ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያ

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያ

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያ

ኣውስትርያ ኣብ ማእከል ኣውሮፓ እትርከብ ሃገር ኢያ። ስፍሓታ ድማ 83.878,99 ትርብዒት ኪ.ሜ ኮይኑ፡ ብመንጽር ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ንእሽተይ ሃገር እያ። ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቅ 575 ኪ.ሜ. ክትከውን ኮይና፣ 294 ኪ.ሜ. ድማ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ እያ።ኣውስትርያ ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኮይና ፡ ምስ ሃገራት ጀርመን፣ ቸክ ሪፓብሊክ፣ ስሎቫክያ፣ ሃንጋሪ፣ ስሎቬንያ፣ ኢጣልያ፣ ስዊዘርላንድን ሊቸንስተይን ትዳወብ። ገለ ካብ ጊኦግራፋዊ ጠባያት እታ ሃገር ድማ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቅ ዝዝርጋሕ ሰንሰለትሳዊ ኣኽራናት እዮም። ክልተ ስልሲት (2/3) ናይታ ሃገር ብበረኽቲ ኣኽራናት ዝዓብለለ ኮይኑ ንምሉእ ምዕራባዊ ክፋል ናይታ ሃገር የጠቃልል። ዝበረኸ ባታ ናይታ ሃገር ግሮክሎክነር “Großglockner” ዝተባህለ ኮይኑ፡ 3.798 ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይርከብ። መብዛሕትኡ እዋን ኣውስትርያ ከም ሃገረ በሪኽ ትፍለጥ። ነቲ ኣኽራናዊ ቦታታት ዘራኽብ ድማ ውሒዳት ቢንቶታት ተሃኒጾም ይርከቡ።

ቅርጺ መሬት ኣውስትርይ ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ካብ ኣኽራናዊ ቦታታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ክሳብ ሰጣሕ ጎላጉል ኣብ ምብራቅ ይርከብ። ብዙሕት ወሓይዝ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፋሕ ኢሎም ይርከቡ። ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ወሓይዝ ድማ ሩባ ዳኑብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብስፍሕቱ ኣብ ኣውሮፓ ብካልኣይ ደረጃ ይስራዕ፡ ካብ ጸሊም ጫካ ሃገረ ጀርመን ተበጊሱ ናብ ጸሊም ባሕሪ ይፈስስ። ዝበዝሐ ክፋል ኣውስትርያ ድማ ብጫካ ዝተዓብለለ እዩ።

ኣብባውስትርያ ትሽዓተ ኣውራጃታት/ዞባታት ይርከባ፡ ቡርገንላንድ፣ ክሪንትያ፣ ታሕታይ ኣውስትርያ፣ ላዕላይ ኣውስትርያ፣ ስላዝበርግ፣ ስትርያ፣ ቲሮል፣ ቮራርልበርግ፣ ቪየና፣ ይበሃላ። ዋና ከተማ ኣውስትርያ ድማ ቪየና ትበሃል።  

ክሊማ ኣብ ኣውስትርያ

ኣውስትርያ ኣብ ማእከላይ ክሊማ ዘለዎ ከባቢ ትርከብ። ዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቅትታት ይኽፈል፡ ቀውዒ፣ ክረምቲ፣ ሓጋይን ኣዝመራን ድማ ይኸውን። ሓጋይ ቆራሪ ኮይኑ፡ ካብ 10 ዲግሪ ሰልሰስ ኣይውሕድን። ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ፡ ደረጃ ሙቀት ክሳብ 10-15 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ይኸውን። በረድ ዝወርደሉ ግዜ ድማ ብልምዲ ኣብ ሓጋይ እዩ።ከባቢ ወርሓ መጋቢት ደረጃ ሙቀት ናብ 13 ዲግሪ ክብ ይብል፣ 20 ድግሪ ድማ ኣብ ወርሓ ግንቦት ይኸውን።ኣብ ናይ ሓጋይ ክረምታት ሓምለን ነሓሰን ድማ ደረጃ ሙቀት ክሳብ 30 ዲግሪ ክብ ይብል።ኣብ ፍቂ ውርሒ መስከረም ድማ ቀውዒ ይጅምር፡ ደረጃ ሙቀት ድማ ኣብ ወርሓ ሕዳር ክወርድ ይጅምር።

ኣውስትርያ ኣብ ማእከል ኣውሮፓ ትርከብ ሃገር ስለዝኾነት ፡ ብሓደ ወገን ብውቅያኖሳዊ ክሊማን ካብ ምዕራብ (ኣትላንቲካዊ) ፡ባሕጉራዊ ክሊማ ድማ በቲ ካልእ ወገን ትጽሎ። ኣትላንቲካዊ ክሊማ ፡ ን ቡርቱዕ ዝናብን በረድ ዝወርደሉ ወቅቲ ይፈጥር ብፍላይ ኣብ ሓጋይ፡ ማእከላይ ደረጃ ሙቀት ድማ ኣብ ክረምቲ ፣ ዛሕሊ ኣብ ሓጋይ ይፈጥር። ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ድማ ብማእከላይ ባሕሪ ይጽሎ።

ቡርቱዕ ዝናብ ዓመት ሙሉእ ክኽሰት ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዝርከብ ኣኽራናት ድማ ከም ከልካሊ ምዝንባዕ ናይ ክሊማ የገልግል፡ እዚ ድማ ሰሜናዊ ክፋል ካብደቡባዊ ክፋል ማይ/ዝናብ ዝዓብለሎ ይኸውን ። ብሓፈሻ ድማ ዝርገሐ ዝናብ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቅ እንዳ ቀነሰ ይመጽእማለት እዩ።

ህዝቢ ኣብ ኣውስትራልያ

ኣውስትርያ ኣስታት 8.8 ሚልዮን ህዝቢ ይርከባ (2017)።105 ተቀማጦ ብትርብዒት ኪሎ ሜተር ይኸውን። እቲ ዝበዝሐ ተቀማጦ ዝርከብዎ ድማ ኣብ ከተማ ቪየና ኮይኑ ፡4.300 ተቀማጦ ኣብ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ኮይኑ፡ ዝተሓተ ጻዕቂ ተቀማጦ ድማ ኣብ ቲሮል (ምዕራባዊ ክፋል) ኮይኑ 57

ተቀማጦ ብትርብዒት ኪ.ሜ ይኸውን ።ተመሳሳሊ ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይርከብ። ብህይወት ናይ ምንባር ትጽቢት ድማ 83,7 ዓመታት ንደቀንስትዮ ፣ 78,9 ዓመታት ንደቂተባዕትዮ ይኸውን። ገምጋም ምውላድ ህጻናት ኣስታት 1,46 ህጻን ንሓንቲ ይኸውን።ዝበዝሑ ህጻናት ብዘይ መውስቦ/መርዓ ይውለዱ፣ ኣስታት 42 % ድማ ይኸውን።

ኣሳታት 1,4 ሚልዮን ሰባት ተቀማጦ ኣውስትርያ ናይ ወጻኢ ዜጋታት እዮ ም፡ (15,3% ናይ ጠቅላላ ተቀማጦ) እዚ ማለት ድማ ኣብ ነፍስወከፍ 6 ሰባት 1 ወጻእተኛ ምዃኑ እዩ።ሓደ ስልሲት ናይዚ ቁጽሪ እዚ ድማ ካብ ካልእ ናይ ኣውሮፓዊት ሕብረት ሃገር ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ስልሲት ድማ ካብ ሃገር ዩጎዝላቭያ ነበር ዝመጹ እዮም (ካብ ሃገረ ስሎቬንያ ዘየካተተ፡ ኣብ 2004 ኣባል ሕ.ኣ ስለዝኾነት) ብገምጋም ኣስታት 1,9 ሚልዮን ተቀማጦ (2016) ኣብ ኣውስትርያ ድሕረ ባይታ ስደተኛ ኣለዎም (21,6% ናይ ጠቅላላ ነባሪ)። መብዛሕትኦም ወጻእተኛታት(ኣስታት 187.000) ካብ ጀርመን ዝመጹ እዮም። ብካልኣይ ደረጃ ሰርብያውያን (ኣስታት 120.000)፣ ቀጺሎም ድማ ቱርካውያን (117.000)፣ ሮማንያውያን (102.000)፣ ቦዝንያውያን (ኣስታት 95.000)፣ ሃንጋርያውያን (ኣስታት 77.000)፣ ክርዋት (ኣስታት 77.000)፣ ፖላንዳውያን (ኣስታት 62.000)፣ ሶርያውያን (ኣስታት 48.000)፣ ከምእውን ኣፍጋናውያን (ኣስታት 46.000) መበል 12 ጉጅለ ዝበዝሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ይሕዙ (2018)። 

ኣብ ኣውስትርያ ፡ሽዱሽተ ኣፍልጦ ዝረኸባ /ዘለወን ብሄራት ይርከባ፥ ክርዋት፣ ስሎቬን፣ ሃንጋሪ፣ ቸክ፣ ስሎቫክ፣ ከምእውን ሮማ ይበሃላ ።

ኣብ ኣውስትርያ ኣብ 2017 ኣስታት 24.735 ሓተትቲ ዑቅባ ተመዝጊቦም ፡ መብዛሕትኦም ድማ ካብዘን ዝስዕባ ሃገራት ዝመጹ እዮም ፥ ሱርያ (29,8%)፣ ኣፍጋኒስታን (14,9%) ፣ ፓኪስታን (6,2%)። ኣ ብ2016 ድማ ኣስታት 42.285 ሕተትቲ ዑቅባ ተመዝጊቦም ፡ ቀንዲ ዝመጹለን ሃገራት ድማ ፡ኣፋጋኒስታን(27,9%)፣ ሱርያ(20,7%)፣ ዒራቅ(6,8%) እዮም።ዝበዝሑ ብመንገዲ መደብ ዳግመ ሰፈራ ናብ ኣውስትርያ ዝመጹ ስደተኛታት ድማ ፡ኣብ ትርይስክሪቸን (ታሕታይ ኣውስትርያ) ፣ ቪየና፣ ስላዝበርግን ሊንዝ(ላዕላይ ኣውስትርያ) ይነብሩ።

ኣብ 2017 ገምጋም ክልል ዕድመ ኣብ ኣውስትርያ ዝርከቡ ወጻእተናኛታት/ናይ ወጻኢ ዜጋታት (34,6 ክልል ዕድመ) ድማ ብዕድመ ዝነኣሱ ካብ ዜጋታት (43,9 ክልል ዕድመ) ኔሮም። እንተኾነ ግን ካብ ዜግነት ኣውስትርያ ዝወሰዱ ወጻእተኛታት ቅርጺ ክልል ዕድመ ዝተረሓሓቀ ኔሩ፡ ካብ ሕ.ኣ ዝመጹ ዝዓበዩ ብዕድመ ካብ ስደተኛታት ሳልሳይ ሃገር ኔሮም።

ኣውስትርያ እንታይ ዓይነት ፖሊቲካዊ ስርዓት ኣለዋ?

ኣውስትርያ ደሞክራስያዊት ፈደራላዊት ሃገር እያ። ኣውስትርያ ባይቶኣዊ ደሞክራሲ ኮይና ፡ ምምቅራሕ ስልጣን ድማ ኣገዳሲ ባእታ እዩ፥ ስልጣን  ሓጋጊ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካልን ፣ ፈራዲ ኣካልን ዝተፈላለዩ እዮም። ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ፖሊቲካዊ ስርዓትን ሕብረተሰብን ተመልከት።

ወግዓዊ ቋንቋ ኣውስትርያን ካልኦት ቋንቋታት ኣብ ኣውስትርያን እንታይ ይመስሉ?

ኣብ ኣውስትርያ ቋንቋ ጀርመን ወግዓዊ ቋንቋ እዩ።  ኣስታት 100 ሚልዮን ቋንቋ ጀርመን ከም ናይ ኣደ  ቋንቋ ይዛረብሉ፣ 80 ሚልዮን ድማ ከም ካልኣይ ቋንቋ። ገለ ኣብነታት ጀርመንዊ ቋንቋታት (ብገምጋም መበል 15 ካብኦም) ከምእውን ክንደይ ህዝቢ ከም ናይ ኣደ ቋንቋ ከምዝዛረብ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ እንግሊዝኛ (330 ሚልዮን ከም ቋንቋ ኣደ፣ 500 ሚልዮን ከም ካልኣይ ቋንቋ )፣ ዳች (25 ሚልዮን) ፣ሽወደን (10 ሚልዮን)፣ ኣፍሪቃ (6,7 ሚልዮን፣ 16 ሚልዮን ከም ካልኣይ ቋንቋ)።

ኣብ ኣውስትርያ ፡ብዞባ ደረጃ ኣፍልጦ ዘለዎም ናይ ማሕበረ ኮም ቋንቋታት ኣለዉ እሳቶም ድማ ፥ ቋንቋ ክርዋትያ፣ ቋንቋ ስሎቬንያ፣ ቋንቋ ሃንጋሪ እዮም። ኣፍልጦ ዘለዎም ናይ ኑሳን ጉጅለታት ቋንቋታት ድማ ናይ ኣስትርያ ቋንቋ ምልክት፣ ሮማን ፣ ቸክን እዮም። ኣብ ገለ ናይ ሓባር ቦታታት/ዶባት ፡ ኣስማት ቦታታት በቶም ኣብቲ ቦታ ዝዝረቡ ይኾኑ።

ገለ ቀቢላታት ናይ ክርዋትያ ኣብ ዞባ ቡርገንላንድ ፣ ስሎቬናውያን ኣብ ካሪንትያን ስሎቬናውያን ሃንጋራውያን ኣብ ስትይርያ ፣ ስርዓተ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ክረኽቡ ኣፍልጦ ዝረኸቡ እዮም ። ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝተፈላለዩ ላህጃታት ቋንቋ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይዝረቡ። ዝተፈላለዩ ላህጃታት ዝተፈላለዩ ቃላት ንዝተፈላለዩ ትርጉም ክዝረበሎም ይኽእል።

ፊደላት ቋንቋ ጀርመን ካብ ላቲን ዝፈለቁ/ዝመጹ ኮይኖም 26 እዮም። እቶም ሰለስተ መድመጽቲ /ቫዎልስ ፡ Ä, ö, ü, ኮይኖም ፍሉይ ቅርጺ S ድማ  “Eszett“ወይድማ “scharfes S“ ይበሃሉ።

ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት(ኣብ ገለ ክፋል እዘን ሃገራት) ቋንቋ ጀርመን ወግዓዊ ቋንቋ እዩ ፥ ውስትርያ፣ ጀርመን ፣ ስዊዘርላንድ፣ በልጂም፣ ኢጣልያ፣ ሉክሰምበርግ፣ ሊችተንስቲን፣ ብራዚል ፣ ፖላንድ፣ ስሎቬንያ ፡ ካብዚ ዝተፈልየ ድማ ቋንቋ ጀርመን ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት ይዝረብ ፥ ቸክ ፣ሃንጋሪ ፣ ሩስያ ፣ ቫቲካን ፡ ብተወሳኺ ወጻኢ ካብ ኣውሮፓ እዚ ቋንቋ እዚ ኣብ ናሚብያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ፣ ኣውስትርልያ፣ ፓራጓይ እየን።  ብገምጋም 16 % ህዝቢ ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ቋንቋ ጀርመን ይዛረብ።

ብፍላይ ንስደተኛ ትምህርቲ ቋንቋ ኣበይ ይረክብ?

https://sprachportal.integrationsfonds.at/

http://www.deutschakademie.de/online-deutschkurs/

https://www.deutsch-lernen.com/d_index.php

http://deutschtraining.org/

https://www.jicki.de/deutsch-arabisch/basis/

http://www.arabisch.tv/deutsch-lernen-fuer-araber/

http://www.german-deutsch.com/kostenlose-unterrichtsmaterialien-fur-ehrenamtliche-trainerinnen-in-deutsch-als-fremdsprache/

https://supportrefugees.oeh.ac.at/wp-content/uploads/2015/10/Skript_Farsi_NEU.pdf

https://supportrefugees.oeh.ac.at/wp-content/uploads/2015/10/Skript_Arabisch_NEU-1.pdf

https://deutsch.fit/Deutschkurs/

http://www.goethe-verlag.com/book2/AR

http://www.goethe-verlag.com/book2/FA/

Sources:/ምንጭታት

https://www.oesterreich.com/de

https://de.wikipedia.org/wiki/Germanische_Sprachen

https://www.migration.gv.at/de/leben-und-arbeiten-in-oesterreich/oesterreich-stellt-sich-vor/geografie-und-bevoelkerung/

https://de.statista.com/statistik/daten/studie/293019/umfrage/auslaender-in-oesterreich-nach-staatsangehoerigkeit/

http://www.demokratiezentrum.org/bildung/lernmodule/das-politische-system.html

MigrEmpower, Study on Policies and Good Practices Addressed to Migrants and Refugees’ Social and Labour Integration. National Report – Austria

ፖሊቲካዊ ስርዓትን ሕብረተሰብን

ፖሊቲካዊ ስርዓት ኣውስትርያ እንታይ ይመስል?

ኣውስትርያ ኣብ መትከላት ደሞክራስን ምምቅራሕ ስልጣንን ዝተመስረተ ባይቶኣዊ ስርዓት ኣለዋ። ካብ 1995 ጀሚሩ ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ እያ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮፓ ፡ ተመልከት።

ዝለዓለ ወኪል ናይ ሃገር ናይ ፈደራል ፕረሲደንት ኮይኑ ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝጸንሓሉ ግዜ ድማ 6 ዓመት ይኸውን። ካብ 2017 ጀሚሩ ፈደራል ፕረሲደንት ኣለክሳንደር ቫን ደር በለን ይበሃል።

ኣብ ኣውስታራልያ ፡ፖሊቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ይእከቡ። ሓላፍነት ናይ ሕጊ ይወስዱ። ኣብ ባይቶ ድማ 6 ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ኣለዉ። ኣብ ነፍስወከፍ 5 ዓመት ብህዝቢ ይምረጹ። እቶም ክልተ ቤት ምኽሪ ናይ ባይቶ ድማ ሃገራዊ ቤት ምኽርን ቡንደስራት ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ምኽሪ እዮም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ብብዙሓን ናይ ባይቶ ይቀውም ፡ ሓልፍነት ናይ ምትግባር ሕጊ ኣብ ኣውስትርያ ድማ ይህልዎ። እሳቶም ድማ ፡ ላዕዋይ/ቻንስለር ፈደራል፣ ምክትል ቻንስለር፣ ከምእውን ካልኦት ምንስትራትን የጠቃልል። ፈደራል ቻንስለር ድማ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ይመርሕ።

ምርጫታት

ካብ ክልል ዕድመ 16 ንላዕሊ ዝኾነ ኣውስትርያዊ ክመርጽ ይኽእል።ካብ ካልኦት ድማ ፡ ፈደራል ፕረሲደንትን ፖሊቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ድማ ይምረጹ። ሓበሬታ ብዛዕባ ዜግነት ምሕታት ምዕራፍ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ተመልከት።

ማዕከናት መራኸቢ

ኣብ ኣውስትርያ ማዕከናት መራኸቢነጻ ኮይነን ፡ብዝኾነ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ኣይውነናን፡፡ስለዝኾነ ድማ ቅኑዕ ጸብጽብ ይርከብ። ናጽነት ናይ መራኸቢ ማዕከናት ኣብ ቅዋም ኣውስትርያ ተደንጊጉ ይርከብ።

ልዕልና ሕጊ

ኣውስትርያ ቅዋማዊት ሃገር እያ ። ሓላፍነት ቤት ፍርዲ ድማ ብሕጊ ዝተደንገጉ መሰላትን ግቡኣትን ብዝኾነ ሰብ ከምዘይተጣሕሱ የረጋግጽ። ዝኾነ ኣፈላላይ ኣብ ሞንጎ ሰባት ብምኽንያት መበቆል፣ ጾታ፣ ሃይማኖት፣ ወይ ድማ ክእለት ንኸይፍጸም የውሕስ። እዚ ማለት ድማ ቤት ፍርዲ ነጻ ኣካል እዩ።

ቅዋም

መሰረት ደሞክራሲ ኣውስትርያ ቅዋም እዩ። ቀንዲ መትከላትን ሕግታትን ድማ ሰፊሮም ይርከቡ ፡ ንኣብነት ፡ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖትን ፖሊቲካን። ካልእ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ቅዋም ድማ ሰብኣዊ መሰል እዩ፡እዚ ድማ መሰል ናጽነትን ውሕስነትን፣ ምኽልካል ጭቆና/ስቅያት፣ ናጽነት ቤት ምኽሪ፣ ናይ ሓሳብ ምግላጽ ናጽነት፣ ናጽነት ሃይማኖትን ካልእን የጠቃልል።

ፈደራሊዝም 

ከም ፈደራላዊት ሃገር መጠን፡ ኣውስትርያ 9 ፈደራል ዞባታት ኣለዋ።

ፈደራል ዋን ከተማ ቪየና እውን ሓንቲ ካብተን ትሽዓተ ዞባታት እያ። ነፍስወከፍ ዞባ ድማ ብናይ ዞባ መንግስትን መራሕን ትመሓደር። ነፍስወከፍ ዞባ ድማ ናይ ባዕል ዋና ከተማ ኣለዋ።

  • ቡርገንላድ፡ ኢሰንስታድ
  • ካሪንትያ ፡ ክላገንፉርት
  • ታሕታይ ኣውስትርያ፡ ሳንክት ቦልተን
  • ላዕላይ ኣውስትርያ ፡ ሊንዝ
  • ሳልዝበርግ ፡ ሳልዝበርግ
  • ስትርያ ፡ ግራዝ
  • ቲሮል ፡ ኢንስብራክ
  • ቮራርበርግ ፡ ብረገንዝ
  • ቪየና ፡ ቪየና

ኣውስትርያ ብሸሞንተ ሃገራት ትዳወብ ፥ጀርመን፣ ቸክ ሪፓብሊክ፣ ስሎቫክያ፣ ሃንጋሪ፣ ስሎቬንያ፣ ኢጣልያ፣ ስዊዘርላንድ፣ ሊችተንስቲን

ሊንክታት፡links

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስርዓት ፖሊቲካ ኣውስትርያ

ሃይማኖት

ሃይማኖት ኣብ ኣውስትርያ ብኸመይ ይሪኤ? ኣገዳስነቱ እንታይ ይመስል?

ኣውስትርያ ኣንቀጽ ሰብኣዊ መሰል ብምፍራማ ንናጽነት ሃይማኖት ቀዳምነት ትህብ። ኣዚ ማለት ድማ ሰባት ዝመስሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለ ክስዕቡን ክኽተሉን የኽእሎም። ኣባል ናይ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ምዃን ድማ ኣየፍቅድን። ሃይማኖት ውልቃዊ እዩ።ሰባት ብማዕረ ይረኣዩ፣ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ማለት እዩ።

ዝበዝሑ ኣውስታውያን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እዮም። 70% ናይ መላእ ህዝቢ ይኾኑ። ዝተፈላለዩ ንኡሳን ጉጅለታት ክርስትና ኣለዉ፡ 60% ካቶሊክ፣ 6% ኦርቶዶክስ፣ 4% ፕሮተስታንት፣ ግለ ክፋል ናይ ህዝቢ ድማ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣይኣምኑን፥ ካብ ትውልዲ ግዜ ወይ ድማ ካብ እምነት ስለዘንሰሓቡን ማለት ይኸውን።

ሃይማኖታዊ ጉጅለታት

% ብህዝቢ

ክርስትያን

70

       ካቶሊክ

60

       ኦርቶዶክስ

6

       ፕሮተስታንት

4

ኣስላም/ሙስሊሚን

8

       ሱኒ

7

       ሺዓ፣ ዓለውያ

1

ካልእ(ቡዳ፣ ጽዮን፣  ዘይክተሉ  ወዘተ..)

22

 

ካብ ኣውስትራውያን 8% ሙስሊሚን ኮይኖም ብሳልሳይ ደረጃ ዝስርዑ ጉጅለታት ኮይኖም፣ (ቀዳምነት ፡ክርስትያን ፣ እቲ ዝዓበየ ካልኣይ ደረጃ ድማ ዝኾነ ሃይማኖት ዝብሎም እዮም )። ብገምጋም 85% ናይ ሙስሊሚን ተከተሊ ሱና ኮይኖም ፡ 155 ድማ ሺዓ ውይ ድማ ዓለውያ እዮም። ካብ ጥቅላላ ቁጽሪ ህዝቢ ኣውስትርያ ድማ 7% ሱና እዮም ፡1% ድማ ሺዓ ወይ ዓለውያ እዮም። ብገምጋም 400 መስገዲ ማእከላትን 4 ዓበይቲ መሳጊድን ድማ ይርከቡ። ኦም ኣርባዕተ መሳጊድ ድማ ኣብ ቪየና ይርከቡ። ተልፍስ/ቲሮል,  (ባድ ቮስላው)፡ታሕታይ ኣውስትርያ , ግራዝ/ስትርያ

ካልኦት ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ድማ ዓለውያ፣ ቡዳ፣ ጽዮናውያን እዮም።

ሃይማኖታውን ፖሊቲካውን ጉዳያት ኣብ ኣውስትርያ ነንበይኖም እዮም። ሕጊ ኣውስትርያ ልዕሊ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ሕጊ እዩ።

ንኣብነት ጻውዒት ኣዛን ክድሚ 6 ድ.ቀ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ድማ ድምጺ ናይ ምቁጽጻር ሕጊ ስለ ዘሎ ይኸውን። በዓላት ኣውስትርያ ድማ ናይ ክርስትና በዓላት ወይ ታሪኻውያን በዓላት ይኽተሉ ፡ ናይ እስልምና በዓላት ኣይኮኑን። ዝኾነ ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ምኽዳን ፍቁድ እዩ፣ እንተኾነ ግን ዝኾነ ሰብ ብፍላይ ደቀንስትዮ ብወለንተአን ተዘይኮይኑ ተገዲደን ክኽደነኦ ሕጊ ኣየፍቅድን።

ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ ጉዳይ ኣፈላላይ ብሰፊሑ ይረኣ። ኣብ 2017 ዘጋጠሙ 309 ሓደጋታት፡ ደረጃ ዓሌትነት ኣንጻር ኣስላም ብገምጋም 21% ካብ ናይ 2016 ወሲኹ። መደረ ጽልኢ ከምእውን ጸርፊ ገለ ካብ ዓይነታት ዓሌትነት እዮም። ገለ ሙስሊሚን ድማ ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ዝያዳ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ከም ዘለዎም ጸብጻብ ብምቅራብ የመልክቱ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ፡ ብዙሕት ሰባት ምስ ስደተኛታት ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ክራኽቡን ድሌት ኣልዎም ፡ ነዚ ጉዳይ ብሓባር ናይ ብሰላም ምንባር ንምስላጥ ድማ ብዙሓት ማሕበራት ይንቀሳቀሳ። እንተደኣ ናይ ኣፈላላይ ጸገማት ኣጋጢሙካ ሓገዝ ምርካብ ይከኣል፡ ምዕራፍ 5 ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ተመልከት።

[1] https://de.statista.com/statistik/daten/studie/304874/umfrage/mitglieder-in-religionsgemeinschaften-in-oesterreich/

[2] Data 2016: Statista 2018, https://de.statista.com/statistik/daten/studie/312152/umfrage/anzahl-der-muslime-in-oesterreich/Data 2016: Statista 2018

[3] https://brainworker.at/islam-muslime-in-oesterreich/

[4] https://derstandard.at/2000061598164/Islamische-Glaubensgemeinschaft-erhebt-Zahl-der-Moscheen-in-Oesterreich

መሰላትን ግቡኣትን

መሰላት ኩሎም ነበርቲ ኣውስትርያ እንታይ ይመስል?

ኩሎም ነበርቲ ነበርቲ ግዝኣት ሃገረ ኣውስትርያ መሰረታዊ መሰላት ወድሰብ ውሑስ እዩ (ኣንቀጽ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ)።.

መሰረታዊ መሰላት እንታይ ይመስሉ?

ቅዋም ዘውሕሶ መሰል(መሰረታዊ መሰል) ማለት መሰል ህዝቢ ፡ንውልቀሰብ ዝወሃብ መሰል ኮይኑ ብሕጊ ቅዋም ዝጸደቀ እዩ። ብመሰረት ኣብ ቀረባ ዝተደንገገ ሕጊ (CC 14/03/2012,U466/11 et al.) ንድፊ ስራሕ ውሕስነት መሰላት ፡ከም ኣንቀጽ መሰረታዊ መሰላት ሕ.ኣ. ብካልእ ኣጸዋውዓ ድማ ቅዋማዊ ውሑስ መሰላት ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መወከሲ ዝጠቅም እዩ። ቅዋም ዘውሕሶ መሰል ኣብ ቅድሚ ቅውማዊ ቤት ፍርዲ ብመሰረት ናይ ጥርዓን መዝገባት ናይ ዓንቀጽ 144 ወይ 144a ናይ ቅዋማዊ ሕጊ (B-VG) ወይ ድማ ብመመልከትታት ንሕጊ ቤት ፍርዲ (ዓንቀ. 139 ከምእውን 140 B-VG) ይትግበር።

ምንጪ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኣውስትርያ፡ መሰረታዊ መሰላት

መሰረታዊ መሰላት ኣብ ኣውስትርያ እንታይ ይመስሉ?

ዝስዕብ ዝርዝር ኩሎም መሰረታውያን መሰላት ዘይኮኑ ፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ መሰረታውያን መሰላት እዮም፥

  • ዓበይቲ መሰላት፡መሰል ምንባር፣ ምኽልካል ጭቆና፣ ምኽልካል ዘይሰብኣውን ኣዋራድን መቅጻዕቲ ወይ ኣተሓሕዛ፣ ምኽልካል ባርነትን ምቕጥቃጥን
  • ናይ ውልቃዊ ናጽነት መሰላትን ናይ ምንቅስቃስን ምንባርን መሰላት፡ ውልቃዊ ናጽነት፣ ናጽነት ምንቅስቃስ፣ ሓለዋ ካብ ምእጋድ ወይ ምሕራም
  • ውልቃዊ መሰላትን ስድራቤታዊ መሰላትን፡ ሓለዋ ሓበሬታ፣ ምውሓስ ምስጢር ርክባትን መልእኽትን፣ መስል ክብሪ /ውሕስነት ቤት
  • ናይ ብልሒ መሰላት፡ ናይ ሓሳብ ናጽነት፣ ናጽነት ሕልና፣ ናጽነት ሃይማኖት፣ መሰል ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣብያተ ክርስትያናትን ናይ ሃይማኖት ትካላትን፣ መሰል ምርጫ ሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት
  • ፖሊቲካዊ መሰላት፡ መሰል ምምራጽ/ምርጫ ዕድሚኦም ንዘፍቅድ ዜጋታት፣ ናይ ሓሳባት ናጽነት፣ ናጽነት ሓበሬታ፣ ናጽነት ናይ ማሕበር፣ መሰል ምምስራት ፖሊቲካውያን ሰልፍታትን ንጡፍ ኣባል ምዃንን ፣ ናይ ምእካብ ናጽነት፣ መሰል ምኽፋት ጠለብ ምምልካት/petition፣ ንረፈንዱም ፋይል ምኽፋትን ምስታፍን ፣ መሰል ዕድል ንህዝባውያን ኣብያተ ጽሕፈታት
  • ባህላዊ መሰላት፡ መሰል ዕድል ትምህርቲ፣ መሰል ምውሳን ወለዲ ንዓይነታት ትምህርቲ ደቆም፣ መሰል ምምስራት ኣብያተ ትምህርትን ናይ ትምህርቲ ትካላትን፣ መሰል ወላአዲ ንምምሃር ደቆም፣ መሰል ምዝርጋሕ ሓበሬታ፣ መሰል ስነ ጥበብ፣ መሰል ሳይንስ
  • ቁጠባዊ መሰላት፡ መሰል ምግላጽ ንብረት፣ መሰል ምውናን ንብረት፣ መሰል ምምራጽ ዓይነት ስራሕን ሞያን፣ መሰል ምክያድ ትካል፣ ምኽልካል ግዱድ ስራሕ
  • መሰላት ንኡሳን ቀቢላታት፡ መሰል ናይ ንኡሳን ብሄራትን ዓሌትን
  • ናይ መስርሕ መሰላት፡ መሰል ምኽታል ቅኑዕ መስርሕ፣ መሰል ምቅራብ ናብ ብቁዕ ቤት ፍርዲ፣ መሰል ምምራጽ ውጽኢታዊ ጥርዓን፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዘይምቅጻዕ፣ ገበን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዘይምቅጻዕ፣ መሰል ምሕታት መንነት ፡ ንኣብነት ኣባላት ፖሊስ

ትርጉም ጽሑፍ ፡ ቀንዲ ምንጪ፡ ማእከል ደሞክራሲ ቪየና ፡ Grundrechte in Osterreich 

መሰላት ሓተትቲ ዑቅባ እንታይ ይመስል?

ከም ሓታቲ ዑቅባ ንሕጋዊ ምክትታል መስርሕ ብመሰረት ሕጋዊ ደረጃ ፡  ኣድላይነት ሓለዋን ምኽንያታት ይምርመሩን ይሰፍሩን ፡ብቁዓት እንተኾይኖም ድማ ደረጃ ሓለዋ ትረክብ ። ከም ዝኾነ ካልእ ሰብ፡ ከም ሓታቲ ዑቅባ መሰል ምኽባር ካብ ኣድልዎ ይህልወካ፡  (እዚ ዓለምለኻዊ መትከል ምስጓግ ሓታቲ ዑቅባ ናብ ሃገሩ ፡ ማለት ድማ ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ስቅያትን ጭቆናን ዝጽበዮ እንተኾይኑ ምጥራዝ ብኣስገዳድ ይኽልክል )። ከም ሓታቲ ዑቅባ መሰል መሰረታዊ ክንክንን ሕጋዊ ምኽርን ይህልወካ።

ምንጪ፣ Source:ካሪታስ / Caritas FAQs Refugees and Asylum

ግዴታታት ሓታቲ ዑቅባ እንታይ ይመስሉ?

ከም ሓታቲ ዑቅባ ኣብ ኪደት መስርሕ ዑቅባ ክትታሓባበር ይግባእ፡ ብካልእ ኣዘራርባ ኣባ ሰብ መዚ ኣውስትርያ ዘቀመጡልካ ቆጸራ ኣብ ግዜኻ ክትርከብ ይግባእ፣ ሓቂ ምዝራብ ብዛዕባ ናብ ሃገርካ (ናብ ካልእ ሃገር) ክትምለስ ዘይምኽእልካ ፣ እንተተኻኢሉ ድማ ጭብጢ ምቅራብን የጠቃልል። እንተደኣ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ክትሓትት ደሊኻ ብቅጽበት ናብ ኣውስትርያ ኣብ ዝኣተኻሉ ግዜ ክኸውን ይግባእ፡ እንተዘኮይኑ ግን ሕማቅ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል።ሓተትቲ ዑቅብ ብቅጽበት ንላዕለወይ ወኪል ስደትን ዑቅባን(BFA/General Agency For Immigration and Asylum ) ክሕብሩ ይግባእ፡ ወይ ድማ ፡ ዞባዊ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ምቅያር ኣድራሻን ከምእውን ኣብ ቆጸራ ክርከቡ ይግባእ።

ካሪታስ/ምንጪ/Source: Caritas FAQs Refugees and Asylum

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ምንጪ/ Source፡The refugee rights toolkit: ካሪታስ/Caritas FAQs Refugees and Asylum ተወከስ።

ዜግነት ኣውስትርያ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል?

ሕጋዊ መሰረታት ናይ ኣውስትርያ ዜግነት ኣብ መትከል ዘርኢ ዝተመርኮሰ እዩ። ናይ ኣውስትርያ ዜግነት ካብ ናይ ኣውስትርያ ዘርኢ፣ መውስቦ/መርዓ ምስ ዜጋ ኣውስትርያን ብጠለብ ምምልካትን ፡እዚ ማለት ድማ ርድኢት ናይ ልዑል ጠለብን ንምፍጻም ዕዉት ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ መስርሕ ኣብ ግምት ብምእታው ክርከብ ይከኣል።ክልተኣዊ ዜግነት የወግድ፣ ኣመልካቲ ድማ መበቆላዊ ዜግነቱ ክለቅቅ/ክገድፍ ይጥለብ።

መብዛሕትኦም ምቅይያራት ሕጊ ንጠለብ ዜግነት ዝምልከቱ ሉሕሉሕ መወሰኽታታት ኣምጺኦም ፡እዚ ድማ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ብቀጥታ ንሙግዳል ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ እዋን ዜግነት ኣውስትርያ ዝጠልብ ነዞም ዝስዕቡ ከማልእ ይግባእ፥

  • ምፍራም ስምምዕ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
  • ናይ ቋንቋ ክእለት መርትዖ ምቅራብ
  • ፈተና ዜግነት ምሕላፍ
  • ተኸታታሊ 10 ዓመታት ኣብ ኣውስትርያ ምንባር/ምቅማጥ
  • መርትዖ እኹል ኣታዊ ምቅራብ
  • ናይ ዘይምህዋኽ ጌጋታት ከምዘይፈጸሙ መርትዖ ምቅራብ

ብፍላይ ብግቡእ ምስ ሕብረተሰብ ዝተወሃሃዱ ሰባት ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመታት ምንባር ዜግነት ክረኽቡ ይኽእሉ ፡ እዚ ድማ ውልቃዊ ናይ ምውህሃድ ተበጎ ኣርእዮም ይኸውን፡ (ንኣብነት ፡እኹል ኣታዊ፣ ክእለት ቋንቋ ጀርመን፣ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን)።

ኣብዚ እዋን እዚ ዓመታዊ ጠለብ ምቅባል ዜግነት ኣስታት 8000 ይኸውን። ብመሰረት ዓቀን ነበርቲ ወጻእተኛታት፡ብውሑዱ 10 ዓመት ፡እቲ ሚእታዊ ደረጃ  1.0% ይኸውን።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ጠለብ ዜግነት ፡acquiring the Austrian citizenship (migration.gv.at) ተወከስ።

ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ

ኣፈላላይ እንታይ ማለት እዩ?

ኣፈላላይ ማለት ዝኾነ ሰብ ወይ ጉጅለ ካብ ካልኦት ብዝኸፍአ መንገዲ ምሓዝ ማለት እዩ። ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ ሰብኣዊ መሰል እዩ።

ውልቀሰባት ወይ ማሕበራት እንተድኣ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዘለዎም ኮይኖም ፡ ኣፈላላይ ይገብሩ ኣለዉ ማለት እዩ፥እዚ ድማ ብሓደ ነገር ናትካ ክብረት እንተዘይብሎም እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣምታት ኣፈላላይ ኣስካሕካሕን ጎዳእን ተመክሮ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣንጻር ሕጊ ናይ ጭቆና መልክዕ እዩ።

ገለ ኣብነታት ኣፈላላይ

  • ዝኾነ ሰብ ሕማቅ ዘረባ ይብል እንተሃልዩ፣ኣነዋሪ ተግባራት፣ወይ ድማ ቀጻሊ ዘጥቅዓካ ፥
  • ላግጺ ዘረባ ኣንጻርካ
  • ምንጻል
  • ዓዋሉ ኣንጻርካ ምውዳብ
  • ጎዳኢ ወይ ዘይቅቡል ነገራት ንኽትፍጽም እንተደኣ ተገዲድካ
  • ምፍርራሕ
  • ምክልኻል ስለ መንነትካ እምነታትካን ዘይቅቡል ኣባህላታት

ሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ሓባር ህይወት ኣፈላላይ የጋጥሞም፥

  • ስራሕ ቦታ፣ዕድላት ናይ ዕዮ ዕዳጋን፣ ስራሕን
  • ትምህርቲ፣ሳይንስን፣ስፖርትን
  • መአንገዲ/መንበሪ ቤት
  • ሰብኣዊ ሓገዝ፣ስርዓት ጥሮታ፣ማሕበራውን ጥዕናውን ውሕስነት
  • ዕድላት ክንክን ጥዕና
  • ኣገልግሎታት መንግስቲ-ዕድላት ፍትሕን ምምሕዳርን
  • ዕድላት ኣገልግሎት፣መሳለጥያን ንብረትን
  • ህዝባዊ ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን\ሜድያ
  • ኣባልነት ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ማሕበራትን
  • ተሳትፎ ኣብ ባህልን ስነ ጥበብን

ኣብ  ሕጊ ናይ ኣተሓሕዛ ብማዕረ ኣየኖት ጉዳያት ተጠቂሶም ኣለዉ?

ብመሰረት ፈደራል ምንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን ድሕነት ተጠቀምትን ፡ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ሕጊ ናይ ኣተሓሕዛ ብማዕረ ተጠቂሶም ይርከቡ፥

  • ማዕረ ኣተሓሕዛ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ስራሕ
  • ማዕረ ኣተሓሕዛ ኣብ ስራሕ ፡ ብሄርሃይማኖት ወይ እምነትዕድመ ወይ ጾታዊ ሌላ ብዘየገድስ
  • ማዕረ ኣተሓሕዛ ብሄር ብዘየገድስ ካብ ስራሕ ወጻኢ
  • ማዕረ ኣተሓሕዛ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ዕድላት ካብን ናብን ቀረብ ንብረትን ኣገልግሎትን
  • መትከላት ሙዕሩይ ኣተሓሕዛ ኣብ ስራሕ ሕርሻን ስነ- ጫካን
  • ማዕረ ኣተሓሕዛ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ስራሕን ዕለተዊ ህይወትን

ኣብ ኣውስትርያ ኣገደስቲ ሕግታት ኣንጻር ኣፈላላይ እንታይ ይመስሉ?

ኣገደስቲ ሕግታት ኣንጻር ኣፈላላይ ኣብ ኣውስትርያ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  • ኣንቀጽ ማዕረ ኣተሓሕዛ
  • ፈደራላዊ ኣንቀጽ ማዕረ ኣተሓሕዛ
  • ኣንቀጽ ሙቅጻር ንስራሕ ስንክልና ዘለዎም ሰባት
  • ፈደራላዊ ኣንቀጽ ማዕረ ኣተሓሕዛ ስንክልና ዘለዎም ሰባት

ሓገዝን ምኽርን ካበይ ይረክብ ከምእውን እንተደኣ ተዓሚጸ ጥርዓን ብኸመይ የቅርብ?

ምንስትሪ ሰብኣዊ ጉዳያት፡

  • ማሕበር ተጠባባቂ ንማዕረ ኣተሓሕዛ ነጻን ምስጥራውን ምኽርን ሓገዝን ይህብ። ብተወሳኺ ኣብ ኮምሽን ንማዕረ ኣተሓሕዛ ይውክለካ።
  • ቅድምን ድሕርን መስርሕ ናብ ቤት ፍርዲ ንኮምሽን ንማዕረ ኣተሓሕዛ ምውካስ ይከኣል።
  • ናይ ንግዲ ማሕበራትን፣ ቤት ምኽሪ ዕዮን፣ ከምእውን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ሓገዝን ምኽርን ይህቡ።
  • ናይ ዞባዊ ኣብያተ ፍርዲ `ውን ምኽሪ ይህቡ።
  • ተደጋጋሚ ኣፈላላይን ከምእውን ኣፈላላይ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ብፈደራላዊ ኣንቀጽ ማዕረ ኣተሓሕዛ ስንክልና ዘለዎም ሰባትብኣንቀጽ ምሕደራ ንስልጠና ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ይእለዩ።
  • Sozialministerumsservice ዝተባህለ ማእከል መወከሲ ንኩሎም ሕቶታት ኣፈላላይ ኣብ ስንክልና ዝተመርኮሰ ይህብ።

ተጠባባቂ ንማዕረ ኣተሓሕዛ እንታይ ይመስል?

ተጠባባቂ ንማዕረ ኣተሓሕዛ ፈደራላዊ ትካል ኮይኑ ንትግባረ መትከላት ማዕረ ኣተሓሕዛ ይሰርሕ። እሱ ወይ ንሳ ሕጋዊ ምኽሪ ይህብ፣ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዉ ሓቅታት የጻሪ፣ ለበዋታት ይህብ ፡ እዚ ኩሉ ድማ ኣፈላላይ ንምዕጋት ወይ ንምክልኻል ይኸውን።ሕጋዊ መስርሕ ክፍጽም ወይ ንግዳይ ክውክል ግን ኣይክእልን።

ግቡኣት ተጠባባቂ ሰባት ብመሰረት ፈደራላዊ ምንስትሪ ዕዮን ፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ድሕነት ተጠቀምትን ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፥

  • ምኽርን ሓገዝን ንኣፈላላይ ዘጋጠሞም ሰባት ወይ ንስድራቤቶምን፡ ኣብ ኮምሽን ንማዕረ ኣተሓሕዛ ድማ የሰንዮም።
  • ምክልኻል ኣንጻር ኣፈላላይ ንዝጠልቡ ሰባት ምኽሪ ይህብ ፡(ንኣብነት ፡ሰራሕተኛታት፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዕዮ)። ምኽሪ ምርካብ ነጻን ምስጥራውን እዩ።

ተጠባባቂ ንማዕረ ኣተሓሕዛ ኣብዚ ዝስዕብ ይኽፈል፡

  • ተጠባባቂ (ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ) ንማዕረ ኣተሓሕዛ ኣብ ስራሕ
  • ተጠባባቂ (ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ) ንማዕረ ኣተሓሕዛ ኣብ ስራሕ ብሄር/ዓሌት፣ ሃይማኖት ወይ እምነት፣ ዕድመ ወይ ጾታዊ ሌላ ኣብ ስራሕ ብዘየገድስ
  • ተጠባባቂ (ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ) ንማዕረ ኣተሓሕዛኣብ ካልእ ቦታታት ጾታ ወይ ብሄር/ዓሌት ብዘየገድስ
  • ተጠባባቂ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት

ከመይ ጌርካ ጥርዓን ወይ ድማ ክሲ ኣብ ጉዳይ ኣፈላላይ ተቅርብ?

እንተድኣ ኣንጻርካ ኣፈላላይ ተፈጺሙ ፡ ብመሰረት ናይ ኣፈላላይ ረቋሒታት፡ኣብ እትነብረሉ ዞባ  ኣውስትርያ ክትውከሶም ትኽእል ሰባት ይፈላለዩ። ነጋሪ ጋዜጣ “ ማዕረ ዕድላት“ / Equal opportunities ተወከስ ። ትውከሶም ሰባት ድማ ኣብ ገጻት 57-64 ይርከብ።

ኣንጻር ሓደሰብ ኣብ ጉዳይ ኣፈላላይ ክሲ ከተቅርብ እንተደሊኻ፡ቤት ፍርዲ ክትሕብር ይግባእ ፣ከምእውን ሕጋዊ ወኪል የድልየካ።ዝኾነ ጠበቃ ክትውክል ይከኣል ፡እንተኾነ ግን ዓቅሚ እንተዘይብልካ ንስቪካውያን ማሕበራት ብምውካስ ነጻ ኣገልግሎት ናይ ጥብቅና ምርካብ ይከኣል ።ኣብ ስንክልና ዝተመርኮሰ ኣፈላላይ ምስ ዝኸውን ግን ግዴታዊ መስርሕ ኣብ Sozialministerumsservice ዝተባህለ ማእከል ቅድሚ ክሲ ኣንጻር “ዓማጺ“ ምቅራብካ /ኪ ከተካይድ ይግባእ።

ምንጭታትን ሊንክታትን ንዝያዳ ሓበሬታ

ኣብ ውሽጢ ማሕበረኮምን ከባብን ምንባር

ኣብ ኣውስትርያ ማሕበረኮም ብኸመይ ተጠርኒፉ ይርከብ?

ማሕበረኮም ኣብ ኣውስትርያ  ብወግዒ ኣብ ክልተ ይኽፈል፣ናይ ከተማ ማሕበረኮም ወይ ድማ ናይ ገጠር ማሕበረኮም፡ብዝታሓተ ደረጃ ድማ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታት የካይዱ። ህዝባዊ ጠለባት ኣብ ምምላእ ድማ ይዋፈሩ። ብመንገዲ ውሽጣዊ ማሕበረኮማት ድማ ነበርቲ ኣብ ውሳኔታት ናይ ሕብረተሰብ ይጸልዉ። ማሕበረኮማት ሕዝባዊ ኣገልግሎታት የዳለው፡ከም መውዓሊ ህጻናት፣ቤት ትምህርቲ፣ማእከል ጥዕና ወይ ሓኪም፣ድኳናት፣ናይ ግዳም ባንኪ/ATM ኣገልግሎት፣ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት።

ኣብ ኣውስትርያ ህዝቢ ኣብ ማሕበረኮም ብመንገዲ ዝተፈላለዩ መደባት፡ ብውሽጢ ደረጃ፡ ዘዳልዉ ማሕበራት፣ክለባት፣ጉጅለታትብ ይጽንበር። እዞም ማሕበራት ፣ ክለባትን ናይ ዝምባለ ጉጅለታትን ድማ ንማሕበራዊ ህይወት፡ ብመንገዲ ኣጋጣሚታት ምስንዳእን፣ ናይ ጎደና በዓላትን ጽምብላትን ብደረጃ ከባቢ ብምድላው ኣስተዋጽኦ ይህልዎም።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረ ኮምን ከባብን ምስ ካልኦት ምንባር

ኣብ ኣውስትርያ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፣ንኡሳን ከተማታት፣ገጠራት ምንባር ኣዝዩ ይፈላለ።ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትነብር እንተኾንካ ምስ ጎረባብቲ ዘይምርኻብ ሉሙድ ተርእዮ እዩ።ህዝቢ ብዝያዳ ኣብ ንኡሳን ከተማታትን ገጠራትን ኣዝዩ ዝተቀራረበ እዩ።እንተኾነ ግን ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ትነብር እንተኾንካ ምስ ጎረባብቲ  ኣብ ደረጃታት ህንጻ፣ኣፍደገ፣ናይ ሓባር ቦታታት ሰላምታ ምልውዋጥ ከም ምልክት ትሕትና ይቁጸር።

ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትርያ ፡መሰል ሰባት ምኽባርን ውልቃዊ ህይወቶም ምሕላውን ይግባእ።ጎረቤት ንሌላ ዝኣክል ናይ ሻሂ እንግዶት ከተቅርብ ትኽእል፡ፍቃደኛታት ምስ ዘይኮኑ ግን ቅቡል ነገር እዩ።ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ዘይምልላይ ግን ንቡር ተርእዮ እዩ።ብተወሳኺ ፡ጎረባብቲ ሓገዛት ክተሓታተቱ ንቡር እዩ፡ከም ምግዓዝ ንብረት፣ምልቃሕ ሽኮር ወዘተ።

ኣብ ኣውስትርያ ከም ደሓን ጎረቤት ሕግን ደንብን ናይ ትነብረሉ ህንጻ ምኽባር ይግባእ።ሓድሕድ ምክብባር ክህሉ ይግባእ።ጎረቤት ንከይርበሽ ትሑት ድምጺ፡ብፍላይ ድማ ካ 10 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 7 ቅድሚ ቀትሪ  ክህሉ ይግባእ ።ድምጺ ከም ጉያ፣ ምርሓው ማዕጾ፣ብርቱዕ ድምጺ ተለቪዥኝ፣ኮምፒተር፣ድምጺ ሙዚቃ ዝኣመስሉ ጎረቤት ክርብሽ ይኽእል።እዚኦም  ሓድሓደ ኣብነታት እዮም ፣ብሓፈሻ ግን ጎረቤት ዝርብሹ ንጥፈታት ክህልዉ ኣይግባእን ።

ኣብ ኣውስትርያ ፡ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝባዊ ሕጊ ንምትካኽ ሽጋራ ብተኸታታሊ ክቅየር ጸኒሑ።ስለዝኾነ ድማ ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ኣብያተ መግቢ፣ሆስፒታላት፣ኣብያተ ትምህርቲ፣ናይ ህዝቢ መሳለጥያታት፣ቤት ቁርስን ክልኩል እዩ ፡ዝትከኸሉ ቦታ ምልክት ተጻሒፉ ይርከብ።ሓፈሻዊ ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታታት(ጎደናታት) ኣልኮላዊ መስተ ክልኩል እዩ። ናይ ድምጺ ምጥንቃቅ ክህሉ ይግባእ፡ዓው ዓው ናይ ህዝቢ ጸጥታ ክዘርግ ስለ ዝኽእል ትሑት ክትከውን ይግባእ።

ሓባራዊ ቦታን ንብረትን 

ኣብ ቡዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ እንተድኣ ትነብር ኮንካ ናይቲ ሕንጻ ሕግታት ብጥብቂ ከተኽብር ይግባእ።ሕግታት ህንጻ ኣብ ነፍስወከፍ ህንጻ ይርከብ።ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት ዝርከብ ንብረት ከም ናትካ ክትሕልዎን ክትጥንቀቀሉ ይግባእ።ኣብቲ ህንጻ ብሓባር ትጥቀምሉ ንብረታት ከም ደረጃ፣ኣደራሽ መንገዲ፣መደየቢ ኢሊቨተር፣ቀጽሪ፣መብራህቲ ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት፣ካልእን ዝኣመሰሉ።

ብልምዲ ቡዙሕ ክፍልታት ዝርክርቦ ህንጻ ተቆጻጻራይ ንብረትን ናይ ሓባር ቦታታት ኣለዎ።ብተወሳኺ ነበርቲ ናይ ጽገና፣ ናይ ሓባር ክፍሊትን፣ ወጻኢታት ጽሬትን መብራህትን ክኸፍሉ ይግባእ።መብዛሕትኡ ዓበይቲ ህንጻታት ናይ መራኸቢ ኣደራሽ፡ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝዝትይሉ ኣለዎ።(ምሕዳስ፣ጽገና ወዘተ….)

ጎሓፍን ዳግም ምጥቃም ንብረታት

ዳግም ምጥቃም ንብረት ኣብ ኣውስትርያ ግዴታዊ እዩ።እንተኾነ ግን ዝርዝር መአከቢ ጉሓፍ ኣሎ ፣ዳግም ምጥቃም እውን ይከኣል።

  • ወረቀትን ካርቶንን
  • ጠራሙዝ
  • ጎማ ፕላስቲክ፣
  • ዕሹግ ጓሓፍ፡ ንኣብነት ርቡዕ መዐሸጊን
  • ናይ ሓጺን ታኒካታት
  • ኣጭርቅቲ
  • ካልእ ናይ ገዛ ጉሓፍን

ከቢድ ጉሓፍ፣ኤለክቲሪክን ኤለክትሪካዊ ንብረትን፣ኣብ ውሽጢ ወይውን ኣብ ከባቢ መኣከቢ ጉሓፍ ምቅማጥ ኣይከኣልን። ብመሰረት ምምሕዳር ከተማ ንከምዚ ዓይነት ጉሓፍ ዝተዳለወ ግዜ ኣሎ፡ወይ ድማ ማሕበረኮማዊ ትካል ምምስራሕ /ዳግም ምጥቃም ብምድዋል ክወስድዎ ምሕታት፣ወይ ድማ ብ ኣካል ናብ ዝመልከቶ ቦታ ምብጻሕ ይምረጽ። ኣብ ጎደናታት ምድርባይ ድማ ኣይግባእን። ዳግም ምጥቃም እንተዘይተደልዩ ድማ ኣብ ከባቢ ዘይኮነ ዝግበኦ ቦታ ሙግሓፍ ዝሓሸ ይኸውን።ኣብ ነፍስወከፍ ኮሚኒቲ ኣብ ኣውስትርያ ብነጻ ትጉሕፈሉ ቦታን መሳለጥያን ይርከብ።

ኣብ ህንጻ ትነብር እንተድኣ ኮንካ ኣብ ከባቢኻ ሞግሓፊ ቦታ ኣሎ፥ኣብ ናይ ግሊ መንበሪ ትነብር እንተኾንካ ድማ ኣብ ቀጽሪ ሞግሓፊ ይርከብ፡ሰሙናዊ ድማ ብምምሕዳር ከባቢ ዝተዳለወ ትካል ይእከብ፡ውሑድ ክፍሊት ድማ ኣለዎ ፣ኣብ ጎደናታት ወይ ኣብ ሰጣሕ ከባቢ ምድርባይ ድማ ኣይግባእን።

ጀራዲንን መናፈሲ ቦታታትን

ኣብ ቀጽሪ ገዛ ጀርዲን ዘለዎ ትነብር እንተድኣ ኮንካ ናይ ቀጽሪ ሳዕርን ኣትክልትን ወትሩ ምክንኻን ይግባእ፡ ጽባቀ ኣትክልቲ ንጎረባብቲ ኣይርብሽን እዩ ፨፨

ኣብ ህንጻ ትነብር እንተኾንካ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ከባቢ ናይ ሓባር መናፈሲ ይርከብ፥ህጻናት ዝዛናግዕሉ ቦታ ድማ እዩ።ቀጽሪ መናፈሲ ዝጥቀም ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ኣትክልትን ቑጥቃጥን ብክንክን ክሕዞ ይግባእ፥ኣብኡ ዝርከብ ንኡስ ሞግሓፊ ድማ ክትጥቀም ይግባእ ፡ቡርቱዕ ድምጺ ናይ ምሸት ፓርቲ/ጽንብል ብፍላይ ድሕሪ ሰዓት 10 ኣይግባእን።

ዘቤታዊ እንስሳታት

እንስሳ ዘቤት ምውናን ኣብ ኣውስትርያ ልሙድ ተርእዮ እዩ።መብዛሕትኡ እዋን ኣኽላባትን ደማሙን፣እንተኾነ ግን ኣዕዋፍ፣ዓሳ ካልኦት ንኡሳን እንስሳታትን ድማ ገለ ካብ ኣቶም እዮም።ንሰባት ድማ ኣብ መንበሪ ገዝኦም፣ኣፓርትመንትን ፍቁድ እዩ።ካዚኦም ወጻኢ ካልኦት ዘቤታዊ እንስሳታት ምዕባይ ግን ክልኩል እዩ።ኣብ ቀጽሪ ምዕባይ ግን ይከኣል እንተዳኣ ኣብ ገጠር ወይ ድማ ጫፍ ከተማ ትነብር ኮንካ ፥ጎረቤት እንተድኣ ዘይርብሽ ኮይኑ።

ኮነ ኢልካ እንስሳ ምህራም፣ሙግዳእ፣ወይ ድማ ዘይምሕብሓብ ብሕጊ ክልኩል እዩ።እንስሳ ዘቤት እንተድኣ ኣሎካ ምክንኻንን ፡ናይ ካልእ ሰብ ድሕነት ምሕላውን ናይ ህዝቢ ስርዓት ምኽባር ይግባእ።እዚ ማለት ድማ ኣብ ደገ ምምራሕን ቀልቀሉ ድማ ኣብ ግቡእ ቦታ ምእላይን ይግባእ።

ስድራቤትን ህጻናትን

ወላዲ ምዃን ኣብ ሓድሽ ሃገር ከመይ ይመስል?

ምምጻእ ኣብ ሓድሽ ሃገር ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ትውልዲ ሃገሮም ክወጹ ዝተገደዱ ፡ ስድራቤትን ህጻናትን ከቢድ እዩ።ከም ወላዲ ዝተፈላለዩ ባህልታት፣ ኣገባባት፣ ግቡኣት ከጋጥሙኻ ይኽእሉ ፡እዚ ድማ ምስ ዝነበርካዮ ባህልን ቦታን ከምእውን ኣተዓባብያ ህጻናትን ስለ ዘይሳነ እዩ።

ሓደ ሓደ እዋን ህጻናት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ነቲ ሓዲሽ ከባቢ ናይ ምልማድ ክእለት ይህልዎም።ብተፈጥሮ ህጻናት ቋንቋ ብቁልጡፍ ናይ ምኽኣልን ምልማድን ክእለት ኣለዎም፤ ብፍላይ ድማ ፡ግዜኦም ምስ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ህጻናትን ኣዕሩኽቶም እንተድኣ ኣሕሊፈሞ ካብ ምስ ወለዶም፡ምኽንያቱ ምስ ወለዶም ቋንቋ ጀርመን ናይ ምክትታል ዕድሎም ጸቢብ እዩ፡ ወለዶም ድማ ብቀሊሉ ምስ ኣውስትራውያን ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚታት ስለ ዝኸብዶም ይኸውን።

ህጻን ብቀሊሉ ዝዋሳእ ስለዝኾነ ሓላፍነት ወላዲ ኣብቲ ህጻን ንክህልዉ ኣለዎ።ወለዲ ነቲ ምዕባለ ናይቲ ህጻን ክድግፉን ከተባብዑን ይግባእ፡ እዚ ድማ ዓቅምታቱ ንክድልብ ይሕግዞ።እዚ ኣብ ናቱ ድሌት ዝተመርኮሰ ዕብየትን ምዕባለን ክስጉም የኽእሎ።

ብዛዕባ ስድራቤት፣ መውስቦ/መርዓ፣ ዝምድና እንታይ ክፈልጥ ይግባኣኒ?

ብባህሊ ኣብ ኣውስትርያ ከም ስድራቤት ዝቁጸሩ ኣካላት ፡ምርዕዋት ጽምዲ ምስ ደቆም ፣ ከምእውን ኣሕዋት፣ኣሓት ከም ስድራቤት ይቁጸር።ዝበዝሑ ስድራቤታት ምስ ሓደ ወይ ክልተ ደቆም ይነብሩ።ዝበዝሑ ጽምዲ ብሓደ ይነብሩ ከምእውን ቅድሚ መርዓ ውላድ ይህልዎም፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ፍጹም ከይምርዓዉ ይመርጹ።

ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝምድና ይነብሩ፡እዚ ድማ ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ እዩ ፡ምናልባት ንዓመታት ቅድሚ ንመርዓ ምውሳኖም። ብተወሳኺ ብቀጥታ ንመርዓ ምሕታት ግን      ንቡር ተርእዮ ኣይኮነን።

ክልተ ደቀንስትዮ ወይ ድማ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ ፣እዚ ማለት ድማ ዝምድንኦም ድማ ሕጋዊ ኣፍልጦ ይህልዎ፣ ኣብ መሰላት ድማ ልክዕ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ጽምዲ ይህልዎም።ሓደ ዓይነት ጽምዲ፡ ህጻን ከም ሞግዚት ከዕብዩ ድማ ይክእሉ።

ጽንብል መርዓ ኣብ ኣውስትርያ ሲቪላውን ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ክኸውን ይኽእል።ዝበዝሑ ሰባት ንክልቲኡ ይመርጹ።ሲቪላዊ መርዓ ድማ ብሰብ መዚ ምምሕዳር /መንግስቲ ኣፍልጦ የብሉን።መርዓ ብቁዕ ንክኸውንቅድሚ 6 ወርሒ ክምዝገብ ይግባእ።

ኣብ ኣውስትርያ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ምምርዕው ክልኩል እዩ። ክልተ ሰባት ክምርዓዉ ወይ ናይ ህይወት ዝምድና ክምስርቱ ይኽእሉ እዚ ድማ ክልቴኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ እንተደኣ ኣለዎም ፣ዛጊት ዘይተመርዓዉ እንተኾይኖም፣ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ እውን ክምርዖ ይኽእል መጻምድቱ 18 ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንተኾይኑ ማለት እዩ። ከምእውን መርዓ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝማድ ክልኩል እዩ።

ብሕጊ ኣውስትርያ ግዱድ መርዓ ክልኩል እዩ።ከም ከቢድ ገበን ድማ ይቁጸር ፡(ዓንቀጽ 106/1/3 StGB) ክሳብ ናይ 5 ዓመት እስራት `ውን ይህልዎ።እዚ ማለት ድማ ሓደ ንካልእ ከገድዶ ኣይክእልን እዩ።መን ንመን ከም ዝምርዖ ናይ ምውሳን መሰል ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ይኸውን ፣ኣብ ዝኾነ እዋን `ውን ኣይፋል ንመርዓ ናይምባል መሰል ኣለዎ።

ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓላፍነታትን ኣለዎም።ሰብኣይ ከምእውን ሰበይቲ ብማዕረ ክሰርሑ ይፍቀዶም፣ኣብ ምርጫ ናቶም ዝተምርኮሰ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ይኽእሉ።ኣበይ ብሓደ ክነብሩ ይደልዩ ውን ይውሰኑ፣ እንተዳኣ ውላድ ክወልዱ ደልዮም `ወይ ዘይደለዩ ፣ክንደይ ውላድ ይደልዩ ኣብ ናቶም ውሳኔ ይሙርከስ።ብማዕረ ናይ ገዝኦምን ውላድን ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ።ኩሉ ኣባል ስድራቤት ድማ ክኸብር ይግባእ፣ ክተሓባበሩን ክተሓጋገዙ ድማ ይግባእ።

ልዕሊ 18 ዓመት ዘለዎ ብገንዘብ ነብሱ ክኽእልን ክኣልይን ይግባእ ፣ንስድራቤቱ ድማ ክሕግዝን ክኣልይን ይግባእ።

ከም ወላዲ ናተይ ግቡኣት እንታይ ይመስሉ?

ኣብ ኣውስትርያ ህጻናት ፍሉይ መሰላት ኣለዎም ከም ወላዲ ድማ ጉቡእ ክንክንን ክብርን ክትህቦም ይግባእ። ንመሰላት ህጻናት ዝምልከት ቀንዲ ጽሑፍ ስምምዕ ኣብ መሰላት ህጻን ይርከብ። መስከረም 5 /1992 ድማ እዚ ውዕል እዚ ኣብ ኣውስትርያ ኣብ ግብሪ ውዒሉ።

ዝኾነ ትሕቲ 18 ዓመት ሰብ ህጻን ይበሃል።ዝኾነ ህጻን ማዕረ መሰላት ኣለዎ፣ኣደ ወይ ኣቦ ዘለዎ/ዘይብሉ ወይ ድማ እቶም ወለዲ ምርዕዋት ይኾኑ /ኣይኽኑ ኣገዳስነት የብሉን። ከም ሞግዚት ዘዕበኻዮ ማዕረ ውላድካ እዩ። ተባዕትዮ ህጻናት ከምእውን ኣንስትዮ ህጻናት ማዕረ እዮም ብማዕረ ድማ ክረኣዩ ይግባእ።

ናይ ምክትታል ግዴታ

ግዴታ ምክትታል ወለዲ ካብ ግዜ ምውላድ ህጻን ኣትሒዙ ክሳብ ዕድሚኡ ዝኣክል ፡ ማለት 18 ዓመት ዕድመ ምስ ኣኸለ ማለት እዩ። ህጻን ዓብዩ ሓላፍነት ክወስድ ምስ ጀመረ ፡ወለዲ ካብ ናይ ምክትታል

ሓላፍነቶም ከዕርፉ ይኽእሉ። ስድራቤታዊ ሓላፍነት ብካልኣት ይትካእ (ዓበይቲ ወለዲ፣ ካልኦት ኣዝማድ፣ ኣዕሩኽ፣ ኣለይቲ ህጻናት ወይ መውዓለ ህጻናት)፡ እንተኾነ ግን ወለዲ ግቡእ ምክትታል ነቲ ህጻን ይግበረሉ ከምዘሎ ከረጋግጹን ጥዕናዊ ኩነታቱ ከውሕሱን ይግባእ።

ስምምዕ ኣብ መሰላት ህጻን ብዙሓት ዓንቀጻትን ሓገዛትን ይርከቦ፡ ኣርባዕተ ኣገደስቲ መትከላት ድማ ኣለው፥

  • ኩሎም ህጻናት ማዕረ መሰላት ኣለዎም። ኣበይ ይነብሩ፣ ሃይማኖት ዝኽተልዎ፣ ሕብሪ ወይ ጾታ፣ ስንክልና ይሃልዎም ኣይሃልዎም፣ ወይ ደቂ ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት ኣየገድስን።
  • ድሕነት ናይ ህጻናት ኣብ ፖሊቲካዊ ውሳኔ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ።
  • ኩሎም ህጻናት መሰል ብህይወት ምንባር፣ ምዕባለን ትምህርትን ኣለዎም።
  • ኩሎም ህጻናት ሓሳቦም ክገልጹ መሰል ኣለዎም።

እዞም ኣርባዕተ መትከላት ኣብ ዓሰርተ መሰረታውያን መሰላት ይጠቃለሉ፥

  1. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ማዕረ ኣተሓሕዛን ሓለዋ ኣንጻር ጉድኣትን ኣለዎ።
  2. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ምስማይን ብሄርን ኣለዎ።
  3. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ጥዕና ሕክምናዊ ክንክንን ኣለዎ።
  4. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ዕድል ትምህርትን ስልጠናን ኣለዎ።
  5. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ዕረፍትን ምዝንጋዕን ጸወታን ኣለዎ።
  6. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ምሕባርን፣ ምርኻብን ምስማዕን ኣለዎ።
  7. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ሓለዋ ኣንጻር ዓመጽን ሕማቅ ኣተሓሕዛን ኣለዎ።
  8. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ምሕጋዝ ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋን ሓለዋ ካብ ጭካኔ፣ ሸለልትነት፣ ምዝመዛን ጭቆናን ኣለዎ።
  9. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ስድራቤትን ውሑስ ቤትን ኣለዎ።
  10. ነፍስወከፍ ህጻን መሰል ፍሉይ ክንክንን ሓገዝ ኣብ እዋን ስንክልናን ኣለዎ።

ወለዲ ድሌታት ህጻን ከማልኡ እንተ ዘይክኢሎም ፡ድሕነት ናይ ህጻን ወይ መንእሰይ ወዲ ክሳብ 18 ዓመት ኣብ ሓደጋ ይወድቅ። ካብ ትካል ድሕነት ህጻናትን መንእሰያትን ሓገዝ ምሕታት ይከኣል።እዚ ድማ በዓል ስልጣንን ወሃቢ ኣገልግሎት ናይ ፈደራል መንግስቲ እዩ።ከም ወለዲ ሓልፍነታቶም ንምፍላጥ ሓገዝ ክረኽቡ ይግባእ። ነዚ ድማ ኣብ ኣሃዱ ወለዲ ምስ ህጻን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ወለዲ ብተወሳኺ ናይ ምኽሪ ሓገዛት ክጠልቡ ይግባእ ወይ ድማ ተንቀሳቃሲ ስድራቤት ካብ ዝበሃል ኣሃዱ ናብ ስድራቤት ክመጽእ ይግበር። ብተወሳኺ እውን ካብ ኣሃዱ ሓገዝ ንምዕባለ ኣብ ዝግበኦም መውዓሊ ህጻናት ከም ዝኣትዉ ይግበር፡ ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ናይ መንእሰያት ሳይኮተራፒ ሓገዛት ክካየድ ይግባእ።

ጥዕናዊ ኩነታት ናይ ህጻን ኣስጋኢ እንተኾይኑ  ካብ ስድራ ወጻኢ ግዝያዊ ኣብ ካልእ ቦታ ይሰጋገር።እቲ ህጻን ዝተፈልየን ውሑስን ክንክን ይግበረሉ፡እዚ ማለት ድማ ፡ እቲ ጸገም ክሳብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣቱ ይኸውን።

ህጻናት ንቀጻሊ ብዘይ ኣገባብን ኣሰቃቂ ኣገባብ እንተድኣ ተታሒዞም ቤት ፍርዲ ንወለዲ ካብ ህጻን ክእግደሙን ጨሪሱ ክኣልዮምን ይኽእል።

 እንተተፋቲሐ እንታይ የጋጥመኒ?

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብዝኾነ ምኽንያት ብሓደ ክነብሩ እንተዘይክኢሎም ናይ ፍትሕ ሕቶ ከቅርቡ ይኽእሉ።ፍትሕ ድማ ክልቴኦም ወይ ሓደ ካብኦም ናይ መርዓ ዝምድና ክውድእ/ኡ እንተደልዩ/ያ ከጋጥም ይኽእል።

ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘለውዎም ተጻመድቲ ክፋትሑ ምስ ዝደልዩ ኣገዳሲ ምኽሪ ካብ ማእከል ማሕበራዊ ዕዮ ምኽሪ ክዋሃቦም ግዴታዊ እዩ።ስድራቤታዊ ክንክን ንክገብሩ ናይ ሓባር ስምምዕ ክህሉ ይግባእ።እቲ መደብ ህጻን ድሕሪ ፍትሕ ኣበይ ይነብር ይሕብር፣ ንክንደይ ግዜ ምስ ወለዲ ክጸንሕ ይኽእል፣ ኣብ ጥቅሚ ናይ ህጻን ዝተመርኮሰ ውሳኔታት ከመይ ይፍጸም፣ ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛን ካልኦት ጉዳያትን  የጠቃልል።ዝርዝር ምኽርን ደገፍን ዝህቡ ትካላት ኣብዚ ዝስዕብ ክርከብ ይኽእል፡

ወለዲ ምስ ተፋትሑ ብሓደ ኣይነብሩን እዮም።እንተኾነ ግን ወለዲ ብ ሓባር ነቲ ህጻን ኣድላይ ክንክን ክገብርሉ ኣለዎም።ነፍስወከፍ ወላዲ ምስ ውላዶም/ደቆም ግዜ ምሕላፍን ምዝንጋዕን መሰልን ግዴታን ኣለዎ።

ምዕባይ ህጻን ማለት ሕጋውያን ሞግዚቱ ፣ብልምዲ ወለዱ ነቲ ህጻን ሕጋዊ ሓላፍነትታት ኣለዎም ማለት እዩ።ሕጋዊ ወላዲ ወይ ሞግዚት ነቲ ህጻን ክከናኸኑን ድሌታቱ ከማልኡን መሰልን ግዴታን ኣለዎም።

እቲ ህጻን ወለዲ እንተዘይብሉ ወይ ድማ ወለዲ ናይ ወላዲ መሰሎም እንተ ተሓዲጎም ፡ መንግስቲ ሓደ እኹል ሰብ ከም ሕጋዊ ሞግዚት ነቲ ህጻን ዝኣሊ ይምዝዝ።ወለዲ ወይ ካልኦት ኣለይቲ ሰባት ነቲ ህጻን ምክንኻንን ኣብ ጥቅሙ ክውስኑን ድሌታቱ ክሕልዉን መሰልን ግዴታን ኣለዎም።

ብመሰረት ሕጊ ወለዲ ኣብ ኣውስትርያ ናይ ጽገና/ምምዕራይ ግዴታ ንደቆም ኣለዎም።ህጻናት ድማ ኣንጻር ወለዶም ናይ ይግባኣኒ መሰል ኣለዎም።እዚ ድማ ህጻን ናቱ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ምስረኸበን ህይወቱ ክመርሕ ምስጀመረን ይጎድል ወይ ድማ ይፍጸም። 

እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ወለዲ እንተተፋቲሖም እቲ ህጻን ምስ መን ይዓቢ ክሰማምዑ ዝሓሸ እዩ።ኣብ ስምምዕ ዘይተመርኮሰ ፍትሕ ነዊሕ ግዜን ገንዘብን ዓቅልን ይሓትት። ህጻን ምስኡ ዘይነብር ወላዲ ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ይግባእ።ወለዲ ብዛዕባ ምወላ ህጻን እንተዘይ ተሰማሚዖም ግን፡ ቤት ፍርዲ እቲ ህጻን ምስ መን ከም ዝዓቢ ይውስን።

ኣብ ስድራቤታውን ምዕባይን ጉዳያት ሓገዝን ደገፍን ካበይ ክክብ ይከኣል?

ስድራቤታውን ናይ ኣተዓባብያ ጉዳያት እንተዳኣ ኣሎካ ሞያዊ ሓገዛትን ምኽርን ምሕታት ንቡርን ተመራጽን እዩ። ኣብ ኣውስትርያ ኣስታት 400 ዝኾኑ ማእከላት መርበብ ሓበሬታን ኣለዉ። ሓገዝን ደገፍን ድማ ብማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ ክኢላታት ስነ ኣእምሮ፣ ናይ ቤት  ትምህርቲ ኣማኸርቲ፣ ከምእውን ካልኦት ሰብ ሞያን ክርከብ ይከኣል። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህቡ ብቀጥታ ብዚ ምርካብ ይከኣል፡ https://www.familienberatung.gv.at/migration/

ውላድካ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ዝኸደ እንተኾይኑ እቲ ዝሓሸ መንገዲ ምስ መማህራንን ኣማኸርትን ብውልቂ ምዝርራብ እዩ።እሳቶም ኣድላይ እንተኾይኑ ናብ ካልኦት ትካላት የሰጋግሩኹም።

ሊንክ/link

ስምምዕ ኣብ መሰላት ህጻን /Convention on the Rights of the Child:

German/ጀርመን

Arabic/ዓረብ

Dari/ዳሪ

Farsi/ፋሪሲ

ሓለዋ ኣንጻር ጭቆና

ኣብ ኣውስትርያ እንታይ ዓይነት ጭቆና እዩ ክልኩል?

ብሓፈሻ ጭቆና ኣብ ኣውስትርያ ክልኩል እዩ። ቅዋም ኣውስትርያን ካልኦት ሕግታትን ይኽልክልን ይቀጽዕን፡

  • ዘስካሕክሕ ኣካላዊ ጉድኣት
  • ምሕራም ናጽነት
  • ንግዲ ደቂ ሰብ
  • ምግዳድን ዘሕዝን ስቅያትን
  • ሓደገኛ ምፍርራሕ
  • ተደጋጋሚ ስቅያት
  • ቀጻሊ ናይ ጭቆና ኪደት
  • ምግሳስ
  • ጾታዊ ኣስገዳድ
  • ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ኣመጽ ንኣላይ ዘብሎምን
  • ምግዳድ ኣላይ ዘይብሎም ንጾታዊ ምውሳእ
  • ናይ ሞራል ምትንካፍ ሓደጋ ንትሕቲ 16 ዓመት ኣላይ ዘይብሎም
  • ጾታዊ ድፍኢት ንኣላይ ዘብሎም ህጻናት
  • ናይ ጽልኢ መደረ/ዘረባ (ህዝባዊ መደረ ንምጥቃዕ ወይ ምፍርራሕ ወይ ምጽራፍ ንሰባት ወይ ጉጅለ ኣብ ብሄራዊ መበቆል፣ ዓሌት፣ ሕብሪ፣ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ጾታዊ መንነት፣ ጾታዊ ሌላ፣ ወይ ስንክላና ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ንመሰላት ናጽነት ወድ ሰብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነትን ኣብ ግምት ምእታው ብምእታው፡ ክልኩልን ንጽልኢ ዝዕድምን እዩ።

ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ  ከምእውን ውሽጣዊ ጭቆና

ፈደራላዊ ዓንቀጽ ኣውስትርያ ንሓለዋ ኣንጻር ዘቤታዊ ጭቆና ፡ ብግንቦት 1997 ኣብ ግብሪ ብምውዓል ገለ ምቅይያራት ገይሩ ይርከብ፥

ጭቆና ኣንጻር ደቀንስትዮን ውሽጣዊ ጭቆናን ኣብ ኣውስትርያ ከቢድ ጸገም እዩ።ውሽጣዊ ጭቆና ቡዙሕ ዓይነት ቅርጺ ኣለዎ ፣ገለ ካብኡ፥

  • ምጥቃም ኣካላዊ ሓይሊ ወይ ስነኣእምራዊ ጸቅጢ
  • ምፍጣር ጠንቂ ናይ ፍርሒ ስምዒታት
  • ኣካላዊ መጥቃዕቲ ጉድኣት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ
  • ናይ ቃላት መጥቅዕቲ፣ጸርፊ፣ስም ብምጽዋዕን ካልኦት ዓይነታት ተግሳጽን
  • ጾታዊ ምልዕዓል/መጥቃዕቲ
  • ዘይሕጋዊ ተነጽሎ ወይ ምእጋድ ናይ ምንቅስቃስ ናጽነት ወይ ምርካብ ምስ ሳልሳይ ሰብ
  • ምዕናው ወይ ምብልሻው ንብረት ወይ ፈተነታት ምክያድ

ንግዳያት እንታይ ዓይነት ሓለዋ ወይ ሓገዝ ኣለዎም?

ግዳያት ውሽጣዊ ጭቆና ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።ካብ ዝግበረሎም ሓለዋታት ድማ፥

  • ምእላይ/ምልጋስ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ካብቲ ናይ ግዳይ ናይ ሓባር ቦታ
  • ብናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ መሰረት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ን ግዳይ ከይቀርብ ምኽልካል
  • ምኽልካል ኣንጻር ምክትታልን ምፍርራሕን ግዳይ
  • ግዝያዊ ረዲኤት
  • ናይ ቤት ፍርዲ ገንዘባውን ናይ ምእሳርን መቅጻዕቲ(ክሳብ 90 መዓልታት) ን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ

ግዳያት ውሽጣውን ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ጭቆናን መሰል ሓለዋ ካብ ፖሊስን ስነ ኣእሙራውን ሓገዛት ከምእውን ካልኦት ዓይነት ምትሕብባርን ኣለዎም።እዚ ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ምቅማጥን፣ ፍሉይ መዕረፊ ቦታ ንደቀንስትዮን ህጻናትን -ግዳያት ውሽጣዊ ጭቆና ምሃብ የጠቃልል።

እንተዳኣ ግዳይ ናይዞም ፍጻመታት ኮንኪ/ካ ንበዓል መዚ ወይ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበራት ምውካስ ኣገዳሲ እዩ፥ ብፍላይ ድማ ማሕበር በይናዊ ናይ ደቀንስትዮ ቤት(0800/222 555 ነጻ ናይ ተለፎን ኣገልግሎትን ን24 ሰዓት ክፉት እዩ ) ወይ ማእከል ምትእትታው  ኣንጻር ጭቆና ኣብ ከባቢኻ  ዝርከብ ምውካስ ይከኣል። “Legislation for the Protection from Violence in Austria”.

ገበናት ጽልኢ

ናይ ጽልኢ ገበን ብምኽንያት ዓሌታዊ ፍልልይ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ሃይማኖታዊ እምነታት፣ብሄራዊ ወይ ዓሌታዊ መበቆል፣ ጾታ፣ ስንክልና፣ ጾታዊ ሌላ፣ ጾታዊ መንነትን ይፍጸም።

ናይ ጽልኢ መደረ/ዘረባ ፡ ማሕበራዊ መግለጺ ንምስፍሕፋሕ፣ ምዕባይ ወይ ጽልኢ ምግላጽ፣ ኣፈላላይ፣ ጽልኢ ንዝተወሰኑ ጉጅለ ንምክያድ ዝዓለመ ማለት እዩ። ናይ ጽልኢ መደረን ገበንን ብገበናዊ ዓንቀጽ ክልኩልን ዘቅጽዕን እዩ።

ንዝኾኑ እዞም  ናይ ገበን ዓይነታት ንፖሊስን ናይ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን ምውካስ ይከኣል።ሊንክ ናብ ሕጋዊ ምኽሪ

ምንጭታትን ተወሳኺ ሓበሬታን

Sources and further information

ኮንትራትን ምቅያድ ብስምምዓትን

ኣብ ኣውስትርያ እንታይ ዓይነት ቅጺ ናይ ኮንትራት ኣለዉ ፣ ደንብታቶም እንታይ ይመስሉ?

ኮንትራት ማለት ቀያዲ ስምምዕ ኣብ ዝተወሰኑ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ኩሉ ዝሰማማዕ ወገን እዩ።ኩሎም ወገናት በቲ ኮንትራት መሰረት ክሰማምዑን ክትግብሩን ግዴተኦም እዩ።ስምምዓት ብጽሑፍ ወይ ድማ ብቃል ክኸውን ይኽእል፡እቲ ጉዳይ ምርኩስ ብምግባር፡ እንተደኣ እቲ ስምምዕ ዘይተኸብረ ፡ እቲ ዝተጎድኣ/ዝተዓመጸ ወገን ናይ ሕጋዊ መፍትሒ መሰል ኣለዎ።ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት ናይ ቃል ስምምዓት ብብዝሒ ይረኣ።ናይ ጽሑፍ ስምምዓት ድማ ኣብ ሞባይል ተለፎን፣ ገዛ ኽራይ፣ አለክትሪክ፣ መውዓይ፣ ስራሕ፣ ኣገልግሎታት፣ ልቃሕ፣ (ንልቃሕ ዝምልከት ኣብ ምዕራፍ ባጤራን ፊናንስን ተመልከት-።ቅድሚ ምፍራም ኮንትራት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ንምምዝዛን ንምርኣይን ኣዳላውቲ ናይቲ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኾና ምምኽኻር ዝሓሸ እዩ፥ንኣብነት ናይ አለክትሪክ ኣገልግሎት።

ዝርገሐ ናይ መሰላትን ግቡኣትን ኣብ ዕድመ ናይቲ ኣብ ውዕል ዝሰማማዕ ዘሎ ሰብ ይሙርከስ።ደቀንስትዮ ከምእውን ደቀተባዕትዮ ብማዕረ መሰል ናይ ኣብ ኮንትራት ዝግበር ስምምዓት ኣለዎም።ኣለዎም።ብቕዓት ናይ ኮንትራት ዝገብር ሰብ፡ ኣገዳሲ ቀዳምነት እዩ።ኣብ ሞንጎ ክልል ዕድመ 14-18 ውሱን ሕጋዊ ዓቅሚ ኣለዎም፣ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ሙሉእ ሕጋዊ ብቕዓት ኣለዎም።

ውሱን ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ክልል ዕድመ 14-18) ማለት ነገራት ናይ ምጥቃም ዕድል ኣለካ (ንኣብነት ናይ ጁባ ገንዘብ፣ ኣታዊ ገንዘብ)። ብመሰረት ስምምዕ ስራሕ ክትሰርሕ ይከኣል ፡ ጥዕናኻ ሙሉእ ክሳብ ዝኾነን ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርትኻ`ውን ጸገም ምስ ዘይህልዎ እዩ።ሙሉእ ናይ ኮንትራት ዓቕሚ (ልዕሊ 18 ዓመት) ማለት ድማ ኩሉ ዓይነት ስምምዓትን ንግድን ምክያድ ይከኣል እዩ።እስኻ ባዕልኻ ሙሉእ ሓላፍነት ናትካን ናይ ባህሪያትካን ትወስድ።

ብሓፈሻ ፡ መንበሪ ፍቃድ የድልየካ፣ ( መብዛሕትኡ እዋን ሕሳብ ናይ ባንኪ ኣብ ኣውስትርያ ) እዚ ድማ ኮንትራት ክትፍርም እንተተደልዩ ይኸውን።

ብሓፈሻ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ውዕል እንታይ ክፈልጥ ይግባኣኒ?

ዝበዝሑ ውዕላት ሓፈሻዊ ናይ ሓለዋ/ድሕነት ስምምዓት የጠቃልል እዚ ድማ ብብዝሒ ኣብ ኣውስትርያ ብብዝሒ ኣብ ጥቅሚ ውዒሉ ይርከብ፡ እዚ ማለት ድማ መሰላት ኣስራሕን ሰራሕተኛን የኽብር፣ ግቡእ ደሞዝ ድማ የውሕስ። እዚ ሓፈሻዊ ስምምዓት ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ይዝተየሉ። ንስራሕ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ውዕላት ኣለዉ፡ እሳቶም ድማ ዝተፈላለዩ ቅርጽታት ስራሕን ወይ ድማ ኣገልግሎታትን ምስ ኣስራሒ ኣካል የጠቃልል።ቅድሚ ምፍራም ውዕላት ብጥንቃቀ ምንባብን ምርዳእን የድሊ።ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ስራሕ/ዕዮ ርኸብ።

ሓለዋ ንመሰላት ዓሚል ዝህብ ኣገልግሎት ኣሎ ዶ?

ኣገልግሎት ንተጠቀምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝህቡ ትካላት ኣለዉ፡ (መሰል ተጠቃሚ፣ ሕጋዊ ምኽሪ፣ ወዘተ።)

ባጤራን ፊናንስን

ባጤራ ኣውስርያ እንታይ ይበሃል?

ኣብ ኣውስትርያ ባጤራ ዩሮ ይበሃል።ዩሮ  (Euro) ፡ወግዓዊ ባጤራ ናይ 19 ካብ ጠቅላላ 28 ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ሃገራት እዩ።

ብኸመይ መንገዲ ሕሳብ ባንኪ ኣብ ኣውስትርያ ክኸፍት ይኽእል?

ኣብ ኣውስትርያ ገንዘብ ንምቅባልን ንምልኣኽን ሕሳብ ባንኪ ምኽፋት ይግባእ።ዝተፈላለዩ ኣብያተ ባንክን ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዝህቡን ምዃኖም ድማ ይፍለጥ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ዓይነት ዋጋ ናይ ኣገልግሎት ኣይህቡን፡ ስለዝኾነ ድማ ድሌታትካ ኣብ ግምት ብምእታው ዝሰማመዓካ ባንኪ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ።

ባንኪ ሕሳብ ኣብ ኣውስትርያ ንምኽፋት ብሓፈሻ ብውሑዱ 18 ዓመት ዕድመ ክትከውን ይግባእ። ሙሉእ ኣገልግሎት ዝህብ ባንኪ ሕሳብ ንምውናን ፡ መንበሪ ፍቃድ ኣብ ኣውስትርያንጉርዲ ስእሊመለለይ መንነት (ID) ክህልወካ ይግባእ፡ መስነይታ ናይ ደሞዝ መግለጺ እውን ክትሕተት ትኽእል።

እንተኾነ ግን፡ ዝኾነ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ብሕጋዊ መንገዲ ዝነብር ሰብ መሰራታዊ ሕሳብ ባንኪ (በዚስኮንቶ)፡ምስ ውሱን ኣገልግሎት ማለት መጠኑ ዝሓለፈ ክኸውን ዘይብሉ፡ ሕሳብ ክኸፍት መሰል ኣለዎ። ከም ሓታቲ ዑቅባ ፣ ወይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ወይ ሰብኣዊ ሓለዋ ዝተዋህበ ሰብ መጠን ነዚ ዓይነት ሕሳብ ባንኪ ክትከፍት ይከኣል። ሕሳብ ንምኽፋት ድማ  መንበሪ ፍቃድ ፡ ኩነታት ነባርነትካ ንምግላጽ ክትሕተት ትኽእል።

ደቢት ካርድ ንዕድል ምኽፋት ጂሮ ሕሳብ ይሕግዝ ፡ንምቅባልን ክፍሊት ንምፍጻምን ገንዘብ ምስሓብን እውን ይጠቅም። ገንዘብ ንምእካብ ድማ ፍሉይ መኣከቢ ጥራዝ ዝሓሸ ኮይኑ ካብ ዝኾነ ስግኣት እውን የውሕስ እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ባንክ ካርድታት ኣለዉ። ገለ ካ ቀንዲ ድማ ደቢት ካርድ ክፍሊት ንምፍጻምን ምስሓብ ገንዘብን ካብ ባንክን ናይ ግዳም ባንክን(ATM) የገልግል፡ ባንኪ ድማ ነዚ ካርድ ከኣልወልካ እዩ።

ካልኣት ዓይነታት ናይ ልቃሕ ካርድታት እውን ኣለዉ ፡እዞም ካርድታት ድማ ንምዕዳግ ንብረትን ምኽፋል ኣገልግሎት ብካርድ መልክዕ ማለት ወርሓዊ ፡ የገልግል።ካብ ዓቅምኻ ንላዕሊ ክፍሊት ከየጋጥመካ ድማ ጥንቃቀ ኣድላይ እዩ።

እቲ ልሙድ መንገዲ ንምኽፋል ወጻኢታት ክፍሊታትን እንታይ ይመስል?

እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣከፋፍላ ብባንኪ ካርድ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ እዩ።ንኣገልግሎታትን ንብረትን ብዝምልከት ከም ኤለክትሪክ፣ ጋዝ፣ ተሌኮሙኒኬሽን፣ (ቀዋሚ ተሌፎን፣ ሞባይል፣ ቲቪ)፣ ማይ ፡ከምእውን ብኢ-ባንኪንግ ዝበሃል ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ከለኻ ብዝህልወካ ስምምዕ ይኽፈል።

ነቲ ወርሓዊ ክትከፍሎ ዝግባእ ክፍሊት ንነዊሕ ዝዓለመ ትእዛዝ ናይ ክፍሊት ምጥቃም ይከኣል፣ እዚ ማለት ድማ ብ ቀጥታ ካብ ናይ ባንኪ ሕሳብካ ወርሓዊ  ይኽፈል ማለት እዩ።ዝውሰድ ኮምሽን ገንዘብ ብመንጽር ኣከፋፍላ ክፈላለ ይኽእል።(ኣብ ባንክን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ዝኽፈል ዝኸበረ እዩ)።

ክፍሊታትካ ቀጻሊ ኣብ ግዚኡ ክኽፈል ይግባእ።  ግዜ ክፍሊት ኣብ ነፍስወከፍ ክፍሊት ተጻሒፉ ይርከብ ወሃቢ ኣገልግሎት ድማ ናይ ምኽፋል ግዜ እንተሓሊፉ ወይ እንተዶንግዩ ዝያዳ ከኽፍል ይኽእል።ን ኣብነት ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት እንተዘይከፊልካ ወሃቢ ኣገልግሎት ንኣገልግሎት ኤለክሪክ ክቆርጾ ይኽእል።ምስ ተቋርጸ ድማ እቲ ዝያዳ ዝመጽእናይ  ምቁራጽን ምቅጻልን ክፍሊት ክትከፍሎ ትግደድ እዚ ድማ እንደገና ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ንምርካብ ማለት እዩ።

ሓደጋን ሳዕበኤናትን ዕዳ እንታይ ይመስል?

ምስ ዘይጡንቁቅ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ከምእውን ዘይምኽፋል ክፍሊታትን ወጻኢታትን፣ ብቀሊሉ ኣብ ዕዳ ክትወድቅ ትኽእል።ገንዘብካ ከመይ ከምትሕዞ ምፍላጥ ካብ ዘየድሊወጻኢታትን ምድሓንን ምቁጽጻር ዝሓሸ ይኸውን።ወርሓዊ ገለ ካብ ኣታዊታትካ ምውፋይ/ምቅማጥ ኣብ ሴቪንግ ተመራጺ እዩ።

ገንዘብ ክትልቃሕ ከለኻ ምጥንቃቅ ኣድላይ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ብዙሕ ገንዘብ፡ ምኽንያቱ ዳግም ንኽትከፍሎ ኣጸጋሚ ይኸውን። ዕዳ ኣብ እዋኑ እንተዘይተኸፊሉ፣ ኣለቃሒ ወይ ድማ መንግስቲ ብ ቀጥታ ካብ ሕሳብካ ዝተወሰነ ገንዘብ ክወስድ ይኽእል እዩ።ልቓሕ ከተወግድ እንተዘይክኢልካ ፡      ንዝምልከቶም ፊናንሳዊ ትካላት ብ ናይ መንግስቲ ብሄራዊ/ሃገራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዘለዎ ምውካስ ኣገዳሲ ይኸውን። ብተወሳኺ ሙሉእ ኩነታት ናይ ልቓሕ  ከምዝተረዳእካ ርግጸኛ ክትከውን ይግባእ።

ዕዳን  ልቃሕን

ባንክን ካልኦት ናይ ገንዘብ ትካላትን ቅድመ ኩነት ኣብ ግምት ብምእታው ልቃሕ ይህቡ።

ልቃሕ ንምውሳድ ክማልኡ ዝግበኦም መምዘኒታት ኣብ ትካላት ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ክዛተይሎም ይግባእ፡መብዛሕትኡ ግዜ ባንኪ መምዘኒታት ዘተኣማምኑ እንተኾይኖምን ክትመልሶ ከምትኽእልን ብምርግጋጽ ነቲ መስርሕ ናይ ልቃሕ የካይድ፡ ቅድሚ ምፍራም ድማ ኩሎም ቅድመኩነታትን ዝርዝራትን ምርዳእ ምርዳእ ይግባእ።

ምንጭታት/sources

ኣውስትርያ ብልምዲ እንታይ ትመስል?

ኣውስትርያ ብልምዲ እንታይ ትመስል ብርግጽ ዝተፈላላዩ ኣረኣእያታት ኣለዉ። ዝተፈላላዩ ሰባት ምሕታት ዝተፈልየ መልሲ ይርከብ።

ገለ ሰባት እዚ ዝስዕብ ኣብ ኣውስትርያ ፍሉይ እዩ ይብሉ፡

ቅርጺ መሬት/ተፈጥሮ፡

  • ኣኽራናት ኣውስትርያ ፍሉያት እዮም
  • እግሪ ጉዕዞ በረኻን ሸታሕታሕ በረድ ፍሉይ ናይ ኣውስትራውያን ናይ ተፈጥሮ ጸወታ እዩ

ሙዚቃ፡

  • ጆድለን ዝባሃል ጸወታ ደርፊ ፍሉይ ልምዲ እዩ
  • ዘያሚ ሞዛርት እቲ ህቡብ ዳኑበ ዋልዝን ጥንታዊ ሙዚቃ ኣብ ኣውስትርያ ፍሉይ እዩ
  • ሙዚቃዊት ተዋስኦ -ድምጺ ሙዚቃ/sound of music/ ብደረጃ ዓለም ህብብቲ ፊልም እያ
  • ህቡብ ባህላዊ ሙዚቃ ኣውስትርያ “Schlagermusik“ ናይ ጽምብላት(“Bierzelt-Fest“,“Volksfeste“) ፍሉጥ ሙዚቃ ምዃኑ፡ኣብዚ ናይ ገጠር ጽምብል ሕዝቢ ኣብ ዓቢ ተንዳ ጽቡቅ ግዜ ከሕልፍ ይእከብ-ኣልኮላዊ መስተ “ቢራ“ ይስተ፣ መግቢ ይብላዕ፣ ሙዚቃ `ውን ይድረፍ።ኣብዚ ጽምብል እዚ ድማ ፍሉይ ዓይነት ኣልባሳት(ትራችት፣ ድሪንድል፡ንደቀንስትዮ ፡ከምእውን “ለደርሆስ፡ ንደቂተባዕትዮ) ይልበስ።

መግቢ

  • ባህላዊ ገዛ ቡን፡ ኣውስትራውያን ቡን ምስ ቁራጽ ፓስተ/ምቁር ሕብስቲ የስተማቅርዎ። እቲ ህቡብ ምቁር ሕብስቲ ኣውስትርያ ድማ “Sachertorte“ ይበሃል።
  • እቲ ህቡብ ቸኮላት “Mozartkugel“ ክግለጽ ይግባእ። ንእሽተይ ቸኮለት ብናይ ሞዛርት ስእሊ ዝተሸፈነ እዩ።
  • “Wiener Schnitzel” ከምእውን “Schweinsbraten” ዝተባሉ ድማ ህቡባት ናይ ስጋ መግቢ ጸብሒ እዮም።መግቢ ካበየናይ ሃገር ከምዝመጸ ምፍላጥን ምሕታትን ኣብ ኣውስትርያ ልሙድ ተርእዮ እዩ።ዝበዝሐ ህዝቢ ናይ ውሽጢ ዓዲ መግቢ ምምጋብ ይመርጽ፡ እዚ ናይ ውሽጢ ሃገር መግቢ ንምትብባዕ እዩ።

ጠባይ/ልምዲ

  • ሓዘን፣ ግሩቺ ዝበሃሉ ዘይሕጉሳት ህዝቢ ምዃኖም ኣብ ኣውስትርያ ይፍለጡ
  • ኣብ ኣዘራርባ ቋንቋ ኣውስትራውያን ከም ጀርመናውያን ጌጋታት ክፍጽሙ ኣይደልዩን
  • ኣውስትራውያን ትሑታት እዮም-ኣብ ፈለማ ትርር ዝበሉ ይመስሉ ምስ ግዜ ግን እንዳተሓቱ እንዳተላዘቡን ይላለዩ።
  • ኣብ ናብራ ኣውስትርውያን ጽቡቅ ባህርያት ኣለዎም ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ። ትሑት ምዃን ፣ ምክብባር፣ ሰላም ህድኣትን ኣብ ግዜ ለይቲ ፍሉይ እዩ።
  • ኣባል ናይ ዝኾነ ማሕበር ምዃን ልሙድ ተርእዮ እዩ። ኣብ ኣውስትርያ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣለዉ፡ (ስፖርት፣ ስነ ጥበብ፣ ኣመጋግባ …..ወዘተ)
  • ብዛዕባ ከባቢ ጥንቃቀ ልሙድ እዩ፡ ከባቢ ብጽሬት ምሓዝን ምክንኻንን ካብ ጓሕፍ ነጻ ምግባርን ልሙድን ፍሉይን ምዃኑ ይንገር።
  • ቅንዕና መለልይ ኣውስትርያ እዩ

 

ምንጭታት/ Sources:

https://www.mightytraveliers.com/typisch-osterreich-typisch-osterreichisch/
Österreichischer Integrationsfond: Mein Leben in Österreich: Lernunterlage zum Werte- und Orientuerungskurs, Chancen und Regeln
Internationale Organisation für Migration Wien: culTrain Begleitheft 2017

ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት እዩ?

ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት እዩ?

ዳግመ ሰፈራ፡ ንብፍሉይ ተጠቃዕቲ ስደተኛታት ናይ ምሕላው መንገዲ ወይ መስርሕ ኢዩ።እዞም ስደተኛታት ድማ ካብ ናይ ፈለማ ተቀባሊት ሃገር ብምኽንያት ኲናት፡ግጭት፡ ወይ ድማ ጭቆና ዝተዓቅቡላ ፡ናብ ሳልሳይ ሃገር ተቀባልነት ሓለዋ ንስደተኛታት ትህብ ይሰጋገሩ።ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕብራት ሃገራት(UNHCR)፣ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ትካል( UNRA) ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት ኣገባባት አማዕቢሉ ይርከብ።

ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤

ዝበዝሑ ስደተኛታት ቁልጡፍ ሓለዋ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ይደልዩ።(ካብዚኦም ሒደት ሚእታዊ ድማ ናብ ርሑቅ ናይ ኤውሮፓ ሕብረት ሃገራት ዑቅባ ንክሓቱ ይንቀሳቀሱ) ፡እንተኾነ ግን ዘተአማምን ምትሕብባርን ንነዊሕ ዝዓለመ ክንክን አብተን ሃገራት ውሑስ አይኮነን።

ንተቀባልነት ዳግመ ሰፈራ እንታይ የድሊ?

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) 8 መምዘኒታት ንዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት አዳልዩ ይርከብ።እዚ ድማ “ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ነጥብታት” ይበሃል።ብሓፈሻ ስደተኛታት ክመዝገቡን አፍልጦ  ብላዕለዋይ  ኮምሽን ስደተኛታት ክህልዎም ይግባእ። ብውሑዱ ሐደ ካብዚ ዝስዕብ ዘማልኡ ውልቀ ሰባት ንዳግመ ሰፈራ አብ ግምት ይአትዉ።

  1. አድላይነት ሕጋውን አካላውን ሓለዋ
  2. ካብ ጭቆናን ግጭትን ዝደሓኑ
  3. ሕክምናዊ አድላይነት
  4. አብ ስግአት ዝርከባ ደቀንስትዮ
  5. ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
  6. ህጻናትን ብጹሓትን
  7. ሽማግለ ስደተኛታት
  8. ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ

ድሕረ ባይታ/ቦታ ንፍቃድ ምስዝህሉ፤

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR )ንዳግመ ሰፈራ ዘድልዩ መምዘኒታት ይመዝን፤መን ይግበኦ ድማ ይመርጽ።እቲ ናይ መወዳእታ መን እዩ ብቁዕ ነቲ ተቀባልነት ድማ ነታ ተቀባሊት ሃገር ይዋሃብ።ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን ተወሳኺ ናይ ምቅባል መስፈሪታት ይህልወን፤ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት መስፈሪ ድማ ሓደ አይኮነን።

2 መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?

መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ብኸመይ ይትግበር?

ምርጫን ምግዓዝን ስደተኛታት ከም አካል መስርሕ ዳግመ ሰፈራ አዝዩ ዝተሓላለኸን ብዙሓት ዓለም ለኻውያን ተዋሳእቲ አለውዎ።

ተጠቃሚ መስርሕ ዳግመ ሰፈራ ንሙዃን ድማ መጀመርታ አፍልጦ ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት( UNHCR ) ክህሉ ይግባእ።

ብተወሳኺ ፍሉይ ደረጃ ተጠቃዕነት (VULNERABILITY) ክህሉ ይግባእ።መወከሲ ሕጋዊ መስፈሪታት ዳግመ ሰፈራ

ንአብነት ፤ ሕጻን፡ አካለ ስንኩል፡ሕማም ወይ ድማ ግህሰት ሰብአዊ መሰል አብ ናይ ፈለማ ዝተዓቅበሉ ሃገር ምስ ዝህሉ ይኸውን።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት 8 መስፈሪታት ንዳግመ ሰፈራ አዳልዩ ይርከብ ፤መወከሲሕጋዊ መስፈሪታት ዳግመ ሰፈራ ።በዚ መሰረት ድማ ብቁዓት ሰባት ንዳግመ ሰፈራ ንምምራጽ ይውስን።

  1. አድላይነት ሕጋውን አካላውን ሓለዋ
  2. ካብ ጭቆናን ግጭትን ዝደሓኑ
  3. ሕክምናዊ አድላይነት
  4. አብ ስግአት ዝርከባ ደቀንስትዮ
  5. ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት
  6. ህጻናትን ብጹሓትን
  7. ሽማግለ ስደተኛታት
  8. ሕጽረት ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ
  • ሓደ ካብዞም መስፈሪታት ምስ ዝማላእ ከምእውን አብ መበቆል ሃገርካ ወይ ድማ አብቲ ፈለማ ዝተዓቆብካሉ ሃገር ንሽግርካ ዘላቂ ፍታሕ ምስ ዘይህሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR ) ፡ ናይ ዳግመ ሰፈራ እማመ ይህብ።
  • እዚ ናይ ዳግመ ሰፈራ ሕጋዊ መስርሕ አብ ናትካ ሙሉእ ድጋፍ ይሙርከስ።
  • እንተኾነ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ምቅባል ውሳኔ ሓላፍነት ናይ ተቀባሊ ሃገር ይኸውን።
  • ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ባዕለን መቀበሊ መስፈሪታት ኣለወን፡ ማለት ምስ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዘይሳን ክኸውን ይኽእል።
  • እታ ሃገር ንክትቅበል ድልውቲ ምስ እትኸውን ናይ ምፍናው አገደስቲ መንገዲታት ይዳሎ ።                                                                
  • አብታ ሃገር ዝአተኻሉ እዋን እታ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቃድ ትህበካ፡ ብውሑዱ ናይ 3 ዓመት ‘አብ ኣውስትርያ ` ከምእውን፡ መንበሪ ፍቃድ ናይ ስደተኛ ሓለዋ ።

2.1  አብ ናይ ፈለማ ተቀበሊት ሃገር እንከለኻ

 አብ ናይ ፈለማ ተቀበሊት ሃገር አብዝህልወ ሉ ግዜ እንታይ የጋጥመኒ?

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ብውልቂ ደረጃ ዳግመ ሰፈራ ንስደተኛታት ይመሚ።እዚ ድማ ካብተን 8 ናይ ዳግመ ሰፈራ መስፈሪታት አብ ግምት ብምእታው ይኸውን።

ከም ስደተኛ ንናይ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ከተመልክት አይካአልን።

አብ መወዳእታ ውሳኔ ተቀባልነትካ ን ሰበስልጣን ተቀባሊት ሃገር ይምልከት/ኣውስትርያ።

ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ትካል (IOM )ባህላዊ ናይ ምልላይ ስልጠናታት የካይድ፤እዚ ድማ ቅድሚ ምብጋስ ናብ ተቀባሊት ሃገር ይኸውን፤ ናይ ጉዕዞ ምድላዋት ናብ ተቀባሊት ሃገር/ኣውስትርያ የሳልጥ።

2.2 ምንቅስቃስ ናብ ኣውስትርያ

ኣውስትርያ ምስ አተኹ እንታይ የጋጥመኒ

  • ፈለማ ምቅማጥ

ድሕሪ ናብ ሃገር ኣውስትርያ ምእታውካ አብ ናይ ፈለማ መዕረፊ ማእከል ትአቱ።ቀጺሉ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ፡ናይ ስደተኛ ደረጃ ይዋሃበካ።እዚ ድማ ብዉሑዱ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይኸውን።ሙሉእ ሓበሬታ ፡ከምእውን ስእሊ ናትካን ናይ ስድራቤትካን ይስነድ።ብተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልካ።

  • መንነት ወረቀት መንበሪ (DOCUMENTS)

ፈለማ ሰሙን አብ መዕረፊ ስደተኛታት ናይ ሕቶ ዑቅባ ዘለዎም ካርድ መንነት ይዋሃበካ።እዚ ድማ ናይ መንነት ካርድኻ ይኸውን።

  • ብኽብረትካ አስማትካ ብትኽክል ክትህብ ይግባእ።እዚ ድማ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ምእካብ ሓበሬታ ይኸውን።እቲ ትህቦ ስም ናይ መጻኢ መለለይ መንነትካ አብ ኣውስትርያ ይኸውን።እቲ ስም አብ ናይ ስደተኛ ካርድኻ ፡ፓስፖርትኻ ፡ልክዕ ከምቲ አብ እዋን አብ ቃለ መሕትት ዝተሰነደ ይኸውን።

ናይ ነዊሕ ግዜ ጠመተ

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወይ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ሰበስልጣን ሃገረ ኣውስትርያ እቲ ንስደተኛ ደረጃ ከውህብ ዝኻአለ ምኽንያታት አሎ ድዩ ወይስ የሎን ዳግመ ምርመራ የካይዱ።ጸጥታዊ ኩነታት ከምቲ ዝነበሮ አሸጋሪ ምስ ዝኸውን፤ድሕሪ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ መዋእል መንበሪ ይወሃበካ።እንተኾነ ግን ጸጥታዊ ኩነታት ሃገርካ እንተዳአ ተቀይሩ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ የብቅዕ፤ናይ መዋእል መንበሪ ፍቃድ ድማ ይስረዝ ፡ብኡ መንጽር ድማ ሃገረ ኣውስትርያ ገዲፍካ ክትወጽእ ትግደድ።

  • መንበሪ ገዛ

አብ ፈለማ ሰሙናት አብ ኣውስትርያ ምስ ካልኦት ስደተኛታት አብ ግዝያዊ መንበሪ ትቅመጥ።ድሕሪ ናይ ፈለማ ምምሕዳራዊ ስጉምትታት አብ ዝተዳለወልካ ናይ ውልቂ መንበሪ ትቅመጥ።አብ ሐደ ሐደ አጋጣሚታት እቲ መንበሪ ንመሰጋገሪ ወይ ድማ መጻንሒ ዝተወህበካ ይኸውን።ናብኡ ትሰጋገር ምስ ፍሉይ አማኻሪኻ ድማ ትላለ።

እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ አገልግሎታት ይህልወኒ ?

ብመንግስቲ ደረጃ ንስደተኛታት ዝውሃብ ሐገዝ አብ ሃገረ ኣውስትርያ ብሓደ ወገን ብናይ ዑቅባ ደረጃን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዞባዊ መንግስቲ ብመሰረት ትነብረሉ ዞባ ዝህቦ ሓገዛትን ይሙርከስ።

  • ሓተትቲ ዑቅባ

ዑቅባ ካብ ትሓተሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ መደምደምታ ናይ ዑቅባ መስርሕ ሓታቲ ዑቅባ ኢኻ።አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ሓታቲ ዑቅባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድን መባእታዊ ናይ ጥዕና አገልግሎት መሰል ይህልዎ።ሓተትቲ ዑቅባ ንዞባዊ መንግስቲ ይምቅርሑ፤አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ድማ አብ ትሕቲ ዞባዊ መንግስቲ ይኾኑ።ናይ ስራሕ ዕድል ድማ አይህልዎምን፤አብ ገለ አጋጣሚታት ግን ማለት ባዕላዊ ስራሕ ከካይዱ ምስ ዝደልዩ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ምስ ዝህሉ ግን ክሰርሑ ይኽእሉ።

  • ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት፤ ሙሉእ ዕድል ናይ ማሕበራዊ ክፍሊት (benefit ይህልዎም ።እዚ ድማ ዉሑድ አታዊ ምስዝህልዎም ይኸውን።እንተኾነ ግን አብ ሓደ ሓደ ዞባታት እዚ ዕድላት አይህልውን።አብ ስምምዕ ማሕበራዊ ምውህሃድ(integration agreement) እንተደኣ አለዉ ግን ማሕበራዊ ክፍሊት ይዋሃቦም።
  • አፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት፤ናይ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ስደተኛታት ከምእውን ፖለቲካዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፡ መስርሕ ናይ ዑቅባ ስለ ዝወድኡን ፡ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ አፍልጦ ዝረኸቡን ስደተኛታት ኢዮም ።ሙሉእ ናይ ስራሕ ዕድል ይህልዎም፡ብተወሳኺ ድማ ማሕበራዊ ክፍሊት ማዕረ ዜጋታት እታ ሃገር ይህልዎም፤ ንአብነት አብ ጠለብ ዝተመርኮሰ ውሑድ አታውን ፤ ስድራ ቤታዊ ሓገዛትን ዝአመሰሉን።

ብድሕሪ ዝወሃበኒ ናይ ስራሕ ዕድል ብቀጥታ ስራሕ ክረክብ አንተዘይኪኢለ አንታይ ክገብር ይግባእ?

ብፍላይ ኣብ ናይ ፈለማ መዓልታት ዝበዝሑ ስራሕ ብቀሊሉ ኣይረኽቡን ።አዚ ድማ ቛንቛ ክመሃሩ ስለ ዘለዎም ኢዩ።ኣብዚ አዋን አዚ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ዘለዎም ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ናይ ዉሑድ ደረጃ ኣታዊ ደረጃ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ እወታዊ ናይ ዑቅባ ውሳነ ናይ መባእታዊ ሓገዝ ዕድል ኣይህልዎምን።ስለዝኾነ ድማ ናይ መባእታዊ ክፍሊት ሓገዝ ሕቶ ከቕርቡ ይግባእ።አዚ ድማ ኣስታት 8 ሳምንታት ግዜ ይወስድ።ኣብዚ አዋን አዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይረኽቡን።ናይ ውሑድ ኣታዊ ሓገዝ ምስ ማሕበራዊ ሓገዝ ዝተሓሓዘ እዩ።

2.3 ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት

ስድራቤተይ ናብ ኣውስትርያ ከምጽእ ይኽእል ዶ?

ኣሃዝ ብዝምልከት ስድራቤታዊ ስደት አቲ ዝዓበየ ኢዩ።(ካብ 20014-16 ጥራሕ ኣሃዝ ናይ ዑቅባ ሕቶታት ብ ድረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ስድራቤታዊ ጥርናፈ አቲ ዝላዓለ ኔሩ)።

ናይ ሰፈራን ምንባርን ኩነታት ኣባላት ስድራቤት ማለት ሰብኣይን ሰበይትን(ሙዝጉባት ተጻመድቲ ከም እውን ዘይምርዕዋት በጽሒታት፡ሞግዚትን ደቂ ናይ ሓደ ካብኣቶም ዘጠቃለለ ኢዩ።ኣብ ግዜ ጥርናፈ ምርዑዋትን፡ተጻመድትን፡21 ዝዕድሚኦም ወይ ድማ ልዕሊኡ ክኾኑ ይግባኣ።አዚ መስፈሪ እዚ ድማ ብሓደ ንክልቴኦም ይምልከት።

ብርግጽ ሕጊ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ አውሮፓ ኣዝዩ ዝተሓላለኽ ኢዩ።ን ሓለዋ ዝተዋህቡ ሰባት ከም ኣውን ኣባላት ስድራቤት ናይ ኣውሮፓ ዜጋታት ፡ኣባላት ስድራቤት ተወላዶ ሳልሳይ ሃገር ዝተፈልየ እዩ ኣሎ ። ሊንክ ናብ ግሎሳሪ

  • ሓተትቲ ዑቅባ

ከም ሓተትቲ ዑቅባ መጠን ሕቶ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ምቅራብ ኣይከኣልን

  • ሓለዋ ንዝተዋህቡ ሰባት ኣብ ፈለማ 3 ኣዋርሕ

ኣብ ኣውስትርያ ደረጃ ናይ ስደተኛ ሓለዋ አንተዳኣ ኣሎካ ስድራቤት ናብ ኣውስትርያ

ምጥርናፍ ይከኣል።ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ካብ ዝተዋሃብካሉ ግዜ ጀሚሩ ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ ሕቶ ኣብ ውሽቲጢ 3 ወርሒ ክቀርብ ይግባእ።ስድራቤትካ ሕቶ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ኣውስትርያ ናይ ዝርከብዎ ሃገር ከቅርቡ ይግባእ።ኣብተን ፈለማ ናይ ስደተኛ ደረጃ ዝተቀበልካሉ 3 ኣዋርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ቅልል ዝበለ ኢዩ።ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ አንተኾይኑ ግን ሓደ ሓደ ጠለባት ከተማልእ ክትሕተት ትኽእል፥እሱ ድማ ናይ ገንዘብ ኣታውን ብቁዕ መንበሪን ።ቀይሕ መስቀል ኣውስትርያ ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራቤት ብ ዝተፈላለዩ ቛንቛታት ሓበሬታ ይህብ።

  • ሓለዋ ስደተኛ ዝተዋህቡ ሰባት ድሕሪ ናይ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምእውን ካልኦት ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋታት

ኣብ ሃገረ ኣውስትርያ ዕድላት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ብመሰረት ዝተዋሃብካዮ መንበሪ ፍቓድ  ዝፍለ ይኽውን።

ከም ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ መጠን ኣባላት ስድራቤትካ መንበሪ ፍቓድ ይዋሃቦም’(ቀይሕ ጻዕዳ

ምስ ቀይሕ ካርድ)አዚ ድማ ሓፈሻዊ መስፈሪታት ንምውናን መንበሪ ፍቃድ ዘማላኡ ምስ ዝኾኑ ኢዩ።አቲ ካርድ ን ወናኒኡ ነጻ ናይ ስራሕ ዕድላት ይህብ።

ከም ሕጊ ጠለብ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ኣውስትርያ ናይ ትውልዲ ሃገሮም ከቅርቡ ይግባእ።(ወይ ድማ ኣብ ዝቅመጥሉ ሃገር) ብፍሉይ ግን አቲ ሕቶ ጠለብ ጥርናፈ ብመሰረት ዜግነቶም ኣብ ውሽጢ ኣውስትርያ ከቅርቡ ይኽእሉ።አዚ ድማ ናብ ሃገር ኣውስትርያ ብዘይ ናይ ቪዛ ኣድላይነት ክኣትዉ የኸእሎም።

እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መስፈሪታት መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ክማላእ ይግባእ

  • እኹል ናይ ኣታዊ ዓቅሚ፥4 አኹልን ተኸታታሊ ኣታውን ፡ን ናብራኻ ብዘይ ናይ ማሕበራዊ ሓገዛት ከውሕስ ዝኽእል ክህልወካ ይግባእ።እቲ ኣታዊ ልክዕ ወይ ድማ ካብቲ ሙዱብ ናይ ጥሮታ ደረጃ ዝለዓለ ክኽውን ይግባእ።
  • ውሕስነት ጥዕና፥5 ሸፈነ ውሕስነት ጥዕና፥ምቅራብ ማሕበራዊ ሓገዛት፥ሸፈነ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩሉ ዓይነት ስግኣታት
  • ዝተማለአ ናይ መንበሪ ዓቅሚ ምስ ናይ ውሽጢ ደረጃ ዝዛመድ፥6 መርትዖ ንብቁዕ ናይ መንበሪ ደረጃ ንስድራቤትካ ዝምጥን ብመሰረት ናይ ውሽጢ ደረጃ ከተቅርብ ይግባእ
  • ብቁዕ መንቀሳቀሲ ወረቀት7
  • ነጻ ቦታ ኣብ ኣገዳሲ ኮታ(ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣውስትርያ ስድራቤታት ዝተሓዝኣ ቦታታት ኣሎ)
  • ኣባላት ስድራቤትካ መባእታዊ ናይ ቛንቛ ኣውስትርያ ብቕዓት ደረጃ1 (A1)ብመሰረት ንድፊ ስራሕ አውሮፓ ንቛንቛታት ከቅርቡ ይግባእ፥እዚ ድማ ንሕቶ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ሓጋዚ ይኸውን።ብተወሳኺ module 1 (ስምምዕ ምውህሃድ)ክኽትሙ ይግደዱ።መሰረታዊ ትሕዝቶ module 1 ንቛንቛ ኣውስትርያ ክዳለዉ ይሕግዝ።እዚ ድማ ብቅዓት ቛንቛ ደረጃ 2(A2) ብመሰረት ንድፊ ስራሕ ኣውሮፓ ንቛንቛታት ይሕግዞም።ነቲ ዝዳሎ ናይ ቛንቛ ፈተና እንተ ዘይሓሊፎም ዳሕሪ 2 ዓመት ዝሕደስ መንበሪ ፍቃድ ኣይህልዎምን።
  • ሰብመዚ ወይ ድማ ሰበስልጣናት ብተወሳኺ ስድራቤትካ ስግኣት ህዝባዊ ፖሊሲ ፣ህዝባዊ ስርዓት(ደምቢ)፣ወይ ድማ ህዝባዊ ጥዕና ንኸይህልዎም መርመራ የካይዱ10።

ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ

ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ማለት ኢዩ?

ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብሕብረት ኣውሮፓ ናይ ምትሕግጋዝ ዝተዳለወ ኮይኑ ንሓለዋ ዘለዎም ሰባት ካብ ሓንቲ ኣባል ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገር ናብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገር ዳግም ምስፋር ማለት ኢዩ።ጽዕንቶ ኣውሮፓዊት ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዶባት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ዝርከባ ሃገራት ንምቅላል ዝዓለመ ፕሮግራም ኢዩ።መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ መደብ ድማ ብሓባራዊ ውሳኔ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ኣባል ሃገራት ዝተደገፈ ኢዩ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣዮኖት እዋናውያን ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ፕሮግራም ይርከቡ?

ብምኽንያት ቀጻልናት ዋሕዚ ጠለብ ሓለዋ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ኣብ ዓመተ 2015 ክልተ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ስምምዓት ተበጺሑ።ኣውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ግንቦት 2015 መደብ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናይ 40000 ሰባት ካብ ኢጣልያን ግሪክን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።ስዒቡ ድማ ጠለብ ሓለዋ ኣብ መስከረም 2015 ዘቅረቡ 120000 ሰባት ተወሳኺ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሓንጺጹ።ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ለበዋትት ብጠቅላላ 160000 ሰባት ካብ ግሪክ ፣ኢጣልያ፣ከመእውን ሃንጋሪያ ተቀባልነት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ብዝተፈላዩ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ክረኽቡ ኢዮም።እንተኾነ ግን ነቲ ለበዋ ሲዒቡ ሃንጋርያ ኣብ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዘይተስተፍነታ ኣፍሊጣ።ስለዝኾነ ድማ አቲ መደብ ካብ ኢጣልያን ግሪክን ይካየድ ኣሎ።

1 ሕጋዊ መስፈሪታት ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ

ሕጋዊ መሰረት ናይዚ ህልው መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ እንታይ ኢዩ?

ሕጋዊ መሰረት ናይዚ መደብ እዚ፡ ውሳኔ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ንዳግመ ምውዛዕ ስደተኛተት፣ ካብ ዝኣትውለን ሃገራት (ኢጣልያ/ግሪክ) ፡ናብ ኣባል ሃገር፡ ከምእውን ውሳኔ ናይ ዝምልከቶ ሚንስትሪ ኣባል ሃገር ይኸውን ።ንኣውስትርያ ብመሰረት ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝኣትዉ ሰባት ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ኣተሓሕዛ ይህልዎም።

2 ብኸመይ ይትግበር?

እዋናዊ መደብ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብ ኸመይ ይትግበር?

ሕርያ ናይ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ኣብ እማመ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ኢጣልያን ግሪክን ብምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ(EASO) ይካየድ።ኣብ ዝቅጽል ስጉምቲ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትርያ ፍቃድ ምቅባል ይህብ።ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዛጊት ኣብ ኢጣልያ /ግሪክ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ዘለዎም ሰባት ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ መደብ ብሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ብውሑዱ  75% ናይ ሓለዋ ገምጋም ዘለዎም ዘካተተ ኢዩ።ዛጊት ኣብ ካልኦት ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ሃገራት ጠለብ ዑቅባ ዘቅረቡ ሰባት ግና ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።

በዚ ውሽጣዊ ናይ ዳግመ ሰፈራ መደብ ሃገረ ኣውስትርያ ከም ዝተቀበለትካ መጠን ፣ድሕሪ ምእታው ናብታ ሃገር ሙሉእ ናይ ዑቅባ መስርሕ ከተካይድ ይግባእ።ፈለማ ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት ክትምዝገብ ይግባኣካ፣ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝተዳለወልካ ቦታ ትቅመጥ፣ድሕሪዚ ናይ ምዝገባ ግዜ እቲ መስርሕ ልክዕ ከምቲ ልሙድ  ሕቶ ጠለብ ንዑቅባ ይኸውን፣ቀጺሉ ድማ ቃለ መሕትት ይኸውን።

2.1 ኣብ ናይ ምስግጋር ሃገር እንከለኻ/ቅድሚ ናብ ኣውስትርያ ምእታውካ

ኣየናይ ኣካል`ዩ ኣብቲ ቦታ ሓላፍነት ዝውወስደለይ ?

  • ሰብመዚ /ሰበስልጣን ሃገራዊ ዑቅባ
  • ናይ ኣውሮፓ ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ዑቅባ
  • ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር(IOM)

ብውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ናብ ኣውስትርያ እንተተሓርየ ዝስዕቡ ስጉምትታት እንታይ ይመስሉ?

  • ሃገራዊ ናይ ዑቅባ ሰበስልጣናት (national asylum authorities) ኣብ ግሪክን ኢጣልያን ብ ምትሕብባር ቤት ጽሕፈት ሓገዝ ንዑቅባ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ከም ሕጹይ ክመርጹካ ይኽእሉ፣ቀጺሉ ናብ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትርያ የሰጋግሩኻ።እታ ሃገር ናይ ምቅባል ደገፍ ምስ ሃበት ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር(IOM)ይዋሳእ።ብወገንካውን እቲ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ውሳኔ ናብ ኣውስትርያ እንተ መሪጽካ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ብቀጥታ ኣብ ናይ ተጠቀምቲ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ዝርዝር ኣስማት የእትወካ።
  • ቀጺሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር ነቲ ኣገዳሲ ናይ ቅድመ ምብጋስ ኩነታት ንጥፈታታብ ግብሪ ንምውዓል ይንቀሳቀስ፣እዚ ድማ ብዛዕባ ጉዕዞ ሙሉእ ሓበሬታ ከምዘለካን ብኽብረትን ውሕስነትን ከምእትጓዓዝ የጠቃልል።
  • ኣገዳስነት ሙሉእ ጥዕና ንምርግጋጽ ናይ ጥዕና መርመራን ከምእውን ብቁዕ-ን-ጉዕዞ መርመራ የካይድ።ኣገዳሲ ሓበሬታ ድማ ምስ ናይ ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ሃገር ይለዋወጥ።ኣገዳስነት ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣካል ድማ ይሕበር፣ብኽብረትን ውሕስነትን ድማ ትሳፈር።
  • IOM ብተወሳኺ ናይ ቅድመ ምብጋስ ናይ ምልላይ ኣኼባታት የካይድ ።እዚ ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያን ውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ይኸውን።እዝውን ሙቹእ ዕድል ንምእካብ ሓበሬታ ብዛዕባ ተመዲብካሉ ዘለኻ ሃገር ፣ትጽቢታትካ ንምቁጽጻርን ፣መባእታዊ ናይ ድሕረ ምቅባል ግዜን ፣ሓገዝ ንምውህሃድ የጠቃልል።
  • ነቲ ጉዕዞ ብዝምልከት ድማ ዓለምለኻዊ ናይ ስደት ማሕበር (IOM) ምንቅስቃስ ይቆጻጸር፣ቅድመ-ምብጋስ ኣኼባ የካይድ ፣ኣብዚ እዋን `ዚ ድማ ሓፈሻዊ ግብራዊ ዝርዝር ናይቲ ጉዕዞ የዳሉ፣መሰጋገሪ በረራ ንዘለዎም ድማ ይሕግዝ፣ከምእውን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ንዝኣትዉ ድማ ይቅበል።

 ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ምምዳብ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

ንውሽጣዊ ዳግመ ሰፈራ ብቁዕ ምዃንካ እንተትወሲኑ ፡ ምስግጋር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ይካየድ።ብ ገምጋም ኣስታት 2 ወርሒ ይወስድ።

2.2 ምንቅስቃስ ናብ ኣውስትርያ

ኣውስትርያ ምስ አተኹ እንታይ የጋጥመኒ

  • ፈለማ ምቅማጥ

ድሕሪ ናብ ሃገር ኣውስትርያ ምእታውካ አብ ናይ ፈለማ መዕረፊ ማእከል ትአቱ።ቀጺሉ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት ፡ናይ ስደተኛ ደረጃ ይዋሃበካ።እዚ ድማ ብዉሑዱ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይኸውን።ሙሉእ ሓበሬታ ፡ከምእውን ስእሊ ናትካን ናይ ስድራቤትካን ይስነድ።ብተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልካ።

  • መንነት ወረቀምቅማጥ ት(DOCUMENTS)

ፈለማ ሰሙን አብ መዕረፊ ስደተኛታት ናይ  ሕቶ ዑቅባ ዘለዎም ካርድ መንነት ይዋሃበካ።እዚ ድማ ናይ መንነት ካርድኻ ይኸውን።

ብኽብረትካ አስማትካ ብትኽክል ክትህብ ይግባእ።እዚ ድማ አብ ናይ ፈለማ ቃለመሕትት

ምእካብ ሓበሬታ ይኸውን።እቲ ትህቦ ስም ናይ መጻኢ መለለይ መንነትካ አብ ኣውስትርያ ይኸውን።እቲ ስም አብ ናይ ስደተኛ ካርድኻ ፡ፓስፖርትኻ ፡ልክዕ ከምቲ አብ እዋን አብ ቃለ መሕትት ዝተሰነደ ይኸውን።

  • ናይ ነዊሕ ግዜ ጠመተ

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወይ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ሰበስልጣን ሃገረ ኣውስትርያ እቲ ንስደተኛ ደረጃ ከውህብ ዝኻአለ ምኽንያታት አሎ ድዩ ወይስ የሎን ዳግመ ምርመራ የካይዱ።ጸጥታዊ ኩነታት ከምቲ ዝነበሮ አሸጋሪ ምስ ዝኸውን፤ድሕሪ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ መዋእል መንበሪ ይወሃበካ።እንተኾነ ግን ጸጥታዊ ኩነታት ሃገርካ እንተዳአ ተቀይሩ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ የብቅዕ፤ናይ መዋእል መንበሪ ፍቃድ ድማ ይስረዝ ፡ብኡ መንጽር ድማ ሃገረ ኣውስትርያ ገዲፍካ ክትወጽእ ትግደድ።

  • መንበሪ ገዛ

አብ ፈለማ ሰሙናት  አብ ኣውስትርያ ምስ ካልኦት ስደተኛታት አብ ግዝያዊ መንበሪ ትቅመጥ።ድሕሪ ናይ ፈለማ ምምሕዳራዊ ስጉምትታት አብ ዝተዳለወልካ ናይ ውልቂ መንበሪ ትቅመጥ።

አብ ሐደ ሐደ አጋጣሚታት እቲ መንበሪ ንመሰጋገሪ ወይ ድማ መጻንሒ ዝተወህበካ ይኸውን።ናብኡ ትሰጋገር ምስ ፍሉይ አማኻሪኻ ድማ ትላለ።

እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ አገልግሎታት ይህልወኒ ?

ብመንግስቲ ደረጃ ንስደተኛታት ዝውሃብ ሐገዝ አብ ሃገረ ኣውስትርያ ብሓደ ወገን ብናይ ዑቅባ ደረጃን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዞባዊ መንግስቲ ብመሰረት ትነብረሉ ዞባ ዝህቦ ሓገዛትን ይሙርከስ።

  • ሓተትቲ ዑቅባ

ዑቅባ ካብ ትሓተሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ መደምደምታ ናይ ዑቅባ መስርሕ ሓታቲ ዑቅባ ኢኻ።አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ሓታቲ ዑቅባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድን መባእታዊ ናይ ጥዕና አገልግሎት መሰል ይህልዎ።ሓተትቲ ዑቅባ ንዞባዊ መንግስቲ ይምቅርሑ፤አብ እዋን መስርሕ ዑቅባ ድማ አብ ትሕቲ ዞባዊ መንግስቲ ይኾኑ።ናይ ስራሕ ዕድል ድማ አይህልዎምን፤አብ ገለ አጋጣሚታት ግን ማለት ባዕላዊ ስራሕ ከካይዱ ምስ ዝደልዩ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ምስ ዝህሉ ግን ክሰርሑ ይኽእሉ።

  • ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት፤ ሙሉእ ዕድል ናይ ማሕበራዊ ክፍሊት (benefit ይህልዎም ።እዚ ድማ ዉሑድ አታዊ ምስዝህልዎም ይኸውን።እንተኾነ ግን አብ ሓደ ሓደ ዞባታት እዚ ዕድላት አይህልውን።አብ ስምምዕ ማሕበራዊ ምውህሃድ(integration agreement) እንተደኣ አለዉ ግን ማሕበራዊ ክፍሊት ይዋሃቦም።
  • አፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት፤ናይ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ስደተኛታት ከምእውን ፖለቲካዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፡ መስርሕ ናይ ዑቅባ ስለ ዝወድኡን ፡ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ አፍልጦ ዝረኸቡን ስደተኛታት ኢዮም ።ሙሉእ ናይ ስራሕ ዕድል ይህልዎም፡ብተወሳኺ ድማ ማሕበራዊ ክፍሊት ማዕረ ዜጋታት እታ ሃገር ይህልዎም፤ ንአብነት አብ ጠለብ ዝተመርኮሰ ውሑድ አታውን ፤ ስድራ ቤታዊ ሓገዛትን ዝአመሰሉን።

ብድሕሪ ዝወሃበኒ ናይ ስራሕ ዕድል ብቀጥታ ስራሕ ክረክብ አንተዘይኪኢለ አንታይ ክገብር ይግባእ?

ብፍላይ ኣብ ናይ ፈለማ መዓልታት ዝበዝሑ ስራሕ ብቀሊሉ ኣይረኽቡን ።አዚ ድማ ቛንቛ ክመሃሩ ስለ ዘለዎም ኢዩ።ኣብዚ አዋን እዚ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ዘለዎም ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ናይ ዉሑድ ደረጃ ኣታዊ ደረጃ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ እወታዊ ናይ ዑቅባ ውሳነ ናይ መባእታዊ ሓገዝ ዕድል ኣይህልዎምን።ስለዝኾነ ድማ ናይ መባእታዊ ክፍሊት ሓገዝ ሕቶ ከቕርቡ ይግባእ።አዚ ድማ ኣስታት 8 ሳምንታት ግዜ ይወስድ።ኣብዚ እዋን እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይረኽቡን።ናይ ውሑድ ኣታዊ ሓገዝ ምስ ማሕበራዊ ሓገዝ ዝተሓሓዘ እዩ።

2.3 ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት

ስድራቤተይ ናብ ኣውስትርያ ከምጽእ ይኽእል ዶ?

ኣሃዝ ብዝምልከት ስድራቤታዊ ስደት አቲ ዝዓበየ ኢዩ።(ካብ 2014-16 ጥራሕ ኣሃዝ ናይ ዑቅባ ሕቶታት ብደረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ስድራቤታዊ ጥርናፈ አቲ ዝላዓለ ኔሩ)።

ናይ ሰፈራን ምንባርን ኩነታት ኣባላት ስድራቤት ማለት ሰብኣይን ሰበይትን (ሙዝጉባት ተጻመድቲ ከም እውን ዘይምርዕዋት በጽሒታት፡ሞግዚትን ደቂ ናይ ሓደ ካብኣቶም ዘጠቃለለ ኢዩ።ኣብ ግዜ ጥርናፈ ምርዑዋትን፡ተጻመድትን፡21 ዝዕድሚኦም ወይ ድማ ልዕሊኡ ክኾኑ ይግባኣ።እዚ መስፈሪ እዚ ድማ ብሓደ ንክልቴኦም ይምልከት።

ብርግጽ ሕጊ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ አውሮፓ ኣዝዩ ዝተሓላለኽ ኢዩ።ንሓለዋ ዝተዋህቡ ሰባት ከም እውን ኣባላት ስድራቤት ናይ ኣውሮፓ ዜጋታት ፡ኣባላት ስድራቤት ተወላዶ ሳልሳይ ሃገር ዝተፈልየ እዩ ። /ሊንክ ናብ ግሎሰሪ

  • ሓተትቲ ዑቅባ

ከም ሓተትቲ ዑቅባ መጠን ሕቶ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ምቅራብ ኣይከኣልን

  • ሓለዋ ንዝተዋህቡ ሰባት ኣብ ፈለማ 3 ኣዋርሕ

ኣብ ኣውስትርያ ደረጃ ናይ ስደተኛ ሓለዋ እንተዳኣ ኣሎካ ስድራቤት ናብ ኣውስትርያ ምጥርናፍ ይከኣል።ናይ ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ካብ ዝተዋሃብካሉ ግዜ ጀሚሩ ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ ሕቶ ኣብ ውሽቲጢ 3 ወርሒ ክቀርብ ይግባእ።ስድራቤትካ ሕቶ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ኣውስትርያ ናይ ዝርከብዎ ሃገር ከቅርቡ ይግባእ።ኣብተን ፈለማ ናይ ስደተኛ ደረጃ ዝተቀበልካሉ 3 ኣዋርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ቅልል ዝበለ ኢዩ።ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ አንተኾይኑ ግን ሓደ ሓደ ጠለባት ከተማልእ ክትሕተት ትኽእል፥እሱ ድማ ናይ ገንዘብ ኣታውን ብቁዕ መንበሪን ።ቀይሕ መስቀል ኣውስትርያ ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራቤት ብዝተፈላለዩ ቛንቛታት ሓበሬታ ይህብ።

  • ሓለዋ ስደተኛ ዝተዋህቡ ሰባት ድሕሪ ናይ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምእውን ካልኦት ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋታት

ኣብ ሃገረ ኣውስትርያ ዕድላት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ብመሰረት ዝተዋሃብካዮ መንበሪ ፍቓድ  ዝፍለ ይኽውን።

ከም ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ መጠን ኣባላት ስድራቤትካ መንበሪ ፍቓድ ይዋሃቦም’(ቀይሕ ጻዕዳ

ምስ ቀይሕ ካርድ)አዚ ድማ ሓፈሻዊ መስፈሪታት ንምውናን መንበሪ ፍቃድ ዘማላኡ ምስ ዝኾኑ ኢዩ።አቲ ካርድ ንወናኒኡ ነጻ ናይ ስራሕ ዕድላት ይህብ።

ከም ሕጊ፡ ጠለብ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ኣውስትርያ ናይ ትውልዲ ሃገሮም ከቅርቡ ይግባእ።(ወይ ድማ ኣብ ዝቅመጥሉ ሃገር) ብፍሉይ ግን አቲ ሕቶ ጠለብ ጥርናፈ ብመሰረት ዜግነቶም ኣብ ውሽጢ ኣውስትርያ ከቅርቡ ይኽእሉ።አዚ ድማ ናብ ሃገር ኣውስትርያ ብዘይ ናይ ቪዛ ኣድላይነት ክኣትዉ የኸእሎም።

እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መስፈሪታት መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ክማላእ ይግባእ

  • እኹል ናይ ኣታዊ ዓቅሚ፥4 አኹልን ተኸታታሊ ኣታውን ፡ንናብራኻ ብዘይ ናይ ማሕበራዊ ሓገዛት ከውሕስ ዝኽእል ክህልወካ ይግባእ።እቲ ኣታዊ ልክዕ ወይ ድማ ካብቲ ሙዱብ ናይ ጥሮታ ደረጃ ዝለዓለ ክኽውን ይግባእ።
  • ውሕስነት ጥዕና፥5 ሸፈነ ውሕስነት ጥዕና፥ምቅራብ ማሕበራዊ ሓገዛት፥ሸፈነ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩሉ ዓይነት ስግኣታት
  • ዝተማለአ ናይ መንበሪ ዓቅሚ ምስ ናይ ውሽጢ ደረጃ ዝዛመድ፥6 መርትዖ ንብቁዕ ናይ መንበሪ ደረጃ ንስድራቤትካ ዝምጥን ብመሰረት ናይ ውሽጢ ደረጃ ከተቅርብ ይግባእ
  • ብቁዕ መንቀሳቀሲ ወረቀት7
  • ነጻ ቦታ ኣብ ኣገዳሲ ኮታ (ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣውስትርያ ንስድራቤታት ዝተሓዝኣ ቦታታት ኣሎ)።
  • ኣባላት ስድራቤትካ መባእታዊ ናይ ቛንቛ ኣውስትርያ ብቕዓት ደረጃ1 (A1)ብመሰረት ንድፊ ስራሕ አውሮፓ ንቛንቛታት ከቅርቡ ይግባእ፥እዚ ድማ ንሕቶ ጠለብ መንበሪ ፍቃድ ሓጋዚ ይኸውን።ብተወሳኺ module 1 (ስምምዕ ምውህሃድ)ክኽትሙ ይግደዱ።መሰረታዊ ትሕዝቶ module 1 ንቛንቛ ኣውስትርያ ክዳለዉ ይሕግዝ።እዚ ድማ ብቅዓት ቛንቛ ደረጃ 2(A2) ብመሰረት ንድፊ ስራሕ ኣውሮፓ ንቛንቛታት ይሕግዞም።ነቲ ዝዳሎ ናይ ቛንቛ ፈተና እንተ ዘይሓሊፎም ዳሕሪ 2 ዓመት ዝሕደስ መንበሪ ፍቃድ ኣይህልዎምን።
  • ሰብመዚ ወይ ድማ ሰበስልጣናት ብተወሳኺ ስድራቤትካ ስግኣት ህዝባዊ ፖሊሲ ፣ህዝባዊ ስርዓት(ደምቢ)፣ወይ ድማ ህዝባዊ ጥዕና ንኸይህልዎም መርመራ የካይዱ10።

ሓበሬታ ንተፈላለዩ ጉጅለታት

ኣብዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ብዛዕባ ፍሉይ ሓገዛት፣መሰላትን ኣገልግሎት ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት፣መስርሕ ዑቅባ ከምእውን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ንዝተፈላለዩ ብቀሊሉ ክጉድኡ ዝኽእሉ ጉጅለታት ክርከብ ይከኣል።

ደቀንስትዮ

ደቀንስትዮን ኣዋልድን፡ ደቀንስትዮ ብምዃነን ጥራይ ንዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሓደጋታት ይቃለዓ፡ እሳቶም ድማ፣

  • ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ኣንጻር ደቀንስትዮ
  • ውሽጣዊ ዓመጽ
  • ግዱድ መውስቦ
  • “ናይ ክብሪ“ ገበናት
  • ዝውውር ንምንዝርናን ግዱድ ስራሕን፣ ከምእውን
  • ካልኦት ዓይነታት ስቅያትን ዓመጽን

እዞም ምኽኒያታት ኣብ ግምት ብምእታው ደቀንስትዮን ኣዋልድን ፡ ኣብ ኣውስትርያ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ክረኽባ ይኽእላ።

ፍሉይ ሓገዛት  ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ኣብ መዕረፊ ስደተኛታት

ደቀንስትዮን ኣዋልድን ምስ ኣባላት ስድራቤተን እንከለዋ በይናዊ ናይ ዑቅባ ጠለብ ከቅርባ መሰል ኣለወን።እዚ ማለት ድማ ናይ ዑቅባ ጠለበን  ካብቲ ናይ ኣባላት ስድራቤት ብፍሉይ ይረኣን ይምርመርን ማለት ኢዩ።ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ድማ ነቲ ቃለ መሕትት ተካይድን ትምርምርን።ጓል ኣንስተይቲ ተርጓሚት እውን ትዳለወለን ፣እንተኾነ ግን ኣብ ኣውስትርያ ፡ከምቲ ኣብ ካልእ ኣውሮፓ ብቁዓት ተርጎምቲ ንናይ ኩሎም ስደተኛታት ቛንቛ ብቐሊሉ ኣይርከብን።

ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ደቀንስዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ገዛን ቀረባትን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ይኸውን፡ምስ ኣባላት ስድራቤተን ምስ ዝደልያ ግን ብሓባር ይዳለወለን።ኣብ መዕረፊ ማእከላት ድማ ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ናይ በይነን ሽንት ቤትን ናይ ጽሬት መሳለጥን ክዳለወለን ይግባእ።

ናይ ዑቅባ መሰላት ንደቀንስትዮን ኣዋልድን፣

  • ኣዋልድ ድሌታተን ምርኩስ ብምግባር ዕድልትምህርቲ ይህልወን።መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታዊ ኮይኑ ፣ ኣዋልድ ደረጃ ዑቅባ ብዘየገድስ ክምዝገባን ክመሃራን ይግባእ።ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድማ ከም ሓተትቲ ዑቅባን ፣ ደረጃ ዑቅባ/ሓለዋ ዘለወን ክመርጻን ክኸዳን ይኽእላ።ደቀንስትዮ ስደተኛታት ድማ ብመሰረት ምርጫን መምዘኒታት ናይ ዩኒቨርሲቲ ክመሃራ ይኽእላ። ንዝያዳ ሓበሬታ ፣ ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።
  • ደቀንስትዮን ኣዋልድን ናይ ክንክን ጥዕና መሰላት ኣለወን። ንፍርያምነተን ዝምልከት እውን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይረኽባ።ዓመታዊ ድማ ናይ መከላኸልን መርመራን ንናይ ጡብ ካንሰር ካብ ዝምልከቶ ክኢላ (ጂነኮሎጂስት/gynecologist) ክረኽባ ይኽእላ፡ ኣብ ጀርመን ድማ ኣብ ፍራዩናርዝት /Frauenarzt ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክረኽባ ይኽእላ።እዚ ክኢላ ማህጸን ሓኪም ንዝተፈላለዩ ተመሳሰልቲ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰርን ፣ ምቁጽጻር ወሊድን፣ ዝኣመሰሉን ናይ ደቀንስትዮ ሕማማት ምኽርን ካልእ ነገራትን ይህብ ።ናይ ደቀንስትዮን ናይ ደቂ ተባዕትዮን ሓካይም ድማ ኣለዉ ።ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ቆጸራ ንምውጋድ ድማ ምስ ሓኪም ውዕላት ናይ ጥዕና ውሕስነት ብምግባር ብቀሊሉ ምክትታትልን ምርኻብን ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ።

 

ጥንስን ወሊድን ፡

እንተደኣ ነፍሰጾር ኮንኪ ፡ ቀጻሊ ሓኪም ማህጸንን ምርኣይ ኣገሲ እዩ ፡ብተወሳኺ ድማ ኣድላይ         ሕክምናዊ ክትትል ክተገብሪ ይግባእ ፡ እዚ ድማ ቅድምን ድሕርን ጥንሲ ዘሎ ኩነታትን ምዕባለን ጥዕና ሕጻንን ንምክትታል ዝዓለመ እዩ። ክንክን ጥዕና ናይ ኣደን ህጻንን ካብ ግዜ ጥንሲ ጀሚሩ ክሳብ ወሊድን ፡ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ህጻንን ይኸውን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ድማ እቲ ናይ ጥዕና ውሕስነት ማሕበር ክሳብ ወሊድ ግዜ ዘሎ ወጻኢታት ከምዝሽፍን እዩ፡ እዚ ድማ እንተደኣ ኣውስትርያ ቅድሚ 8 ወርሒ ምውላድ ህጻን ኣቲኺ ማለት እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ፡ ወጻኢታት ወሊድ ባዕልኺ ትሽፍኒ ።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት።

  • ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ምስ እትኸውን(ብ ኣባላት ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ) ፡ፍሉይ ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ።ናይ ምፍላይ መሰልን ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ ዓመጸኛ ሓለዋ ብፖሊስ ክግበረላን ኣብ ንደቀንስትዮን ህጻናትን ዝተዳለወ መዕቆቢ ትሰፍር/ትቅመጥ፣-ግዳያት ዓመጽ፡ ሓለዋ ኣንጻር ኣመጽ።ካብ ዓመጸኛ ድማ ብ ምስጢር ትነብር ፣ሕክምናውን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛት ድማ ትረክብ።
  • ግዳይ ውሽጣዊ ዓመጽ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ድማ ጎርዞ ሓታቲት ዑቅባ ምስእተኸውን ጠለብ ዑቅባኣ ኣብ ድልየታ ዝተሞርኮሰ ብፍሉይ ይምርመር።ድሮ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህባ ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ምስ ዝህልዋ ብፍሉይ ካብ ኣባላት ስድራቤት ወጻኢ መንበሪ ፍቃድ ክሕደስ ይኽእል።እዚ ን ደቀንስትዮን ኣዋልድን ብስድራቤታዊ ጥርናፈ፡ መንበሪ ፍቃድ ዝረኸባ እውን የጠቃልል።
  • እንተደኣ ደቀንስትዮ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ግዳይ ኮይና ፡ ማለት ድማ ተመዝሚዛ፣ ብምትላል ወይ ምግዳድ፣ ንምንዝርና ናይ ጉልበት ስራሕ፣ ወይ ኣብ ዘይትደልዮ ካልኦት ንጥፈታት ተወፊራ፡ ሓለዋ ክትረክብ ሙሉእ መሰል ኣለዋ። ሓታትቲት ዑቅባ ትኹን ፣ ወይ መንበሪ ይሃልዋ፣ ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ እንተኾይና ሓለዋ ክትረክብ ይግባእ፣ ኣብ ውሑስ ቦታ ትቅመጥ፣ ሕክምናውን ስነ ኣእምራውን ሕጋውን ሓገዛት ድማ ትረክብ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ግዝያዊ መንበሪ ድማ ይወሃባ፣ ኣንጻር እቶም ገበነኛታት ድማ ሕጋዊ መስርሕ ከተካይድ ድማ ኣድላይ ምትሕብባር ይግበረላ።መደብ ሓለዋ ንግዳያትን ድማ የካትት።ኣብ ኣውስትርያ ምትእትታው ማእከል ብንግዲ ደቂ ሰብ ዝተጎድኣ ደቀንስትዮ (LEFÖ-IB) ሓላፍነት ሓለዋን ሓገዝን እዘን ደቀንስትዮ ይወስድ። እንተደኣ ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ ኮንኪ/ካ ተገዲድካ ዝገበርካዮ ኣየሕትተካን እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓለዋ ካብ ኣንጻር ኣፈላላይ ተመልከት፡ 

ፍሉይ ሓገዛት ንሰብኡትን ኣወዳትን እንታይ ይመስል?

ማእከል ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ጥዕና፣ ጾታ፣ ወላዲ ምዃን ፣ ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዛትን ስነ ኣእምራዊ ምኽርን  ይህብ።ሰብኡትን ኣወዳትን እውን ግዳያት ናይ ግጭት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።እቲ መስርሕ ድማ ተመሳሳሊ ከም ንምክልኻል ግጭት ኣንጻር ደቀንስትዮ ይኸውን።ኣሰብኡት ብፍላይ ድማ ኣወዳት ግዳያት ና ግዱድ ጉልበታዊ ስራሕን ከምእውን ግዳያት ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣውስትርያ ማእከል ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ፡MEN VIA ድማ ካብ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ሓለዋ ኣንጻር ዓመጽ/ጭቆና ተመልከት።

ፍሉይ ኩነታትን ፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን ሓገዛትን ንህጻናት እንታይ ይመስል?

ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ 18 ዝርከብ ብመሰረት ሕጊ ኣውስትርያ፡ ህጻን እዩ።እዚ ማለት ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ ዝበጽሕ እቲ ሰብ ህጻን እዩ ማለት ኣይኮነን፡ካብ ዞባ ናብ ዞባ ድማ ህጻን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብ ክፈላለ ይኽእል፡ ኣብ ስቲራ/ Styra፣ኮሪንትያ/ Corinthia፣ ቲሮል/ Tyrol  ከምእውን ቮራርበርግ/ Vorarlberg፡ ክሳብ መወዳእታ 14 ዓመት ዕድመ ህጻን ይበሃል ፡ካብ 14 ክሳብ መወዳእታ 18 ዓመት ድማ ቲንኣጅ ማለት ጎበዝ መንእሰይ ይበሃል።ኣብ ስላዝበርግ/Slazburg ድማ ገደብ ዕድመ ህጻን 12 ዓመት እዩ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክሳብ 18 ድማ ጎበዝ /ቲንኣጅ ይበሃል።ኣብ ቪየናን ታሕታይ ኣውስትርያ/(Niederösterreich) ከምእውን በርገንላንድፍልልይ ዕድመ ናይ ህጻን የለን እንታይ ደኣ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ድማ ህጻን ይበሃል። ዝስዕብ ሓበሬታ ድማ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ፍሉይ ግምት ይህብ፡ ማለት ድማ ዝኾነ ሰብ ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ ማለት እዩ።

ኣብ መስርሕ ዑቅባን ስደትን ህጻናት ከም ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ጉጅለ ይፍለጡ፣ወላኳ ምስ ስድራቤቶም ወይ መቅርቦም ይሃልዉ ፡ፍሉይ መሰል ናይ ሓለዋ ኣለዎም።

ብስም ህጻን ዓለምለኻዊ  ጠለብ ዑቅባ ምቅራብ ንዋሕስ ናይቲ ሕጻን ይምልከት።አዚ ድማ ወለዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ህጻን ዝወስድ ሰብ ይኸውን።ጠለብ ዑቅባ ናይቲ ህጻን ድማ ምስ ናይ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ጠለብ ዑቅባ ዝተኻተተ ይኸውን።

ኣብ ግዜ ጠለብ ዑቅባ ህጻናት ካብ ወለድን መቅርብን ክፍለዩ የብሎምን።እዚ ድማ ነቲ ህጻን ምስ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ምዃን ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምስ ዝኸውን እዩ።

ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስ ዝኸውን ግን ሰብ መዚ መዕረፊ ማእከል ንዝምልከቶ ኣካል ብምሕባር ነቲ ህጻን ኣብ ውሑስ ቦታ ከንብርዎ ይግባእ።ህጻናት ካብ ወለዲ ወይ ድማ መቅርብ ዝተፈልየ ናይ ባዕሎም ቀረብን መሳለጥን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ኩሎም ህጻናት ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ፣ ሓተትቲ ዑቅባ፣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ፣ ግዝያዊ መንበሪ ዝተዋህቦምን መሰላት ናይ ክንክን ጥዕና ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ኩነታት ፣ ልክዕ ከም ኣውስትርያዊ  ዜጋ ይህልዎ።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት።

ህጻናት ኣብ ትሕቲ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዘለውን ወይ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ፡ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ክመሃሩ ይግባእ። ናይ ቅድመ ትምህርቲ ህጻናት ፡ ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ(ሓተቲ ዑቅባ) መውዓሊ ህጻናት ክከታተሉ ኣይክእሉን።ብሓፈሻ ግን ፣ንክንክን ህጻናት ዝምልከት ፡ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዝርከቡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት/NGOs ሓገዛት ይረኽቡ።

ኩሎም ህጻናት ናይ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም፡ሓተትቲ ዑቅባ፣ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም፣ግዝያዊ መንበሪ ብስድራቤታዊ ጥርናፈ ዝተዋህቦምን የጠቃልል።ህጻናት- ሓተትቲ ዑቅባ  ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ካብ ዘቅርቡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ይግባእ።እቲ ቛንቛ ጀርመን ምስ ዘይዛረብ ፣መባእታዊ ምድላው ንቛንቛ ኮርሳት ይውሃቦ፣ብተወሳኺ ድማ ናይ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ኮርሳት የጥቃልል።ኣብ ገለ መባእታዊ ቤት ትምህርታት ኣብ ኣውስትርያ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ከም ህጻን ገምጋማዊ መርመራታት ኣይግበረሎምን (1-5)፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ውጽኢታት ግምገማ ግን ሓበሬታ ይዋሃቦም፡ብመልክዕ ቁጽሪ ይኹን ወይ ፊደል ማለት እዩ።ስለዚ ድማ ግምገማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ።

ብሓፈሻ ፡ሓደ ዓመት ናይ መውዓሊ ህጻናት ትምህርትን ፣ መባእታውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኣውስትርያ ግዴታዊ ኢዩ።ኣብ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዝጀመረ ቅድሚ ትምህርቲ ኣብ ኣውስትርያ ምቅጻሉ ፈተናታት ይወሃቦ።ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽብዎ እቲ ህጻን ኣድማዕነቱ ተራእዩ ሓደ ክፍሊ ንታሕቲ ክምዝገብ ይኽእል።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።

ፍሉይ ኩነታትን ፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን፣ ንኣላይ ዘይብሎም ህጻናት እንታይ ይመስሉ?

ትሕቲ 18 ዓመት ኮንካ ወላዲ ፣ቤተ ሰብ፣ ቤተ ዘመድ፣ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ዘይብልካ ምስ እትኸውን  ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት (unaccompanied minor) ይበሃል።ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ንሓደጋ ዝተቃለዑ ኮይኖም ናይ ዝተፈልየ ሓለዋ መሰል ኣለዎም።

ኣብ መዕረፊ ማእከል ከም ትሕቲ ዕድመ ህጻን መጠን ካብ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቅባ ዝተፈልየ ቀረብን መሳለጥያን ይወሃበካ።ኣብ ኣውስትርያ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣባይቲ ማሕበራዊ ሓገዛት ንህጻናትን  መንእሰያትን ዝተባህለ ቀረብ መንበርን መሳለጥን ይህልወካ። ሓላፍነት ናይ ወላዲ ዝወስድ ዋሕስ(guardian)ይህልወካ።እሱ ድማ ኣብ ንዓኻ ዝጠቅም ውሳነታት ይሳተፍ።

እንተኾነ ግን፡ ኣላይ ኣብ ዝውስነልካ ጉዳያት ድማ ክትታሓባበርን ክትሓትትን መሰል ይህልወካ፣እዚ ድማ ኣብ ኣውስትርያ ጠለብ ዑቅባ ምስእትደሊ ይኸውን።ዋሕስካ ድማ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትካ፣ዝወሃበካ ኣገልግሎት፣እንታይ ዕድላት ይህልወካን ናይ ምሕባር ግዴታ ይህልዎ።

ስድራቤትካ ኣብ መበቆል ሃገር ይሃልዉ ፣ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት መሰል ይህልወካ  ። ነዚ መስርሕ ዝተሓባበሩ ማሕበራት እውን ይርከቡ፡እንተኾነ ግን እቲ መስርሕ ዝተሓላለኸን ግዜ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል። ምስ ስድራቤትካ ናይ ምርኻብ መሰል ድማ ኣሎካ።

ዑቅባ ክትሓትት እንተወሲንካ ጠለብካ ኣብ ምሃብ ውሳኔ ቀዳምነት ኣለዎ።ዋሕስ ድማ ነት ሕቶ ጠለብ ዝምልከት ከዳልወካን ን ቃለ መሕትት ከቅርበካን ይግባእ።

ከም ኣላይ ዘይብሉ ህጻን (ትሕቲ 18 ዓመት )፡ መሰል ጥዕናዊ ክንክን ልክዕ ከም ኣውስትርያዊ ዜጋ ምስ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ይህልወካ።ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተወከስ።

መሰል ትምህርቲ ብመሰረት ዕድመኻን ዝንባሌታትካ ይህልወካ።ኣየናይ ደረጃ ክፍሊ ክትመሃር ከምእትደሊ ፡ዝሓለፈ ደረጃ ትምህርትኻ ይግምገም።ተወሳኺ ክላሳትን ሓገዛትን ን ቋንቋ ጀርመን ድማ ይዳለወልካ።ንዝያዳ ሓበሬታ ፡ምዕራፍ ዕድል ትምህርቲ ተመልከት።

ክሳብ ኣብ ኣውስትርያ ዘለኻ ደረጃ ዑቅባኻ ብዘየገድስ፣ ዑቅባ ሓቲትካ ዲኻ ወይስ ኣይሓተትካን፣ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣሎካ/የብላካን ፣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓገዛትን ይህልወካ። ደገፍን ኣልያን(guidance) እንተ ደሊኻ፣ዋሕስካ ንትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዝሕግዙ ማሕበራትን ሰብ ሞያን ከራኽበካን ከላልየካ ሓላፍነታዊ ግደታ ኣለዎ።

ካብ ስድራቤት ዝተፈልዩ ህጻናትን ወይ ድማ ብዘይ ኣባል ስድራቤት ዝጓዓዙን ግዳያት ናይ ሓደጋ ንግዲ ወዲ ሰብ ሙዃኖም ይእመኖሎም።እዚ ማለት ድማ ን ምስጋግር፣ምምዝማዝ ህጻናትን መእሰያትን ብግዴታ ይኹን ብዓፈና ንስራሕ ፣ምንዝርና ፣ለመና ወይ ድማ ካልኣት ገበናዊ ንጥፈታት የጠቃልል።ሰብ መዚ ፖሊስ፣ ማሕበራውያን ሰራሕተኛታት፣ከምእውን ዋሕስካ ድማ እዚ ገበናት ኣብ ልዕለኻ ተፈጺሙ ንከይከውን ብምርግጋጽ ኣድላይ ሓገዛት ይገብሩልካ።

ፍሉይ ኩነታት ፣መሰላት፣ ኣገልግሎታትን ሓገዛትን ንስድራቤታት እንታይ ይመስሉ?

ንዝበዝሑ ሰባ ካብ ስድራቤት ምህዳም ውሕስነትን ርጉእነትን ይፈጥረሎም።መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ብዛዕባ ገዲፈሞም ዝመጹ ሰባት ዘይሻቀሉ ሰባት ዝያዳ ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ይነጥፉን ይወሃሃዱን።ስድራቤታት ናይ ጥርናፈን ብሓባር ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም።ሓተትቲ ዑቅባ ስድራቤታት ናይ ሓባር መንበርን ቀረብን ኣብ መዕረፊ ማእከል ይዳለወሎም።

ኣባላት ስድራቤት ዑቅባ እንተሓቲቶምሓቱ፣ ሕቶ ዑቅባ ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ይምርመር።በብውልቆም  ድማ ውሳኔ ይወስዱ።

ስድራቤታዊ ጥርናፈ

ኣብ ኣውስትርያ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንተ ተዋሂቡካ ፡ስድራቤትካ ድማ ኣብ መቆል ሃገርካ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ሃገር እንተደኣ ኣለዉ መሰል ናይ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣሎካ።እሳቶም ድማ ፡በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት ፣ ከምእውን ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ/ህጻናት እዮም።እቶም ህጻናት ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም እንተኾይኖምን ፣ ዝተመርዓዉ እንተኾይኖም ናብ ኣውስትርያ ክትጥርንፎም ኣይከኣልን።እቲ ሕቶ ጠለብ ጥርናፈ ድማ ድሕሪ ምውሳድ ዑቅባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክቀርብ ይግባእ።እንተዘይኮይኑ ግን ፡ጽኑዕ መምዘኒታት ይህልዉ (ገዛ፣ ኣታዊ ገንዘብ፣ ናይ ጥዕና ውሕስነት ክህልዉን ክረጋገጹን ይግባእ)።

ኣብ ኣውስትርያ ነዞም ዝስዕቡ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ክካየድ ኣይክእልን፥

  • ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ህጻናት
  • ወለዲ ናይ ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻናት
  • ቅድመ ወለዲ/ኣባሓጎ ፣ ዓባይ
  • ኣሞ፣ ኣኮ፣ ደቂ ሓው/ሓብቲ ፣ ካልኦት ኣባላት ስድራቤትን

ኣብ ኣውስትርያ መስርሕ ጥርናፈ ን “ስድራቤት ዝበሃል“ ብጽኑዕ ይፍለጥ። ክጥርነፉ ዝኽእሉ ኣብላት ስድራቤት ድማ ፡ ኣደ፣ ኣቦን ህጻናትን ብመሰረት እቲ ዝተገልጸ እዮም።ወለዶ ንምርግጋጽ፡ DNA መርመራ ብክፍሊት ገንዘብ ይካየድ ፡ እቲ ውጽኢት ቅኑዕ እንተኾይኑ ድማ ክፍሊት ይድጎም። መውስቦ/መርዓ ቅድሚ ምእታው ናብ ኣውስትርያ ዝተፈጸመ ክኸውን ይግባእ፡ መረጋገጺ ሰነድ ከም ወረቃቅቲ መርዓ የድሊ፡ ባህላዊ መርዓ ድማ ኣፍልጦ ወይ ተቀባልነት የብሉን። ካብ ሓደ ላዕሊ ዝተመርዓወ ድማ ሓደ ሰብ ጥራይ ክስዕብ ይግባእ።ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ድማ ካብ ባዕልኻ ክኸውን ይግባእ።

ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎም ሰባት ድማ ኣብ ስድራ ቤታዊ ጥርናፈ ፡ፈለማ ጠለብ ቪዛ ኣብ ወኪል ኣውስትርያ ናይቲ ስድራቤት ዝርከብዎ ሃገር ከቅርቡ ይግባእ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምቅባል ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ (subsidiary protection) ክፍጸም ኣለዎ፣ ። ብተወሳኺ ፡ናይ መንበሪ፣ ኣታዊ ገንዘብ፣ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ/ውሕስነት ክህልዎም ይግባእ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራቤት ሓተቲ ዑቅባን ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎምን ኣብ ቀይሕ መስቀል      ይርከብ፡        https://www.roteskreuz.at/migration-suchdienst/suchdienst/familie-zusammenfuehrung/

ቆጸራ ንምሓዝ /Make an appointment: https://www.roteskreuz.at/service/kontakt/suchdienst/

ፍሉይ ኩነታት ፣መሰላት፣ ኣገልግሎታትን ሓገዛትን ንስንክልና ዘለዎም ሰባት እንታይ ይመስሉ?

ስንክልና ዘለዎም ሰባት ማለት ናይ ነዊሕ ኣካላዊ፣ስነ ኣእሙራዊ ናይ ብልሒ ምምዝባላት ዘለዎም ኢዮም።እዚ ድማ ዓረቢያ ስንክልና(wheelchair)ተጠቀምትን ካልእ ናይ ምንቅስቃስ ጸገም ዘለዎም ሰባት፣ዓይነ ስውራን፣ጸማማትን፣ ናይ ሓንጎል ጸገም፣ወይ ድማ ማሕበራዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት የጠቃልል።

ኩነታት ምእንጋድን መስርሕ ዑቅባን ናይ ስንክልና ዘለዎም ሰባት

ስንክልና ዘለዎም ሰባት ንሓደጋ ዝተቃልዑ እዮም ፡ስለዝኾነ ድማ ብፍሉይ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ።እዚ ማለት ድማ ናይ ምእንጋድ መሰሎም ዝተሓለወ ክኸውን ይግባእ፣ዑቅባ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ካብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ሓተትቲ ዑቅባ ብዝተፈልየ ኣገባብ ይኸውን።ውሕስነት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ፡ስንክልና፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ጥዕናን ስንክልና ኣእምሮ ኣገዳሲ ውሳኔታ ኣብ ናቶም ዝንባለ ምስ ህይወቶም ዝተኣኣሳሰር ንክገብሩ የጸግሞም።ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚታት ብሕጊ ዓቅሞም ድሩት ኪኸውን ይግበር።እዞም ሰባት እዚኦም ሕጋዊ ሞግዚት ክህልዎም ይግባእ። ሕቶ ንጠለብ ዑቅባ ምውሳን እውን የጠቃልል።እዚ ድማ ኣገዳሲ ውሳኔትት ንኽገብሩን ምስ ናቶም ዝንባሌ ዝኸይድ ኣብ ናይ ዑቅባ ውሳኔ መስርሕ ክሳተፉን ኣሎውም ነቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብምትካእ ሞግዚት ዓቢ ተራ ኣለዎ።

  • ምኽባር መሰል ስንክልና ዘለዎም ሰባት

ሕጋዊ ዓቅሚ ምእጋድ ተነቃፊ ክሳብ ዝኾነ ፡ሓገዝ ዘድልዮም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ ሕጋዊ ሓገዛት ክግበረሎም ኣድላይ ምትሕብባር ክንገብር ይግባእ። ብተወሳኺ ማሕበራት ናይ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከምእውን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ምኽርን ሓገዛትን ዝህባ ኣለዋ ።“Sozialministeriumsservice” ዝተባህለ ማሕበር ድማ ብማሕበራዊ ምንስትሪ ዝተዳለወ ክይኑ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ይጣበቅን ፡ኣሎ ዝበሃል ሕቶታት ድማ መልሲ ይህባ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዝነጥፋ ማሕበራት መንግስታውን ዘይመንግስታውን እውን ብብዝሒ ይርከባ ፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ፡ ካሪታስ፣ ድያኮኒ ከምእውን ለበንሽልፈ ይበሃላ።

  • መሰል ክንክን ጥዕና

ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኩነታቱ ኣብ ግምት ዘእተወ መሰልናይ ክንክን ጥዕና ኣለዎ፡እዚ ድማ ን ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣብ ኣውስትርያ ዝተዋህቦ ሰብ ብሓደ ይምልከት፣ ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ ጥዕና ተመልከት።

  • መሰል ዕድል ትምህርቲ

ዕድመ ምርኩስ ብምግባር ልክዕ  ከም ሓታቲ ዑቅባን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦ ሰብን  ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎካ።እዚ ማለት ድማ ከ ሓታቲ ዑቅባ ፡ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ናይ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ መሰል ይህልዎም። ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ዝተዋህቡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከም ናይ ኣውስትርያ ዜጋ መሰላት ትምህርቲ ኣለዎም። ኣብ ኣውስትርያ መባእታዊ ትምህርቲ  ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት(6-15 ክልል ዕድመ) ግደታዊ እዩ።ስንክልና ዘለዎም መእሰያትን ህጻናትን መሰላት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲ ዕድላትን ኣለዎም።መስርሕ ትምህርቲ ንስንክልና ዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መስርሕ ምስትምሃር ብቀጻልነት ብግቡእ ንክመሃሩን ክርድኡን ሓገዝ ይግበረሎም።

  • መሰል ስራሕ

ስንክልና ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ስራሕኣብ ኣውስትርያ ኣለዎም፡እዚ ድማ ንሓተትቲ ዑቅባን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ ሰባት የጠቃልል፣ ሕጊ ዝጠልቦ ኩነታት ከማልኡ ድማ ይህልዎም።ስንክልና ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበ ሰብ እንተኾይኑ መምዘኒታት ስራሕ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ተመራጺ ይኸውን።እዚ ሓበሬታ ድማ ካብ ሕዝባዊ ናይ ዕዮ ኣገልግሎት ፡AMS፡-ስራሕ /ዕዮ ተመልከት/  ፡ወይ ድማ ማሕበራት ስንክልና ዘለዎም ሰባት ይርከብ።

  • ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ

ኣፈላላይ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣውስትርያ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።ስንክልና ዘለዎ ሰብ ናይ ኣፈላላይ ኩነት እንተ ኣጋጢምዎ -ማለት ካብ ስንክልና ዘይብሉ ሰብ ብዝተፈልየ መልክዕ እንተደኣ ተራእዩ ሓለዋ ክግበረሉ መሰል ይህልዎ።ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ ናይ ጥርዓን ፋይል ንቤት ጽሕፈት ተጠባባቂ ማሕበር ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ክኸፍት ይኽእል፡ ሓለዋ ኣንጻር ኣፈልላይ/፡ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ማሕበር ስንክልና ዘለዎም ሰባት ክውከስ ይግባእ።እንተኾነ ግን ፡ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ ንቋንቋኻ ክትርጉሙ ዝኽእሉ ተርጎምቲ ብቀሊሉ ክርከቡ ኣጸጋሚ እዩ።ኣብዚ ኩነት እዚ ቋንቋኻን ቋንቋ ጀርመን ዝርዳእ ሰብ ክትረክብ ዝሓሸ ይኸውን፡ 

ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ እንተኾይነ እንታይ ይገብር?

ንግዲ ደቂ ሰብ እንታይ ማለት እዩ?

ግዳያት ንግዲ ወዲ ሰብ ዝኾኑ ሰባት ማለት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ካልኦት ብምዃን ካብ ድሌቶም ወጻኢ ክምዝመዝዙን፣ኣብ ዘይደለይዎ ስራሕ ክዋፈሩን፣ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክሰርሑ ክግደዱን ማለት እዩ።

ግዳያት ክስልጥኑን ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ውን ክሽየጡን ይኽእሉ ፣እዚ ድማ ምብ ፈላጢኦም፣ ቤተ ዘመድ፣ ወይ ድማ ገበነኛ ጉጅለታት ይኸውን።ሓደ ሓደ እዋን ውን ጹቡቅ ክፍሊት ዘለዎ ክንረኽበልኩም ብምባል ናይ ሓሶት መብጽዓ ይወሃቦም።መብዛሕትኡ እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይንቀሳቀሱ ወይ ውን ካብ ሩሑቅ ገጠራትን ከተማታትን። ነጋዶ ድቂ ሰብ ነቶም ግዳያት ሙሉእ ብሙሉእ ቁጽጽር የእትውዎም፣ የገድድዎም፣ ይጨውዮም፣የታልልዎም። ገንዘባዊ ዓቅሞምን ወረቀት መንነቶምን ይውሰዶም ምኽኒያቱ ምሉእ ብ ምሉእ ኣብ ትሕቲ ቶም ነጋዶ ደቂ ሰብ ን ክኾኑ ማለት እዩ።

ግዳያት ኣካላዊ ፣ጾታዊ ፣ስነ ኣእሙራዊ ኣመጽ የጋጥሞም፡ኣብ ገለ ኣጋጣሚ `ውን ዘደንዝዝ መድሃኒት ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይእትዉ።ነጋዶ ደቂ ሰብ ንግዳያት ይምዝምዝዎም፣ናብ ካልኦት ድማ የሰጋግርዎም ፡እዚ ድማ ን ጉዱድ ስራሕ፣ ምንዝርና፣ካልእ ናይ ገበን ንጥፈታት ብዘይ ናቶምድሌት ከዋፍርዎም ይኽእሉ።

ኣብ ሓደጋ ዘሎ መን እዩ?

ደቀንስትዮን ህጻናትን ብፍላይ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ን ንግዲ ደቂ ሰብ ይርከቡ፡እንተኾነ ግን ደቂ ተባዕትዮ `ውን ንግዱድ ስራሕ ክምዝመዙ ተኽእሎታት ኣሎ።

ዝኾነ ሰብ ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ክኸውን ይኽእል።እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ፣ኣብ ዝበጽሖ መወዳእታ ሃገር ውን ከጋጥሞ ይኽእል።ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ናይ ትራንስፖርት ኣብ ዝህበሉ ግዜ ፣ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ ግዜ ስራሕ ክረኽበልካ ብ ዝብል ምስምስ ግዳያት ክኸውን ይኽእል።ወላ`ውን እቲ ሰብ ናይ ቀረባ በተ ሰብ ይኹን ልዑል ጥንቃቀ ኣድላይ ይኸውን ፡ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚ ብናይ ቀረባ ሰቦም ዝተጨውዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ንግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ መስርሕ ዑቅባን ናይ ኣቀባብላ ኩነታትን ከመይ ይመስል?

ኣብ መስርሕ ዑቅባ ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ብፍሉይ ተጠቃዕቲ ምዃኖም ይእመነሎም። መሰል ናይ ፍሉይ ሓገዝን ሓለዋን ድማ ካብ ግዜ ግድያት ንግዲ ደቂ ሰብ ምዃኖም ዝተለለይሉ እዋን ይህልዎም።

ኣብ ኣውስትርያ ፍሉይ ሓይሊ ንምክልኻል ንግዲ ደቂ ሰብ ኣሎ። ነዚ ተበግሶ ናይ ሓለዋ ዘካይዱ ኣካላት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ ዞባዊ ምንስትሪታት፣ ሰብኣዊ ማእከላት፣ ዞባዊ መንግስቲ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣  ብሓባር ኣብ መላእ ግዝኣት ኣውስትርያ ይሰርሑ።

ግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ምዃኖም ምስተለለዩ፡  ውሑስ ቦታ ይግበረሎም ፣ ከምእውን ሕክምናዊ፣ ስነኣእምራዊ፣ ሕጋውን ሓገዛት ይግበረሎም ኣብዚ መዳይ ዝንቀሳቀሱ ትካላት ድማ ፡ኣባላት ፖሊስ፣ ኣባላት መዕረፊ ማእከል፣ ዓለም ለኻውያን ማሕበራት፡ ከም ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ቀይሕ መስቀል፣ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ወይ ድማ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ወይውን ኣብ ሜዳ ዝሰርሑን እዮም።ማሕበር ምትእትታው ንግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ ደቀንስትዮ(LEFÖ-IB)  ድማ ሓላፍነት ግዳያት ደቀንስትዮ ይወስድ።ናይ ደቂ ተባዕትዮ ማእከል ጥዕና ሜን ቪያ MEN VIA ድማ ሓላፍነት ናይ ግድያት ደቂ ተባዕትዮ ይወስድ።

መደብ ሓለዋ ንግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ

ወጻእተኛታት ግዳያት ደቂ ሰብ ኣብ ውሑስ መኣንገዲ ክጸንሑ መሰል ኣለዎም።ብተወሳኺ እቲ ዝተዳለወሎም መደብ ናይ ሓለዋኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክቅበሉ ከምዝደልዩን ክውሰኑ ይግባእ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ ብኣስገዳድ ክጥረዙ ኣይክእሉን።ኣብዚ እዋን ዚ እቲ ሰብ ክስጎግ ኣይኽእልን።ኣብ መደብ ሓለዋ ምስታፍ ድማ ወለንታዊ እዩ።ብዛዕባ እቲ መደብ፣ ዝህሉ ሓገዛት ን ኩነታት ብዝርደኦ ቋንቋ ምድላው እቲ ግዳይ ሓበሬታ ይወሃቦ።ብዘይ ናቲ ግዳይ ስምምዕ ዝኾነ ውሳኔ ብዛዕብኡ ክውሰን ኣይግባእን።

ግዳይ ኣብ መደብ ናይ ሓለዋ ፕሮግራም ክኣቱ ፍቃደኛ እንተኾይኑ ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ይወሃቦ፡ እቲ መንበሪ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል።

ግዳይ ንግዲ ደቂ ሰብ  ወላውን ምስ ፖሊስ ወይ ውን ምስ ናይ ሕጊ ኣካል ኣይተሓባበር መሰል ሓገዛትን ደገፍን ኣለዎ።መንነትን ሓበሬታ ናይ ግዳይ ድማ ብ ሚስጥር ይተሓዝ።ብነጋዶ ደቂ ሰብ ተገዲዶም ዝገበርዎ ገበናት ድማ ክቅጽዑን ክጭቆኑን የብሎምን።

ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ህጻን እንተኾይኑ ድማ ተወሳኺ ስጉምትታት ንክትግበሩ ኣብ ግምት ይኣትዉ።ሕጋዊ ሞግዚት ብ ስድራቤታዊ ሓላፍነት ዝዋሳእ ይምዘዝ።ሕጋዊ ሞግዚት ድማ ኩሎም ውሳኔታት ንረብሓ ናይቲ ሕጻን ከምዝተወሰኑ ከረጋግጽ ይግባእ።ብኩሉ መዳያት ናይቲ ሕጻን ድሌት ንዝሚልከቶም ክሕብርን ከማኽርን ይግባእ።

ግዳይ ናይ ንግዲ ደቂ ሰብ ን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዑቅባ ከቅርብ መሰል ኣለዎ።ናብ ጭቆና ፣ ሞት፣ ስቅያት፣ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዘለዎ ሃገር እውን ክምለስ ኣይኽእልን።

እንተደኣ ግደያት ናብ ትውልዲ ሃገሩ ክምለስ ወሲኑ/ና ውሕስነት ናይ ምምላስ ክረጋገጽ ይግባእ።

ካብ ስቅያት ዝደሓንኩ እንተኾይነ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክረክብ ይኽእል?

ስቅያት እንታይ ማለት እዩ?

ስቅያት ክልኩልን ካብቶም ቀንዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።ስቅያት ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ስነኣእምሮን ኣካላውን ስቅያት ኮይኑ ብናይ ሃገር ወይ ድማ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ንዝተወሰነ ዕላማ ዝፍጸም እዩ።

ኣካላዊ ስቅያት ብመልክዕ ብርቱዕ ማህረምቲ፣አለክትሪክ ምንፍጥፋጥ፣ምቅጻል፣ምምካን፣ጾታዊ ኣመጽ፣ዓፈናን ካልእን የጠቃልል።እቲ ልሙድ ናይ ስነ ኣእምሮ ስቅያት ድማ ውርደት፣ተነጽሎ፣ምቅንጻልን ወይ `ውን ሙቅራጽ፣ምፍርራሕ ፣ከምእውን ናይ ካሎት ስቅያት ምዕዛብ ዛመሰሉን ኢዮም።

ነቲ ስቅያት ዝፍጽሙ ኣካላት ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ሓለውቲ ቤጥ ማእሰርትን፣ወታሃደራዊ ሓይልታትንሰበስልጣን መንግስትን እዮም።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት `ውን እቶም ኣካየድቲ ናይቲ ስቅያት ሰብ ሞያ ጥዕና፣ዶካትር፣ኣለይቲ ሕሙማትወይ ድማ እሱራት ብጾት ብድፍኢትን ትእዛዝን ሓለፍቲ ክኸውን ይኽእል።

ኩነታት ምእንጋድን መስርሕ ዑቅባን ንግዳያት ንግዳያት ስቅያት

ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ንሓደጋ ዝተቃልዑን ሓለዋ ክግበረሎም ድሌታቶም ክማላእን ይግባእ።ካብ ስቅያት ምድሓን ዓለምለኻዊ ሓለዋ ከውህብ ይኽእል። ብመሰረት ሕጊ ኣውስትርያ፡ ኣብ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ንካብ ስቅያት ዝደሓኑ፣ካብ ጾታዊ ኣመጽ፣ከምእውን ካልኦት ዓይነት ስነኣእምርሮ ፣ኣካላዊ፣ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣድላይ ሓገዛት እንተዘየልዮም ናይ ዶብን ዝተቀላጠፈ መስርሕ ኣይጥቀምን እዩ።ኣብ ኣውስትርያ ዑቅባ ንምሕታት (ብመልክዕ ጾታ ክካየድ ይኽእል፡ወዲተባዕታይ/ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ምስ ወዲተባዕታይ/ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓታቲ ክኸውን ይኽእል)፣ ውልቃዊ ሓበሬታኻ/ኺ ይምዝገብ (ኣሰር ኣጻብዕቲ፣ ስእሊ፣ ወዘተ)፣ ከምእውን እቲ ቀዳማይ ቃለ መሕትት ብፖሊስ ይካየድ። ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ቃለ መሕትት ድማ ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ጀሚርካ/ኪ ይበሃል። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (Bundesamt fur asylwesen/BFA)፡ ቀጺሉ ኣየናይ መሰረታዊ ክንክን ዝሓቆፈ ማእከል መቀበሊ ስደተኛታት ከምእትኸይድ ይውስን ።እዚ ከምዚሉ ከሎ BFA ኣየነይቲ ናይ ኣውሮፓ ሃገር (ኣውስትርያ ወይ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሃገር)  ጠለብ ዑቅባኻ (ብመሰረት ስምምዕ ዳብሊን ) ከምእትወስድ የጻርን ይመምን።ኣውስትርያ እተዘይኮይና ወይ ናብታ ፈለማ ዝኣተኻላ ሃገር ወይ ድማ ናብ ሃገርካ ይመልሰካ። እንተደኣ ሓላፍነት ናይ ሖ ዑቅባ ኣውስትርያ ትወስድ ኮይና ግን BFA እቲ መቲ መስርሕ ዑቅባ ይግምግምን ይውስንን። እቲ ድማ ተወሳኺ ቃለ መሕትት ብምክያድን ካልእን ይኸውን። ቀጺሉ እንታይ ዓይነት ደረጃ ዑቅባ ይወሃበካ ይውስን ፡ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ወይ ድማ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ይኸውን።  ኣብዚ ክፍለጥ እቲ መስርሕ ካብ ዝጅምር ክሳብ ዝውዳእ ፡ ሕጋዊ ሓገዛትን ምኽርን ዕድል ይህልወካ (ናይ ባዕልኻ ወይ ድማ BFA ዝመዘዞ ይኸውን )።

ኣብ ግብሪ ናብ ኣውስትርያ ክትኣቱ ማለት ከም ቀዳመይቲ ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ሃገር ብነፋሪት ክትመጽእ ኣለካ ፡ ስለዝኾነ ድማ መስርሕ ናይ መዕርፎ ነፈርቲ ዶብ ይረኣ።ናይ ብቀሊሉ ተጠቃዕቲ ሰባት፣ ግዳያት ስቅያት ወይ ጭቆና፣ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ሕቶ ጠለብ ዑቅባ ግን ኣብ መስርሕ ናይ መዕርፎ ነፈርቲ ዶብ ኣይኣቱን፡ ምንም እኳ ሓደ ሓደ ግዜ ንጸጥታዊ ምኽንያት ተባሂሉ እንተተፈጸመ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ግን ኣይካየድን እዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ ተመልከት፡

https፡//www.caritas.at/hilfe-beratung/migrantinnen-fluechtlinge/faqs-zum-thema-flucht-und-asyl/faqs-refugees-and-asylum/ 

ካብ ስቅያት ዝደሓኑ ምቹእ ናይ ምቅባል/መዕረፊ ኩነታት መሰል ኣለዎም።እዚ ማለት ድማ ሙሉእ ቀረብ ናይ ሕክምናዊ፣ናይ ስነኣእምሮ ተሃድሶ ኣገልግሎት ናይ ሕጊ ሓገዝ ፡ብመሰረት ውልቃዊ ድሌታቶም ክህልዎም ይግባእ፡ ኣብ ኣውስትርያ ከም ሉሙድ እዚ ዓይነት ሓገዛት ካብ ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ይርከብ። ሊንክ ናብ ሕማያት

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ  ናይ ካብ ዝደሓነ ሰብ ጸብጻብ ሕክምናን ስነኣእምሮ ሓገዛት ን ናይ ዑቅባ መስርሕ ን ምቅልጣፍ ይድመር።እዚ ጸብጻባት ከም ሰነድን መረጋገጽን ናይ ኣካላዊ፣ ስነኣእምሮ ስቅያትን ናይቲ ካብ ስቅያት ዝደሓነ ውጺኢት ይኸውን።ብ ክኢላታት ይጻሓፍ ፡ብ ልምዲ ናይ ስነኣእምሮ፣ዶካትር ሕክምናን ይኸውን።ነቲ ጸብጻብ ን ምቅራብ ናይ ሓታቲ ዑቅባ ሙሉእ ደገፍን ስምምዕን ክህሉ ይግባእ።

ፍሉይ ኩነታትን፣ መሰላትን፣ ኣገልግሎታትን፣ ሓገዛትን  ንLGBTI እንታይ ይመስል?

LGBTIQ

LGBTIQ ማለት ለስቢያን፣ግብረሰዶማዊ፣ክልተጾታዊ፣ጾታዝቀየረ፣ኢንተርሰክስ ሰባት(LGBTIQ)ማለት እዩ።

ኩነታት መዕረፊ ማእከል ናይ LGBTIQ  ሰባት

LGBTIQ ሰባት ፍሉይ መዕረፊ ቦታን /ባይታ ን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣለዎም።ናይ ኣውስትርያ ሕጊ ጾታዊ ሌላ ዘለዎም ሰባት ዓለምለኻዊ ዑቅባ ብፍሉይ ውሕስነትን ኣብ መቀበሊ ማእከልን መስርሕ ዑቅባን ይህብ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኣውስትርያ፡  ኣብ ግብሪ ንክፍጸም ወይ ክትግበር ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ሓለዋ ኣንጻር ኣፈላላይ

ኣፈላላይ ብሰንኪ ጾታዊ ሌላ ብሕጊ ኣውስትርያ ዝተኸልከለ እዩ።ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ  እንተኾንካ ካብ ናይ LGBTIQ ማሕበራት ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል። ገለ ካብኣቶም ናይ ሕጊ ሓገዛትን ስነ ኣእሙራዊ ምኽርን ይህቡ፡

https://www.gayinvienna.com/location/queer-base-     lgbtiq-refugees

https://queerbase.at/

 ገለ ካብዞም ማሕበራት ሕጋውን ስነኣእምራውን ሓገዛት ይህቡ፡ ብተፈላለዩ ቋንቋታት ድማ ይኸውን። እንተኾነ ግን ቋንቋኻ ዝርዳእ ምርካብ ከቢድን ግዜ ዝወስድን እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣምታት እውን ፈጺሙ ኣይርከብን።

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንታይ ማለት እዩ?

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ካብ መበቆላዊ  ማለት ትዉልዲ ሃገሮም ብምኽንያት ከቢድ ፍርሕን ብዘጋጥሞም ጭቆናን ን ኽስደዱ ዝተገደዱ ሰባት አፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።

ዓይነታት ዓለም ለኻዊ ሓለዋ እንታይ ይመስሉ?

ስለስተ  ዓይነት ሓለዋ ኣለዉ፤ ናይ ስደተኛ ደረጃ ሐለዋ ፣ ናይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ፣ ከምእዉን ሰብኣዊ ሓለዋ።

  • ስደተኛ ደረጃ ሓለዋ ኣብ ኣውስትርያ ብመሰረት ስምምዕ ጀነቫ 1951 ዝተደንገገ እዩ፡ ስደተኛ ማለት ካብ ትውልዲ ሃገሩ ብምኽንያት ጭቆና ኩናት ወይድማ ናዕቢ ንክወጽእ ወይድማ ክሃድም ዝተገደደ ማለት እዩ። ስደተኛ ሱርሰደድ ፍርሒ ናይ ጭኮና ብምኽንያት ዓሌታዊ ሃይማኖታዊ ቀቢላዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይድማ ኣባልነት ምስ ዝኾነ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምኻን ኣለዎ። መብዛሕቱ ኣጋጣሚታት ናብ ትውልዲ ሃገሩ ናይ ምምላስ ስግኣት ኣለዎ ኩናት ቀቢላዊ ግጭት ሃማኖታዊ ዓሌታዊ ግጭት ካብቶም ስድተኛ  ሃገሩ ገዲፉ ንክሃድም ዝግድድዎ ረቃሕታትእዮም። (UN)
  • ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ፡ ማለት ንዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ወይድማ ሃገር ኣልቦ ሰባት ንናይ ስደተኛ ደረጃ ብቁዓት ዘይኮኑ እንተኾነ ግን ከቢድ ምኽንያት ናይ ስግኣትን ስቅያትን ሞትን ከምዘለዎም ዝእመነሎም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።
  • ሰብአዊ ሓለዋ ፡ ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘኽእሉ ባይታታት ምስ ዘይህልዉ ጠቅላሊ ተጸዋዒ ስደትን ዑቅባን(BFA፡ Bundesamt fur Fremdenwesen und Asyl)፡  ንሓታቲ ዑቕባ ብመሰረት ውሽጣዊ ኮምሽን ስደተኛታት መርትዖታት ናይ ሰብአዊ አረአእያታት ምስ ዝህሉ፡ርጉጽ ስግኣት ሰብኣዊ ኩነታት ክሳብ ዘሎ፡ፍቓድ ናይ ሰብአዊ  ሓለዋ  ክህብ ይኽእል እቲ ፍቓድ ንሓደ ዓመት ዝውሃብ ኮይኑ ክሕደስ ዝኽእልን ፍቓድ ስራሕ ዝህብን ኢዩ ።

ዝኾነ  ሰብ ካብ ሃገሩ ብ ምኽንያት ጭቆና ኢሰብአዊ አተሓሕዛ ወይ ድማ ኵናት ንኽሃድም ስለዝተገደደን ምንም ኳ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣውስትርያ  እንተ አተወ፡ ከምኡውን ወረቀት መንነት ምስ ዘይህልዎን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ክሓትት ይኽእል። እቲ ጠለብ ዘቅርብ ሰብ ድማ ብመርትዖ አሰንዩ ኩነታት መህደሚኡን ወይ ድማ ዘስካሕክሕ ጉድአትን ንኽወጽእ ዘተባብዕዎ ነገራትን ክገልጽ ይግባእ።

ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ብኸመይ ክሓትት ይኽእል?

መስርሕ  ዓለም ለኻዊ ሓለዋ

  1. ጠለብ ዑቅባ

ከም ሓታቲ ዑቅባ ንኣውስትርያ ምስ ኣተኻ ዑቅባ ከተመክት ይግባእ።ስለዚ ንዝኾነ ኣባል ፖሊስ ወይ ድማ ክፍሊ ፖሊስ ክትሕብር ይግባእ።ሕጋዊ ምኽርን ተርጓምን ድማ ኣብቲ መስርሕ ዑቅባ ሓገዝ ይህቡ።

  1. ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣውስትርያ

ዝምልከቶም ሰብ መዚ፡ ኣውስትርያ ወይ ካልእ ሃገር ሓላፍነት ናይ ጠለብ ዑቅባ ከምእትወስድ ይምርምሩ።ብንጥፈት ኣብቲ መስርሕ ክትሳተፍ ይግባእ።ሙሉእ ሓበሬታ ንሰብ መዚ ከተቅርብ ይግባእ።ንኣብነት ፡ስምካን ዕለተ ልደትካን። ሓቂ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሑስ ሃገር እንተደእ ኔርካ ኣብ ኣውስትርያ ዕቅባ ክትረብ ኣይትኽእልን።

  1. መስርሕ ዑቅባ

እንተደኣ ኣውስትርያ ሓላፍነት ናይ መስርሕ ዑቅባ ትወስድ ሃገር ኮይና ፡ሰብ መዚ ናይ ዑቅባ ሕቶኻ ይምርምሩ። እንተዳኣ ብቁጠባዊ ጸገም ካብ መበቆል ሃገርካ ወጺኻ ዑቅባ ኣይትረክብን(ንኣብነት፣ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ኣብ መበቆል ሃገርካ እንተዘይብልካ)።ዘለካ ዶኩመንት ንሰብ መዚ ከተርእይ ይግባእ።ኣብ ግዜ ዑቅባ ሰብ መዚ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክረኽቡኻ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ ቆጸራታት ኣብ ግዜ ክትርከብ ይግባእ።ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቅባ ድማ ኣብ ኣውስትርያ ክትህልዉ ይግባእ።

ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣብ መስርሕ ዘለዉ ጠለብ ዑቅባ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። እቲ መስርሕ ኣስታት 7 ወርሒ ይወስድ (2018) ፡ኣብ ግብሪ ግን ኣስታት 15 ወርሒ ይወስድ።  ኣብ ግዜ ምጽባይ ውሳኔ ድማ መሰረታዊ ክንክን ኣብ ግሩንዱቨርሶርጉንግ (Grundversorgung) ይዳለወልካ። መግስቲ ብተወሳኺ ፡ ብቁዕ መንበሪ ፣ መግቢ፣ ክንክን ጥዕና፣ ዕድል ትምህርቲ ንህጻናትን ከምእውን 40 ዩሮ ንወርሒ የዳሉ። እንተደኣ  ኣብ ኣውስትርያ ኣወንታዊ መልሲ ናይ ዑቅባ ረኺብካ ናይ ስራሕ ዕድል ይህልወካ ፡ እቲ መሰረታዊ ሓገዝ ድማ ንኣርባዕተ ወርሒ ይቅጽል።

እቲ ውሳኔ ድማ ብጽሑፍ መልክዕ ምስ ዘድሊ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት፣ ግቡኣት፣ ግዜን መንገድታት ናይ ምፍጻም ጠለብ ይቀርብ። እቲ ውሳኔ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥

  • አፍልጦ ን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ፦ደረጃ ስደተኛ
  • ንጹግ ደረጃ ስደተኛ ፦ ግን ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ይዋሃብ
  • ንጹግ ደረጃ ስደተኛ፦ግን ሰብአዊ ሓለዋ ይዋሃብ
  • ዘይ ብቁዕ ጠለብ ይንጸግ
  • ዘይ ቅቡል ጠለብ(አቀዲሙ አብ ካልእ ናይ ኤውሮፓ ሃገር ጠለብ ዘቅረበ

ጥርዓን

ጥርዓን  ኣንጻር ናይ ፈለማ ውሳኔ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ንፈደራላዊ ምምሕዳር BFA (BVwG) ተቅርብ ።ብ BFA ደረጃ ዑቅባ ወይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓለዋ እንተዘይተዋሂቡ ግን ፡ ብመንግስቲ ነጻ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ይምዘዘልካ ፡እንተደኣ ሕጅውን እቲ ውሳነ ከም ናይ ፈለማ ንጹግ ውሳኔ ኮይኑ ካብ ኣውስትርያ ክትወጽእ ትግደድ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ

ከም ሓታቲ ዑቅባ እንታይ መሰላት ይህልዉኒ?

ከ ሕታቲ ዑቅባ መጠን ብመሰረት ደረጃን ሕጊ ዕድል ምክትታል መስርሕይህልወካ ፡እዚ ድም ኣድላይነት ሓለዋ/ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ይምርመሩን ይድህሰሱን ማለት እዩ፡ ዝግባእ ደረጃ ዑቅባ ድማ ይወሃብ ። ከ ኩሉ ሓታቲ ዑቅባ ድማ መትከል ሓለዋ ካብ ግዱድ ጥርዝያ ናብ ትውልዲ ሃገር ይህለወካ ።እዚ መትከል ከምዝሕብሮ ድማ ዝኾነ ሰብ ናብ ጭቆና ፣ ዘይሰብእዊ ኣተሓሕዛ ፣ ዘለወን ሃገራት ንሓታቲ ዕቅባ ንከይምለስ ይጣበቅን ይኽልክልን።ከም ሓታቲ ዑቅባ መሰል መሰረታዊ ክንክንን ሕጋዊ ምኽርን ሓገዛትን ይህልወካ።

ከም ሓታቲ ዑቅባ እንታይ ግዴታታት ኣለዉኒ?

ከም ሓታቲ ዑቅባ ንካልኦት ሕጋውያን መስርሓት ብመሰረት ሕጋዊ ደረጃ ክትታሓባበር ይግባእ፣ ብካልእ ኣገላልጻ ጻውዒት ሰብ መዚ ምኽባር ስለምንታይ ናብቲ ትውልዲ ሃገርካ ክትምለስ ከም ዘይትኽእል ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ምኽንያታት ምሃብ፣ እንተተኻኢሉ ድማ መርትዖ ምቅራብ። እንተደኣ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ክትሓትት ደሊኻ ቀጥታ ኣብ ኣውስትርያ ምስ ኣተኻ ክኸውን ይግባእ፡ እንተዘይኮይኑ ግኑ ሕማቅ ሳዕቤናት ይህልዎ።ከም ሓታቲ ዑቅባ ብቀጥታ ን BFA (ላኦለዋይ ተጸዋዒ ስደትን ዑቅባን ) ክትሕብር ይግባእ ወይ ድማ ንምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ናይ እትነብረሉ ከባቢ ክኸውን ይግባእ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ግዴታታትን መሰላትን ሓተቲ ዑቅባ

 

ምንጭታት፡ ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/Sources, Further information & Links

ደብተር መምርሒ ኣውስትርያ

መንበሪ ገዛ

ጥዕና

ምወላ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን

ትምህርቲ

   ሽቅለት/ስራሕ

ትምህርቲ ስልጠና ቋንቋ

ማሕበራዊ ህይወትን ምዝንጋዕን

ኣብ ሓድሽ ሃገር እንተደኣ ኣንፈት ኣጥፊእካ

ሕጋዊ ሓገዝ

ህዝባዊ መጓዓዝያ