Welfare benefits and social security in Croatia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያ » Welfare benefits and social security in Croatia

ዕድል ሰብኣዊ ምወላ/ድሕነት ንመን ይምልከት?

ኣብ ውሽጢ ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት ምወላ ኣብ ክርዋትያ ነዞም ዝስዕቡ ይምልከት፥

  • ነባርነት ዘለዎም ዜጋታት ክርዋትያ
  • ናይ መዋእል መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ወጻእተኛታት
  • ኣብ ክርዋትያ ሕጋዊ ነባርነት ዘለዎም ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተወህቦም ሰባትን ስድራቤታቶምን

ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት ብመልክዕ ገንዘባዊ ሓገዛትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ሓገዛት ንዝምልከቶም ሰባት የዳሉ።

ዝተዳለዉ ማሕበራዊ ሓገዛት እንታይ ይመስሉ?

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ  ዝተዋሃብካ ሰብ ኮንካ ፡ ህይወትካ/ኪ ክትመርሓሉ ትኽእል ወጻኢታት መነባብሮ ክትሽፍነሉ ትኽእል ዓቅሚ እንተ ዘይብልካ እስኻን ፡ ስድራቤትካን (ሕጋውያን ነበርቲ ክርዋትያ እንተኾይኖም) ፡ መሰል ብመንግስቲ ዝተመወለ ናይ ን 2 ዓመታት ዝቅጽል መንበሪ ገዛ ይወሃበካ።

ብመልክዕ ጥረ ገንዘብ መሰል ማሕበራዊ ሓገዛት እውን ይህልወካ፥

  • ህይወትካ ክትመርሓሉ ትኽእል ኣታዊ እንተዘይብልካ ፡ ከምእውን
  • ካብ ስራሕ ወይ ካብ ንብረት ህይወትካ ክትመርሕ እንተዘይኪኢልካ

ክልተ ዓይነት ማሕበራዊ ሓገዛት ኣለዉ”

  1. ውሑስ ትሑት ምወላ/በነፊት

ንውልቅኻ ወይ ምስ ስድራቤት ትነብር ኮንካ ህይወት ክትመርሓሉ ትኽእል ዝኾነ ኣታዊ እንተዘይብልካ ናይ ውሑስ ትሑት ምወላ ዕድል ይህልወካ። ቅድመ ኩነት እንተደኣ ኣማሊእካ ወርሓዊ ውሑስ ትሑት ምወላ ይህልወካ።

ውሑስ ትሑት ምወላ እንተደኣ ውልቀሰብ ኮንካ

ክሰርሕ ዘክእል ውልቀሰብ 

920,00 ኩና (121 EUR)

ክሰርሕ ዝኽእል ውልቀ ሰብን ውልቀ ስድራቤትን

800.00 ኩና (105 EUR)

 

ውሑስ ትሑት ምወላ ንስድራቤት ብከምዚ መልክዕ ተሰላሲሉ ይርከብ (ዓቀን ገንዘብ ንነፍስወከፍ ኣባል ስድራ ይድመር)፡

በጽሒ/እኹል ሰብ

480.00 ኩና (63.00 EUR)

ህጻን(ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ)

320.00 ኩና (EUR 42.00 EUR)

ውልቀ  ወላዲ  

800.00 ኩና (105.00 EUR)

ህጻን ናይ ውልቀ ወላዲ  

440,00 ኩና (58 EUR)

 

  1. ናይ ሓደ እዋን ሓገዝ

ናይ ሓደ እዋን ሓገዝ ንውልቀ ሰብ ወይ ድማ ንስድራቤት ኣብ ተወሳኺ ወጻኢታት ዘለዎም ግዜ ይወሃቦም ። ንኣብነት ፡ ኣብ እዋን ምውላድ ህጻን፣ ምዝገባ ትምህርቲ ህጻን፣ ሕማም ወይ ሞት ኣባል ስድራቤት ፣ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ፣ ምዕዳግ ናውቲ ገዛ ክዳውንትን ሳእንን የጠቃልል።

ንውልቀ ሰብ ናይ ሓደ እዋን ሓገዝ ክሳብ 2500 ኩና (EUR 327) ይበጽሕ፡ ንስድራቤት ድማ ክሳብ 3500 ኩና (458,00 EUR) ይበጽሕ ። ኣብ ፍሉይ ኣጋጣምታት ግን ፡ ናይ ሓደ እዋን ሓገዝ ካሳብ 10000 (1309,00 EUR) ኩና ክበጽሕ ይኽእል። እንተኾነ ግን ፡ እዚ ዓቀን ገንዘባዊ ሓገዝ ብስምምዕ ኣብ ማሕበራዊ ፖሊሲታት ዝነጥፍ ምንስትሪ ይኸውን።

መሰል ናይ ብመንግስቲ  ዝተመወለ ቤት እዋኑ ምስዝኣኸለ ፡ ህይወትካ ትመርሓሉ እኹል ኣታዊ `ውን ምስ ዘይህልወካ ነቲ ናይ ውሑስ ትሑት ምወላ ተወሳኺ ብምግባር፡ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ማለት ንክራይ ቤት ዝሽፍን ሓገዛት ንዓኻን ንስድራቤትካን ይግበረልካ።(ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሓገዛት ኣብ ክርዋትያ ነዚ ሊንክ፡) ፡ተወከስ)።

ጠለብ ሓገዝ ብኸመይ ተቅርብ?

ኣብ ከባቢ ትነብረሉ ዞባ ዝርከቡ ማእከላት ማሕበራዊ ድሕነት ሓላፍነት ምሃብ ናይ ማሕበራዊ      ሓገዛትን ደገፍን ካልኦት ናይ ምወላ ሓገዛትን ይወስዱ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ፡ ፎርም ጠለብ ክትመልእን መርትዖ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝን ካልእ ደገፋትን ከምዝግባኣካ ከተቅርብ ይግባእ፡ (ንኣብነት ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ዕዮ/ስራሕ ከምዝተመዝገብካ መረጋገጺ ከተቅርብ ይግባእ)።

ውሑስ ትሑት ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ክርዋትያ ክትምዝገብ ይግባእ። እዚ ድማ  ክሳብ ስንክልና ሃልዩካ ክትሰርሕ ዘይትኽእል ሰብ ዘይኮንካ ማለት እዩ። ክትሰርሕ ትኽእል ሰብ እንተደኣ ኮንካ ብቤት ጽሕፈት ዕዮ ክርዋትያ ንዝወሃበካ ስራሕ ክትቅበል ይግባእ።

ንዝምልከቶም ሰባት ዝተዳለዉ ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እንታይ ይመስሉ? 

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንዝምልከቶም ሰባት ብመንገዲ ማእከላት ማሕበራዊ ድሕነት ንብፍሉይ ተጠቃዕቲ ሰባት ፡ እኹል ኣታዊ ንምምራሕ ህይወቶም ዘይብሎም ፡ ይወሃብ። ንኣብነት፡

  • ነብሶም ክመርሑ ዘይክእሉ ሽማግለታት
  • ስንክልና ዘለዎም ህጻናትን በጽሕታትን
  • ሓደጋ ናይ ማሕበራዊ ተነጽሎ ዘለዎም ስድራቤታት

ብመንግስቲ ዝተመወለ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንዝምልከቶም ሰባት እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  • ሓገዝ ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ምዕዳግን ኣብ ገዛ ዝተሰርሑ መግብታት ምድላውን ገለ ናይ ገዛ ዕዮታት ምክያድን ፡ ምኽዳን ኣልባሳትን፣ ምሕጻብ ኣካላትን ካልኦት ናይ ጽሬት ሓገዛት ምሃብ የጠቃልል። መብዛሕትኡ እዋን እዚ ዓይነት ሓገዛት ንሽማግለታትን ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ይወሃብ።
  • ክንክን መንበሪ ፡ ትካላዊ ክንክን ኣብ ገዛ ማሕበራዊ ክንክንን ዘይትካላዊ ክንክን ኣብ መናበይ ቤት ይወሃብ። እዚ ዓይነት ሓገዛት ንስንክልና ዘለዎም ህጻናትን በጽሕታትን ከምእውን ግቡእ ስድራቤታዊ ክንክን ዘይብሎም ህጻናትን ይወሃብ።
  • ሓውሲ ክንክን መንበሪ ፡ እዚ ዓይነት ክንክን ናይ ምሉእ መዓልቲ ጻንሒትን ፍርቂ መዓልቲ ጻንሒትን ኣብ ገዛ ማሕበራዊ ክንክን ይኸውን። ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ መግቢ፣ ውልቃዊ ጽሬት፣ ክንክን ጥዕና፣ ምእላይ፣ ትምህርቲ፣ ሕክምናዊ ክንክን፣ ናይ ስራሕ ንጥፈታትን ስነኣእምራዊ ተሃድሶን የጠቃልል።
  • ስሩዕ ናይ ምንባር ኣገልግሎት፡ ተቀበልቲ ሓገዝ ብክኢላታትን ኣብ ገዛ ዝነብሩ ሰባትን፡ ቀጻልን ምኽኑይ ሓገዛት ይግበረሎም። እዚ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንስንክልና ዘለዎም ህጻናትን በጽሕታትን ከምእውን ግቡእ ስድራቤታዊ ክንክን ዘይብሎም ህጻናትን ይወሃብ።
  • ቅድመ ምትእትታው ሓገዛት፡ ናይ ክኢላታት ሓገዝ ንህጻናትን ሞያውን ናይ ምኽሪ ደገፋት ንስድራቤታትን ኣብ መናበይ ዝርከቡ ስድራቤታትን የጠቃልል። እዚ ዓይነት ሓገዛት ንናይ ምዕባይ ጸገማት ኣብ ፈለማ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ይወሃብ።

ከም ወጻእተኛ መሰል ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይምልከተካ፡ እንተደኣ ፥

  • ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተወሃብካ ውልቀ ሰብ ኮንካ
  • ኣባል ስድራቤት ናይ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበ ውልቀ ሰብ ኮንካን ሕጋዊ መንበሪ ኣብ ክርዋትያ እንተደኣ ኣሎካ/ኪ
  • እንተደኣ ቀዋሚ መንበሪ ኣብ ክርዋትያ ዘሎካ ወጻእተኛ ኮንካ

መሰል ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክህልወካ ዓቅሚ ኣታዊ ገንዘብ ካብ 1500,00 ኩና (196,00 EUR) ብመንጽር ኣባል ስድራቤት ዘይሓልፍ ምስዝኸውን እዩ።

ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ክርዋትያ  

ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ክርዋትያ እንታይ የጠቃልል?

ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ክርዋትያ ጥዕና፣ ጥሮታሽቅለት ኣልቦውሕስነት ሓደጋ ኣብ ስራሕ፣ ከምእውን ኣደነትን ስድራቤታዊ ምወላን የጠቃልል።

ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ ብኸመይ ተወዲቡ ይርከብ?

ኣብ ክርዋትያ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣካል ናይ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት እዩ።መሰል መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ ንኩሎም ቀዋሚ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ግዴታዊ እዩ።

ግዴታዊ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ክርዋትያ ጥሙር እዩ። እዚ ማለት ድማ ኩሎም ዜጋታት ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ካብ ነፍስወከስ ደሞዝ ናይ ክንክን ጥዕና ክፍሊት ኣበርክቶ ይህልዎም ማለት እዩ። ኣብ ክርዋትያ ናይ ባዕሎም ስራሕ ዘለዎም ሰራሕተኛታት እውን ክፍሊት ውሕስነት ጥዕና የበርክቱ። ሽቅለት ኣልቦ ሰባትን ፣ ህጻናትን ፣ ጥሮታ ዝወጹ ሰባትን ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ተረባሕቲ ናይ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና እዮም።

መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ነዞም ዝስዕቡ ወጻኢታት ይሽፍን፥

  • ሓፈሻውን ህጹጽ ናይ ክንክንጥዕና ኣገልግሎታትን መርመራታትን
  • ምእላይ ሞግዳእቲ ኣብ ቦታ ስራሕን ምስ ሞያ ዝተኣሳሰር ሕማማትን
  • ካሕሳ ናይ ክፍሊት ኣብ እዋን ምቋም ካብ ስራሕ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ብሕማም ምኽንያትን ስድራቤታዊ ዕረፍትን
  • ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ዝተኣሳሰር መጓዓዝያ

ብመሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ዘይተሸፈኑ ወጻኢታት ብተተካኢ ውሕስነት ጥዕና ይሽፈን ወይ ድማ እቲ ውልቀ ሰብ ወጻኢታቱ ባዕሉ/ላ ክሽፍን ይግባእ።

እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዘሎካ ውልቀ ሰብ ኮንካ፡ ዕድል ናይ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና እንተደኣ ስራሕ ተቆጺርካ ትሰርሕን፡ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ዘሎካን ፡ ወርሓዊ ኣበርክቶ ክንክን ጥዕና ኣስተዋጽኦ ትገብር ኮንካን ጥራይ፡ ግዴታዊ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ይህልወካ።

እንተኾነ ግን ፡ መሰል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ልክዕ ከም ዜጋ ክርዋትያ ወይ ካልኦት ሸፈነ ግዴታዊ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ይህልወካ/ኪ። ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ክንክን ጥዕና ተመልከት፡

ናይ ጥሮታ ውሕስነት እንታይ ይመስል?

ጥሮታ ማለት ወርሓዊ ክፍሊት ኣብ እዋን እርጋን ወይ ሽምግልና ዕድመ ወይ ድማ ስራሕ ምስራሕ ዘይከኣለሉ ደረጃ ማለት እዩ። ዕድል ክፍሊት ናይ ጥሮታ እንተደኣ ንዓመታት ኣብ ክርዋትያ ሰሪሕካን እስኻን ኣስራሒኻን ግብሪ ንውሕስነት ጥሮታ ከፊልኩምን ይኸውን።

ስርዓት ውሕስነት ጥሮታ ኣብ ክርዋትያ ሰለስተ ዓንድታት ኣለውዎ፥

  • ግዴታዊ ህዝባዊ ውሕስነት ጥሮታ ብመሰረት እንዳኸፈልካ ምኻድ ቅዲ ኣካፋፍላ
  • ግዴታዊ ውሕስነት ጥሮታ ብመሰረት ውልቃዊ ውህለላ/Savings ኣብ ገለ ናይ ግሊ ምወላ ጥሮታ ትካላት
  • ወለንታዊ ውሕስነት ጥሮታ ብመሰረት ውልቃዊ ውህለላ ኣብ ገለ ናይ ግሊ ምወላ ጥሮታ ትካላት

ንውሕስነት ጥሮታ ዝዋጻእ ገንዘብ ካብ ምሉእ ደሞዝ ይቁረጽ። ብዛዕባ ደሞዝን ግብርታትን ምዕራፍ ስራሕ/ዕዮ ተመልከት፡

ሰለስተ ናይ ጥሮታ ዓይነታት ኣለው፥

  • ናይ ሽምግልና ጥሮታ
  • ናይ ስንክልና ጥሮታ
  • ናይ ስድራቤት ጥሮታ

ንናይ ሽምግልና ጥሮታ – ኣብዚ እዋን ኣብ ክልል ዕድመ 65 ን 15 ዓመታት ኣበርክቶ ንውሕስነት ጥሮታ ዘሎካን ክትከውን ይግባእ። ደቀንስትዮ ድማ ኣብ ክልል ዕድመ 61 ክኾና ይግባእ። ናይ ዕድመ ገደብ ንጥሮታ ኣብ ካልኦት ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ሃገራት እንዳወሰኸ ይመጽእ ይርከብ።

ናይ ስንክልና ጥሮታ – እንተደኣ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራሕ ዓቅሚ ዘይብልካ/ኪ መጉዳእቲ ኣብ ስራሕ ወይ ምስ ስራሕ ዘይተኣሳሰር መጉዳእቲ ንስራሕካ ዝጸሉ ወይ ድማ ምስ ሞያ ዝተኣሳሰር ሕማማት ፡ ናይ ስንክልና ጥሮታ ይህልወካ/ኪ።

ናይ ስድራቤት ጥሮታ – ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት እንተደኣ ውሕስነት ጥሮታ ዘለዎ ኣባል ስድራቤት ብሞት ተፈልዩ ኣባላት ስድራቤቱ ናይ ጥሮታ ገምጋም ክወስዱ ይኽእሉ።

ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/ Further information & links

ማእከላት ማሕበራዊ ድሕነት/  Social welfare centres

መሰላት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ክርዋትያ /    Social security rights in Croatia

ምወላ ናይ ኣደነት ወይ ኣቦነት/Maternity/paternity benefits

ምወላ ህጻን/   Child benefit

ካልኦት ስድራቤታዊ ምወላታት/    Other family benefits

ስርዓት ጥሮታ ኣብ ክርዋትያ /     Pension System in Croatia

 

ሕቶን መልስን

ከም ሓታቲ ዑቅባ ምወላ ድሕነት ብኸመይ ይረክብ?

ከም ሓታቲ ዑቅባ መሰል ኩለ መዳያዊ ምወላ ማሕበራዊ ድሕነት የብልካን። እንተኾነ ግን ፡ መዕረፊ ክፍልን መሳለጥያን፣ መግብን ኣልባሳትን ትቅበል ፡ ብተወሳኺ፡ መሰል ናይ ነጻ ኣገልግሎት ትራንስፖርት፣ ሓለዋ ጥዕና፣ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ፣ ከምእውን ነጻ ክፍሊት ናይ ሕጊ ሓገዛት ይወሃበካ። ናይ ጁባ ገንዘብ ኣስታት 100 ኩና (ከባቢ 13 EUR) እውን ወርሓዊ ኣብ መቀበሊ ማእከል ኣብ እትህልወሉ እዋን ይወሃበካ።

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንተደኣ ተዋሂቡኒ ሰብኣዊ ምወላ ብኸመይ ይረክብ?

መሰላት ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት ብመንገዲ ማእከላት ማሕበራዊ ድሕነት ናይ ትነብረሉ ከባቢ ክጥለብ ይከኣል።ኣብ ገለ ኣጋጣምታት ፡ እዞም መሰላት ብኣሃዱ ዞባዊ መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ከተማ ዛግረብ፣ ብምትሕብባር ማእከላት ማሕበራዊ ድሕነት ይሰላሰል።

እቶም ክትመልኦም ዝግብኣካ ቅጽታት ኣብ ማእከል ማሕበራዊ ድሕነት ይዳሎ። ምስቲ ጉዳይ ዝተኣሳሰር መለለይ ወረቀት /ዶኩመንት፡ ሓገዝ ከምዝግባኣካ ከተቅርብ ይግባእ።

ንናይ ሽቅለት ኣልቦ ምወላ ብቁዕ ድየ?

እንተደኣ ስራሕ ኣብ ክርዋትያ ደው ኣቢልካ ፡ናይ  ሽቅለት ኣልቦ ምወላ ግም ወርሓዊ ንምቅባል ጠለብ ከተቅርብ ይከኣል። ጠለብ ንምቅራብ ክትፈልጦም ዝግባእካ መምዘኒታት ኣብ ምዕራፍ ስራሕ/ዕዮ ተመልከት ፡

ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝተዳለዉ ናይ ድሕነትን ውሕስነት ማሕበራዊ ምወላን እንታይ ይመስሉ?

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስንክልና ኣለዉ። ገለ ሰባት ናይ ኣካላውን ወይ ናይ ስምዒት ምምዝባል ጸገማት ኣለዎም። ንኣብነት ፡ ዓይነ ስዉር፣ ጸማም፣ ክስግሙ ዘይክእሉን ዓረብያ መሰጎሚ/wheelchair ዘድልዮምን የጠቃልል። ካልኦት ሰባት `ውን ኣእምራዊ ስንክልና ኣለዎም ፡ ምምዝባላት ኣእምራዊ ጥዕናን ናይ ምምሃር ጸገማት ዘለዎምን ይኾኑ።

ስንክልና ዘለዎም ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ክርዋትያ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም፡ እዚ ዝስዕብ ሓገዛት ክቅበሉ ይኽእሉ፥

  • ውልቃዊ ናይ ስንክልና ምወላ
  • ደረጃ ኣላይ ስድራ ወይ ኣላይ ስድራ
  • ምወላ ደላይ ስራሕ
  • ሓገዝን ቀረብ ክንክንን
  • ስነኣእምራዊ ደገፍ
  • ቅድመ ምትእትታትው
  • ሓገዝ ንምጽንባር ኣብ መደባት ናይ ኣተዓባብያን ስሩዕ ትምህርትን(ምውህሃድ) ንህጻናት
  • ግዝያውን ናይ ነዊሕ ቀረብ መሳለጥያን
  • ውዳበ ዘለዎ ናብራ
  • መዓልታዊ ክንክን

ስንክልና ዘለዎ ውላድ እንተደኣ ኣሎካ ፡ ገለ ውሑዳት ተወሰኽቲ ከም ወላዲ ክትረክብ ትኽእል፥

  • ፍርቂ ናይ ስራሕ ግዜ ምዱብ ስራሕ እንተደኣ ትሰርሕ ኮንካ/ኪ
  • ዝኽፈል ናይ ክንክን ህጻን ዕረፍቲ እንተደኣ ትሰርሕ ኮንካ/ኪ
  • ቀጻሊ ዝውስኽ ናይ ህጻን ምወላ

ንስድራቤተይ  ዝወሃብ ምወላ ማሕበራዊ ድሕነት እንታይ ይመስል?

እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋሃብካ ሰብ ኮንካ ፡ ኣባላት ስድራቤትካ ፡ ምስ መሰል ነባርነት ኣብ ክርዋትያ ማዕረ ዕድላት ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ምወላ ይህልዎም።

ኣባላት ስድራቤትካ ፡ ምስ መሰል ነባርነት ኣብ ክርዋትያ፡ክሳብ ስራሕ ተቆጺሮም ዝሰርሑ  ኣድላይነት መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣይህልዎምን። እንተኾነ ግን ፡ ነፍስወከፍ ኣባላት ስድራቤት ማዕረ መሰል ኣገልግሎት ጥዕና ከም ዝኾነ ኣብ ክርዋትያ ዘሎ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎ ሰብ ይህልዎም።

እንተደኣ ክነብረሉ ዝኽእል ቤት ዘይብለይ ክረኽቦ ዝኽእል ማሕበራዊ ሓገዛት እንታይ ይመስል?

እንተደኣ ናይ ትነብረሉ ቤት ወጻኢታት ንቀጻሊ ክትሽፍን ዘይከኣልካ ፡ ክትነብረሉ ትኽእል ቦታ እውን እንተዘይብልካ ፡ ገለ ግዝያዊ ፍታሓት ኣለዉ። መሰል ነባርነትን ብቁዕ መለይ ካርድ እንተደኣ ኣሎካ ፡ ተጸዋዒ ማእከል ማሕበራዊ ድሕነት ግዝያዊ መዕቆቢ ክረኽበልካ ይኽእል። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ምዕራፍ መንበሪ ገዛ ተመልከት።  

ኣድላይ እንተደኣ ኮይኑ ፡ ማእከል ማሕበራዊ ድሕነት ከባቢኻ ዕድል ናይ ህዝባዊ ቤት መግቢ ወይ ወርሓዊ ቀረብ መግቢ  የዳልወልካ።