Legal aid in Austria

ሓገዝ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተደልየ ገንዘባዊ ዓቅሚ`ውን ምስ ዘይህልወኒ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዛት ኣብ ጉዳያት ቤት ፍርዲ ንገንዘባዊ ዓቅሚ ዘይብሎም ሰባት ክረኽቡ ይኽእሉ። መብዛሕትኡ እዋን ሕጋዊ ሓገዛት ኣብ ግዜ ሕቶ ብዛዕባ ጸገማት ደረጃ ዑቅባ ፣ መሰላት ዕዮ፣ ኣፈላላይ ወይ ድማ ስቅያት የድልዩ። ሓፈሻዊ ኩሎም ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ሕጋዊ ሓገዛት ኣብ እዋን መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ክህቡ ሓላፍነታኢ ግዴተኦም እዩ። ክትውከሶም ትኽእል ሰባት (ማሕበራት ኣብ እዋን ምብጻሕ ናብ ኣውስትርያ ዝቅበሉኻ) ዘድልዩኻ ሕጋዊ ሓገዛት ብትኽክል የራኽቡኻ።

ብተወሳኺ ኣብ መዳይ ሕጋዊ ሓገዛት ዝተሓባበሩ ካልኦት ማሕበራት (ሀልፒንግ ሃንድ። ካሪታስ ከምእውን ዲያኮኒ )እውን ይርከቡ። መወከሲ ሊንክ ኣብ ታሕቲ ተመልከት። ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እውን ብተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ነጻ ሕጋዊ ሓገዛት ኣብ እዋን ምንጻግ ናይ ፈለማ ጠለብ ዑቅባ ይህብ።

መወከሲ ነጻ ሕጋዊ ሓገዛት ወይ ምኽሪ ዝህቡ ማሕበራት ፡

ምትሕብባር ዑቅባ/Asylkoordiniation

ካሪታስ/Caritas

ዲያኮኒ/Diakonie

ሀልፒንግ ሃንድ/Helping Hand

ጠበቃታት ኣብ ኣውስትርያ/ሕጋዊ ሓገዛት/Lawyer in Austria/legal aid:

Netzwerk AsylAnwalt: http://www.asylanwalt.at/