Health care in Croatia
ወጻእተኛታት ኣብ ክርዋትያ ብመሰረት ደረጃ ነባርነትን ፡ ዕድል ምውናን ናይ ጥዕና ውሕስነት ካርድን ኣገልግሎት ጥዕናዊ ክንክንን ይረኽቡ።
ሓታቲ ዑቅባ እንተኾይነ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ይጥቀም?
ሓታቲ ዑቅባ እንተኾንካ/ኪ እዚ ዝስዕብ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይህልወካ፥
- ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛትን ኣድላይ ክንክን ናይ ሕማማትን ኣእምራዊ ምምዝባላትን
- ህጹጽ መጓዓዝያ ናይ ሕክምናዊ መሳለጥያን ፡ኣድላይ ምስዝኸውን
- ህጹጽ ናይ ስኒ ሕክምናዊ ሓገዛትን
ሕክምናዊ ኣፋውስ እንተደሊኻ ፡ ብመሰረት ዝርዝር መድሃኒት ናይ ክኢላ ሕክምና ኩነታትካ/ኪ ኣብ ግምት ብምእታው ይወሃበካ።
እንተደኣ ካብቶም ንሓደጋ ዝተቃልዑ ጉጅለታት ኮንካ ድሌታትካ ኣብ ግምት ብምእታው ተወሳኺ ናይ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ይወሃበካ።
ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛትን ኣድላይ ክንክን ናይ ሕማማትን ንሓተትቲ ዑቅባ ነጻ ብዘይ ክፍሊት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ክንክን ጥዕና ይወሃቦ።
ኣብ ክርዋትያ ዝተፈላለዩ ነጻ ኣገልግሎት ዝህቡ ማሕበራት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንሓተቲ ዑቅባ ይህቡ፡ ደረጀኡ ዝሓለወን ስርዓት ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሓለወ ይኸውን። ሓካይም ናይ ዓለም ዝተባህሉ ኣብ ክርዋትያ ንሓተትቲ ዑቅባ ነጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎትታ ኣብ መቀበሊ ማእከል ይህቡ፡ MDM እውን ኣፋውስ ይህብ።
እንተደኣ ስራሕ ከም ሓታቲ ዑቅባ ረኺብካ (ቅድመ ኩነት ንናይ ስራሕ ፍቃድ ኣብ ተወከስ) ፡ መሰረታዊ ግዴታዊ ውሕስነት ጥዕና ብቀጥታ ክትረክብ ትኽእል። መዋሊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ ናይ ውሕስነት ጥዕና ካርድ ይሓትመክልካ፡ MBO(መለለይ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎ ሰብ) ዝተባህለ ቁጽሪ ትወሃብ ። እዚ ማለት ድማ ማዕረ ናይ ክርዋትያ ዜጋ ውሕስነት ምስ መሰረታዊ ግዴታዊ ውሕስነት ጥዕና ይህልወካ።
እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣሎኒ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ይረክብ?
እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣሎካ/ኪ መሰል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ማዕረ ዝኾነ ሰብ ኣብ ክርዋትያ ምስ መሰረታዊ ግዴታዊ ውሕስነት ጥዕና ይህልወካ።
እንተኾነ ግን ካርድ ውሕስነት ጥዕና ኣይህልወካን ፡ እዚ ማለት ድማ ሓኪም ክትርኢ ምስ እትደልይ መለለይ ካርድ(ID ካርድ) ኣኻሊ እዩ ፡ ብኡ መሰረት ምሉእ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ትረክብ።
እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ብዘይ ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል፥
- መባእታዊ ክንክን ጥዕና ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም(ሓኪም ስድራቤት) ፣ ሓኪም ማህጸን፣ ሓኪም ቆልዑ ከምእውን ሓኪም ስኒ
- ሕክምናዊ መርመራታት ኣብ ማእከላት ጥዕና ፣ ላባራቶሪ፣ ሆስፒታላት ምስ ወረቀት ድጋፍ ናይ ሓኪም መባእታዊ ክንክን ጥዕና
- መሰነይታ ወረቀት ድጋፍ ናይ ሓኪም መባእታዊ ክንክን ጥዕና ምስዝህልወካ ፡ ፍሉይ ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ናይ ሆስፒታል ሕክምናን ትረክብ
- ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛትን ናይ ኣምቡላንስ መጓዓዝያን
- ብሓኪም መባእታዊ ክንክን ጥዕና ዝተኣዘዘ ኣፋውስ
እንተደኣ ስራሕ ተቆጺርካ ብቀጥታ ኣብ ናይ መሰረታዊ ግዴታዊ ውሕስነት ጥዕና ትኣቱ በዚ መሰረት ድማ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ወርሓዊ ኣብ ሕሳብ ናይ ምወላ ውሕስነት ጥዕና ይኸፍሉ።
ምወላ ውሕስነት ጥዕና ክርዋትያ ካርድ ውሕስነት ጥዕና ይሓትም፡(http://www.hzzo-net.hr/dload/obvezno_osig/Iskznc_crv.pdf) MBO ቁጽሪ (መለለይ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎ ሰብ) ዝተባህለ ቁጽሪ ትወሃብ ።ንሓካይም/ሓኪም እዚ ዝተጠቅሰ ካርድ ተቅርብ ፡እንተደኣ ዘይተሓትመ ድማ MBO ቁጽሪ ተቅርብ በዚ መሰረት ድማ ዕድል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ትረክብ።
ውሕስነት ጥዕና ስራሕ ደው እንተቢልካ የቋርጽ፣ እንተኾነ ግን እንተደኣ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣሎካ ልክዕ ከም ካርድ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎ ሰብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ትረክብ።
ኣባላት ስድራቤት እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ሕክምናዊ ክንክን ይጥቀሙ?
እንተደኣ ኣባላት ስድራቤትካ/ኪ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣለዎም መሰል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ማዕረ ዝኾነ ሰብ ኣብ ክርዋትያ ምስ መሰረታዊ ግዴታዊ ውሕስነት ጥዕና ይህልዎም።
እንተደኣ ስራሕ ዘይተቆጺሮም ኣባላት ስድራቤትካ ሕስነት ክንክን ጥዕና ኣይህልዎምን፡ እዚ ማለት ካርድ ውሕስነት ጥዕና ኣይህልዎምን ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምስ ዘድልዮም ግን መለለይ ካርድ ኣኻሊ ይኸውን።
ዓይነታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ክርዋትያ
ስርዓት ክንክን ጥዕና ኣብ ክርዋትያ ፡ መባእታዊ ክንክን ጥዕና ፣ ፍሉይ ክንክን ጥዕና ፣ ከምእውን ህጹጽ ክንክን ጥዕና የጠቃልል።
ሕክምናዊ ሓገዛት ምስዝደልይ ናበይ ይኸይድ?
ኣብ ስርዓት ሕክምናዊ ክንክን ጥዕና ክርዋትያ መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ፈለማ መወከሲ ይኸውን ፡ መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካብዞም ዝስዕቡ ይርከብ፥
- ሓፈሻዊ ሓኪም(ሓኪም ስድራቤት) ኣብ ማእከል ጥዕና ከባቢኻ (Dom zdravlja)
- ሓኪም ህጻናት
- ሓኪም ማህጸን
- ሕኪም ስኒ
መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካብ ሓፈሻዊ ሓኪም ንምርካብ መወከሲ/መሰነይታ ወረቀት ኣየድልይን እዩ፡ እንተኾነ ግን ፡ ኣቀዲምካ ቆጸራ ምሓዝ (ወላውን ብተለፎን) ብፍላይ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንተዘኮይኑ ተመራጺ ይኸውን።
ሓፈሻዊ ሓኪም ንመባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምርካብ ፡ መንበሪ ካርድ (ID) ወይ ድማ እንተደኣ ስራሕ ስለ ዝተቆጸርካ ውሕስነት ጥዕና ኣሎካ ፡ ካርድ ውሕስነት ጥዕና የድሊ።
ናብ ክኢላ ሓኪም ወይ ሆስፒታል ምኻድ ምስዝድለ እንታይ የድሊ?
ሓኪም መባእታዊ ሕክምና ፡ብልምዲ ፡ ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ሓኪም ስድራቤት ኣድላይነት ተወሳኺ መርመራታት (ንኣብነት ላባራቶሪ ) እንተሎ ይምርምርን ይውከስን ።በዚ መሰረት ድማ ናብ ክኢላ ሓኪም ወይ ላባራቶሪ መሰነይታ ወረቀት የቅርብ ።እዚ ዓይነት መወከሲ ወረቀት ብቋንቋ ክርዋትያ“UPUTINICA“ ይበሃል።
ፍሉይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብቆጸራ ጥራይ ይዳሎ።ብልምዲ ሓፈሻዊ ሓኪም ቆጸራ የዳሉ ፡ኣብቲ ዝተጠቅሰ ዕለትብ መዓልትን ኣብ ቆጸራኻ ምርካብ የድሊ።ጾታ ብዝምልከት ፍሉይ ሓኪም ምስዝድለ ድማ ቆጸራ ኣብ ትገብረሉ ግዜ ክትገልጽ/ጺ ይግባእ።
ኣብ ክርዋትያ ፡ ንገለ ሕክምናዊ መርመራታትን ክንክን ግን ናይ ነዊሕ ቆጸራ ክህሉ ተኽእሎታት ኣሎ። ንገለ መርመራታት ኣዋርሕ ምጽባይ ልሙድ ተርእዮ እዩ።ንዜጋታት ክርዋትያ ከይተረፈ ብማዕረ እዚ ዕድል ምጽባይ የጓንፎም። እንተኾነ ግን ፡ ጥዕናዊ ኩነታትካ/ኪ ኣብ ግምት ብምእታው ህጹጽ መርመራታት ክካየድ ይከኣል እዩ።
ኣብ ሆስፒታል ሕክምና እንተደእ ተደልዩ ፡ ሓፈሻዊ ሓኪም መወከሲ ወረቀት ብምሃብ ኣብኡ ከምእትሕከም ይገብር።
ኣብ እዋን ህጹጽ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ብህጹጽ ብምእታው ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል ፡ እዚ ድማ ብዘይ መሰነይታ ወረቀት ይኸውን።
ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ እንታይ ክገብር ይግባእ?
ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ(ኣብ ግዜ በዓላት፣ ለይቲ) ሓፈሻዊ ሓኪም ክትረክብ እንተደሊኻ ፡ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ተረኛ ማእከል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምውካስ የድሊ።
ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት (ኣብ ክርዋትያ ፡HITNA POMOC) ፡ኣብ እዋን ሓደጋን ህይወት ዝፈታተን ኩነታት ክትረክብን ክትሕትትን ይግባእ።
ኣብ ክርዋትያ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት 24 ሰዓታት ክፉት ኮይኑ እዋን በዓላትን መዕጸዊ ሰሙንትን ዘካተተ እዩ።
ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት 112 ወይ 194 ምድዋል ይከኣል።
እዚ ዓይነት ህጹጽ ጻውዒት/call ንከተካይድ እዚ ዝስዕብ የድሊ፥
- ነብስኻ ምልላይ
- ዘጋጠመ ምዝራብ/ምንጋር
- ሓገዝ መን ዘድልዮ
- ትክክል ቦታኻ /ኣድራሻኻ
ብህድኣት መምርሕታት ምስማዕን ምርዳእን የድሊ። ድሕሪ ምክያድ ናይ ተለፎን ጻውዒት ፡ኣሃዱ ህጹጽ እዋን ደጊሞም ክድውሉን ክሓቱን ስለዝኽእሉ መስመር ተለፎንካ ንጹር ክትገብሮ ይግባእ ።
ኣገልግሎት ህክምና ስኒ ከመይ ይመስል?
መባእታዊ ሓካይም ስኒ ኣብ ማእከላት ጥዕና ከባቢኻ ይርከቡ (ብቋንቋ ክርዋትያ፡ Dom Zdravlja) ፡ወይ ድማ ብግሊ ኣብ ኣብ ትሕቲምወላ ህዝባዊ ውሕስነት ጥዕና ይንቀሳቀሱ። ብሓፈሻ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ኣብ ሕክምና ስኒ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይህሉን።
ንፍሉይ ሕክምና ስኒ ብዝምልከት ፡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ክፍሊት ይህልዎ ብፍላይ ምስዳድ ስኒ ፡ ምኽንያቱ ክቡር ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ክርዋትያ እውን ብማዕረ ክኸፍሉ ይግደዱ።
ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ሓኪም ስኒ ምስ እትደሊ ፡ ማለት ህጹጽ፡ ህጹጽ ናይ ስኒ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ምውካስ የድሊ ፡ እዚ ድማ ብፍሉይ ብገለ ናይ ክንክን ጥዕና ማእከላት ጥራይ ይዳሎ።
ኣፋውስ/መድሃኒት እንተደልየ ካበይ ይረክብ?
ኣፋውስ/መድሃኒት ካብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ማለት ፋርማሲ ጥራይ ይርከብ።
ገለ መድሃኒታት በይ ናይ ሓኪም ትእዛዛት ክትዕድግ ትኽእል፡(ንኣብነት ፡ ናይ ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ ወይ ቃንዛ፣ ሰዓልን ዝኣመሰሉን)። እዞም መድሃኒታት ባዕልኻ ካብ ፋርማሲ ምዕዳግ ይከኣል።
ንዝበዝሑ ኣፋውስ ግን ሓኪም ክእዝዘልካ ይግባእ። እንተደኣ ካርድ ውሕስነት ጥዕና ኣሎካ ፡ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ብቀጥታ /online ክጠልበ፡ካ ይኽእል፡ ስለዝኾነ ድማ ብቀሊሉ ናይ ትእዛዝ መድሃኒት ወረቀት ካብ ሓኪም ጥራይ ኣይትረክብን።
መድሃኒት ካብ ፋርማሲ ንምርካብ ናይ ትእዛዝ ወረቀትን መለለይ ካርድ መንበሪ እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዘለካ ኮንካ፡ ወይ ድማ ስራሕ ዝተቆጸርካ እንተኾንካ ካርድ ውሕስነት ጥዕና ከተርእይ ይግባእ።
እንተደእ እቶም ኣፋውስ ብህዝባዊ ምወላ ውሕስነት ጥዕና ዝተሸፈኑ ኮይኖም ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይምልከተካን ።ሓፈሻዊ ሓኪም መብዛሕትኡ እዋን እንተደኣ ተኻኢሉ እዞም ዓይነት ኣፋውስ ይእዝዘልካ።
ዋጋታት ገለ መድሃኒታት ብኸፊል ይኽፈሉ ፡ስለዚ ድማ ዝተረፈ ክፍሊት ባዕልኻ ክትከፍል ይግባእ።እዚ ድማ ማዕረ ዜጋ ክርዋትያ ምስ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎ እዩ።
እንተደኣ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ መድሃኒት ተደልዩ ፡ ፋርማሲ ብምኻድ ተረኛ ቤት መሸጣ መድሃኒት ምርኣይ ይግባእ። ኩለን ከተማታት ተረኛታት ፋርማሲ ኣለወን።
ንህጻናት እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣሎ?
ከም መትከል ኩሎም ህጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ፣ ህጻናት ሓተቲ ዑቅባ፣ ህጻናት ምስ ዓለምለኻዊ ዑቅባን ግዝያዊ መንበሪ ዘለዎምን ፡ ማዕረ ህጻናት ዜጋታት ክርዋትያ መሰረታውን ግዴታውን ውሕስነት ጥዕና ኣለዎም።
ውላድካ ወይ ህጻን ትሕቲ 6 ዓመት ምስዝኸውን ናብ ሓኪም ህጻናት ክትወስዶ/ዳ ይግባእ። መሰነይታ ወረቀት ናብ ሓኪም ህጻናት ኣየድልይን እዩ እንተኾነ ግን ቆጸራ ብተለፎን ወይ ብኣካል ምሓዝ የድሊ።
እንተደኣ እቲ ህጻን ትምህርቲ ቤት ዝኣተወ ኮይኑ/ና ብስሩዕ መንገዲ ብናይ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ምክትታል ይግበረሉ ። ሓካይም ቤት ትምህርቲ ንምክልኻል ዝኣክል ሕክምናዊ ፈተሻታት የካይዱ ንናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ እውን የካትት ፡ ክታበትን ትምህርቲ ጥዕና ይህቡ።
ኣብ ክርዋትያ እንታይ ዓይነት ክታበት ንህጻናት ግዴታዊ እዩ?
ኣብ ክርዋትያ ግዴታዊ ክታበት ንህጻናት ኣሎ።እዚ ማለት ዝኾነ ህጻን ወጻእተኛታት ህጻናት ዘካተተ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሕማማት ክታበት ይካየዱ። እዞም ዝተጠቅሱ ክታበታት ንህጻናት ነጻ ብዘይ ክፍሊት እዮም።
ማሕበር ክርዋትያ ንህዝባዊ ጥዕና ናይ ክታበት ግዜ ብዝምልከት ዓመታዊ ካላንደር የውጽእ፡
እንተደኣ እቲ ህጻን ኣብ ካልእ ሃገር ኣቀዲሙ ክታበት ዝወስድ ነይሩ ሓካይም ኣብ ክርዋትያ ምስቲ ዝወስዶ ዝነበረ ክታበት ዝሰማማዕ መደብ የዳልውሉ።ስለዚ ክውም ወላዲ እቲ ህጻን ዝወስዶ ዝነበረ ጸብጻብ ናይ ክታበት ክትስንዶ ይግባእ።
ስለምንታይ እዩ ክታበት ኣገዳሲ ዝኸውን ?
ክታበት ፡ ጥዕና ህጻንካን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ህጻናትን ካብ ተመሓላለፍቲ የውሕስ። ክታበት እቲ እንኮ ውጽኢታዊ ንምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ህዝቢ እዩ።
ብተወሳኺ ህጻን ኣብ ክርዋትያ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ግዴታዊኢ ክታበት ንመውዓሊ ህጻናትን ወይ ቤት ትምህርቲ ክምዝገብ ኣይክእልን።
ንክታበት ዝምልከት ኩለንተናዊ ሓበሬታ ካብ ሓኪም ስድራ ቤት ወይ ሓኪም ህጻናት ወይ ድማ ጨናፍር ናይ ክርዋትያ ማሕበር ንህዝባዊ ጥዕና ክርከብ ይከኣል፡
ፍሉይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንደቀንስትዮ ኣሎ ዶ?
ሓካይም ማህጸን ኣብ ናይ ኮሚኒቲ ማእከላት ጥዕና ወይ ድማ ናይ ግሊ ትካላት ብምወላ ውሕስነት ጥዕና ዝካየዱ፡ መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብፍላይ ድማ ንፍርያምነት ደቀንስትዮ ዝምልከት ይህቡ።ሓኪም ማህጸን ኣብ መባእታዊ ክንክን ጥዕና ንምርኣይ መሰነይታ ወረቀት ኣየድልን፡ ግን ኣቀዲምካ ቆጸራ ምሓዝ ኣድላይ ይኸውን። ንመባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ክፍሊት የብሉን።
ኩለን ደቀንስትዮ ወላዳትን ነፍሰ ጾራትን ማዕረ ደቀንስትዮ ዜጋ ክርዋትያ መሰል ናይ ኣደ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣለወን።እዚ ድማ ቀጻሊ ጥዕናዊ መርመራ፣ ኣድላይ ንተኾይኑ ኣፋውስ፣ ምኽርታት ኣብ እዋን ጥንሲ፣ ክንክን ሆስፒታል ቅድምን ድሕርን ጥንሲ የጠቃልል።
ፍሉይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንስንባደን ናይ ስቃይ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ኣሎ ዶ?
ክንክን ጥዕና ንስንባደን ናይ ስቃይ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ብልምዲ ስነ ኣእምራዊ ምኽርን ሕክምና ኣእምሮን የጠቃልል።(ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ፡ምዕራፍ ተወከስ)። እዞም ኣገልግሎታት ድማ ካብ ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ዝነጥፉ ማሕበራት ክርከብ ይከኣል።
ማእከል ተሃድሶ ንጭንቀትን ስንባደን፡ ስነ ኣእምራዊ ምኽርን ሕክምና ኣእምሮን፡ ብፍላይ ድማ ንስንባደን ናይ ስቃይ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት የዳሉ።
እዚ ዝተጠቅሰ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ካብ ማሕበር ሕብረተሰብ ንስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ ፡ , ጀስዊት ንኣገልግሎት ስደተኛታት /JRS፡ ቀይሕ መስቀል ክርዋትያ ክርከብ ይከኣል።
ካብ ስቃይ ዝደሓንካ/ኪ ወይ ድማ ተመክሮ ናይ ዘሰንብድ ኣጋጣምታት ዘለካ/ኪ እንተኾንካ ሕክምናዊ ሓገዝን ኣገልግሎትን የድልየካ/ኪ፡ ነጻ ኣገልግሎት ዝህባ ማሕበራት ዝምልከቶ ሓኪምን ዘድሊ መሰል ጥዕናዊ ክንክንን ኣብ ምርካብ ኣድላይ ሓገዛት ክገብሩ ይኽእሉ።
ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ ብኸመይ ይሰላሰል?
ስርዓት ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ መሰረታዊ ሓገዛት ውሕስነት ጥዕና የጠቃልል?
መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ንኩሎም መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ዜጋታትን ደረጃ ነባርነት ዘለዎም ወጻእተኛታት ግዴታዊ እዩ።
እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ወይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዘለካ ሰብ ኮንካ ፡መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ንምርካብ ስራሕ ክትቁጸር ይግባእ። በዚ መሰረት ድማ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ወርሓዊ ክፍሊት ውሕስነት ጥዕና የበርክቱ፡ (ካብ ጠቅላላ ደሞዝ ዝቁረጽ ሕሳብ ይኸውን)። እዚ ኣገባብ እዚ ድማ ንዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ስድራቤታት ብማዕረ ይምልከት።
መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ፡ናይ ህጹጽ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎትን መርመራታትን ወጻኢታት ይሽፍን።
ተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ናይ ወለንታ ውሕስነት ኮይኑ መሰል ውሕስነት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ተወሳኺ ክፍሊት ውሕስነት ጥዕና ዝኸፍልሉ ኣገባብ እዩ።
እንተደኣ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣሎካ/ኪ ፡ ንተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ክትከፍል/ሊ ምስ እትደሊ ዝተፈላለዩ ናይ ውሕስነት ትካላት፡መንግስታውያን ይኹኑ ናይ ግሊ ምውካስ ይከኣል። እቲ ክፍሊት ድማ ወርሓዊ 70 ኩና (9 ዩሮ) ይኸውን።
ተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ሙሉእ ክፍሊትን/ዋጋን ብሓባር ዝኽፈሉ ክፍሊታት መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ይሽፍን። ብሓፈሻ ተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ፡ ኩሎም ክፍሊታት ናይ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ኩሎም ትካላት ፡ማለት ፡ መባእታዊ ክንክን ጥዕና፣ፍሉይ መርመራታት፣ ጽዑቅ መርመራ፣ መርመራ ላባራቶሪ፣ ኣካላዊ ሕክምና፣ ኣገልግሎታት ሕክምና ስኒ፣ ምእላይ ኣብ ሆስፒታልን ናይ ኣፋውስ ትእዛዛት ምርካብን የጠቃልል።
እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ወይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዘለካ ሰብ ኮንካ/ኪ ምዝገባ ንተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ስራሕ ክትቁጸርን መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ክህልወካ/ኪ ይግባእ።
ወላውን ተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ይሃልውካ/ኪ ተወሰኽቲ ክፍሊታት ኣብ መዳይ ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ።እዚ ድማ ብማዕረ ንዜጋታት ክርዋትያ ይምልከት።
ተወሳኺ ሓበሬታን ሊንክታትን / Further information & links
ስርዓት ክንክን ጥዕና ኣብ ክርዋትያ/Health care system in Croatia
ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ/Health insurance in Croatia
ምወላ ውሕስነት ጥዕና ክርዋትያ/Croatian Health Insurance Fund
ትካል ክርዋትያ ንህዝባዊ ጥዕና /Croatian Institute of Public Health
መምርሒ ንስርዓት ጥዕና ክርዋትያ ብ እንግሊዝኛ/Croatian health system navigation guide on English
መምርሒ ንስርዓት ጥዕና ክርዋትያ ብ ዓረብኛ/Croatian health system navigation guide on Arabic
መምርሒ ንስርዓት ጥዕና ክርዋትያ ብቋንቋ ፋርሲ/Croatian health system navigation guide on Farsi
ሕቶን መልስን
ሓኪም ብከመይ ክረክብ ይኽእል?
ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ስድራቤታዊ ክኢላ ኣፋውስ ኣብ ናይ ኮሚኒቲ ማእከል ጥዕናን ኣብ ናይ ግሊ ማእከላት ጥዕናን ክትረክብ/ቢ ይከኣል። ብልምዲ ድማ ኣብ ትንብረሉ ከባቢ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ወይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ይርከቡ።
ኣብ ናኣሽቱ ከተማታት ትነብር እንተደኣ ኮንካ ሓፈሻዊ ሓኪም መብዛሕትኡ እዋን ናይ መጀመርያ መወከሲ ነጥቢ ኣብ ስርዓት ጥዕና ይኸውን።
መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና እንተደ ኣሎካ መሰል ምምዝጋብ ንምርካብ ሓፈሻዊ ሓኪም ይህልወካ።እንተደኣ ውሕስነት ጥዕና ዘብልካ/ኪ መሰል ምዱብ ሓኪም ኣይህልወካን ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሓኪም ብምኻድ ሕክምናዊ መርመራት ከተካይድ ይከኣል፡ምኽንያቱ ናይ መሰረታዊ መሰል ክንክን ጥዕና ወጻኢታት ሸፈነ ስለ ዘሎካ ይኸውን።
ስንክልና እንተሎኒ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎታት ጥዕና ክረክብ ይኽእል?
ስንክልና እንተደኣ ኣሎካ/ኪ ምስ ኩነታትካ/ኪ ዝኸይድ መሰል ኣገልግሎት ጥዕና ይህልወካ/ኪ።
እንተደኣ ስንክልና ኣድላይ ናይ ስንኩላን መሳርሕታት ዘድልዮ ኮይኑ ፡ (ንኣብነት ፡ ዓረብያ ስንኩላን፣ ምርኩስ፣ ሰብዝሰርሖ ኣካል፣ ናውቲ መስምዕን ካልእን ) ፡ዝምልከቶ ሓኪም ነዞም ዝተጠቅሱ ናውቲ ክእዝዘልካ ይኽእል፡ ብፍላይ ድማ እቲ ንብረት ብምወላ ውሕስነት ጥዕና ክርዋትያ ዝተሸፈነ እንተኾይኑ ክወሃበካ ይኽእል።
ናይ ስነኣእምሮ ክንክን ጥዕና ኣበት ክረክብ ይኽእል?
ናይ ስነኣእምሮ ክንክን ጥዕና ካብ ዝምልከቶም ናይ ስነኣእምሮ ክኢላታት ክትረክብ ትኽእል። እንተደኣ ወጻኢታት ናይ ኣእምሮ ሕክምና ክትሽፍን ዘይትኽእል ኮንካ ፡ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህቡ ህዝባውያን ትካላት ሓገዝ ብነጻ ክትረክብ ትኽእል።
እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ወይ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዘለካ ሰብ ኮንካ/ኪ ካብ ነጻ ኣገልግሎት ዝህባ ማሕበራት ስነኣእምራዊ ሓገዛትን ክትረክብ ትኽእል። ንዝያዳ ሓበሬታ ፡፡ምዕራፍ ተወከስ)።
መሰል ዕረፍቲ ብምኽንያት ሕማም ክረክብ ይኽእል ዶ?
ናይ ደሞዝ ክፍሊት ዘይጸሉ መሰል ዕረፍቲ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ውዕል ስራሕ ዘለዎ ተቆጺርካ ምስእትሰርሕ ክትረክብ ትኽእል።ምስ ሓመምካ/ኪ ብቀጥታ ዝተመደበልካ ሓፈሻዊ ሓኪም ምርኣይ ይግባኣካ/ኪ። እዚ ድማ መሰል ዕረፍቲ ብምኽንያት ሕማም ክትረክብ የኽእለካ/ኪ። ንኣስራሒ ሓለቃ ድማ ብህጹጽ ብሕማም ምኽንያት ክትሰርሕ ከምዘይትኽእል ምሕባር ይግባእ።
ኣብ ስራሕ ሓደጋ እንተኣጋጢሙኒ እንታይ ክገብር ይኽእል?
ኣብ ሕጋዊ ስራሕ ተቆጺርካ ትሰርሕ ኮንካ (ምስ ውዕል ስራሕ) ኣብ እዋን ሓደጋ ውሕስነት ይህልወካ። እዚ ውሕስነት ካብ ሓደጋ ድማ ካብ ጠቅላላ ደሞዝ ይቁረጽ። እዚ ወጻኢታት ናይ ምእላይን ተሃድሶን ምስ ውሕስነት ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካባኻ ይሽፈን።ኣብ ደሞዝ እውን ጽልዋ ኣይህልዎን ፡ ደሞዝ ይቁጸር። እዚ ማለት ድማ ብውሑዱ 70% ካብ ደሞዝካ ከይሰራሕካ ክትወስድ ትኽእል።
ወሊድ ንምቁጽጻር መድሃኒት ብኸመይ ይረክብ?
ኮንዶም ካብ ፋርማስን መብዛሕትኦም ናይ ግሊ ድኳናትን ክትዕድግ ትኽእል። ከኒና ንምቁጽጻር ወሊድን ካልእ ምስ ምቁጽጻር ወሊድ ዝተኣሳሰር ኣፋውስን ንምርካብ ፡ ክኢላ ሓኪም ማህጸን ምውካስ የድሊ። ሕክምናዊ ኣፋውስ ክእዝዘልካ/ኪ ይኽእል። ከኒና ምቁጽጻር ወሊድ ኣብ ፋርማሲ ክትረክብ ትኽእል።