Housing in Slovenia
ኣብ ስሎቫኒያ ዕቁባ (ዓለም ለከ ሓለዋ) እንትሓትት ኣበይ ይፀንሕ?
ማእከል ዕቁባ መሕተቲ
እንድሕር ደኣ ኣብ ስሎቫንያ ዕቁባ ኣመልኪትካ/ኪ ኣብ ማእከል ዕቁባ መሕተቲ ምፅናሕ ይከኣል ፡፡ ኣብ ስሎቫኒያ ሰለስተ ማእከል ዕቁባ መሕተቲ ይርከባ፡፡ እተን ክልተ ኣብ ዋና ከተማ ሉብያና ዝርከባ እንትትኮና እታ ሓንቲ ድማ ካብ ሉብያና 30 ኪሎ ሚትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሎጋተክ ትርከብ፡፡ ኩለን ማእከላት ሓደ ዓይነት እየን ማለት ነፃ ኮይንካ ምእታይን ምዉፃእን ይከኣል ብጀካ ብሕጊ ዝተወሰንን ናይተን ሕድሕድ ማእከላት ዉሽጣዊ ደንብታት ነገር ግን እቶም ጉዳይካ/ኪ ዝሓዙ ሰብ ስልጣናት ዝርከብሉ ክከዉን ይግባእ፡፡
ኣብ መዕቆቢ ማእከላት እንትትዕቆብ ግላዊ ኩነታትካ/ኪ ኣብ ግምት ይኣቱ ንኣብነት
- ስድራቤታት ኣብ ሓደ ብሓንሳብ ይነብሩ
- ብሕተን ዝኮና ደቂ ኣንስትዮን ሓብሓቢ ዘይብሎም ህፃናትን ንብሕቶም ይምደቡ
እንድሕር ንስካ/ኪ
- ጉድእ ኣካል ወይ ሕዱርን ከቢድን ሕማም እንተሃሉዩካ/ኪ
- ነብሰፁር ጉል ኣነስተይቲ
- ሰብ ፀጋ ዕድመ
- ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝሓዘ ስድራ ቤት
- ሰለባ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ደቂ ሰባት፤ ጥቕዓት ከምኡ ዉን ምክንሻብ
- ሰለባ ኣካላዊ ፆታዊ ስነ ኣእሙራዊ ጥቕዓት እንተኮይንካ/ኪ ከም ኣካል ንሓደጋ ዝተቃልዑ ኣካላት ተገይርካ/ኪ ትዉሰድ/ዲ፡፡
ድልይት ንሓደጋ ዝተቃልዑ ኣካላት እንኮላይ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ብፍሉይ ይረአ፡፡ ስለዚ ከምዚ ዝበለ ፀገም ምስ እንትልየካ/ኪ ንኣብቲ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ ሰብስልጣናት ጉዳይ ዕቁባካ/ኪ ዝሓዙ ወይ ከዓ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ዝህበካ/ኪ ኣካል ምፍላጥ የድሊ፡፡
ኣብ ማእከላት መዕቆቢ እንታይ እንታይ ትረክብ/ቢ?
ኣብ ማእከላት መዕቆቢ መሰረታዊ ድልየታት ከም መግቢ ክዳን መሐለዊ ፅሬት ትረክብ/ቢ፡፡ ኣብ ወርሒ 18 ዩሮ ትረክብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና መዘናግዒ ትምህርቲ ቃንቃ ከምኡ ዉን ሙያዊ ምንቅስቓስ ትረክብ፡፡ ኣብተን ማእከላት ዝተፈላለዩ ትካላት ስነ ኣእሙራዊን ሕጋዉን ሓገዝ ይህባ፡፡
ኣብ ማእከላት መዕቆቢ ክሳብ ክንደይ ግዜ ክፀንሕ እክእል?
ኣብ ማእከላት መዕቆቢ ክሳብ ጉዳይ ዕቁባካ/ኪ ዝዉሰን ትፀንሕ/ሒ፡፡ ኣብ ስሎቬንያ ጉዳይ መመልከቲ ዕቁባ እንተበዝሐ 6 ወርሒ ይወስድ ነገር ግን ካብ ሓደ ናብ ካልእ ጉዳይ ዝተፈላለየ ይከዉን፡፡ ነቶም ብምደባ ዝመፁ ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ክወስድ ይክእል፡፡
ብፍሉይ ኩነታት ንኣብነት ፀገም ጥዕና እንተሃልዩካ/ኪ ከም ዕቁባ ሓታቲ ኮይንካ/ኪ ካብ ማእከላት መዕቆቢ ወፃኢ ምንባር ክፍቀደልካ ይክእል፡፡ ነገር ግን ኣብ መዕቆቢ ማእከላት 1 ወርሒ ድሕሪ ምንባር ን Government office for the support and Integration of Migrants ዝበሃል በዓል መዚ ክተመልክት/ቲ ኣለካ/ኪ፡፡
ኣብ ስሎቪንያ ዕቁባ እንተዘይሓቲትካ/ኪ ኣብ ምንታይ ትነብር/ሪ?
ኣብ ስሎቪንያ ዕቁባ እንተዘይሓቲትካ/ኪ ካብ ሉብያና 50ኪ/ሜ ኣብ እትርከብ ፓስቶንያ ማእከል ወፀእኛታት ትነብር/ሪ፡፡ እቲ መዕቆቢ ምንቅስቃስ ዘይትክእለሉ ዕፁዉ እዩ፡፡ ኣብቲ ማእከል እንተበዘሐ ሓደ (1) ክትፀንሕ/ሒ ትክእል/ሊ (ባተግባር ግን ካብኡ ንላዕሊ ክከዉን ይክእል ዓለም ለከ ዕቁባ እንተዘይሓቲትካ/ኪ ክትምለስ ክትግበር ትክእል/ሊ፡፡
ኣብ ስሎቪንያ ዓለም ለከ ዕቁባ እንተረኪብካ/ኪ ኣበይ ትፀንሕ/ሒ?
ዓለም ለከ ዕቁባ እንተሓቲትካ/ኪ ኣብ ማእከል ዉህደት ወይ ድማ ኣብ ናይ ግለ ሰብ ክራይ ትነብር/ሪ ትክእል/ሊ፡፡
ማእከል ዉህደት
ዓለም ለከ ዕቁባ ረኪብካ/ኪ እሞ ድማ ገንዘብ ተዘይሃሉይካ/ኪ እንተበዘሐ ንሓደ ዓመት ኣብ ማእከል ዉህደት ክትፀንሕ/ሒ ትክእል/ሊ፡፡ ክፍተት እንተሃልዩ ንተወሳኪ ሽዱሽተ (6) ኣዋርሕ ናይ ምንዋሕ ዕድል ኣለዎ፡፡ ኣብ ስሎቪንያ ክልተ (2) ናይ ዉህደት ማእከላት ኣለዋ እታ ሓንቲ ኣብ ከተማ ሉብያና እንትትርከብ እታ ካልኣይቲ ድማ ካብ ከተማ ሉብያና 130 ኪ/ሜ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ማሪቦር ትርከብ ፡፡ ኣብ ማእከል ዉህደት ክትፀንሕ/ሒ እንተመሪፅካ/ኪ ዉዕሊ ክትፍርም ኣለካ/ኪ፡፡ ኣብ ማእከላት ዉህደት እንትትፀንሕ/ሒ ዝኮነ ወፃኢ ኣትከፍልን ኩሉ ወፃኢ ብምንግስቲ ዝሽፈን ይከዉን ኣብ ማእከል ዉህደት ክትፀንሕ/ሒ እንትዘይደሊካ/ኪ ወይ ክፍቲ ቦታ ተዘሃልዩ መንበሪ ባዕልካ ትደሊ፡፡ ኦድኖስ ዝተብሃለ ማሕበር መንበሪ ክትረክብ/ቢ ክሕግዘካ/ኪ ይክእል (ኣድራሻ http://Odnos.si/en/)፡፡
ናይ ዉልቀ ሰብ መንበሪ
ማእከል ዕቁባ ወይ ማእከል ዉህደት እንተለቂቅካ/ኪ መንበሪ ባዓልካ/ኪ ክትእልሽ/ሺ ኣለካ/ኪ፡፡ ንመጀመርያ 18 ኣዋርሕ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ይገብረልካ/ኪ፡፡ ነገር ግን እንድሕር ትመሃር እንተኮይንካ/ኪ ከምኡ ዉን ብቀፃሊ ቃንቃ ትመሃር እንተኮይንካ/ኪ እዚ ሓገዝ ንተወሳኪ 18 ኣዋርሕ (ጠቅላላ 3 ዓመት) ይናዋሕ ካብኡ ንደሓር ግን ክፍሊት መንበሪካ/ኪ በዓልካ/ኪ ትሽፍን/ኒ፡፡
ስለዚ ነዚ ዝከዉን ዉስን ገንዘብ ምቁጣብ (ንዝበፀ ሓበሬታ ገንዘብን ንዋይን ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል) ከምኡ እዉን ዝተወሰነ ኣዋርሕ ቅድም ኢልካ/ኪ ገዛ ምእላሽ የድሊ፡፡ምክንያቱ መንበሪ ምርካብ ኣፀጋምን ግዜ ዝወስድን ስለ ዝኮነ፡፡
መንበሪ ከመይ ይረክብ?
መብዛሕቱ ግዜ መንበሪ ዝእለሽ ኣብ ቀጥታ( online) መዋዕዉዒ እንትትከዉን ነገር ግን ክፍሊት ዝሓቱ ናይ ሪል እስቴት ትካላት እዉን መንበri ክእልሹልካ/ኪ ይክእሉ፡፡ ሓደ ሓደ ክራይ ገዛ እዉን ኣብ ጋዜጣ ይወፅእ እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ትካረ ትክእል/ሊ ካብ ናይ ዉልቀ ሰብ ገዛ ክሳብ ናይ ሓባር መንበሪ (ናይ ሓባር ቦታትት እትካፈለሉ) ከምኡ ዉን ክላስ (ኣብ ሓንቲ ክፈሊ 2 (ክልተ) ሰብ)፡፡
ሓደ ሓደ ዝጠቅሙ ሊንክታት (ኩሉም ብቃንቃ ስሎቪንያ ዝተቀመጡ እዮም)
Nepremicnine: https://www.nepremicnine.net/
Bolha: http://www.bolha.com/
Cimri.si (rooms for students): https://www.cimri.si/iscem-sobo
FB group: Stanovanje, stanovanjce, kje si? https://www.facebook.com/groups/195726830526565/
ከም ተካራይ መሰለይን ግቡአይን እንታይ እንታይ እዮም?
ኣብ ክራይ እንትትነብር ንስካ/ኪ ተከራይ (najemnik) ኢካ/ኪ፡፡ ተካረየቲ ካብ ኣካራይ (Lastnik) ትካል ወይ ግለ ሰብ ገዛ ክካረዩ ይክእሉ፡፡ ተከራይ ምስ ኣካራይ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ፡፡ አቲ ዉዕሊ ሓዱሽ ኣድራሻካ ወይ ከዓ ግዝያዊ መንበሪካ እንትትመዝግብ የድልየካ እዩ፡፡ ኣብ ሓደ ከባብን ህንፃን ክትነብር ከለካ ሓደ ሓደ ሕግታት ክትክተል ኣለካ/ኪምስ ጎረባብቲ ወይ ማሕበረ ሰብ እንትትነብር ናይ እቲ ህንፃ/ገዛ ስሪት ዘይክተሉ ናይ ምንባር መሰሎም ይምንጠሉ ወይ ክስጎጉ ይክእሉ፡፡ ነበርቲ ነነባዕሎም ክትሓላለዩ ኣለዎም፡፡ ጎረቤትካ ንዘይምርባሽ ድምፂ ምቅንስ ድምፂ ከም ጉያ (ሓያል ምንቅስቃስ) ፣ምንኩሕኮሕ ማዕፆ፣ ዓዉ ዝበለ ሙዚቃ ወይ ድምፂ ቴለቭዠን ወይ ኮምፕዩተር ፣ምዉቃዕ ሚስማር ፣ጎይላ ምጉያል ንካልኦት ከምዝርብሽ ክትፈልጥ ኣለካ/ኪ ፡፡
ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ክሳብ 6 ናይ ንጉሆ ምንም ዓይነት ምንቅስቃስ ክተዉግድ ኣለካ/ኪ፡፡ እንድሕር ደኣ ናይ እቲ መንበሪ ቦታ ሕጊ ዘይተክብር ኮይንካ ነብርቲ ናብ ፖሊስ ክድዉሉ ይክእሉ ብኡኡ ድማ ትቅፃዕ፡፡ ፅርይት ዉሽጣዉን ደጋዉን ከባቢ መንበሪ ቤትካ ክትሕሊ ኣለካ/ኪ፡፡ ዝኮነ ነገር ምስ እትበላሽ ንኣካራይካ/ኪ ክተፍልጥ/ጢ ኣለካ/ኪ፡፡ ኣብ ዉሽጢ መንበሪካ/ኪ ዝኮነ ምምሕያሽ እንትትሓስብ/ቢ ንኣብነት ቀለም ሓዱሽ መገልገሊ ንኣካራይካ/ኪ ክተፍልጥ/ጢ ኣለካ/ኪ ካብ ዝኣተካሉ መዓልቲ ጀሚርካ ኣብቲ ህንፃ ዝርከብ ሳንዱቕ መልእክቲ ምሉእ ሽምካ ክትፅሕፍ ኣለካ/ኪ እዚ ድማ መልእክቲ ከምኡ እዉን ሓበሬታ ንምርካብ የክእለካ/ኪ፡፡
መሰለን ግቡእን ተከራይ ኣብቲ ዉዕሊ ዝግለፅ ይከዉን፡፡ ከከም ዉዕሉ እኮ ዝፈላለ እንተኮነ ዝበዘሐ እዋን ወርሓዊ ክፍሊት ክራይ ገዛ በበወርሑ ይከዉን፡፡
ክራይን ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝተጠቀምካሎም ወፃእታት ብቀፃሊ ክትከፍል ኣለካ/ኪ፡፡ ንኣብነት ኤለከትሪክ፣ ማይ፣ ጋዝ ፣ፅገና ቴለቭዠን/ኢንተርኔት ወዘተ፡፡ ኣብ እዋኑ ተዘይከፊልካ/ኪ ካብቲ ኣገልግሎት ወሃቢ ትካል መጠንቀቅታ ይበፅሐካ/ኪ ከምኡ እዉን ዘንጊዕካ እንትትከፍል ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ዝክፍል ቅፅዓት ይህሉ (ንዝበለፀ ሓበሬታ ገንዘብን ኢኮኖምን ዝብል ምዕራፍ ርአ/ርአዪ-link)
እንድሕር ሓደ ነግር ምስራሕ ኣብዩ ወይ ተበላሽዩ ንእብነት ፍርጅ ወይ መሰንከቲ እቲ ኣካራይ ከዕርዮ ወይ ክቕይሮ ይግባእ፡፡ ከም ተከራይ ንመዐረይ እትከፍሎ ነግር ኣይክህሉን ብጀካ ንስካ/ኪ እንተበላሽካዮ/ክዮ፡፡ ቅድሚ ምእታዉን ምዉፃእን ተከራይን ኣከራይን ነቲ ህንፃ ብሓባር ክርእይዎን ምንም ዓይነት ፀገም ከም ዘየለን ከረጋግፁ ይግባእ ፡፡ተከራይይ ምዉፃእ እንትትደሊ ዉዕሉ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ ነገር ግን ነቲ ኣካራይ ቅድም ኢልካ ምፍላጥ የድሊ (መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ግዜ ኣብቲ ዉዕሊ ይግልጸፅ) እንተዘይኮይኑ ግና በቲ ዉዕሊ መሰረት ምክፋል ትቅፅል ዋላ እንተዘይነበርካሉ፡፡
ኣካራይካ እቲ ዉዕሊ ክስርዝ ይክእል እንድሕር
- ክራይ ገዛን ካልኦት ክፍሊታትን ኣብ እዋኑ እንተዘይትከፍል/ሊ
- ብዘይ ናይ ኣከራይ ፍቃድ ንካልእ ኣካል እንተትመሓላልፍ ወይ ብከፊል እንትተካርይ
- ካልኦት ነበርቲ እንትትርብሽ
- ኣካራይ ብዘይፈልጦን ንንዉሕ ዝበለ እዋን ጋሻ እንትትህልወካ
- እቲ ህንፃ ንካልእ ዋኒን እንትተዉዕል (ንኣብነት ንግዲ)
- እንትትርብሽ
- ፅሑፋዊ ፍቃድ እንተይረከብካ ናብ ናይ ሓበራዊ መንበሪ ከባቢ ምቕያር
ኣብዚኦ ክምዚኦም ዝበሉ ኩነታታት እቲ ኣካራይ ነቲ ዉዕሊ ንምስራዝ እንተደልዩ ፅሑፋዊ መጠንቀቕታ ክህበካ/ኪ ኣለዎ ከምኡ እዉን እቲ ዝተበላሸየ (ዝዓነወ) ኣብ ክንደይ ግዜ ከምእትኣልዮ ከፍልጠካ/ኪ ይግባእ፡፡
መንበሪ ቦታ እንተዘይሃልዩኒ እንታይ ይገብር?
መንበሪ ገዛ እንተዘይሃልዩካ፤ ካብ ዝነበርካሉ መንበሪ እንተወፂእካ/ኪ ወይ እትከደሉ ቦታ እንተዘይሃልዩካ ሓደ ሓደ መማረፅታት ኣለዉ ፡፡ስለዚ ኣብ ጥቓካ ዝርከብ ማእከል ማሕበራዊ ስራሕ (social service) ክተፍልጥ ኣለካ/ኪ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ግዝያዊ መዕቆቢ (መፅለሊ) ክትረክብ/ቢ ክሕግዙካ/ኪ ይክእሉ ፡፡
ለይቲ እተሕልፈሉን ሓደ ግዜ መግቢ እትረክበሎም መዕቆቢታት ኣለዉ ነገር ግን እቲ ክፍሊ ምስ ካልኦት እትካፈሎ ይከዉን፡፡ ግዝያዊ መዕቆቢ (መፅለሊ) እቲ እንኮ ኣማራፂ እዩ፡፡ ኣብቲ ግዝያዊ መፅለሊ ክሳብ ሓዱሽ መንበሪ እትረክብ ክትፀንሕ ትክእል/ሊ፡፡
ካብ ዝነበርካሉ ገዛ እንትትወፅእ ሰነድ ክቕየር ዶ ይግባእ?
ናብ ሓዱሽ መንበሪ እንትትቕይር ናብ ኣብ ቀረባካ/ኪ ዝርከብ ምምሕዳር (Upravna enota) ብምካድ ብሓዱሽ ኣድራሻካ ክትቕይር ኣለካ/ኪ፡፡ መለለይ ካርዲ ወይ ፓስፖርት ከምኡ እዉን እቲ ዉዕሊ ክተቕርብ ኣለካ/ኪ፡፡ ናብ ሓዱሽ ኣድራሻ ምስተመዝገብካ መለለይ ካርድካ/ኪ ክትቅይር/ሪ ኣለካ/ኪ፡፡
ዝበለፀ ሓበሬታ ከምኡ እዉን ሊንክታት
- Law of international protection: http://www.refworld.org/pdfid/47f1fdfc2.pdf
- Government Office for the Support and Integration of Migrants: http://www.uoim.gov.si/en/
ሕቶን መልስን
መንበሪ ገዛ ክረክብ መን ክሕግዘኒ ይክእል?
ዓለም ለከ ዕቁባ እንተረኪብካ/ኪ ማሕበር Odnos መንበሪ ክትረክብ/ቢ ይሕግዘካ/ኪ (http://odnos.si/en/) ከምኡ እዉን ዝተፈላለዩ ሪል እስቴት ትካላት ክእልሽሉካ/ኪ ይክእሉ ነግር ግን ክትከፍል ይግባእ፡፡