Education system in Italy
ስርዓተ ትምህርቲ ኢጣልያ
ኣብ ኢጣልያ ናይ ግሊ ከምእውን ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ይርከብ። ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንህጻናት ናይ ዝኾነ ሃገር ዜጋታት ዝወሃብ ኮይኑ ካብ 6-16 ክልል ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ግዴታዊ እዩ።
ስርዓተ ትምህርቲ ኢጣልያ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት ይኽፈል፦
- መዋእለ ህጻናት Kindergarten (Scuola Dell’Infanzia),
- መባእታ ትምህርቲPrimary School (Scuola Primaria or Scuola Elementare),
- ማእከላይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Scuola Secondaria di Primo Grado or Scuola Media Inferiore),
- ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ (Scuola Secondaria di Secondo Grado or Scuola Media Superiore)
- ዩኒቨርሲቲ University (Università)
ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምርቲ ኣብ ሰለስተ ምድባት ይኽፈሉ፦
- ኣብ Liceo (Lyceum) ዓውደ ትምህርቲ ብክልሰ ሓሳብ ዝወሃብ ኮይኑ መጽናዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ የጠቃልል፡ (ሰብኣዊ፣ ሳይንስ፣ ስነጥበብ ወዘተ)።
- ቴክኒካዊ ትምህርቲ (Istituto Tecnico) ተክኒካዊ ቤት ትምህርቲ ሰፊሕ ክልሰ ሓሳባውን ግብራውን ትምህርቲ ኣብ ዝተፈልዩ ዓውድታት ፡ (ንኣብነት ቁጠባ፣ ሰብኣዊ ፣ምምሕዳር፣ ሕጊ፣ ተክኖሎጂ ) ናይ ሹድሽተ ኣዋርሕ ምውህሃድ ናይ ኢንተርንሺፕ ምስ ትካላት ፣ ማሕበራት ወይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መወዳእታ ምፍጻም ሓምሻይ ዓመት ይህብ።
- ሞያዊ ትካል ትምህርቲ ፡ ኣብ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተለለየ ዓይነት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ብዝያዳ ኣብ ግብራዊ ዓውድታት ትምህርቲ ከም ኢንጂነሪንግ፣ ሕርሻ፣ ተክኒካዊ ሓገዝ ኢደ ጥበብ ወዘተ ዓውድታት ዘተኮረ ትምህርቲ ይህብ። ተማሃሮ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ብቀጥታ ስራሕ ኣብ ምድላይ ንኽዋፈሩ ይሕግዝ። ሓድሓደ እዋን ድማ ካብኡ ቀዲሙ ማለት ተመረቅቲ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዲፕሎማ ብምሓዝ፡ ምንም እኳ ምስ ካልእ ብምንጽጻር ዝተሓተ ደረጃ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ክደልዩ የኽእሎም።
ትምህርቲ ንዝተፈላለዩ ምድባት
ህጻናትን መንእሰያትን
ሕጊ ኢጣልያ ኩሎም ህጻናት ኢጣልያውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ክሳብ ክልል ዕድመ 16 ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክመሃሩን ክሳተፉን መሰል ከምዘለዎምን ግዴታዊ ምዃኑን ይሕብር። ኣላይ ዘይብሎም ሓተትቲ ዑቅባ ህጻናትን ሓተትቲ ዑቅባ ህጻናትን መሰል ትምህርቲ ይህልዎም፡ ብተወሳኺ ድማ ናይ ቋንቋ ኢጣልያ ትምህርቲ እውን ይወሃቦም። ኣብ ግዴታዊ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ ንምስታፍ/ንምእታው ዝኾነ ዓይነት ደረጃ ዑቅባ ኣይሓትትን ፡ብቀጥታዊ መንገዲ ድማ ክጽንበሩ ይኽእሉ። ብሃገር ደረጃ ድማ ዝኾነ መዳለዊ ቅድመ ትምህርቲ ኣየድልን ፡ እንተኾነ እቲ ትምህርታዊ መስርሕ ብበናእዊ መንገዲ ስለ ዝተነድፈ ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ክሕጉዙ ዝኽእሉ ተወሳኺ ትምህርቲ ክወሃብ ተኽእሎታት ኣሎ።
ዓበይቲ፦
ልዕሊ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኢጣልያውን ይኹኑ ወጻእተኛታት ኣብ CPIAs ማለት ዞባዊ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ ክምዝገቡ ይኽእሉ። እዞም ኣብያተ ትምህርቲ ብምንስትሪ ትምህርትን ከምእውን ትካላት ዩኒቨርሲቲን መጽናዕትን ዝተቋቆሙ እዮም።
ዞባዊ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ( CPIAs) እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ይህብ፡
- ስልጠናታት ትምህርቲ ቋንቋ ኢጣልያ
- ዲፕሎማ ኣብ መዳይ ሓጋዚ ትምህርቲ (‘Diploma di Scuola Secondaria di I grado’, ‘Licenza Media’)
መስርሕ ምምዕራይ ደረጃ ትምህርቲ ዲግሪ
እንተደኣ ደረጃ ዑቅባ ስደተኛ ኣሎካ ፡ ኣብ ዝነበርካሉ ሃገር ድማ ብደረጃ ዲግሪ ተመሪቅካ መስርሕ ብቁዕነት ደረጃ ዝህልወካ ዲግሪ ምጅማር ትኽእል። እዚ ድማ መርትዖ ምቅራብን ኣብ ኤምባሲ እታ ሃገር ድማ ሓበሬታ ንምርካብ ምውካስ የድሊ። ደረጃ ዲግሪ ኣብ ኢጣልያ ኣፍልጦ እንተረኺቡ ንምቅጻል ተመስሳሊ ትምህርቲ ጠለብ ምቅራብ ይከኣል። እዚ መስርሕ እዚ ድማ ቀሊል ከም ዘይኮነን ግዜ ክወስድ ከምዝኽእልን ምፍላጥ የድሊ። ኣድላይ ሓበሬታ ብቋንቋ ኢጣልያ ድማ ኣብዚ ሊንክ ምርካብ ይከኣል፡
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን፡
ምንጭታት/Sources:
https://en.wikipedia.org/wiki/Education_in_Italy
https://en.wikipedia.org/wiki/Secondary_education_in_Italy
http://milano.italianostranieri.org/en/post/what-is-the-cpia
ሕቶን መልስን
ዩኒቨርስቲ ብኸመይ ክኣቱ ይኽእል?
ሓሙሽተ ዓመት ዝወስደ ዝኾነ ናይ ላዕለዋይ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ናይ መዛዘሚ ፈተና (‘Esame di Maturità’ ወይ ‘Esame di Stato’) ይህብ። እዚ ፈተና ድማ ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን ዝወሃብ ኮይኑ ዩኒቨርስቲ ንምእታው ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ስልጠናታት ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ ( CPIAs) ብኸመይ ይሳተፍ?
ካብ 16 ዓመት ዕድመ ወይ ንላዕሊ ዘሎ ዝኾነ ሰብ ኣብ ስልጠናታት ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ( CPIAs) ንክምዝገብ ሙሉእ ዕድል ይህልዎ። ንምምዛጋብ ድማ ዘለካ ሰነድ ትምህርትን መለለይ መንነት ካርድን ከተቅርብ ይግባእ። እዚ ቡቅዕ መንበሪ ፍቃድ ምስ ዝህልወካ ይኸውን።
ንስልጠናታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ( CPIAs) ናይ ዓመተ ትምህርቲ 2018/19ንምምዝጋብ ደረት ግዜ ጠለብ ኣብ 31 ጥቅምቲ ይውዳእ። እንተኾነ ግን ግዜ ምስ ሓለፈ እንተደእ ተሓቢርካ ኣረኣእያታት ክህሉ ይኽእል። ነዚ ንምፍጻም ድማ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ( CPIAs) ስምን ከባቢ ወይ ዞባ ናይ እትነብረሉ ከባቢ ብምድላይ ምውካስ ይከኣል።
ዝስዕብ መስርሕ እንታይ ይመስል?
ክሰማማዓካ ዝኽእል ስልጠናታት ንምልላይ ምስ መምህራን ቃለ መሕትት ይካየድ። ኩሎም ስልጠናታት ድማ ብናጻ ክፍሊት ኮይኖም እትዕድጎ ናውቲ ትምህርቲ እውን ኣይህልውን።
ብመንገዲ ዝካየድ ቃለ መሕትትን መእተዊ ፈተናን ዝህልወካ ብቅዓትን ክእለትን ናይ ዝሓለፈ ስሩዕን ዘይ ስሩዕን ደረጃ ፍልጠትካ ፡ ሓላፍነት ወሲዶም ብዝሰርሑ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ( CPIAs) ዘድሊ ግምገማን መርመራን ይካየድ። እዚ ድማ ኣብ ዝወሃቡ ስልጠናታት ብቁዕነትካ ይሕብር፡ ዝጎድሉ ስልጠናታት ድማ ብኡ መንጹር ይረኣዩ።
ክረኽቦ ዝኽእል ምስክር ወረቀት እንታይ ይመስል?
ንቋንቋ ኢጣልያ ብዝምልከት ኣብ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ(‘Perugia University CELI’) ፈተና ኣብ ቤት ትምህርቲ ትወስድ። እዚ ድማ ናይ ቋንቋ ብቅዓትካ ዘርእይ/ዘመልክት ይኸውን።
ምስክር ወረቀት ካብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ (Scuola Secondaria di I grado – ‘Licenza Media’) ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመተ ትምህርቲ ትወስድ። እቶ ዝወሃቡ ዓውደ ትምህርታት ድማ ቋንቋ ኢጣልያ፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊ፣ ሕሳብ፣ ስነ ፍልጠትን፣ ሳይንስ፣ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ/IT ከምእውን ቋንቋ እንግሊዝኛ እዮም።
ዕድላት ሞያዊ ስልጠና ትምህርቲ ንምርካብ ምዝዛም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Licenza Media) የድሊ ዶ?
እወ ፡ ምዝዛም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Licenza Media) ናብ ዝቅጽል ደረጃ ትምህርቲ ንምስግጋር ኣድላይ ይኸውን።
ትምህርቲ ንምቕጻል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብኸመይ ክምዝገብ ይኽእል?
ድሕሪ ምዝዛም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Licenza Media) ናብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ (‘Liceo’ ወይ ‘Istituto Tecnico’) ብምምዝጋብ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ትምህርቲ ናብ ይኒቨርሲቲ ምጽንባር ይከኣል።
ክወሃቡ ዝኽእሉ ናይ ማዕዶ ትምህርቲ/ scholarships ዕድላት ኣለዉ ዶ?
ኣብ መላእ ኢጣልያ ነዚ ዕድላት ናይ ማዕዶ ትምህርቲ ዝህቡ ዩኒቨርሲታት ይርከቡ። ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ናይ ‘Borse di studio per studenti con status di titolari di protezione internazionale/rifugiati’ ምውካስ ይከኣል። ኣብ ዝስዕብ ሊንክ ድማ ዝያዳ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል፡