Employment in Austria
ሽቅለት/ስራሕ
ስራሕ ኣብ ኣውስትርያ ተቆጺርካ ንምስራሕ ቋንቋ ጀርመን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሃገርካ ዝቀሰምካዮ ሞያዊ ስልጠና ፡ወላኳ ግዜ ዝወስድ እንተኾነ፡ ኣብ ኣውስትርያ ኣፍልጦ ክረክብ ይኽእል። ኣብ ታሕቲ ናይዚ ጽሑፍ ድማ ዝተፈላለዩ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ምኽርን ኣገልግሎትን ዝህቡ ትካላትን ምርካብ ይከኣል። ስራሕ ምንዳይ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ስራሕ ፡ጠለብ ምምልካት ንስራሕ ምቅራብ(ስራሕ ክሳብ ትረክብ) ኣገዳሲ ይኸውን። ተስፋ ዘይ ሙቅራጽ ኣገዳሲ እዩ።ኣብ ሃገርካ ትሰርሖ ዝነበርካ ስራሕ ኣብ ኣውስትርያ ክትረክብ ሓደ ሓደ እዋን ኣይከኣልን ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግን፡ ስራሕ ብምንዳይ ብዙሕ ስራሕ ንምርካብ ትኽእሎታት ይህሉ።
ኣብ ኣውስትርያ ስራሕ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል?
ህዝባዊ ኣገልግሎት ስራሕ/AMS ስራሕ ኣብ ኣብ ምንዳይ ይተሓባበር። AMS ኣብ መዳይ ስራሕ ሓበሬታን ምኽርታትን ይህብ፡ ብተወሳኺ ስልጠናታት ብምድላው ንስራሕ ድሉው ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ኣለዎ።
ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ (ብዘይካ በርገንላንድ) ፍሉይ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ንስደተኛታት ዝህቡ ማእከላት ይርከቡ፡ ዝርዝር ሊንክታት ድማ ኣብ ታሕቲ ክርከብ ይከኣል።
ብ ÖIF ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከል ድማ ስደተኛታት ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ሓገዛት ክረኽብሉ ይኽእሉ። እሳቶም ድማ ኣብ ቪየና፣ ሊንዝ፣ ስላዝበርግ፣ ግራዝ፣ ክላገንፉርትን ኢንስብሩክን ይርከቡ።
ክፉት ናይ ስራሕ ዕድል ድማ ኣብ ኢንተርነትን ጋዜጣታትን ብመልክዕ መወዓውዒ ክርከቡ ይኽእሉ። ብዙሓት ትካላት ድማ ኣብ ናታቶም መርበብ ሓበሬታ ናይ ስራሕ ዕድላት የቅርቡ። ዝርዝር ስራሕ ክርከበሎም ዝኽእሉ መድለይ መርበባት ኣብ ታሕቲ ምርካብ ይከኣል።
ኣብ ኣውስትርያ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሞያ ክነጥፍ ይኽእል ዶ?
ኣይፋል፡ ዝተወሰኑ ሞያታት እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ዓይነት ሞያ ክትቀስም ወላኳ ተምክሮ ኣብቲ ሞያ እንተሃለወካ ኣብ ኣውስትርያ ኣይከኣልን እዩ። እዚ ድማ ስሩዕ ንግዲ/Regulated Trade ይበሃል። ንኣብነት፡ ምድላው ሕብስቲ ፣ ሰራሕ ጫማ/ሳእኒ፣ሰራሕ ጸጉሪ ወዘተ።
ኣብ ኣውስትርያ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክርከብ ይከኣል?
ኣብ ኣውስትርያ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስራሕ ይርከብ። ብመሰረቱ፡ ባዕላዊ ስራሕን ተቆጺርካ ስራሕን ተባሂሎም ድማ ይፍለዩ። እንተደኣ ተቆጺርካ ትሰርሕ ኮንካ፡ ብልምዲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ትካል ትሰርሕ ፡ ተቆጻጻርን ኣስራሕን ድማ ይህልዉኻ። ሰራሕተኛን ኣስራሕን ውዕል ስራሕ ኣብ ሞንጎኦም ይህልዎም። ዝስረሓሎም ሰዓታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ (ኣብ ሰሙን ክንደይ ሰዓታት) ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ውዕላት ይርከቡ።
እሳቶም ድማ ፡
ምሉእ ግዜ(ብልምዲ 38.5 ሰዓታት ንሰሙን)
ትርፊ ግዜ (ብልምዲ 20 ሰዓታት ንሰሙን)
ትሑት ስራሕ(10 ሰዓታት ንሰሙን)
ናይ ትርፊ ግዜ ሰራሕተኛታት ከም ናይ ሙሉእ ግዜ ሰራሕተኛታት ኣብ ደንብታት ስራሕ ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ሙሉእ ናይ ውሕስነት ሸፈነ፣ (ጥዕና፣ ሓደጋ፣ ሽቅለት ኣልቦነትን ናይ ጥሮታ ውሕነትን) ይምልከቶም። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ግን ከም ጽግዕተኛ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት እዚ ዕድላት ናይ ውሕስነት/ኢንሹራንስ ኣይህልዎምን።
ዝተፈልየ ዓይነት ስራሕ ድማ ናይ ስራሕ ምልማድ ንጥፈት ይኸውን። እቲ ናይ ስልጠና መስርሕን ናይ ስልጠና ትምህርትን ኣብ ሓደ ግዜ ይካየድ። ዝበዝሑ መንእሰያት ድማ እዚ ናይ ስራሕ ልምምድ ኣብ ግዜ ምዝዛም ግዴታዊ ትምህርቲ (ኣብ 15 ዓመት ዕድመ) ይጅምርዎ። ካብዚ ወጻኢ እውን ናይ ስራሕ ልምምድ ንጥፈት ክካየድ ከምዝኽእል ምፍላጥ የድሊ።
ኣብ ንግዲ ዓለም ድማ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ትርፊ ግዜ ይነጥፉ። ስራሕ ኣብ መዳይ ቱሪዝምን። ሕርሻን ፣ ናይ ኣግራብ ስራሕን ኣብ ወቅታዊ ግዝያት ይካየዱ። ኣብ መዳይ ስራሕ ህንጻ ድማ ውሱን ናይ ስራሕ ውዕላት ይፍጸሙ። ኣገልግሎታት ነጻ ስራሕን ውዕል ስራሕን ነቲ ናይ ልሙድ ውዕላት ብምትካእ ኣብ ኩሉ መዳይ ስራሕ ይንቀሳቀሱ።
ዝርዝር ዓይነታት ስራሕ ኣብ ኣውስትርያ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ክርከብ ይከኣል፡
ብዘይ ውዕል ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ዶ? ዝኾነ ሰብ ብዘይ ውዕል ስራሕ እንተደኣ ሰሪሑ ፡ሰራሕተኛን ኣስራሕን ብሕጊ ይሕተቱ። እዚ ድማ “Schwarzarbeit” ተባሂሉ ይፍለጥ ፡ገንዘባዊ መቅጻዕቲ እውን የኸትል። እዞም ብዘይ ናይ ውዕል ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ናይ ውሕስነትን ጥሮታን ናይ ሽቅለት ኣልቦነት ምወላን ኣይህልዎምን። ተወላዶ ሳልሳይ ሃገር ኮይኖም ኣብ ዘይ ሕጋዊ ስራሕ ምስ ዝርከቡ ህጹጽ ናይ ምስጓግ ስጉምትን ናይ 10 ዓመታታ ምእጋድ መንበርን የኸትለሎም።
ናይ ፈተነ ግዜ
መብዛሕትኡ እዋን ናይ ፈተነ ግዜ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛን ኣስራሕን ዝህሉ ናይ ስራሕ ርክባት ኣብ ዝኾነ ግዜ ብዘይ ምልክታን ምኽንያትን ክስረዝ ይኽእል።ብልምዲ ናይ ፈተነ ግዜ ሓደ ወርሒ ይወስድ። ኣብ ገለ ናይ ሓባር ስምምዓት ግን ሓጺር ግዜ ክወስድ ይኽእል። ናይ ስራሕ ልምምድ ሰለስተ ወርሒ ናይ ፈተነ ግዜ ይህልዎ።
ውዕል ስራሕ
ውዕል ስራሕ ሕጋዊ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ሰራሕተኛን ኣስራሕን ብሕጊ ወይ ናይ ሓባር ስምምዕ ቀያዲ ክሳብ ዘይኮነ የቀምጥ። ቀንዲ ስራሕ ናይ ኣስራሒ ክፍሊትን ተወሰኽቲ ናይ ክፍሊት ግቡእትን ክኸውን ከሎ ሰራሕተኛ ድማ ስራሕ ምፍጻም ይኸውን። ውዕል ስራሕ ብተወሳኺ ብቃል እውን ክፍጸም ይኽእል።እንተኾነ ግን ንሕጋውነት እቲ ስራሕ ውዕል ስምምዕ ስራሕ ቅድሚ ስራሕ ምጅማር፡ንሕጋውነትን ውሕስነትን ክፍጸም ከምዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣገልግሎት ጽሑፍ ሰነድ እንታይ ማለት እዩ? ንምንታይ ከ የድልየኒ?
ኣብ ኣውስትርያ ውዕል ስራሕ ዝተጻሕፈ ክኸውን የብሉን ስለዝኾነ ድማ መሰላት ንውዕል ስራሕ ኣይህሉን ። ስለዝኾነ ድማ ኣስራሒ ናይ ጽሑፍ ሰነድ ንሰራሕተኛ ከቅርብ ይግባእ። ናይ ጽሑፍ ሰነድ ማለት ዝተሰነደ ናይ መሰላትን ግቡኣትን መግለጺታት ኣብ ትሕቲ ውዕል ስራሕ እዩ።
ኣብ ኣውስትርያ ሰባት ብኸመይ ይሰርሑ? ልሙድ ናይ ስራሕ ግዜ ከመይ ይመስል?
ኣብ ኣውስትርያ ልሙድ ናይ ስራሕ ሰሙን ካብ ሶኒ ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ይኸውን። መዓልታት ቀዳምን ሰንበትን ንመብዛሕትኦም ሰባት ናይ ዕረፍቲ ግዝያት እዩ። ልሙድ ናይ ስራሕ ሰዓታት 8 ሰዓታት ንመዓልቲ ፡ ወይ ድማ 40 ሰዓታት ንሰሙን እዩ ፡ብልምዲ ድማ ካብ 8 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ 6 ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን። እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ናይ ሓባር ስምምዓት ዝወሓደ ናይ ስራሕ ሰዓታት ከም ዝህሉ ይገብሩ ፡ እዚ ማለት ናይ 38.5 ሰዓታት ንሰሙን ይኸውን። ፍሉያት ኣጋጣሚታት እውን ይህልዉ ፡ንኣብነት፡ ናይ 9 ሰዓታት ናይ ስራሕ መዓልቲ ኮይኑ ዝተናውሐ ናይ ሰሙን ዕረፍቲ(ናይ ሓጺር ግዜ ንዓርቢ) ንምርካብ የኽእል፡ ሰሙናዊ ናይ ስራሕ ሰዓታት ድማ ብኡ መንጽር ካብ 40 ሰዓታት ንላዕሊ ይኸውን።
ዓመታዊ ክንደይ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይህልወኒ ?
ኣብ እዋን ሕማም ደሞዝ/ገንዘብ ክረክብ ይኽእል ዶ?
ኣብ እዋን ሕማም ደሞዝ ናይ ምኽፋል መስርሕ ንዝተወሰነ ግዜ ይፍጸም። ንክንደይ ግዜ ዝኣክል ምዃኑ ግን ኣብ እትሰርሖ ስራሕን ውዕል ስራሕን ይምርኮስ። ቀጺሉ ድማ ካብቲ ንውሕስነት ሕማም ኣቀዲምካ ዝመወልካዮ ክፍሊት ፡ ማለት ንትካል ውሕስነት ጥዕና ፡ ክፍሊት /ምወላ ክትረክብ ትኽእል።
ካብ ግዜ ወጻኢ ስራሕ
ካብ ግዜ ወጻኢ ስራሕ ማለት ካብቲ ዝተወሰነ ሰሙናዊ 40 ሰዓታት ወይ መዓልታዊ 8 ሰዓታት ዝያዳ ምስራሕ ማለት እዩ።
ኣብ ነፍወከፍ ድማ ናይ 50% ክፍሊት ንነፍስወከፍ ሰዓት ትረክብ። ኣብ ናይ መተካእታ ግዜ እንተደኣ ስምምዕ ኣለካ 1.5 ሰዓታት ንነፍወከፍ ሓደ ሰዓት ስራሕ ናይ ካብ ግዜ ወጻኢ ስራሕ ትቅበል።
ንነፍወከፍ ናይ ሓባር ስምምዕ ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ምሸት፣ ኣብ ግዜ በዓላት፣ ወይ ሰንበት ዝለዓለ ክፍሊት ትቅበል።
ስምምዕ ንሓደ ሰዓት ብሓደ ሰዓት ኣብ ናይ ካብ ግዜ ወጻኢ ስራሕ ክልኩል እዩ።!
ስራሕ ኣድላይ እንተኾይኑ 5 ናይ ተወሳኺ ሰዓታት ስራሕ ፍቁድ እዩ። ብተወሳኺ፡ ሕጊ ድማ 5 ሰዓታት ሰሙናዊ ናይ ተወሳኺ ሰዓታት ስራሕ የፍቅድ። (ብጠቅላላ 10 ናይ ስራሕ ሰዓታት)፡ ግን 60 ሰዓታት ተወሳኺ ስራሕ ንዓመት ክኸውን ይግባእ። መዓልታዊ ናይ ስራሕ ሰዓታት ድማ ምስ ተወሳኺ ስራሕ ካብ 10 ሰዓታት ክሓልፍ ኣይግባእን።
ናይ ሓባር ስምምዓት ተወሳኺ ናይ ስራሕ ሰዓታት ከፍቅድ ይኽእል፡ ብተወሳኺ ድማ ፡ ናይ ትርፊ ግዜ ስራሕ ብስምምዕ እቲ ትካል ክፍቀድ ይኽእል።
መሰላትን ግቡኣትን ሰራሕተኛታት
ምስራዝ ውዕል ስራሕ
ኣብ ህልው ናይ ስራሕ ርክባት ሰራሕተኛን ኣስራሕን ውዕል ናይ ምስራዝ ኣጋጣሚ እንተደኣ ኣሎ ክዘራረቡ ይግባእ። ናይ ምፍጻም ግዜ ፡ሞያ ስራሕ ኣብ ግምት ብምእታው ክፈላለ ይኽእል፡ እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ውዕል ናይ ምስራዝ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ምሕባር ሕጋዊ ሓላፍነት ናይ ክልቲኦም ወገናት ይኸውን።
ስራሕ ደው ምስ ተብል ብቀጥታ ናብ ናይ ሽቅለት ምወላ ቤት ጽሕፈት AMS፡ ምወላ ንምርካብ ፡ክትምዝገብ ይግባእ።
ኣብ ናይ ፈተነ ስራሕ ልምምድ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብክልተ ወገን ወላውን ብምኽንያት ሕማም ይኹን ካልእ ፡እቲ ልምምድ ክቋረጽ ይኽእል። እንተኾነ ግን፡ ኣስራሒ ናይ መወዳእታ ግዜ ሰሌዳ ሓበሬታ ከማልእ ይግባእ።
መሰል ስራሕ
- ሓታቲ ዑቅባ
ዕድል ናይ ስራሕ፡ ሓተትቲ ዑቅባ ድሕሪ ምምልካት ዑቅባ ሰለስተ ወርሒ ፡ ኣብ ግዜ መስርሕ ዑቅባ ናይ ስራሕ ፍቃድ ክሓቱ ይኽእሉ። እንተኾነ ግን፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ መዳይ ሕርሻን ቱሪዝምን ክሰርሑ ይፍቀዶም። ትሕቲ 25 ዓመት ሓተትቲ ዑቅባ እውን ናይ ስራሕ ፍቃድ ንናይ ስራሕ ልምምድ ክረኽቡ ይኽእሉ። ኣብ ፍሉይ ጠለብ ዝቀርበሎም ናይ ስራሕ ልምምዳት ግን ሕጽረት ኣለማመድቲ ስራሕ ከምዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣዎንታዊ ናይ ሓገዝ ንጥፈታት ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ ኣዋጅ ድሕነት ፡ ሓተትቲ ዑቅባ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ወይ ረብሓ ኣብ ንጥፈታት ፈደራል፣ ወይ ዞባዊ መንግስቲ ክሳተፉ ይኽእሉ። ነዚ ዝኾነ ናይ ፍቃድ ስራሕ ወረቀት ኣየድልን። እዞም ንጥፈታት ድማ ኣብ ትሕቲ ኣልያ/ሱፐርቪዥን (ንኣብነት፡ ጽሬት፣ ስራሕ ክሽነ፣ ጽገና) ክካየዱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ናብ ስሩዕ ምዱብ ስራሕ ክትካእ ኣይግባእን። ነዞም ዝተጠቅሱ ንጥፈታት ድማ ናይ ጽሑፍ ስምምዓት ምድላው ፡ንክህሉ ዝኽእል ክፍሊታት ኣገዳሲ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ብሕጊ ደረጃ እቲ ክፍሊት ውሱን ኣይኮነን። ኣብ ቪየና ንኣብነት፡ 3 ወይ 5 ዩሮ ንሰዓት ምኽፋል ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ኣገልግሎት ቸክ
ኣገልግሎት ቸክ (DLS) ኣገባብ ኣከፋፍላ ደሞዝ ናብ ናይ ግሊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት እዩ። ፍቃድ ስራሕ ኣንተደኣ ኣለዎም ሓተትቲ ዑቅባ ምስ DLS ክሰርሑ ይኽእሉ። 11.75 ንዝኾነ ናይ ኣገልግሎት ንጥፈት ድማ ክኸፍሉ ይግባእ። ተወሳኺ ኣታዊታት ንኸይህሉ ድማ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ሓተትቲ ዑቅባ ካብ 110 ዩሮ ክፍሊት ንላዕሊ ንወርሒ ፡ብተወሳኺ 80 ዩሮ ንላዕሊ ድማ ንነፍስወከፍ ኣባል ስድራቤት ክወስዱ ኣይግባእን። ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ ኣታዊታት ኣብ ናይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣታዊ ይሕሰብ።
ባዕላዊ ስራሕ
ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ናይ ውልቂ ስራሕ ክዋፈሩ ይኽእሉ ፡ እዚ ኣንተደኣ ኣብ መስርሕ ናይ ዑቅባ ካብ ሰለስተ ወርሒንላዕሊ ኣለዎም ይኸውን።
ናብ ናይ ባዕላዊ ስራሕ ዝተመዝገበ፥
- መሰል ናይ መባእታዊ ክንክን የብሉን
- ናይ ውሕስነት ካርድ ብውልቁ ካብ Wiener Gebietskrankenkasse (WGKK) ከምእውን Sozialversicherungsanstalt (SVA) ከውጽእ ይግባእ።
- ክፍሊት ማሕበር/ቻምበር ክኸፍል ይግባእ
- ኣታዊ ግብሪ ክኸፍል ይግባእ
ትካል ንግዲ ቪየና ሓበሬታ ንጀመርቲ ባዕላዊ ንግዲ ብ17 ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን ፣ዓውደ መጽናዕትን ናይ ስራሕ ውጥናትን፣ ሕጋዊ ሓገዛት ግብርን ግቡኣቱን ይህብ።
ስልጠና/ ልምምድ ስራሕ
ሓተትቲ ዑቅባ ግብራዊ ተመክሮ ንምቅሳም ኣብ ወለንታዊ ስራሓት ክዋፈሩ ይግባእ። እዚ ናይ ስራሕ ልምም ተመክሮን ፍልጠን ንምቅሳም ከምእውን ክእለት ንምጥርይ ሓጋዚ ተራ ይህልዎ። ግዴታዊ ስራሕ ኣይህልዎምን። ብሓፈሻ ፡ ወለተኛታት ናወንታኣዊ ናይ ሓገዝ ንጥፈታት ፡ ቀለልቲ ስረሓት፡ ናይ ህንጻ ስረሓት ዝተቃልዑ ኣይኮኑን። እንተኾነ ከም መበገሲ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ናይ ወለንታዊ ንጥፈታት ክሳተፉ ዝሓሸ ይኸውን። ንሕብረተሰባዊ ምውህሃድን ካብ ጽግዕተኛነትን ድማ ይሕግዞም። ወሃብቲ ስልጠና ድማ ወጻእተኛታት ንምምልማል ንቤት ጽሕፈት AMS ከምእውን AUVA ክሕብሩ ይግባእ። ናይ ስልጠና ግዜ ካብ ሰለስተ ወርሒ ክሓልፍ ኣይግባእን። ካብኡ ንላዕሊ ምንዋሕ ኣይፍቀድን። ካብ ምልመላ ቀጺሉ ናይ ምምኽኻር መደብ ግን ይፍቀድ እዩ። ኣብዚ ናይ ምምኽኻር ግዜ ታሕተዎት ኣሰልጠንቲ ምስ ላዕለዎት ኣሰልጠንቲ ብምዃን ንዝተወሰነ ግዜ የካይድዎ።
ወለንታውነት
ዝኾነ ኣብ ኣውስትርያ ዝነብር ሰብ ኣብ ወለንታዊ ንጥፈታት ክሳተፍ ይኽእል ፡ በዚ መሰረት ድማ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብዚ ወለንታዊ ንጥፈታት ክሳተፉ ይኽእሉ። እንተኾነ ግን ወለንተኛታት ኣብ ትሕቲ ስም ናይ ወለንታዊ ስራሕ ፡ ስራሕ ክቊጸሩ ኣይግባእን።
ናይ ዕረፍቲ ግዜን መተካእታን መደብ ስራሕን/ኢንተርንሽፕ
ሞያዊ ስልጠና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ኮለጃትን ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝወሰዱ መንእሰያት ሓተትቲ ዑቅባ፡ ከም መተካእታ ስራሕን ኢንተርንሽፕን ኣብ ትካላት ንስልጠና ዝኣክል ክሳተፉ ይኽእሉ። እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንኩሎም ተመሃሮ ይምልከት።
- ዑቅባ ዝተዋህቦም
ሓተትቲ ዑቅባ (ብዓለማዊ ስምምዕ ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ስደተኛታት) ማዕረ ዜጋታት ኣውስትርያ ሓደ ዓይነት መሰላት ኣብ ስራሕ ዓለም ይህልዎም ፡ ናይ ስራሕ ፍቃድ እውን ኣየድሎምን።
ስደተኛታት (1) ከምእውን ዓይነታዊ ሓገዝ ዑቅባ (2) ዝተዋህቦምን ፡ ካብ ዓውደ ሕጊ ዓንቀጽ ኣዋጅ ንዕድል ስራሕ ወጻእተኛታት ዝምልከት ዝወጹ እዮም፡ እዚ ማለት ድማ ኣይምልከቶምን ። ዕድል ስራሕ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቃድ ይህልዎም።
- ኣባላት ስድራቤት ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት
ኣባላት ስድራቤት ናይ ድሮ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ዝተዋህቦም ሰባት ፡ እንተደኣ ሓፈሻዊ መምዘኒታት ናይ መንበሪ ዘማልኡ ኮይኖም “ቀይሕ ጻዕዳ ቀይሕ ፕላስ ካርድ“ ይወሃቦም ። እዚ ዝተጠቅሰ ካርድ ድማ ንወነንቱ ነጻ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ስራሕ ዓለም ንኽህልዎም የፍቅድ(3)።
ኣገልግሎታት ስራሕ
መንግስታዊ፣ ግላዊ፣ ብኸመይ ይምዝገቡ፣ መሰላትን ግቡኣትን፣ ኣበይን
ህዛባዊ ናይ ስራሕ ኣገልግሎታት ኣብ ኣውስትርያ Arbeitsmarktservice”, ብሓጺሩ ድማ : AMS ተባሂሉ ይፍለጥ።
ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ናይ ኣውስትርያ (ብዘይካ ዞባ ቡርገንላንድ) ብፍሉይ ንስደተኛታት ምኽሪ ዝህቡ ማእከላት ይርከቡ። ናይ ሊንክ ዝርዝር ድማ ኣብ ታሕቲ ክርከብ ይከኣል።
ስደተኛታት ብተወሳኺ ብምትሕብባር ማእከል ÖIF ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ሓገዛት ክረኽቡ ይኽእሉ። እሳቶም ድማ ኣብ ቪየና፣ ሊንዝ፣ ስላዝቡርግ፣ ግራዝ። ክላገንፉርትን ኢንስብሩክ ይርከቡ።
ክፉት ናይ ስራሕ ዕድል ድማ ኣብ ኢንተርነትን ጋዜጣታትን ብመልክዕ መወዓውዒ ክረኽቡ ይኽእሉ። ብዙሓት ትካላት ድማ ኣብ ናታቶም መርበብ ሓበሬታ ናይ ስራሕ ዕድላት የቅርቡ። ዝርዝር ስራሕ ክርከበሎም ዝኽእሉ መድለይ መርበባት ኣብ ታሕቲ ምርካብ ይከኣል።
ውሕስነት/ኢንሹራንስ ሽቅለት ኣልቦ -ናይ ምቅባል መምዘኒታት፡ ንክንደይ ዝኣክል
እንተደኣ ንፈለማ እዋን ናይ ሽቅለት ኣልቦነት ምወላ ትሓትት ኣለኻ ፡ ብውሑዱ ኣብ ውሽጢ 2 ዓመታት ናይ 52 ሳምንታት ኣብ ስራሕ ከምዝተዋፈርካ ዝሕብር ሰነድ ከተቅርብ ይግባእ። ንፈለማ እዋን እንተ ዘይኮይኑ ግን ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሳምንታት ናይ ስራሕ ሰነድ የድሊ። እንተደኣ ካብ 25 ዓመት ዕድመ ንታሕቲ ኮንካ 26 ሳምንታት ናይ ስራሕ ሰነድ ኣኻሊ ይኸውን። እዚ ድማ ንፈለማ ግዜ ጠለብ ተቅርብ እንተደኣ ኣለኻ ይኸውን።
ትርኽቦ ዓቀን ገንዘብ ድማ 55% ናይ ዝሓለፈ ዓመት እትዋት ወይ ድማ ቅድሚኡ ዝነበረ ይኸውን። ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ክንደይ ናይ ሽቅለት ኣልቦት ምወላ ከምእትረክብ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
ደሞዝ
ጠቅላላ ደሞዝ፣ ዝተጻረየ ደሞዝ፣ ግብሪ እትዋት፣ ውሕስነት ጥሮታ፣ ውሑስ ትሑት ደሞዝ፣ ማእከላይ ደሞዝ
1.ስደተኛታትን ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 3 ናይ ዑቅባ ኣዋጅ 2.ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ማለት ድማ ኣብ ትሕቲ ምኽንያታት ናይ ECHR, ምጥራዝ ክልኩል ምዃኑ ይሕብር፡ ዓንቀጽ 8 ናይ ዑቅባ ኣዋጅ ተወከስ 3. ካብ ሕጊ ዓንቀጽ ኣዋጅ 17, ንዕድል ስራሕ ወጻእተኛታት ዝምልከት |
ስራሕ ተቆጺርካ ከም እትሰርሕ ሰብ መጠን ወርሓዊ ደሞዝ (ናይ ዝሓለፈ ወርሒ) ብመንገዲ ሕሳብ ናይ ባንኪ ይወሃበካ። ሰነድ ሓበሬታ ዝርዝር ኣከፋፍላ ደሞዝ ድማ ወርሓዊ ድሕሪ ነፍስ ወከፍ ምቅባል ደሞዝ ክወሃብ ይግባእ።
ናይ ሓባር ስምምዕ፣ ወይ ውሽጣዊ ስምምዕ ናይ ትካል፣ ውልቃዊ ድርኺታት ፡ከም፡ ዕድመ፣ ሞያ፣ ሰዓታት ስራሕን ቦታ ስራሕን፣ ወዘተ ፡ኣብ ግምት ብምእታው ክንደይ ዝኣክል ደሞዝ ከምእትወስድ ይውስኖ።
ጠቅላላ ደሞዝ ግዴታዊ ዝኾነ ናይ ማሕበራዊ ኣበርክቶታት ውጽኢት የጠቃልል፡ እዚ ድማ ኣበርክቶ ንውሕስነት ጥዕና፣ ዕድመ ምድፋእ/ሽምግልና፣ ሽቅለት ኣልቦ፣ ከምእውን ስንክልና የጠቃልል። እዚ ማለት ድማ ስራሕ ብመሰረት ውዕል ኣብ እትጅምረሉ ግዜ ብቀጥታ ውሕስነት ትረክብ፡ ኣበርክቶታት ጥሮታ ድማ ተዋጽእ፡ እዚ ድማ ኣብ እዋን ምውጻእ ጥሮታ ዝኽፈለካ ይኸውን። ብተወሳኺ ድማ ናይ ኣብ ስራሕ ከጋጥም ዝኽእል ውሕስነት ፡ምወላ ሽቅለት ደው ምባል፡ (ስራሕ ብምኽንያት ሓደጋ እንተደኣ ኣቋሪጽካ) ፡ስራሕ ብምኽንያት ስድራቤታዊ ጸገማት እንተደኣ ተቋሪጹ (ሓደ ሓደ ምኽንያታት ኣብ ግምት ዘእተወ )ምወላ ክትረክብ የኽእለካ ። ኣስራሒ ድማ ገለ ካብቲ ተዋጽኦ ኣበርክቶታት ብምሓዝ ናይ ትካል ክፍሊት ወሲኹ ይኸፍለካ።
ካብ ኣበርክቶታት ወጻኢ ዝወሃብ ደሞዝ ድማ ኔት/ጽሩይ ደሞዝ ተባሂሉ ይፍለጥ፡ እዚ ዓቀን ገንዘብ ድማ ብመልክዕ ሕሳብ ባንኪ ዝኽፈለካ እዩ።
ጠቅላላ -ጽሩይ-ደሞዝ ብናይ ሕሳብ መሳርሒ ( Brutto-Netto-Rechner) ፡ ዝኽፈል ደሞዝ ክንደይ ከምዝተርፍን ከምዝቁረጽን ከምእውን ኣበርክቶታት ማሕበራዊ ውሕስነትን በዚ መንገዲ ክፍለጥ ይከኣል፡
ኣብ ኣውስትርያ ኣድማሳዊ ናይ ዝተሓተ ደሞዝ ዓቀን የለን። እንተኾነ ግን ፡ ናይ ሓባር ስምምዕ( Kollektivverträge) ኣብ ነፍስወከፍ ትካል ይርከብ። እዞም ስምምዓት ድማ ኣብ ሞንጎ ቤት ምኽሪ ዕዮ፣ ቤት ምኽሪ ንግዲ፣ ቤት ምኽሪ ሕርሻን ናይ ንግዲ ማሕበራት ይፍጸሙ፡ መሰላትን ግቡኣትን ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ድማ የጠቃልሉ። እቲ ትካል ናይ ሓባር ስምምዕ እንተደኣ ኣለዎ ትሑት ዓቀን ደሞዝ ድማ ኣብኡ ይውሰን። ሓፈሻዊ ስእሊ ብዛዕባ ናይ ሓባር ስምምዕ ውዕል ኣብ ዝስዕብ ሊንክ ክርከብ ይከኣል፡
ኣብ ኣውስትርያ ገምጋም ወርሓዊ እትዋት ደሞዝ (14 ግዜ) ናይ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ብገምጋም ኣስታት 2,570 ዩሮ ይበጽሕ።
ውክልና ሰራሕተኛታት
ኣብ ኣውስትርያ ውክልና ሰራሕተኛታት ብመንገዲ ቤት ምኽሪ ዕዮን ናይ ኣውስትርያ ናይ ንግዲ ማሕበራት ኮንፈደረሽናት ይካየድ። ኣባልነት ኣብ ቤት ምኽሪ ዕዮ ድማ ቀጥታዊ ይኸውን፡ እንተኾነ ግን ኣብቲ ማሕበር ንክትጽንበር ናይ ኣባልነት ማሕበር ክፍሊት ከተዋጽእ ይግባእ። እዚ ቤት ምኽሪ ዕዮ ነጻ መስመራት ተለፎን ንምኽርን ሓለዋ ሰራሕተኛታትን ይህብ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ዕዮ ምኽሪ ብተወሳኺ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንሰራሕተኛታት ይርከብ።
ቤት ምኽሪ ስራሕ እንታይ ማለት እዩ፡ ንምንታይ ከ የድሊ?
ቤት ምኽሪ ስራሕ ብደረጃ እቲ ትካል ሓላፍነት ናይ ሰራሕተኛታት ወሲዱ ይንቀሳቀስ።ብሰራሕተኛታት እቲ ትካል ድማ ንሓሙሽተ ዓመታት ይምረጽ።
ናይ ስራሕ ቤት ምኽሪ ድማ ብሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ክምስረት ይኽእል። ቤት ምኽሪ ስራሕ ሓይሊ ስራሕ ሰራሕተኛታት እምበር ንኣስራሕቲ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን።
ቀንዲ ስራሕ ናይ ቤት ምኽሪ ስራሕ ድማ ውክልና ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ፈጠራ ይኸውን። ቤት ምኽሪ ስራሕ ንምኽሪ ይሕተት፡ ንኣብነት፡ ብናይ ሓደ ወገን ትእዛዝ ናይ ምስጓግን ስራሕ ምቊጻርን ንኸይህሉ ፡ከምእውን ኣፍልጦ ሰራሕተኛታት ኣብ ጉዳይ ሕጊ ዕዮ የካትት።
ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ምኽሪ ዕዮ ክርከብ ይከኣል።
ባዕላዊ ስራሕ
ናይ ስራሕ ምጅማር፣ ዓይነታት ሕጋዊ ባእታታት፣ ሓገዛት ንባዕላዊ ስራሕ፣ ግብሪ፣ ሓገዝን ደገፍን ካበይ ምርካብ ከምዝከኣል…
ባዕላዊ ስራሕ ኣብ ኣውስትርያ ንምጅማር ቋንቋ ጀርመን ብግቡእ ምርዳእን ምዝራብን ኣገዳሲ ይኸውን። ባዕላዊ ስራሕ ንምጅማር ፡ ዝተሓላለኸን፡ ክማልኡ ዝግባኦም ናይ ቤት ጽሕፈት ረቋሒታት ከም ዘለዉ ምፍላጥን ብጥንቃቄ ኣብ ግምት ምእታውን ኣገዳሲ ይኸውን። እዞም ረቋሒታት ድማ ግብሪ፣ ውሕስነት/ኢንሹራንስ፣ ናይ ስራሕ ፍቃድ፣ ሕጋዊ ቅጽታትን ወዘተን የጠቃልሉ። ስለዚ ድማ ከም ሓታቲ ዑቅባ እዞም ጉዳያት ፈሊጥካ ምንቅስቃስ ኣድላይ ይኸውን። ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ቁጠባ ኣውስትርያ ኣብዚ ጉዳይ ብውልቂ ክንቀሳቀሱ ንዝደልዩ ሰባት ምኽሪ ይህብ። ብተወሳኺ እውን ሰሚናራትን ዓውደ መጽናዕትን ንባዕላዊ ስራሕ ዝምልከቱ በብእዋኑ ይካየዱ።
ወኪል ንግዲ ቪየና ናይ ባዕሉ ናይ ስደተኛታት ትካላት ስራሕ መራኸቢ ነጥቢ ኣለዎ፡ ምኽሪ ይህብ ፡ዓውደ መጽናዕቲ እውን የካይድ።
https://viennabusinessagency.at/consulting/migrant-enterprises-6/
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን፡
ወኪል ንግዲ ቪየና ፡https://wirtschaftsagentur.at/
መወከሲ ሊንክታት፡ Links for reference:
https://www.virtualvienna.net/working-in-vienna/employment-permit/
https://www.migration.gv.at/en/living-and-working-in-austria/working/kinds-of-employment/
ሕቶን መልስን
ኣብ ሃገረይ ዘጥረኽዎ ምስክር ወረቀት ሞያ ኣፍልጦ ንምርካብ ምኽሪ ካበይ ይረክብ?
https://www.berufsanerkennung.at/beratung/
ስራሕ ንምርካብ ሓገዝ ካበይ ይረክብ?
ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህቡ ማእከላት ኣብ ዝስዕብ ሊንክ ምርካብ ይከኣል፡ http://www.ams.at/service-arbeitsuchende/angebote-frauen/beratungsstellen/11668
ብመንገዲ ኢንተርነት ስራሕ ብኸመይ ይረክብ?
ኣብ መርበብ ሓበሬታ AMS ዝርዝር ናይ ስራሕ ምንዳይ መንገድታት ምርካብ ይከኣል፡ https://www.help.gv.at/Portal.Node/hlpd/public/content/288/Seite.2880120.html
ሓበሬታ ንምምስራት/ንምቋም ቤት ምኽሪ ስራሕ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?
ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ምኽሪ ዕዮ ምርካብ ይከኣል፡ https://www.arbeiterkammer.at/service/betriebsrat/index.html