Employment in Croatia
መሰል ስራሕ ኣብ ክርዋትያ ኣለኒ ዶ?
ሓታቲ ዑቅባ ኣብ ክርዋትያ እንተኾንካ ፡ዑቅባ ካብ ዝተሓተተሉ ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ብሕጋዊ መንገዲ ክትሰርሕ ይፍቀደካ ፡ እዚ ድማ ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ብዛዕባ ሕቶ ዑቅባ ከይረኸብካን ክኸውን ይኽእል፡ ብምድንጓዩ ድማ ክትሕተት ኣይትኽእልን ። ጠለብ ፍቃድ ስራሕ ድማ ንሓላፊ/ት ወይ ድማ መርማሪ ሕቶ ጠለብ ዑቅባኻ ከተቅርብ ትኽእል። ደንብታት ስራሕ ድማ ልክዕ ከም ዜጋ ክርዋትያ ዝምልከተካ ይኸውን።
እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣሎካ፡ መሰል ስራሕ ማዕረ ዜጋ ክርዋትያ ይህልወካ። እዚ ማለት ድማ ናይ ስራሕ ኣየድልን። ብቀጥታ ናብ ኣገልግሎት ክርዋትያ ንስራሕ ክትምዝገብ ትኽእል፡ ብኡ መሰረት ድማ ንስራሕ ዘብሎም ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ምወላን ተጠቃሚ ትኸውን።ውዕል ስራሕ ንምፍጻም ብቁዕ መለለይ ካርድ (ብምንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክርዋትያ ዝተዋህበ/ዝተዳለወ)፣ ሕሳብ ባንኪ፣ ካርድ ቀረጽ/ግብሪ (ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ቀረጽ/ግብሪ) ክህልወካ ይግባእ።
እንተደኣ ኣባል ስድራቤት ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦ ሰብ ኮንካ ፣ ማዕረ መሰላት እቲ ሰብ ይህልወካ ከምእውን ፡ ነጻ ዕድላት ናይ ስራሕ ይህልወካ፣ ማለት ፍቃድ ስራሕ ኣየድልየካን።
ስራሕ ብኸመይ ይርከብ?
ኣገልግሎት ዕዮ/ስራሕ
ኣብ ክርዋትያ ህዝባዊ ናይ ስራሕ ኣገልግሎት ኣገልግሎት ስራሕ ክርዋትያ (HZZ) እዩ። እዚ ናይ ስራሕ ኣገልግሎት ፡ ዝርዝር ናይ ስራሕ ክፉት ቦታ ፣ ምኽሪ ንምድላይ ስራሕ፣ መምርሕን ሓበሬታን ዕዮ የዳሉ።
ዓለምለኻዊ ዑቅባ እንተደኣ ኣሎካ ኣብ HZZ ክትምዝገብ ትኽእል። ቀጻሊ ምዝጉብ ክትከውን ድማ ፡ ንጡፍ ደላይ ስራሕን ጠለባት እቲ ቤት ጽሕፈት ከተማልእ ይግባእ ። ንኣብነት ፡ ብቀጻሊ ንናይ ፍተሻ ስራሕ ኣማኻሪ/ት ክትራኸብን ጠለብ ስራሕ ከተቅርብን ፡ዝወሃበካ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትቅበልን ይግባእ።
ካልእ ናይ ድሕነት ምወላ ኣብ HZZ ምምዝጋብ ይምርኮስ ፡እዚ ድማ ብወግዓዊ ሰርቲፊኬት ካብ HZZ ፡ ንምዝጉባት ዝዳሎ ክረጋገገጽ ይግባእ።
ብመሰረት ትነብረሉ ከባቢ ኣብ ቤት ጽሕፈት HZZ ምምዝጋብ ይከኣል። ንፈለማ ግዜ ክትምዝገብ እንተደኣ ኮንካ፡ብቁዕ መለልይ ካርድን ምስክር ወረቀት ትምህርቲ ወይ ዲፕሎማ ከተቅርብ ይግባእ።
ብተወሳኺ ናይ ግሊ ኣገልግሎት ስራሕ ዝህቡ ትካላት እውን ስራሕ ይረኽቡን የዳልዉን። ኣብዘን ዝተጥቅሳ ናይ ግሊ ትካላት ድማ ብመንገዲ ዌብሳይት ምምዝጋብ ይከኣል።
ካልእ መንገድታት ንምድላይ ስራሕ
ኣብ ዝተፈላለዩ ዌብሳይታት ስራሕ ንምድላይ ምምዝጋብ ይከኣል፡ https://www.moj-posao.net/EN/ and https://www.posao.hr/
እንታይ ዓይነት ውዕል ስራሕ ክህልወኒ ይግባእ?
እቲ ልሙድ ዓይነት ስራሕ ኣብ ክርዋትያ ውዕል ስራሕ ክህልወካ ከሎ እዩ። እቲ ስራሕ እዞም ዝስዕቡ ክኸውን ይኽእል፥
- ቀዋሚ ስራሕ፡ ክፉት ዓይነት ስራሕ ኮይኑ ዝውድኣሉ ግዜ ክሳብ ዝኾነ ምልክታ ዝወጽእ ውሱን ኣይኮነን ፣
- ግዝያዊ ስራሕ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ስራሕ ምቅጻር ማለት እዩ። ዝውዳኣሉ ግዜ ድማ ኣብቲ ውዕል ስራሕ ክግለጽ ይግባእ
ዝበዝሕ እዋን ፈለማ እቲ ኣስራሒ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ውዕል ንመሰጋገሪ ግዜ የዳሉ። ኣስራሒ ንቀጻሊ ውዕል ስራሕ እንተኣሓድስዎ ልሙድ ተርእዮ እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ግዜ ገደብ ንከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ክሳብ 3 ዓመት ይኸውን። ብድሕሪ እዚ ድማ ኣስራሒ ቀዋሚ ናይ ስራሕ ውዕል ከዳሉ ይግባእ።
ዝተፈልየ ዓይነት ውዕል ንዝተፈልየ ዓይነት ስራሕ እውን ክትፍጽም ትኽእል ፡እንተኾነ ግን ፡ውሑድ ሓለዋን ክፍሊታትን ይህልዎም።
ኩሎም ናይ ስራሕ ውዕላት ብጽሑፍ መልክዕ ይካየዱ። ኩሎም ውዕላት ስራሕ ክትስንደምን ክትዕቆምን ይግባእ።
ልሙድ ናይ ስራሕ ሰዓታት እንታይ ይመስል?
ስራሕ ሙሉእ ግዜ ወይ ድማ ካብኡ ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል።
እንተደኣ ንምሉእ ግዜ ስራሕ ተቆጺርካ 40 ሰዓታት ንሰሙን ትሰርሕ።ኣስራሒ ካብ 40 ሰዓታት ንላዕሊ ኣድላይ ምስዝኸውን ስራሕ ክትሰርሕ ክጠልብ ይኽእል። እንተኾነ ግን ካብ 50 ሰዓታት ንላዕሊ ክሓልፍ ኣይግባእን። ከም ልዕሊ ግዜ ስራሕ ድማ ይቁጸር ፡ዝለዓለ ክፍሊት ካብቲ ሙሉእ ስራሕ ክህልዎ ይግባእ።
ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ብስሩዕ ክዝርጋሕ ይኽእል፡ ንኣብነት 8 ሰዓታት ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ወይ ድማ ብካልእ መስርዕ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ዝተፈላለዩ እብረትት ድማ ክትሰርሕ ትኽእል። እንተኾነ ግን ፡ ኣስራሒ ብመሰረት ሕጊ ስራሕ ግዜ ስራሕ ከማቃርሕ ይግባእ።
መሰላት ሰራሕተኛ እንታይ ይመስሉ?
ኩሎም ውዕል ስራሕ ዘለዎም ሰራሕተኛታት እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዎም፥
- ስሩዕ ክፍሊት ደሞዝ ብመሰረት ውዕል ስራሕ። ኣስራሒ ደሞዝ ክቅይር ምስዝደሊ ሓድሽ ውዕል ስራሕ ከዳሉ ይግባእ። እንተደኣ ሓድሽ ውዕል ዘይሰማማዓካ ኮይኑ ክትነጽጎ ትኽእል።
- መዓልታዊ ዕረፍቲ ናይ 12 ሰዓታት ኣብ ሞንጎ ሓደ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝቅጽልን፡ መዓልታዊ ዕረፍቲ ብውሑዱ 8 ሰዓታት ብፍላይ ድማ ኣብ ወቅታዊ ስራሕ ክኸውን ይግባእ።
- ሰሙናዊ ዕረፍቲ ብውሑዱ ናይ 24 ሰዓታት መዓልታዊ ዕረፍቲ ብምውሳኽ ይኸውን፡ መዕልቲ ሰንበት ድማ ብልምዲ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እዩ፡ ቅድሚ ሰንበት ወይ ድሕሪኡ ዘሎ ድማ ኣብ ሰሙናዊ ዕረፍቲ ይድመር።
- ዓመታዊ ዕረፍቲ ድማ ኣርባዕተ ናይ ስራሕ ሰሙናት ኣብ ዓመት ይኸውን ። ድሕር ተኸታታሊ ናይ 6 ወርሂ ምስራሕካ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክትወስድ ይከኣል። ዓመታዊ ዕረፍቲ ኢልካ ዝወሰድካዮ ግዜ ደሞዝካ ክትወስድ ይግባእ። ብመሰረት ስምምዕ ስ ኣስራሒ ፡ ዓመታዊ ዕረፍቲ ብሕደ ግዜ ወይ ድማ ኣብ ውሽቲ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ክውሰድ ይከኣል።
- ዝኽፈል ናይ ዕረፍቲ ግዜ ብምኽንያት ሕማም
እዞም መሰላት ኣብ ውሑስን ጥዕናዊ/ስሩዕ ናይ ስራሕ ከባብን ክትረኽቦም ይከአል ፡ ብተወሳኺ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይን ዘይንቡር ኣተሓሕዛን ይህልወካ።
ግቡአይ ከም ሰራሕተኛ እንታይ ይመስሉ?
ስራሕ ብሕልናን ኣብ ዝተመደበ ግዜ ብግቡእ ክትሰርሕ ይግባእ። ናይ ስራሕ ግዜ ብውዕል መሰረት ከተኽብር ይግባእ። ሰብኣዊ ኩነታትካን ካልኦት ንስራሕ ዝጸልዉ ጉዳያትን ንኣስራሒ ክትሕብር ይግባእ። ካባኻ እንታይ ከምዝጥለብ ንፍላጥ፡ ውዕል ስራሕ ብግቡእ ከተንብቦን ክትርደኦን ይግባእ።
ኣብ ግዜ ሕማም …?
እንተደኣ ሓሚምካ ብህጹጽ ንኣስራሒ ክትሰርሕ ከምዘትኽእል፡ወላውን ብተለፎን ክትሕብር ይግባእ። ቀጺሉ ናብ ሓኪም ብምኻድ ምስክር ወረቀት ብምኽንያት ሕማም ካብ ሓኪም ክትወስድ ይግባእ። እቲ ምስክር ወረቀት ድማ ንኣስራሒ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ከተቅርብ ይግባእ።
ካብ ሕማም ምስ ሓወኻ ናብ ስራሕ ክትምለስ ትኽእል፡ ካልኣይ ግዜ ናብ ሓኪም ብምኻድ ድማ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክስረዝ ይግባእ። እቲ ወረቀት ንኣስራሒ ከተቅርብ ይግባእ።
ብመሰረት ካብ ሓኪም ዝተዋህበካ ናይ ምስክር ሕማም ወረቀት ፡ ኣስራሒ ደሞዝካ ከዋራርዶ ይግባእ።ኣብ እዋን ዕረፍቲ ብምኽንያት ሕማም ዝተሓተ ደሞዝ ትወስድ ፡ እንተኾነ ግን ካብ 70% ክውሕድ የብሉን።
ምስራዝ ውዕል ስራሕ
ብወገንካን ብወገን ኣስራሕን ውዕል ስራሕ ናይ ምስራዝ መሰል ይህልወኩም። እዞም ክልተ ወገናት ድማ ናይ ምፍጻም ውዕል ምልክታ ከኽብሩ ብውዕል መሰረት ግዴተኦም ይኸውን።
ልሙድ ናይ ሓበሬታ ግዜ 15 መዓልታት እዩ። ብወገንካ ስራሕ ደው ከተብል እንተደኣ ወሲንካ ብውሑዱ ቅድሚ 15 መዓልታት ክትሕብር ይግባእ። ኣስራሒ ድማ ቅድሚ ምውዳእ ናይ ስራሕ ውዕል ክሕብረካ ይግባእ። ምስራዝ ውዕል ኣብ ፍሉይ ኣጋጣምታት ሕማቅ ኩነታትን ህጹጽ ይኸውን። ድሕሪ ምሕባር ምስራዝ ውዕል ናይ ዝሰራሕካሉ እዋን ደሞዝ ክትክፈል ይግባእ።
ብምኽንያት ሕማም ኣብ ዕረፍቲ ከለኻ ውዕል ክስረዝ ወይ ድማ ክትስጎግ ኣይግባእን። ጥርዓን ኣንጻር ኣፈላላይ ብምምላእ፣ ውዕል ስራሕ ብምጥሓስ ወይ ድማ ሕግታት ስራሕ ዘይምኽባር ንኣስራሒ ውዕል ስራሕ ንኽስርዝ ብቁዓት መረጋገጺታት ኣይኮንዎን እዮም።
ብዘይ ውዕል ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ዶ?
ብዘይ ውዕል ስራሕሓብ ጸሊም ዕዳጋ ምስራሕ ኣብ ክርዋትያ ዘይሕጋዊ ክልኩልን እዩ። ከጋጥም ይኽእል እዩ፡ ገለ ኣስራሕቲ ነዚ ዓይነት ስራሕ ከቅርቡልካ ይኽእሉ እዮም። ንህይወትካ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ካብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ክትጥንቀቅ ይግባእ።ውዕል ስራሕ እንተደኣ ዘይብልካ መሰልካ ከም ሰራሕተኛ ክትሓትት ኣይትኽእልን። ንኣብነት፡ እንዳሰራሕካ ዝኾነ መቅሰልቲ እንተደኣ ኣጋጢሙካ መሰል ክፍሊት ናይ እዋን ሕማም ዕረፍትን፣ ብቁዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ካሕሳን ኣይህልወካን።
እንተደኣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ተቆጺርካ ትሰርሕ ኣለኻ ፡ግብርን ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ኣበርክቶ ኣይህልወካን ማለት እዩ። ኣበርክቶ ክፍሊት ግብርን ማሕበራዊ ውሕስነት ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኣበርክቶ ድማ ኣብ እስኻን ነባሪ ህዝብን ብዘይ ክፍሊት ዝጥቅቀምሉ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ፣ ትምህርቲ፣ ዕዮ፣ ካልኦት ኣገልግሎታትን ይውዕል።
ደሞዝን ቀረጽን/ግብርን
ከም ሰራሕተኛ ሰብ መጠን ደሞዝካ ኩልግዜ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ሕሳብ ባንክኻ ወርሓዊ (ናይ ዝሓለፈ ወርሒ) ትኽፈል፡ ዝተወራረደ /ኔት ደሞዝ ድማ ይኸውን።
ጠቅላላ ደሞዝ ፡ግዴታዊ ዝኾነ ኣበርክቶ ንማሕበራዊ ውሕስነት የጠቃልል፥ እሳቶም ድማ ጥሮታ፣ ናይ ስንክላና ውሕስነት፣ ውሕስነት ጥዕናን ኣበርክቶ ንናይ ሽቅለት ኣልቦ ውሕስነትን እዮም።
እዚ ማለት ድማ ውዕል ስራሕ ዘለዎ ስራሕ ምስ እትጅምር ብቀጥታ ናብ ምወላ ውሕስነት ጥዕና ክርዋትያ ትኣቱ፡ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ድማ ይህልወካ፣ ብተወሳኺ ናይ ግዴታውን ወለንታውን ምወላ ጥሮታ ኣበርክቶ ፡ ጥሮታ ምስወጻኻ ትኽፈሎ ፡ የጠቃልል። ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ስንክልና ምስዘጋጥም እውን ናይ ዘይሰራሕካሉ እዋን ምወላ (ብፍላይ ድማ ውዕል ስራሕ ብዘይ ኣገባብ ምስዝስረዝ) ይህልወካ።
ገምጋም ደሞዝ ኣብ ክርዋትያ እንታይ ይመስል?
ብገምጋም ወርሓዊ ዝተወራረደ ደሞዝ ኣብ ክርዋትያ 6128 ኩና (ሚያዝያ 2018) ይበጽሕ። እቲ ዝተሓተ ውሑስ ደሞዝ 2745 ኩና ንምሉእ ግዜ ስራሕ ይኸውን።
ሰራሕተኛታትን ናይ ንግዲ ማሕበራትን
ሰራሕተኛታትን ናይ ንግዲ ማሕበራትን ወለንታዊ ናይ ስራሕ ማሕበራት ኮይነን ፡መሰላት ሰራሕ-ተኛታትን ንውሑድ ክፍሊት ደሞዝ ንምምጓትን ውሑስን ጥዕናዊ ኩነታትን ካልኦት ናይ ዕዮ መሰላትን ክጣበቁ ዝቆሙ ማሕበራት እየን። ኣብ ክርዋትያ ኣብ መዳያት ስራሕ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኣለዉ ።
ማሕበር ሰራሕተኛታት ብውልቂ ኣስራሒ ደረጃን ብደረጃ ዓይነት ስራሕ ክውደቡ ይኽእሉ፡ ንኣብነት ፡ምምስራት ናይ ንግዲ ማሕበራት ብደረጃ ሃገር ይኸውን።ማሕበራት ንግዲ ድማ ንናይ ውልቂ ኣባላት ብመንገዲ ኣስራሕትን ማሕበራትን መንግስትን ድሌት ሰራሕተኛታት የማልእ።
ኣባል ብኸመይ ትኸውን?
ኣብ እትሰርሓሉ መዳይ መሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቁ ኣናይ ንግዲ ማሕበራት ኣባል ምዃን ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ትሰርሓሉ ስራሕ ወይ ሞያ ዝውክሉ ማሕበራት ኣየናይ/ኣየኖት ምዃኖም ምልላይ ኣድላይ ይኸውን። ቅጺ ኣባልነት ድማ ክትመልእ ይግባእ።
ኣስራሒ ድማ ኣባል ናይ ንግዲ ማሕበር ምዃን ክእግደካ ኣይግባእን ፡ናይ ስራሕ መሰልካ ኣባል ናይ ንግዲ ማሕበር ምዃንካ ክጋሃስ የብሉን።
ባዕላዊ ስራሕ
ኣብ ክርዋትያ ናይ ውልቂ ስራሕ ክውንን ይኽእል ዶ?
ተቆጺርካ ብምስራሕ ብተወሳኺ ናይ ውልቂ ንግዲ ምውናን ባዕላዊ ስራሕ ምክያድን ይከኣል። ነዚ ንምፍጻም ድማ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ መንገድታት ድማ ኣለዉ ፥
- ትካል
- ናይ ኢድ ስራሕ
- ብምትሕብባር ዝምስረት
- ማሕበር
ናይ ግሊ ትካል/ስራሕ ንምውናን ከቢድ ዋጋ የኽፍል። ቀረጽ ንማእከላይ መንግስትን ዞባዊ መንግስትን ክትከፍል ይግባእ፡ ኣዚ ድማ ዓይነት ስራሕን ሕጋውነት ስራሕን ኣብ ግምት ዘእተወ ይኸውን። እቲ መስርሕ ሓደገኛን ዝተሓላለኸን ክኸውን ይኽእል።ኣብ ክርዋትያ ፡ዝኾነ ናይ ስራሕ ሓሳብ ወይ ትካላዊ ተመክሮን ክእለትን እንተደኣ ኣለካ፡ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ፈጠራ ስራሕ ማእከላት ምውካስ ይከኣል፥ ወይ ድማ ኣውሓስቲ ንግዲ ማእከላት/Business incubators ።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/Further information & links
ክሕግዙ ዝኽእሉ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት/NGO’s that can help you:
ቀይሕ መስቀል ክርዋትያ/Croatian Red Cross
ጀስዩት ኣገልግሎት ንስደተኛታት/Jesuit Refugee Service
ማእከል ንመጽናዕቲ ሰላም/Center for Peace Studies
ማእከል ተሃድሶ ጭንቀትን ስንባደን/Rehabilitation Centre for Stress and Trauma
ኣገልግሎት ዕዩ ክርዋትያ-ንወጻእተኛታት/Croatian Employment Service HZZ – information for non-EU/EEA citizens
ናይ ግሊ ኣገልግሎት ስራሕ/ዕዩ:
ዓቅሚ ሰብ ክርዋትያ/Manpower Hrvatska
ኣደኮ ህርቫስካ/Addeco Hrvatska
ዴክራ ንስራሕ/Dekra Employment
ትረንክዋልደር/Trenkwalder
ሕቶን መልስን
እቲ ናይ ስራሕ ውዕል እንታይ ዘካተት ይኸውን?
ውዕል ስራሕ ዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ዘካተተ ክኸውን ይግባእ፥
- ስምካ ደረጃ መዝነት ኣስራሕን፣ መንበሪ ወይ ኣዳራሻ ናይ ክልቲኦም ወገናት
- ቦታ ስራሕ፣ ወይ እንተደኣ ቀዋሚ ናይ ስራሕ ቦታ ዘየለ እቲ ስራሕ ኣብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ከምዝስራሕ ዘርኢ ሓበሬታ/ምልክት
- ዓይነት ስራሕ ወይ መግለጺ ስራሕ
- ዕለተ ምጅማር ስራሕ
- ናይ ውዕል ግዜ ገደብ፡ እንተደኣ ውዕል ስራሕ ንዝተወሰነ ግዜ ኮይኑ
- ግዜ ገደብ ዝኽፈል ዓመታዊ ዕረፍቲ ነቲ ሰራሕተኛ ዝምልከት ወይ ብኸመይ ከእተወሰነን መግለጺ
- ውዕል ናይ ምስራዝ ግዜ ብትዕዝብቲ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝፍጸም ወይ ኣገባባት ግዜ ምስራዝ ውዕል
- መሰረታዊ ደሞዝ፣ ወሰኽ ደሞዝን ሰራሕተኛ ዝወስዶ ናይ ክፍሊት ኣታዊታት
- ግዜ ገደብ ናይ መዓልቲ ስራሕ ወይ ሰሙን
እንተደኣ ግዳይ ናይ ኣፈላላይ ኣብ ስራሕ ወይ ካልእ ግህሰት ኮይነ ፡ሓለፋታት እንታይ ይመስሉ?
- ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮንካ ፣ እቲ ማሕበር ሕጋዊ ምኽሪ ይህበካ፡ ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ምቅራብ ጥርዓን ከም ወኪል ይተሓባበረካ።
- ናብ ቤት ተጠባባቂ ሰባት ጥርዓን ምቅራብ ይከኣል፡ እንተደኣ እቲ ጥርዓን ቅቡል ኮይኑ መጠንቀቅታ ንኣስራሒ ይወሃብን ክእረም ድማ ይሕብር።
እንታይ ዓይነት ልምዲ ስራሕ የድልየኒ?
ዝተፈላለለዩ ዓይነታት ስራሕ ዝተፈላለዩ ልምድታትን ተመክሮን ይሓቱ።ትሑት ክእለት ዝጠልቡ ስራሓት፡ ዝኾነ ፍሉይ ልምዲ ኣየድልን፡ እንተኾነ ግን ሰፊሕ ልምዲ ዝሕቱ ስራሕት መረጋገጺ ተመክሮ ወይ ልምዲ ይሓቱ።
ሰነድ ልምድን ትምህርትን/CV ንኣስራሒ ክቀርቡ ካብ ዘለዎም ምስክር እዮም። ገለ ኣስራሕቲ መምዘኒ ግዜን ንምግምጋም ተመክሮን ክእለትን ይህቡ። ነቲ ናይ መምዘንን ግምገማን ግዜ ክትክፈል ይግባእ።
ናይ ግሊ/ውልቂ ንግዲ ንምኽፋት ኣገደስቲ መስርሕት እንታይ ይመስሉ?
ዝርዝር ሓበሬታን መምርሕን ንምጅማር ናይ ውልቂ ንግዲ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ፡ Hitro.hr ክርከብ ይከኣል።
ናይ ግሊ ስራሕ ንምምስራት ገንዘባዊ ሓገዝ ክረክብ ይኽእልዶ?
ኣገልግሎት ዕዮ/ስራሕ ክርዋትያ (HZZ) ናይ ውልቂ ስራሕ ንምክያድ ብውሑዱ ናይ 55,000 ኩና ሕገዝ ክህብ ይኽእል።እዚ ሓገዛት ምስ ካልእ ናይ HZZ ሓገዛት ብምሕባር ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን ባዕላዊ ስራሕ ምምስራት ይከኣል።ነዚ ሓገዝ እዚ ንምርካብ ፡ኣብ HZZ ስራሕ ኣልቦ ምምዝጋብ ይግባእ። እንተደኣ ፍቃደኛ ኮንካ ካብ ናይ HZZ ኣማኻሪ ዘድሊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ምርካብ ይከኣል።
ብተወሳኺ ልቃሕ ንንግዳዊ ስራሓት ኣብ ባንኪ ከተመልክት ይከኣል፡ ነዚ ንምፍጻም ድማ መደብ ስራሕካ ከተቅርብን ንናይ ስራሕ ሓሳብካ ዘራጉድ መረጋገጺ ከተቅርብ ይግባእ።