Housing in Croatia
መቀበሊ ማእከላት
ኣብ ክርዋትያ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ካብ ዝሓተትካሉ እዋን ጀሚሩ መሰል ናይ ምእንጋድ ኣሎካ። እንተደኣ ወጻኢታት ናይ መአንገዲ ክትሽፍን ዘይኪኢልካ ኣብ መቀበሊ ማእከል ክትነብር ትኽእል።
ኣብ ክርዋትያ ክልተ ናይ መቀበሊ ማእከላት ኣለው፡ እቲ ቀደማይ ኣብ ዋና ከተማ ዛግረብ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኩቲና 80 ኪ.ሜ ካብ ዛግረብ እዩ።እቶም ክልተ መቀበሊ ማእከላት ክፉታት ኮይኖም ፡ ማለት ናይቲ ማእከል ናይ ገዛ ሕግታት ብምኽባር ብነጻ ክትኣቱን ክትወጽእን ይከኣል፣ ኣብ እዋን ምሸት ፍሉይ ናይ ምእታው ሰዓታት ኣይህሉን፡ ንሰብ መዚ ግን መስርሕ ዑቅባኻ ንምግምጋም ኣብ ዝኾነ እዋን ክትርከብ ይግባእ።
ፍሉይ ሓገዛት ንብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ጉጅለታት ኣሎ ዶ?
ድሕሪ ምእንጋድ ኣብ መቀበሊ ማእከል ውልቃዊ ኩነታት ኣብ ግምት ይእቱ። ስድራቤታት ብሓደ ይእንገዱ፣ ደቀንስትዮ ንውልቀንን ኣላይ ዘይብሎም ህጻናትን ድማ ኣብ ዝተፈልየ ቦታ የዕርፉ።
እሱ ድማ ንዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፥
- ስንክልና ዘለዎም ሰባት ወይ ድም ሕዱር ሕማምን ብርቱዕ ሕማምን ንዘለዎም
- ነፍሰጾር ደቐንስትዮ
- ሽማግለታት
- ንጽል/ሓደ ወላዲ ምስ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት
- ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ
- ግዳያት ስቃይ/ስቅያት
- ግዳይ ግርዘት/ምኽንሻብ ደቀንስትዮ
- ግዳይ ናይ ኣካላውን፣ ስነኣእምራውን፣ ጾታውን ዓመጽ
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ዝምልከቱኻ/ኺ እንተኾይኖም ፡ ካብ ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ጉጅለታት ትቁጸር።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ኩነታት ብርእሰ ተኣማንነት ንሰብ መዚ ዑቅባ ፣ ሰብ መዚ መቀበሊ ማእከል ወይ ድማ ኣብ መዕቆቢ ማእከል ስነ ኣእምራዊ ሓገዛት ዝህቡ ማሕበራት ክትሕብርን ክትገልጽን ይግባእ።
ኣብ መቀበሊ ማእከል እንታይ ሓገዛት ይረክብ?
ኣብ መቀበሊ ማእከል መሰረታዊ ጠለባት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓገዛት ይርከብ፡ መግቢ፣ ክዳውንቲ/ኣልባሳት፣ ከምእውን ናይ ጽሬት ናውቲ ተዳልዩ ይርከብ። ብተወሳኺ ወርሓዊ ውሑድ ናይ ጁባ ገንዘብ 100 ኩና /13 ዩሮ ይወሃበካ።
ኣብ መቀበሊ ማእከል ንዝተኣንገዱ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ፣ መዘናግዒ፣ ትምህርታውን ሞያውን ንጥፈታት ተዳልይሎም ይርከብ።ብልምዲ ድማ ስነ ኣእምራውን ሕጋውን ሓገዛት ብተፈላለዩ ኣብቲ መዕረፊ ማእከል ዝነጥፉ ማሕበራት ይወሃብ።
ኣብ መቀበሊ ማእከል ንክንደይ እዋን ይቅመጥ?
ምእንጋድ ኣብ መዕረፊ ማእከል ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃብ ይኸውን። ብፍላይ ድማ ብመደብ ዳግመ ሰፈራ ወይ ብውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝመጹ ሰባት እንተኾይኖም ፡ኣብ ክርዋትያ እዚ መስርሕ ካብ ወርሒ ክሳብ ክልተ ወርሒ ይወስድ፡ ካብ ዓመት ንላዕሊ እውን ክወስድ ይኽእል።
ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ
ውሳኔ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ካብ ዝተወሃብካሉ እዋን ጀሚሩ ንክልተ ዓመት ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ ምስ መሳለጥያቱ ክትወስድ ይግባእ። ኣብ ምሃብ መንበሪ ገዛ ዝነጥፍ መንግስታዊ ትካል መንበሪ ገዛ የዳሉ። ስፍሓት መንበሪ ድማ ከም ኣድላይነቱ ይፈላለ፡ ንውልቅን ምስ ስድራቤትን እቲ ስፍሓት ሓደ ኣይከውንን።
ዝተዳለወልካ ቀረብ መንበሪ ክትወስድ እንተደኣ ተቀቢልካ፡ ውዕል መንበሪ ምስ ዝምልከቶ መንግስታዊ ትካል ክትፍርም ይግባእ። ካልእ መንበሪ ናይ ምሃብ ዕድል ከይወሃበካ ተኽእሎታት ኣሎ።
ኣብ ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ እንታይ ክፍሊታት ይህልወኒ?
ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቅሰ 2 ዓመት እንተደኣ ገንዘብ ዘይብልካ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይህሉን። እዚ ማለት ድማ ፡ ናይ ማይ፣ ኤለትሪክ፣ ጋዝ፣ መውዓይን ካልእን ክትከፍል ኣይግባእን። መራኸቢ ኣገልግሎታት ከም ቀዋሚ ተለፎን ፣ ሞባይል፣ ኢንተርነትን ናይ ተለቪዥን ኣገልግሎታት ባዕልኻ ክትከፍል ይግባእ።
እንተኾነ ግን እንተደኣ ስራሕ ረኺብካን ካብ 2500 ኩና (340 ዩሮ) ንላዕሊብውልቂ/ንበይንኻ ኣታዊ እንተደኣ ኣሎካ ፡1500 ኩና (200 ዩሮ) ንሓደ ኣባል ስድራቤት (ብስድራቤት ደረጃ)፡ ገለ ክፋል ወጻኢታት መንበሪ ኣብ ኣታዊታት ዝተመርኮሰ ክትከፍል ይግባእ።
ናይ መንበሪ ገዛ መሰል ክኸስር ይኽእል ዶ?
እንተደኣ ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ኣብ መንበሪ ክፍልኻ ዘይተቀሚጥካ መሰል ምንባር ኣብ ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ ክትሕደግ ትኽእል።ብመንግስቲ ዝተዋህበካ ገዛ ከይከሰርካ ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ኣብ ካልእ ክትነብር እንተደኣ ደሊኻ ካብ ዝምልከቶም ሰብ መዚ(ንመንበሪ ገዛ ውዕል ዝፈረምካሉ ትካል) ድጋፍ ንምርካብ ብቁዕ መርትዖ ከተቅርብ ይግባእ።
ኣብ ሓደ ክፍሊ ናይ ዕቢ መንበሪ ህንጻ ትነብር እንተደኣ ኮንካ ናይ ገዛ ሕግታት ከተኽብር ይግባእ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ምንባር ኣብ ኮሚኒትን ከባብን ተወከስ። ናይ ገዛ ሕግታት ዘየኽብሩ ነበርቲ ዝተዋህቦም መሰል መንበሪ ገዛ ክኸስሩን ናይ ምስጓግ ተኽእሎታት ውን ከጋጥሞም ይኽእል።
ደጋውን ውሽጣውን ገዛኻ ብክንክን ክትሕዞ ይግባእ፡ እዚ ድማ መናድቅ፣ ሰጥሒ፣ ሰድያታት፣ ናይ ግዳም መደየቢ፣ ወይ ቀጽሪ(እንተደኣ ኣለዎ) የጠቃልል። እዚ ማለት ድማ ንስርዓትን ብጽሬትን ክትሓዝ ኣለዎ፡ እንተደኣ ንብረት ተባላሽዩ ውዕል ዝፈረምካሎም ሰብ መዚ ክትሕብር ይግባእ።
ሙሉእ ስምካ ምንባር ኣብ ሓድሽ ገዛ ዝጀመርካሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ መቀበሊ ጶስጣ ክትጽሕፍ ይግባእ፡ እዚ ድማ ኣገደስቲ ሓበሬታን መልእኽትን ክትቅበል የገልግል።
መንበሪ ገዛ ብባዕላዊ ምወላ
ድሕሪ ክልተ ዓመት ዑቅባ ምውሳድካ መሰል ናይ ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ የብቅዕ። ኣቀዲሙ ካብ መንበሪ ትወጸሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ይሕበረካ። ነዚ ኣጋጣሚ ንምድላው ድማ ኣቀዲምካ ገንዘብ ክትዕቅብን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ድማ ገዛ ክትፍትሽን ይግባእ። እዚ ድማ ገዛ ምርካብ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ ኣቀዲምካ ምድላወትካ ከተጻፍፍ ዝዓለመ እዩ።
መንበሪ ገዛ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል?
እቲ ልሙድ ኣገባብ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ኣብ ክርዋትያ ብመንገዲ ኦንላይን/online መወዓውዒ ዝግበር ፈነወን ብመንገዲ ኣባይቲ ዘካርዩን ዝሸጡን ትካላት እዩ። እዞም ትክላት ብመንገዶ ኣባይቲ ንምርካብ ውሱን ክፍሊት የድሊ፡ ብተወሳኺ እውን ኣብ ጋዜጣታት ቀረብ ኣባይቲ ብመልክዕ ዝርዝር ቦታታት ክርከብ ይከኣል።
እንተደኣ ኣብ ክራይ ቤት ትነብር ኮንካ ተኻራይ ኢኻ ፡እቲ ገዛ ካብ ወናኒ ቤት ትካረዮ፡ ኣካራይን ተኻራይን ድማ ውዕል ክራይ ክፈራረሙ ይግባእ፡ በቲ ውዕል መሰረት ድማ ትነብረሉ ቦታ ከም ኣድራሻ ይምዝገብ።
ከም ተኻራይ መሰላትን ግቡኣትን እንታይ ይመስሉ?
ኣብ ውዕል ክራይ መሰላትካን ግቡኣትን ከም ተኻራይ ተገሊጹ ይርከብ።
እንተደኣ ዝኾነ ንብረት ኣብ ገዛ ተሰይሩ ወይ ተባላሽዩ (ፍሪጅ ወይ መጎጎ ኤለትሪክ)፡ ወናኒ ቤት ከዐርዮን ክጽግኖን ይግባእ። ከም ተኻራይ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይምልከተካን እዩ ብፍላይ እንተደኣ ባዕልኻ ዘበላሸኻዮ እንተዘይኮይኑ ፡ ባዕልኻ ምስ እትኸውን ግን ክትከፍል ትግደድ። ቕድሚ ናብ ዝተዳለወ ቤት ምእታውካ ወናኒ ገዛን ተኻራይን ኩነታት ገዛ ከጻርዩን ይግባእ፡ እዚ ዝኾነ ዝጎደለ ነገር ንኸይህሉ ይኸውን።
ብመሰረት ውዕል ክራይ ከም ልሙድ ገንዘብ ክራይ ወርሓዊ ይኽፈል። ናይ ክራይ ገንዘብ ካብ ናይ ወጻኢታት ቤት ዝተፈልየ እዩ። ወጻኢታት ከም፡ ኤለትሪክ፣ ማይ፣ ጋዝ፣ ከምእውን ጽገናታትን ወርሓዊ ይኽፈል።እንተደኣ ወርሓዊ ዘይተኸፍለ ድማ ምስ መቅጻዕቱ ኣብ ካሌ እዋን ክትከፍል ትግደድ።
እንተደኣ ቤት ለቂቅካ ክትወጽእ ደሊኻ ከም ተኻራይ መሰልካ ዝተሓለወ እዩ።እንተዘይኮይኑ ግን ክሳብ ውዕል ዝውዳእ ገንዘብ ክራይ ክትከፍል ይግባእ።
ወናኒ ቤት ብወገኑ ስምምዕ ውዕል ገዛ ክስርዞ ይኽእል፡ እንተደኣ ፥
- ገንዘብ ክራይ ይኹን ወጻኢታት ሃልኪ ኣብ እዋኑ እንተዘተኸፊሉ
- ገዛ ብዘይ ኣፍልጦ ወናኒ ቤት ናብ ካልእ ሰብ እንተደኣ ኣሰጋጊርካዮ
- ረብሻ ንካልኦት ነበርቲ ኣጋጢሙ
- ካብ 30 መዓልቲ ብዘይ ኣፍልጦ ወናኒ ገዛ ካልእ ኣቀሚጥካ/ኪ፡ እቲ ሰብ እንተደኣ ኣባል ስድራቤት/ዘመድ ወይ ድማ ብሕጊ ክትግዞ ዘለካ ሰብ ዘይኮይኑ
- ካብ ውዕል ወጻኢ ቤት ንካልእ ዕላማ እንተደኣ ተጠቂምካሉ፡ ንኣብነት ገበናዊ ንጥፈታት ወይ ጽዑቅ ናይ ንግዲ ንጥፈታት
እዚ ከምዚሉ ከሎ እንተደኣ ወናኒ ገዛ ውዕል ክራይ ክስርዞ ደልዩ ፡ መጠንቀቅታ ብጽሑፍ መልክዕ ክህበካ ይግባእ ። መጠንቀቅታ ብተወሳኺ እውን ናይ 30 መዓልታት ዕድል ንምውጋድ እቲ ምኽንያታት ምስራዝ ውዕል ይኸውን።
ብተወሳኺ እውን እስኻ/ኺ ከም ተኻራይ ፡
- ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር መንበሪ እንተደኣ ኣውሪድካን ኣብ 30 መዓልታት እውን ክትጽግኖ ዘይኪኢልካን
- ናይ ሓባር መንበሪ ብዘይ ኣፍልጦ ወናኒ ቤትን ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ንወናኒ ቤትን እንተደኣ ቀይርካ
ኣብ ከምዚ ኩነታት ወናኒ ቤት ብጽሑፍ መልክዕ ሓበሬታ ምእላይ ካብ ገዛ ክህበካ ይግባእ ፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት እውን ቤት ለቂቅካ ትኸይድ።
እንተ መንበሪ ገዛ ክትረክብ ዘይከኣልካ/ኪ እንታይ ኣማራጺ ይህልወካ?
እንተደኣ ትነብረሉ ቦታ ዘይብልካን ፡ካብቲ ትነብረሉ ዝነበርካ ቦታ ምስ እትእለይን ንግዝያዊ ፍታሕ ዝኾኑ ኣማራጺታት ኣይሰኣኑን።
ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ኣብ ከባቢ ትነብረሉ ዝነበርካ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት መለለይ ካርድኻ ብምርኣይ ኩነታትካ ክትገልጽ ይግባእ። እቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ድማ ግዝያዊ መዕቆቢ ክረኽበልካ ይኽእል።
መሰል ናይ ግዝያዊ መዕቆቢ ምርካብን ዝኣመሰሉ መሳለጥያትን ይህልወካ ፡ እዚ ድማ ብቑዕ መለይ መንነትን ናይ ምንባር መሰል ምስ ዝህልወካን ህይወትካ ትመርሓሉ ኣታዊ ምስ ዘይህልወካን ይኸውን።
እቶም መዕቆቢ ማእከላት ድማ ለይቲ ሓዲርካ ምስ ጠለብ ሓደ መግቢ ወይ ድማ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ምስ ምሉእ ቀረብ ሙሉእ መዓልቲ ትውዕለሉ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ክፍሊ ይምደበልካ፡ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ድማ ምስ ሓደ ሰብ መንበሪ ክፍሊ ከም እትማቃራሕ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ማሕበራዊ ክፍሊት መሰል ኣይህልወካን ፡እንተኾነ ግን ናይ ጁባ ገንዘብ ይወሃበካ።
እዞም ዝተጠቅሱ ኣማራጺታት ድማ ግዝያውን ንዝምልከቶም ሰባት ዝተዳለወ እዩ። ኣብ መዕቆቢ ማእከል ድማ ክሳብ ህይወትካ ትመርሓሉ ኣጋጣሚ ዝጣጣሕ ይኸውን ።
ናብ ዝተባህለ ቦታ ምስዝንቀሳቀስ መለይ መንነት ክቅይር ይግባእ ዶ?
እንተደኣ ካብ ሓደ መንበሪ ገዛ ናብ ካልእ ተሰጋጊርካ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ክትሕብር ይግባእ። እዚ ድማ ንምቅያር ኣድራሻ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቅጺ ብምምላእ ይፍጸም።
ኣብዚ እዋን እዚ ድማ መለለይ ካርድ ብቁዕ ፓስፖርት ክህልወካ ይግባእ።እንተደእ ተኻራያይ ኮንካ ውዕል መንብርን ናይ ደገፍ ደብዳቤ ካብ ወናኒ ቤት ክህሉ ይግባእ።ወናኒ ገዛ ብተወሳኺ ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈት ፖልስ ብምኻድ ቤት ከምዘካረየካን ደገፉን ክገልጽ ይግባእ። ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ድማ ሓድሽ ኣድራሻ ተዳልዩ ይወሃበካ።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
መቀበሊ ማእከል ንሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ክርዋትያ /Reception centres for asylum seekers in Croatia
ኩነታት ኣብ መቀበሊ ማእከል Conditions in reception centres
ምንጪ መርበብ ንመቀበሊ ማእከል Web sources for finding accommodation:
ሕቶን መልስን
ኣብ ምርካብ መንበርን መሳለጥያን ዝተሓባበር ኣካል ኣየናይ እዩ?
ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ ምስረኸብካ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዳግመ ህንጻን መንበርን መንበሪ ገዛ ከዳልወልካ ይግባእ።ሓደሓደ እዋን ብፍላይ ድማ ጠለብ ናይ ብዙሕ ሰብ ምስ ዝህሉ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል። ኣብ ከምዚ እዋን ድማ ኣብ መዕረፊ ማእከል ክትጸንሕ ትኽእል።
እንተደኣ መሰል ናይ ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ እዋኑ ሓሊፉ (ድሕሪ 2 ዓመት ካን ናይ ፈለማ ውሳኔ ምቕባል ዑቅባ) ፡ ብናይ ባዕላዊ ምወላ መንበሪ ክትረክብ ይግባእ። እዚ ድማ እቲ ዝቀለለ ስራሕ ክይኑ ካብ ማሕበራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ደገፍ ክትሕትት ይግባእ። እንተኾነ ግን ፡ ባዕልኻ እውን ኣብቲ ጉዳይ ክትነጥፍ ይግባእ። ነዚ ድማ ቋንቋ ክርዋትያ ኣገዳስነቱ ልዑል ይኸውን። እንተደኣ ቋንቋ ክርዋትያ ትመልኽ ኮንካ ብቀሊሉ መንበሪ ክትረክብ ትኽእል።
ከም ተኻራይ መሰለይ እንተደእ ተጋሂሱ ሓገዝ ካበይ ይረክብ?
እንተደኣ ውዕል ክራይ ካብ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ኣሎካ መሰልካ ከምተኻራይ ሕልው እዩ። ብተወሳኺ ዝርዝር ንብረት ምስ ወናኒ ገዛ ክትርከብን ከተጻፍፍን ይግባእ።እዚ ድማ ዘይምርድዳእ ኣብ ህላወ ንብረት ከቃልል ይኽእል።
እንተደኣ መሰልክ ከምተኻራያይ ተጋሂሱ ፡ ሕጋዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ምውካስ ይግባእ። ውዕል ክራይ ገዛ ድማ ብግቡእ ክትሕዞ ይግባእ።
ዋጋታት ክራይ ገዛ ኣብ ክርዋትያ እንታይ ይመስል?
ዋጋታት ክራይ ቤት ካብ ከተማ ናብ ከተማ ይፈላለ። ኣብ ከተማ ዛግረብን ከተማታት ገማግም ባሕርን ዋጋጋት ልዑል እዩ። ዋጋታት ድማ ኣብ ቦታ ይምርኮስ፡ ናብ ከተማ ዝጽጋዕ ቦታታት ዋጋ ልዑል ይኸውን። ኣብ ዛግረብ ንኣብነት ወርሓዊ 200 ዩሮ ይበጽሕ፣ 30 ትርቢዒት ሚትሮ ድማ 300 ዩሮ ይበጽሕ ፡ቦታ ምርኩስ ዝግበረ ድማ ክሳብ 50 ትርብዒት ሜትሮ ክርከብ ይከኣል።
ምቹእ መንበሪ ንምርካብ ግን ጻዕርን ግዜን ይሓትት። ክርዋትያዊ ብጻይ ወይ ዓርኪ ምርካብ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ሓጋዚ እዩ።
ኣብ ክርዋትያ መንበሪ ገዛ ክውንን ወይ ክገዝእ ይኽእል ዶ?
እወ፡ ኣብ ክርዋትያ እንተደኣ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ሓለዋ ኣሎካ፡ ናይ ውልቂ መንበሪ ክትውንን መሰል ይህልወካ።