Language courses in Slovenia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያ » Language courses in Slovenia

ቃንቃ ስሎቪንያ ከመይ ይመሃር

ቆልዑን መንኣሰይን

ኣብ ስሎቪንያ መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታ እዩ፡፡ ቃንቃ ስሎቪንያ ድማ ኣብኡ ይመሃሩ ኣብያተ ትምህርትታት ንስደተኛታትን ሕፅረት እቲ ቃነቃ ንዝለዎምን ተወሰኪ ክላስን ሓገዝን ናይ ምግባር ግዴታ ኣለወን፡፡ ከምኡ ዉን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሳይንስን ስፖርትን መሰናድኢ ትምህርቲ ቃንቃ የዳልዋ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ዝተፈላለዩ ልምድታት ይህልዩ፡፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ትምህርቲ ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል መባእታዊ ትምህርቲ ዘይተከታተሉ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም መንኣሰይ ምስ ዓበይቲ ማዕረ መሰል ይህልዎም (ትሕት ኢልካ ምርኣይ ይከኣል)፡፡

ዓበይቲ

ሓተትቲ ዕቁባ

ሓታቲ/ታት ዕቁባ እንተኮይንካ/ኪ ኣብ ማእከላት ዕቁባ ብቐፃሊ ዝወሃብ ትምህርቲ ቃንቃ ስሎቪኒያ ኣሎ ኣብ ሰሙን ካብ 3 ክሳብ 5 መዓልቲ ይወሃብ፡፡

ኣብ ትሕቲ ዓለም ለከ ከለላ ዝርከቡ ሰባት

ብመደብ ተፈናቀል ወይ ብሪሎኬሽን እንተመፂእካ/ኪ እና ዓለም ለካዊ ዕቁባ እንተተዋሂቡካ ፈለማ ን 3 ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ምድላዉ መደብ (Orientacijski program) ዝወሃበካ/ኪ ይከዉን ኣብቲ እዋን ንኣብቲ ሓዱሽ ከባቢ ንምእትታዉ ዝሕግዘካ መሰርታዊ ትምህርቲ ቃንቃ ትረክብ/ቢ እቲ መደብ ኣብ ሉብያንን ማሪቦርን ዝወሃብ ይከዉን፡፡

እንድሕር ድኣ ዓለም ለከ ዕቑባ እንተረኪብካ/ኪ ብመንግስቲ ዝሕገዝ ናይ 300 ሰዓት ትምህርቲ ቃንቃ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ/ኪ፡፡ እቲ ትምህርቲ 2 ክፋላት ዘለዎ እንትትከዉን እቲ 180 ሰዓት መፈለሚ ትምህርቲ ከም ዉን 120 ሰዓት ድማ ተወሳኪ ትምህርቲ ይከዉን ክትዛረብ/ቢ፤ ክትፅሕፍ/ፊ፤ ተንብብ/ቢ ከምኡ ዉን ካልኦት ክእለታት ቃንቃ ስሎቪንያ ከም እተማዕብል ትመሃር፡፡ ብተወሳኪ ዉን ባህሊን ታሪክን እንኮላይ ስርዓት ሃገረ ስሎቪንያ ትፈልጥ/ጢ፡፡ እቲ መደብ ካብ ግላዊ ክሳብ ማሕበረሰባዊ ሂወት ዝሓቖፈ ይከዉን ( ንኣብነት ገዛ ኣብያተ ትምህርቲ ስራሕ ቦታ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን ወዘተ) ንዝበለፀ፡ https://infotujci.si/en/integration-into-slovenian-society/free-slovenian-language-courses/

እንድሕር ድኣ እቲ ካልኣይ ክፋል እቲ መደብ (ትምህርቲ) ዘይተከታቲልካ ንመንበሪ ገዛ ዝወሃበካ ገንዘባዊ ሓገዝ ክቃረፅ ይክእል፡፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቀያየር ኩነታት እኮ እንተኮነ ብዛዕባ ትምህርቲ መሰልካ/ክን ግቡእካ/ክን ካብቲ ናይ ምዉሃድ (integration) መማከሪካ ክትረክብ/ቢ ትክእል ኢካ/ኪ፡፡

ካብዚ ትምህርቲ ቃንቃ ስሎቪኒያ ብክፍሊ ምምሕዳር (Upravna enota) ኣገልግሎት ስራሕ (Zavod za zaposlovanje) ንምምልካት ግን ዝተወሰኑ ረቖሓታት ክተማልእ ይግባእ ንደቂ ወፃኢ ትምህርቲ ቃነቃን ባህልን ስሎቪኒያ ኣብ ማእከል ንቃንቃ ስሎቪንያ ከም ካልኣይ ከምኡ ዉን ቃንቃ ወፃኢ ይወሃብ ( http://centerslo.si/en/courses-for-adults/courses/). እቲ ትካል ዝተፈላለየ ትምህርትን ከምኡ ዉን ቃንቃ ስሎቪኒያ ካልኣይ ቃንቁኦም ንዝኮኑ ሰባት ፈተና ይህብ ንደቂ ወፃኢ ትምህርቲ ቃንቃ ስሎቪኒያ ዝህባ ኣብያተ ትምህርቲ እዉን ኣለዋ ነገር ግን ክትከፍል ይግባእ

ዝተፈላላያ ትካላት እዉን ብነፃ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣቢለን ንስደኛታት ሓገዝ ትምህርቲ ቃንቃ ስሎቪኒያ ይህባ ነግር ግን ሙያ ዘይብሎምን ትምህርቲ ብነፃ ዝህቡ እዮም፡፡ ፍላንትሮፕያ (Philanthropy) ካብዞም ትካላት ሓደ እዩ (http://www.filantropija.org/en). ነገር ግን ኣብ መወደእታ መረዳእታ እትረክበሉ ኣይክህልን ዋላ እቲ መሰልጠኒ በዓል ሙያ እንተኮነ፡፡

ቃንቃ ስሎቪንያ ባዕለይ ክመሃር ዶ ይክእል

ናይ መስመር ትምህርቲ (online)

ቃንቃ ስሎቪንያ እትመሃረሉ ናይ መስመር (online) መስርሕታት ኣለዉ (ትሕት ኢልካ ዘለዋ ሊንክ ምርኣይ ይከኣል ከም ኣካል መደብ ዌልካም ንሕና እዉን ናይ መስመር (online) ትምህርቲ ቃንቃ ስሎቪኒያ ንህብ (online course for learning Sslovene) እቲ ትምህርቲ ኣብ ዕለታዊ ሂወትካ ንምዝርራብ ዘክእል መሰረታዊ ትምህርቲ ክትመሃር ይሕግዘካ (ንኣብነት በዓልካ ምፍላጥ ሓገዝ ምሕታት ኣንፈት ወዘተ)፡፡

መፅሓፍቲ

ኣብ ቤተ መፅሓፍትን ኣብያተ ንባብን ንምምሃር ቃንቃ ስሎቪኒያ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መፅሓፍቲ ምርካብ ይከኣል Slovenščina ekspres ንፈለምቲ ዝከዉን መፅሓፍ እዩ (http://centerslo.si/en/books/textbooks-and-handbooks/beginner-level/slovenscina-ekspres-1/).

ንዝበለፀ ሓበሬታ ከምኡ ዉን ሊንክታት

መረዳእታ ንኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ዝርከቡ ወፃእኛታት http://infotujci.si/

ስሎቪኒያ ፊላንትሮፒያ http://www.filantropija.org/en

ናይ መስመር (online) መሳርሕታት

መመልከቲ ንምምሃይ ቃንቃ ስሎቪኒያ

Znam: https://play.google.com/store/apps/details?id=com.znam&hl=sl