Health care in Austria
- ኣብ ኣውስትርያ ብልምዲ ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ሕማም ሆስፒታል ክትረኣ ትኽእል፡ መብዛሕትኡ እዋን ግን ሰባት ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ብምኻድ ይረኣዩ።
- ዝህልወካ መሰል ውሕስነት ጥዕና ናይ መብዛሕታኡ ወጻኢታት ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይሽፍን።
- ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ንምኻድ ውሕስነት ጥዕና ክህልወካ ይግባእ፡ ካርድ ውሕስነት ጥዕና እውን ክተርኢ ይግባእ።
- ናይ ህጹጽ እዋን መስመራት ኣብ ኣውስትርያ፥ መጥፋእቲ ሓዊ 122፣ ፖሊስ 133፣ ኣምቡላንስ 144፣ 112 ድማ ናይ ህጹጽ እዋን መስመር ኣውሮፓ እዩ።
ውሕስነት ጥዕና ብኸመይ ይረክብ?
- ሓተትቲ ዑቅባ
ኣብ ኣውስትርያ ከም ስደተኛ ውሕስነት ጥዕና ንምርካብ ጠለብ ዑቅባ ብምቕራብ ክትምዝገብ ይግባእ።ድሕሪ ናይ ፈለማ ምቅባል ኣብ መቀበሊ ማእከል ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከም ሓታቲ ዑቅባ መባእታዊ ሕክምናዊ መርመራ ይካየደልካ። ከም ኣቅራቢ ጠለብ ዑቅባ ድማ ብቀጥታ ኣብ ኣገልግሎት ውሕስነት ጥዕና ትምዝገብ። ስለዚ ድማ ማዕረ ዜጋ ኣውስትርያ ኣገልግሎት ውሕስነት ጥዕና ይህልወካ፣ ብተወሳኺ ድማ ፡ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይምልከተካን።ኣብ ገለ ዞባታት ኣውስትርያ ፡ ከም ቪየና፡ ሓተትቲ ዑቅባ ካርድ ውሕስነት ጥዕና(e-card) ማዕረ ካልኦት ሰባት ይወሃቦም። በዚ መሰረት ድማ ፡ ዕድላት ውሕስነት ጥዕና ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕልኽላኻት ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ካልኦት ዞባታት ፡ ከም ስቲርያ ወይ ስላዝበርግ ፡ ጠለብ ናይ መተካእታ ዶኩመንት ከተቅርብ ይግባእ ፡ እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ካርድ ውሕስነት ጥዕና ከገልግል ይኽእል ብመንገዱ ድማ ሓኪም ክትሪኢ ትኽእል።
ሓበሬታ ብዛዕባ ምርካብ ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ክኢላ ኣብ ከባቢኻ ፡ ምዕራፍ 1.3 ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተወከስ።
- ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት
እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣሎካ ፡ ብቁዕ ናይ ስራሕ ፍቃድ ወረቀት ይወሃበካ። ኣስራሒ ድማ ኣብ ስርዓት ውሕስነት ጥዕና ከእትወካ/ከመዝግበካ ይግባእ።
እንተደኣ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ተካይድ ኮንካ ግን ፡ ብኣካል ናብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ ንማሕበራዊ ውሕስነት ፡ ውሕስነት ጥዕና ዘካተተ ፡ ክትምዝገብ ይግባእ። ዝያዳ ሓበሬታ ንባዕላዊ ስራሕ ዘለዎም ሰባት ዝስዕብ ሊንክ ፡ ተወከስ። ዝኾነ ኣታዊ (ገንዘባዊ) ምስ ዘይህልወካ/ኪ ድማ ኣብ ጠለብ ዝተሞርከሰ መሰረታዊ ክንክን ክትሓትት ይከኣል።
ሓበሬታ ብዛዕባ ምርካብ ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ክኢላ ኣብ ከባቢኻ ፡ ምዕራፍ 1.3 ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተወከስ።
- ኣባላት ስድራቤት ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት
ውሕስነት ጥዕና ዘለዎም ሰባትን ስድራቤታቶምን ናይ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ። ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ድማ ይምልከት፥
- በዓልቲ ቤት፣ ምዝጉብ ብጻይ/ብጸይቲ ከምእውን ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ኣዕሩኽ/ጽምዲ
- ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻናት
- ህጻናት ክሳብ ክልል ዕድመ 21 ስራሕ እንተ ዘይብሎም
- ህጻናት ክሳብ ክልል ዕድመ 26 ኣብ ትምህርቲ ዝርከቡ (ኣብ ምልመላ ዝርከቡ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ )
ብዘይ ውሕስነት ጥዕና ፡ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክረክብ ይኽእል ዶ?
ውሕስነት ጥዕና ዘይብሎም ሰባት (ንኣብነት፡ ሓተትቲ ዑቅባ ከም ጠለብ ዑቅባ ዘቅረቡ ሰባት ዘይተመዝገቡ) ፡ ኣብ ጥዕናዊ ንጥፈታት ዝርከቡ (ብAMBER MED ዝፍለጡ) ዘይ-መንግስታውያን ማሕበራት ኣብ ወለንታ ዝተመርኮሰ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ።
ሕክምናዊ ሓገዝ ካበይ ክረክብ ይኽእል?
ኣብ ኣውስትርያ ናይ ሓካይም ሆስፒታላትን ንጡፍ ኣገልግሎት ይርከብ። ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ሕማም ሆስፒታል ክትውከስ/ክትከይድ ይግባእ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ግን ፈለማ ሓፈሻዊ ሓኪም (ብቋንቋ ጀርመን፡ AllgemeinmedizinerIn ወይ Hausarzt/Hausärztin) ክትውከስ ይግባእ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚ ሓፈሻዊ ሓኪም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብዘይ ቆጸራ ክትርእይ ትኽእል። ኣብ መጸበይ ኣጋይሽ ስምካ ክሳብ ዝጽዋዕ ብዓቅሊ ክትጽበ ይግባእ። ኣብ ከባቢኻ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀጥታ መስመር ኢንተርነት/online (Website: ww.aerztesuche.at) ክትረክብ ትኽእል። ውሑዳት ቋንቋታት ዓረብኛ፣ ፋርሲ ወይ እንግሊዝኛ ዝዛረቡ ሓፈሻዊ ሓካይም ኣለዉ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ፡ ተርጓሚ ወይ ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብ ክትማላእ ይግባእ።
ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ሓፈሻዊ ሓኪም ናብ ካልእ ክኢላ ወይ ሆስፒታል ክትከይድ/ክትረኣይ ክሕብረካ ይኽእል።
ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ብምኻድ እንታይ ክፍሊታት ይህልወኒ?
መብዛሕትኦም ናይ ሕክምና ወጻኢታት ኣብ መንጎ ሓኪምን ትካል ውሕስነት ጥዕናን ይፍጸም። እዚ ማለት ድማ ናብ ሓኪም ብምኻድካ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይህልወካን። ሳሕቲ እዋን ግን ገለ ተወሰኽቲ ክፍሊታት ክህልዉ ይኽእሉ። እዚ ማለት ድማ ፍሉይ ሕክምና፣ ተወሳኺ ኣገልግሎት ዘድልዮ ሕክምና፣ ገለ መረጋገጺ ወረቀት ዘድልዮ ሕክምና ተወሳኺ ክፍሊታት /ወጻኢታት ክህልዎ ይኽእል። ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ድማ ክሽፈን ኣይከኣልን ፡ ገለ ካብቲ ወጻኢታት ግን ብትካል ውሕስነት/ኢንሹራንስ ጥዕና ይኽፈል። ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ድማ ንሓኪም ክትውከስ ይግባእ።
ሓኪም ንምርኣይ እንታይ ከማልእ ይግባእ?
ሓኪም ንምርኣይ ናይ ውሕስነት ካርድ (ኣብ ኣድላይነት መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ድማ መርትዖ ውሕስነት ጥዕና ካብ ዞባዊ መንግስቲ ) ክተርእይ ይግባእ። ካርድ ውሕስነት ጥዕና ወይ ወረቀት መርትዖ ክንክን ጥዕና ናብ ትካል ውሕስነት ጥዕና ብመንገዲ ኢንተርነት ጠለብ ብምቅራብ ክዳለዉ ይኽእሉ። እዞም ዝተጠቅሱ ፡ ወረቀት መርትዖን ካርድ ውሕስነት ጥዕናን ፡ ሓኪም ንምርኣይ ኣብ ትንቀሳቀሰሉ እዋን ክትማለኦም ይግባእ። ብተወሳኺ ናይ መንነት ካርድ እውን ክትማላእ ይግባእ። ንሓኪም ዘድልዩ ኩሎም ሓበሬታታት ኣብ ካርድ ውሕስነት ጥዕና ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ እንታይ ክገብር ይግባእ?
ኣብ እዋን ሓደጋ ፡ ብኽብረትካ እዞም ዝስዕቡ መስመራት ተጠቀም፥
- ኣምቡላንስ፡ 144
- ፖሊስ፡ 133
- ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ፡ 122
- ህጹጽ ናይ ደቀንስትዮ መስመር፡ 0800 222 555
- ናይ ኣውሮፓ ህጹጽ መስመር ፡ ኣብ ዝኾነ ኣባል ሃገር ኣውሮፓ ይሰርሕ፡ 112
እዞም ዝተጠቅሱ መስመራት ነጻ ክፍሊት ኮይኖም፡ ኣብ ዝኾነ ግዝኣት ኣውስትርያ ብዘይ መእተዊ ቁጽሪ ክትጥቀመሎም ትኽእል።ካብ ካቢናት ተለፎንን ሞባይል ብዘይ ሲምካርድን ክሰርሕ ይኽእል። ኣብ ገለ እዋን `ውን ብዘይ ሲግናል/ሓባሪ መስመር ክሰርሕ ይኽእል።
ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ግን እዞም ዝተጠቅሱ መስመራት ብዘይካ ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሎም ኣይግባእን። ዘይንቡር ምጥቃም ኣዝዩ ብዙሕ ክፍሊት ክህልዎ ይኽእል። ብዘይ ኣገባብ ኣምቡላንስ ናብ ገዛ እንተደኣ መጺኣ ፡ብኡ መንጽር ድማ ከቢድ ገንዘባዊ ክፍሊት ከስዕብ ይኽእል።
ናብ ክኢላ ሓኪም ንምኻድ እንታይ ከማልእ ይግባእ?
ናብ ክኢላ ሓኪም ንምኻድ ኣቀዲምካ ቆጸራ ምሓዝ የድሊ። እቲ ልሙድ ናይ ቆጸራ ግዜ ክሳብ ክልተ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል። ዜጋታት ኣውስትርያ እውን ክሳብ 2ሰሙናት ይጽበዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ፈለማ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ትኸይድ ፡ቀጺሉ እቲ ሓኪም ብመሰነይታ ወረቀት ኣሰንዩ ናብ ክኢላ ሓኪም ይሰደካ። እንተኾነ ግን ፡ ባዕልኻ እውን ቆጸራ ትሕዘሉ ኣጋጣሚታት ይህሉ ፡ ንኣብነት፡ ቆጸራ ምስ ክኢላ ማህጸን፣ ሓኪም ስኒ፣ ሓኪም ዓይኒ ክኸውን ይኽእል። ዝኾነ ሕቶ እንተሎካ ድማ ንተቀባሊ ኣጋይሽ ብምውካስ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትኣቱ ትኽእል። ናይ ውልቂ ሓኪም ምስ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ጥዕና ውዕል ከምዘለዎ ከተረጋግጽ ይግባእ። ናይ ምርጫኻ ሓኪም እንተኾይኑ ግን ፡ ገለ ወጻኢታት ጥራይ ብትካል ውሕስነት ጥዕና ይሽፈን።ኣብ ከባቢኻ ክኢላታት ንምርካብ ኣብ ገጽ ምውካስ ይከኣል።
ብትካል ውሕስነት ጥዕና ዝሽፈኑ ናይ ኣገልግሎታት ስኒ ኣዮኖት እዮም?
ገለ ኣገልግሎታት ሕክምና ስኒ ብሓፈሻ ብትካል ውሕስነት ጥዕና ኣይሽፈንን። ፍሉይ ሕክምና ስኒ ፡ስኒ ምስዳድ ዘካተተ ብሕሙም/ሕምምቲ ክኽፈል ይግባ።እዚ ማለት ድማ ልዑል ክፍሊት ስለ ዝህልዎዎ በቲ ትካል ኣይሽፈንን። ብሓፈሻ፡ ሸፈነ/ክፍሊት ክንክን ጥዕና ብሕክምናዊ ዓይኒ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሕክምናታት ጥራይ ይኸውን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ክንክን ሕክምና ስኒ ኣውስትርያ /dental care in austria ተወከስ።
ኣብ መዳይ ጥዕና ንህጻናት ዝምልከት ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ነገራት እንታይ ይመስሉ?
መወከሲ መጽሓፍ ኣደን-ህጻንን/mother –child –booklet ንኣደን ህጻንን ጥዕናዊ መምርሕታት ኣብ ምሃብ የገልግል። እዚ ድማ ሕክምናዊ መርመራታት ኣብ ግዜ ጥንስን ክሳብ 5 ዓመት ዕድመ ህጻንን ፡ብመደብ ኣደን ህጻንን ዝተዳለወ ፡ የጠቃልል። ኩሎም ግዴታዊ መርመራታት ንኣደን ህጻንን ኣገደስቲ እዮም። ዝምልከቶም ሓካይም ብምውካስ ድማ ነጻ ክፍሊት ዝኾኑ ኣገልግሎታት ምርካብ ይከኣል። ንህጻን ዝምልከት ገንዘባዊ ሓገዛት (ብቋንቋ ጀርመን፡Kinderbetreuungsgeld) ንምርካብ ኣቀዲምካ/ኪ ኣብ ግዜ ጥንሲ ዘድልዩ ሓሙሽተ መርመራታትን ካልኦት ሓሙሽተ መርመራታት ድሕሪ ምውላድን ፡ 14 ወርሒ ድሕሪ ምውላድ ህጻን፡ ብግቡእ ከተካይድን መርትዖ ክቀርብን ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ ግን እቲ ዝወሃብ ናይ ህጻን ገንዘባዊ ሓገዛት ክሓጽር ይኽእል።
- ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መወከሲ መጽሓፍ ኣደን-ህጻንን/mother –child –booklet ብቋንቋ ጀርመን፡
- ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ወሊድ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ፡ the birth of a child (English) ምውካስ ይከኣል።
ኣብ ኣውስትርያ ዝወሃቡ ግዴታዊ ክታበት ኣየኖት እዮም?
- መምርሒ ክታበት/Vaccination brochure ፡ንክታበት ዝምልከት ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል።
ንደቀንስትዮ ብፍላይ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣሎ ዶ?
ብክኢላ ማህጸን ዓመታዊ ዝግበር ናይ ምክልኻል መርመራታት፡ ናይ ጡብ ካንሰርን ወይ ናይ ማህጸን ካንሰር ፡ (ብቋንቋ ጀርመን Frauenarzt/Frauenärztin) ብፍሉይ ንደቀንስትዮ ዝወሃብ ኣገልግሎታት እዩ። ብሓኪም ክኢላ ማህጸን ንኩሎም ምስ ጾታውን ፣ ምቁጽጻር ወሊድ፣ ጥንስን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጸገማት ዝምልከቱ ጉዳያት ጥዕና ደቀንስትዮ ኣድላይ ምኽርን ፍወሳን ክርከብ ይከኣል። ደቂ-ተባዕትዮ ሓካይም ማሕጸን ምስ ውዕል ውሕስነት ጥዕና ዝተሻረኹ እውን ከመዘለዉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ጥንስን ወሊድን
ትካል ክንክን ጥዕና ወጻኢታት ወሊድ ጥራይ ክሽፍን ይኽእል፡ እዚ ድማ እንተደኣ እታ ኣደ ቅድሚ ምውላድ ህጻን 8 ሳምንታት ኣውስትርያ ኣትያ ወይ ብሓፈሻ ቅድሚ ምውላድ ህጻን ኣትያ ይኸውን። እዚ ምስ ዘይከውን ግን እታ ወላዲት ወይ ወለዲ ወጻኢታት ባዕሎም ክሽፍኑ ትኽእሎታት ይህሉ።
ተወሳኺ ክንክን ኣድላይ እንተደኣ ኮይኑ ፡ክረክብ ይኽእል ዶ?
ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራት ብመሰረት ስርዓት መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ፡ ተወሳኺ ናይ ጥዕና ክንክን ክርከብ ተኽእሎታት ይህሉ። ሓተትቲ ዑቅባ እውን ነዚ ዕድል ናይ ተወሳኺ ክንክን ክረኽቡ ይኽእሉ ፡ እንተኾነ ግን እዚ ዕድል እዚ ብጠለብ ናይ ሓተቲ ዑቅባ ክኸውን ይግባእ። ካብቶም ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ጠለባት ንፍሉይ ክንክን ጥዕና ድማ ፡ ሕክምናዊ ሰነዳት፣ ጸብጻባትን ደገፍ ናይ ኣድላይነት ተወሳኺ ክንክን ጥዕና ካብ 3 ወርሒ ዘይሓልፍ ክኽከውን ይግባእ ። ብተወሳኺ ሓታቲ ዑቅባ ኣብ መስርሕ እዚ ጉዳይ ክተሓባበር ግዴታዊ ይኸውን። ካብ ዘይ-መንግስታውያን ማሕበራት ዝቀርብ ጸብጻባት ኣድላይነት ተወሳኺ ክንክን ጥዕና እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ይኽእል።
ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ፍሉይ ክንክን
ፍሉይ ኣገልግሎት ንስንባደን ናይ ስቅያት ተመክሮ ዘለዎም ሰባትን ኣሎ ዶ?
ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ንስንባደን ናይ ስቅያት ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ማለት ሓተትቲ ዑቅባ፡ ኣገልግሎት ዝህባ ዘይ- መንግስታውያን ማሕበራት/NGOs ይርከባ። ካብኣተን እተን ዓበይቲ ማሕበራት ድማ ካሪታስ/ Caritas, ዲያኮኒ/Diakonie www.diakonie.at፣ ከምእውን ሒማያት/Hemayat እየን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ድማ ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ተርጎምቲ ብምስናይ ብሓባር ይሰርሑ። እንተኾነ ግን ጠለብ ስነ- ኣእምራዊ ሕክምና ዝጠልቡ ሰባት ብብዝሒ ስለ ዘሎ ፡ ነዊሕ ምጽባይን ሪጋን ይህሉ፡ ነፍስወከስ ውልቀሰብ ድማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ ኣጸጋሚ ይኸውን። ትነብረሉ ዞባ ምርኩስ ብምግባር ድማ ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን (ብውልቂ ይኹን ብሓባር) ገንዘባዊ ሓገዛትን ከምእውን ናይ ነዊሕ ሕክምናን ወዘተ ብመንጽር እቲ ዞባ ክፈላለ ይኽእል። ዝርዝራዊ መጽናዕትታት ብዛዕባ ክወሃቡ ዝኽእሉ ስነ-ኣእምራዊ ሓገዛት ሓላፍነት ናይቲ ዞባ ካሪታስ ፣ ሒማያት ወዘተ ይኸውን።
መንግስቲ ንስነ-ኣእምራዊ ሓገዛት ዝምልከት ሓበሬታ ንሓታትቲ ዑቅባን ንዝተፈላለዩ ማሕበራትን ናይ ምኽሪ ትካላትን የዳሉ፡
ንሑሙማን አይድስ/HIV ዝወሃብ ፍሉይ ኣገልግሎታት ኣሎ ዶ?
ብመንጽር ሕክምናዊ ኣገልግሎትአይድስህልፈ“Aidshilfe” ዝተባህለ ማሕበር ምኽሪ ብፍሉይ ንሕሙማን አይድስ ይህብ።ነጻ ኣገልግሎት ንመረመራ HIV ድማ ይህብ።
ንስንኩላን ዝወሃብ ፍሉይ ኣገልግሎት ኣሎ ዶ?
ንኣካልውን ስነኣእምራውን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ፍሉይ ሕክምና ዝህባ ፍሉጣት ሰለስተ ትካላት እየን። እሳተን ድማ ፡ ካሪታስ/Caritas, ዲያኮኒ/Diakonie ከምእውን ለበንስህልፈ/Lebenshilfe ይበሃላ። ብተወሳኺ ብዞባዊ ደረጃ ኣገልግሎት ዝህባ ማሕበራት እውን ይርከባ።
ዝርዝር ሊንክታት ንስንኩላን ሓገዝ ዝህባ ማሕበራት፥
https://www.behindertenarbeit.at/links/
ፍሉይ ኣገልግሎት ንጾታዊ ሌላን/LGBT ሰባት ዝዋሃብ ኣሎ ዶ?
ናብ ኣውስትርያ ዝመጹ ጾታዊ ሌላ ወይ LGBTIQ ሰባት Queer Base ዝተባህል ማሕበር ከብ መወከሲ ነጥቢ ሓገዛትን ደገፍን ይህብ፡ (www. Queerbase.at)
ውሕስነት ጥዕና ኣብ ኣውስትርያ ብኸመይ ተወዲቡ ይርከብ?
ብሕጊ፡ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ኣውስትርያ ከም ኣካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሕጋዊ ግዴታ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ፡ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ፡ኣብ ግዜ ሕማም፣ ሓደጋ ኣብ ስራሕ፣ ስራሕ ኣብ ዘይብልካ/ኪ እዋን ፡ወጻኢታት ሕክምናን፣ ተሃድሶን፣ ኣፋውስን ብምሽፋን ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ።
ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህዝባዊ ውሕስነት ኣብ ኣውስትርያ ፡ ወሃብቲ /ኣዳለውቲ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ግዝኣታትን ሞያውያን ጨንፈራትን ተወዲቦም ይንቀሳቀሱ። ከም ሳዕቤን ድማ፡ ስራሕተኛን ኣስራሕን ናታቶም ናይ ጥዕና ውሕስነት ክመርጹ ኣይክእሉን፡ ቦታን ናይ ኣስራሒ ሞያን ንኣዳለውቲ ውሕስነት ጥዕና ኣገደስቲ ነገራት ይኽኑ። ዝበዝሑ ኣዳለውቲ ህዝባዊ ውሕስነት ጥዕና ፡ ንድፊ ውሕስነት ጥዕና ናይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒታት ህይወት ዝርከቡ ሰባት የዳልዉ፡ (ንኣብነት ፡ ተማሃሮ፣ ጥሮታ ዝወጹ ሰባት፣ ኣባላት ስድራቤት፣ ወዘተ።)፡ ስለዝኾነ ድማ መሰረታዊ ዕድላት ኣገልግሎት ጥዕና ንኩሎም ክዳሎ ይኽእል።
ሸፈነ ውሕስነት ጥዕና ዘለዎ ሓኪም ኣበይ ክረክብ ይኽእል?
እስኻን ኣባላት ስድራቤትካን ምስ ወሃብቲ ውሕስነት ጥዕና ውዕል ዘለዎም ፡ ሓፈሻዊ ሓኪም ፣ ክኢላ ወይ ሓኪም ስኒ ፡ ክህልወካ/ክትጥቀም ትኽእል። ናብ ፍሉይ ሓኪም ንምምዝጋብ ካብ ኣዳላውቲ ውሕስነት ጥዕና ሓበሬታን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል። ብኣካል ናብ ሓኪም ብምኻድ እውን ሓኪም ውዕል ምስ ኣዳለውቲ ውሕስነት ጥዕና ከምዘለዎ ብምርግጋጽ ምምዝጋብ ትኽእል።
ፍሉይ ሓኪም ንምርኣይ/ ንምኻድ ዝኾነ ክፍሊት ኣልዎ ዶ?
ንነፍስወከፍ መድሃኒት፡ ክፍሊት ትእዛዝ መድሃኒት፡ 6ዩሮ ክትከፍል/ሊ ይግባእ።
ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ጥዕናውን ናይ ሓደጋ ውሕስነትን እንታይ ይመስል?
እቲ ፍልልይ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
- ውሕስነት ጥዕና ፡ ወሃብቲ ውሕስነት ጥዕና ብሕማም ምኽንያት ስራሕ ደው ምባል ወይ ጥንሲ ፡ ንዘጋጥሙ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ክፍሊት ይሽፍን። ሕክምናን ክንክንን ከምእውን ናይ ገንዘብ ካሕሳ ክትጠልብ መሰል ይህልወካ፡ ኣብዚ ናይ ፈለማ 6 ሳምንታት ናይ ሕማም ኣስራሒ ደሞዝ ምኽፋል ኣየቋርጽን።
- ናይ ሓደጋ ውሕስነት፡ ሸፈነ ክፍሊት ወጻኢታት ሓደጋ ኣብ ስራሕን ምስ ሞያ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን የጠቃልል።
ተወሳኺ ናይ ግሊ ክንክን ጥዕና ኣድላይነቱ ከመይ እዩ?
ኣብ ርእሲ ስርዓት ህዝባዊ ውሕስነት ጥዕና ፡ናይ ግሊ ስርዓት ውሕስነት ጥዕና እውን ይርከብ። እዞም ተወሰኽቲ ናይ ግሊ ውሕስነት ጥዕና ትካላት ፡ወጻኢታት ክፍሊት ተወሰኽቲ ኣገልግሎታት ፣ ሕክምና ተራፒ፣ ካልኦት ሕክምናዊ ጉዳያት ይሽፍኑ። ብልምዲ መሰረታውያን ኣገልግሎት ውሕስነት ጥዕና ብስርዓት ህዝባዊ ውሕስነት ጥዕና ይሽፈኑ ። ዝበዝሑ ኣብ ኣውስትርያ ዝነብሩ ሰባት እውን ተወሳኺ ናይ ግሊ ውሕስነት ጥዕና የብሎምን። ዝተወሰኑ ሰባት ግን እዚ ዝተጠቅሰ ናይ ግሊ ውሕስነት ጥዕና ንዝያዳ ክንክንን ኣገልግሎታትን ይጥቀሙ።
ተወሳኺ ውሕስነት ጥዕና ካብ ግዴታዊ ውሕስነት ወጻኢ ዝያዳ ኣገልግሎት ይህቡ፡ ንኣብነት፡ ናይ ግሊ መደቀሲ ክፍሊ ኣብ ሆስፒታል፣ ነጻ ምርጫ ናይ ሓካይም ወይ ሕክምና ብዝተፈላለዩ ሓካይም ፣ ከምእውን ናይ ሕክምና ስኒ ኣገልግሎትን ካልኦት ኣገልግሎታትን የጠቃልል።
2.8 መወከሲ ምንጭታት /Sources, ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን /Further information & Links
- AIDA Asylum Information Database. Health Care (English)
- Amber Med Medical Care and Medication Assistance for people without insurance (English)
- ኣገደስቲ ማሕበራት ኣዳለውቲ ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ኣውስትርያ (ቋንቋ እንግሊዝኛ)/Main association of Austrian social insurance providers (English)
- gv.at. Living and working in Austria (Ministry of social affairs/BMI)
- ዓለም ለኻዊ ማሕበር ስደት ቪየና (2016)/Internationale Organisation für Migration Wien (2016): AUCO 2016.