ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያ
ጂኦግራፋዊ ሓበሬታ
ክርዋትያ ኣብ ማእከላይን ደቡብምብራቕ ኣውሮፓ ትርከብ፡ ሃንጋሪ ብሰሜንምብራቕ፣ ሰርቢያ ብምብራቕ፣ ቦስንያሀርዞጎቪና ብደቡብምብራቕ፣ ከምእውን ስሎቬንያ ብሰሜንምዕራብ ትዳወብ።ዋና ከተማ ክርዋትያ ድማ ዛግረብ ትበሃል።
ግዝኣት ክርዋትያ ድማ 56,594 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ ፡ እዚ ድማ 56,414 ትርብዒት ኪሎሜተር ክፋል መሬት ኪኸውን ከሎ፣ 128 ትርብዒት ኪሎሜተር ድማ ማያዊ ክፋል እዩ።ደረጃ ብራኸ ድማ ካብ ኣኽራናት ዲናሪክ ኣልብስ ዝለዓለ ነጥቢ ናይ ዲናራ ጫፍ ናብ 1,831 ሜትራት ከባቢ ዶብ ቦስናሀርዞጎቪና ብደቡብ ወገን ክሳብ ኣድርያቲክ ባሕሪ ፣እዚ ድማ ክሳብ መላእ ዶብ ናይ ደቡብምብራቕ ይዝርጋሕ።
ክርዋትያ ኣሽሓት ደሴታት ትውንን፣ ብዕብየትን ዝርገሐን ይፈላለ፣ 48 ካብኣተን ንመዋእል ነባሪ ዘለወን እየን።እተን ዝዓበያ ደሴታት ክረስ ከምእውን ክርክ ይበሃላ፣ ነፍስወከፈን ናይ ከባቢ 405 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝርገሐ ኣለወን።
እቲ በሪኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ ህርቫስኮ ዛጎሬ ከምእውን ጎላጉል ስሎቨንያ ኣብ ምብራቕ ኣካል ናይ ፓኖንያን ጎዳጉዲ ኮይኖም ብብዙሓት ወሓይዝ ሩባታት ይራኸቡ፡ ገለ ካብኣቶም ዱናቭ፣ ድራቫ፣ ኩፓን ሳቫን። እቲ ኣብ ኣውሮፓ ብዕብየቱ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ሩባ ዱናቭ ብመንገዲ ከተማ ቩኮቫር ብምብራቕ ይሓልፍ ፡ምስ ገለ ክፋል ሃገረ ሰርቢያ ድማ ይዳወብ።ማእከላይን ደቡባውን ዞባታት ምስ ገማግም ኣድርያቲክ ባሕሪ ደሴታትን ዝዳወብ ድማ ፡ሓጸርቲ ኣኽራናትን ጫካ ዝዓብለሎ ከበሳታት ይርከቦ።
ነጻ ክራዋትያ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ትሳተፍ ድማ፡ ቅድሚ ዝሓለፈ 2 ዓሰርተ ዓመታት ካብ ፈደራላዊት ዩጎዝላቭያ ናጻ ብምውጻእ እያ ተመስሪታ።
ክሊማ
ዝበዝሐ ክፋል ክርዋትያ ማእከላይን ዉዑይን ከምእውን ዝናብ ዝዓብለሎ ክሊማ ኣለዎ።ኣብ ፍርቀ ወርሓዊ ዋዒ/temperature ካብ -3ዲግሪ ኣብ ወርሓ ጥሪ ክሳብ 18 ዲግሪ ኣብ ወርሓ ሓምለ ኣለዎ።
እቲ ቆራርን ዝሑልን ቦታታት ናይ ሃገር ክራውትያ ፡ኣኽራናት ዝርከቦ ቦታታት ናይ ጎርስኪ ኮታርን ሊካ በሮዳዊ ጫካታት ኮይኑ ልዕሊ 1200 ሜተር ብራኸ ኣለዎ።እቲ ውዑይ ቦታታት ድማ ገማግም ኣድርያቲክ እዩ።
ጸሓያዊ ክፋል ናይታ ሃገር ድማ ቃልዕ ድሴታት ናይ ህቫርን ኮርቹላ ኮይኑ ዓመታዊ ኣስታት 2700 ሰዓታት ናይ ጸሓይ ብራቕ ይምዝገብ፣ እዚ ድማ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ኣድርያቲክ ባሕሪ ብሓፈሻ ስሜናዊ ክፋል ገማግም ናይ ኣድሪያቲክ ዳርጋ ኩሉ ከባቢታት ልዕሊ 2000 ሰዓታት ናይ ጸሓይ ብራቅ ዓመታዊ የመዝግብ።
ዓመታዊ ዝርገሐ ዝናብ ድማ ካብ 600 ሚሊሊትር ከምእውን 3500 ሚሊሊትር ኣብ ጂኦግርራፊዊ ኣቀማምጣን ክሊማን ሙርኩስ ብምግባር ከምዝምዝገብ ይፍለጥ።እቲ ዝተሓተ ጠብታ ናይ ማይ ድማ ኣብ ወጻኢ ድሴታት (ቢሸቮ፣ላስቶቮ፣ ስቨታች፣ ቪስ) ከምእውን ምብራቃዊ ክፍላት ናይ ስሎቫንያ ፡እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ብብዝሒ፡ ኣብ እዋን ወቅቲ ናይ ዝናብ ወይ ክረምቲ ይረኣ።እቲ ዝለዓለ ጠብታ ናይ ማይ ድማ፡ ኣብ ዝርገሐ ኣኽራናት ዲናራ ከምእውን ጎርስኪ ኮታር ይምዝገብ።
ህዝቢ ኣብ ክርዋትያ
ኣብ 2016 ናይ ክርዋትያ ብዝሒ ህዝቢ ብገምጋም ኣስታት 4.19 ሚልዮን ኔሩ።ጻዕቂ ብዝሒ ህዝቢ ድማ 75.9 ተቅርማጦ ብ ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ኣብ 2016 ፡ሓፈሻዊ ናይ ብህይወት ምጽናሕ ትጽቢት ኣብ ትውልዲ ድማ ፡78.20 ዓመታት ኔሩ።ጠቅላላ ናይ ፍርያምነት ደረጃ ድማ 1.43 ህጻን ካብ ኣደ፣ እዚ ድማ ዝተሓተ ኣብ ዓለም ምዃኑ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2013፣ 17.6% ህዝቢ ናይ ክራዋትያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከምዝተወልዱ ይሕብር። ክርዋትያ ብብዝሒ ክርዋት(90.4%) ዝነብሩላ ሃገር እያ ፣ብተወሳኺ ድማ ብ ዓሌት ደረጃ ካብተን 6 ሃገራት ድሕሪ ምብትታን ዩጎዝላቪያ መብዛሕትኦም ሓደ ዓሌት ዝነብሩላ ሃገር እያ።ካልኦት ንኡሳን ዓሌታት ድማ ሰርብ(4.4%)፣ ቦዝንያውያን፣ ሃንጋሪያውያን፣ ኢጣልያውያን፣ ስሎቫውያን፣ ጀርመናውያን፣ ቸካውያን፣ ሮማውያን ከምእውን ካልኦት (5.9%) ዝነብሩላ ሃገር እያ።
ኣብ መወዳእታ 2017 ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም 369 ኔሮም፣ ከምእውን 116 ናይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ተዋሂብዎም። ዝበዝሑ ካብኣቶም ድማ ናይ ሱሪያ ከምእውን ዒራቅ ዜጋታት እዮም።እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ ከባቢ 1887 ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ መቀበሊ ማእከል ኔሮም። መብዛሕትኦም ድማ ካብ ኣፍጋኒስታን(617)፣ ፓኪስታን(255)፣ ሱርያ(215)፣ ቱርኪ(193)፣ ኣልጀርያ(100) ይኾኑ።
ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ወጻእተኛታት ኣብ ዋና ከተማ ዛግረብ ይነብሩ።ገለ ካብእቶም ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ይነብሩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ከተማታት ናይ ገማግም ባሕሪ ፣ስራሕን ናይ ቱሪስት ማእከላት ብዝህብዎም ናይ ስራሕ ዕድላት፡ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ይነብሩ።
ሓተትቲ ዑቅባ ድማ ኣብ ዛግረብ ከምእውን ኣብ ኩቲና ይነብሩ። ኩቲና ኣስታት 80 ኪ.ሜ ካብ ከተማ ዛግረብ ርሒቃ ትርከብ።
ቋንቋታት ኣብ ክርዋትያ
ቋንቋ ክርዋትያ ኣብ ክርዋትያ ወግዓዊ ቋንቋ ኮይኑ፡ ብተወሳኺውን ካብ ዓመተ 2013 ጀሚሩ ሓደ ካብቶም 24 ወግዓውያን ቋንቋታት ኣውሮፓዊ ሕብረት ምዃኑ ይፍለጥ።ቋንቋ ክርዋትያ ካብ ሳልቪክ ቋንቋ ዝፈለቀ ኮይኑ፡ ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ብደረጃ ዓለም ይዛረበሉ።
ቋንቋ ክርዋትያ ምስ ኣብ ሃገራት ዩጎዝላቪያ ነበር ፣ ብፍላይ ድማ ሰርብያ፣ ቦስኒያ፣ ሞንተነግሮ፣ ዝዝረብ ቋንቋታት ዝመሳሰል እዩ።ቋንቋ ክርዋትያ እንተደኣ ትዛረብ ኮንካ ፡ምስ ህዝቢ እዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ብቀሊሉ ክትረዳዳእን ክትዘራረብን ይከኣል።ብተወሳኺ ምስ ጉጅለ ቋንቋታት ስሎቨንያ፣ ማቅዶንያ፣ ቸክ፣ ስሎቫክ፣ ፖላንድ፣ ቡልጋርያ ከምእውን ሩስያ ኣብ ሓደ መደብ ይርከብ።እዞም ቋንቋታት ዝተፈላለዩ እኳ እንተኾኑ ቋንቋ ክርዋትያ ምዝራብ፡ ነዞም ቋንቋታት ብቀሊሉ ንምርዳእ ይከኣል።
ቋንቋ ክርዋትያ ብዝተፈላለዩ ላህጃዊ ቋንቋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክርዋትያ ይዝረብ።ስለዝኾነ ድማ ካብ ሓደ ቦታ ናይ ክርዋትያ ናብ ካልእ ሰባት ነሓድሕዶም ምርድዳእ ይጽገሙ።ደረጃ ዘለዎ ቋንቋ ክርዋትያ ግን ፡እቲ ብሰርብያውያን፣ ቦስንያውያን፣ ሞንተኔግራውያን፣ ዝዝረብ እዩ ፡ስለዝኾነ ድማ ህዝብታት እዘን ሃገራት ብቀሊሉ ነሓድሕዶም ክረዳድኡ ይኽእሉ።
ንኡሳት ቋንቋታት ድማ ኣብ ናይ ውሽጢ ኮማዊ ሕብረተሰብ ይዝረብ።እዚ ድማ ሓደ ስልሲት ናይቲ ሕብረሰብ እንተኾይኖም ንኡሳን ቋንቋታት ምጥቃም ይከኣል።እዞም ቋንቋታት ድማ ፣ ቸክ፣ ሃንጋርያ፣ ኢጣልያ፣ ሩተንያ፣ ሰርብያን ስሎቫክን እዮም።
ዝበዝሑ መንእሰያት ክርዋትያ፡ ቋንቋ እንግሊዝኛ ብሙዱብ/ብግቡእ ይዛረቡ።ብተወሳኺ ቋንቋ ጀርመን እውን ካልኣይ ዝውቱር ቋንቋ እዩ።ቋንቋ ጀርመን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ይጥቀምሉ፡ ዝበዝሑ ድማ ኣብ ናብ ኣውስትርያን ጀርመንን ስራሕ/ሽቅለት ንምድላይ ይንቀሳቀሱ።
ቋንቋ ክርዋትያ 30 ፊደላት ዘለዎ ኮይኑ ፡ ኣብተን 30 ፊደላት ድማ 5 ኣናበብቲ/ኣድመጽቲvowels 25 ተነበብቲ/consonants ኣደማምጻ ኣለዎ። ድምጽን ቃላትን ናይ ቋንቋ ክርዋትያ እንተደኣ ተማሂርካ ብቀሊሉ ምጽሓፍ ይከኣል ፡ምኽኒያቱ ነፍስወከፍ ቃል ከም ኣደማምጽኣኡ እዩ ዝጸሓፍ።
በዞም ዝስዕቡ ኣድራሻታት ንዕድላት ትምህርቲ ቋንቋ ትወከስ፤
ፖሊቲካዊ ስርዓትን ሕብረተሰብን
ክርዋትያ ባይቶኣዊ ዲሞክራሲ ስርዓት ትኽተል።መራሒ ፡ኣብ ነፍስ ወከፍ 5 ዓመት ድማ ምርጫ ይግበር።
ፈጻሚ ኣካል ኣብ ሃገረ ክርዋትያ ድማ መንግስቲ ሪፓብሊክ ክርዋትያ እዩ። መንግስቲ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚንስተር ኣለዎ፡ ፡ከምእውን ሚንስተራት የጠቃልል።
መንግስቲ ብዛዕባ ሃገራዊ ባጀት እማመ የቅርብ፣ሓጋጊ ኣካል ድማ ንባይቶ የቅርብ፣ ብባይቶ ዝተሓገገ ድማ ኣብ ግብሪ የውዕል/ይፍጽም። መንግስቲ ብተወሳኺ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፖሊቲካዊ ጉዳያት ሃገር የካይድ፣ምምሕዳራዊ ትካላት ንኢኮኖምያውን ምዕባለን ናይታ ሃገር ድማ ይቆጻጸር።
ንዜጋታት ዝውክል ባይቶ ክርዋትያ ቅዋም ይነድፍ መሰረታዊ ማሕበራውን ፖሊቲካውን ጉዳያት ድማ የዳሉ።ኣብ ነፍስ ወከፍ 4 ዓመታት ዝምረጹ ኣባላት ኣለዉዎ፡151 ኣባላት ድማ ይርከብዎ።
ገለ ካብ ኣገደስቲ ተራታት ባይቶ ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥
- ምቋምን ምቁጽጻርን መንግስቲ
- ምስላዕ ሃገራዊ ባጀት
- ምእማምን ምንዳፍን ሕጊ
- ምእዋጅ ሰላም ከምእውን ኲናት
- ምጽዋዕ ንረፈንዱም
ክርዋትያ ኣብ 21 ምምሕዳራዊ ዞባታት ትኽፈል፣, ፣127 ከተማታት ከምእውን 429 ምምሕዳር ከተማታት።
ምርጫ
ኣባላት ባይቶ፣ፕረሲደንት፣ዞባዊ ምምሕዳራት፣ናይ ከተማን ምምሕዳርን ኣባላት ዞባዊ ምምሕዳራት፣ቤት ምኽሪ ከተማን ወይ ምምሕዳር ከተማን ኣብ ምርጫ ብዜጋታት ይምረጹ። ባይቶኣዊ ምርጫ፣ ምርጫ ንዞባዊ ምምሕዳራት፣ከተማን ፣ምምሕዳር ከተማን ኣብ ነፍስ ወከፍ 4 ዓመታት ይካየድ።ፕረሲደንታዊ ምርጫ ድማ ኣብ ነስፍ ወከፍ 5 ዓመት ይካየድ።
ዝኾነ ናይ ክርዋትያ ዜጋ ልዕሊ 18 ዓመት ናይ ድምጺ ምሃብን ምምራጽን መሰል ኣለዎ።ወጻእተኛታት ድማ ዜጋታት ምስኮኑ ጥራይ ድምጺ ክህቡን ክመርጹን ይኽእሉ። ኣብ እዋን ምርጫ ውልቀ ሰባት ዘይኮኑስ ፖሊቲካውያን ሰልፍታት እዮም ዝሳተፉ።
ግዝኣተ ሕጊ
ክርዋትያ ብግዝኣተ ሕጊ ኢያ ትመሓደር ፥ እዚ ማለት ድማ ሕግታት ንህዝባዊ ርክባት ምምሕያሽን ከምእውን ግጭታት ምግታእን ብሕጋዊ መንገዲ ምፍታሕን ማለት እዩ።ቅዋም ድማ እቲ ዝለዓለ ሕጊ ኮይኑ መንግስቲ ሓፈሻዊ መትከላት ንምሕንጻጽን ንምቋም ፖሊቲካውን ማሕበራውን ፍትሒ ይሰርሕ።
ቅዋም ኣብ ክርዋትያ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ሓደ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነትን ውሕስነት ይህብ፡ ዜግነት፣ ዓሌት፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካውን ካልእን እምነት፣ ናይ ሃብቲ ደረጃ፣ ትውልዲ፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ደረጃ፣ ስንክልና ወይ ድማ ካልእ ውልቃዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣየእትውን።
ሃይማኖት
ኣገዳስነት ሃይማኖት ኣብ ክርዋትያ እንታይ እዩ?
ክርዋትያ፥ ኣዋጅ መሰላት ውዲሰብ ብምፍራማ ንጉዳይ ሃይማኖት ቀዳምነት ትህብ።እዚ ድማ ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረት ሰባት ኣብ ዝመረጽዎ ሃይማኖት ወይ እምነት ክኽተሉ ይኽእሉ።ከምእውን ኣባል ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ምዃን ኣይፍቀድን ፡ሃይማኖት ናይ ግሊ እዩ።ሰባት ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖት ይከተሉ ብዘየገድስ ብማዕረ ይረኣዩ።
ኣብ ክርዋትያ እቶም ቀንዲ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣዮኖት ኢዮም?
ዝበዝሑ ክርዋታውያን ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ተኸተልቲ እዩም።91% ናይ ህዝቢ ይኾኑ።ከምእውን ዝተፈላለዩ ንኡሳን ጉጅለታት ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣለዉ፥ ክርስትያን ብገምጋም 86%፣4.5% ኦርቶዶክስ፣0.34% ፕሮተስታንት1፣1.47% ድማ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና እዮም።ኣዝዩ ንኡስ ክፋል ናይዚ ሕብረተሰብ ድማ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣይክተሉን-እዚ ድማ ብትውልዲ ወይ ድማ ካብ ዝክተልዎ ሃይማኖት ስለ ዝሰሓቡ እዮም።
ሃይማኖታዊ ጉጅለታት | ህዝቢብ% |
ክርስትያን | 91 |
ካቶሊክ | 86 |
ኦርቶዶክስ | 4.5 |
ፕሮተስታንት | 0.34 |
ሙስሊም | 1.47 |
ኤቲስት፣እምነትኣልቦ፣ተጠራጠርቲ | 4.57 |
ብገምጋም ከባቢ 20 ዝኾኑ እስላማዊ ቤት ጸሎት ከምእውን 3 ኣብያተ መሳጊድ ኣለዉ።እቶም ኣብያተ መሳጊድ ድማ ፡ኣብ ዛግረብ ፣(http://www.medzlis-rijeka.org/) ከምእውን ኣብ ጉኒያ ይርከብ።
ኣብ ክርዋትያ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን እንታይ ዓይነት ዝምድና ኣሎ?
ሃይማኖትን ፖለቲካን ኣብ ሃገረ ክርዋትያ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እዮም። ሕጊ ክርዋትያ ልዕሊ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ደንብታት እዩ።እንተኾነ ግን ባህልን ስርዓትን ኣብ ሃገረ ክርዋትያ ብካቶሊካዊ ስርዓት ዝተጸልወ እዩ።ንኣብነት ዝበዝሑ ካቶሊካዊ በዓላት፡ልደት፣ፋሲካ፣ ከም ሃገራውያን በዓላት ይበዓሉ።
ናይ እስልምና በዓላት ከም ሃገራውያን በዓላት ኣይባዓሉን፡እንተኾነ ግን ሙስሊሚን/ኣስላምን ካልኦት ተኸተልቲ ሃይማኖታት ብነጻ ሃይማኖታቶም የካይዱ።
ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ፍቁድ ኮይኑ፡ ግን፡ ንሕጊ ዝምልከት ሰብ ብወለንትኡ ክለብስ እዩ ዘለዎ።
ንውልቀሰባት ዝምልከት ወግዓዊ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኣጋጣምታት ኣፈላላይ፡ ሃይማኖታዊ እምነታትን ስርዓትን ብዝምልከት፡ የለን።ስታቲስካዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ 24 ናይ ጽልኢ ገበናት ኣብ ዓመተ 2015/15 ከምዘጋጠሙን እሳቶም ድማ ካብ ዓለታዊ ጽልኢ ዝተበገሱ ምዃኖም ተሓቢሩ። መደረ ጽልኢ ከምእውን ናይ ቃላት ጸርፍታትን ገለ ካብቶም ብዓለታዊ ምብግጋስ ዝኽሰቱ ገበናት ምዃኖም ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብ ኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ሰባት ምስ ስደተኛታት ክራኸቡ ይደልዩ፡ካልኦት ማሕበራት `ውን ኣብ ኣገዳስነት ናይ ሓባራውን ሰላማውን ምንባር ኣበርትዖም ብምስራሕ ንጥፈታቶም የካይዱ።እንተዳኣ ናይ ኣፈላላይ ጸገም ኣጋጢምካ በዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ሓገዝ ምርካብ ይከኣል፥(ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ተወከስ ) ።
መሰላትን ሓላፍነታትን
ሓባራውን ውልቃውን መሰላት ነበርቲ
ዝኾነ ሰብ ኣብ ክርዋትያ ዝነብርን ዝሓልፍን መሰረትዊ ውሕስነት ሰብኣዊ መሰል ኣለዎ።እዞም መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል ብዝርዝር ሰፊሩ ይርከብ።
ብመሰረት ቅዋም ክርዋትያ ፡ ኣብ ክርዋትያ ኩሉ ሰብ መሰልን ናጽነትን ከስተማቅር ኣለዎ ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ዓሌት፣ቀለም፣ጾታ፣ቋንቋ፣ሃይማኖት፣ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ብሄራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቆል፣ንብረት፣ትውልዲ፣ስርዓተ ትምህርቲ፣ማሕበራዊ ደረጃ፣ወይ ካልኦት ጠባያት።ብተወሳኺ ኩሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክኾኑ ይግባእ።
መሰላት ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዘለዎም ወጻእተኛታት
ኣብ ክርዋትያ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቦም ወጻእተኛታት ብዓንቀጽ ናይ ዓለም ለኻውን ጊዝያውን ሓለዋ ዝተነድፈ እዩ። ሲቪካዊ፣ስድራቤታዊ፣ማሕበራዊ መሰላት የጠቃልል፥እሳቶም ድማ
- መንበሪ/ነባርነት፥
- ዕድላት ስራሕ ከምእውን ባዕላዊ ስራሕ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቃድ
- መሰል ክንክን ጥዕና
- መሰል ትምህርቲ
- ናጽነት ሃይማኖት፥
- ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዛት (ምድላው ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ መሰላትን ግቡኣትን ካብ ምሃብ ናይ ዑቅባን ሓለዋን ዝተኣሳሰር ፥ሓገዛት ኣብ ግዜ ጥርዓን፥ውክልና ኣብ ቅድሚ ኮምሽን ዑቅባ ኣብ እዋን ምንጻግ/ምስራዝ/ምስሓብ ናይ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ)
- ማሕበራዊ ሓገዛት (እንተዳኣ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ዘይብሎም፥ዝውንንዎ ንብረት ዘይብሎም፡ወይ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብረሎም ዝኽእል ኣካል ዘይብሎም)
- መሰል ስድራቤታዊ ጥርናፈ
- መሰል ጠለብ መንቀሳቀሲ ወረቀት ከም ፓስፖርት (ንሓለዋ ዝተዋህቦም፣ወይ መንበሪ ፍቃድ ዝተዋህቦም ፓስፖርት ካብ መበቆል ሃገር ክረኽቡ ዘይክእሉ)
- መሰል ነጻ ምንቅስቃስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክርዋትያ፥
- ዕድላት ን ሓገዝ ምውህሃድ/ውህደት ምስ ሕብረተሰብ/ማሕበራዊ ህይወት፥
- መሰል ንሕቶ ናይ ክርዋትያ ዜግነት ድሕሪ 8 ዓመት ነባርነት ኣብ ክርዋትያ፥
- ዋንነት ናይ ንብረት (ምስ ስምምዕ 1951 ዝኸይድ)፥
- መሰል መርዓ
- መሰል ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
- መሰል ነጻ ተሳተፍነት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት
ከም ወጻእተኛ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህበካ መጠን እዞም ዝስዕቡ ግዴታታት ኣሎካ እሳቶም ድማ፥
- ናይ ክርዋትያ ቅዋም ምኽባር፣ ሕግታትን፣ ካልኦት ደንብታትን ናይ ሃገረ ክርዋትያ
- ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ካብ ዝተዋሃብካሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት መንበሪ ቦታኻ ከተመዝግብ ይግባእ፥
- መንበሪ ፍቃድ ምሳኻ ምሓዝን ንዝምልከቶም ሰብ መዚ ድማ ብሕጊ ክምርመር ምፍቃድ
- ምስታፍ ኣብ ስልጠናታት ቋንቋ፣ባህልን፣ታሪኽን ክርዋትያ
ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ቅዋማዊ ስነ ምግባራት ማዕርነት ኩሎም ደቂ-ሰባት ፣ጾታዊ ማዕርነት ፣ምኹናን ኩሉ ዓይነት ጭቆናን ኣፈላላይን የጠቃልል።
ምውህሃድ ምስ ሕብረተሰብ ንምቅልጣፍ ብንቅሓት ምስታፍን ምስ ኣኣንጋዲ ሕብረተሰብ ንስጡምን ዝሓሸ ሕብረተሰብ ምፍጣር ሓጋዚ ይኸውን። እዚ ወለንታውነትን ኣብ ኮማዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ይረጋገጽ።(https://en.wikipedia.org/wiki/Volunteering) ምስ ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ፍቃደኛ ምዃንካ ምርኣይን ኣብ ምዕባሌ ሕብረተሰብ ድማ ክትሳተፍ ይግባእ።እዚ ድማ ወርቃዊ ዕድል ንዓኻን ንሕብረተሰብን፡ ማሕበራውን ውልቃውን ምዕባለታት ንምልውዋጥ ሓጋዚ ይኸውን።
መሰላት ሓተትቲ ዑቅባ
ከም ሓታቲ ዑቅባ ኣብ ክርዋትያ መጠን እዞም ዝስዕቡ መሰላት ይህልዉኻ፥
- ነባርነት
- ናይ ምንቅስቃስ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ሃገረ ክርዋትያ
- ቀረብ መንበሪ ከምእውን ናይ መቀበሊ ኩነታት
- ክንክን ጥዕና
- መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ
- ሓበሬታ፣ሕጋዊ ምኽሪ፣ከምእውን ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ
- ናጽነት ናይ ሃይማኖት፥
- ስራሕ (ድሕሪ ምርካብ ፍቃድ ስራሕ)
- ወረቃቅቲ (ዶኩመንታት)(ካርድ ኣመልካቲ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ)
- ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይን ጭቆናን
ከም ሓታቲ ዑቅባ እዞም ዝስዕቡ ግዴታታት ኣለውኻ፥
- ቅዋም፣ ሕግታትን፣ደንብታትን ሃገረ ክርዋትያ ምኽባር
- ምስ ኣካላት መንግስቲ ሃገረ ክርዋትያ ምትሕብባርን ከም ኣድላይነት ድማ ስጉምትታትን ትእዛዛትን ምኽታል
- ኣብ መስርሕ ምምርማር ምጽራይን መንነት ብ ሙሉእ ልቢ ምትሕብባር
- ሕክምናዊ መርመራታት ምክያድ
- ናይ መዕረፊ ማእከል ናይ ገዛ ደንብታት ምኽባር
- ንጻውዒት ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምኽባርን ኣብግዜ ቃለመሕትት ይኹን ክሳብ መወዳእታ መስርሕ ዑቅባ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዘድሊ ምትሕብባር ምግባር
- ምጽናሕ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሃገረ ክርዋትያ ኣብ ግዜ መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ
መንበሪ ፍቃድ
ድሕሪ ናይ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ምውሳድካ ኣብ ውሽጢ 15 ማዓልታት ንመንበሪ ፍቃድ ከተመልክት ይግባእ።መንበሪ ቦታ እንተ ቀይርካውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፖሊስ ክትምዝገብ ይግባእ።
ኣብ መጻኢ `ውን መንበሪ ፍቃድ ንምሕዳስ ጠለብ ከተቅርብ ምዃንካ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኣዩ።እቲ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ቅድሚ ምውዳቁ ብውሑዱ 60 ማዓልታት ከተመልክት ከምዝግባእ ምፍላጥ ኣጋዳሲ እዩ።እቲ ጠለብ ድማ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ይካየድ።
መሰል ን ሕቶ ናይ ክርዋትያ ዜግነት
ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ኣብ ክርዋትያ እንተድኣ ኣሎካ መሰል ንናይ ክርዋትያ ዜግነት ንምርካብ የኽእለካ። እዚ ድማ ሕጊ ምርኩስ ብምግባር ይኸውን።
ወጻእተኛታት ንቀጻሊ 8 ዓመት ኣብ ዝተመዝገብሉ ኣድራሻ ብምንባር(ግዝያዊ ከአምእውን/ወይ ቀጻሊ ነባርነት) ንዜግነት ክርዋትያ ከመልክቱ ይከኣል።
ምምልካት ንናይ ክርዋትያ ዜግነት ብፍሉይ ብኣካል ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወይድማ ኣብቲ እዋን ወጻኢ ካብ ሃገረ ክርዋትያ እንተሃሊኻ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ክርዋትያ ናይ ትርከበሉ ሃገር ይፍጸም።
መመልከቲ ፎርም ኣብዚ ዝስዕብ ወብሳይት ምጽዓን /ምውራድ ይከኣል፣
ኣብ ውሽጢ ማሕበረኮምን ከባብን ምንባር
ማሕበረኮም ብ ኸመይ ተጠርኒፉ ይርከብ?
ማሕበረኮም ኣብ ክርዋትያ ብወግዒ ኣብ ክልተ ይኽፈል፣ናይ ከተማ ማሕበረኮም ወይ ድማ ናይ ገጠር ማሕበረኮም፡ብዝታሓተ ደረጃ ድማ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታት የካይዱ። ህዝባዊ ጠለባት ኣብ ምምላእ ድማ ይዋፈሩ። ብመንገዲ ውሽጣዊ ማሕበረኮማት ድማ ነበርቲ ኣብ ውሳኔታት ናይ ሕብረተሰብ ይጸልዉ። ማሕበረኮማት ሕዝባዊ ኣገልግሎታት የዳለው፡ከም መውዓሊ ህጻናት፣ቤት ትምህርቲ፣ማእከል ጥዕና ወይ ሓኪም፣ድኳናት፣ናይ ግዳም ባንኪ/ATM ኣገልግሎት፣ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት።
ህዝቢ ኣብ ማሕበረኮም ብመንገዲ ዝተፈላለዩ መደባት፡ ብውሽጢ ደረጃ፡ ዘዳልዉ ማሕበራት፣ክለባት፣ጉጅለታትብ ይጽንበር።
ኣብ ውሽጢ ማሕበረ ኮምን ከባብን ምስ ካልኦት ምንባር
ኣብ ክርዋትያ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፣ንኡሳን ከተማታት፣ገጠራት ምንባር ኣዝዩ ይፈላለ።ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትነብር እንተኾንካ ምስ ጎረባብቲ ዘይምርኻብ ሉሙድ ተርእዮ እዩ።ህዝቢ ብዝያዳ ኣብ ንኡሳን ከተማታትን ገጠራትን ኣዝዩ ዝተቀራረበ እዩ።እንተኾነ ግን ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ትነብር እንተኾንካ ምስ ጎረባብቲ ኣብ ደረጃታት ህንጻ፣ኣፍደገ፣ናይ ሓባር ቦታታት ሰላምታ ምልውዋጥ ከም ምልክት ትሕትና ይቁጸር።
ኣብ ሕብረተሰብ ክርዋትያ ፡መሰል ሰባት ምኽባርን ውልቃዊ ህይወቶም ምሕላውን ይግባእ።ጎረቤት ን ሌላ ዝኣክል ናይ ሻሂ እንግዶት ከተቅርብ ትኽእል፡ፍቃደኛታት ምስ ዘይኮኑ ግን ቅቡል ነገር እዩ።ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ዘይምልላይ ግን ንቡር ተርእዮ እዩ።ብተወሳኺ ፡ጎረባብቲ ሓገዛት ክተሓታተቱ ንቡር እዩ፡ከም ምግዓዝ ንብረት፣ምልቃሕ ሽኮር ወዘተ።
ከም ደሓን ጎረቤት ሕግን ደንብን ናይ ትነብረሉ ህንጻ ምኽባር ይግባእ።ሓድሕድ ምክብባር ክህሉ ይግባእ።ጎረቤት ንከይርበሽ ትሑት ድምጺ ክህሉ ይግባእ ።ድምጺ ከም ጉያ፣ ምርሓው ማዕጾ፣ብርቱዕ ድምጺ ተለቪዥኝ፣ኮምፒተር፣ድምጺ ሙዚቃ ዝኣመስሉ ጎረቤት ክርብሽ ይኽእል።እዚኦም ሓድሓደ ኣብነታት እዮም ፣ብሓፈሻ ግን ጎረቤት ዝርብሹ ንጥፈታት ክህልዉ ኣይግባእን ፡ብፍላይ ድማ ካ 10 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 7 ቅድሚ ቀትሪ።
ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ኣብያተ መግቢ፣ሆስፒታላት፣ኣብያተ ትምህርቲ፣ናይ ህዝቢ መሳለጥያታት፣ቤት ቁርስን ክልኩል እዩ ፡ዝትከኸሉ ቦታ ምልክት ተጻሒፉ ይርከብ።ሓፈሻዊ ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታታት(ጎደናታት) ኣልኮላዊ መስተ ክልኩል እዩ። ናይ ድምጺ ምጥንቃቅ ክህሉ ይግባእ፡ዓው ዓው ናይ ህዝቢ ጸጥታ ክዘርግ ስለ ዝኽእል ትሑት ክትከውን ይግባእ።
ሓባራዊ ቦታን ንብረትን
ኣብ ቡዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ እንተድኣ ትነብር ኮንካ ናይቲ ሕንጻ ሕግታት ብጥብቂ ከተኽብር ይግባእ።ሕግታት ህንጻ ኣብ ነፍስወከፍ ህንጻ ይርከብ።ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት ዝርከብ ንብረት ከም ናትካ ክትሕልዎን ክትጥንቀቀሉ ይግባእ።ኣብቲ ህንጻ ብሓባር ትጥቀምሉ ንብረታት ከም ደረጃ፣ኣደራሽ መንገዲ፣መደየቢ ኢሊቨተር፣ቀጽሪ፣መብራህቲ ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት፣ካልእን ዝኣመሰሉ።
ብልምዲ ቡዙሕ ክፍልታት ዝርክርቦ ህንጻ ተቆጻጻራይ ንብረትን ናይ ሓባር ቦታታት ኣለዎ።ብተወሳኺ ነበርቲ ናይ ጽገና፣ ናይ ሓባር ክፍሊትን፣ ወጻኢታት ጽሬትን መብራህትን ክኸፍሉ ይግባእ።መብዛሕትኡ ዓበይቲ ህንጻታት ናይ መራኸቢ ኣደራሽ፡ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝዝትይሉ ኣለዎ።(ምሕዳስ፣ጽገና ወዘተ)
ጎሓፍን ዳግም ምጥቃም ንብረታት
ዳግም ምጥቃም ንብረት ኣብ ክርዋትያ ግዴታዊ ኣይኮነን።እንተኾነ ግን ዝርዝር መአከቢ ጉሓፍ ኣሎ ፣ዳግም ምጥቃም እውን ይከኣል።
- ወረቀትን ካርቶንን
- ጠራሙዝን ሸንከሎን
- ጎማ ፕላስቲክ፣ርቡዕ መዐሸጊን፣ታኒካን
- ኣጭርቅቲ
- ካልእ ናይ ገዛ ጉሓፍን
ከቢድ ጉሓፍ፣ኤለክቲሪክን ኤለክትሪካዊ ንብረትን፣ኣብ ውሽጢ ወይውን ኣብ ከባቢ መኣከቢ ጉሓፍ ምቅማጥ ኣይከኣልን። ብመሰረት ምምሕዳር ከተማ ንከምዚ ዓይነት ጉሓፍ ዝተዳለወ ግዜ ኣሎ፡ወይ ድማ ማሕበረኮማዊ ትካል ምምስራሕ /ዳግም ምጥቃም ብምድዋል ክወስድዎ ምሕታት፣ወይ ድማ ብ ኣካል ናብ ዝመልከቶ ቦታ ምብጻሕ ይምረጽ።ኣብ ጎደናታት ምድርባይ ድማ ኣይግባእን።
ዳግም ምጥቃም ዝጓሓፍ ንብረት ተመራጺ እዩ፡ምኽንያቱ ንከባቢን ማሕበረኮም ጠቃሚ እዩ።ዳግም ምጥቃም እንተዘይተደልዩ ድማ ኣብ ከባቢ ዘይኮነ ዝግበኦ ቦታ ሙግሓፍ ዝሓሸ ይኸውን።
ኣብ ህንጻ ትነብር እንተድኣ ኮንካ ኣብ ከባቢኻ ሞግሓፊ ቦታ ኣሎ፥ኣብ ናይ ግሊ መንበሪ ትነብር እንተኾንካ ድማ ኣብ ቀጽሪ ሞግሓፊ ይርከብ፡ሰሙናዊ ድማ ብምምሕዳር ከባቢ ዝተዳለወ ትካል ይእከብ ፣ኣብ ጎደናታት ምድርባይ ድማ ኣይግባእን።
ጀራዲንን መናፈሲ ቦታታትን
ኣብ ቀጽሪ ገዛ ጀርዲን ዘለዎ ትነብር እንተድኣ ኮንካ ናይ ቀጽሪ ሳዕርን ኣትክልትን ወትሩ ምክንኻን ይግባእ።
ኣብ ህንጻ ትነብር እንተኾንካ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ከባቢ ናይ ሓባር መናፈሲ ይርከብ፥ህጻናት ዝዛናግዕሉ ቦታ ድማ እዩ።ቀጽሪ መናፈሲ ዝጥቀም ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ኣትክልትን ቑጥቃጥን ብክንክን ክሕዞ ይግባእ፥ኣብኡ ዝርከብ ንኡስ ሞግሓፊ ድማ ክትጥቀም ይግባእ።
ዘቤታዊ እንስሳታት
እንስሳ ዘቤት ምውናን ኣብ ክርዋትያ ልሙድ ተርእዮ እዩ።መብዛሕትኡ እዋን ኣኽላባትን ደማሙን፣እንተኾነ ግን ኣዕዋፍ፣ዓሳ ካልኦት ንኡሳን እንስሳታትን ድማ ገለ ካብ ኣቶም እዮም።ንሰባት ድማ ኣብ መንበሪ ገዝኦም፣ኣፓርትመንትን ፍቁድ እዩ።ካዚኦም ወጻኢ ካልኦት ዘቤታዊ እንስሳታት ምዕባይ ግን ክልኩል እዩ።ኣብ ቀጽሪ ምዕባይ ግን ይከኣል እንተዳኣ ኣብ ገጠር ወይ ድማ ጫፍ ከተማ ትነብር ኮንካ ፥ጎረቤት እንተድኣ ዘይርብሽ ኮይኑ።
ኮነ ኢልካ እንስሳ ምህራም፣ሙግዳእ፣ወይ ድማ ዘይምሕብሓብ ብሕጊ ክልኩል እዩ።እንስሳ ዘቤት እንተድኣ ኣሎካ ምክንኻንን ፡ናይ ካልእ ሰብ ድሕነት ምሕላውን ናይ ህዝቢ ስርዓት ምኽባር ይግባእ።እዚ ማለት ድማ ኣብ ደገ ምምራሕን ቀልቀሉ ድማ ኣብ ግቡእ ቦታ ምእላይን ይግባእ።
ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
ኣፈላላይ እንታይ ማለት እዩ
ኣፈላላይ ማለት ዝኾነ ሰብ ወይ ጉጅለ ካብ ካልኦት ብ ዝኸፍአ መንገዲ ምሓዝ ማለት እዩ። ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ሰብኣዊ መሰል እዩ።
ኣብ ክርዋትያ ኣፈላላይ ንውልቀሰባትን ጉጅለታት ክልኩል እዩ።
- ብምኽንያት ዓሌት፣ብሔር፣ሕብሪ ቆርበት፣ሃይማኖት፣ዝዛረብዎ ቋንቋ፥
- ደቅቀንስትዮ ወይ ደቂተባዕትዮ ምዃኖም፥
- ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ወይ ድማ ካልእ እምነት፥
- እንተድኣ ሰብ ሓዳር/ዘይኮኑ ወይ ድማ ስድራቤት/ዘይኮኑ
- ብምኽንያት ኣባላት ናይ ንግዲ ማሕበራት ምዃኖም፥
- ብምኽንያት ደረጃ ትምህርቶም፣ዕድመ፣ኩነታት ጥዕና፣ስንክልና፣ ዘርኣዊ ውርሻ፥
- እንተድኣ ለስብያን፣ግብረሰዶማውያን፣ክልተ ጾታውያን፣ጾታ ዝቀየሩ ሰባትን ብምዃኖም
ውልቀሰባት ወይ ማሕበራት እንተድኣ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዘለዎም ኮይኖም ፡ ኣፈላላይ ይገብሩ ኣለዉ ማለት እዩ፥እዚ ድማ ብሓደ ነገር ናትካ ክብረት እንተዘይብሎም እዩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣምታት ኣፈላላይ ኣስካሕካሕን ጎዳእን ተመክሮ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣንጻር ሕጊ ናይ ጭቆና መልክዕ እዩ።
ገለ ኣብነታት ኣፈላላይ
- ዝኾነ ሰብ ሕማቅ ዘረባ ይብል እንተሃልዩ፣ኣነዋሪ ተግባራት፣ወይ ድማ ቀጻሊ ዘጥቅዓካ ፥
- ላግጺ ዘረባ ኣንጻርካ
- ምንጻል
- ዓዋሉ ኣንጻርካ ምውዳብ
- ምፍርራሕ
- ምክልኻል ስለ መንነትካ እምነታትካን ዘይቅቡል ኣባህላታት
ሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ሓባር ህይወት ኣፈላላይ የጋጥሞም፥
- ስራሕ ቦታ፣ዕድላት ናይ ዕዮ ዕዳጋን፣ ስራሕን
- ትምህርቲ፣ሳይንስን፣ስፖርትን
- መአንገዲ/መንበሪ ቤት
- ሰብኣዊ ሓገዝ፣ስርዓት ጥሮታ፣ማሕበራውን ጥዕናውን ውሕስነት
- ዕድላት ክንክን ጥዕና
- ኣገልግሎታት መንግስቲ-ዕድላት ፍትሕን ምምሕዳርን
- ዕድላት ኣገልግሎት፣መሳለጥያን ንብረትን
- ህዝባዊ ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን\ሜድያ
- ኣባልነት ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ማሕበራትን
- ተሳትፎ ኣብ ባህልን ስነ ጥበብን
ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
ዓንቀጽ ጸረ ኣፈላላይ ኣብ ክርዋትያ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዓንቀጽ ኣንጻር ኣፈላላይ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ሰባት ዝለዓለ ትካል ንሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ እዩ፣ ሕጋዊ ምኽሪ ንግዳያት ይህብ፣ሓቅታት ናይቲ ጉዳይ ብምጽራይ ለበዋታት ናይ ምክልኻል ይህብ፣ ወይ ድማ ኣፈላላይ ደው ዝብለሉ መንገዲታት ይእንፍት።
ቀንዲ ሓላፍነታት ተጠባባቂ ሰባት ድማ፥
- ኣገባባት ሓለዋ ብዝምልከት ንውልቀሰባትን ናይ ሕጊ ሰብ ሞያን ኣገዳሲ ሓበረታ የዳልው
- መጠንቀቅታታት ህላዌ ኣፈላላይ ንህዝቢ ይህብ
- መጽናዕትታት ብዛዕባ ኣፈላላይ የካይድ
- ሓሳባት፣ምኽርታትን፣ለበዋታት ከምእውን ኣገደስቲ ናይ ሕግን ስትራተጅን ፍታሓት ን መንግስቲ ሃገረ ክርዋትያ ይህብ
ተጠባባቂ ሰባት ሕጋዊ ምኽሪ ን ግዳያት ይህብ፣ሓቅታት ናይቲ ጉዳይ ብምጽራይ ለበዋታት ናይ ምክልኻል ይህብ፣ ወይ ድማ ኣፈላላይ ደው ዝብለሉ መንገዲታት ይእንፍት።ሕጋዊ መስርሓት ኣየካይድን ፣ወይ ድማ ንግድያት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይውክልን እዩ።
ጥርዓን ናብ ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ሰባት ከተቅርብ እንተደሊኻ ብመንገዲ መይል፣ፋክስ፣ወይ ኢ-መይል ምቅራብ ይከኣል፣ ብኣካል ወይ ብተለፎን `ውን ይከኣል እዩ።ብሓደ ድምጺ ጥርዓን ምቅራብ ኣይከኣልን ፡ሙሉእ ስም፣መብርሂ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ፣ቅዳሕ ናይ ኣገደስቲ ሰነዳት ክማላእ ይግባእ።ካብ ተጠባባቂ ሰባት ድማ እቲ ናይ ፈለማ ናይ ጥርዓን ሕቶ ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ መልሲ ኣብ 30 መዓልታት ይወሃበካ።
ብተወሳኺ 3 ዓይነታት ተጠባባቂ ሰባት ንምክልኻል መሰላት ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባት ኣለዉ
ከመይ ጌርካ ጥርዓን ወይ ድማ ክሲ ኣብ ጉዳይ ኣፈላላይ ተቅርብ?
እንተድኣ ኣንጻርካ ኣፈላላይ ተፈጺሙ ፡ ንቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ሰባት ወይ ድማ ሰብ ሞያ ሲቪካውያን ማሕበራት ፡ ንሕጋዊ ምኽሪ ምርካብ ይካኣል።
ኣንጻር ሓደሰብ ኣብ ጉዳይ ኣፈላላይ ክሲ ከተቅርብ እንተደሊኻ፡ቤት ፍርዲ ክትሕብር ይግባእ ፣ከምእውን ሕጋዊ ወኪል የድልየካ።ዝኾነ ጠበቃ ክትውክል ይከኣል ፡እንተኾነ ግን ዓቅሚ እንተዘይብልካ ንስቪካውያን ማሕበራት ብምውካስ ነጻ ኣገልግሎት ናይ ጥብቅና ምርካብ ይከኣል።
ስድራቤትን ህጻናትን
ኣብ ክርዋትያ ጽምዲ፣ ሰብኣይን ሰበይትን፣ ክልተ ሰብኡት፣ ክልተ ደቀንስትዮ፣ፍቁራት ዝምድና ክምስርቱ ልሙድ ተርእዮ እዩ።እቶም ጽምዲ እንተደኣ ኣብ ዝምድና ኣለው፡ክምርዓው ወይ ስድራቤት ክምስርቱ ኣድላይ ኣይኮነን።
ኣብ ክርዋትያ ከም ስድራቤት ዝቁጸር እንታይ እዩ?
ኣብ ክርዋትያ ብባህሊ ከም ስድራቤት ዝቁጸሩ ኣካላት ፡ ምርዕዋት ጽምዲ ምስ ደቆም ፣ ከምእውን ኣሕዋት፣ኣሓት ከም ስድራቤት ይቁጸሩ።
ዝበዝሑ ጽምዲ ብሓደ ይነብሩ ከምእውን ቅድሚ መርዓ ውላድ ይህልዎም፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ፍጹም ከይምርዓዉ ይመርጹ።ንነዊሕ እዋን ብሓደ ዝነበሩ እንተኮይኖም ሓደ ዓይነት መሰላት ከም ምርዕዋት ጽምዲ ይህልዎም። ክልተ ደቀንስትዮ ወይ ድማ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ ፣እዚ ማለት ድማ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ይህልዎ፣ ልክዕ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ጽምዲ መሰላት ይህልዎም። እንተኾነ ግን ሓደ ዓይነት ጽምዲ ህጻን ከም ሞግዚት ከዕብዩ ኣይክእሉን።
መርዓ ኣብ ክርዋትያ
ናይ መርዓ ጽንብል ሲቪላውን ሃይማኖታዊ ክኸውን ይኽእል።መርዓ ብቁዕ ንክኸውን ብፍሉጥ ሰብ ዝተደገፈን ሙዝጉብን ክኸውን ይግባእ።እዚ ድማ ብመንግስቲ ዝተቆጸረ ኣመዝጋቢ፣ ወይ ቀሺ ፣ኢማም፣ ከምእውን ካልኦት ናይ ሃይማኖት ሰባት መሰል ናይ ምዝማድ ዘለዎም ክኸውን ይግባእ።
ኣብ ክርዋትያ መን ክምርዕዎ ይኽእል?
ብመሰረት ሕጊ ክርዋትያ ፣ ክልተ ሰባት ክምርዓዉ ወይ ናይ ህይወት ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ እንተደኣ፥
- ክልቴኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ እንተደኣ ኣለዎም ፣ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ግን ካብ 16 ዓመት ዘይንእሱ ብፍቓድ ማእከል ማሕበራዊ ስርሓት ፥
- ዛጊት ዘይተመርዓዉ እንተኾይኖም፣ ኣብ ሓደ እዋን ንክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ምምርዕው ክልኩል እዩ፥
- ናይ ደም ዝምድና እንተደኣ ዘይብሎም፣ ኣባላት ቅድመ ስድራ ከምእውን ዘርኢ፣ ኣሓት፣ ኣሕዋት፣ ደቂ ሓብቲ ወይ ሓው፥
ብሕጊ ክርዋትያ ግዱድ መርዓ ክልኩል እዩ።እዚ ማለት ድማ ሓደ ንካልእ ከገድዶ ኣይክእልን እዩ።መን ንመን ከም ዝምርዖ ናይ ምውሳን መሰል ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ይኸውን ፣ኣብ ዝኾነ እዋን እውን ኣይፋል ንመርዓ ናይ ምባል መሰል ኣለዎ።
ማዕርነት ጽምድታት
ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓላፍነታትን ኣለዎም። ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ብማዕረ ክሰርሑ ይፍቀዶም፣ ኣብ ምርጫ ናቶም ዝተምርኮሰ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ይኽእሉ።ኣበይ ብሓደ ክነብሩ ይደልዩ ውን ይውሰኑ፣ እንተዳኣ ውላድ ክወልዱ ደልዮም ወይ ዘይደለዩ ፣ክንደይ ውላድ ይደልዩ ኣብ ናቶም ውሳኔ ይሙርከስ።ብማዕረ ድማ ፡ ናይ ገዝኦምን ውላድን ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ።ኩሉ ኣባል ስድራቤት ድማ ክኸብር ይግባእ፣ክተሓባበሩን ክተሓጋገዙ ድማ ይግባእ።
መሰላት ህጻናት
ኣብ ክርዋትያ ንመሰላት ህጻናት ዝምልከት ቀንዲ ጽሑፍ ኣብ ፡ ስምምዕ ኣብ መሰላት ህጻን ይርከብ።
ዝኾነ ትሕቲ 18 ዓመት ሰብ ህጻን ይበሃል።ዝኾነ ህጻን ማዕረ መሰላት ኣለዎ፣ኣደ ወይ ኣቦ ዘለዎ/ዘይብሉ ወይ ድማ እቶም ወለዲ ምርዕዋት ይኾኑ /ኣይኽኑ ኣገዳስነት የብሉን። ከም ሞግዚት ዘዕበኻዮ ማዕረ ውላድካ እዩ። ተባዕትዮ ህጻናት ከምእውን ኣንስትዮ ህጻናት ማዕረ እዮም ብማዕረ ድማ ክረኣዩ ይግባእ።ትሕቲ 7 ዓመት ህጻን በይኑ ብዘይ ኣላይ ክትገድፎ ኣይግባእን ፣ኣላይ ድማ ትሕቲ 16 ዓመት ክኸውን ኣይግባእን።ነቲ ህጻን በይኑ ኣብ ገዛ ምግዳፍ ኣይፍቀድን ።
ኩሎም ህጻናት እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዎም፥
- መሰል ትምህርቲ
- ምስ ወለዶም ክነብሩ፣ክሳብ ኣስጋኢ ዘይኮነ፣ምስ ክንክን ክገብረሎም ዝኽእል ስድራቤት ክነብሩ መሰል ኣለዎም፣ምስ ወለዶም ብሓደ ዘይነብሩ ህጻናት ንክልቴኦም ወለዲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም፡ ዝኾነ ጉድኣት ምስ ዘይህልዎ
- ነገራት ኣለሊኻ ምርካብ ፣ምስ ካልኦት ምክፋል ኣድላይነት እንተለዎ ብመልክዕ ዘረባ፣ስእሊ፣ ጽሑፍ፣ ወይ ብካልእ መንገዲ ንካልኦት ዘይጎድእ ክሳብ ዘይኮነ
- ሕጻናት ሓሳቦትም ክህቡ፣ ዓበይቲ ድማ ክሰምዑን ብቁምነገር ክካተተልዎ ይግባእ
- ዝደለይዎ ክሓስቡን ክኣምኑን ክሳብ ንካልኦት ሰባት መሰሎም ክገብሩ ዘይከልከልዎም
- ኣዕሩኽ ክመርጹን ናብ ዝደለይዎ ጉጅለ ክጽንበሩን ክሳብ ንካልኦት ዝጎድእ ተግባር ዘይኮነ
- ከስተማቅሩ፣ክጻወቱ፣ ከምእውን ኣብ ባህላዊ፣ስነጥበባዊ፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ክሳተፉ
- ህጻናት ንብሕቶም ናይ ምዃን መሰል ኣለዎም
- ጽፉፍ ናይ ጥዕና ክንክን፣ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ክግበረሎም እንተዳኣ ዘድልዮም ኮይኑ
- ስንክልና ዘለዎም ህጻናት መሰል ናይ ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ኣለዎም
- ካብ ጉድኣትን ሕማቅ ኣተሓሕዛ ኣካላዊ ይኹን ስነኣእምራዊ፣ ኩሉ ዓይነት ጭቆና፣ ምዝመዛ፣ ከምእውን ጾታዊ ኣመጽን ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ
መሰላት ህጻናት እንተዳኣ ተጣሒሶም እንታይ የጋጥም?
ወለዲ ይኹኑ ካልኦት ሰባት ንህጻን ብዘይ ኣገባብ ክሕዝዎ፡ ከሳቅይዎን ፡ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኣካላዊ ማህረምቲ፣ ጉድኣት፣ ሕማቅ ኣተሓሕዛ ንህጻን ናይ ገንዘብን ማእሰርቲ መቅጻዕቲ ከስዕብ ይኽእል።
ወለዲ ናይ ህጻን ስምዒታትን፣ ማሕበርዊ ድሌታትን፣ ከማልኡ እንተ ዘይክኢሎም፡ብማእከል ማሕበራዊ ዕዮ መጠንቀቅታ ይወሃቦም።ወላዲ ህጻን ከዕብዩ ዘጸግሞም እንተኾይኑ ሞያዊ ሓገዛት ይግበረሎም።ምስ ወለዲ ቆጸራ ብምሓዝ ድማ ባዓል ሞያ ናብ ገዛ ብምምጻእ ሞያዊ ሓገዛት ይህብ።
ጥዕናዊ ኩነታት ናይ ህጻን ኣስጋኢ እንተኾይኑ ካብ ስድራ ወጻኢ ግዝያዊ ኣብ ካልእ ቦታ ይሰጋገር። እቲ ህጻን ዝተፈልየን ውሑስን ክንክን ይግበረሉ፡እዚ ድማ፡ እቲ ጸገም ክሳብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣቱ ይኸውን። ህጻናት ንቀጻሊ ብዘይ ኣገባብን ፡ኣሰቃቂ ኣገባብን እንተድኣ ተታሒዞም ቤት ፍርዲ ንወለዲ ካብ ህጻን ክእግዶን ፡ ጨሪሱ ክኣልዮምን ይኽእል።
ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ህጻናት ከምእውን ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ መሰላት ህጻን ዝጠባበቁ ኣካላት እዮም።
ፍትሕ
ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብዝኾነ ምኽንያት ብሓደ ክነብሩ እንተ ዘይክኢሎም ናይ ፍትሕ ሕቶ ከቅርቡ ይኽእሉ።ፍትሕ ድማ ክልቴኦም ወይ ሓደ ካብኦም ናይ መርዓ ዝምድና ክውድእ/ኡ እንተደልዩ/ያ ከጋጥም ይኽእል።
ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘለውዎም ተጻመድቲ ክፋትሑ ምስ ዝደልዩ ኣገዳሲ ምኽሪ ካብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ ምኽሪ ክዋሃቦም ግዴታዊ እዩ።ስድራቤታዊ ክንክን ንክገብሩ ናይ ሓባር ስምምዕ ክህሉ ይግባእ።እቲ መደብ ህጻን ድሕሪ ፍትሕ ኣበይ ይነብር ይሕብር፣ ንክንደይ ግዜ ምስ ወለዲ ክጸንሕ ይኽእል፣ ኣብ ጥቅሚ ናይ ህጻን ዝተመርኮሰ ውሳኔታት ከመይ ይፍጸም፣ ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛን ካልኦት ጉዳያትን የጠቃልል።
ህጻን ምዕባይ ወለዲ እንተተፋቲሖም
ወለዲ ምስ ተፋትሑ ብሓደ ኣይነብሩን እዮም።እንተኾነ ግን ወለዲ ብሓባር ነቲ ህጻን ኣድላይ ክንክን ክገብርሉ ይህልዎም። ነፍስወከፍ ወላዲ ምስ ውላዶም/ደቆም ግዜ ምሕላፍን ምዝንጋዕን መሰልን ግዴታን ኣለዎ።
ምዕባይ ህጻን ማለት ሕጋውያን ሞግዚቱ ፣ብልምዲ ወለዱ ነቲ ህጻን ሕጋዊ ሓላፍነትታት ኣለዎም ማለት እዩ። ሕጋዊ ወላዲ ወይ ሞግዚት/ኣላይ ነቲ ህጻን ክከናኸኑን ድሌታቱ ከማልኡን መሰልን ግዴታን ኣለዎም። እቲ ህጻን ወለዲ እንተዘይብሉ ወይ ድማ ወለዲ ናይ ወላዲ መሰሎም እንተ ተሓዲጎም ፡ መንግስቲ ሓደ እኹል ሰብ ከም ሕጋዊ ሞግዚት ነቲ ህጻን ዝኣሊ ይምዝዝ።
እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ወለዲ እንተተፋቲሖም ኣብ ህጻን ምስ መን ይዓቢ ክሰማምዑ ዝሓሸ እዩ።እንተ ዘይ ተሰማሚዖም ግን ቤት ፍርዲ እቲ ህጻን ምስ መን ከም ዝዓቢ ይውስን።እቲ ምስቲ ህጻን ዘይነብር ወላዲ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ይግባእ።
ኣብ ስድራቤታውን ምዕባይን ጉዳያት፡ ሓገዝን ደገፍን ካበይ ክርክርብ ይከኣል?
ስድራቤታውን ናይ ኣተዓባብያ ጉዳያት እንተዳኣ ኣሎካ ፡ ሞያዊ ሓገዛትን ምኽርን ምሕታት ንቡርን ተመራጽን እዩ። ሓገዝን ደገፍን ድማ ብማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ ክኢላታት ስነ ኣእምሮ፣ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ፣ ከምእውን ካልኦት ሰብ ሞያን ክርከብ ይከኣል።
እቲ ህጻን ንመውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ዝኸይድ እንተዳኣ ኮይኑ ብውልቂ ምስ መማህራን፣ ኣማኸርቲ ቤት ትምህርቲ ምዝታይ እቲ ዝቀለለ መንገዲ እዩ።ሓገዛት ምስ ዘድልዩ ድማ ናብ ካልኦት ኣገልግሎታት ክሕብሩኻ ይኽእሉ።ንማሕበራዊ ሰራሕተኛን ካልኦት ኣገልግሎታት ብዝምልከት፡ ኣብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ ምውካስ ድማ ይከኣል እዩ።ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ሓገዝን ድማ ኣለዉ፥ ከም ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት፣ ኣታዊ ዘይብለን ማሕበራት፡ ቆጸራ ብምሓዝ ሓገዝን ደገፍን ብ ነጻ ምሕታት ይከኣል።
ኣብ ሓዲሽ ሃገር ወላዲ ምዃን
ናብ ሓዲሽ ሃገር ምምጻእ ብፍላይ ድማ ነቶም ተገዲዶም ዝወጹ ከም ወላድን ከም ህጻንን ከቢድ ክኸውን ይኽእል።ወለዲ ባህላዊ ምምዝባልን ኣገባብ፣ ልምዲ፣ ካልእ ሕጋዊ ግቡኣትን ንኣተዓባብያ ዝምልከት ከጋጥሞም ይኽእል፥ እዚ ድማ ምስቲ ዝለመድዎን ዝዓበይሉን ዘይሳነ ክኽውን ይኽእል።
ሓደ ሓደ እዋን ህጻናት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ነቲ ሓዲሽ ከባቢ ናይ ምልማድ ክእለት ይህልዎም።ብተፈጥሮ ህጻናት ቋንቋ ብቁልጡፍ ናይ ምኽኣልን ምልማድን ክእለት ኣለዎም፤ ብፍላይ ድማ ግዜኦም ምስ ህጻናትን ኣዕሩኽቶምን እንተድኣ ኣሕሊፈሞ።እዚ ድማ ሓላፍነት ወላዲ ኣብቲ ህጻን ንክህልዉ የገድድ።ወለዲ ነቲ ምዕባለ ናይቲ ህጻን ክድግፉን ከተባብዑን ይግባእ፡ እዚ ድማ ዓቅምታቱ ንክድልብ ይሕግዞ።እዚ ድማ ኣብ ናቱ ድሌት ዝተመርኮሰ ዕብየትን ምዕባለን ንክስጉም የኽእሎ።
ሓለዋ ኣንጻር ጭቆና
ኣብ ክርዋትያ ጭቆና ብሓፈሻ ክልኩል እዩ። ቅዋም ክርዋትያ ከምእውን ዝኣመሰሉ ሕግታትን፡ ነዞም ዝስዕቡ ይኽልክልን ይቀጽዕን፥
- ዝኾነ ዓይነት ዘይንቡር ኣተሓሕዛ
- ምድፋእ ወይ ምልዕዓል ጭቆና ንምክያድ
- ምድፋእ ወይ ምልዕዓል ብሔራዊ፣ዓሌታዊ፣ሃይማኖታውን ጽልኢ
- ዝኾነ ዓይነት ዘይ ተጻወርነት
ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ከምእውን ውሽጣዊ ጭቆና
ክርዋትያ ካብ ውሽጣዊ ጭቆና ዝከላኸል ነዲፋ ትርከብ እሱ ዝለዓለ ሓለዋ ንደቀንስትዮ ካብ ውሽጣዊ ጭቆና ይህብ፣ናይ ዜግነት ደረጃ ብዘየገድስ።
ጭቆና ኣንጻር ደቀንስትዮን ውሽጣዊ ጭቆናን ኣብ ክርዋትያ ከቢድ ጸገም እዩ።ውሽጣዊ ጭቆና ቡዙሕ ዓይነት ቅርጺ ኣለዎ ፣ገለ ካብኡ፥
- ምጥቃም ኣካላዊ ሓይሊ ወይ ስነኣእምራዊ ጸቅጢ
- ምፍጣር ጠንቂ ናይ ፍርሒ ስምዒታት
- ኣካላዊ መጥቃዕቲ ጉድኣት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ
- ናይ ቃላት መጥቅዕቲ፣ጸርፊ፣ስም ብምጽዋዕን ካልኦት ዓይነታት ተግሳጽን
- ጾታዊ ምልዕዓል/መጥቃዕቲ
- ዘይሕጋዊ ተነጽሎ ወይ ምእጋድ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነት ወይ ምርካብ ምስ ሳልሳይ ሰብ
- ምዕናው ወይ ምብልሻው ንብረት ወይ ፈተነታት ምክያድ
ንግዳያት እንታይ ዓይነት ሓለዋ ወይ ሓገዝ ኣለዎም?
ግዳያት ውሽጣዊ ጭቆና ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።ካብ ዝግበረሎም ሓለዋታት ድማ፥
- ምእላይ/ምልጋስ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ካብቲ ናይ ግዳይ ናይ ሓባር ቦታ
- ብናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ መሰረት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ን ግዳይ ከይቀርብ ምኽልካል
- ምኽልካል ኣንጻር ምክትታልን ምፍርራሕን ግዳይ
- ናይ ቤት ፍርዲ ገንዘባውን ናይ ምእሳርን መቅጻዕቲ(ክሳብ 90 መዓልታት) ን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ
ግዳያት ውሽጣውን ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ጭቆናን መሰል ሓለዋ ካብ ፖሊስን ስነ ኣእሙራውን ሓገዛት ከምእውን ካልኦት ዓይነት ምትሕብባርን ኣለዎም።እዚ ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ምቅማጥን፣ ፍሉይ መዕረፊ ቦታ ንደቀንስትዮን ህጻናትን -ግዳያት ውሽጣዊ ጭቆና ምሃብ የጠቃልል።
እንተዳኣ ግዳይ ናይዞም ፍጻመታት ኮንኪ/ካ ንበዓል መዚ ወይ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበራት ምውካስ ኣገዳሲ እዩ፥ ብፍላይ ድማ ማሕበር በይናዊ ናይ ደቀንስትዮ ቤት(AUTONOMOUS WOMEN`S HOUSE/)(08005544 ነጻ ናይ ተለፎን ኣገልግሎት) ከምእውን ቤት ደቀንስትዮ (+38516119174) ኣብ እዋን ጾታዊ መጥቃዕቲ።
ገበናት ጽልኢ
ናይ ጽልኢ ገበን ብምኽንያት ዓሌታዊ ፍልልይ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ሃይማኖታዊ እምነታት፣ብሄራዊ ወይ ዓሌታዊ መበቆል፣ ጾታ፣ ስንክልና፣ ጾታዊ ሌላ፣ ጾታዊ መንነትን ይፍጸም።
ናይ ጽልኢ መደረ/ዘረባ ፡ ማሕበራዊ መግለጺ ንምስፍሕፋሕ፣ ምዕባይ ወይ ጽልኢ ምግላጽ፣ ኣፈላላይ፣ ጽልኢ ንዝተወሰኑ ጉጅለ ንምክያድ ዝዓለመ ማለት እዩ። ናይ ጽልኢ መደረን ገበንን ብገበናዊ ዓንቀጽ ክልኩልን ዘቅጽዕን እዩ።
ንዝኾኑ እዞም ናይ ገበን ዓይነታት ንፖልስን ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን ምውካስ ይከኣል።
ኮንትራትን ምቅያድ ብስምምዓትን
ኮንትራት ማለት ቀያዲ ስምምዕ ኣብ ዝተወሰኑ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ኩሉ ዝሰማማዕ ወገን እዩ።ኩሎም ወገናት በቲ ኮንትራት መሰረት ክሰማምዑን ክትግብሩን ግዴተኦም እዩ። እንተደኣ እቲ ስምምዕ ዘይተኸብረ ፡ እቲ ዝተጎድኣ/ዝተዓመጸ ወገን ሕጋዊ መፍትሒ መሰል ኣለዎ።
ኣብ ክርዋትያ እንታይ ዓይነት ቅጺ ናይ ኮንትራት ኣለዉ ፣ ደንብታቶም እንታይ ይመስሉ?
ኮንትራት/ስምምዕ ብጽሑፍ ወይ ብቃል ክፍጸም ይኽእል።ናይ ቃል ስምምዕ ክቡር እኳ እንተኾነ እቲ ዝሓሸ ግን ናይ ጽሑፍ ስምምዕ ይኸውን።ናይ ቃል ስምምዓት ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት ብብዝሒ ይፍጸም።
ናይ ጽሑፍ ስምምዓት ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ይፍጸሙ፥
- ስራሕ/ዕዮ
- ክራይ ኣባይቲ፣ ገዛ፣ ክፍልን
- ኣገልግሎታት ከም ናይ ኤለክትሪክ፣ ሞሞቂ፣ ስልኪ/ተለፎን(ሞባይል ወይ ቀዋሚስልኪ)፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ተለቪዥን፣
- ምሻጥን ምዕዳግን ንብረት ከም መኪና፣ ትካል ንግዲ
- ልቃሕ ፕሮግራም
ቅድሚ ምፍራም ኮንትራት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካል ንምምዝዛን ንምርኣይን ኣዳላውቲ ናይቲ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኾና ምምኽኻር ዝሓሸ እዩ፥ንኣብነት ናይ ተለፎን ኣገልግሎት።
ዝርገሓ ናይ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ስምምዕ ኮንትራት ኣብ ዕድመ ናይቲ ሰብ ይሙርከስ።ደቂንስትዮ ከምእውን ደቀተባዕትዮ ብማዕረ መሰል ናይ ኣብ ኮንትራት ዝግበር ስምምዓት ኣለዎም።ብቕዓት ናይ ኮንታራት ዝገብር ሰብ፡ ኣገዳሲ ቀዳምነት እዩ።ኣብ ሞንጎ ክልል ዕድመ 15-18 ውሱን ሕጋዊ ዓቅሚ ኣለዎም፣ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ሙሉእ ሕጋዊ ብቕዓት ኣለዎም።
ውሱን ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ክልል ዕድመ 15-18) ማለት ነገራት ናይ ምጥቃም ዕድል ኣለካ (ንኣብነት ናይ ጁባ ገንዘብ፣ ኣታዊ ገንዘብ)። ብመሰረት ስምምዕ ስራሕ ክትሰርሕ ይከኣል ፡ ጥዕናኻ ሙሉእ ክሳብ ዝኾነን ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርትኻ`ውን ጸገም ምስ ዘይህልዎ እዩ።
ሙሉእ ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ልዕሊ 18 ዓመት) ማለት ድማ ኩሉ ዓይነት ስምምዓትን ንግድን ምክያድ ይከኣል እዩ።እስኻ ባዕልኻ ሙሉእ ሓላፍነት ናትካን ናይ ባህሪያትካን ትወስድ። ብሓፈሻ ፡ መነብሪ ፍቃድ የድልየካ፣ ( መብዛሕትኡ እዋን ሕሳብ ናይ ባንኪ ኣብ ክርዋትያ) እዚ ድማ ኮንትራት ክትፍርም እንተተደልዩ ይኸውን።
ብሓፈሻ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ውዕል እንታይ ክፈልጥ ይግባኣኒ?
ናይ ስራሕ ውዕላት ኣብ ክርዋትያ ብ ጹሑፍ መልክዕ እዩ ዝፍጸም።ንስራሕ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ውዕላት ኣለዉ፡ እሳቶም ድማ ዝተፈላለዩ ቅርጽታት ስራሕን ወይ ድማ ኣገልግሎታትን ምስ ኣስራሒ ኣካል የጠቃልል።
ቅድሚ ምፍራም ውዕላት ብጥንቃቀ ምንባብን ምርዳእን የድሊ።ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ስራሕ/ዕዮ ርኸብ።
ሓለዋ ንመሰላት ዓሚል ዝህብ ኣገልግሎት ኣሎ ዶ?
ከም ኣህላኺ/ተጠቃሚ ንብረት ወይ ተጠቃሚ ኣገልግሎት መሰልካ ብኣንቀጽ ሓለዋ ኣህላኺ ዝተሓለወ እዩ።
ንኣብነት መሰልካ ከም ተጠቃሚ/ኣህላኺ ንብረት እንተደኣ ተጋሂሱ፥
- ዝገዛእካዮ ንብረት እንተ ተባላሽዩ ወይ ብግቡእ ኣንተዘይሰሪሑ፣
- ዝተጠቀምካሉ ኣገልግሎት ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ እንተከፊልካ፣
- ብኦንላይን/online ዝገዛእካዮ ንብረት እንተ ዘይዓጊብካሉ፣
ንመሰላት ኣህላኺ ዝጣበቁ ወሃብቲ ምኽርን ኣገልግሎታት ይርከቡ፥
ማእከል ሓበሬታ ንሓለዋ ኣህለኽቲ፥ ብቋንቋ ክርዋትያ ዝተዳለወ ጥራይ እዩ።
ኣብዚ ድማ ብዛዕባ መሰላት ኣህላኺ ኣብ ኣውሮፓዊ ሕብረት ብእንግሊዝኛ ምርካብ
ባጤራን ፊናንስን
ገንዘብ ኣብ ክርዋትያ
ባጤራ ክርዋትያ ኩና ይበሃል። ደረጃ ምቅያር ገንዘብ (exhange rate) ብገምጋም 7.5 ኩና 1 ዩሮ ይኸውን።
ሕሳብ ባንክ ከምእውን ካርድ ባንክ
ኣብ ክርዋትያ ን ዝኾነ ምስግጋር ወይ ቅብሊት ገንዘብ ፡ ምኽፋት ሕሳብ ባንኪ የድሊ።ተመሳሳሊ ዓይነት ኣገልግሎት ዝህባ ባንክታትን ኣለዋ፣ ናይ ባንኪ ኣገልግሎት ዋጋታት ግን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ፣ ድልየታትካ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝሳንየካ ባንኪ ክትመርጽ ተመራጺ እዩ።
ሓለዋ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ እንተኾንካ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት ካርድ መንነት ኣኻሊ ይኸውን። እንተኾንካ ግን፣ ሓታቲ ዑቅባ ሕሳብ ባንኪ ንምኽፋት OIB ዝበሃል ናይ መንነት መለለይ ቁጽሪ ከምእውን ብቁዕ ፓስ ፖርት/ካርድ መንነት ክህልወካ ይግባእ።ካልኦት ወጻእተኛታት ከም ኣባላት ስድራቤት ናይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበ ሰብ ድማ ብ ውሑዱ /መለለይ ቁጽሪ OIB ከምእውን ቡቁዕ ፓስፖርት ክህልዎ/ዋ ይግባእ፣ ካልኦት ዶኩመንትታት ድማ ካብ ባንኪ ናብ ባንኪ ይፈላለ።
ክልተ ዓይነት ሕሳባት ባንኪ ኣለዉ ፥
- ህልው ሕሳብ ንምቅባልን፣ ምኽፋልን፣ ምስሓብ ገንዘብን፣ ኣብ ምውፋር/ምእታው ገንዘብን ፣
- ጂሮ ሕሳብ ብቀንዱ ንምቅባል ኣታዊ ገንዘብን፣ ከም ግዝያዊ ናይ ኣገልግሎት ውዕል ወዘተ።
ብተወሳኺ ብዙሓት ዓይነት ባንኪ ካርድታት `ውን ኣለዉ። ኣዝዩ ዝውቱር ድማ ደቢት ካርድ እዩ፡ ንምኽፋል ከምእውን ምስሓብ ገንዘብ ኣብ ባንኪን ካብ ATM ይኸውን። ሕሳብ ምስ ከፈትካ እቲ ባንኪ ብነጻ ካርድ የዳልወልካ/ይሓትም።
ዝተፈላለዩ ናይ ልቃሕ ካርድታት ውን ኣለዉ፣ እሳቶም ንብረት ኣብ ምግዛእ፣ ምኽፋል ናይ ኣገልግሎት ብልቃሕ ( ዝኾነ ወርሓዊ ዝኽፈል ኣገልግሎትን ካልእን)።ቅድሚ ምጥቃምካን ፡ ሓበሬታ ክወሃበካን ክትጥንቀቅን ይግባእ፡ እዚ ድማ ዘየድሊ ወጻኢታትን ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ ከይከውን ዝዓለመ እዩ።
ዝውቱር መንገዲ ንምኽፋል ክፍሊትን ወጻኢታትን እንታይ ኣዩ?
እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣከፋፍላ ብባንኪ ካርድ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ እዩ።
ንኣገልግሎታትን ንብረትን ብዝምልከት ከም ኤለክትሪክ፣ ጋዝ፣ ተሌኮሙኒኬሽን፣ (ቀዋሚ ተሌፎን፣ ሞባይል፣ ቲቪ)፣ ማይ፣ ካልኦት ኣገልግሎታትን ን ክፍሊት ዝምልከት ወሃቢ ኣገልግሎት ናብ ኣድራሻኻ ደብዳቤ ይልእኽ።ኣብ ባንኪ ወይ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ምኽፋል ይከኣል።ከምእውን ብ ኢ-ባንኪንግ ዝበሃል ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ከለኻ ብዝህልወካ ስምምዕ ይኽፈል።
ነቲ ወርሓዊ ክትከፍሎ ዝግባእ ክፍሊት ንነዊሕ ዝዓለመ ትእዛዝ ናይ ክፍሊት ምጥቃም ይከኣል፣ እዚ ማለት ድማ ብቀጥታ ካብ ናይ ባንኪ ሕሳብካ ወርሓዊ ይኽፈል ማለት እዩ።ዝውሰድ ኮምሽን ገንዘብ ብመንጽር ኣከፋፍላ ክፈላለ ይኽእል።(ኣብ ባንክን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ዝኽፈል ዝኸበረ እዩ)
ክፍሊታትካ ቀጻሊ ኣብ ግዚኡ ክኽፈል ይግባእ። ግዜ ክፍሊት ኣብ ነፍስወከፍ ክፍሊት ተጻሒፉ ይርከብ፡ ወሃቢ ኣገልግሎት ድማ ናይ ምኽፋል ግዜ እንተሓሊፉ ወይ እንተዶንግዩ ዝያዳ ከኽፍል ይኽእል።ንኣብነት ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት እንተዘይከፊልካ፡ ወሃቢ ኣገልግሎት ንኣገልግሎት ኤለክሪክ ክቆርጾ ይኽእል።ምስ ተቋርጸ ድማ እቲ ዝያዳ ዝመጽእ ናይ ምቁራጽን ምቅጻልን ክፍሊት ክትከፍሎ ትግደድ፡ እዚ ድማ እንደገና ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ንምርካብ ማለት እዩ።
ናይ ዕዳ/ ሓደጋታትን ሳዕቤናትን እንታይ እዩ?
ምስ ዘይጡንቁቅ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ከምእውን ዘይምኽፋል ክፍሊታትን ወጻኢታትን፣ ብቀሊሉ ኣብ ዕዳ ክትወድቅ ትኽእል።ገንዘብካ ከመይ ከምትሕዞ ምፍላጥ ካብ ዘየድሊወጻኢታትን ምድሓንን ምቁጽጻር ዝሓሸ ይኸውን።ወርሓዊ ገለ ካብ ኣታዊታትካ ምውፋይ/ምቅማጥ ኣብ ሴቪንግ ተመራጺ እዩ።
ገንዘብ ክትልቃሕ ከለኻ ምጥንቃቅ ኣድላይ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ብዙሕ ገንዘብ፡ ምኽንያቱ ዳግም ንኽትከፍሎ ኣጸጋሚ ይኸውን። ዕዳ ኣብ እዋኑ እንተዘይተኸፊሉ፣ ኣለቃሒ ወይ ድማ መንግስቲ ብ ቀጥታ ካብ ሕሳብካ ዝተወሰነ ገንዘብ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ልቓሕ/ceredit
ልቓሕ ከተወግድ እንተዘይክኢልካ ፡ ንዝምልከቶም ፊናንሳዊ ትካላት ብናይ ክርዋትያ ብሄራዊ/ሃገራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዘለዎ ምውካስ ኣገዳሲ ይኸውን። ብተወሳኺ ሙሉእ ኩነታት ናይ ልቓሕ ከምዝተረዳእካ ርግጸኛ ክትከውን ይግባእ።
ክርዋትያ ብልምዲ እንታይ ትመስል
ኣብ ክርዋትያ ኣዝዩ ሰፊሕ ባህልን ልምድን ኣሎ።ሰሜናዊ ክፋል ናይ ክርዋትያ ካብ ማእከላይ ክፋል ከምእውን ምብራቃዊ ክፋል ፣ ካብ ቋንቋ ክሳብ ናይ መዓልታዊ ህይወት ይፈላለ።
እንተኾነ ግን ብ ገለ ነጥብታት ሓፈሻዊ እቲ ህዝቢ ይራኸብ እዩ፣ ክቱር ድሌት ናይ ቡን ምስታይ፣ ኩዕሶ እግሪ፣ ጸወታ ጸብለልታ ኣብ ሰማይ ።
ክርዋትያውያን ቡን ኣዝዮም የስተማቅሩ ፣ ንኺድ ቡን ንስተ እንተተባሂሉ ብሓፈሻ ነዕልል፣ ዘረባ ኣለኒ ማለት እዩ። ኣብ ክርዋትያ ቡን እንዳሰተዩ ቡዙሕ ግዜ ይወስዱ፣ ሰዓታት ዝኸውን ቡን ክብሉ ይውዕሉ።
ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዓለም ከም ህቡብ ጸወታ ይፍለጥ፣ ኣብ ክርዋትያ ኩሉ ዓይነት ስፖርት ፍቱው እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ ብቅዓት ሃገራውያን ፕሮፈሽናል ኣትለታት ሕቡናት እዮም።እቲ ኣዝዩ ህቡብ ናይ ስፖርት ዲሲፕሊን ሃገራዊ ጋንታ ምድጋፍን ቡን እንዳሰተኻ ምዕላልን ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ኣብ ክርዋትያ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ኣብ ኩነታት ባህሪውን ለውጢ ከምዝገብርን ይዝረብ።እዚ ድማ ኣብ ጥዕናዊ ኩነታት ለውጢ ይፈጥር፡ ንፋስ ደቡብ ምስኡ ዝተኣሳሰር ክሊማን ከም juzina ዝፍለጥ ኣዝዮም ካብ ዘማርርሉ ጉዳይ እዩ፡ እዚ ድማ ሕማቅ ስምዒታት ይፈጥር፣ ወይ ድማ ጹቡቅ ኣይስምዖምን።
ራክያ ዝበሃል መስተ ድማ ህቡብ መስተን ፍሉጥን ኮይኑ ካብ ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ድማ ከምዝከላኸል ድማ ይፍለጥ።
ገለ ካብቲ ህቡብ ምህዞ ኣብ ክርዋትያ ሻርባ ከምእውን ቀለም
ሃም ከተማ ናይ ክርዋትያ ኮይና ፣እታ ዝናኣሰት ካብ ዓለም እያ።
ብተወሳኺ 1246 ደሴታት ኣለዋ፡ 10% ካብ ግዝኣት ክርዋትያ ድማ ን ተፈጥራዊ መናፈሲ ዝተሓዝኣ እዩ ወይ ድማ ዝተዓቀበ መናፈሲ ። ከምእውን ክርዋትያ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ ባህላውን ታሪኻውን ኣቅሓታት ብዩኔስኮ/UNESCO ዝተዓቀበላ ሃገር እያ።
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ
ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ካብ መበቆላዊ ፡ ማለት ትዉልዲ ሃገሮም ፡ብምኽንያት ከቢድ ፍርሕን ብዘጋጥሞም ጭቆናን ንኽስደዱ ዝተገደዱ ሰባት አፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።
ዓይነታት ዓለም ለኻዊ ሓለዋ
ስለስተ ዓይነት ሓለዋ ኣለዉ ፤ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሐለዋ ፣ናይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ፣ ከምእዉን ሰብኣዊ ሓለዋ።
ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ኣብ ክርዋትያ ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ 1951 ዝተደንገገ እዩ።
ስደተኛ ማለት ካብ ትውልዲ ሃገሩ ብምኽንያት ጭቆና ኩናት ወይድማ ናዕቢ ንክወጽእ ወይድማ ክሃድም ዝተገደደ ማለት እዩ። ስደተኛ ሱርሰደድ ፍርሒ ናይ ጭኮና ብምኽንያት ዓሌታዊ፣ ሃይማኖታዊ ፣ቀቢላዊ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ወይድማ ኣባልነት ምስ ዝኾነ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምኻን ኣለዎ። መብዛሕቱ ኣጋጣሚታት ናብ ትውልዲ ሃገሩ ናይ ምምላስ ስግኣት ኣለዎ፡ ኩናት፣ ቀቢላዊ ግጭት፣ ሃማኖታዊ፣ ዓሌታዊ ግጭት፣ ካብቶም ስድተኛ ሃገሩ ገዲፉ ንክሃድም ዝግድድዎ ረቋሒታት እዮም። (UN)
ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ማለት ንዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ወይ ድማ ሃገር ኣልቦ ሰባት፡ ንናይ ስደተኛ ደረጃ ብቁዓት ዘይኮኑ ፡እንተኾነ ግን፡ ከቢድ ምኽንያት ናይ ስግኣትን፣ ስቅያትን፣ ሞትን፣ ከምዘለዎም ዝእመነሎም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።
ሰብአዊ ሓለዋ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘኽእሉ ባይታታት ምስ ዘይህልዉ ፣ፖሊስ ንሓታቲ ዑቕባ ፍቓድ ናይ ሰብአዊ ሓለዋ ብመሰረት ውሽጣዊ ኮምሽን ስደተኛታት መርትዖታት ናይ ሰባብአዊ አረአእያታት ምስ ዝህሉ ክህብ ይኽእል። እቲ ፍቓድ ንሓደ ዓመት ዝውሃብ ኮይኑ ክሕደስ ዝኽእልን ፍቓድ ስራሕ ዝህብን ኢዩ ።
ዝኾነ ሰብ ካብ ሃገሩ ብ ምኽንያት ጭቆና፣ ኢሰብአዊ አተሓሕዛ፣ ወይ ድማ ኵናት፣ ንኽሃድም ስለዝተገደደን ፡ምንም ኳ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ክርዋትያ እንተ አተወ ከምኡውን ወረቀት መንነት እንተዘይብሉን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ክሓትት ይኽእል። እቲ ጠለብ ዘቅርብ ሰብ ድማ ብ መርትዖ አሰንዩ ኩነታት መህደሚኡን ወይ ድማ ዘስካሕክሕ ጉድአትን ንኽወጽእ ዘተባብዕዎ ነገራትን ክገልጽ ይግባእ።
መስርሕ ናይ ዓለም ለኻዊ ሓለዋን ናይ ግዜ ሰለዳን
መስርሕ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ አርባዕተ ስጉምትታት የጠቃልል
- ምድላው (ምቅራብ) ጠለብ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ
- ወግዓዊ ጠለብ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ ብመንገዲ “C3 MODULE”
- ቃለ መሕትት ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛ
- ውሳኔ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛ
- ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጠለብ ዑቅባ ምስ ዝንጸግ
ምቅራብ ወግዓዊ ጠለብ፡ ፍሉጥ ናይ ግዜ ሰሌዳ የብሉን ።እንተኾነ ግን ፡እቲ ጠለብ ንናይ ዶብ ፖሊስ ፡ ወይ ድማ ንጨንፈር ፖሊስ ማለት ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክርከብ አለዎ።ሓታቲ ጠለብ አገደስቲ ወረቃቅቲ ከም ናይ ዓምድታት ጋዜጣ ፡አሳእል ፡ከምእውን ወግዓዊ ሰነድ ጥርዓን ወይ ድማ ጸብጻብ ሕክምና ብምቅራብ ጠለቡ ከረጋግጽ ይግባእ።
እቲ ሰብ ንሃገር ክርዋትያ ብዘይ ቪዛ ምስ ዝአቱ ፖሊስ አድላይ ምጽራይ ናይ መንነት ንምግባር አሰር አጻብዕን ስእልን ክወስድ እዩ።ቀጺሉ እቲ ጠለብ ንላዕለዋይ ተጸዋዒ ኢምግረሽን ብምልአኽ መስርሕ ምቅባል ጠለብ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ይካየድ።ሓታቲ ዑቅባ መልሲ ናይ ላዕለዋይ ኮምሽን አብ ዝጽበየሉ እዋን አብ ሃገር ክርዋትያ ክጸንሕ ይኽእል ከምእውን ካብ ዝምልከቶም አካላት መንግስቲ መዕረፊ ማእከልን መሰረታዊ ሓገዝ ይዋሃቦ።
መስርሕ ግምገማ
መስርሕ ምስማዕ ጠለብ ሕቶ ዑቅባ አብ ውሽጢ 30 ማዓልታት ካብቲ ናይ ፈለማ ሕቶ ክካየድ ይግባእ።ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ድማ አብ ውሽጢ 3 ማዓልታት ውሳነ ይህብ።እንተኾነ ግን አብ ባይታ ነዊሕ ግዜ ይወስድ።መስርሕ ምስማዕ ድሕሪ ዝተወሰነ አዋርሕ ስለ ዝካየድ መሰል ናይ ተርጓሚ ድማ ይህልወካ።
ውሳነ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብጽሑፍ መልክዕ ይቀርብ፤ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት ፤ግቡአት፤ግዜ ገደብን ፤አገባብ አፈጻጽማ ጠለብን የቅርብ ።ውሳኔ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል።
- አፍልጦ ንዓለም ለኻዊ ዑቅባ ፦ደረጃ ስደተኛ
- ንጹግ ደረጃ ስደተኛ ፦ ግን ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ይዋሃብ
- ንጹግ ደረጃ ስደተኛ፦ግን ሰብአዊ ሓለዋ ይዋሃብ
ዘይ ቅቡል ጠለብ (አቀዲሙ አብ ካልእ ናይ ኤውሮፓ ሃገር ጠለብ ዘቅረበ )
ጠለብ ምስ ዝንጸግ ናይ ዳግመ ግምገማ ዕድል ይህልው።እንተኾነ ግን ሓድሽ ወይ ድማ ፈለማ ዘይቀረበ መርትዖታት ምስ ዝህሉ ይኸውን።እዚ ምስ ዘይከውን ድማ ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛ ዝተዋህበሉ ግዜ ጀሚሩ አብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክቅረብ ይከአል:(አብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከብ ድማ 15 ማዓልታት) እዚ ድማ ነቲ ናይ አገዲድካ ምፍናው (ምጥራዝ) መስርሕ ደው የብሎ፡ ግዝያዊ ናይ መንበሪ ፍቃድ ድማ ይዋሃብ።
መሰላትን ሓላፍነትን ሓተትቲ ዑቅባ
ሓታቲ ዑቅባ መሰል ስራሕ ይህልዎ እዚ ድማ 60 መዓልታት ካብ ናይ ዑቅባ መስርሕ ጠለብ ዝቀረበሉ ግዜ ይኸውን።
ክሳብ መንበሪ ፍቃድ ናይ ሓታቲ ዑቅባ ዘይወደቀ መሰል ናይ ሕክምናዊ ሓገዝ ይህልዎ (እዚ ድማ አብ ሃገራዊ ጥዕናዊ አገልግሎት ምዝጉብ ምስ ዝኸውን እዩ)።
አብ እዋን መስርሕ ምሕታት ዑቅባ መሰል ናይ ተርጓምን ሕጋዊ ወኪልን ይህልዎ።
ሓላፍነት ሓታቲ ዑቅባ ብዝምልከት ድማ ንናይ ሃገረ ክርዋትያ ሕግታትን ደንብታትን ምኽባር ይግባእ።
ብተወሳኺ ሓታቲ ዑቅባ ምስ ናይ መንግስቲ ትካላት ማለት ቤት ፍርዲ ፤ፖሊስን፤ ካልኦትን ናይ ምትሕብባር ግዴታ ይህልዎ።
ማሕዩር(ቤት ማእሰርቲ ፦ሓታቲ ዑቅባ ገበን ምስ ዝፍጽም ፡ናይ ምእሳር ውሳኔ ምስ ዝህልዎ ወይ ድማ ግዴታዊ ናይ ምጥራዝ ውሳኔ ምስ ዝህልዎ ክእሰር ይኽእል።
ተወሳኺ ሓበሬታ እዚ link ተወከስ፦
Law on International and Temporary Protection: http://www.refworld.org/docid/4e8044fd2.html
Asylum Information Database: http://www.asylumineurope.org/reports/country/croatia/general
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት ኢዩ?
ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብሕብረት ኣውሮፓ ናይ ምትሕግጋዝ ዝተዳለወ ኮይኑ ንሓለዋ ዘለዎም ሰባት ካብ ሓንቲ ኣባል ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገር ናብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገር ዳግም ምስፋር ማለት ኢዩ።ጽዕንቶ ኣውሮፓዊት ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዶባት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ዝርከባ ሃገራት ንምቅላል ዝዓለመ ፕሮግራም ኢዩ።መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ መደብ ድማ ብሓባራዊ ውሳኔ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገራት ዝተደገፈ ኢዩ።
ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣዮኖት እዋናውያን ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ይርከቡ?
ብምኽንያት ቀጻልናት ዋሕዚ ጠለብ ሓለዋ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ኣብ ዓመተ 2015 ክልተ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ስምምዓት ተበጺሑ።ኣውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ግንቦት 2015 መደብ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናይ 40000 ሰባት ካብ ኢጣልያን ግሪክን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።ስዒቡ ድማ ጠለብ ሓለዋ ኣብ መስከረም 2015 ዘቅረቡ 120000 ሰባት ተወሳኺ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሓንጺጹ።ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ለበዋትት ብጠቅላላ 160000 ሰባት ካብ ግሪክ ፣ኢጣልያ፣ከመእውን ሃንጋሪያ ተቀባልነት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ብዝተፈላዩ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ክረኽቡ ኢዮም።እንተኾነ ግን ነቲ ለበዋ ሲዒቡ ሃንጋርያ ኣብ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዘይተስተፍነታ ኣፍሊጣ።ስለዝኾነ ድማ አቲ መደብ ካብ ኢጣልያን ግሪክን ይካየድ ኣሎ።
1 ሕጋዊ መስፈሪታት ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ
ሕጋዊ መሰረት ናይዚ ህልው መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ኢዩ?
ሕጋዊ መሰረት ናይዚ መደብ እዚ፡ ውሳኔ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ንዳግመ ምውዛዕ ስደተኛተት፣ ካብ ዝኣትውለን ሃገራት (ኢጣልያ/ግሪክ) ፡ናብ ኣባል ሃገር፡ ከምእውን ውሳኔ ናይ ዝምልከቶ ሚንስትሪ ኣባል ሃገር ይኸውን ።ንክርዋትያ ብመሰረት ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝኣትዉ ሰባት ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ኣተሓሕዛ ይህልዎም።
2 ብኸመይ ይትግበር?
እውናዊ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብ ኸመይ ይትግበር?
ሕርያ ናይ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ኣብ እማመ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ኢጣልያን ግሪክን ብምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ(EASO) ይካየድ።ኣብ ዝቅጽል ስጉምቲ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክርዋትያ ፍቃድ ምቅባል ይህብ።ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዛጊት ኣብ ኢጣልያ /ግሪክ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ዘለዎም ሰባት ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ብሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ብውሑዱ 75% ናይ ሓለዋ ገምጋም ዘለዎም ዘካተተ ኢዩ።ዛጊት ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ጠለብ ዑቅባ ዘቅረቡ ሰባት ግና ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።
በዚ ውሽጣዊ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሃገረ ክርዋትያ ከም ዝተቀበለትካ መጠን ፣ድሕሪ ምእታው ናብታ ሃገር ሙሉእ ናይ ዑቅባ መስርሕ ከተካይድ ይግባእ።ፈለማ ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት ክትምዝገብ ይግባኣካ፣ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝተዳለወልካ ቦታ ትቅመጥ፣ድሕሪዚ ናይ ምዝገባ ግዜ እቲ መስርሕ ልክዕ ከምቲ ልሙድ ሕቶ ጠለብ ንዑቅባ ይኸውን፣ቀጺሉ ድማ ቃለ መሕትት ይኸውን።
2.1 ኣብ ናይ ምስግጋር ሃገር እንከለኻ/ቅድሚ ናብ ክርዋትያ ምእታውካ
ኣየናይ ኣካል`ዩ ኣብቲ ቦታ ሓላፍነት ዝውወስደለይ ?
- ሰብመዚ /ሰበስልጣን ሃገራዊ ዑቅባ
- ናይ ኣውሮፓ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ
- ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር(IOM)
ብውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናብ ክርዋትያ እንተሓርየ ዝስዕቡ ስጉምትታት እንታይ ይመስሉ?
- ሃገራዊ ናይ ዑቅባ ሰበስልጣናት (national asylum authorities) ኣብ ግሪክን ኢጣልያን ብ ምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ንዑቅባ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ከም ሕጹይ ክመርጹካ ይኽእሉ፣ቀጺሉ ናብ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክርዋትያ የሰጋግሩኻ።እታ ሃገር ናይ ምቅባል ደገፍ ምስ ሃበት ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር(IOM)ይዋሳእ።ብወገንካውን እቲ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ውሳኔ ናብ ክርዋትያ እንተ መሪጽካ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ብቀጥታ ኣብ ናይ ተጠቀምቲ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝርዝር ኣስማት የእትወካ።
- ቀጺሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር ነቲ ኣገዳሲ ናይ ቅድመ ምብጋስ ኩነታት ንጥፈታታብ ግብሪ ንምውዓል ይንቀሳቀስ፣እዚ ድማ ብዛዕባ ጉዕዞ ሙሉእ ሓበሬታ ከምዘለካን ብኽብረትን ውሕስነትን ከምእትጓዓዝ የጠቃልል።
- ኣገዳስነት ሙሉእ ጥዕና ንምርግጋጽ ናይ ጥዕና መርመራን ከምእውን ብቁዕ-ን-ጉዕዞ መርመራ የካይድ።ኣገዳሲ ሓበሬታ ድማ ምስ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ሃገር ይለዋወጥ።ኣገዳስነት ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣካል ድማ ይሕበር፣ብኽብረትን ውሕስነትን ድማ ትሳፈር።
- IOM ብተወሳኺ ናይ ቅድመ ምብጋስ ናይ ምልላይ ኣኼባታት የካይድ ።እዚ ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያን ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ይኸውን።እዝውን ሙቹእ ዕድል ንምእካብ ሓበሬታ ብዛዕባ ተመዲብካሉ ዘለኻ ሃገር ፣ትጽቢታትካ ንምቁጽጻርን ፣መባእታዊ ናይ ድሕረ ምቅባል ግዜን ፣ሓገዝ ንምውህሃድ የጠቃልል።
- ነቲ ጉዕዞ ብዝምልከት ድማ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ምንቅስቃስ ይቆጻጸር፣ቅድመ-ምብጋስ ኣኼባ የካይድ ፣ኣብዚ እዋን `ዚ ድማ ሓፈሻዊ ግብራዊ ዝርዝር ናይቲ ጉዕዞ የዳሉ፣መሰጋገሪ በረራ ንዘለዎም ድማ ይሕግዝ፣ከምእውን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ንዝኣትዉ ድማ ይቅበል።
ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ምምዳብ ክንደይ ግዜ ይወስድ?
ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብቁዕ ምዃንካ እንተትወሲኑ ፡ ምስግጋር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ይካየድ።ብ ገምጋም ኣስታት 2 ወርሒ ይወስድ።
2.2 ምንቅስቃስ ናብ ክርዋትያ
ክርዋትያ ምስ አተኹ እንታይ የጋጥመኒ
- ፈለማ ምቅማጥ
ድሕሪ ናብ ሃገር ክርዋትያ ምእታውካ አብ ናይ ፈለማ መዕረፊ ማእከል ትአቱ።ቀጺሉ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ፡ናይ ስደተኛ ደረጃ ይዋሃበካ።እዚ ድማ ብዉሑዱ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይኸውን።ሙሉእ ሓበሬታ ፡ከምእውን ስእሊ ናትካን ናይ ስድራቤትካን ይስነድ።ብተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልካ።
- መንነት ወረቀምቅማጥ ት(DOCUMENTS)
ፈለማ ሰሙን አብ መዕረፊ ስደተኛታት ናይ ሕቶ ዑቅባ ዘለዎም ካርድ መንነት ይዋሃበካ።እዚ ድማ ናይ መንነት ካርድኻ ይኸውን።
ብኽብረትካ አስማትካ ብትኽክል ክትህብ ይግባእ።እዚ ድማ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት
ምእካብ ሓበሬታ ይኸውን።እቲ ትህቦ ስም ናይ መጻኢ መለለይ መንነትካ አብ ክርዋትያ ይኸውን።እቲ ስም አብ ናይ ስደተኛ ካርድኻ ፡ፓስፖርትኻ ፡ልክዕ ከምቲ አብ እዋን አብ ቃለ መሕትት ዝተሰነደ ይኸውን።
- ናይ ነዊሕ ግዜ ጠመተ
ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወይ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ሰበስልጣን ሃገረ ክርዋትያ እቲ ንስደተኛ ደረጃ ከውህብ ዝኻአለ ምኽንያታት አሎ ድዩ ወይስ የሎን ዳግመ ምርመራ የካይዱ።ጸጥታዊ ኩነታት ከምቲ ዝነበሮ አሸጋሪ ምስ ዝኸውን፤ድሕሪ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ መዋእል መንበሪ ይወሃበካ።እንተኾነ ግን ጸጥታዊ ኩነታት ሃገርካ እንተዳአ ተቀይሩ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ የብቅዕ፤ናይ መዋእል መንበሪ ፍቃድ ድማ ይስረዝ ፡ብኡ መንጽር ድማ ሃገረ ክርዋትያ ገዲፍካ ክትወጽእ ትግደድ።
- መንበሪ ገዛ
አብ ፈለማ ሰሙናት አብ ክርዋትያ ምስ ካልኦት ስደተኛታት አብ ግዝያዊ መንበሪ ትቅመጥ።ድሕሪ ናይ ፈለማ ምምሕዳራዊ ስጉምትታት አብ ዝተዳለወልካ ናይ ውልቂ መንበሪ ትቅመጥ።
አብ ሐደ ሐደ አጋጣሚታት እቲ መንበሪ ንመሰጋገሪ ወይ ድማ መጻንሒ ዝተወህበካ ይኸውን።ናብኡ ትሰጋገር ምስ ፍሉይ አማኻሪኻ ድማ ትላለ።
እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ አገልግሎታት ይህልወኒ ?
ብመንግስቲ ደረጃ ንስደተኛታት ዝውሃብ ሐገዝ አብ ሃገረ ክርዋትያ ብሓደ ወገን ብናይ ዑቅባ ደረጃን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዞባዊ መንግስቲ ብመሰረት ትነብረሉ ዞባ ዝህቦ ሓገዛትን ይሙርከስ።
- ሓተትቲ ዑቅባ
ዑቅባ ካብ ትሓተሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ መደምደምታ ናይ ዑቅባ መስርሕ ሓታቲ ዑቅባ ኢኻ።አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ሓታቲ ዑቅባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድን መባእታዊ ናይ ጥዕና አገልግሎት መሰል ይህልዎ።ሓተትቲ ዑቅባ ንዞባዊ መንግስቲ ይምቅርሑ፤አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ድማ አብ ትሕቲ ዞባዊ መንግስቲ ይኾኑ።ናይ ስራሕ ዕድል ድማ አይህልዎምን፤አብ ገለ አጋጣሚታት ግን ማለት ባዕላዊ ስራሕ ከካይዱ ምስ ዝደልዩ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ምስ ዝህሉ ግን ክሰርሑ ይኽእሉ።
- ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት፤ ሙሉእ ዕድል ናይ ማሕበራዊ ክፍሊት (benefit ይህልዎም ።እዚ ድማ ዉሑድ አታዊ ምስዝህልዎም ይኸውን።እንተኾነ ግን አብ ሓደ ሓደ ዞባታት እዚ ዕድላት አይህልውን።አብ ስምምዕ ማሕበራዊ እንተደኣ አለዉ ግን ማሕበራዊ ክፍሊት ይዋሃቦም።
- አፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት፤ናይ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ስደተኛታት ከምእውን ፖለቲካዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፡ መስርሕ ናይ ዑቅባ ስለ ዝወድኡን ፡ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ አፍልጦ ዝረኸቡን ስደተኛታት ኢዮም ።ሙሉእ ናይ ስራሕ ዕድል ይህልዎም፡ብተወሳኺ ድማ ማሕበራዊ ክፍሊት ማዕረ ዜጋታት እታ ሃገር ይህልዎም፤ ንአብነት አብ ጠለብ ዝተመርኮሰ ውሑድ አታውን ፤ ስድራ ቤታዊ ሓገዛትን ዝአመሰሉን።
ብድሕሪ ዝወሃበኒ ናይ ስራሕ ዕድል ብቀጥታ ስራሕ ክረክብ አንተዘይኪኢለ አንታይ ክገብር ይግባእ?
ብፍላይ ኣብ ናይ ፈለማ መዓልታት ዝበዝሑ ስራሕ ብቀሊሉ ኣይረኽቡን ።አዚ ድማ ቛንቛ ክመሃሩ ስለ ዘለዎም ኢዩ።ኣብዚ አዋን አዚ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ዘለዎም ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ናይ ዉሑድ ደረጃ ኣታዊ ደረጃ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።ኣርበዕተ ወርሒ ድሕሪ እወታዊ ናይ ዑቅባ ውሳነ ናይ መባእታዊ ሓገዝ ዕድል ኣይህልዎምን።ስለዝኾነ ድማ ናይ መባእታዊ ክፍሊት ሓገዝ ሕቶ ከቕርቡ ይግባእ።አዚ ድማ ኣስታት 8 ሳምንታት ግዜ ይወስድ።ኣብዚ አዋን አዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይረኽቡን።ናይ ውሑድ ኣታዊ ሓገዝ ምስ ማሕበራዊ ሓገዝ ዝተሓሓዘ እዩ።
2.3 ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
ስድራቤተይ ናብ ክርዋትያ ከምጽእ ይኽእል ዶ?
ኣሃዝ ብዝምልከት ስድራቤታዊ ስደት አቲ ዝዓበየ ኢዩ።(ካብ 2014-16 ጥራሕ ኣሃዝ ናይ ዑቅባ ሕቶታት ብደረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ስድራቤታዊ ጥርናፈ አቲ ዝላዓለ ኔሩ)።
ናይ ሰፈራን ምንባርን ኩነታት ኣባላት ስድራቤት ማለት ሰብኣይን ሰበይትን (ሙዝጉባት ተጻመድቲ ከም እውን ዘይምርዕዋት በጽሒታት፡ሞግዚትን ደቂ ናይ ሓደ ካብኣቶም ዘጠቃለለ ኢዩ።ኣብ ግዜ ጥርናፈ ምርዑዋትን፡ተጻመድትን፡21 ዝዕድሚኦም ወይ ድማ ልዕሊኡ ክኾኑ ይግባኣ።አዚ መስፈሪ እዚ ድማ ብሓደ ንክልቴኦም ይምልከት።
ብርግጽ ሕጊ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ አውሮፓ ኣዝዩ ዝተሓላለኽ ኢዩ።ንሓለዋ ዝተዋህቡ ሰባት ከም እውን ኣባላት ስድራቤት ናይ ኣውሮፓ ዜጋታት ፡ኣባላት ስድራቤት ተወላዶ ሳልሳይ ሃገር ዝተፈልየ እዩ ኣሎ ።
- ሓተትቲ ዑቅባ
ከም ሓተትቲ ዑቅባ መጠን ሕቶ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ምቅራብ ኣይከኣልን
- ሓለዋ ንዝተዋህቡ ሰባት ኣብ ፈለማ 3 ኣዋርሕ
ኣብ ክርዋትያ ደረጃ ናይ ስደተኛ ሓለዋ አንተዳኣ ኣሎካ ስድራቤት ናብ ክርዋትያ ምጥርናፍ ይከኣል።ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ካብ ዝተዋሃብካሉ ግዜ ጀሚሩ ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ
ሕቶ ኣብ ውሽቲጢ 3 ወርሒ ክቀርብ ይግባእ።ስድራቤትካ ሕቶ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ክርዋትያ ናይ ዝርከብዎ ሃገር ከቅርቡ ይግባእ።ኣብተን ፈለማ ናይ ስደተኛ ደረጃ ዝተቀበልካሉ 3 ኣዋርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ቅልል ዝበለ ኢዩ።ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ አንተኾይኑ ግን ሓደ ሓደ ጠለባት ከተማልእ ክትሕተት ትኽእል፥እሱ ድማ ናይ ገንዘብ ኣታውን ብቁዕ መንበሪን ።ቀይሕ መስቀል ክርዋትያ ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራቤት ብዝተፈላለዩ ቛንቛታት ሓበሬታ ይህብ።
- ሓለዋ ስደተኛ ዝተዋህቡ ሰባት ድሕሪ ናይ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምእውን ካልኦት ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋታት
ኣብ ሃገረ ክርዋትያ ዕድላት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ብመሰረት ዝተዋሃብካዮ መንበሪ ፍቓድ ዝፍለ ይኽውን።
ከም ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ መጠን ኣባላት ስድራቤትካ መንበሪ ፍቓድ ይዋሃቦም’(ቀይሕ ጻዕዳ
ምስ ቀይሕ ካርድ)አዚ ድማ ሓፈሻዊ መስፈሪታት ንምውናን መንበሪ ፍቃድ ዘማላኡ ምስ ዝኾኑ ኢዩ።አቲ ካርድ ንወናኒኡ ነጻ ናይ ስራሕ ዕድላት ይህብ።
ከም ሕጊ ጠለብ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ክርዋትያ ናይ ትውልዲ ሃገሮም ከቅርቡ ይግባእ።(ወይ ድማ ኣብ ዝቅመጥሉ ሃገር) ብፍሉይ ግን አቲ ሕቶ ጠለብ ጥርናፈ ብመሰረት ዜግነቶም ኣብ ውሽጢ ክርዋትያ ከቅርቡ ይኽእሉ።አዚ ድማ ናብ ሃገር ክርዋትያ ብዘይ ናይ ቪዛ ኣድላይነት ክኣትዉ የኸእሎም።
እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መስፈሪታት መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ክማላእ ይግባእ
- እኹል ናይ ኣታዊ ዓቅሚ፥4 አኹልን ተኸታታሊ ኣታውን ፡ን ናብራኻ ብዘይ ናይ ማሕበራዊ ሓገዛት ከውሕስ ዝኽእል ክህልወካ ይግባእ።እቲ ኣታዊ ልክዕ ወይ ድማ ካብቲ ሙዱብ ናይ ጥሮታ ደረጃ ዝለዓለ ክኽውን ይግባእ።
- ውሕስነት ጥዕና፥5 ሸፈነ ውሕስነት ጥዕና፥ምቅራብ ማሕበራዊ ሓገዛት፥ሸፈነ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩሉ ዓይነት ስግኣታት
- ዝተማለአ ናይ መንበሪ ዓቅሚ ምስ ናይ ውሽጢ ደረጃ ዝዛመድ፥6 መርትዖ ንብቁዕ ናይ መንበሪ ደረጃ ንስድራቤትካ ዝምጥን ብመሰረት ናይ ውሽጢ ደረጃ ከተቅርብ ይግባእ
- ብቁዕ መንቀሳቀሲ ወረቀት7
- ነጻ ቦታ ኣብ ኣገዳሲ ኮታ(ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክርዋትያ ን ስድራቤታት ዝተሓዝኣ ቦታታት ኣሎ)።
- ኣባላት ስድራቤትካ መባእታዊ ናይ ቛንቛ ክርዋትያ ብቕዓት ደረጃ1 (A1)ብመሰረት ንድፊ ስራሕ አውሮፓ ንቛንቛታት ከቅርቡ ይግባእ፥እዚ ድማ ንሕቶ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ሓጋዚ ይኸውን።ብተወሳኺ module 1 (ስምምዕ ምውህሃድ)ክኽትሙ ይግደዱ።መሰረታዊ ትሕዝቶ module 1 ንቛንቛ ክርዋትያ ክዳለዉ ይሕግዝ።እዚ ድማ ብቅዓት ቛንቛ ደረጃ 2(A2) ብመሰረት ንድፊ ስራሕ ኣውሮፓ ንቛንቛታት ይሕግዞም።ነቲ ዝዳሎ ናይ ቛንቛ ፈተና እንተ ዘይሓሊፎም ዳሕሪ 2 ዓመት ዝሕደስ መንበሪ ፍቃድ ኣይህልዎምን።
- ሰብመዚ ወይ ድማ ሰበስልጣናት ብተወሳኺ ስድራቤትካ ስግኣት ህዝባዊ ፖሊሲ ፣ህዝባዊ ስርዓት(ደምቢ)፣ወይ ድማ ህዝባዊ ጥዕና ንኸይህልዎም መርመራ የካይዱ10።
ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት እዩ?
ዳግመ ሰፈራ፡ ንብፍሉይ ተጠቃዕቲ ስደተኛታት ናይ ምሕላው መንገዲ ወይ መስርሕ ኢዩ።እዞም ስደተኛታት ድማ ካብ ናይ ፈለማ ተቀባሊት ሃገር ብምኽንያት ኲናት፡ግጭት፡ ወይ ድማ ጭቆና ዝተዓቅቡላ ፡ናብ ሳልሳይ ሃገር ተቀባልነት ሓለዋ ንስደተኛታት ትህብ ይሰጋገሩ።ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት(UNHCR)፣ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ትካል( UNRA) ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት ኣገባባት አማዕቢሉ ይርከብ።
ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤
ዝበዝሑ ስደተኛታት ቁልጡፍ ሓለዋ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ይደልዩ።(ካብዚኦም ሒደት ሚእታዊ ድማ ናብ ርሑቅ ናይ ኤውሮፓ ሕብረት ሃገራት ዑቅባ ንክሓቱ ይንቀሳቀሱ) ፡እንተኾነ ግን ዘተአማምን ምትሕብባርን ንነዊሕ ዝዓለመ ክንክን አብተን ሃገራት ውሑስ አይኮነን።
ንተቀባልነት ዳግመ ሰፈራ እንታይ የድሊ?
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) 8 መምዘኒታት ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አዳልዩ ይርከብ።እዚ ድማ “ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ነጥብታት” ይበሃል።ብሓፈሻ ስደተኛታት ክመዝገቡን አፍልጦ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ክህልዎም ይግባእ። ብውሑዱ ሐደ ካብዚ ዝስዕብ ዘማልኡ ውልቀ ሰባት ንዳግመ ሰፈራ አብ ግምት ይአትዉ።
- አድላይነት ሕጋውን አካላውን ሓለዋ
- ካብ ጭቆናን ግጭትን ዝደሓኑ
- ሕክምናዊ አድላይነት
- አብ ስግአት ዝርከባ ደቀንስትዮ
- ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
- ህጻናትን ብጹሓትን
- ሽማግለ ስደተኛታት
- ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR )ንዳግመ ሰፈራ ዘድልዩ መምዘኒታት ይመዝን፤መን ይግበኦ ድማ ይመርጽ።እቲ ናይ መወዳእታ መን እዩ ብቁዕ ነቲ ተቀባልነት ድማ ነታ ተቀባሊት ሃገር ይዋሃብ።ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን ተወሳኺ ናይ ምቅባል መስፈሪታት ይህልወን፤ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት መስፈሪ ድማ ሓደ አይኮነን።
2 መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?
መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?
ምርጫን ምግዓዝን ስደተኛታት ከም አካል መስርሕ ዳግመ ሰፈራ አዝዩ ዝተሓላለኸን ብዙሓት ዓለም ለኻውያን ተዋሳእቲ አለውዎ።
ተጠቃሚ መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ንሙዃን ድማ መጀመርታ አፍልጦ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት( UNHCR ) ክህሉ ይግባእ።
ብተወሳኺ ፍሉይ ደረጃ ተጠቃዕነት (VULNERABILITY) ክህሉ ይግባእ።መወከሲ
ንአብነት ፤ ሕጻን፡ አካለ ስንኩል፡ሕማም ወይ ድማ ግህሰት ሰብአዊ መሰል አብ ናይ ፈለማ ዝተዓቅበሉ ሃገር ምስ ዝህሉ ይኸውን።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት 8 መስፈሪታት ንዳግመ ሰፈራ አዳልዩ ይርከብ ፤መወከሲ ።በዚ መሰረት ድማ ብቁዓት ሰባት ንዳግመ ሰፈራ ንምምራጽ ይውስን።
- አድላይነት ሕጋውን አካላውን ሓለዋ
- ካብ ጭቆናን ግጭትን ዝደሓኑ
- ሕክምናዊ አድላይነት
- አብ ስግአት ዝርከባ ደቀንስትዮ
- ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
- ህጻናትን ብጹሓትን
- ሽማግለ ስደተኛታት
- ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
- ሓደ ካብዞም መስፈሪታት ምስ ዝማላእ ከምእውን አብ መበቆል ሃገርካ ወይ ድማ አብቲ ፈለማ ዝተዓቆብካሉ ሃገር ንሽግርካ ዘላቂ ፍታሕ ምስ ዘይህሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR ) ፡ ናይ ዳግመ ሰፈራ እማመ ይህብ።
- እዚ ናይ ዳግመ ሰፈራ ሕጋዊ መስርሕ አብ ናትካ ሙሉእ ድጋፍ ይሙርከስ።
- እንተኾነ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ምቅባል ውሳኔ ሓላፍነት ናይ ተቀባሊ ሃገር ይኸውን።
- ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን መቀበሊ መስፈሪታት ኣለወን፡ ማለት ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዘይሳን ክኸውን ይኽእል።
- እታ ሃገር ንክትቅበል ድልውቲ ምስ እትኸውን ናይ ምፍናው አገደስቲ መንገዲታት ይዳሎ ።
- አብታ ሃገር ዝአተኻሉ እዋን እታ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቃድ ትህበካ፡ ብውሑዱ ናይ 3 ዓመት ‘አብ ክርዋትያ ` ከምእውን፡ መንበሪ ፍቃድ ናይ ስደተኛ ሓለዋ ።
2.1 አብ ናይ ፈለማ ተቀበሊት ሃገር እንከለኻ
አብ ናይ ፈለማ ተቀበሊት ሃገር አብዝህልወ ሉ ግዜ እንታይ የጋጥመኒ?
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብውልቂ ደረጃ ዳግመ ሰፈራ ንስደተኛታት ይመሚ።እዚ ድማ ካብተን 8 ናይ ዳግመ ሰፈራ መስፈሪታት አብ ግምት ብምእታው ይኸውን።
ከም ስደተኛ ንናይ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ከተመልክት አይካአልን።
አብ መወዳእታ ውሳኔ ተቀባልነትካ ን ሰበስልጣን ተቀባሊት ሃገር ይምልከት/ክርዋትያ።
ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ትካል (IOM )ባህላዊ ናይ ምልላይ ስልጠናታት የካይድ፤እዚ ድማ ቅድሚ ምብጋስ ናብ ተቀባሊት ሃገር ይኸውን፤ ናይ ጉዕዞ ምድላዋት ናብ ተቀባሊት ሃገር/ክርዋትያ የሳልጥ።
2.2 ምንቅስቃስ ናብ ክርዋትያ
ክርዋትያ ምስ አተኹ እንታይ የጋጥመኒ
- ፈለማ ምቅማጥ
ድሕሪ ናብ ሃገር ክርዋትያ ምእታውካ አብ ናይ ፈለማ መዕረፊ ማእከል ትአቱ።ቀጺሉ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ፡ናይ ስደተኛ ደረጃ ይዋሃበካ።እዚ ድማ ብዉሑዱ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይኸውን።ሙሉእ ሓበሬታ ፡ከምእውን ስእሊ ናትካን ናይ ስድራቤትካን ይስነድ።ብተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልካ።
- መንነት ወረቀት መንበሪ (DOCUMENTS)
ፈለማ ሰሙን አብ መዕረፊ ስደተኛታት ናይ ሕቶ ዑቅባ ዘለዎም ካርድ መንነት ይዋሃበካ።እዚ ድማ ናይ መንነት ካርድኻ ይኸውን።
- ብኽብረትካ አስማትካ ብትኽክል ክትህብ ይግባእ።እዚ ድማ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ምእካብ ሓበሬታ ይኸውን።እቲ ትህቦ ስም ናይ መጻኢ መለለይ መንነትካ አብ ክርዋትያ ይኸውን።እቲ ስም አብ ናይ ስደተኛ ካርድኻ ፡ፓስፖርትኻ ፡ልክዕ ከምቲ አብ እዋን አብ ቃለ መሕትት ዝተሰነደ ይኸውን።
ናይ ነዊሕ ግዜ ጠመተ
ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወይ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ሰበስልጣን ሃገረ ክርዋትያ እቲ ንስደተኛ ደረጃ ከውህብ ዝኻአለ ምኽንያታት አሎ ድዩ ወይስ የሎን ዳግመ ምርመራ የካይዱ።ጸጥታዊ ኩነታት ከምቲ ዝነበሮ አሸጋሪ ምስ ዝኸውን፤ድሕሪ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ መዋእል መንበሪ ይወሃበካ።እንተኾነ ግን ጸጥታዊ ኩነታት ሃገርካ እንተዳአ ተቀይሩ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ የብቅዕ፤ናይ መዋእል መንበሪ ፍቃድ ድማ ይስረዝ ፡ብኡ መንጽር ድማ ሃገረ ክርዋትያ ገዲፍካ ክትወጽእ ትግደድ።
- መንበሪ ገዛ
አብ ፈለማ ሰሙናት አብ ክርዋትያ ምስ ካልኦት ስደተኛታት አብ ግዝያዊ መንበሪ ትቅመጥ።ድሕሪ ናይ ፈለማ ምምሕዳራዊ ስጉምትታት አብ ዝተዳለወልካ ናይ ውልቂ መንበሪ ትቅመጥ።አብ ሐደ ሐደ አጋጣሚታት እቲ መንበሪ ንመሰጋገሪ ወይ ድማ መጻንሒ ዝተወህበካ ይኸውን።ናብኡ ትሰጋገር ምስ ፍሉይ አማኻሪኻ ድማ ትላለ።
እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ አገልግሎታት ይህልወኒ ?
ብመንግስቲ ደረጃ ንስደተኛታት ዝውሃብ ሐገዝ አብ ሃገረ ክርዋትያ ብሓደ ወገን ብናይ ዑቅባ ደረጃን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዞባዊ መንግስቲ ብመሰረት ትነብረሉ ዞባ ዝህቦ ሓገዛትን ይሙርከስ።
- ሓተትቲ ዑቅባ
ዑቅባ ካብ ትሓተሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ መደምደምታ ናይ ዑቅባ መስርሕ ሓታቲ ዑቅባ ኢኻ።አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ሓታቲ ዑቅባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድን መባእታዊ ናይ ጥዕና አገልግሎት መሰል ይህልዎ።ሓተትቲ ዑቅባ ንዞባዊ መንግስቲ ይምቅርሑ፤አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ድማ አብ ትሕቲ ዞባዊ መንግስቲ ይኾኑ።ናይ ስራሕ ዕድል ድማ አይህልዎምን፤አብ ገለ አጋጣሚታት ግን ማለት ባዕላዊ ስራሕ ከካይዱ ምስ ዝደልዩ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ምስ ዝህሉ ግን ክሰርሑ ይኽእሉ።
- ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት፤ ሙሉእ ዕድል ናይ ማሕበራዊ ክፍሊት (benefit ይህልዎም ።እዚ ድማ ዉሑድ አታዊ ምስዝህልዎም ይኸውን።እንተኾነ ግን አብ ሓደ ሓደ ዞባታት እዚ ዕድላት አይህልውን።አብ ስምምዕ ማሕበራዊ ምውህሃድ(integration agreement እንተደኣ አለዉ ግን ማሕበራዊ ክፍሊት ይዋሃቦም።
- አፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት፤ናይ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ስደተኛታት ከምእውን ፖለቲካዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፡ መስርሕ ናይ ዑቅባ ስለ ዝወድኡን ፡ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ አፍልጦ ዝረኸቡን ስደተኛታት ኢዮም ።ሙሉእ ናይ ስራሕ ዕድል ይህልዎም፡ብተወሳኺ ድማ ማሕበራዊ ክፍሊት ማዕረ ዜጋታት እታ ሃገር ይህልዎም፤ ንአብነት አብ ጠለብ ዝተመርኮሰ ውሑድ አታውን ፤ ስድራ ቤታዊ ሓገዛትን ዝአመሰሉን።
ብድሕሪ ዝወሃበኒ ናይ ስራሕ ዕድል ብቀጥታ ስራሕ ክረክብ አንተዘይኪኢለ አንታይ ክገብር ይግባእ?
ብፍላይ ኣብ ናይ ፈለማ መዓልታት ዝበዝሑ ስራሕ ብቀሊሉ ኣይረኽቡን ።አዚ ድማ ቛንቛ ክመሃሩ ስለ ዘለዎም ኢዩ።ኣብዚ አዋን አዚ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ዘለዎም ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ናይ ዉሑድ ደረጃ ኣታዊ ደረጃ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ እወታዊ ናይ ዑቅባ ውሳነ ናይ መባእታዊ ሓገዝ ዕድል ኣይህልዎምን።ስለዝኾነ ድማ ናይ መባእታዊ ክፍሊት ሓገዝ ሕቶ ከቕርቡ ይግባእ።አዚ ድማ ኣስታት 8 ሳምንታት ግዜ ይወስድ።ኣብዚ አዋን አዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይረኽቡን።ናይ ውሑድ ኣታዊ ሓገዝ ምስ ማሕበራዊ ሓገዝ ዝተሓሓዘ እዩ።
2.3 ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
ስድራቤተይ ናብ ክርዋትያ ከምጽእ ይኽእል ዶ?
ኣሃዝ ብዝምልከት ስድራቤታዊ ስደት አቲ ዝዓበየ ኢዩ።(ካብ 20014-16 ጥራሕ ኣሃዝ ናይ ዑቅባ ሕቶታት ብ ድረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ስድራቤታዊ ጥርናፈ አቲ ዝላዓለ ኔሩ)።
ናይ ሰፈራን ምንባርን ኩነታት ኣባላት ስድራቤት ማለት ሰብኣይን ሰበይትን(ሙዝጉባት ተጻመድቲ ከም እውን ዘይምርዕዋት በጽሒታት፡ሞግዚትን ደቂ ናይ ሓደ ካብኣቶም ዘጠቃለለ ኢዩ።ኣብ ግዜ ጥርናፈ ምርዑዋትን፡ተጻመድትን፡21 ዝዕድሚኦም ወይ ድማ ልዕሊኡ ክኾኑ ይግባኣ።አዚ መስፈሪ ዚ ድማ ብ ሓደ ን ክልቴኦም ይምልከት።
ብርግጽ ሕጊ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ አውሮፓ ኣዝዩ ዝተሓላለኽ ኢዩ።ን ሓለዋ ዝተዋህቡ ሰባት ከም ኣውን ኣባላት ስድራቤት ናይ ኣውሮፓ ዜጋታት ፡ኣባላት ስድራቤት ተወላዶ ሳልሳይ ሃገር ዝተፈልየ እዩ ኣሎ ።
- ሓተትቲ ዑቅባ
ከም ሓተትቲ ዑቅባ መጠን ሕቶ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ምቅራብ ኣይከኣልን
- ሓለዋ ንዝተዋህቡ ሰባት ኣብ ፈለማ 3 ኣዋርሕ
ኣብ ክርዋትያ ደረጃ ናይ ስደተኛ ሓለዋ አንተዳኣ ኣሎካ ስድራቤት ናብ ክርዋትያ ምጥርናፍ ይከኣል።ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ካብ ዝተዋሃብካሉ ግዜ ጀሚሩ ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ ሕቶ ኣብ ውሽቲጢ 3 ወርሂ ክቀርብ ይግባእ።ስድራቤትካ ሕቶ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ክርዋትያ ናይ ዝርከብዎ ሃገር ከቅርቡ ይግባእ።ኣብተን ፈለማ ናይ ስደተኛ ደረጃ ዝተቀበልካሉ 3 ኣዋርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ቅልል ዝበለ ኢዩ።ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ አንተኾይኑ ግን ሓደ ሓደ ጠለባት ከተማልእ ክትሕተት ትኽእል፥እሱ ድማ ናይ ገንዘብ ኣታውን ብቁዕ መንበሪን ።ቀይሕ መስቀል ክርዋትያ ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራቤት ብ ዝተፈላለዩ ቛንቛታት ሓበሬታ ይህብ።
- ሓለዋ ስደተኛ ዝተዋህቡ ሰባት ድሕሪ ናይ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምእውን ካልኦት ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋታት
ኣብ ሃገረ ክርዋትያ ዕድላት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ብመሰረት ዝተዋሃብካዮ መንበሪ ፍቓድ ዝፍለ ይኽውን።
ከም ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ መጠን ኣባላት ስድራቤትካ መንበሪ ፍቓድ ይዋሃቦም’(ቀይሕ ጻዕዳ
ምስ ቀይሕ ካርድ)አዚ ድማ ሓፈሻዊ መስፈሪታት ንምውናን መንበሪ ፍቃድ ዘማላኡ ምስ ዝኾኑ ኢዩ።አቲ ካርድ ን ወናኒኡ ነጻ ናይ ስራሕ ዕድላት ይህብ።
ከም ሕጊ ጠለብ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ክርዋትያ ናይ ትውልዲ ሃገሮም ከቅርቡ ይግባእ።(ወይ ድማ ኣብ ዝቅመጥሉ ሃገር) ብፍሉይ ግን አቲ ሕቶ ጠለብ ጥርናፈ ብመሰረት ዜግነቶም ኣብ ውሽጢ ክርዋትያ ከቅርቡ ይኽእሉ።አዚ ድማ ናብ ሃገር ክርዋትያ ብዘይ ናይ ቪዛ ኣድላይነት ክኣትዉ የኸእሎም።
እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መስፈሪታት መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ክማላእ ይግባእ
- እኹል ናይ ኣታዊ ዓቅሚ፥4 አኹልን ተኸታታሊ ኣታውን ፡ን ናብራኻ ብዘይ ናይ ማሕበራዊ ሓገዛት ከውሕስ ዝኽእል ክህልወካ ይግባእ።እቲ ኣታዊ ልክዕ ወይ ድማ ካብቲ ሙዱብ ናይ ጥሮታ ደረጃ ዝለዓለ ክኽውን ይግባእ።
- ውሕስነት ጥዕና፥5 ሸፈነ ውሕስነት ጥዕና፥ምቅራብ ማሕበራዊ ሓገዛት፥ሸፈነ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩሉ ዓይነት ስግኣታት
- ዝተማለአ ናይ መንበሪ ዓቅሚ ምስ ናይ ውሽጢ ደረጃ ዝዛመድ፥6 መርትዖ ንብቁዕ ናይ መንበሪ ደረጃ ንስድራቤትካ ዝምጥን ብመሰረት ናይ ውሽጢ ደረጃ ከተቅርብ ይግባእ
- ብቁዕ መንቀሳቀሲ ወረቀት7
- ነጻ ቦታ ኣብ ኣገዳሲ ኮታ(ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክርዋትያ ን ስድራቤታት ዝተሓዝኣ ቦታታት ኣሎ)
- ኣባላት ስድራቤትካ መባእታዊ ናይ ቛንቛ ክርዋትያ ብቕዓት ደረጃ1 (A1)ብመሰረት ንድፊ ስራሕ አውሮፓ ንቛንቛታት ከቅርቡ ይግባእ፥እዚ ድማ ንሕቶ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ሓጋዚ ይኸውን።ብተወሳኺ module 1 (ስምምዕ ምውህሃድ)ክኽትሙ ይግደዱ።መሰረታዊ ትሕዝቶ module 1 ንቛንቛ ክርዋትያ ክዳለዉ ይሕግዝ።እዚ ድማ ብቅዓት ቛንቛ ደረጃ 2(A2) ብመሰረት ንድፊ ስራሕ ኣውሮፓ ንቛንቛታት ይሕግዞም።ነቲ ዝዳሎ ናይ ቛንቛ ፈተና እንተ ዘይሓሊፎም ዳሕሪ 2 ዓመት ዝሕደስ መንበሪ ፍቃድ ኣይህልዎምን።
- ሰብመዚ ወይ ድማ ሰበስልጣናት ብተወሳኺ ስድራቤትካ ስግኣት ህዝባዊ ፖሊሲ ፣ህዝባዊ ስርዓት(ደምቢ)፣ወይ ድማ ህዝባዊ ጥዕና ንኸይህልዎም መርመራ የካይዱ10።
ሓበሬታ ንተፈላለዩ ጉጅለታት
ኣብዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ብዛዕባ ፍሉይ ሓገዛት፣መሰላትን ኣገልግሎት ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት፣መስርሕ ዑቅባ ከምእውን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ንዝተፈላለዩ ብቀሊሉ ክጉድኡ ዝኽእሉ ጉጅለታት ክርከብ ይከኣል።
ደቀንስትዮ
ደቀንስትዮን ኣዋልድን_ስደተኛታት፣ብፍላይ ድማ ብውልቂ ዝንቀሳቀሳ ፡ብዙሕ ሓደታት የጋጥመን።ስለዝኾነ ድማ ንጠለባተን ኣተክሮ ንምሃብ ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣብ ዝወሃባሉ ግዜ ፍሉይ መሰል ይህልወን።
ደቀንስትዮን ኣዋልድን፡ ደቀንስትዮ ብምዃነን ጥራይ ንዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሓደጋታት ይቃለዓ፡ እሳቶም ድማ፣
- ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ኣንጻር ደቀንስትዮ
- ውሽጣዊ ዓመጽ
- ግዱድ መውስቦ
- “ናይ ክብሪ“ ገበናት
- ዝውውር ንምንዝርናን ግዱድ ስራሕን፣ ከምእውን
- ካልኦት ዓይነታት ስቅያትን ዓመጽን
እዞም ምኽኒያታት ኣብ ግምት ብምእታው ደቀንስትዮን ኣዋልድን ፡ ኣብ ክርዋትያ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ክረኽባ ይኽእላ።
ፍሉይ ሓገዛት ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት
ደቀንስትዮን ኣዋልድን ምስ ኣባላት ስድራቤተን እንከለዋ በይናዊ ናይ ዑቅባ ጠለብ ከቅርባ መሰል ኣለወን።እዚ ማለት ድማ ናይ ዑቅባ ጠለበን ካብቲ ናይ ኣባላት ስድራቤት ብፍሉይ ይረኣን ይምርመርን ማለት ኢዩ።ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ድማ ነቲ ቃለ መሕትት ተካይድን ትምርምርን።ጓል ኣንስተይቲ ተርጓሚት እውን ትዳለወለን ፣እንተኾነ ግን ኣብ ክርዋትያ ፡ከምቲ ኣብ ካልእ ኣውሮፓ ብቁዓት ተርጎምቲ ንናይ ኩሎም ስደተኛታት ቛንቛ ብቐሊሉ ኣይርከብን።
ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ደቀንስዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ገዛን ቀረባትን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ይኸውን፡ምስ ኣባላት ስድራቤተን ምስ ዝደልያ ግን ብሓባር ይዳለወለን።ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ሽንት ቤትን ናይ ጽሬት መሳለጥን ክዳለወለን ይግባእ።
ናይ ጥዕና መሰላት
ነፍሰጹር ደቀንስትዮን ዝወላዳን፡ ልክዕ ከም ዜጋታት ክራዋትያ ፡፡ሓተትቲ ዑቅባ ይኹና ወይ ድማ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበን ፡መሰል ናይ ክንክን ጥዕና ኣደን ኣገልግሎታትን ኣለወን ።እዚ ድማ ተኸታታሊ ምርመራ ጥዕና ፣መድሃኒት ኣድላይ ምስ ዝኸውን፣ጥዕናዊ ምኽሪ ኣብ ግዜ ጥንሲ፣ናይ ሆስፒታል ኣገልግሎት፣ሓገዝ ኣብ ግዜ ጥንስን ድሕሪኡን የጠቃልል።ካልኦት ደቀንስዮን ኣዋልድን ድማ ደረጃ ናይ ዑቅባ ጠለብን ዝተዋህበኦ ዓለምለኻዊ ዑቅባን ምርኩስ ብምግባር መሰል ናይ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይህልወን።እንተኾነ ግን፡ ብመንጽር ደረጃ ዑቅባ ይኹን ካልእ፡ ደቀንስዮን ኣዋልድን ፍርያማነተን ብዘየገድስ ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ተዳልዩለን ይርከብ።
ሓለዋ ኣንጻር ዓመጽ
ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ምስ እትኸውን(ብ ኣባላት ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ) ፡ፍሉይ ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ።ናይ ምፍላይ መሰልን ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ ዓመጸኛ ሓለዋ ብፖሊስ ክግበረላን ኣብ ንደቀንስትዮን ህጻናትን ዝተዳለወ መዕቆቢ ትሰፍር/ትቅመጥ፣-ግዳያት ዓመጽ።ካብ ዓመጸኛ ድማ ብ ምስጢር ትነብር ፣ሕክምናውን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛት ድማ ትረክብ።
ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ሓታቲት ዑቅባ ምስእተኸውን ጠለብ ዑቅባኣ ኣብ ድልየታ ዝተሞርኮሰ ብፍሉይ ይምርመር።ድሮ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህባ ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ምስ ዝህልዋ ብፍሉይ ካብ ኣባላት ስድራቤት ወጻኢ መንበሪ ፍቃድ ክሕደስ ይኽእል።እዚ ን ደቀንስትዮን ኣዋልድን ብስድራቤታዊ ጥርናፈ፡ መንበሪ ፍቃድ ዝረኸባ እውን የጠቃልል።
ህጻናትን መእሰያትን
ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ 18 ዝርከብ ብመሰረት ሕጊ ክርዋትያ ህጻን እዩ።ኣብ መስርሕ ዑቅባን ስደትን፡ ህጻናት ከም ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ጉጅለ ይፍለጡ፣ ወላኳ ምስ ስድራቤቶም ወይ መቅርቦም ይሃልዉ ፡ፍሉይ መሰል ናይ ሓለዋ ኣለዎም።
ፍሉይ ሓገዛት ኣብ መዕረፊ ማእከል ፡ንህጻናትን መንእሰያትን
ብስም ህጻን ዓለምለኻዊ ጠለብ ዑቅባ ምቅራብ ንዋሕስ ናይቲ ሕጻን ይምልከት።አዚ ድማ ወለዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ህጻን ዝወስድ ሰብ ይኸውን።ጠለብ ዑቅባ ናይቲ ህጻን ድማ ምስ ናይ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ጠለብ ዑቅባ ዝተኻተተ ይኸውን።
ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባ ህጻናት ካብ ወለድን መቅርብን ክፍለዩ የብሎምን።እዚ ድማ ነቲ ህጻን ምስ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ምዃን ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምስ ዝኸውን እዩ።ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስ ዝኸውን ግን ሰብ መዚ መዕረፊ ማእከል ንዝምልከቶ ኣካል ብምሕባር ነቲ ህጻን ኣብ ውሑስ ቦታ ከንብርዎ ይግባእ።
ህጻናት ካብ ወለዲ ወይ ድማ መቅርብ ዝተፈልየ ናይ ባዕሎም ቀረብን መሳለጥን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ንፍሉይ ጠለባት ከም ህጻናት መጠን ፍሉይ መሰል ኣለዎም።
መሰላት ጥዕና
ኩሎም ህጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ፡ሓተትቲ ዑቅባ፣ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም፣ግዝያዊ መንበሪ ዘለዎም ልክዕ ከም ዜጋታት ክርዋትያ ናይ ጥዕና መሰለዎም ዝተሓለወ እዩ።
መሰላት ትምህርቲ
ኩሎም ህጻናት ናይ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም፡ሓተትቲ ዑቅባ፣ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም፣ግዝያዊ መንበሪ ብስድራቤታዊ ጥርናፈ ዝተዋህቦምን የጠቃልል።
ህጻናት- ሓተትቲ ዑቅባ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ካብ ዘቅርቡ ኣብ ውሽጢ 30 ማዓልታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ይግባእ።እቲ ህጻን ቛንቛ ክርዋትያ ምስ ዘይዛረብ ፣መባእታዊ ምድላው ንቛንቛ ፡ኮርሳት ይውሃቦ፣ብተወሳኺ ድማ ናይ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ኮርሳት የጠቃልል።
መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ ግዴታዊ ኢዩ።ኣብ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዝጀመረ ቅድሚ ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ ምቅጻሉ ፈተናታት ይወሃቦ።ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽብዎ እቲ ህጻን ኣድማዕነቱ ተራኢዩ ሓደ ክፍሊ ንታሕቲ ክምዝገብ ይኽእል።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ፣ግዴታዊ ኣይኮነን እንተኾነ ግን ድሌት ዘለዎ ህጻን ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክቅጽል መሰል ኣለዎ።ህጻናት ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ይደልዩ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም ፣እንተኾነ ግን ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ውጺኢት ብምርኣይ ይኸውን።
ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ህጻናት ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸዱ ይኽእሉ፣እዚ ድማ ብፍቃድ ወለዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ይኸውን።ዓለምለኻዊ ሓለዋ ወይ ድማ ግዜያዊ መንበሪ ዝተዋህቡ ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ይኸዱ።ኣብ መዕረፊ ማእከል ዝርከቡ ህጻናት ግን(ሓተትቲ ዑቅባ) ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል መውዓሊ ህጻናትን ይህልዎም ፣ምስ ህጻናት ዜጋታት ክርዋትያ ድማ ክኸዱ ይኽእሉ።
መሰላት ህጻን
እቲ ቀንዲ ትካል ከም ህጻን መሰላትካ ዝሕሉ ቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ንህጻናት እዩ። ነዚ ቤት ጽሕፈት ድማ ብተለፎን ፣ኢመይል፣ወይ ድማ ብኣካል ምውካስ ይከኣል።
ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት
ትሕቲ 18 ዓመት ኮንካ ወላዲ ፣ቤተ ሰብ፣ ቤተ ዘመድ፣ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት (unaccompanied minor) ይበሃል።ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ንሓደጋ ዝተቃለዑ ኮይኖም፡ ናይ ዝተፈልየ ሓለዋ መሰል ኣለዎም።
ፍሉይ ሓገዛት ንኣላይ ዘይብሎም ህጻናትን ፣ናይ ዑቅባ መስርሕን ኣብ መዕረፊ ማእከል
ኣብ መዕረፊ ማእከል ከም ትሕቲ ዕድመ ህጻን መጠን ካብ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቅባ ዝተፈልየ ቀረብን መሳለጥያን ይወሃበካ።ኣብ ክርዋትያ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣባይቲ ማሕበራዊ ሓገዛት ን ህጻናትን መንእሰያትን ዝተባህለ ቀረብ መንበርን መሳለጥን ይህልወካ። ማእከል ህጻናትን መንእሰያትን ክፉት ማእከል ኮይኑ ብፍሉይ ካብ ወለዶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈልዩን ምስ ስድራቤት ክነብሩ ዝተጸገሙን ዝነብርሉ ማእከል ኢዩ።
ሓላፍነት ናይ ወላዲ ዝወስድ ዋሕስ(guardian)ይህልወካ። እሱ ድማ፡ ኣብ ንዓኻ ዝጠቅም ውሳነታት ይሳተፍ። ኣብ ዝውስነልካ ጉዳያት ድማ ክትታሓባበርን ክትሕተትን መሰል ይህልወካ፣እዚ ድማ ኣብ ክርዋትያ ጠለብ ዑቅባ ምስእትደሊ ይኸውን።ዋሕስካ ድማ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትካ፣ዝወሃበካ ኣገልግሎት፣እንታይ ዕድላት ይህልወካን፡ ናይ ምሕባር ግደታ ይህልዎ።
ናይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት መሰል ይህልወካ ፡ስድራቤትካ ኣብ መበቆል ሃገር ይሃልዉ ፣ኣብ ካልእ ሃገር፣ብተወሳኺ ድማ ምስ ስድራቤትካ ቀጻሊናይ ምርኻብ መሰል ኣሎካ።
ዑቅባ ክትሓትት እንተወሲንካ ጠለብካ ኣብ ምሃብ ውሳኔ ቀዳምነት ኣለዎ።ባዓል መዚ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፍሉይ ስልጠና ንጉዳይ ህጻናትን መንእሰያትን ዝወሰደ መርመራ የካይድ።ዋሕስ ድማ ነቲ ሕቶ ጠለብ ዝምልከት ከዳልወካን ንቃለ መሕትት ከቅርበካን ይግባእ።
ጠለብ ሕቶ ዑቅባ ከተቅርብ ምስ ዘይትውስን ድማ ማእከል ሰብኣዊ ድሕነት ምስ ወለዲን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትካላት ናይ መበቆል ሃገርካ ብምርኻብ ናብ ሃገርካ ክመልሰካ ተበጉሶታት ይወስድ።
መሰላት ጥዕናዊ ክንክን
ከም ኣላይ ዘይብሉ ህጻን (ትሕቲ 18 ዓመት ) ፡ መሰል ጥዕናዊ ክንክን፡ ልክዕ ከም ዜጋ ክርዋትያ ምስ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ይህልወካ።
መሰላት ትምህርቲ
መሰል ትምህርቲ ብመሰረት ዕድመኻን ዝንባሌታትካ ይህልወካ።ኣየናይ ደረጃ ክፍሊ ክትመሃር ከምእትደሊ ፡ ዝሓለፈ ደረጃ ትምህርትኻ ይግምገም።ተወሳኺ ክላሳትን ሓገዛትን ን ቋንቋ ክርዋትያ ድማ ይዳለወልካ።
መንበሪ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት
ኣብ ትሕቲ ኣባይቲ ማሕበራዊ ሓገዛት ን ህጻናትን መንእሰያትን ክሳብ ትምህርትኻ ትፍጽምን ካብ ክልል 21 ዓመት ዘይሓልፍ ክትነብር ትኽእል።ካብኡ ብምቅጻል ግን ናይ ባዕልኻ መንበሪ ደሊኻ ትነብር።ቅድሚ ካብቲ ናይ ማሕበራዊ ሓገዛት ንህጻናትን መንእሰያትን ማእከል ቅድሚ ምስንባትካ ፡እቲ ማሕበር ስራሕ ክትረክብን መንበሪ ንክትረክብ ሓገዛት ይገብረልካ።
ኣገልግሎት ደገፍን ሓገዛትን
ክሳብ ኣብ ክርዋትያ ዘለኻ ደረጃ ዑቅባኻ ብዘየገድስ(ዑቅባ ሓቲትካ ዲኻ ወይስ ኣይሓተትካን፣ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣሎካ/የብላካን)ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛት ይህልወካ፣ ደገፍን ኣልያን(guidance) እንተ ደሊኻ፣ዋሕስካ ንትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዝሕግዙ ማሕበራትን ሰብ ሞያን ከራኽበካን ከላልየካ ሓላፍነታዊ ግደታ ኣለዎ።
ካብ ስድራቤት ዝተፈልዩ ህጻናትን ወይ ድማ ብዘይ ኣባል ስድራቤት ዝጓዓዙን ፡ግዳያት ናይ ሓደጋ ንግዲ ወዲ ሰብ ሙዃኖም ይእመኖሎም። እዚ ማለት ድማ ንምስጋግር፣ምምዝማዝ ህጻናትን መእሰያትን ብግዴታ ይኹን ብዓፈና ንስራሕ ፣ምንዝርና ፣ለመና ወይ ድማ ካልኣት ገበናዊ ንጥፈታት የጠቃልል።ሰብ መዚ ፖሊስ ፣ማሕበራውያን ሰራሕተኛታት፣ከምእውን ዋሕስካ ድማ እዚ ገበናት ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ ንከይከውን ብምርግጋጽ ኣድላይ ሓገዛት ይገብሩልካ።
ስድራቤታት
ስድራቤታት ናይ ጥርናፈን ብሓባር ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም።
ኩነታት ኣቀባብላ (መዕረፊ ማእከል) ንስድራቤታት
ሓተትቲ ዑቅባ ስድራቤታት ናይ ሓባር መንበርን ቀረብን ኣብ መዕረፊ ማእከል ይዳለወሎም።ልዕሊ 18 ዓመት ኣባላት ስድራቤት በብውልቆም ዑቅባ ይሓቱ፣ ሕቶ ዑቅባ ትሕቲ ዕድመ ኣባላት ስድራቤት ድማ ምስ ናይ ወለዲ ጠለብ ዑቅባ ይጠቃለል።
ውልቂ ስድራቤታት ምስ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ድማ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ስለ ዝኾኑ ፍሉይ ሓለዋ ይግበረሎም።ሓተትቲ ዑቅባ ምስ ዝኾኑ ድማ ናይ ውልቆም መንበሪ ካብ ዓበይቲ ነበርቲ ዝተፈልየ ይወሃቦም።
ጥርናፈ ስድራቤት
ኣብ ክርዋትያ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንተ ተዋሂቡካ ፡ስድራቤትካ ድማ ኣብ መቆል ሃገርካ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ሃገር እንተደኣ ኣለዉ መሰል ናይ ስድራቤታዊ ጥርናፈ መሰል ኣሎካ።ክትጥርንፎም ትኽእል ኣባላት ስድራቤትካ ብመሰረት ሕጊ ሃገረ ክርዋትያ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣
- በዓል ቤት ወይ ድማ በዓልቲ ቤት ምርዕው/ምርዕውቲ እንተኾንካ፣ናይ ህይወት ብጻይ/ብጸይቲ ኣብ ክርዋትያ ብ ሕጊ መሰረት ናይ ህይወት መጻምድቲ ይበሃል
- ናትካ ወይ ድማ ናይ በዓልቲ ቤትካ ውላድ /ዘዕብኻዮ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ዓበይቲ ልዕሊ 18 ዓመት ምርዕዋት እንተዘይኮይኖም
- ህጻን(ትሕቲ 18 ዓመት) እንተኾንካ ወለድኻ፣ሕጋዊ ሞግዚት(ከም ወላዲ ዝሕሰብ ኣባኻ ዝተመርኮሰ/ብኣኻ ዝእለ)
- ናይ ቐረባ ቤተሰብ(ዓበይቲ ወለዲ ፡ንኣብነት ብሓደ ኣብ ናይ ሓባር መነበሪ ዝነበርካን ብ መንገድኻ ዝእለዩ።
ጥርናፈ ስድራቤት ሕጋዊ፣ ምምሕዳራዊ ኣገባባት ዘለዎን ከቢድን ግዜ ዝወስድን እዩ።ምኽሪ ካብ ዝምልከቶም ማሕበራት ምርካብ ኣገዳሲ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ጥርናፈ ጌጋታት ሕልኽላኻት ንኸየጋጥም እዩ።
ስንክልና ዘለዎም ሰባት
ስንክልና ዘለዎም ሰባት ማለት ናይ ነዊሕ ኣካላዊ፣ስነ ኣእሙራዊ ናይ ብልሒ ምምዝባላት ዘለዎም ኢዮም። እዚ ድማ ዓረቢያ ስንክልና(wheelchair)ተጠቀምትን ካልእ ናይ ምንቅስቃስ ጸገም ዘለዎም ሰባት፣ዓይነ ስውራን፣ጸማማትን፣ ናይ ሓንጎል ጸገም፣ወይ ድማ ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት የጠቃልል።
ኩነታት ምቅባል/ምእንጋድ ፣ናይ ዑቅባ ኣገባባት ን ስንክልና ዘለዎም ሰባት
ስንክልና ዘለዎም ሰባት ንሓደጋ ዝተቃልዑ እዮም ፡ስለዝኾነ ድማ ብፍሉይ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።እዚ ማለት ድማ ናይ ምእንጋድ መሰሎም ዝተሓለወ ክኸውን ይግባእ፣ዑቅባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ካብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ሓተትቲ ዑቅባ ብዝተፈልየ ኣገባብ ይኸውን።ውሕስነት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ፡ስንክልና፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ጥዕናን ስንክልና ኣእምሮ ኣገዳሲ ውሳኔታ ኣብ ናቶም ዝንባለ ምስ ህይወቶም ዝተኣኣሳሰር ንክገብሩ የጸግሞም።ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚታት ብሕጊ ዓቅሞም ድሩት ኪኸውን ይግበር።እዞም ሰባት እዚኦም ሕጋዊ ሞግዚት ክህልዎም ይግባእ፣እዚ ድማ ኣገዳሲ ውሳኔትት ንኽገብሩን ምስ ናቶም ዝንባሌ ዝኸይድ ኣብ ናይ ዑቅባ ውሳኔ መስርሕ ክሳተፉን ኣሎውም ነቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብምትካእ ሞግዚት ዓቢ ተራ ኣለዎ።ሕጋዊ ሞግዚት ፡ኣብ መስርሕ ውሳኔ ናይ ዑቅባ ብንጥፈት ክሳተፍ ይግበኦ፣ እንተኾነ ግን ክንዲ እቲ ስንክልና ዘለዎ ሓታቲ ዑቅባ ክዋሳእ ኣይክእልን እዩ።
ሓለዋ መሰል ንስንክልና ዘለዎም ሰባት
ሕጋዊ ዓቅሚ ምእጋድ ተነቃፊ ክሳብ ዝኾነ ፡ሓገዝ ዘድልዮም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ ሕጋዊ ሓገዛት ክግበረሎም ኣድላይ ምትሕብባር ክንገብር ይግባእ። ተጠባባቂ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ክርዋትያ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝንቀሳቀስ ማሕበር እዩ።ብተወሳኺ ማሕበራት ናይ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከምእውን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ምኽርን ሓገዛትን ዝህባ ኣለዋ።
መሰል ክንክን ጥዕና
ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኩነታቱ ኣብ ግምት ዘእተወ መሰልናይ ክንክን ጥዕና ኣለዎ፡እዚ ድማ ንሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቦ ሰብ ብሓደ ይምልከት።
ናይ ትምህርቲ መሰል
ዕድመ ምርኩስ ብምግባር ልክዕ ከም ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦ ሰብን ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎካ።እዚ ማለት ድማ ከም ሓታቲ ዑቅባ ፡ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ናይ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም።
ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከም ናይ ክርዋትያ ዜጋ መሰላት ትምህርቲ ኣለዎም።
መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ ን ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ክሳብ 15 ዝርከቡ ህጻናት ግደታዊ እዩ።እዚ ድማ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት የጠቃልል(link to education)።ስንክልና ዘለዎም መእሰያትን ህጻናትን መሰላት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲ ዕድላትን ኣለዎም።መስርሕ ትምህርቲ ንስንክልና ዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ክርዋትያ ብግቡእ ንክመሃሩን ክርድኡን ሓገዝ ይግበረሎም።
መሰል ስራሕ
ኣብ ክርዋትያ ስንክልና ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ስራሕ ኣለዎም፡እዚ ድማ ንሓተትቲ ዑቅባን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ ሰባት የጠቃልል፣ሕጊ ዝጠልቦ ኩነታት ከማልኡ ድማ ይህልዎም።
ስንክልና ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበ ሰብ እንተኾይኑ መምዘኒታት ስራሕ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ተመራጺ ይኸውን።እዚ ሓበሬታ ድማ ካብ ህዝባዊ ናይ ዕዮ ኣገልግሎት ወይ ድማ ማሕበራት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ይርከብ።
ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
ኣፈላላይ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ክርዋትያ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።ስንክልና ዘለዎ ሰብ ናይ ኣፈላላይ ኩነት እንተ ኣጋጢምዎ ፣ማለት ካብ ስንክልና ዘይብሉ ሰብ ብዝተፈልየ መልክዕ እንተደኣ ተራእዩ ሓለዋ ክግበረሉ መሰል ይህልዎ።
ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ ናይ ጥርዓን ፋይል ንቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ማሕበር ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ክኸፍት ይኽእል። ወይ ድማ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ማሕበር ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ይግባእ።እንተኾነ ግን ፡ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ ንቋንቋኻ ክትርጉሙ ዝኽእሉ ተርጎምቲ ብቀሊሉ ክርከቡ ኣጸጋሚ እዩ።ኣብዚ ኩነት እዚ ቋንቋኻን ቋንቋ ክርዋትያ ዝርዳእ ሰብ ክትረክብ ዝሓሸ ይኸውን ።
ግዳያት ንግዲ ወዲ ሰብ
ንግዲ ወዲ ሰብ እንታይ ማለት እዩ?
ግዳያት ንግዲ ወዲ ሰብ ዝኾኑ ሰባት ማለት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ካልኦት ብምዃን ካብ ድሌቶም ወጻኢ ክምዝመዝዙን፣ኣብ ዘይደለይዎ ስራሕ ክዋፈሩን፣ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክሰርሑ ክግደዱን ማለት እዩ።
ግዳያት ክስልጥኑን ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ውን ክሽየጡን ይኽእሉ ፣እዚ ድማ ምብ ፈላጢኦም፣ ቤተ ዘመድ፣ ወይ ድማ ገበነኛ ጉጅለታት ይኸውን።ሓደ ሓደ እዋን እውን ጹቡቅ ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ክንረኽበልኩም ብምባል ናይ ሓሶት መብጽዓ ይወሃቦም።መብዛሕትኡ እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይንቀሳቀሱ ወይ እውን ካብ ሩሑቅ ገጠራት ናብ ከተማታት ። ነጋዶ ደቂ ሰብ ነቶም ግዳያት ሙሉእ ብ ሙሉእ ኣብ ቁጽጽር የእትውዎም፣የገድድዎም፣ይጨውይዎም፣የታልልዎም።ገንዘባዊ ዓቅሞምን ወረቀት መንነቶምን ይውሰዶም ፡ምኽኒያቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ እቶም ነጋዶ ደቂ ሰብ ንክኾኑ ማለት እዩ።
ግዳያት ኣካላዊ ፣ጾታዊ ፣ስነ ኣእሙራዊ ኣመጽ የጋጥሞም፡ኣብ ገለ ኣጋጣሚ እውን ዘደንዝዝ መድሃኒት ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይእትዉ።ነጋዶ ደቂ ሰብ ንግዳያት ይምዝምዝዎም፣ናብ ካልኦት ድማ የሰጋግርዎም ፡እዚ ድማ ንግዱድ ስራሕ፣ ምንዝርና፣ካልእ ናይ ገበን ንጥፈታት ብዘይ ናቶም ድሌት ከዋፍርዎም ይኽእሉ።
መን`ዩ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ?
ደቀንስትዮን ህጻናትን ብፍላይ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ንንግዲ ደቂ ሰብ ይርከቡ፡እንተኾነ ግን ደቂ ተባዕትዮ `ውን ንግዱድ ስራሕ ክምዝመዙ ተኽእሎታት ኣሎ።
ዝኾነ ሰብ ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ፣ኣብ ዝበጽሖ መወዳእታ ሃገር` ውን ከጋጥሞ ይኽእል።ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ናይ ትራንስፖርት ኣብ ዝህበሉ ግዜ ፣ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ ግዜ ስራሕ ክረኽበልካ ብዝብል ምስምስ ግዳይ ክኸውን ይኽእል።ወላ`ውን እቲ ሰብ ናይ ቀረባ በተ ሰብ ይኹን ልዑል ጥንቃቀ ኣድላይ ይኸውን ፡ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚ ብናይ ቀረባ ሰቦም ዝተጨውዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኩነታት ኣቀባብላን መስርሕ ዑቅባን ንግዳያት ንግዲ ወዲ ሰብ
ኣብ መስርሕ ዑቅባ ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ብፍሉይ ተጠቃዕቲ ምዃኖም ይእመን።መሰል ናይ ፍሉይ ሓለዋን ሓገዝን ከም ግዳያትንግዲ ደቂ ሰብ ካብ ዝተለለይሉ እዋን ይህልዎም።
ኣብ ክርዋትያ ሃገራዊ መስርሕ መወከሲ ንምክልኻል ንግዲ ደቂ ሰብ ኣሎ ።እዚ መስርሕ ሓላፍነትን ኣገባባት ናይ ዝምልከተን ትካላት ኣብ ምልላይን ምሕላውን ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ይኸውን። ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ መስርሕ ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ማእከላት ማሕበራዊ ሓገዛት፣ከምእውን ሲቪካውያን ማሕበራት ክኾኑ ከለዉ፡ብሓባር ኣብ ኩሉ ግዝኣት ክርዋትያ ይሰርሑ።እሶም ድማ ዝሰልጠኑን ሓላፍነት ንመደብ ፍሉይ ሓለዋ ንግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ እዮም።
ግዳያት ደቂ ሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገድን ናይ ሕክምናዊ፣ስነ ኣእሙራዊ፣ማሕበራውን ሕጋውን ሓገዛት ካብ ግዳያት ምዃኖም ዝተለለይሉ እዋን ጀሚሩ ይግበረሎም።ነዚ ተበግሶ ናይ ሓለዋ ዘካይዱ ኣካላት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ኣባላት መዕረፊ ማእከል፣ዓለም ለኻውያን ማሕበራት፣ከም ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ቀይሕ መስቀል፣ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ወይውን ኣብ ሜዳ ዝሰርሑን እዮም።
መደብ ሓለዋ ንግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ
ወጻእተኛታት ግዳያት ደቂሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገዲ ክጸንሑ ኣብ ክርዋትያ መሰል ኣለዎም ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት መደብ ናይ ሓለዋ ክቅበሉ ከምዝደልዩን ክውሰኑ ይግባእ።እቲ ግዳይ ህጻን እንተኾይኑ (ትሕቲ 18 ዓመት)ናይ ምውሳን ግዜ ክሳብ 90 መዓልታት ይኸውን።
ኣብዚ እዋን ዚ እቲ ሰብ ክስጎግ ኣይኽእልን።ኣብ መደብ ሓለዋ ምስታፍ ድማ ወለንታዊ እዩ።ብዛዕባ እቲ መደብ፣ ዝህሉ ሓገዛት ንኩነታት ብዝርደኦ ቋንቋ ምድላው እቲ ግዳይ ሓበሬታ ይወሃቦ።ብዘይ ናይቲ ግዳይ ስምምዕ ዝኾነ ውሳኔ ብዛዕብኡ ክውሰን ኣይግባእን።
ግዳይ ኣብ መደብ ናይ ሓለዋ ፕሮግራም ክኣቱ ፍቃደኛ እንተኾይኑ ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይወሃቦ፡ እቲ መንበሪ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል።
ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ ወላውን ምስ ፖሊስ ወይ ውን ምስ ናይ ሕጊ ኣካል ኣይተሓባበር መሰል ሓገዛትን ደገፍን ኣለዎ።መንነትን ሓበሬታ ናይ ግዳይ ድማ ብሚስጥር ይተሓዝ።ብነጋዶ ደቂ ሰብ ተገዲዶም ዝገበርዎ ገበናት ድማ ክቅጽዑን ክጭቆኑን የብሎምን።
ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ህጻን እንተኾይኑ ድማ ተወሳኺ ስጉምትታት ንክትግበሩ ኣብ ግምት ይኣትዉ።ሕጋዊ ሞግዚት ብስድራቤታዊ ሓላፍነት ዝዋሳእ ይምዘዝ።ሕጋዊ ሞግዚት ድማ ኩሎም ውሳኔታት ንረብሓ ናይቲ ሕጻን ከምዝተወሰኑ ከረጋግጽ ይግባእ።ብኩሉ መዳያት ናይቲ ሕጻን ድሌት ንዝምልከቶም ክሕብርን ከማኽርን ይግባእ።
ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ንዓለምለኻዊ ሓለዋ ዑቅባ ከቅርብ መሰል ኣለዎ።ናብቲ ዝመጽሉ ሃገር ሓደጋ ናይ ሞት፣ስቅያት፣ዘይሰብእዊ ኣተሓሕዛ፣መቅጻዕትን ካልእን ዘለዎ ክምለሱ ወይ ድማ ክጥረዙ ኣይክእሉን።
እቲ ግዳይ ናብ ሃገሩ ወይድማ ናብ ካልእ ሃገር ክምለስ እንተኾይኑ ግን ዝምልከቶ ኣካል ናይ ፖሊስ ኣብቲ ሚንስትሪ ውሕስነት ናይ ምምላስ ከረጋግጽ ሓላፍነታዊ ግዴታ ኣለዎ።
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ
ስቅያት እንታይ ማለት እዩ?
ስቅያት ክልኩልን ካብቶም ቀንዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።ስቅያት ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ስነኣእምሮን ኣካላውን ስቅያት ኮይኑ ብናይ ሃገር ወይ ድማ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ንዝተወሰነ ዕላማ ዝፍጸም እዩ።
ኣካላዊ ስቅያት ብመልክዕ ብርቱዕ ማህረምቲ፣አለክትሪክ ምንፍጥፋጥ፣ምቅጻል፣ምምካን፣ጾታዊ ኣመጽ፣ዓፈናን ካልእን የጠቃልል።እቲ ልሙድ ናይ ስነ ኣእምሮ ስቅያት ድማ ውርደት፣ተነጽሎ፣ምቅንጻልን ወይ` ውን ሙቅራጽ፣ምፍርራሕ ፣ከምእውን ናይ ካልኦት ስቅያት ምዕዛብ ዛኣመሰሉን ኢዮም።
ነቲ ስቅያት ዝፍጽሙ ኣካላት ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ሓለውቲ ቤት ማእሰርትን፣ወታሃደራዊ ሓይልታትን ሰበስልጣን መንግስትን እዮም።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት `ውን እቶም ኣካየድቲ ናይቲ ስቅያት ሰብ ሞያ ጥዕና፣ዶካትር፣ኣለይቲ ሕሙማትወይ ድማ እሱራት ብጾት ብድፍኢትን ትእዛዝን ሓለፍቲ ክኸውን ይኽእል።
ኩነታት ምእንጋድን መስርሕ ዑቅባን ንግዳያት ስቅያት
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ኣብ መስርሕ ዑቅባ ንሓደጋ ዝተቃልዑን ሓለዋ ክግበረሎም ድሌታቶም ክማላእን ይግባእ።ካብ ስቅያት ምድሓን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ከውህብ ይኽእል።ብመሰረት ሕጊ ክርዋትያ ፡ኣብ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ንካብ ስቅያት ዝደሓኑ፣ካብ ጾታዊ ዓመጽ፣ከምእውን ካልኦት ዓይነት ስነኣእምራዊ ፣ኣካላዊ፣ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣድላይ ሓገዛት እንተዘየልዮም፡ ናይ ዶብን ዝተቀላጠፈ መስርሕ ኣይጥቀምን እዩ።
ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ምቹእ ናይ ምቅባል/መዕረፊ ኩነታት መሰል ኣለዎም።እዚ ማለት ድማ ሙሉእ ቀረብ ናይ ሕክምናዊ፣ናይ ስነኣእምሮ ተሃድሶ ኣገልግሎት ናይ ሕጊ ሓገዝ ፡ብመሰረት ውልቃዊ ድሌታቶም ክህልዎም ይግባእ።ኣብ ክርዋትያ ከም ሉሙድ እዚ ዓይነት ሓገዛት ካብ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ይርከብ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ናይ ካብ ስቅያት ዝደሓነ ሰብ ጸብጻብ ሕክምናን፡ናይ ስነኣእምሮ ሓገዛት ንናይ ዑቅባ መስርሕ ንምቅልጣፍ ይድመር።እዚ ጸብጻባት ከም ሰነድን መረጋገጽን ናይ ኣካላዊ፣ ስነኣእምሮ ስቅያትን ናይቲ ካብ ስቅያት ዝደሓነ ውጺኢት ይኸውን።ብክኢላታት ይጻሓፍ ፡ብልምዲ ናይ ስነኣእምሮ፣ዶካትር ሕክምናን ይኸውን።ነቲ ጸብጻብ ንምቅራብ ናይ ሓታቲ ዑቅባ ሙሉእ ደገፍን ስምምዕን ክህሉ ይግባእ።
LGBTI
ለስቢያን፣ግብረሰዶማዊ፣ክልተጾታዊ፣ጾታዝቀየረ፣ኢንተርሰክስ ሰባት(LGBTI)
ናይ ምእንጋድ ኩነታትን መስርሕ ዑቅባን ን (LGBTI)
LGBTI ሰባት ፍሉይ መዕረፊ ቦታን /ባይታ ን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣለዎም።ሕጊ ክርዋትያ ንጾታዊ ሌላታት ዘለዎም ሰባት፡ ንዓለም ለኻዊ ሓለዋ፡ ዝተፈልየ ግምትን ውሕስነትን ፣መዕረፊ ማእከል ፣መስርሕ ዑቅባን ኣለዎ።ኣብ ግብሪ ክውዕል ግን ኣዝዩ ከቢድ ይኸውን።
ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ
ኣብ ክርዋትያ ኣፈላላይ ብሰንኪ ጾታዊ ሌላ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ።ካብ LGBTI ሰባት እንተኾንካ -ኣብ ክርዋትያ ሓታቲ ዑቅባ ኩን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ ካብ ናይ LGBTI ማሕበራት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ገለ ካብኣቶም ናይ ሕጊ ሓገዛትን ስነ ኣእሙራዊ ምኽርን ይህቡ።ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ግን ብቁዕ ተርጓሚ ቋንቋኻ ከይረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
