Employment in Slovenia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ስሎቬንያ » Employment in Slovenia

እንታይ ዓይነት ስራሕ/ዓይነት ዉዕሊ ስራሕ ክህልየኒ ይክእል?

ኣብ ሐዚ እዋን ኣብ ስሎቪኒያ ዘሎ ናይ ስራሕ ዓይነት ስራሕ ኩንትራት እዩ ኩሎም ናይ ስራሕ ኩንትራታት ቅድሚ ምጅማር ስራሕ ብፅሑፍ መልክዕ ክቐርባ ኣለዎ እቲ ናይ ስራሕ ዉዕልካን ካልኡት ሰነዳትን ክተጥፍኦም የብልካን፡፡

ሙሉእ ሰዓት (ኣብ ሰሙን 40 ሰዓት) ወይ ከዓ ፍርቂ መዓልቲ ምስራሕ ይከኣል ወርሓዊ መሃያ ናብ ናይ ባንኪ ሕሳብካ ኣታዊ ይከዉን ከፊል መሃያካ ብቀጥታ ከም መዋጮ ማሕበራዊ ድሕንነት ንመንግስቲ ኣታዊ ይከዉን፡፡

ክልተ ዓይነት ስራሕታት ኣለዉ

ቀዋሚ ስራሕ እዚ ማለት መወዳእቲ መዓልቲ ዘይብሉ ዓይነት እዩ፡፡

ግዝያዊ ስራሕ እዚ ማለት ድማ ንዝተወሰነ ግዜ እንትትቑፀርን እቲ ናይ መወዳዕታ መዓልቲ ከዓ ኣብቲ ዉዕሊ ክኣቱ ይግበር፡፡

መብዛሕቲኡ ግዘ ፈለማ ኣስራሒካ ግዛያዊ ናይ ስራሕ ኩንትራት ዝህብ ይከዉን፡፡ ነግር ግን ኣስራሕቲ ዉዕሊ ኩንተራትካ በቢግዚኡ ምንዋሕ ዝተለመደ እዩ፡፡ እቲ ዝነወሕ ብተመሳሳሊ ኣስራሒ ዝዉሃብ ናይ ግዝያዊ ዓይነት ስራሕ ሰለስተ ዓመት ይከዉን፡፡ ካብኡ ንደሓር እቲ ኣስራሒ ቀዋሚ ዉዕሊ ስራሕ ክህበካ ይግባእ፡፡  ኩሉ ግዘ ናይ ሙኮራ ግዘ ይህሊ እዚ ድማ ሰራሕተኛ ይኩን ኣስራሒ ብዘይ ቅድመ መጠንቀቕታ ዉዕሊ ስራሕ ምስራዝ ይክእሉ፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ሙኮራ ግዘ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ይከዉን፡፡

ንዝተወሰኑ ዓይነታት ስራሓቲ ካልኦት ዓይነታት ዉዕልታት ኣለዉ ነግር ግን ትሑት ክንክንን ጥቕሚ ይህልዮም፡፡ ንኣብነት

ዉዕሊ ድርሰት (ዉዕሊ ኣእሙራዊ ንብረት)  እዚ ዉዕሊ ንስራሕቲ ድርሰት ዝምልከት ኮይኑ ምስ ባህልን ሳይነስን ዝተተሓሓዘ እዩ፡፡ ክምዚ ዓይነታት ዉዕልታት ቦታ/ማእርግ ናይቲ ሰብ ዝቕይር ኣይኮነን ስለዚ ዉዕሊ ኣእሙራዊ ንብረት ዝፈፀመ ሰብ ወይ ብቀዋሚ ዝተቆፀረ ዘይተቆፀረ ወይ ዉልቀ ስራሕ ዘለዎ ክከዉን ይክእል፡፡

ካልኦት ሓፀርቲ ወይ ብጣዕሚ ዉስን ግዘ ወይ ፍሉይ ትሕዝቶ ዘሎ ስራሕ ብኩንትራታዊ ስምምዕነት ምስራሕ ይከኣል ዘለካ ቦታ/ማእርግ ብዘየገድስ (ስራሕ ዘለካን ዘይብልካን ወዘተ)  ከምዚ ዓይነት ኩንትራታት ክትፍፅም ትክእል፡፡

ናይ ባዕልካ ስራሕ እዉን ክትሰርሕ ትክእል ወይ ካምፓኒ ምምስራት (ትሕት ኢልካ ዝበለፀ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል)፡፡

እንድሕር ተምሃሪ ኮይንካ ዕድመካ ድማ ካብ 15 ክሳብ 26 እነተኮይንካ ከም ተምሃራይ ክትሰርሕ ትክእል ኤጀንሲ ስራሕ ንተምሃሮ (https://www.studentski-servis.com/studenti/foreigners) can ስራሕ ንምርካብ ክሕግዘካ ይክእል፡፡

ንሓደ ሓደ ዓይነት ስራሕቲ ከም ፅሬት፤ ክንክን ቆልዓ ፤ባዕልካ ዝሰራሕካዮ ኢደ ጥበብ ንምሻጥን ከምኡ ዉን ንምስራሕ ኣብ ምምሕዳራዊ ክፍሊ ክትምዝገብ ኣለካ ነግር ግን ዝተፈለየ ጉዳይ ዝፍፀመሉ ኩነታት የለን፡፡

እንድሕር ድኣ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዉዕልታትን እንተሃልዩካ ስራሕ ኣይትቁፀርን ከምኡ ዉን ቀዋሚ ስራሕ ምስ ዝህልየካ እትረክቦም መሰላት ኣይትረክብን (ንኣብነት ማሕበራዊ ድሕንነት ኣይህልየካን ዋላ መዋጮ እንተከፈልካ)፡፡

ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዉዕልታትን ስራሕትን ኣብ ስሎቪኒያ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ ምርካብ የድሊ (ሊንክ ትሕት ኢልካ ምርካብ ይከኣል) ዓለም ለኸ ሓለዋ እንተድኣ ተዋሂቡካ ስራሕ ንምድላይ ናይ ዉህደት ኣማኻሪኻን ዘይመንግስታዊ ገበርቲ ሰናይን ክሕግዙካ ይክእሉ፡፡

ናይ ግለይ ስራሕ ከመይ ክጅምር ይክእል?

  • ስራሕ ዉልቀ

ካብ ቁፃር ኮይንካ ምስራሕ ብተወሳኪ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ዉን ምጅማር ይከኣል እዩ፡፡ ናይ ዉልቀ ስራሕ ማለት ዝደለካዮ ዓይነት ስራሕ ኣብ ዝደለካዮ ሙያ ኣብ AJPES (ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገንሕ) ተመዝገብካ ምስራሕ ትክእል፡፡ ከም ወናኒ ዉልቀ ስራሕ ንስራሕካ ዝምልከቱ ግዴታት ሓላፍነት ክትወስድ ይግባእ፡፡ ዉሳነታትካ ናትካ ሓልፍነት ይኮኑ ከምኡ ዉን ንጥቕምካ ይዉሰኑ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ወፃኢታት ይሓትት ከም ናይ ዉልቀ ስራሕ መዋጮታት ክትኸፍል ኣለካ፡፡ ነገር ግን መጠኑ ከምቲ ሓደ ካምፓኒ ክቖፅረካ ከሎ ኣይኮነን ንከባባያዉን ማእከላይ መንግስትን ታክሲ ክትከፍል ኣለካ፡፡ ኩሎም እዚኦም ዝተሓላለኹን ሓደገናታትን ክኮኑ ይክእሉ፡፡

ስራሕ ንምጅማር ፈለማ ክትምዘገብ ኣለካ እዚ ኣብ ኩሉ ኣብ ሓደ ቦታ ((VEM – https://data.si/en/blog/one-point-many-solutions/). ክትገብሮ ትክእል፡፡ VEM ምዝገባ ካምፓኒታትን ንምምስራት ዘድልዩ ክያዶታት/መስርሓትን ብነፃ ይህብ፡፡ ኣብ ፈጠራ ስራሕ ድሌት ዘለዎም ሰባት እዉን ምኽሪ ይህብ ከም መበረታትዒ ፈጠራ ስራሕ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ ወይ ሚኒሰተሪ ስራሕ ስድራ ማሕበራዊ ጉዳይን ማዕረ ዕድልን ሓሓሊፉ ብዉልቀ ንዝሰርሑ ልቓሕ ይህብ እዩ ካብዞም ዓይነታት ዉልቀ ስራሕ ሓደ ዝመረፁ (s.p., d.o.o., ባህላዊ ሰራሕቲ) ዘይቆፀሩ ሰባት እዞም ሓገዛት ይረኽቡ ፡፡

  • O.O. (ዲ.ኦ.ኦ)

ናይ ባዕልኻ ሓላፍነቱ ዘተወሰነ ዉልቀ ካምፓኒ ምምስራት ዉን ትክእል ከም ሓላፊ ናይ ባዕልኻ ካምፓኒ ብዛዕባ ናይቲ ግዴታ ናይቲ ካምፓኒ ሓላፍነት ኣይልየካን፡፡ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንምክፋት ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት ተፈፀምቲ ይኮኑ፡፡ አንድሕር ድኣ ሓሳብ ቢዝነስን ክእለት ስራሕ ፈጠራ ሃልዩካን ንማእከላት ፈጠራ ስራሕ ወይ መፍለቕቲ ስራሕ ክትረከብ ይግባእ፡፡

ናይ ባዕልኻ ስራሕ እንትትከፍት ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮ ክያዶታት ከም ዝህልዩ ኣብ ግምት ክተእትዉ ኣለካ ( ንኣብነት ታክሲ ዉሕስና ፍቓድ ስራሕ ዋኒነ-ትካላዊ ሕጋዊ ቅጽታት ወዘተ) ስለዚ ቅድሚ ናይ ዉልቀ ስራሕ ምጅማርካ ኣድለይቲ ሓበሬተት ክትእክብ ኣለካ ብዛዕባ ምጅማር ዉልቀ ስራሕ ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ሰሚናራትን ዎርከሾፓትን ብዝተፈላለዩ ትካላት ይዳለዉ እዩም፡፡

ንስራሕ ካልኦት መመረፅታት ኣለዉ ዶ?

ሙያዊ ስልጠና/ናይ ስራሕ ስልጠና

ዕላማ ሙያዊ ስልጠና ተግባራዊ ልምዲ ንምርካብ ፍልጠትካ ንግፋሕን ኣብ ተግባር ምዉዓልን ወይ ኣብ ስራሕካ ዘድልየካ ክእለት ንምቕሳም ይሕግዝ፡፡

ወለንታዊ ኣገልግሎት

ኣብ ስሎቪኒያ ዝነብር ኩሉ ሰብ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክህብ ይክእል ወለንታዊ ስራሕ ዉልቀ ሰባት ብፍቓዶምን ምንም ብዘይምፅባይን ንካልኦት ሰባት ወይ ንማሕበረሰባዊ ጥቕሚ ምስራሕ ማለት እዩ፡፡

ከም ወለንታዊ ኣገልጋሊ ብነፃ ትሰርሕ (ዉስን ሰዓታት ኣብ ሰሙን ወይ ከምዝመረፅካዮ) ነግር ግን ክእለትካ ዓርሰ እምነትካ ካብ ናይ ምባል ዕድል ይህልየካ ከምኡ ዉን ሰባት ናይ ምርካብን ምሕጋዝን ዕድል ይህልየካ  ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ስሎቪኒያ ንዝበለፀ ሓበሬታ እዚ ዝስዕባ ዌብ ፔጅ ምርኣይ ይከኣል Prostovoljstvo.org (http://www.prostovoljstvo.org/)..

ብዘይ ዉዕሊ ክሰርሕ ዶ ይኽእል?

ኣብ ስሎቪኒያ ብዘይ ዉዕሊ ኣብ ፀሊም ዕደጋ (delo na črno) ምስራሕ ዘይሕጋዊ እዩ፡፡ ሓደ ሓደ ኣስራሕቲ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ክህቡካ ይክእሉ ነግር ግን እዚ ሓደገኛ ምኮኑ ክትፈልጥ ኣለካ፡፡ እንድሕር ድኣ ዉዕሊ ዘይብልካ ኮይንካ ከለላ ኣይህልየካን ኢሉ ዉን ከም ስራሕተኛ እትሓቶ መሰል ኣይክህልየካን፡፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ስራሕ ሓደጋ እንተበፂሑካ ዕረፍቲ ምስ ክፍሊት ኣይትረክብን ግቡእ ህክምናን ካሕሳን ዉን ኣይትረከብን፡፡

ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ምስራሕ ማለት ምንም ዓይነት መዋጮ ታክስን ማሕበራዊ ደሕንነትን ብስምካ ኣይክፈልን ማለት እዩ፡፡ መዋጮ ታክስን ማሕበራዊ ደሕንነትን ምክፋል ኣድላይ እዩ እቲ ገንዘብ ባዕልካን ካልኦትን ብነፃ ዝትጥቀምሎም ማሕበራዊ ክንክን ጥዕና ትምህርቲ ስራሕን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንምምዋል ይጠቀም ንስኻን ኣስራሒካን ትቕፅዑ፡፡

ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣብ ስሎቪኒያ

ሙሉእ ሰዓት ወይ ፍርቂ ሰዓት ክትሰርሕ ትክእል ከም ሰራሕተኛ ሙሉእ ሰኣት ኣብ ሰሙን 40 ሰዓት ትሰርሕ ነግር ግን ብፍሉይ ኩነታት ልዕሊ 40 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ክትሰርሕ ትከእል፡፡ እዚ ከም ስራሕ ትርፊ ሰዓት ዝቑፀር እንትትከዉን ልዕሊ እቲ ንቡር ክፍሊት ይህልዮ፡፡ እንድሕር ድኣ ናይ ስራሕ ትርፊ ሰዓት ዘይክፈለካ ኮይኑ እቲ ትርፊ ሰዓት ንክልእ መዓልቲ ክትጥቀመሉ ትክእል (ንኣብነት ከም ተወሳኪ መዓልቲ ዕረፍቲ)፡፡

ናይ ሰሙን ናይ ስራሕ ሰዓትካ ብማዕረ ምክፋል ይከኣል ፡፡ ንኣብነት 8 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ኣብ 5 መዓልታት ኣብ ሰሙን ወይ ዘይምዑሩይ ኣብ ስተፈላለዩ ተራ ክትሰርሕ ትክእል ( ንጉሆ ድሕሪ ሰዓትን ለይትን) መብዛሕቲኡ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ዝስራሕ እንትትኮን ኣብ ሓደ ሓደ ቢሮታት/ፅላታት ግን 6 ወይ 7 መዓልትታት ክትሰርሕ ትክእል (ቀዳም ሰንበትን በዓላትን ሓዊሱ) መብዛሕቲኡ ግዘ እንድሕር ድኣ ሰራሕ ትርፊ ሰዓት ለይቲ ሰንበትን በዓላትን ሰሪሕካ ተወሳኺ ክፍሊት ትረክብ፡፡

ከም ሰራሕተኛ እንታይ እንታይ መሰልን ግቡእን ኣለዉኒ?

በቲ ናይ ዉዕሊ ሰራሕ መሰረት መሃያካ (plača) ብኣግባቡ ምርካብ በቢወርሑ መሃያካ ናብ ናይ ባንኪ ሕሳብካ ኣታዊ ይከዉን ኣስራሒካ ኣብ መሃያካ ለዉጢ ክገብር እንተደልዩ ሓዱሽ ዉዕሊ ክህበካ ይግባእ እቲ ሓዱሽ ዉዕሊ እንተዘይተስማሚዑካ ግን ናይ ምግዳፍ መሰል ይህልየካ፡፡

ማዓልታዊ ዕረፍቲ (መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ መንጎ ሓደ ናይ ሰራሕ መዓልቲን ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልትን 12 ሰዓታት፣ ንወቕታዊ ስራሕ መዓልታዊ ዕረፍቲ ኣንተነኣሰ 8 ሰዓታት ይከዉን) ከምኡ ዉን ሰሙናዊ ዕረፍቲ (እንተነኣሰ 24 ሰዓታት ምስ መዓልታዊ ዕረፍቲ ሓዊስካ)

ዓመታዊ በዓላት (dopust-ዘይትሰርሐሎም መዓልታት ወይ ዕረፍታት) ዓመታዊ ዕረፍታካ ድሕሪ ምስራሕ ተኸታታልቲ 6 ኣዋርሕ ምጥቃም ይከኣል፡፡ ኣብ እዋን ዓመታዊ ዕረፍትካ መሃያካ ይክፈለካ ንዉሒ ዓመታዊ ዕረፍትካ ብዝተፈላለዩ መለክዕታት ዝግበጥ ይከዉን (ብርኪ ትምህርቲ ስራሕ ዓመት ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድምኦም ቆልዑ ምስዝህልዩካ ፍሉይ ኩነታት ስራሕ) ሕጋዊ እንተነኣሰ 20 መዓልቲ ኣብ ዓመት ይከዉን፡፡ ኩሉ መሰል ዓመታዊ ዕረፍቲ ዘለዎ ሰራሕተኛ እቲ ብመንግስቲ ዝተቐመጠ ዝነኣሰ መጠን ናይ ዕረፍቲ ግዘ ክፍሊት (regres) ይረክብ መንግስታዊ በዓላት ዉን ንመብዛሕቲኡ ሰብ ዕረፍቲ እዩ፡፡

ኣብ ኣዋን ሕማም እናተከፈለካ ዕረፍቲ ትወጽእ (bolniška odsotnost) እንትትሓምም ብቕልጡፍ ንኣስራሒካ ክተፍልጥ ኣለካ ፡፡ብስልክ ክትገብሮ ትክእል ኢካ ናብ ዶክተር ብምላድ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ወረቐት ክትወስድ ይግባእ ምስ ሓሸካን ናብ ስራሕካ ምስ ተመልስካን ናብ ዶክቶርካ ብምካድ ናይ ዕረፍቲ ግዘካ ክዓፆ ክትገብር ኣለካ ዉላድካ እንትትሓመካ ዉን ናይ ሕማም ዕረፍቲ ትረክብ ኢካ ዋላ እኮ ትሑት እንተኮነ ሐዚ ዉን መሃያካ ትረክብ ኣብ ዕረፍቲ ሕማም እናሃለካ ካብ ስራሕ ኣይትስጎጉን፡፡

ምችዉን ጥዑይን ከባቢ ስራሕ ምክልካል ኣንፃር መድልዎን ጉጉይን ኣሰራርሓን ብቕንዓን ብመሰረት መምርሒ ኣስራሒካን ናይ ምስራሕ ግቡእ ኣለካ፡፡ ናብ ስራሕ ኣብ እዋኑ ምእታዉን ምስ ኣስራሒካ ዝተሰማማዕካሉ ስራሕ ሰዓት ምኽባርን፡፡

ስራሕካ ክዕንቅፉ ወይ ክፀልዉ ዝክእሉ ከምኡ ዉን ኣብ ስምምዕኩም ዘይነበሩ ሓበሬታታት እሞ ድማ ስራሕኻ ዝጉድኡ ንመስሪሕኻ ክተፍልጥ ኣለካ፡፡ ንስራሕካ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ብግቡእ ምዕቃብ ኣብ እዋን ስራሕ ናይ ዉሕስነት ሕግታት ምኽባር ከምኡ ዉን ባዕልካን ካልኡትን ኮነ ኢልካ ዘይምጉዳእ የድሊ፡፡ ካባኻ እንታይ ከም ዝጥለብ እቲ ዉዕሊ ስምምዕ ምንባብ የድሊ፡፡

ንስኻን ኣስራሒኻን እቲ ዉዕሊ ናይ ምፍራስ መሰል ይህልየኩም ነገር ግን ብክልቲኩም ወገን ኣብቲ ወዕሊ መሰረት ቀዲምካ ናይ ምፍላጥ ግዴታ ምኽባር የድሊ፡፡ ስራሕ ምግዳፍ እነትደሊ ንኣስራሒኻ ኣቐዲምካ ምፍላጥ የድሊ ብተመሳሳሊ ኣስራሒኻ ዉን ዉዕልኻ ቅድሚ ምስራዙ ቀዲሙ ከፍልጠካ ይግባእ፡፡ ሓደ ሓደ ግዘ ኣብ ፍሉይን ዝኸፈአን ኩነታት ምስራዝ ዉዕሊ ብቐጥታ ክኸዉን ይኽእል ነግር ግን ነቲ ድሕሪ መጠንቀቕታ ዝሰራሕካዮ ክኽፈለካ ይግባእ፡፡

መሃያ ንፍላጥ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ምስትሰርሕ ወርሓዊ መሃያኻ (plača) ናብ ናይ ባንኪ ሕሳብካ ኣብ መጨረሻ ወርሒ ዝኽፈል ይከዉን በቢወርሑ መሃያካ ዝኣተወሉ ዘርኢ እቶታዊ ወረቐት ክትረክብ ኣለካ ክንደይ ከም እትኽፈል ብስምምዕነትን ከም ዕድመ ብቕዓት ስራሕ ሰዓት ዝተዉሃበካ መደብ (ሓላፍነት) ወዘተ ዝዉሰን ይከዉን፡፡

ጠቕላላ መሃያ  (bruto plača) መዋጮ ንማሕበራዊ ድሕንነት ጥሮታ ዉሕስና ጉድእ ኣካልነት ዉሕስና ጥዕና ዉሕስና ሽቕሊ ኣልቦነት ሓለዋ ንዝወለዳ ዝሓወሰ እዩ፡፡ እዚ ማለት ብዉዕሊ መሰረት ስራሕ ምስእትጅምር ብቐጥታ ዉሕስና ትኣቲን መሰረታዊ ዉሕስና ጥዕና ይህልየካ ኢሉ ዉን ንጥሮታ መዋጮ ትጅምር፡፡

ምስ ስራሕ ተተሓሒዙ ጉድኣት እትትበፅሓካ ዉሕስና ይህልካ ከምኡ ዉን ተጠቃሚ ጥቕሚ ስራህ ስእነት ትከዉን (እንድሕር ድኣ ናትካ ብዘይኮነ ፀገም ዉዕሊ ስራሕካ ተተሰሪዙ). ብተወሳኪ ኣብ እዋን ወሊድ ትክፈል፡፡

ኣስራሒካ እቲ መዋጮ ብቐጥታ ንመንግስቲ ይከፍል ንስኻ ዉን ካብ መሃየካ ታክሲ ትኸፍል ንዝበለፀ ሓበሬታ ናይ ዉሕስነትን ማሕበራዊ ድሕንነትን ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል.

ዝተፃረያ መሃያካ (neto plača) ኩሎም መዋጮታት ከብቲ ጠቕላላ መሃየካ ክቕነስ ከሎ ማለት እዩ ካብዚ ብተወሳኺ ምሳሕን ካብን ናብን ስራሕ ቦታ መጉዓዝያ ተወሳኺ ገንዘብ ትረክብ፡፡ ኣብ ስሎቪኒያ ማእኸላይ ዝተፃረየ መሃያ 1,066.33  (ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ጀሚሩ) እንትትከዉን በቢወርሑ ግን ይፈላለ እዩ ፡፡ ኣብ ስሎቪኒያ ዝተሓተ መጠን ክፍሊት ዝተሓለወ እዩ ስለዚ ካብ ጥሪ 1 2018 ጀሚሩ ዝተሓተ መጠን ጥቕሉል መሃያ 842.79 ዩሮ እዩ፡፡፡፡

ናይ ምስራሕ መሰል ኣለኒ ዶ?

ሓታቲ ዕቁባ

ከም ሓታቲ ዕቁባ ንዓለም ለኸ ሓለዋ ካብ እተምልክት ድሕር 9 ወርሒ ስራሕ ናይ ምጅማር መሰል ይህልየካ፡፡ ዋላ መልሲ ኣይትርከብ ነገር ግን ምስ ጉዳይካ ዝሓዘ በዓል መዚ ብምኮን ናይ ስራሕ ፍቓድ ክተምልክት ኣለካ፡፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ንሓደ ስሎቪንያዊ ዝገዝኡ ሕግታት ንዓኻ ዉን ተፈፃምቲ ይኮኑ፡፡

ዓለም ለኸ ሓለዋ

እንድሕር ድኣ መሰል ዓለም ለኸ ሓለዋ ተዋሂቡካ ማዕረ ምስ ዜጋታት ናይ ምስራሕ መሰል ኣለካ ማለት ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣየድልየካን ኣብ ኣገልግሎት ስራሕ ብምምዝጋብ ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ጥቕምታትን ትረክብ፡፡

ኣባል

እንድሕር ድኣ ኣባል ቤተሰብ ሓለዋ ዝተዉሃበ ሰብ ኮይንካ ማዕረ እቲ ዝተዉሃቦ ስራሕ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለካ ከምዙ ዉን ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣድልየካን፡፡

ስራሕ ከመይ ይደሊ? ስራሕ ንክረክብ መን ክሕግዘኒ ይክእል?

ኣገልግሎት ስራሕ

ኣብ ስሎቪኒያ ብዛዕባ ስራሕ ምኽሪ ሓበሬታን ዝህብ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ ዝበሃል ትካል ኣሎ (ZRSZ-Zavod Republike Slovenije za zaposlovanje – http://english.ess.gov.si/)  ኣብ ሉብያና ከምኡ ዉን ኣብ ማሪቦር ንስደኛታት  ስራሕ ንምርካብ  ምኽሪ ዝህብ ዝተቖፀረ ኣማኻሪ ኣሎ፡፡

ስራሕ ምስ እትደሊ ኣብ ኣገልግሎት ስራሕ ምምዝጋብ ትክእል ተመዝጊብካ ንምፅናሕ ግን ንቁሕ ኮይንካ ስራሕ ምድላይ ኣለካ ከምኡ ዉን በቲ ኣገልግሎት ስራሕ ዘድልዩ ቅድመ ኩነታት ክተማልእ ይግባእ፡፡ ንኣብነት ንናይ ስራሕ ኣማካሪካ ብቐፃሊ ክትረኽቦን ንዝሕብረካ ስራሕ ድማ ክተምልክት ኣለካ፡፡ ጥቕምታት ዉሕስና ዉን ስራሕ ከምዘይብልካ ኣብ ምምዝጋብካ ይዉሰን ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ስራሕ ተመዝጊብካ ብዛዕባ ከመይ ስራሕ ትረክብ ሓበሬታ ክትረክብ ትከእል፡፡

ስራሕ ከምእትረክብ ዝሕግዙ ናይ ግሊ ኣገልግሎት ስራሕ ዉን ኣለዉ ከም ደላይ ስራሕ ኣብ ቅርንጫፋቶምን ዌብሳይቶምን ምምዝጋብ ይከኣል፤

ባዕልካ ዉን ስራሕ ምድላይ ትክእል

ዝተፈላለዩ ካምፓታት ዉን ኣብ ጋዜጣን ዌብሳይቶምን ክፍቲ ስራሕታት የዉፅኡ እዮም፡፡ ስራሕ ኣብ እተምልክተሉ ሲቪ (መግለፂ ዘለካ ልምድን ትምህርትን) ክተቕርብ ኣለካ፡፡ ሓደ ሓደ ኣስራሕቲ ዝተወሰነ ዓይነት ደብዳቤ እንትትደልዩ ካልኦት ግን ልሕልሕ ዝበለ ሕጊ ይኽተሉ፡፡ ሓደ ሓደ ንስራሕ ዘድልዩ ሰነዳት (ንኣብነት ትምህርቲ ፍቓድ) ምስኡ ክተተሓሕዝ ኣለካ መብዛሕቲኡ ግዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደብ ስለ ዘለዎ ኣብ ግዜኡ ብ ኢሜል ወይ ፖስታ ክተምልክት ኣለካ እንድሕር ድኣ ነቲ ቦታ እትምጥን ኮይንካ እቲ ኣስራሒ ንቃለ መሕትት ክፅዉዐካ ይክእል ሓደ ሓደ ስራሕታት ድማ ክእለትካ ዘርእዩ ፈተናታት ክትሓልፍ ይግባእ፡፡

ስራሕ ምድላይ ኣሰልቻዉን ከቢድን ክከዉን ይክእል፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ቅድሚ ስራሕ ምርካብካ ብዙሓት መመለከትታት ክትፅሕፍ የድሊ፡፡ ነገር ግን ተስፋ ክትቆርፅ የብልካን ቃንቃ ስሎቪኒያ ምስ እትክእል ስራሕ ቀሊል ይገብረልካ ሓደ ሓደ ግዘ ኣብ ሃገርካ ትሰርሖ ከም ዝነበረ ዓይነት ስራሕ ዘይክትረክብ ትክእል ነገር ግን ትሑት ክፍሊት ብዘለዎም ስራሕታት ክትጅምር ኣለካ፡፡ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ (http://english.ess.gov.si/) ስራሕ ከመይ ከምትደሊ ሲቪ ከሜ ከምትፅሕፍ ኣብ ቃለ መሕትት ከመይ ክትገብር ከም ዘለካ ዝተፈላለዩ ዎርክሾፓት የዳሉ፡፡

ስራሕካ ምስ እትስእን እንታይ ይፍጠር?

ናትካ ብዘይኮነ ምክንያት ስራሕካ እንተስኢንካ (ንኣብነት እቲ ካምፓኒ እንትዕፀ) ናይ ስራሕ ስእነት ጥቕሚ (denarno nadomestilo za brezposelnost) ክተምልክት ትክእል፡፡ ስለዚ ናይ ስራሕ ዘይብሎም ጥቕሚ ትረክብ ንናይ ስራሕ ዘይብሎም ጥቕሚ ክተምልክት እንተደሊካ ሓደ ሓደ ቅድመ ኩነታት ክተማልእ ይግባእ ዝትረክቦ መጠን ገንዘብ ኣብ ስራሕ ብዝፀናሕካዮ ንዉሒ ግዜ ይዉሰን፡፡ ኣብ ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ ምምልካት ይከኣል (http://english.ess.gov.si/).

ብናትካ ፀገም ወይ ከየፍለጥካ ስራሕካ እንተገዲፍካ (ንኣብነት ፀገም ጥዕና) ስራሕ ናይ ዘይብሎም ጥቕሚ ኣይትረክብን ፡፡ ስራሕካ ምስእትስእን እሞ ድማ ዝኾነ ኣታዊ ተዘይብልካ ወይ ኣታዊካ ካብቲ ዝተሓተ መጠን እቶት ስሎቪኒያ ዝተሓተ እንተኮይኑ ናይ ስራሕ ዘይብሎም ጥቕሚ ትረክብ ስለዚ ናብ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ሓገዝ (denarna socialna pomoč) ምምልካት ትክእል (http://www.mddsz.gov.si/en/areas_of_work/social_affairs/financial_social_assistance/).

ማሕበራዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት ክተማልእ ይግባእ መጠን እቲ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ብመጠን ኣታዊካ ፤ብዝሒ ኣባል ስድራ፤ ንብረትን ዕቃርን ወዘተ ዝዉሰን ይከዉን፡፡  ንማሕበራዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብቲ ጥቓ እቲ ብቐዋምነት እትነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ማእኸል ማሕበራዊ ጉዳይ ምምልካት ይከኣል ፡፡ (http://www.mddsz.gov.si/si/delovna_podrocja/sociala/izvajalci_na_podrocju_socialnega_varstva/centri_za_socialno_delo/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ጥቕሚ ዉሕስናን ማሕበራዊ ደሕንነትን ዝብል ምዕራፍ ምርኣይ ይከኣል.

ማሕበር ሰራሕተኛታት ወይ ማሕበራት ንግዲ ኣንታይ እዮም?

ማሕበር ንግዲ ማለት ሰራሕተኛታት ንምክልካል ግቡእ ክፍሊት ክከፈሉ ዉሕሱን ጥዕና ዘይጎድእ ኩነታት ስራሕ ክህሊ ዝዓለመ ወለንታዊ ምትእክካብ ሰራሕተኛታት እዩ፡፡  ማሕበራት ስራሕ ስሎቪኒያ ንኣባላቶም ጥራሕ ይሰርሑ  ማሕበራት ስራሕ ብዉልቀ ሰራሕተኛታት ብስራሕ ዓይነት ወይ ብብርኪ ሃገር ክምስት ይክእል ወኪላት ሰራሕተኛታት ምኮኖም ድማ ሕጊ ይዉስኖ፡፡

ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዓለም ለኸ ማሕበራት ንድዲ ክህሊ ይክእሉ መሰል ስራሕረተኛታት ሴክተርካ ብምዉካል ኣባል ማሕበራት ንግዲ ምኮን ይከኣል፡፡ ዝርዝር ማሕበራት ንግዲ ኣብዚ ምርካብ ይከኣል፡፡  http://www.mddsz.gov.si/en/delovna_podrocja/delovna_razmerja_in_pravice_iz_dela/socialno_partnerstvo/seznam_reprezentativnih_sindikatov/ ኣባልነት ብወለንታካ እዩ ፡፡ ኣስራሒካ ኣባል ማሕበራት ንግዲ ክትከዉን ክፈቕደልካ ይግባእ፡፡

ኣብ ስራሕ ምግላል ወይ መጥቃዕቲ እንትትበፅሓኒ እንታይ ይገብር?

ኣባል ማሕበራት ንግዲ እንተኮይንካ እቲ ማሕበር ምኽሪ ሕጊ ክህበካ ይኽእል ከምኡ ዉን ክሲ ምስትከፍት ሕጋዊ ወኪል ይኮነልካ ከምኡ ዉን ናብ ቢሮ ሓባሲ ንብዓት ብምጥራዕ ሕጋዊ ርኢቶን ምኽርን ምርካብ ይከኣል ክስካ ርትዓዊ ኮይኑ እንተረኪብዎ አቲ ቢሮ ነቲ ኣስራሒካ ብምጥንቃቕ እቲ ፀገም ከመይ ከም ዝፍታሕ ዉን ምኽሪ ይህብ፡፡

ዝበለፀ ሓበሬታን ሊንክታትን

       ኣገልግሎት ስራሕ ስሎቪኒያ http://english.ess.gov.si/

        ኤጀንሲ ስራሕ ንተምሃሮ https://www.studentski-servis.com/studenti/foreigners

ሕቶን መልስን

ኣብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣዉሮፓ ክሰርሕ ዶ ይክእል?

መሰል ዓለም ለኸ ሓለዋ ኣብ ስሎቪኒያ ናይ ምስራሕ ነፃነት ይህበካ ነገር ግን ኣብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣዉሮፓ ክትሰርሕ ኣይትክእልን ሕድ ሕድ ኣባል ሃገራት ደለይቲ ስራሕ ደቂ ወፃኢ ዝተፈላለዩ ህግታት ስራሕን ቅድመ ኩነትን ኣለወን ስለዚ ኣካይዳታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ ስለዚ ቅድሚ መመልከቲ ምልኣካ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ምርካብ የድሊ፡፡ ስራሕ ፍቓድ ከመይ ከምትረክብ ዉን ምሕታት የድሊ፡፡  ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘድልዩ ቅድመ ኩነታት ዉን ን EURES ምሕታት ይከኣል (ኤጀንሲ ስራሕ ምሕታት ይከኣል)፡፡

እንታይ ዓይነት ልምዲ ስራሕ የድልኒ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስራሕቲ ዝተፈላለዩ ስራሕ ልምድታት የድልዮም ትሕት ዝበለ ክእለት ዘድልም ስራሕቲ ስራሕ ልምዲ ኣየድልን ነግር ግን ስራሕ ልምዲ ንዘድለዮም ስራሕታት ልምድካ ወይ ስልጠናካ ክተርኢ ኣለካ ሲቪካ ስልጠናካን ልምድካን ነቲ ኣስራሒ ዝገልፅ ክከዉን ኣለዎ ኣብ እዋን ፈተን ክትክፈል ይግባእ፡፡