Legal aid in Croatia
ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ድማ ውክልና እንተደሊኻ ገንዘባዊ ዓቅሚ እውን እንተዘይብልካ ነጻ ክፍሊት ሕጋዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ዝምልከቶ መን እዩ?
ኣብ ክርዋትያ እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ኮንካ ፡ዕድላት ነጻ ሕጋዊ ውክልና ኣብ ቅድሚ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ወይ ነጻ ሕጋዊ ምኽርን ክትረክብ ትኽእል፡ ከምእውን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዘለዎም ሰባት ብመንገዲ ነጻ ሕጋዊ ሓገዛት ዕድላት ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ።ወጻእተኛታት ብልምዲ ኣብ እዋን ጸገማት፡ ከም ናይ ዑቅባ ደረጃ መሰላት፣ ናይ ዕዮ/ስራሕ መሰላት ናይ ኣፈላላይን ዓመጽን ጉዳያት ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዝ ይጥቀሙ።
ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ እንተደኣ ሕጽረት ገንዘባዊ ዓቅሚ ኣሎካ ጥራይ ክትርክብ ትኽእል
እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ኮንካ ፡ ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓበሬታ ብዛዕባ መሰል ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዝ ኣብ እዋን ናይ ፈለማ ዘቅቡል ውሳኔ ዑቅባ ይህበካ። ጉዳያካ ዝሪኢ በዓል መዚ ዝርዝር ኣስማት ናይ ጠበቃታት ፡ ብነጻ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክውክሉኻ ዝኽእሉ ፡ የቅርበልካ። ጠበቃ ምስ መረጽካ ድማ ጠበቃ ሓበሬታ ካብ ምንስትሪ ብምውሳድ ክረኽበካ ይኽእል።
እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ተዋሂብካ ወይ ወጻእተኛ ኮንካ ፡ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ምንስትሪ ፍትሒ ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዝ ዝህቡ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎም ናይ ሲቪል ሕብረተሰብ ማሕበራት ምውካስ ይከኣል።
ወሃብቲ ሕጋዊ ሓገዝ፡ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትካን ኣጠቃቅማኡን ይህቡኻ፡ ብተወሳኺ ናትካ ተሳታፍነት ኣድላይነት እንተደኣ ኣለዎ፡ ነቲ ናይቲ ጉዳይ መስርሕ ይገልጹልካ ፡ ንጉዳይካ ዝምልከት ምስ ካልኦት ማሕበራትን ትካላትን ፡(ንኣብነት ማሕበር ተጣባቂ መሰል ሰባትን ወይ ካልእ ክህሉ ዝኽእል ኣገባባትን )ክራኸቡ እውን ይኽእሉ።
ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?
ንስደተኛታት ነጻ ሕጋዊ ሓገዛት ዝህቡ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣለዉ፥
- ማእከል ሕጊ ክርዋትያ /Croatian Law Centre ,
- ማእከል መጽናዕቲ ንሰላም/Centre for Peace Studies,
- ጀስዩት ኣገልግሎት ንስደተኛ/JRS.
ካላኦት ንወጻእተኛታት ነጻ ሕጋዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣካላት እውን ይርከቡ፥
- ሕጋዊ ክሊኒክ ኣብ ፋካልቲ ናይ ሕጊ ዛግረብ/Legal Clinic at the Faculty of Law in Zagreb,
- ማእከል ሰላምን ዘይጎነጻውን መሰላት ደቂ ሰባት ኦስየክ/Centre For Peace, Nonviolence and Human Rights in Osijek,
- ናይ ሲቪል መሰላት ፕሮጀክት ሲሳክ/Civil Rights Project Sisak.