If you feel lost in a new country

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያ » If you feel lost in a new country

ምንቅስቃስ ናብ ሓድሽ ሃገርን ሓድሽ ህይወት ምምስራትን ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ገለ እዋን ዝቀርቡልካ ጠለባት ከደናግረካን ከሻቅለካን ይኽእል።ገለ ስምዒታት ናይ ፍሽለት ክስመዓካ ይኽእል። እዚ ኩነታት እዚ ጭንቀት ይበሃል። ጭንቀት ኩለ መዳያዊ ህይወትካ ክጸሉ ይኽእል፡ ገለ ካብኡ ፡ ስምዒታትካን ፣ ጠባይካን፣ ኣተሓስባኻን  ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣካላዊ ጥዕናዊ  ኩነታትካን ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል።

ካብ መንበሪ ኣብይቶምን ሃገራቶምን ክስደዱ ዝተገደዱ ሰባት ንስንባደን ካልኦት ሽግራትን ዝተቃልዑ ይኾኑ፡ ገለ ካብቶም ናይ ስንባደ ኩነታት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፥

  • ምስታፍ ወይ ኣካል ናይ ኲናት ተዋጋኣይ ምዃን
  • ግዱድ ምፍላይ ካብ ስድራቤትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን
  • ሞት፣ ምስዋር ናይ ኣባል ስድራቤት ፈታዊ/ፈተውቲ
  • ኣካላዊ ጭቆና፣ ስቅያት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእናይ ምፍርራሕ ኩነታትን ወይ ህይወት ኣብ ሓደጋ ምውዳቅን

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ናይ ህይወት ተመክሮታት ስነ ኣእምራውን ኣካላውን ጥዕናዊ ኩነታት ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል። ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና ነገር ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ኩነታት ብናቱ ፍሉይ ኣገባብ ክፈትሖ ከምዝፍትንን እዩ።

እንተኾነ ግን ገለ ካብቶም ኣገባባት ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፥

  • ዝሓለፉ ተዘክሮታት እንደገና ምምላስን ከም ኣሰንባዲ ሕልሚ ወይ ብጋህዲ እቶም ስምዒታት ምንባርን ምዝካርን
  • ወላኳ ኣብ ውሑስ ኩነታት እንተሃለኻ ኣብ ናይ ፍርሕን ሓደጋን ስምዒታትን ከምዘላኻ ምውሳእ
  • ሓሳብን ብዛዕባ ዝሓለፈ ሕማቅ ተመክሮ ምዝራብ ምውጋድን ብፍላይ ካብቶም ዝሓለፉ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት
  • ድሌታትካ ኣብ ኣገደስቲ ነገራት ምስኣንን ናይ ተነጽሎ ስምዒታት ምሕሳብን

ሽሕኳ ከበድትንን ኣጨነቅትን ኩነታት እንተኾኑ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ረብሓኻ ከተውዕሎ ይከኣል እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ክኢላ ምውካስን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዘጋጥሙኻ ፈተነታት ንምስዓር ምቅላስን ኣገዳሲ እዩ።

ስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ

ስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ እንታይ ማለት እዩ ፡ ንመን የድልዮ?

ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ፍወሳን ማለት ንሰባት ብመንገዲ ዝርርብ ጸገማቶም ንምፍዋስ ወይ ንምእላይ ብክኢላታት ዝግበር ሓገዝ እዩ። እሳቶም ድማ፡ ክኢላ ስነኣእምሮ፣ ሓኪም ጭንቀት፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ካልኦት ሰብሞያን እዮም። 

ንመን የድልዮ?

ሕክምና ኣእምሮን ምኽርን ሽግራት መዓልታዊ ህይወት ንምፍዋስ ይሕግዙ ፡ ገለ ካብኣቶም ፡ ጽልዋ ናይ ስንባደ፣ ሕክምናዊ ሕማም ወይ ጽምዋ ከም ሞት ፈታውን፡ ካልኦት ናይ ኣእምሮ ምምዝባላትን ፡ከም ጸቅጥን ቁጥዐን ዝኣመሰሉ የጠቃልል። ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምሕታት ማለት ድኹም ኢኻ ወይ ጽሉል ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ስነኣእምራዊ ሕክምና ንዝኾነ ተራ ሰብ ሽግር ከጋጥሞ ከሎን ኣብ ግዜ ጽንቀትን ባዕሎም ክፈትሕዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስዝበጽሑ ዝወሃብ ምኽርን ፍወሳን እዩ።\

ብኸመይ ይካየድ?

ሕክምና ኣእምሮን ምኽርን ብውልቂ ደረጃ፣ ብስድራቤት ደረጃ፣ ብጽምዲ ወይ ብጉጅለ ክወሃብ ዝኽእል ኮይኑ ፡ ንህጻናትን ዓበይትን ክጠቅም ዝኽእል መስርሕ እዩ።እምነት ኣብ ሞንጎኻን ክኢላ ሓኪም ኣእምሮን ፡እቲ ሕክምና ውጽኢታዊ ንምዃን ኣገዳሲ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ፡ እምነት ሚስጥር ምዕቃብን ሞያዊ ሓልፍነት ናይ ክኢላ ሓኪምን ናይቲ ዝምልከቶ ሰብ ኮይኑ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ወላ `ውን ኣባላት ስድራቤትን ኣዕሩኽትን ክዝረበሉ ኣይግባእን።

ስነ ኣእምራዊ ሓገዝ ካበይ ክረክብ ይኽእል?

ኣብ ክርዋትያ ስነኣእምራዊ ሓገዝ ብመሰረት መስነይታ ወረቀት ሓኪም ኣብ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ማእከል ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክርከብ ይከኣል። ሓተትቲ ዑቅባን ስደተኛታትን ካብ ዝምልከቶም ማሕበራት ስነኣምራዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ። እዞም ማሕበራት ብልምዲ፡ ተርጎምትን ፡ ንምርድዳእ ዝኣክል ኣዳልዮም ይርከቡ። ተርጎምቲ እውን ሓበሬታ ብምስጢር ክዕቅቡዎ ይግባእ።

መርበባት ሓገዝ

እንተደኣ ሓድሽ መጻኢ ናብ ዝኾነ ሃገር ኮንካ ፡ ምስ ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝቅመጡ ወጻእተኛታት ምርኻብ ብዙሕ ጥቅምታት ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ገለ እዋናት ምዝራብን ግዜ ምስ ሰባት ምሕላፍን ሓጋዝን ሽግራት ናይ ምፍታሕ ኣጋጣምን ተመክሮን ካብ ካልኦት ክትረክብ ትኽእል።

ኣብ ክርዋትያ ፡ ናይ ወጻእተኛታትን ስደተኛታት ማሕበራት ብብዝሒ ኣይርከባን። እንተኾነ ግን ፡ወጻእተኛታትን ፡ ብፍላይ ድማ ሓተትቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡን ኣብ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ማሕበራትን ውድባትን ክለባትን ይእከቡ።

DAH ናይ ፈለማ ናይ ኣፍሪቃውያን ኣብ  ክርዋትያ ማሕበር  እዩ ።

ካልኦት ባህላውን፣ ናይ ምዝንጋዕን ንጥፈታት ንወጻእተኛታት ዘዳልዉ ማሕበራትን ናይ ማሕበረ ኮም ከባብን ድማ ኣለዉ።

Domaćigosti Choir

ክለብ ኩዕሶ እግሪ ዛግረብ 041

ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን

ማእከል ተሃድሶ ንጭንቀትን ስንባደን ብቋንቋ እንግሊዝኛን ፋሪስን ሓገዛት ይህብ/RCT

Society for psychological help /ሕብረተሰብ ንስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ ዝተባህለ ማሕበር  ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ሓገዝን ተርጎምቲ ኣሰንዩ ማለት ብቋንቋታት ሩስያ፣ ቱርኪ፣ ዓረብኛ፣ ፋርሲ፣ ሂንዱን ፓሽቱን ሓገዛት ይህብ።

ሓበሬታ ብዓረብኛ

ሓበሬታ ብእንግሊዝኛ

ጀስዩት ኣገልግሎት ስደተኛ

ቀይሕ መስቀል ክርዋትያ

ሕቶን መልስን

ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ወይ ሕክምና ንምርካብ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ይህልወኒ ዶ?

ኣይፋል። ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ሕክምና ፡ሕክምናዊ መርመራ ዘካየዱ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ምምዝባላት ዘለዎም ሰባት ጠቃሚ እዩ። እንተኾነ ግን፡ መብዛሕትኦም ናይ ስነ- ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ሓገዝ ዝሓቱ ሰባት ፡ ሕክምና ክርኣዩን መርመራታት ከካይዱን ኣይደልዩን። እዚ ማለት ግን ጸገማት ኣለዎም ማለት ኣይኮነን፡ ሞያዊ ኣልያ/ሕክምና ድማ ኣዝዮ ኣገዳስን ጠቃምን እዩ።

ናይ ስነ ኣእምራዊ ምኽርን ሕክምና ኣእምሮን እንተደኣ ኣካይደ ኣፋውስ ምውሳድ የድልየኒ ዶ?

ኣድላይ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገማት መድሃኒት ምውሳድ ኣድላይነት የብሉን። እንተኾነ ግን፡  እንተደኣ እቲ ናይ ስነኣእምሮ ሓኪም ኣፋውስ ምውሳድ ኣድላይነቱ ኣስሚርሉ ሰፊሕ መግለጽን ሓበሬታን ናይቲ ኣፋውስ ብምሃብ ፡ ማለት ፡ ጎናዊ ጸገሙን ጥቅሙን ብምሕባር ብዝርዝር ምምይያጥን ክውሰድ ይከኣል እዩ። ኣብ ክርዋትያ፡ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ምስ ስነ-ኣእምራዊ ጸገማት ዝተኣሳሰር ኣፋውስ ክእዝዝ ይኽእል።

እንተደኣ ናብ ናይ ስነ ኣእምሮ ምኽርን ሕክምና ስነ ኣእምሮን ከይደ መን ክፈልጥ ይኽእል?

እንተደኣ እቲ ስነኣእምራዊ ምኽሪ ምስ ተርጎሚ በቲ ዝርደኣካ ቋንቋ ተኻይዱ ፡እስኻን፣ ወሃቢ ምኽርንተርጓምን ክፈልጡ ይኽእሉ። ካልእ ሰብ ግን ክፈልጥ ኣይግባእን ፡ ወላውን ኣባላት ስድራቤትካን ኣዕሩኽትኻን ፡እዚ ድማ እንተደኣ እቲ ምስጥር ዓቂብካዮ ይኸውን።

ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ግን ፡ማለት ፡ እንተደኣ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ክቃላዕ ይኽእል። እንተኾነ ግን ፡ ከምዚ ኣጋጣሚታት ሳሕቲ የጋጥም።