት EASO ኣብ ሮማ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ህጹጽ-መራኸቢ መስሪቱ ይንቀሳቀስ ኣሎ፡ ናይ ስልኪ መስመር 00393454057316 ወይ ድማ ብኢ-መይል relocation.italy@easo.europa.eu. ምርካብ ይከኣል።
ሕጋዊ መስፈሪታት ን ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ
ሕጋዊ መሰረት ናይዚ ህልው መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ኢዩ?
ሕጋዊ መሰረት ናይዚ መደብ እዚ ውሳኔ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ን ዳግመ ምውዛዕ ስደተኛተት፣ ካብ ዝኣትውለን ሃገራት (ኢጣልያ/ግሪክ) ናብ ኣባል ሃገር ከምእውን ውሳኔ ናይ ዝምልከቶ ሚንስትሪ ኣባል ሃገር ።ንኢጣልያ ብመሰረት ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝኣትዉ ሰባት ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ኣተሓሕዛ ይህልዎም።
መሰረታዊ ሕግታት ናይ ውሳኔ ንኮሚሽን ኣውሮፓዊ ሕብረት ንዳግመ ምውዛዕ ስደተኛታት (ተቀበልቲ ሃገራት) “ኢጣልያን ግሪክን“ ናብ ካልኦት ኣባል ሃገራትን ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ይምርኮስ። ካብ ኢጣልያ ናብ ካልእ ኣባል ሃገራት ዝውዝዑ ሰባት ድማ ኣብተን ሃገራት ከም ሓተትቲ ዑቅባ ይፍለጡ።
እዋናዊ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብ ኸመይ ይትግበር?
ሕርያ ናይ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ኣብ እማመ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ኢጣልያን ግሪክን ብምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ(EASO link//www.easo.europa.eu/) ይካየድ።ኣብ ዝቅጽል ስጉምቲ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ፍቃድ ምቅባል ይህብ።ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዛጊት ኣብ ኢጣልያ /ግሪክ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ዘለዎም ሰባት ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ብውሑዱ 75% ናይ ሓለዋ ገምጋም ዘለዎም ዘካተተ ኢዩ።ዛጊት ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ጠለብ ዑቅባ ዘቅረቡ ሰባት ግናብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።
በዚ ውሽጣዊ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሃገረ ኢጣልያ ከም ዝተቀበለትካ መጠን ፣ድሕሪ ምእታው ናብታ ሃገር ሙሉእ ናይ ዑቅባ መስርሕ ከተካይድ ይግባእ።ፈለማ ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት ክትምዝገብ ይግባኣካ፣ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝተዳለወልካ ቦታ ትቅመጥ፣ድሕሪዚ ናይ ምዝገባ ግዜ እቲ መስርሕ ልክዕ ከምቲ ልሙድ ሕቶ ጠለብ ንዑቅባ ይኸውን፣ቀጺሉ ድማ ቃለ መሕትት ይኸውን።
ኣብ ናይ ምስግጋር ሃገር እንከለኻ/ቅድሚ ናብ ተቀባሊት ሃገር ምእታውካ
ኣየናይ ኣካል`ዩ ኣብቲ ቦታ ሓላፍነት ዝውወስደለይ?
- ሰብመዚ /ሰበስልጣን ሃገራዊ ዑቅባ
- ናይ ኣውሮፓ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ
- ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር(IOM)
እቶም ስጉምትታት እንታይ ይመስሉ?
ሃገራዊ ናይ ዑቅባ ሰበስልጣናት (national asylum authorities) https://www.easo.europa.eu/operational-support/hotspotrelocation/relocation/questions-and-answers-relocation] ኣብ ግሪክን ኢጣልያን ብ ምትሕብባር ናይ ኣውሮፓ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ንዑቅባ [relocation.italy@easo.europa.eu] ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ከም ሕጹይ ክመርጹካ
ይኽእሉ፣ቀጺሉ ናብ ዝምልከቶ ዞባዊ “ሃብ“ ኣብ ሓጺር እዋን የሰጋግሩኻ። ኣብ ነፍስወከፍ ቦታ ምደባ 5EASO ይርከቡ 3 ባህላዊ ሸምገልቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ይህቡኻ። እቲ ዕጫ ናይ ምደባ ናይ ዳግመ ውሽጣዊ ሰፈራ ሃገር ብደገፍ 10 ኣባላት EASO ይካየድ። እዞም ክኢላታት ድማ መርመራታት ናይ ዝውዝዑ ሰባት የካይድ(ሞያ፣ ክእለት፣ ዝዛረቦ ቋንቋ፣ ወዘተ… )ምስ ምርጫታት ናይ ኣባል ሃገራት ድማ የዛምዶ።ቀጺሉ ምስ ናይ ዝምልከታ ሃገር ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ እማመ የቅርብ። እታ ሃገር ናይ ምቅባል ደገፍ ምስ ሃበት ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር(IOM) [https://www.italy.iom.int/it/contatti] ይዋሳእ።ብወገንካውን እቲ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ውሳኔ ናብኢጣልያ እንተ መሪጽካ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ብ ቀጥታ ኣብ ናይ ተጠቀምቲ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝርዝር ኣስማት የእትወካ።
ቀጺሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር ነቲ ኣገዳሲ ናይ ቅድመ ምብጋስ ኩነታት ንጥፈታታብ ግብሪ ንምውዓል ይንቀሳቀስ፣እዚ ድማ ብዛዕባ ጉዕዞ ሙሉእ ሓበሬታ ከምዘለካን ብኽብረትን ውሕስነትን ከምእትጓዓዝ የጠቃልል።
ኣገዳስነት ሙሉእ ጥዕና ንምርግጋጽ ናይ ጥዕና መርመራን ከምእውን ብቁዕ-ን-ጉዕዞ መርመራ የካይድ።ኣገዳሲ ሓበሬታ ድማ ምስ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ሃገር ይለዋወጥ።ኣገዳስነት ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣካል ድማ ይሕበር፣ብኽብረትን ውሕስነትን ድማ ትሳፈር።
IOM ብተወሳኺ ናይ ቅድመ ምብጋስ ናይ ምልላይ ኣኼባታት የካይድ ።እዚ ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ እታ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ሃገር ይኸውን።እዝውን ሙቹእ ዕድል ንምእካብ ሓበሬታ ብዛዕባ ተመዲብካሉ ዘለኻ ሃገር ፣ትጽቢታትካ ንምቁጽጻርን ፣መባእታዊ ናይ ድሕረ ምቅባል ግዜን ፣ሓገዝ ንምውህሃድ የጠቃልል።
ነቲ ጉዕዞ ብዝምልከት ድማ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ምንቅስቃስ ይቆጻጸር፣ቅድመ-ምብጋስ ኣኼባ የካይድ ፣ኣብዚ እዋን `ዚ ድማ ሓፈሻዊ ግብራዊ ዝርዝር ናይቲ ጉዕዞ የዳሉ፣መሰጋገሪ በረራ ንዘለዎም ድማ ዝሕግዝ፣ከምእውን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ንዝኣትዉ ድማ ይቅበል።
ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ምምዳብ ክንደይ ግዜ ይወስድ?
ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብቁዕ ምዃንካ እንተትወሲኑ ፡ ምስግጋር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ይካየድ።ብገምጋም ኣስታት 2 ወርሒ ይወስድ። ብሓቂ ግን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል። እዚ ድማ ጸብጻባት ከምዝሕብሮ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 30 ሚእታዊት ጥራይ ኣብ ቦተኦም ክበጽሑ ከምዝኻኣሉ እዩ።
IOM ኣብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ /IOM on relocation:
ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት /Minstry of the Interior:
መስርሕ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ/The procedure of relocation:
ዳግመ ምስፋር ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት/Relocation of unaccompanied children:
ዳግመ ሰፈራ
ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት እዩ?
ዳግመ ሰፈራ፡ ን ብፍሉይ ተጠቃዕቲ ስደተኛታት ናይ ምሕላው መንገዲ ወይ መስርሕ ኢዩ።እዞም ስደተኛታት ድማ ካብ ናይ ፈለማ ተቀባሊት ሃገር ብምኽንያት ኲናት፡ግጭት፡ ወይ ድማ ጭቆና ዝተዓቅቡላ ፡ናብ ሳልሳይ ሃገር ተቀባልነት ሓለዋ ንስደተኛታት ትህብ ይሰጋገሩ።ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት (UNHCR) ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ትካል ( UNRA) ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አማዕቢሉ ይርከብ።ሳልሳይ ሃገር ፡ንስደተኛታት ኣካላውን ሕጋውን ሓለዋ የዳልዉ፡ እሳቶም ድማ ዕድላት ንሲቪላዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ አኮኖምያዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ኮይኖም ማዕረ ዜጋታት እተን ሃገራት ይኸውን።ብተወሳኺ ምስ ግዜ ዜግነት ናይ ምሃብ ዕድላት ከጣጥሕሎም ይግባእ።
ርእይቶ ሃገር ኢጣልያ፡
ሓለዋ/ዑቅባ ንስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ቀጻሊ ነባርነት/ሰፈራ ምሃብ ኣይኮነን። ድሕሪ 5 ዓመት ሰብ መዚ ሃገረ ኢጣልያ እቶም ንዑቅባ ዘውሃቡ ምኽንያታት ዛጊት ምህላዎም ኣረጋጊጹ ይውስን። እንተደኣ ኣለዉ፡ መንበሪ ፍቃድ ይህብ፣ እንተዘይኮይኑ ግን መንበሪ ፍቃድ ኣይህብን ፡ በዚ መሰረት ሃገር ኢጣልያ ገዲፉ ክወጽእ ይሕተት።
ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤
ዝበዝሑ ስደተኛታት ቁልጡፍ ሓለዋ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ይደልዩ።(ካብዚኦም ሒደት ሚእታዊ ድማ ናብ ርሑቅ ናይ ኤውሮፓ ሕብረት ሃገራት ዑቅባ ንክሓቱ ይንቀሳቀሱ) ፡እንተኾነ ግን ዘተአማምን ምትሕብባርን ንነዊሕ ዝዓለመ ክንክን አብተን ሃገራት ውሑስ አይኮነን።
ንተቀባልነት ዳግመ ሰፈራ እንታይ የድሊ?
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) 8 መምዘኒታት ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አዳልዩ ይርከብ።እዚ ድማ “ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ነጥብታት” ይበሃል።ብሓፈሻ ስደተኛታት ክመዝገቡን አፍልጦ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ክህልዎም ይግባእ።ብውሑዱ ሐደ ካብዚ ዝስዕብ ዘማልኡ ውልቀ ሰባት ንዳግመ ሰፈራ አብ ግምት ይአትዉ።
- አድላይነት ሕጋውን አካላውን ሓለዋ
- ካብ ጭቆናን ግጭትን ዝደሓኑ
- ሕክምናዊ አድላይነት
- አብ ስግአት ዝርከባ ደቀንስትዮ
- ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
- ህጻናትን ብጹሓትን
- ሽማግለ ስደተኛታት
- ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR ) ንዳግመ ሰፈራ ዘድልዩ መምዘኒታት ይመዝን፤መን ይግበኦ ድማ ይመርጽ።እቲ ናይ መወዳእታ መን እዩ ብቁዕ ነቲ ተቀባልነት ድማ ነታ ተቀባሊት ሃገር ይዋሃብ።ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን ተወሳኺ ናይ ምቅባል መስፈሪታት ይህልወን፤ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት መስፈሪ ድማ ሓደ አይኮነን።
መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?
ምርጫን ምግዓዝን ስደተኛታት ከም አካል መስርሕ ዳግመ ሰፈራ አዝዩ ዝተሓላለኸን ብዙሓት ዓለም ለኻውያን ተዋሳእቲ አለውዎ።
መስርሕ ዳግመ ሰፈራ 6 መንገድታት ኣለዎ፡
ምልላይ፣ ምምራጽ፣ ሓገዝ ቅድመ-ምብጋስ፣ ጉዕዞ፣ ምቅባል፣ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
ተጠቃሚ መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ንሙዃን ድማ መጀመርታ አፍልጦ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ( UNHCR ) ክህሉ ይግባእ።
ብተወሳኺ ፍሉይ ደረጃ ተጠቃዕነት (VULNERABILITY) ክህሉ ይግባእ።መወከሲ፡ መምዘኒታት ዳግመ ሰፈራ
ንአብነት ፤ ሕጻን፡ አካለ ስንኩል፡ሕማም ወይ ድማ ግህሰት ሰብአዊ መሰል አብ ናይ ፈለማ ዝተዓቅበሉ ሃገር ምስ ዝህሉ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት 8 መስፈሪታት ንዳግመ ሰፈራ አዳልዩ ይርከብ ፤መወከሲመምዘኒታት ዳግመ ሰፈራ በዚ መሰረት ድማ ብቁዓት ሰባት ንዳግመ ሰፈራ ንምምራጽ ይውስን።
- ሓደ ካብዞም መስፈሪታት ምስ ዝማላእ ከምእውን አብ መበቆል ሃገርካ ወይ ድማ አብቲ ፈለማ ዝተዓቆብካሉ ሃገር ን ሽግርካ ዘላቂ ፍታሕ ምስ ዘይህሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR ) ናይ ዳግመ ሰፈራ እማመ ይህብ።
- እዚ ናይ ዳግመ ሰፈራ ሕጋዊ መስርሕ አብ ናትካ ሙሉእ ድጋፍ ይሙርከስ።
- እንተኾነ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ምቅባል ውሳኔ ሓላፍነት ናይ ተቀባሊ ሃገር ይኸውን።
- ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን መቀበሊ መስፈሪታት ኣለወን፡ ማለት ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዘይሳን ክኸውን ይኽእል።
እታ ሃገር ንክትቅበል ድልውቲ ምስ እትኸውን ናይ ምፍናው አገደስቲ መንገዲታት ይዳሎ ። አብታ ሃገር ዝአተኻሉ እዋን እታ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቃድ ትህበካ ብውሑዱ ናይ 5 ዓመት አብ ኢጣልያ ከምእ`ውን መንበሪ ፍቃድ ናይ ስደተኛ ሓለዋ።
አብ ናይ ፈለማ ተቀበሊት ሃገር እንከለኻ
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብውልቂ ደረጃ ዳግመ ሰፈራ ንስደተኛታት ይመሚ።እዚ ድማ ካብተን 8 ናይ ዳግመ ሰፈራ መስፈሪታት አብ ግምት ብምእታው ይኸውን። አብ መወዳእታ ውሳኔ ተቀባልነትካ ንሰበስልጣን ተቀባሊት ሃገር ይምልከት/ኢጣልያ። ብመሰረት መደብ UNHCR ንዳግመ ሰፈራን ብምትሕብባር ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ንዳግመ ሰፈራ ትዳሎ።
- ከም ስደተኛ ን ናይ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ከተመልክት አይካአልን። ዕድል ናይዚ መደብ ንምርካብ ንዕለም ለኻዊ ማሕበር ናይ ስደት/IOM ምውካስ ይከኣል። ኣብ ትሕቲ ናይ ኢጣልያ መደብ ዳግመ ሰፈራ IOM ኢጣልያ ምውካስ ፡ ምውካስ ይከኣል።እዚ ማሕበር ድማ ሓላፍናት ናይ ሕክምናዊ መርመራታት፣ ባህላዊ ናይ ምልላይ ንጥፈታት፣ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ምስግጋር ናብ ኢጣልያ ይወስድ። ኩሎም ንጥፈታት ድማ ብምትሕብባር ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ EASO, UNHCR/ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት፣ ኣባላት ናይ ምእንጋድ ማእከላት ይካየዱ።
- ከም ኣካል ናይቲ ፕሮጀክት ሰብኣዊ ኮሪዶራት/HUMANITARIAN CORRIDORS ናይ ቅዱስ አጊዶ፡ እስኻውን ኣባል ናይቲ መደብ ክትከውን ትኽእል። ኣካየድቲ ማሕበራት ድማ ወለተኛታት ናብ ሜዳ ይልእኹ።ቀጥታዊ ርክብ ምስ ስደተኛታት ድማ ይገብሩ።ኣብታ ዝተመደብሉ ሃገር ዝርከብ ቆንስል ሃገረ ኢጣልያ ድማ ኣገደስቲ ወረቃቅቲ የዳልዉ፣ ከም ሰብኣዊ ቪሳ ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘገልግል፣ ብሰላም ናብታ ሃገር ኢጣልያ ምስኣተዉ ድማ ን ዑቅባ መሕትት የዳልውዎም ።
ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ትካል (IOM ) ከምእውን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ፣ባህላዊ ናይ ምልላይ ስልጠናታት የካይድ፤እዚ ድማ ቅድሚ ምብጋስ ናብ ተቀባሊት ሃገር ይኸውን፤ ናይ ጉዕዞ ምድላዋት ናብ ተቀባሊት ሃገር/ኢጣልያ የሳልጥ።
አብ መወዳእታ ውሳኔ ተቀባልነትካ ንሰበስልጣን ተቀባሊት ሃገር ይምልከት/ሃገር ኢጣልያ ።
ኢጣልያ ምስ ኣተኻ
ቀዳማይ ምቅማጥ
ኢጣልያ ምስ ኣተኻ መስርሕ ናይ ሕቶ ዑቅባ ከም ሓታቲ ዑቅባ ትጅምር።
ኣብ ኢጣልያ ናይ ምቅባል/ምእንጋድ ስደተኛታት ጉዳያት ዝሕዙ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ምስ ምትሕብባር ውሽጣዊ ጉዳያት እዩ።
ማሕበረሰብ ናይ ቅዱስ አጊዶ ምስ ፕሮጀክት ሰብኣዊ ኮሪዶራት ድማ ሓደ ካብቶም ማሕበራት እዩ፡. እዚ ተበግሶ እዚ ብዘይ ናይ መንግስቲ ምወላ ይካየድ፡ እተን ማሕበራት ኩሉ ወጻኢታት ይሽፍነኦ።ክሳብ ሕጂ እዚ ፕሮጀክት 1 ሚልዮን ዩሮ ኣዋጺኡ ይርከብ።
ኢጣልያ ምስ ኣተኻ ፡ብወጻኢታት ናይዘን ማሕበራት ትእንገድ ።
ዶኩመንት
ሕጂ ዑቅባ ክትሓትት ትኽእል። ድሕሪ ናይ ቀዳማይ ቃለ መሕትት ፡ናይ ስደተኛ ደረጀ ትወሃብ። እዚ ድማ ኣብ ኢጣልያ ን 5 ዓመት ምንባር የኽእለካ። ሓበሬታኻ ድማ ይስነድ፣ ስእልታትካን ስእሊ ናይ ስድራቤትካን ድም ይውሰድ። ብተወሳኺ ፡ ሕክምናዊ መርመራታት ድማ ይካየደልካ።እቲ ቀዳማይ ቃለ መሕትት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ይካየድ። እቲ ኮምሽን ድማ ውሳኔ ኣብ ዝቅጽል 3 መዓልታት ይህብ። (እንተኾነ ግን እቲ መስርሕ ኣብ ኢጣልያ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል)።
መንበሪ ፍቃድ ንስደተኛ ደረጃ ዘለዎም ድማ ትወሃብ። እዚ ድማ ዶኩመንት መንነት ይኸውን።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብኽብረትካ ምዕራፍ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ተመልከት።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን፡
http://www.unhcr.org/information-on-unhcr-resettlement.html
http://www.italy.iom.int/it//aree-di-attivit%C3%A0/relocation-e-resettlement/FAIR
http://www.sprar.it/wp-content/uploads/2016/06/Guida_pratica_per_titolari_di_protezione.pdf
ሓበሬታ ንተፈላለዩ ጉጅለታት
ኣብዚ ዝስዕብ ፡ሓበሬታ ብዛዕባ ፍሉይ ሓገዛትን፣ መሰላትን ኣገልግሎታት ኣብ መቀበሊ ማእከል መስርሕ ዑቅባ፣ ከምእውን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ብንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ማለት ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ምርካብ ይከኣል።
ደቀንስትዮ
ደቀንስትዮን ኣዋልድን_ስደተኛታት፣ብፍላይ ድማ ብ ውልቂ ዝንቀሳቀሳ ፡ብዙሕ ሓደታት የጋጥመን።ስለዝኾነ ድማ ንጠለባተን ኣተክሮ ንምሃብ ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣብ ዝወሃባሉ ግዜ ፍሉይ መሰል ይህልወን።
ደቀንስትዮን ኣዋልድ ደቀንስትዮ ብ ምዃነን ጥራይ ንዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሓደጋታት ይቃለዓ፡እሳቶም ድማ፣ ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ፣ ኣንጻር ደቀንስትዮውሽጣዊ ዓመጽ፣ ግዱድ መውስቦ፣ ናይ ክብሪ“ ገበናት፣ ዝውውር ን ምንዝርናን ፣ ግዱድ ስራሕን፣ ከምእውን ካልኦት ዓይነታት ስቅያትን ዓመጽን የጠቃልል።እዞም ምኽኒያታት ኣብ ግምት ብምእታው ደቀንስትዮን ኣዋልድን ፡ኣብ ኢጣልያ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ክረኽባ ይኽእላ።
ከም ደቀንስትዮ(ልዕሊ 15 ዓመት ዕድመ)፣ ምስ ኣባላት ስድራቤተን እንከለዋ በይናዊ ናይ ዑቅባ ጠለብ ከቅርባ መሰል ኣለወን።እዚ ማለት ድማ ናይ ዑቅባ ጠለበን ካብቲ ናይ ኣባላት ስድራቤት ብ ፍሉይ ይረኣን ይምርመርን ማለት ኢዩ።ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ድማ ነቲ ቃለ መሕትት ተካይድን ትምርምርን።ጓል ኣንስተይቲ ተርጓሚት ውን ትዳለወለን ፣እንተኾነ ግን ኣብ ኢጣልያ ፡ከምቲ ኣብ ካልእ ኣውሮፓ ብቁዓት ተርጎምቲ ን ናይ ኩሎም ስደተኛታት ቛንቛ ብ ቐሊሉ ኣይርከብን።
ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ደቀንስዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ገዛን ቀረባትን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ይኸውን፡ምስ ኣባላት ስድራቤተን ምስ ዝደልያ ግን ብ ሓባር ይዳለወለን።ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ን ደቀንስትዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ሽንት ቤትን ናይ ጽሬት ማሳለጥን ክዳለወለን ይግባእ።
ነፍሰጹር ደቀንስትዮን ሓደስቲ ወላዳትን ከም ናይ ኢጣልያ ዜጋታት ነጻ መሰል ናይ ክንክን ጥዕና ኣደ ኣለወን ፡ደረጃ ዑቅባ ማ ኣብ ግምት ዘየእተወ ይኸውን። እዚ ድማ መርመራታት ትዕና፣ ሕክምና፣ ምኽሪ ኣብ ግዜ ጥንሲ ኣድላይ እንተኾይኑ፣ ናይ ሆስፒታል ክንክን ቅድምን ድሕርን ምውላድ የጠቃልል።
ደቀንስትዮን ኣዋልድን ፣ሓተትቲ ዑቅባ ይኹና ወይ ድማ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበን ክንክን ጥዕና መሰላት ኣለወን። ንፍርያምነተን ዝምልከት እውን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይረኽባ።
ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ምስ እትኸውን(ብ ኣባላት ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ)ፍሉይ ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ።ናይ ምፍላይ መሰልን ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ ዓመጸኛ ሓለዋ ብ ፖሊስ ክግበረላን ኣብ ን ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝተዳለወ መዕቆቢ ትሰፍር/ትጽመጥ፣-ግዳያት ዓመጽ።ካብ ዓመጸኛ ድማ ብምስጢር ትነብር ሕክምናውን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛት ድማ ትረክብ።
ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ሓታቲት ዑቅባ ምስእተኸውን ጠለብ ዑቅባኣ ኣብ ድልየታ ዝተሞርኮሰ ብፍሉይ ይምርመር።ድሮ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህባ ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ኣብ ኢጣልያ ምስ ዝህልዋ ብፍሉይ ካብ ኣባላት ስድራቤት ወጻኢ መንበሪ ፍቃድ ክሕደስ ይኽእል።እዚ ድማ ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ብ ስድራቤታዊ ጥርናፈ መንበሪ ፍቃድ ዝረኸባ የጠቃልል።
ሓገዝ ክትሓተለን ትኽእል ማሕበራት፡
ናብ ቸንትሮ ኣንቲቭዮለንዛ ደውል’ነጻ መስመር፡ 1522(24/7) እዚ መሰመር ቀጥታ ምስ ተረኛ የራኽበካ።
ሕጋዊ ምኽሪ ምስ እትደሊ፡
ማሕበር ጠበቃታት ደቀንስትዮ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታት ኢጣልያ ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎትን ፣ስነ ኣእምራዊ ምኽርታትን፣ ምኽሪ ኣብ እዋን ናይ ኣእምሮ ነውጺ ይህብ።
እንተደኣ ደቀንስትዮ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ግዳይ ኮይና ፡ ማለት ድማ ተመዝሚዛ፣ ብምትላል ወይ ምግዳድ፣ ንምንዝርና ናይ ጉልበት ስራሕ፣ ወይ ኣብ ዘይትደልዮ ካልኦት ንጥፈታት ተወፊራ፡ ሓለዋ ክትረክብ ሙሉእ መሰል ኣለዋ። ሓታትቲት ዑቅባ ትኹን ፣ ወይ መንበሪ ይሃልዋ፣ ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ እንተኾይና ሓለዋ ክትረክብ ይግባእ፣ ኣብ ውሑስ ቦታ ትቅመጥ፣ ሕክምናውን ስነ ኣእምራውን ሕጋውን ሓገዛት ድማ ትረክብ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ግዝያዊ መንበሪ ድማ ይወሃባ፣ ኣንጻር እቶም ገበነኛታት ድማ ሕጋዊ መስርሕ ከተካይድ ድማ ኣድላይ ምትሕብባር ይግበረላ።መደብ ሓለዋ ንግዳያትን ድማ የካትት።
እንተደኣ ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ ኮንካ ተገዲድካ ብዝገበርካዮም ነገራት ኣይትሕተትን።
ኣዋልድ ድሌታተን ምርኩስ ብምግባር ዕድልትምህርቲ ይህልወን።መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታዊ ኮይኑ ፣ ኣዋልድ ደረጃ ዑቅባ ብዘየገድስ ክምዝገባን ክመሃራን ይግባእ።ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድማ ከም ሓተትቲ ዑቅባን ፣ ደረጃ ዑቅባ/ሓለዋ ዘለወን ክመርጻን ክኸዳን ይኽእላ።ደቀንስትዮ ስደተኛታት ድማ ብመሰረት ምርጫን መምዘኒታት ናይ ዩኒቨርሲቲ ክመሃራ ይኽእላ።
ህጻናትን ኣወዳትን
ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ 18 ዝርከብ ብ መሰረት ሕጊ ኢጣልያ ህጻን እዩ።ኣብ መስርሕ ዑቅባን ስደትን ህጻናት ከም ብ ቀሊሉ ተጠቃዕቲ ጉጅለ ይፍለጡ፣ወላኳ ምስ ስድራቤቶም ወይ መቅርቦም ይሃልዉ ፡ፍሉይ መሰል ናይ ሓለዋ ኣለዎም።
ብ ስም ህጻን ዓለምለኻዊ ጠለብ ዑቅባ ምቅራብ ን ዋሕስ ናይቲ ሕጻን ይምልከት።አዚ ድማ ወለዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ህጻን ዝወስድ ሰብ ይኸውን።ጠለብ ዑቅባ ናይቲ ህጻን ድማ ምስ ናይ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ጠለብ ዑቅባ ዝተኻተተ ይኸውን።
ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባ ህጻናት ካብ ወለድን መቅርብን ክፍለዩ የብሎምን።እዚ ድማ ነቲ ህጻን ምስ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ምዃን ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምስ ዝኸውን እዩ።
ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስ ዝኸውን ግን ሰብ መዚ መዕረፊ ማእከል ን ዚምልከቶ ኣካል ብ ምሕባር ነቲ ህጻን ኣብ ውሑስ ቦታ ከንብርዎ ይግባእ።ህጻናት ካብ ወለዲ ወይ ድማ መቅርብ ዝተፈልየ ናይ ባዕሎም ቀረብን መሳለጥን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ኩሎም ህጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ፣ ሓተትቲ ዑቅባ፣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፣ ግዝያዊ መንበሪ ዝተዋህቦምን መሰላት ናይ ክንክን ጥዕና ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ኩነታት ፣ ልክዕ ከም ኢጣልያዊ ዜጋ ይህልዎ።
ኩሎም ህጻናት ናይ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም፡ሓተትቲ ዑቅባ፣ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም፣ግዝያዊ መንበሪ ብ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ዝተዋህቦምን የጠቃልል።ህጻናት- ሓተትቲ ዑቅባ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ካብ ዘቅርቡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ይግባእ።እቲ ቛንቛ ኢጣልያ ምስ ዘይዛረብ ፣መባእታዊ ምድላው ን ቛንቛ ኮርሳት ይውሃቦ፣ብተወሳኺ ድማ ናይ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ኮርሳት የጥቃልል።ከም ህጻን ገምጋማዊ መርመራታት ኣይግበረሎምን(ትምህርቲ ዝተኸታተሉ ኮይኖም ግን ነጥቢ ዘይረኸቡ)።
መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ኢጣልያ ግዴታዊ ኢዩ።ኣብ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዝጀመረ ቅድሚ ትምህርቲ ኣብ ኢጣልያ ምቅጻሉ ፈተናታት ይወሃቦ።ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽብዎ እቲ ህጻን ኣድማዕነቱ ተራእዩ ሓደ ክፍሊ ንታሕቲ ክምዝገብ ይኽእል።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ፣ግዴታዊ ኣይኮነን እንተኾነ ግን ድሌት ዘለዎ ህጻን ን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክቅጽል መሰል ኣለዎ።ህጻናት ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ይደልዩ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም ፣ እንተኾነ ግን ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ውጺኢት ብምርኣይ ይኸውን።እንተደኣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ጀሚርካ፣ ክትቅጽሎ መሰል ኣሎካ፣ ወላውን ዕድመ እንተደፋእካ/ዝዓበኻ እንተኾንካ።
ህጻናት ኣብ ትሕቲ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዘለውን ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ፡ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ክመሃሩ ይግባእ። ናይ ቅድመ ትምህርቲ ህጻናት ፡ ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ(ሓተቲ ዑቅባ) መውዓሊ ህጻናት ክከታተሉ ኣይክእሉን።ብሓፈሻ ግን ፣ንክንክን ህጻናት ዝምልከት ፡ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ሓገዛት ይረኽቡ።
እቲ ዋና ማሕበር መሰላት ከም ህጻን ምስ ወላዲ ይኹን ብዘይ ወላዲ ድማ ተጠባባቂ ህጻናትን ዓበይትን እዩ፡
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን፡
ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት
ትሕቲ 18 ዓመት ኮንካ ወላዲ ፣ቤተ ሰብ፣ ቤተ ዘመድ፣ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት (unaccompanied minor) ይበሃል።ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ን ሓደጋ ዝተቃለዑ ኮይኖም ናይ ዝተፈልየ ሓለዋ መሰል ኣለዎም።ኣብ መዕረፊ ማእከል ከም ትሕቲ ዕድመ ህጻን መጠን ካብ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቅባ ዝተፈልየ ቀረብን መሳለጥያን ይወሃበካ። ንኣላይ ዘብሎም ዝተዳለወ መንበሪ ፍቃድ ድማ ይረኽቡ ፡እዚ ወላ እኳ ብዘይ ብቁዕ ዶኩመንት ይእተዉ ትሕቲ ዕድመ ስለዝኾኑ ጥራይ መንበሪ ፍቃድ ይወሃቦም።
“ናይ ሓለዋ ስጉምትታት ናላይ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ 6ግንቦት 2017 ሓድሽ ሕጊ ወጺኡ ፡(ሕጊ ቁ.47/17) ኣብ ኢጣልያ ድማ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ድማ ፥
- ንኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ጉዳይ መስርሕ መንበሪ የቃልል፡ እዚ ድማ ዑቅባ ንዘይሓቱ ኣላይ ዘይብሎም ይኸውን ፡18 ዓመት ምስ መልኡ ድማ ናይ ስራሕ ፍቃድ ይህብ።
- ወለንተኛታት ኣለይቲ የዳሉ እሳቶም ብፍሉይ ዞባዊ ተጠባባቂ ትካልዝሰልጠኑ ኮይኖም ብዝምልከቶም ኣብያተ ፍርዲ ይፍጸሙ።
- ኣብ ዶብ ድማ ኣላይ ዘብሎም ህጻናት ንኸይምለሱ ይኽልክል።
- ናይቲ ህጻን ድሌት እንተኾይኑ ናይ ወለንታዊ ምምላስ መስርሕ ብቤት ፍርዲ እንተተደጊፉ የቀላጥፍ፣ ብተመሳሳሊ ድማ ጥርናፈ ስድራቤት እንተተደልዩ ይተሓባበር ፣ ሓፈሻዊ ኩነታት ናይ ስድራቤት ህጻን ምስ ኣላይ ብምትሕብባር የጻሪ፣ ብተወሳኺ ኩነታት ህጻን ኣብ ኢጣልያ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ድማ ፡: ተወከስ።
ኣብ መዕረፊ ማእከል ከም ትሕቲ ዕድመ ህጻን መጠን ካብ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቅባ ዝተፈልየ ቀረብን መሳለጥያን ይወሃበካ።ኣብ ኢጣልያ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣባይቲ ማሕበራዊ ሓገዛት ንህጻናትን መንእሰያትን ዝተባህለ ቀረብ መንበርን መሳለጥን ይህልወካ። ማእከል ህጻናትን መንእሰያትን ክፉት ማእከል ኮይኑ ብ ፍሉይ ካብ ወለዶም ብ ዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈልዩን ምስ ስድራቤት ክነብሩ ዝተጸገሙን ዝነብርሉ ማእከል ኢዩ።
ኣገዳሲ ፡ ኣብ ኢጣልያ ምስ ኣተኻ ብዛዕባ ሕጋዊ መስርሕን መሰላትካን ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ።
ሓላፍነት ናይ ወላዲ ዝወስድ ዋሕስ/ኣላይ (guardian)ይህልወካ።እሱ ድማ ኣብ ንዓኻ ዝጠቅም ውሳነታት ይሳተፍ።ኣብ ዝውስነልካ ጉዳያት ድማ ክትሕበርን ክትሕተትን መሰል ይህልወካ፣እዚ ድማ ኣብ ኢጣልያ ጠለብ ዑቅባ ምስእትደሊ ይኸውን።ዋሕስካ ድማ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትካ፣ዝወሃበካ ኣገልግሎት፣እንታይ ዕድላት ይህልወካን ናይ ምሕባር ግደታ ይህልዎ። ኣብ 2017 ኣብ ኢጣልያ ሕጊ ሓሊፉ፡ ገለ ካብኡ ድማ ሕጋዊ ኣላይ ንኣላይ ዘይብሎም ።ዝኾነ ዜጋ ድማ ዝተዳለወ ስልጠናታት ብምውሳድ
ኣላይ ክኸውን ይኽእል፡ ገለ ካብኡ ድማ ውሕስነት መሰላቶም የረጋግጽ፣ ኣብ መዕረፊ ማእከላት ዘሎ ኩነታት ይከታተሉ፣ ሓፈሻዊ ኩነታቱ ይከታተሉ ፡ ትምህርቱ፣ ናይ ምውህሃድ ክእለቱ የተባብዕ።እንተኾነ ግን ዝኾነ ወጻኢታት ኣይሽፍንን።
ኣገዳሲ፡ ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ሕቶ ዑቅባ ኣላይ ዘብሎም ብ ኣላይ ክረጋገጽ ይግባእ።(እቲ ህጻን ኣቀዲሙ ሓቲቱ እንተጸንሑ ፡እቲ መስርሕ ደው ክብል ይግበር ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ንቤት ፍርዲ ህጻናት ይሕብር።
ስድራቤትካ ኣብ ሃገርካ ይሃልዉ፣ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር፣ ምስ ስድራቤትካ ዳግም ክትጥርነፍ መሰል ኣሎካ። ኣብ ኢጣልያ እንከሎኻ ፣ብተወሳኺ ምስ ስድራቤትካ ቀጻሊ ክትራኸብ መሰል ኣሎካ።
እንተደኣ ዑቅባ ክትሓትት ወሲንካ ፣ ሕቶ ጠለብካ ቀዳምነት ይወሃበካ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣላይ ዘይብሎም ናይ መንእሰያት ቤት ፍርዲ ይቀርብ። ናይቲ ዞባ ኮምሽን ጠለብካ ይምርምር፣ ቃለመሕትት እውን የዳሉ፡(9-12 ወርሒ ካብ ናይ ፈለማ ናይ ሕቶ ግዜ)።ኣላይኻ ድማ ነቲ ቃለ መሕትት ከዳልወካ ይግባእ፣ ኣብ ግዜ ቃለ መሕትት ድማ ክርከብ ይግባእ።ብቋንቋኻ ክትዛረብን ተርጓሚ ክዳለወልካ መሰል ኣለካ።
ከም ኣላይ ዘይብሉ (ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ) ፡ከም ዜጋ ኢጣልያ ማዕረ ናይ ክንክን ጥዕና መሰል ኣለካ።
ክትመሃር እውን መሰል ኣለካ ፡ ፣ ብመሰረት ዕድመን ዝንባለን ድማ ይኸውን። ካብ ክንደይ ክፍለ-ትምህርቲ ከምእትጅምር ፣ ናይ ዝሓለፈ ውጺኢትካ ይምርመር።ተወሳኺ ትምህርቲ ብዛዕባ ቋንቋ ጥልያን ድማ ብ ዞባዊ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ/CPIA ይዳለወልካ።
ኣብ መዕረፊ ማእከል ድማ ክሳብ ክልል ዕድመ 18 ፈረቃን ትጸንሕ። ምስ ኣለይቲ ኮማት ድማ ክሳብ ትምህርትኻ ትውድእ፣ እንተኾነ ግን ካብ 21 ዓመት ዕድመ ኣይሓልፍን።
እቲ ዝውሰኽ ግዜ ድማ ፕሮሲጉ ኣሚንስትራቲቮ/PROSIEGUE AMMINSTRATIVO ተባሂሉ ይጽዋዕ።እዚ ዕድል ምውሳኽ ናይ ግዜ ድማ ክሳብ ዕድመ 21 ክትምሃር ይፈቅደልካ፡ ብድሕሪኡ ድማ ናይ ባዕልኻ መንበሪ ክትረክብ ይግባእ፡ መሰል ስራሕ እውን ይህልወካ። ቅድሚ ካብቲ ማእከል ምስንባትካ ኣባላት ናይቲ ማእከልን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ስራሕ ኣብ ምድላይ ይተሓባበራኻ።
ክሳብ ኣብ ኢጣልያ ዝሃለኻ (ደረጃ ዑቅባኻ ብዘየገድስ) ፡መሰል ናይ ስነኣእምራዊ ሓገዝን ደገፍን ኣልያን ኣብ ድሌትካ ዝተመርኮሰ ይግበረልካ።ኣላይኻ ድማ ንስደተኛታት ዝሕግዙ ሰብ ሞያን ማሕበራትን ከራኽበካ ግዴታ ኣለዎ።
ካብ ስድራቤት ዝተፈልዩ ህጻናትን ወይ ድማ ብዘይ ኣባል ስድራቤት ዝጓዓዙን ግዳያት ናይ ሓደጋ ንግዲ ወዲ ሰብ ሙዃኖም ይእመኖሎም።እዚ ማለት ድማ ን ምስጋግር፣ምምዝማዝ ህጻናትን መእሰያትን ብ ግዴታ ይኹን ብ ዓፈና ን ስራሕ ፣ምንዝርና ፣ለመና ወይ ድማ ካልኣት ገበናዊ ንጥፈታት የጠቃልል።ሰብ መዚ ፖሊስ ፣ማሕበራት ሰራሕተኛታት፣ከምእውን ዋሕስካ ድማ እዚ ገበናት ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ ንኸይከውን ብምርግጋጽ ኣድላይ ሓገዛት ይገብሩልካ።
ኣብ ህጹጽ እዋን ንመን ትድውል/ትረክብ?
ካራቢነሪ ፡ 112
ፖሊስ ፡ 113
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን ፡
ፖሊሲታትን ንጥፈታትን ናይ ኣላይ ዘይብሎም ኣብ ኢጣልያ፡
ስድራቤታት
ስድራቤታት ናይ ጥርናፈን ብሓባር ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም።ሓተትቲ ዑቅባ ስድራቤታት ናይ ሓባር መንበርን ቀረብን ኣብ መዕረፊ ማእከል ይዳለወሎም።ልዕሊ 18 ዓመት ኣባላት ስድራቤት በብውልቆም ዑቅባ ይሓቱ፣ ሕቶ ዑቅባ ትሕቲ ዕድመ ኣባላት ስድራቤት ድማ ምስ ናይ ወለዲ ጠለብ ዑቅባ ይጠቃለል።ውልቂ ስድራቤታት ምስ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ድማ ን ሓደጋ ዝተቃልዑ ስለ ዝኾኑ ፍሉይ ሓለዋ ይግበረሎም።ሓተትቲ ዑቅባ ምስ ዝኾኑ ድማ ናይ ውልቆም መንበሪ ካብ ዓበይቲ ነበርቲ ዝተፈልየ ይወሃቦም።
ኣብ ኢጣልያ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንተ ተዋሂቡካ ፡ስድራቤትካ ድማ ኣብ መቆል ሃገርካ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ሃገር እንተደኣ ኣለዉ መሰል ናይ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣሎካ።ክትጥርንፎም ትኽእል ኣባላት ስድራቤትካ ብ መሰረት ሕጊ ሃገረ ኢጣልያ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣
- በዓል ቤት ወይ ድማ በዓልቲ ቤት ምርዕው/ምርዕውቲ እንተኾንካ፣ናይ ህይወት ብጻይ/ብጸይቲ ኣብ ኢጣልያ ፣ ብሕጊ መሰረት ናይ ህይወት መጻምድቲ ይበሃል።
- ናትካ ወይ ድማ ናይ በዓልቲቤትካ ውላድ /ዘዕብኻዮ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ዓበይቲ ልዕሊ 18 ዓመት ምርዕዋት እንተዘይኮይኖም
- ህጻን(ትሕቲ 18 ዓመት) እንተኾንካ ወለድኻ፣ሕጋዊ ሞግዚት(ከም ወላዲ ዝሕሰብ ኣባኻ ዝተመርኮሰ)
- ናይ ቐረባ ቤተሰብ(ዓበይቲ ወለዲ ፡ን ኣብነት)ብ ሓደ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ዝነበርካን ብ መንገድኻ ዝእለዩ።
ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ዘመልክት ሰብ እዞም ዝስዕቡ መምዘኒታት ከማልእ ይግባእ፥
- መንበሪ ገዛ ብመሰረት መምዘኒ ስፍሓት መንበሪ ናይ ዞባዊ ሕጊ ህዝባዊ ኣባይቲ
- ዓመታዊ ጠቅላላ ኣታዊ ካብዚ ዝስዕብ ዘይውሕድ
5.818,93 ዩሮ (ንሓደ ሰብ)
8,728.39 ዩሮ(ንጥርናፈ ሓደ ጽግዕተኛ ኣባል ስድራቤት)
11,637.86 ዩሮ (ንጥርናፈ ክልተ ጽግዕተኛታት ኣባላት ስድራቤት)
14,547.79 ዩሮ (ንጥርናፈ ሰለስተ ጽግዕተኛታት ኣባላት ስድራቤት)
17,456.79 ዩሮ (ንጥርናፈ ኣርባዕተ ጽግዕተኛታት ኣባላት ስድራቤት)
ጥርናፈ ስድራቤት ሕጋዊ፣ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ዘለዎን ከቢድን ግዜ ዝወስድን እዩ።ምኽሪ ካብ ዝምልከቶም ማሕበራት ምርካብ ኣገዳሲ ኮይኑ እዚ ድማ መስርሕ ጥርናፈ ጌጋታት ሕልኽላኻት ንኸየጋጥም እዩ።
ናይ ሓደ እዋን ዕዳጋ ንስደተኛታት / One Stop Shop for Immigration:
ሲንዲኬት Sindacate INCA:
ስንክልና ዘለዎም ሰባት
ስንክልና ዘለዎም ሰባት ማለት ናይ ነዊሕ ኣካላዊ፣ስነ ኣእሙራዊ ናይ ብልሒ ምምዝባላት ዘለዎም ኢዮም።እዚ ድማ ዓረቢያ ስንክልና(wheelchair)ተጠቀምትን ካልእ ናይ ምንቅስቃስ ጸገም ዘለዎም ሰባት፣ዓይነ ስውራን፣ጸማማትን፣ ናይ ሓንጎል ጸገም፣ወይ ድማ ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት የጠቃልል።
ስንክልና ዘለዎም ሰባት ን ሓደጋ ዝተቃልዑ እዮም ፡ስለዝኾነ ድማ ብ ፍሉይ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።እዚ ማለት ድማ ናይ ምእንጋድ መሰሎም ዝተሓለወ ክኸውን ይግባእ፣ዑቅባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ካብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ሓተትቲ ዑቅባ ብዝተፈልየ ኣገባብ ይኸውን።ውሕስነት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ፡ስንክልና፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ጥዕናን ስንክልና ኣእምሮ ኣገዳሲ ውሳኔታ ኣብ ናቶም ዝንባለ ምስ ህይወቶም ዝተኣኣሳሰር ን ክገብሩ የጸግሞም።ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚታት ብሕጊ ዓቅሞም ድሩት ኪኸውን ይግበር።
እዞም ሰባት እዚኦም ሕጋዊ ሞግዚት ክህልዎም ይግባእ፣እዚ ድማ ኣገዳሲ ውሳኔትት ን ኽገብሩን ምስ ናቶም ዝንባሌ ዝኸይድ ኣብ ናይ ዑቅባ ውሳኔ መስርሕ ክሳተፉን ኣሎውም ነቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብምትካእ ሞግዚት ዓቢ ተራ ኣለዎ።
ኣገዳሲ፡ ሕጋዊ ሞግዚት ፡ኣብመስርሕ ውሳኔ ናይ ዑቅባ ብንጥፈት ክሳተፍ ይግበኦ፣ እንተኾነ ግን ክንዲ እቲ ስንክልና ዘለዎ ሓታቲዑቅባ ክዋሳእ ኣይክእልን እዩ።
ሕጋዊ ዓቅሚ ምእጋድ ተነቃፊ ክሳብ ዝኾነ ፡ሓገዝ ዘድልዮም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ ሕጋዊ ሓገዛት ክግበረሎም ኣድላይ ምትሕብባር ክንገብር ይግባእ። ብተወሳኺ ማሕበራት ናይ ስንክልና
ዘለዎም ሰባት ከምእውን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ምኽርን ሓገዛትን ዝህባ ኣለዋ፡ ሃገራዊ ማሕበር ንደገፍን ምክልኻልን መሰላት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ፡ ኣብ ኢጣልያ ድማ እቲ ንሓለዋን ሰብኣዊ መሰላትን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝጣበቅ ማሕበር እዩ። ብተወሳኺ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ማሕበራት እውን ኣብዚ መዳይ ይነጥፋ፡
ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኩነታቱ ኣብ ግምት ዘእተወ መሰልናይ ክንክን ጥዕና ኣለዎ፡እዚ ድማ ን ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣብ ኢጣልያ ዝተዋህቦ ሰብ ብ ሓደ ይምልከት።
ዕድመ ምርኩስ ብ ምግባር ልክዕ ከም ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦ ሰብን ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎካ።እዚ ማለት ድማ ከ ሓታቲ ዑቅባ ፡ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ናይ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም።ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከም ናይ ኢጣልያ ዜጋ መሰላት ትምህርቲ ኣለዎም።
መባእታዊ ትምህርቲ ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት ግደታዊ እዩ ፡ሊንክ ናብ ትምህርቲ ስንክልና ዘለዎም መእሰያትን ህጻናትን መሰላት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲ ዕድላትን ኣለዎም።ኣብ ኢጣልያ መስርሕ ትምህርቲ ን ስንክልና ዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መስርሕ ምስትምሃር ብቀጻልነት ብግቡእ ንክመሃሩን ክርድኡን ሓገዝ ይግበረሎም።
ኣብ ኢጣልያ ስንክልና ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ስራሕ ኣለዎም፡እዚ ድማ ን ሓተትቲ ዑቅባን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ ሰባት የጠቃልል፣ሕጊ ዝጠልቦ ኩነታት ከማልኡ ድማ ይህልዎም።
ስንክልና ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበ ሰብ እንተኾይኑ መምዘኒታት ስራሕ ን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ተመራጺ ይኸውን።እዚ ሓበሬታ ድማ ካብ ሕዝባዊ ናይ ዕዮ ኣገልግሎት ወይ ድማ ማሕበራት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ይርከብ።
ኣፈላላይ ን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ኢጣልያ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።ስንክልና ዘለዎ ሰብ ናይ ኣፈላላይ ኩነት እንተ ኣጋጢምዎ ፣ማለት ካብ ስንክልና ዘይብሉ ሰብ ብዝተፈልየ መልክዕ እንተደኣ ተራእዩ ሓለዋ ክግበረሉ መሰል ይህልዎ።
ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ ናይ ጥርዓን ፋይል ን ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ማሕበር ን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክኸፍት ይኽእል።ወይ ድማ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ማሕበር ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ይግባእ።እንተኾነ ግን ፡ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ ንቋንቋኻ ክትርጉሙ ዝኽእሉ ተርጎምቲ ብ ቀሊሉ ክርከቡ ኣጸጋሚ እዩ።
ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ኣብ ደቂ ሰባት
ግዳያት ንግዲ ወዲ ሰብ ዝኾኑ ሰባት ማለት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ካልኦት ብ ምዃን ካብ ድሌቶም ወጻኢ ክምዝመዝዙን፣ኣብ ዘይደለይዎ ስራሕ ክዋፈሩን፣ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክሰርሑ ክግደዱን ማለት እዩ።
ግዳያት ክስልጥኑን ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ውን ክሽየጡን ይኽእሉ ፣እዚ ድማ ምብ ፈላጢኦም፣ ቤተ ዘመድ፣ ወይ ድማ ገበነኛ ጉጅለታት ይኸውን።ሓደ ሓደ እዋን ውን ጹቡቅ ክፍሊት ዘለዎ ክንረኽበልኩም ብ ምባል ናይ ሓሶት መብጽዓ ይወሃቦም።
መብዛሕትኡ እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይንቀሳቀሱ ወይ ውን ካብ ሩሑቅ ገጠራትን ከተማታትን። ነጋዶ ድቂ ሰብ ነቶም ግዳያት ሙሉእ ብ ሙሉእ ቁጽጽር የእትውዎም፣የገድድዎም፣ይጨውዮም፣የታልልዎም።ገንዘባዊ ዓቅሞምን ወረቀት መንነቶምን ይውሰዶም ምኽኒያቱ ምሉእ ብ ምሉእ ኣብ ትሕቲ ቶም ነጋዶ ደቂ ሰብ ን ክኾኑ ማለት እዩ።
ግዳያት ኣካላዊ ፣ጾታዊ ፣ስነ ኣእሙራዊ ኣመጽ የጋጥሞም፡ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ውን ዘደንዝዝ መድሃኒት ብ ምሃብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይእትዉ።ነጋዶ ደቂ ሰብ ንግዳያት ይምዝምዝዎም፣ናብ ካልኦት ድማ የሰጋግርዎም ፡እዚ ድማ ን ጉዱድ ስራሕ፣ ምንዝርና፣ካልእ ናይ ገበን ንጥፈታት ብዘይ ናቶምድሌት ከዋፍርዎም ይኽእሉ።
ደቀንስትዮን ህጻናትን ብፍላይ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ን ንግዲ ደቂ ሰብ ይርከቡ፡እንተኾነ ግን ደቂ ተባዕትዮ `ውን ን ግዱድ ስራሕ ክምዝመዙ ተኽእሎታት ኣሎ።ዝኾነ ሰብ ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ክኸውን ይኽእል።እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ፣ኣብ ዝበጽሖ መወዳእታ ሃገር ውን ከጋጥሞ ይኽእል።
ምኽሪ፡ ተጠንቀቅ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ናይ ትራንስፖርት ኣብ ዝህበሉ ግዜ ፣ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ ግዜ ስራሕ ክረኽበልካ ብ ዝብል ምስምስ ግዳያት ክኸውን ይኽእል።ወላ`ውን እቲ ሰብ ናይ ቀረባ በተ ሰብ ይኹን ልዑል ጥንቃቀ ኣድላይ ይኸውን ፡ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚ ብ ናይ ቀረባ ሰቦም ዝተጨውዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብ መስርሕ ዑቅባ ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ብ ፍሉይ ተጠቃዕቲ ምዃኖም ይእመን።መሰል ናይ ፍሉይ ሓለዋን ሓገዝን ከም ግዳያትንግዲ ደቂ ሰብ ካብ ዝተለለይሉ እዋን ይህልዎም።
ኣብ ኢጣልያ ሃገራዊ ትግባረ ፕላን ኣንጻር ንግዲ ደቂ ሰብን ምዝመዛ ደቂ ሰባትን ፡ ። እዚ መደብ ን ዝተፈላለዩ ትካላትን ማሕበራትን መስርሕ ንምክልኻልን ምልላይን ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰባት ይህብ።ነዚ ተበግሶ ናይ ሓለዋ ዘካይዱ ኣካላት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ኣባላት መዕረፊ ማእከል፣ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ወይውን ኣብ ሜዳ ብሓባር ኣብ ግዝኣት ኢጣልያ ዝሰርሑን እዮም።
ግዳያት ደቂ ሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገድን ናይ ሕክምናዊ፣ስነ ኣእሙራዊ፣ማሕበራውን ሕጋውን ሓገዛት ካብ ግዳያት ምዃኖም ዝተለለይሉ እዋን ጀሚሩ ይግበረሎም።ነዚ ተበግሶ ናይ ሓለዋ ዘካይዱ ኣካላት ድማ ኣብላት ፖሊስ፣ኣባላት መዕረፊ ማእከል፣ዓለም ለኻውያን ማሕበራት፣ከም ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ቀይሕ መስቀል፣ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ወይውን ኣብ ሜዳ ዝሰርሑን እዮም።
ወጻእተኛታት ግዳያት ደቂ ሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገዲ ክጸንሑ መሰል ኣለዎም።ብተወሳኺ እቲ ዝተዳለወሎም መደብ ናይ ሓለዋ ክቅበሉ ከምዝደልዩን ክውሰኑ ይግባእ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ ብኣስገዳድ ክጥረዙ ኣይክእሉን።ኣብዚ እዋን ዚ እቲ ሰብ ክስጎግ ኣይኽእልን። ኣብ መደብ ሓለዋ ምስታፍ ድማ ወለንታዊ እዩ።ብዛዕባ እቲ መደብ፣ ዝህሉ ሓገዛት ን ኩነታት ብዝርደኦ ቋንቋ ምድላው እቲ ግዳይ ሓበሬታ ይወሃቦ።ብዘይ ናቲ ግዳይ ስምምዕ ዝኾነ ውሳኔ ብዛዕብኡ ክውሰን ኣይግባእን።ግዳይ ኣብ መደብ ናይ ሓለዋ ፕሮግራም ክኣቱ ፍቃደኛ እንተኾይኑ ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይወሃቦ፡ እቲ መንበሪ ካብኡ ን ላዕሊ ክኸውን ይኽእል።
ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ ወላውን ምስ ፖሊስ ወይ ውን ምስ ናይ ሕጊ ኣካል ኣይተሓባበር መሰል ሓገዛትን ደገፍን ኣለዎ።መንነትን ሓበሬታ ናይ ግዳይ ድማ ብ ሚስጥር ይተሓዝ።ብ ነጋዶ ደቂ ሰብ ተገዲዶም ዝገበርዎ ገበናት ድማ ክቅጽዑን ክጭቆኑን የብሎምን።
ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ህጻን እንተኾይኑ ድማ ተወሳኺ ስጉምትታት ን ክትግበሩ ኣብ ግምት ይኣትዉ።ሕጋዊ ሞግዚት ብ ስድራቤታዊ ሓላፍነት ዝዋሳእ ይምዘዝ።ሕጋዊ ሞግዚት ድማ ኩሎም ውሳኔታት ን ረብሓ ናይቲ ሕጻን ከምዝተወሰኑ ከረጋግጽ ይግባእ።ብኩሉ መዳያት ናይቲ ሕጻን ድሌት ን ዝሚልከቶም ክሕብርን ከማኽርን ይግባእ።
ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዑቅባ ከቅርብ መሰል ኣለዎ።ናብ ቲ ዝመጽሉ ሃገር ሓደጋ ናይ ሞት፣ስቅያት፣ዘይሰብእዊ ኣተሓሕዛ፣መቅጻዕትን ካልእን ዘለዎ ክምለሱ ወይ ድማ ክጥረዙ ኣይክእሉን።እቲ ግዳይ ናብ ሃገሩ ወይድማ ናብ ካልእሃገር ክምለስ ክምለስ እንተኾይኑ ግን ዝምልከቶ ኣካል ናይ ፖሊስ ኣብቲ ሚንስትሪ ውሕስነት ናይ ምምላስ ከረጋግጽ ሓላፍነታዊ ግዴታ ኣለዎ።
ፍሉይ ነጻ መስመር ንምሕባር ኩነት ንግዲ ደቂ ሰብ ፡ 800-290-290 ፡ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣገልግሎት ይህብ ፣ 24 ሰዓት ክፉት እዩ ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕጋዊ ውሕስነት ይህብ፣ ናብ ዝምልከቶም ማሕበራዊ ሓገዝ ዝህቡ ማእከላት የሰጋግር።
ሓደጋ ዘጋጠሞም ህጻናት ናይ ህጹጽ ግዜ መስመር ፡114
ወብሳይት ድማ
ሓካይም ብዘይ ዶብ ፡ Doctors without borders:
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ
ስቅያት ክልኩልን ካብቶም ቀንዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።ስቅያት ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ስነኣእምሮን ኣካላውን ስቅያት ኮይኑ ብናይ ሃገር ወይ ድማ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ንዝተወሰነ ዕላማ ዝፍጸም እዩ።ኣካላዊ ስቅያት ብ መልክዕ ብርቱዕ ማህረምቲ፣አለክትሪክ ምንፍጥፋጥ፣ምቅጻል፣ምምካን፣ጾታዊ ኣመጽ፣ዓፈናን ካልእን የጠቃልል።እቲ ልሙድ ናይ ስነ ኣእምሮ ስቅያት ድማ ውርደት፣ተነጽሎ፣ምቅንጻልን ወይ ውን ሙቅራጽ፣ምፍርራሕ ፣ከምእውን ናይ ካሎት ስቅያት ምዕዛብ ዛመሰሉን ኢዮም።
ነቲ ስቅያት ዝፍጽሙ ኣካላት ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ሓለውቲ ቤት ማእሰርትን፣ወታሃደራዊ ሓይልታትን ሰበስልጣን መንግስትን እዮም።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውን እቶም
ኣካየድቲ ናይቲ ስቅያት ሰብ ሞያ ጥዕና፣ዶካትር፣ኣለይቲ ሕሙማት ወይ ድማ እሱራት ብጾት ብ ድፍኢትን ትእዛዝን ሓለፍቲ ክኸውን ይኽእል።
ኩነታት ምእንጋድን መስርሕ ዑቅባን ን ግዳያት ስቅያት
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ኣብ መስርሕ ዑቅባ ን ሓደጋ ዝተቃልዑን ሓለዋ ክግበረሎም ድሌታቶም ክማላእን ይግባእ።ካብ ስቅያት ምድሓን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ከውህብ ይኽእል። ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ፡ ኣብ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ን ካብ ስቅያት ዝደሓኑ፣ካብ ጾታዊ ኣመጽ፣ከምእውን ካልኦት ዓይነት ስነኣእምርሮ ፣ኣካላዊ፣ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣድላይ ሓገዛት እንተዘየልዮም ናይ ዶብን ዝተቀላጠፈ መስርሕ ኣይጥቀምን እዩ።
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ምቹእ ናይ ምቅባል/መዕረፊ ኩነታት መሰል ኣለዎም።እዚ ማለት ድማ ሙሉእ ቀረብ ናይ ሕክምናዊ፣ናይ ስነኣእምሮ ተሃድሶ ኣገልግሎት ናይ ሕጊ ሓገዝ ፡ብመሰረት ውልቃዊ ድሌታቶም ክህልዎም ይግባእ።ኣብ ኢጣልያ ሓገዛት ካብ ምንስትሪ ጥዕና ይርከብ ፡ ፡ ኣብ ኢጣልያ ከም ሉሙድ እዚ ዓይነት ሓገዛት ካብ ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ይርከብ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ናይ ካብ ዝደሓነ ሰብ ጸብጻብ ሕክምናን ስነኣእምሮ ሓገዛት ን ናይ ዑቅባ መስርሕ ን ምቅልጣፍ ይድመር።እዚ ጸብጻባት ከም ሰነድን መረጋገጽን ናይ ኣካላዊ፣ ስነኣእምሮ ስቅያትን ናይቲ ካብ ስቅያት ዝደሓነ ውጺኢት ይኸውን።ብ ክኢላታት ይጻሓፍ ፡ብ ልምዲ ናይ ስነኣእምሮ፣ዶካትር ሕክምናን ይኸውን።ነቲ ጸብጻብ ን ምቅራብ ናይ ሓታቲ ዑቅባ ሙሉእ ደገፍን ስምምዕን ክህሉ ይግባእ።
ፍሉይ ኩነታትን፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን፣ ሓገዛትን ንLGBTI እንታይ ይመስል?
LGBTI
LGBTI ማለት ለስቢያን፣ግብረሰዶማዊ፣ክልተጾታዊ፣ጾታዝቀየረ፣ኢንተርሰክስ ሰባት(LGBTI)ማለት እዩ። LGBTI ሰባት ፍሉይ መዕረፊ ቦታን /ባይታ ን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣለዎም።ናይ ኢጣልያ ሕጊ ጾታዊ ሌላ ዘለዎም ሰባት ዓለምለኻዊ ዑቅባ ብፍሉይ ውሕስነትን ኣብ መቀበሊ ማእከልን መስርሕ ዑቅባን ይህብ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ንክፍጸም ወይ ክትግበር ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
ኣፈላላይ ብ ሰንኪ ጾታዊ ሌላ ብ ሕጊ ኢጣልያ ዝተኸልከለ እዩ።ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ እንተኾንካ ካብ ናይ LGBTI ማሕበራት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ገለ ካብኣቶም ናይ ሕጊ ሓገዛትን ስነ ኣእሙራዊ ምኽርን ይህቡ፡ ከም ARCI ግብረሰዶም ኣብ ከተማታት ኢጣልያ ድማ ሰፊሕ መርበባት ኣለዎ።
ኢጣልያ ፣ ብሓፈሻ ናይ ንLGBTI መሰላትን ናጽነትን ብዝምልከት ዛጊት ከም ዓቃባዊት ሃገር እያ ትፍለጥ ፡እንተኾነ ግን ኣተሓሳስባ ህዝቢ እንዳተቀየረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ 2015 ሕጊ ፡ ኣንጻር ጽልእን ሌላን LGBTI ተነዲፉ። ሓደ ዓይነት ጾታ መጻምድቲ ሕጋውያን ምዝጉባትን ኮይኖም ፡ ከም መጻምድቲ ድማ ኣፍልጦ ይረኽቡ ።በዚ መሰረት ሓደ ዓይነት መሰላት ከም ምርዑዋት ይህልዎም። እንተኾነ ግን ፡ናይ ሓደ ካብኦም ውላድ እንተዘይኮይኑ ፡ ህጻን ከዕብዩ ኣይፍቀድን ።
