Education system in Croatia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያ » Education system in Croatia

ስርዓተ ትምህርቲ ክርዋትያ

ስርዓተ ትምህርቲ ክርዋትያ ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፥

  • መዋእለ ህጻናትን ቅድመ ትምህርቲ ትካላትን፡ ንህጻናት ካብ ክልል ዕድመ 6 ዓመትን ክሳብ ትምህርቲ ዝጅምርሉ ግዜን
  • ናይ ሸሞንተ ዓመት መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታውን ነጻን ትምህርቲ ኮይኑ ንህጻናት ክልል ዕድመ 6-15 የካትት። ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት ግን ካብኡ ዝነውሐ ግዜ ክወስድ ይኽእል፡ እዚ ማለት ድማ ክሳብ ክልል ዕድመ 21 ክኸውን ይኽእል።
  • ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ፡ ግዴታዊ ኣይኮነን ።ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ጂምናዝዩም፣ ናይ ሞያ ትምህርትን ስነ ጥበብን ክኸውን ይኽእል።
  • ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ፡ ኣብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን/ዩኒቨሲታትን ካብ ሞያዊ መጽናዕትን ክርከብ ይከኣል።
  • ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ዝተፈላለዩ ስሩዕን ዘይስሩዕን ትምህርቲ ንዓበይቲ የጠቃልል

መንግስታዊ ናይ መመረቅታ ፈተና፡ እዚ ማለት ድማ ፈተና ንምጽራይን ንምግምጋምን ፍልጠት፣ ክእለትን፣ ብልሕን ናይ ኣብ መባእታዊ ደረጃን ካልኣይ ደረጃን ክርከብ ዝኽእል እዩ።

ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክቕጽል ዝደሊ መንእሰይ፡ መንግስታዊ ናይ መመረቅታ ፈተና ክሓልፍ ይግባእ።

ትምህርቲ ንህጻናትን መንእሰያትን

ሕጋዊ ነባርነት ዘለዎም ኩሎም ህጻናት መሰል ምዝገባ ንመዋእለ ህጻናት፣ ቅድመ ትምህርቲ፣ መባእታዊ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ኣለዎም።እዚ ድማ ንሓተትቲ ዑቅባ ህጻናትን፣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦምን፣ ግዝያዊ መንበሪ ብመንገዲ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ናብ ክርዋትያ ዝኣተዉ ህጻናትን ይምልከት።

መዋእለ ህጻናት ግዴታዊ እዩ። መዋእለ ህጻናት ንምዝገባ ዕመት ምሉእ ክፉት እዩ ስለዚ ውላድካ ወይ ነቲ ህጻን ዝተረፈ ቦታ እንተሎ ከተመዝግቦ ይግባእ።ንዝቅጽል ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ወርሓ ግንቦት ከተመዝግቦ ይግባእ፡ እቲ ዓመተ ትምህርቲ ድማ ካብ ወርሓ መስከረም ክሳብ ነሓሰ ናይ ዝቅጽል ዓመት ይኸውን።

ቅድመ ትምህርቲ ንኩሎም ህጻናት ቅድሚ ምጅማር መባእታዊ ትምህርቲ (ኣብ ክልል ዕድመ 6 ዓመት) ግዴታዊ እዩ።

መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ ንኩሎም ኣብ ክልል ዕድመ 6-15 ዝርከቡ ህጻናት ግዴታዊ እዩ።እንተደኣ እቲ ካብ 6 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ኮይኑን መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ እንተጀሚሩን ፡ ብመሰረት ግምገማ ኣማሓደርቲ ቤት ትምህርቲ ክምዝገብ ይኽእል።

እቲ ህጻን ቋንቋ ክርዋትያ እንተዘመሊኹ፡ ብቤት ትምህርቲ ናይ 70 ሰዓታት ዝኸውን ናይ ምድላው ትምህርቲ ቋንቋ ይወሃቦ። መባእታዊ ትምህርቲ ምስ ጀመረ እውን ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ይህብ።

ቀረብ መግቢ ቤት ትምህርትን መጓዓዝያ ቤት ትምህርትን ብኣሃዱታት ዞባዊ መንግስቲ ይውደቡ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እውን ይፈላለ።

እቲ ህጻን መዋእለ ህጻናትን ትምህርትን ንምምዝጋብ ክታበት ክወስድ የድልዮ። ክታበት ህጻን ምክትታልን ምስናድን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እንተደኣ እቲ ህጻን ናይ ክታበት ሰነድ ዘይብሉ፡ ኣብ ክርዋትያ ቕድሚ ምምዝጋብ ትምህርቲ ክኽተብ ይግባእ።

ንመንእሰያት ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ እንተደኣ መባእታዊ ትምህርቲ ዘይተኸታተሉ፡ ናይ መባእታዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ክከታተሉ ይኽእሉ።

መንእሰያት፡ ክልል ዕድመ 17 ክሳብ ዝኣኽሉ፡ ድሕሪ ምፍጻም መባእታዊ ትምህርቲ፡ ስሩዕ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክምዝገቡ ይኽእሉ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከከም ዓይነቱ ክሳብ 3 ወይ 4 ወይ 5 ዓመታት ክውድእ ይኽእል። ኣበየናይ ዓይነት ናይ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ክትእቱ ትደሊ ክትመርጽ ትኽእል፡ እንተኾነ ግን እቲ ምዝገባ ካብ ነጥብታት መባእታዊ ትምህርቲ ይምርኮስ።

ምዝገባ ንካልኣይ ደረጃ ዝተሓላለኸን ናይ ምውድዳር መንፈስ ኣብ ሞንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዓብለሎ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ሓገዝን መምርሕን ካብ ንስደተኛታት ሓገዝ ዝህቡ ማሕበራት ፡ ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ኣማኸርቲ፣ ወይ ውን ሓደ ካብቶም 13 ሞያዊ ሓበሬታን ምኽርን ኣብ ክርዋትያ ዝህባ  ማእከላት ክትሓትት ትኽእል።

ምቅባል ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ ወይ ሞያዊ መጽናዕቲ ) ፡ ብመሰረት ብዩኒቨርሲቲ፣ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ወይ ኮለጅ ዝግበር ክፉት ውድድር ይፍጸም።

እንተደኣ ናይ ሳልሳይ ሃገር ተመሃራይ ኮንካ ናብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ንምምዝጋብ  ንወጻእተኛታት ዝተሓዝኣ ኮታ መሰረት ዝግባእ ክፍሊት ናይቲ ትካል ትምህርቲ ብምኽፋል ምምዝጋብ ይከኣል።እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋሃብካ ኮንካ ሃገራዊ ናይ መመርቅታ ፈተና ብምውሳድ ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት መምዘኒ ከም ዜጋ ክርዋትያ ምምዝጋብ ይከኣል፡ ወይ ንወጻእተኛታት ዝተሓዝኣ ኮታ መሰረት ፡ ብላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዝተወሰነ ክፍሊት ብምኽፋል ምምዝጋብ ይከኣል።

ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ ወይ ሞያዊ መጽናዕቲ ) ኣብ ትውልዲ ሃገርካ ወይ ኣብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሃገር እንተደኣ ጀሚርካ፡ ኣብ ክርዋትያ እውን ክትቅጽል እንተደሊኻ ፡ ፈለማ ጠለብ ንትምህርታዊ ኣፍልጦ /ኣካዳሚክ ሪኮግኒሽን ናይ ዘለካ ዲፕሎማን ዝተማሃርካሉ ግዜን፡ እንተደኣ ትምህርቲ ዘይወዲእካ ከተቅርብ ይግባእ ።

ትምህርቲ ንዓበይቲ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቅድሚ 17 ዓመት ዕድመ ምብጸሖም እንተደኣ ዝከታተሉ ኮይኖም፡ ትምህርቶም ንኽቅጸሉ መሰል ኣለዎም ወላውን ዓበይቲ እንተኾይኑ ማለት እዩ።

እንተደኣ እኹል ሰብ ኮንካን መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ እንተደኣ ዘይተኸታቲልካ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትከታተል ትኽእል።

እንተደኣ ሓድሽ ክእለት ወይ ኢደ ጥበብ ክትመሃር ደሊኻ ፡ ንምድንፋዕ ሞያዊ ክእለትካ ወይ ሓድሽ ብቅዓት ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዘለዉ መደባት ክትመርጽ ትኽእል፡ እዚ ወላውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘጠናቀቅካ/ኪ እንተኾንካ/ኪ ማለት እዩ።

ትምህርታዊ መደባት ንዓበይቲ ኣብ ናይ ግልን ወይ ድማ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንዓበይቲ ይፍጸሙ። እንተደኣ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣሎካ/ኪ መባእታዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብነጻ እዩ። ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ግን ክትከፍል ይግባእ።

ኣገልግሎት ዕዮ/ስራሕ ክርዋትያ ነጻ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ንምዝጉባት ስራሕ ዘይብሎም ሰባት የዳሉ። ሞያዊ ስልጠና ዘዳልዉ ድማ ጠለብ ናይ ዕዮ ዕዳጋ ዘለዎም ይኾኑ።

ኣፍልጦ ንናይ ደገ ናይ ብቅዓት ወረቀት

እንተደኣ ሰርቲፊኬት፣ ዲፕሎማ፣ ወይ ካልእ መረጋገጺ ናይ ምዝዛም መባእታዊ ትምህርቲ፣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣሎካ/ኪ ፡ ገለ ውሑዳት መስርሕ ንኣፍልጦ ትምህርታዊ ናይ ብቅዓት ወረቀት ኣብ ክርዋትያ ኣለዉ፡ 

ኣፍልጦ ንዲፕሎማን ናይ ብቅዓት ወረቀትን ንክልተ ዕላማታት የድልዩ፥

  • ስራሕ ንምርካብ/ንሙቅጻር፡ ሞያዊ ኣፍልጦ ድማ ይበሃል
  • ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ ንምቅጻል

ብመሰረት ናይ ዝሓለፈ ትምህርትኻ/ኺ ኣጠናቂቅካዮ ፡ ኣይ-ኣጠናቂቅካዮ ፡ ዝተመሃርካሉ ሞያ /ዝሰልጠንካሉ ሞያ ብዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ትካላትን ዝምልከቶም ኣካላትን መስርሕ ኣፍልጦ ይካየደሉ።

ትካል    ንሞያዊ      ትምህርትን             ስልጠናን             ትምህርቲ           ንዓበይትን ሓላፍነት ወይ ድማ ንናይ ካልኣይ ደረጃ ሞያዊ ስልጠና ትምህርትንን ሰርቲፊኬትን ኣፍልጦ ይህብ።

ትካል ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ፡ሓላፍነት ብቅዓታዊ/ፕሮፈሽናል (ንዕላማ ስራሕ ንሙቅጻር ) ኣፍልጦ ንናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብቅዓት(ዩኒቨርሲትን ሞያዊ መጽናዕትን) ይወስድ።

ኣብ ደገ ዝተጀመረ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቅጻል ፈለማ ጠለብ ንኣካዳምያዊ ኣፍልጦ ናይ ክትምዝገበሉ ትደሊ ዩኒቨርስቲ፣ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ፣ ኮለጅን ከተቅርብ ይግባእ።

ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/ Further information & links

ምንስትሪ ሳይንስን ትምህርትን /Ministry of Science and Education  

መምርሒ ንኣፍልጦ ናይ ካልኣይ ደረጃን ሞያዊ ብቅዓትን ኣብ ሃገረ ክርዋትያ /Guide through recognition of foreign secondary level vocational qualifications in the Republic of Croatia

ተጸዋዒ ትምህርትን ስልጠና መማህራንን/Education and Teacher Training Agency   

ተጸዋዒ ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ትምህርቲ ንዓበይትን/Agency for Vocational Education and Training and Adult Education

ተጸዋዒ ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን  /Agency for Science and Higher Education, National ENIC/NARIC office

ኣካዳምያዊ ኣፍልጦ ንብቅዓት ናይ ደገ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ/Academic Recognition of Foreign Higher Education Qualifications

More info on Croatian education system in English

 

ሕቶን መልስን

  1. መሰል ስኮላርሺፕ ኣሎኒ ዶ?

ኣብ ክርዋትያ ዝነብሩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት መሰል ናይ ስኮላርሺፕ የብሎምን። እንተኾነ ግን ገለ ዞባውያን መንግስታት ፡ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ንዘለዎም ናይ ስኮላርሺፕ መሰል ይህባ።

  1. መባእታዊ ወይ ናይ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ንክንደይ እዋን ይጽበ?

ምንም እኳ ኣብ ደረጃ ዑቅባኻ ዝምርኮስ እንተኾነ ፡ ካብ ኣብ ክርዋትያ ዝእተኻሉ እዋን ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ክትምዝገብ ትኽእል። ብመሰረት ሕጊ ፡ ካብ 30 መዓልታት ክሓልፍ የብሉን።ድሕሪ ምጽራይ ናይ ቋንቋ ክርዋትያ ፡ ኣብ ዝምልከተካ ደረጃ ትምህርቲ ፡ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ትጽንበር። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቅጻል ፡ ኣገደስቲ ወረቃቅቲ እንተዘይብልካ ከቢድን ዝተሓላለኸን እዩ። ወላኳ መሰል ናይ ምቅጻል እንተሃለወ ፡ኣብ ግብሪ ግን ዝተሓላለኸ እዩ።

  1. ምስክር ወረቀት እንተ ዘይብለይ እንታይ ክገብር ይግባእ?

መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ እንተደኣ ወዲእካ ፡ ካልእይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቅጻል መግለጺ ወረቀት ናብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ጉዳያት /ፓብሊክ ኖታሪ ከተቅርብ ይግባእ። እቲ መግለጺ መተካእታ ምስክር ወረቀት ናይ ትውልዲ ሃገርካ ይኸውን። እንተደኣ መባእታ ደረጃ ዘይወዳእካ መሰረታዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትከታተል ይግባእ።