Education system in Austria

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያ » Education system in Austria

ስርዓተ ትምህርቲ ኣውስትርያ

ኣብ ኣውስትርያ ግዴታዊ ትምህርቲ ኣሎ ዶ?

ካብ 2010 ጀሚሩ ህጻን/ውላድካ ናብ መውዓሊ ህጻናት ምልኣኽ ግዴታዊ ኮይኑ።

ኣብ ክልል ዕድመ 6-15 ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ንትሽዓተ ዓመት ዝኣክል ክመሃሩ ግዴታዊ እዩ፡ 4 ዓመታት መባእታዊ ትምህርቲ፣ ስዒቡ  4 ዓመታት ድማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (ታሕተዋይ ደረጃ ናይ ሰዋስው ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ/ Neue Mittelschule ይኸውን)። 14 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ድማ ትምህርቲ ንክቅጽሉ ወይ ናይ ሞያዊ ስልጠና ትምህርት ክወስዱ ይኽእሉ። ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ንምውሳድ ድማ ንሓደ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ዝተማህሩ ክኾኑ ይግባእ። እቲ ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ምቅጻል ይኸውን፡ እዚ ድማ ንኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ተወሳኺ ዓመታት ብምምሃር ብእኹል ትምህርቲ/ Matura ፡ ደረጃ A ዝፍለጥ(ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሰዋስው’ ወይ ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ ) ንምዝዛም ይኸውን። ንደረጃ Matura ዘጠናቀቀ ድማ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ይሓልፍ።

ሞያ ዝያዳ ብግብራዊ መንገዲ ብኸመይ ይመሃር?

ሞያዊ ስልጠና፡ ግብራዊ ናይ ሞያ ስልጠና ድሕሪ ትሽዓተ ግዴታዊ ናይ ትምህርቲ ዓመታት ይጅምር። ኣብ እዋን ሞያዊ ስልጠና (ዝኾነ ዓይነት ሞያ)እቲ ተማሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞያዊ ስልጠና ይከታተል። ዜጋታት ኣውስትርያ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዕድመ ሞያዊ ስልጠና ክመሃሩ፡ ሓፈሻዊ ይከኣል እዩ። ምንም እኳ ገምጋም ዕድመ ንምክትታል ሞያዊ ስልጠና ክልል ዕድመ 15 እንተኾነ፡ ዓበይቲ እውን ሓድሽ ሞያ ንምምሃርር ሞያዊ ስልጠና ትምህርቲ ይጅምሩ።

ደረጃ A ትምህርቲ ንምርካብ ዝህልዉ ኣማራጺታት እንታይ ይመስሉ?

ብደረጃ A (Matura) ትምህርቲ ንምዝዛም ውሑዳት ኣማራጺታት ይህልዉ፡ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ብምክትታል (ን8 ዓመታት) ተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ትምህርቲ ሰዋስው ብምክትታል ብደረጃ A ክትምረቅ/ትምህርቲ ክትውድእ የኽእለካ። እዚ ላዕለዋይ ናይ ሰዋስው ትምህርቲ ጂምናዝዩም/Gymnasium ወይ ድማ „Allgemeinbildende Höhere Schule“  (AHS) ይበሃል። ብድሕሪ እዚ ድማ እዞም ተማሃሮ ንዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ከም ዝከታተሉ ይፍለጥ።

ድሕሪ 8 ናይ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዓመታት ናብ ዝለዓለ ናይ ሞያዊ ስልጠና ትምህርቲ (Berufsbildende Höhere Schule“ (BHS)) ክትከታተል ትኽእል። ትመርጾ ዓይነት ትምህርቲ ምርኩስ ብምግበር፡ንኣብነት ተክኒካዊ ወይ ቁጠባዊ ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ ስርዓተ ትምህርቲ ይህልዉ። እዞም ኣብያተ ትምህርቲ ሓሙሽተ ዓመታት ይወስዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብሞያን ደረጃ Aን ትምረቅ። ፍልልይ ትሕዝቶ ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ፍልጠትን፣ ተግባራዊ ተመክሮታትን ኣብ ባይታ ብምቅማጥ ሞያዊ ስልጠና ንክትቐስም ዝዓለመ ይኸውን። ንሞያዊ ስልጠና ብዝምልከት እዚ ናይ ብኣንጻር ደረጃ A ትምህርቲ  ይኸውን።

ብኸመይ መንገዲ ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ክትከታተል/ከተጽንዕ ይከኣል?

ደረጃ A/Matura ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ንምክትታል ኣድላይ/ተጠላቢ ይኸውን።

ደረጃ A/Matura ንዘይብሎም ዩኒቨርሲቲ ንምክትታል ፡ ፈተና ክዳሎ ተኽእሎታት ይህሉ። እዚ ድማ ክከታተልዎ ዝደልዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው ፈተና ክሓልፉ ኣድላይ ይኸውን።

ድሕሪ ናይ ፈለማ ትምህርታዊ ጉዕዞ ካልኦት ኣማራጺታት እንታይ ይመስሉ? 

ካልኣይ ደረጃ ናይ ትምህርታዊ ጉዕዞ ክወስዱ ዝደልዩ ዓበይቲ ንዲግሪ ደረጃ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ይህሉ። እዞም ኮርሳት ትምህርቲ ድማ ኣብ እዋን ምሸት ዝዳለው ይኾኑ ፡ እዚ ድማ ብሓደ መዳይ ክሰርሑን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ክመሃሩን ይሕግዞም።

ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ትምህርቲ ኣሎ ዶ?

ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት ብዝምልከት ፡ ኣካላውን ኣእምራውን ስንክልና ዘለዎም  ህጻናት ፍሉይ ትምህርቲ ይርከብ።

ገንዘባዊ ወጻኢታት ትምህርቲ እንታይ ይመስሉ?

ሓደ ዓመት ናይ መዋእለ ህጻናት ትምህርትን 9 ዓመታት ናይ ግዴታዊ ትምህርትን ዝኾነ ወጻኢታት ኣይህልዎምን፡ እዚ ማለት ድማ ብነጻ ክፍሊት ይኸውን። ንዝቅጽል ደረጃ ትምህርቲ ግን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይምርኮስ ፡ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ገንዘብ ይጠልቡ ። ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንምክትታል እውን ገንዘብ ይጠልቡ።

ትምህርቲ ንTCNs

ህጻናትን መንእሰያትን፡

መዋእለ ህጻናት፡

ህጻን ናብ መዋእለ ህጻናት ንሓደ ዓመት ክለኣኽ ግዴታዊ እዩ።

ህጻናት ንዝበለጸ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ንምድላው ንክልተ ዓመት፡ ካብ ክልል ዕድመ ኣርባዕተ ጀሚሩ ፡ ናብ መዋእለ ህጻናት ምልእኽ ተመራጺ ይኸውን። ብተወሳኺ ናይ ምእላይ /ነርሰሪ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ክለኣኹ ዝሓሸ ይኸውን፡ እንተኾነ ግን ግዴታዊ ኣይኮነን። ኣብ ኣውስትርያ መብዛሕትኦም ህጻናት ቅድሚ ናብ መዋእለ ህጻናት ምኻዶም ናብ ናይ ምእላይ /ነርሰሪ ኣብያተ ትምህርቲ ይኸዱ፡

ንውላድካ /ነቲ ህጻን ኣቀዲምካ ንመዋእለ ህጻናት ምምዝጋብ ዝሓሸ ይኸውን ምኽንያቱ ቦታ ከይትረክብ ተኽእሎታት ስለ ዘሎ እዩ። ብሓፈሻ መዋእለ ህጻናት ናይ ቀትርን ድሕሪ ቀትርን ትምህርቲ ይህልዎም። ወለዲ እንተደኣ ህጻናት ደቆም ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘይ ተመጊቦም ድማ ንኣኼባ ይጽውዑ። መዋእለ ህጻናት ከም ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ግዜ ንዓመት መመላእታ ክፉት ይኸውን ፡ ኣንተኾን ኣብ ወርሓ ሓምለን ነሓሰን ሽሕኳ ሓደ ሓደ ናይ ክንክን ግዜ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ይሃልዎም፡ ንዕረፍቲ ይዕጸዉ።

እንተደኣ እቲ ህጻን ቋንቋ ጀርመን ዘይመለኸ/ዘይዛረብ ኮይኑ ፡ ንጀመርቲ ህጻናት ሓደ ሓደ ናይ ሓገዝ ስጉምትታት ይህልዉ። ንናይ ቋንቋ ሓገዝ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ተወከስ፡

ቤት ትምህርቲ

ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንትሽዓተ ዓመት መመላእታ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታዊ እዩ። ኣብ መበል 31 ነሓሰ 6 ዓመት ዝመልኡ ህጻናት ኣብ ወርሓ መስከረም ትምህርቲ ክጅምሩ ይግባእ። ህጻን ውላድካ ካብ 15 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ እንተኾይኑ ፡ ኣብ ኣውስትርያ ምስኣተኻ ሓገዝ ክህቡ ዝኽእሉ ሰባት ምውካስ ኣድላይ ይኸውን። እዚ ድማ እቲ ህጻን ትምህርቲ ብኸመይ ክቅጽል ከምዝኽእል ዝዓለመ ይኸውን። እቲ ህጻን ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይተላእከ ሕጋዊ ሳዕቤናት ይህልዎ። ቦታታት መዋእለ ህጻናት ውሱን ስለዝኾነ ነቲ ህጻን ኣቀዲምካ ምምዝጋብ ኣድላይ ይኸውን። መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ነጻ ክፍሊት እዮም። ኣብ ዓይነት ቤት ትምህርቲ ብምምርኩስ ድማ ሃይማኖታዊ  ትምህርቲ ክከታተል ይከኣል እዩ። ዓመተ ትምህርቲ ክልተ ሰመስተራት ኣለውዎ፡ ካብ መጀመርያ መስከረም ክሳብ መጀመርያ ለካቲት ከምእውን ካብ መፋርቅ ለካቲት ክሳብ መጨረሽታ ሰነ ይኸውን።

ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮ ህጻናት ብሓባር ንቤት ትምህርቲ ይኸዱ/ይመሃሩ። መምህራን ድማ መሰላትን ግቡኣትን ህጻናት ክሕልዉን ከኽብሩን ይግባእ፡ ንኣብነት ፡ ህጻን ምህራም ክልኩል እዩ።ግዜ ዕረፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ክረምቲ ንክልተ ኣዋርሕ ይኸውን። ኣብ ምዝዛም ዓመተ ትምህርቲ ድማ ተመሃሮ ውጽኢት ትምህርቶም ዝገልጽ ጸብጻብ ምስ ምልክታቱ ይወሃቦም።

ኣብ እዋን ትምህርቲ ህጻን ተመሃራይ ኣብ መንጎ ካብ ቤት ትምህርቲ ምውሳድ ኣይፍቀድን። ህጹጽ ምስ ዝኸውን ግን ምስ ርእሰ መምህር  ምዝርራብ ኣገዳሲ ይኸውን።

ካብ ተምክሮ ከም ዝተመሃርናዮ ቋንቋ ጀርመን ምዝራብ ምስ ካልኦት ሰባት ብቀሊሉ ምርኻብን ምርድዳእን ስለዘኽእል ኣገዳሲ ይኸውን። እንተደኣ እቲ ህጻን ቋንቋ ጀርመን ዘይመለኸ/ዘይዛረብ ኮይኑ ፡ ንጀመርቲ ህጻናት ሓደ ሓደ ናይ ሓገዝ ስጉምትታት ብፍላይ ድማ ንጀመርቲ ህጻናት ይህልዉ። ሓተትቲ ዑቅባ ህጻናት ከም ፍሉያት ተመሃሮ ትምህርቲ ክከታተሉ ይኽእሉ። እዚ ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ግዜ ክሳብ ክልተ ዓመት ክውሰድ ይኽእል። ኣብዚ እዋን እዚ ህጻን ምርጫ ምስታፍ ምስ ጀመርቲ ናይ ቋንቋ ጉጅለ ተመሃሮ ዕድል ወይ ተወሳኺ ትምህርቲ ናይ 11 ሰዓት ኣብ ሰሙን ይወሃቦ።

ቀንዲ መወከሲ ሓበሬታ (ንኣብነት ፡ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ኣበይ ከምዘሎ) ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ብምኻድ ምውካስ ይከኣል። ዝቅጽል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ግን ብቀጥታ ምስ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ብምዝርራብ ክርከብ ይከኣል። እቲ ህጻን ኣቀዲሙ ትምህርቲ ክከታተል ዝጸንሐ እንተኾይኑ፡ ንትምህርቱ ዝምልከት ጸብጻብ ምውሳድ ኣገዳሲ ይኸውን። ንስንክልና ዘለዎም ህጻናት ኣካላውን ወይ ስነ ኣእምራውን) ብዝምልከት ግን ፍሉይ ሓገዝ ዝህቡ ኣብያተ ትምህርቲ ይህልዉ።

ንመዓልታዊ ውዕሎ ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝምልከት ምስ ወለዲ ቀጻሊ ኣኼባታት ይካየዱ። ከም ወላዲ ድማ ኣብዞም ኣኼባታት ምስታፍን ምስ ካልኦት ወለዲ ምርኻብን ኣገዳሲ ይኸውን።

ገንዘባዊ ወጻኢታት ግዴታዊ ትምህርቲ፡ ሓደ ዓመት ናይ መዋእለ ህጻናትን 9 ዓመታት ናይ ግዴታዊ ትምህርትን ወጻኢታት ነጻ ክፍሊት እዮም። ክህልዉ ዝኽእሉ ወጻኢታት ኣድላይ እንተኾይኑ ናይ መጓዓዝያ፣ መግቢ፣ ብቤት ትምህርቲ ዝካየዱ ዑደታት ተወሰኽቲ ንጥፈታትን ይኾኑ። ምስ ምጅማር ዓመተ ትምህርቲ ወጻኢታት ናውቲ ትምህርቲ እውን ይህልዉ።

ኣብ ገለ እዋን ድማ ትምህርቲ ክንክን ናይ ድሕሪ ቀትሪ ይህሉ። እዚ ድማ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ክኽፈል ይግባእ።

ሞያዊ ስልጠና

ድሕሪ ምዝዛም ግዴታዊ ትምህርቲ (ኣብ ዕድመ ክልል 15) ናይ ሞያዊ ትምህርቲ ስልጠና ምጅማር ይከኣል። ብመንገዲ ሞያዊ ስልጠና ክትመሃሮም ትኽእል ኣስታት 250 ሞያታት ትምህርቲ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ግዜ ክወስድ ይኽእል። ኣብ እዋን እዚ ሞያዊ ትምህርቲ ፡ ተመሃሮ ካልእ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ እንዳ ተማህሩ ሞያዊ ትምህርቲ ክወስዱ ይኽእሉ። እዚ ስልጠና ድማ ብውጽኢት ፈተና ከም ብቅዓት/ምስ ምስክር ወረቀት ዘለዎ ክኢላ ሰራሕተኛ ብምውሳድ ይዛዘም። ኣብ እዋን ስልጠና ተመሃሮ ዛጊት ምስ ኣስራሒ ክሰርሑ ይጸንሑ ፡ ክፍሊት ድማ ዝለዓለ ይኸውን፡ ግን ምስ ግዜ ዝውስኽ ይኸውን። ብሓፈሻ ሓተቲ ዑቅባ ሞያዊ ስልጠና ክጅምሩ ከለዉ ካብ 25 ዓመት ዕድመ ክሓልፉ የብሎምን። (ኣብዚ እዋን ነዚ ጉዳይ ናይ ሞያዊ ስልጠና ፡ኣብ መጻኢ ክወሃቡን ከይወሃቡን ዝምልከት ፖሊቲካዊ ክትዓት ይካየዱ ኣለዉ።)

www.berufskompass.at

ዝያዳ ኣማራጺታት ንመንእሰያትን ዓበይትን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ትምህርቲ ንምክትታል ፡ ደሓን ኣፍልጦ ናይ ቋንቋ ጀርመን ፡ ደረጃ A ወይ ድማ ተመሳሳሊ መእተዊ ፈተና ኣድላይ ይኸውን። ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሊንክ ዝተፈላለዩ ኮርሳት ክርከቡ ይከኣሉ፡

ትምህርቲ ንምቅጻል ንዓበይቲ እውን ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ይህልዉ። ንኣብነት፡ ናይ ቋንቋ ኮርሳት፡ መብዛሕትኦም ኮርሳት ድማ እንዳሰራሕካ ክትመሃር ዘኽእሉ ኮይኑም ዝወሃቡ እዮም። ደረጃ ዲግሪ ንምርካብ ድማ ይከኣል እዩ። ንዓበይቲ ብዝምልከት ትምህርቲ ድማ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ናይ ግልን ወሃብቲ ትምህርቲ ይርከብ፡ ንኣብነት ፡ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ምውካስ ይከኣል፡www.erwachsenenbildung.at, https://www.vhs.at/de, http://www.ams.at/berufsinfo-weiterbildung;

ኣብ መበቆል ሃገርካ ዩኒቨርሲቲ እንተደኣ ትከታተል ኔርካ ፡ ብሓፈሻ ትምህርትኻ ኣብ ኣውስትርያ ንኽትቅጽል የኽእለካ። ነዚ መስርሕ እዚ ድማ ዝተሓላለኸ መስርሓት ናይ ምምሕዳርን ድሮ ዝሓለፍካሉ ፈተናታት ኣፍልጦ ንምርካብ ተወሳኺ ፈተናታት ከተካይድ ትግደድ።

ኣብ ኣውስትርያ ትምህርቲ ንምቅጻል መዳለዊ ንዩኒቨርሲቲ መደብ ስልጠና (Vorstudienlehrgang) ክተካይድ ይግባእ።እዚ ስልጠና ድማ ሞያኻ ኣብ ኣውስትርያ ደረጅኡ ዝሓለወ ምዃኑ ንምርግጋጽ ይኸውን። ኣዮኖት ፈተናታት ይዳለው ድማ ኣብ ኣትመርጾ ዓይነት ትምህርቲ ይምርኮስ።

ብዛዕባ ምክትታል ትምህርቲ ብዝምልከት ጸቂጥና ክንዛረበሉ ንደሊ ነገር እንተሃልዩ ድማ ፡ ብዘይ ምኽንያት ምብኳር ካብ ቤት ትምህርቲ ፡ ካብ ምስ መምህር ዝተሰማማዕካሉ ወጻኢ ብተሪር ዝተሓዝ ጉዳይ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ገንዘባዊ መቅጻዕቲ ብሕጊ ደረጃ ተደንጊጉ ይርከብ።

መስርሕ ተቀባልነት ደረጃ ዲግሪ

ኣብ ኣውስትርያ ንኣፍልጦ ትምህርቲ ሞያ ናይ ወጻኢ ሃገር ብዝምልከት ቀያዲ ሕጊ የለን። ዝያዳ ምስክር ወረቀት ናይ ትምህርቲ ክህሉ ዝያዳ ዝሓሸ ይኸውን።

መስርሕ ኣፍልጦ ንሞያዊ ምስክር ወረቀት (ዲግሪ)ኣብ ክትወስዶም እትደሊ ሞያ ትምህርቲ ይምርኮስ። ዝለዓለ ናይ ኣፈላላይ መስርሕ ድማ ኣብ ኣፍልጦ ናይ ሞያዊ ብቅዓት/qualification ፣ ኣፍልጦ ቤት ትምህርቲ፣ ብቁዕ ናይ ንግዲ ምስክር ወረቀት፣ ከምእውን ኣካዳምያዊ ናይ ዲግሪ ደረጃ ይካየድ። ካብቲ ናይ ሞያዊ ብቅዓት /ዲግሪ ዝተረኽበሉ ሃገር ኩነታት ድማ ኣብ ግምት ይኣቱ ፡ እዚ ድማ ተኽእሎታት ናይ ክልተኣዊ ስምምዓት ኣብ ሞንጎ እተን ዩኒቨርሲታት ክህሉ ስለ ዝኽእል ይኽውን።

ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ጠለብ ምምልካት ድማ ናብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ወይ ናይ ምኽሪ ማእከል ምስ ናይ ጠለብ መስርሕ ዝሰማማዕ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ዝስዕብ መርበብ ሊንክ ድማ ነዚ ይሕግዝ፡  www.berufsanerkennung.at

ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን 

ፈደራል ምንስትሪ ኣውሮፓ፡ ናይ ምውህሃድን ወጻኢ ጉዳያትን /Federal ministry Europe, Integration and foreign affairs: https://www.bmeia.gv.at/en/integration/integration-of-persons-entitled-to-asylum-or-subsidiary-protection/

ENIC NARIC AUSTRIA: ኣፍልጦ ኣካዳምያዊ ደረጃ ዲግሪ /recognition of academic degrees:

https://www.bmbwf.gv.at/studium/academic-mobility/enic-naric-austria/

ምክትታል ትምህርቲ ኣብ ኣውስትርያ፡ ተቀባልነት /Studying in Austria, admittance:
https://www.studieren.at/zulassung

ሕቶን መልስን

TCNs መሰል ስኮላርሺፕ /ትምህርቲ ማዕዶ ኣለዎም ዶ?

ብሓፈሻ TCNs መሰል ስኮላርሺፕ ኣለዎም ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ ስኮላርሽፕ፡ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነት ዝጠልቡ ድማ ኣለዉ ፡ ናይ ፈለማ ሓበሬት ኣንምርካብ ድማ ዝስዕብ ሊንክ ምውካስ ይከኣል፡

https://www.integrationsfonds.at/en/home/

https://studienpraeses.univie.ac.at/stipendien/stipendien-fuer-asylwerberinnen-und-asylberechtigte/

https://www.stipendium.at/english-information/

ናብ መባእታ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ይወስድ?

ድሕሪ ጠለብ ዑቅባ ምቅራብን ስሩዕ ናይ ዑቅባ መስርሕ ምጅማርን ፡ ህጻናት ፡ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ክከታተሉ ይኽእሉ። ድሕሪ ምጽራይን ክእለት ቋንቋ ኣውስትርያ ፡ ህጻናት ኣብ ዝምልከቶም ደረጃ ትምህርቲ ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝህልው ክፍቲ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው ይምዝገቡ። ኣየናይ ክፍሊ ከም ዝምዝገቡ ቅኑዕ መምዘኒታት ወሲዱ ዝሕንጽጽ ዞባዊ ኣካል ምሕደራ ይኸውን፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ድማ ክፈላለ ይኽእል።

http://www.asylumineurope.org/reports/country/austria/reception-conditions/employment-and-education/access-education

ምስክር ወረቀት ወይ ዲፕሎማ እንተደኣ ዘየለ እንታይ ክገብር ይግባእ?

ኣቀዲምካ መባእታዊ ትምህርቲ ዝወዳእካ እንተደኣ ኮንካሞ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቅጻል ምስዝድለ ወግዓዊ ትርጉም ወይ ጽሑፍ ናይ መርትዖ ዝሓለፍካዮ ትምህርቲ ከተቅርብ ይግባእ። እዚ ጽሑፍ ድማ ከም መተካእታ ናይ ክትረኽቦ ዘይከኣልካ ደኩመንት ወይ ምስክር ወረቀት ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። እንተደኣ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ዘይወዳእካ ግን መሰረታዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትከታተል ትኽእል።

ምንጭታት/ Sources:

http://www.asylumineurope.org
https://www.help.gv.at/Portal.Node/hlpd/public/en
AUCO 2016, Internationale Organisation für Migration Wien, www.iomvienna.at