Education system in Slovenia
ስርዓተ ትምህርቲ ስሎቪኒያ ከመይ ዝተዋቀረ እዩ
መዋእለ ህፃናት
እዚ ካብ 11 ወርሒ ዕድመ ክሳብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝሓቖፈ ኮይኑ ግዴታ ግን ኣይኮነን ኣብ መዋእለ ህፃናት ቦታ ንምርካብ ከቢድ ስለ ዝኮነ ብእዋኑ ምምዝጋብ የድሊ
መባእታዊ ትካላት
እዚ 9 ዓመት ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ (osnovna šola) ዝሓቖፈ ኮይኑ ግዴታ ዉን እዩ ካብ ዕድመ 6 ክሳብ 14 እንትትኮን ብነፃ ዝወሃብ እዩ ንኣካል ጉድኣት ንዉሕ ዝበለ ግዜ ዝወስድ እንትትኮን ነገር ግን ልዕሊ 21 ዓመት ዝዘልል ኣይከዉንን
ካልኣይ ብርኪ ትካላት
ድሕሪ ምዉዳእ መባእታዊ ትምህርቲ ቆልዑ ትምህርቶም ኣብ ካልኣይ ብርኪ (srednja šola) ናይ ምቕፃል ዕድል ኣለዎም ነገር ግን ግዴታ ኣይኮነን ትካላት ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ላዕለዎት ቤት ትምህርትታት እናተብሃላ እንትትፅወዓ ኣብ ክልተ ማለት እዉን ጂምናዝየምን ትምርህረቲ ሞያን ተባሂለን ይክፈላ ካልእይ ብርኪ ትምህርቲ ብዓይነቱ ዝተፈላለየ ኮይኑ ካብ 3-4 ዓመት ግዜ ይወስድ እትመሃረሉ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክትመርፅ ትክእል ነግር ግን ምዝገባ በቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ዝረከብካዮ ዉፅኢት ዝዉሰን ይከዉን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ዝረከብካዮ ፍልጠት ሙያን ክእለትን ዝምዝኑን ዝልክዑን ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዝሓዘ መመረቒ (መጠቓለሊ) ፈተና(matura).
ሳልሳይ ብርኪ ትካላት
ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቅፅል/ሊ እንተሓሲብካ/ኪ መመረቒ መጠቓለሊ ፈተና (matura) ክትሓልፍ/ፊ ይግባእ ሓደ ሓደ ዩኒቨርሲትታት ዝሓሸ መመረቒ ዉፅኢት ይደልያ (ዝለዓለ ነጥቢ ኣብ ማቹራ) ወይ ኣብ ፍሉይ ፈተናታት ፅቡቕ ዉፅኢት
ላዕለዋይ ትምህርቲ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ (ናይ 2 ዓመት ፕሮግራም) ከምኡ ዉን ላዕለዋይ ትምህርቲ (3-4 ዓመት ፈላማይ ዲግሪ፣ 1 ወይ 2 ዓመት ማስተርስ ከምኡ ዉን 3 ዓመት መደብ ዶክትሬት PhD) ዝሓቖፈ እዩ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብመንግስቲ (ሉብያና ዩኒቨርሲቲ ማሪቦር ዩኒቨርሲቲ ፕሪሞሪስካ ዩኒቨርሲቲ) ከምኡ ዉን ናይ ግሊ ዩኒቨርሲቲ (ኖቫ ጉሪታ ዩኒቨርሲቲ) ከምኡ ዉን ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፋካሊቲ ኣርት ትምህርቲ ከምኡ ዉን ላዕለዎት ኮሌጃት ሙያ ይወሃብ
ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣነስትዮን ብሓባር ይመሃሩ መሰል ህፃዉንቲ ክክበር ኣለዎ መቕፃዕ ክልክል እዩ መዋእሊ ህፃናትን ቤት ትምህርትታትን ብዛዕባ መዓልታዊ ኩነታት ንምምይያጥ ኣኬባታት ይፅዉዑ ኣብ ኣኬባ ምስታፍ ኣድላይ እዩ ከም ወላዲ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ዉላድካ ክትሳተፍ/ፊ ኣለካ/ኪ
እዞም ኣኬባታት ምስ ወለዲ ንምርካብ ፅቡቕ ዕድል ይፈጥሩ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ተፈሊሙ (ሳልሳይ ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ይፍልም) ኣብ ወርሒ ሰነ ይዛዘም ክረምታዊ ዕረፍቲ ን 2 ወርሒ ይከዉን ኩሉ ግዜ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ትምህርቲ ዉፅኢት ስራሕ ተምሃሪ ዘርኢ ወረቐት ይወሃብ
ስርዐተ ትምህርቲ ንህፃናትን ንዓበይትን ከመይ ዝተዋደደ እዩ
እንድሕር ደኣ ሳብሲዳሪይ ሓለዋ ረኪብካ/ኪ ዉላድካ/ኪ ኣብ መደብ ቅድመ ትምህርቲ ትካላት ናይ ምምዝጋብ መሰል ኣለዎ ትምህረቲ መዋእለ ህፃናት ክፈሊት ኣለዎ ምዝገባ መዋእለ ህፃናት ሙሉእ ዓመት ስለ ዝኮነ ዉላድካ/ኪ ኣብ ምልክታ ዝወፀሉ እዋን ክተመዝግብ/ቢ ትክእል/ሊ ሓተቲ ዕቁባ ኣብ መዋእለ ህፃናት ናይ ምምሃር መሰል የብሎምን ነገር ግን ኣብ ማእከላት መዕቆቢ መሰረታዊ ምሕብሓብ ይወሃብ ቀዳማይ ብርኪ ዘለካዩ ኩነታት ብዘየገድስ ግዴታ እዩ (ንዓካን ንዉላድካን) እንድሕር ደኣ ቃንቃ ስሎቪኒያ ዘይትዛረብ ኮይንካ ቤት ትምህርተታት ንደቂ ስደተኛታትን ነቲ ቃንቃ ዘይመልኩ ህጻዉንትን ተወሳኪ መዳለዊ ትምህርቲ ከዳልዋ ይግደዳ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ግን እቲ/ታ ህፃን መደበኛ ትምህርቱ/ታ ክከታተል/ክትከታተል ኣለዎ/ዋ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ህፃናት ትምህርቲ ካልኣል ብርኪ (srednja šola) ናይ ምቕፃል ዕድል ይህልዮም ነገር ግን ግዴታ ኣይኮነን (ንዝበለፀ ሓበሬታ ልዕል ኢልካ ምርኣይ ይከኣል) ትምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ብነፃ እንትትከዉን ሓደ ሓደ ወፃኢታት ግን ይህልዩካ/ኪ ንኣብነት ቤት ትምህርትታት መግቢ ዘዳልዋ እንትትኮና ነገር ግን ክትከፍል ኣለካ ሓደ ሓደ ከባብያዊ ወይ ክልላዊ ምምሕዳራት (ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝፈላለ ይከዉን) ትራንስፖርት ከዳልዋ ይክእላ ወይ ከዓ ዉልድካ ባዕልካ ናብ ቤት ትምህርቲ ተብፅሕ ናይ ትምህርታዉን ኣቑሕትን ዉን ክትከፍል ይግባእ ንትምህርቲ ዝምልከቱ ሓደ ሓደ ሓገዛት ግን ክትረክብ ትክእል
ስርዓተ ትምህርቲ ንዓበይቲ ከመይ ዝተዳለወ እዩ
ንዓበይቲ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ስርዑን ዘይስርዑን ትምህርቲ ዝሓዉስ እዩ ገሊኦም ዘክፍሉ ገሊኦም ድማ ነፃ እዮም ብስሩዕ መንገዲ ቀዳማይን ካልኣይን ትምህርቶም ንዘይወድኡ ዓበይቲ ብቐፃሊ ዝምህራ ዉስናት ቤት ትምህርትታት ኣለዋ (Cene Štupar https://www.cene-stupar.si/default.asp?mid=en&pid=naslovnica_sl_en etc.) ዕላምኡ ድማ ኣብ ኩሉ መዳይ ትምህርቲ ፍልጠትን ክእለትን ንምምዕባል ይከዉን ትምህርቲ ንዓበይቲ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ሙያዊ ብቕዓትን ንምርካብ ትሕት ዝበለ ሙያ መሊስካ ምስልጣን ከምኡ ዉን መደባት ስልጠና ዝሓዉስ ይከዉን ወሃቢ ኣገልግሎት ስራሕ ንዝተፈለጡ ሸቕሊ ኣልቦ ሰባት ነፃ መደብ ትምህርቲ ይህባ በዚ ኣቢሉ ድማ ኣብ ዕዳጋ ዝጥለቡ ሙያዊ ትምህርቲ ይኮኑ እንድሕር ደኣ ዓለም ለከ ዕቁባ ዝተዉሃበካ/ኪ ዓብይ ሰብ ኮይንካ/ኪ ምስ ዜጋ ስሎቪንያ መስል ትምህርቲ ይህልየካ/ኪ
ሓታቲ ዕቁባ ኮይነ ክመሃር ዶ ይክእል
ከም ሓታቲ ዕቁባ ኣብ ኩሉ ብርኪ ትምህርቲ (ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ) ናይ ምምሃር መሰል ኣለካ ነገር ግን ደቂ ሓተቲ ዕቁባ ኣብ መዋእለ ህፃናት ናይ ምምሃር መሰል ኣይክህልዎምን
ኣፍልጦ ብቕዓት ወፃኢ/ከይዲ ምዕሩይነት ዲግሪ
እንድሕር ከም ሰርተፈኬት ዲፕሎማ ወይ ከዓ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተከታተልካዮም መደብ ትምህርቲ እንተሃልዩካ/ኪ ብቕዓትካ/ትምህርትካ ኣፍልጦ ንክረክብ ሕቶ ክተቕርብ ትክእል ኢካ ክሎም ሰነዳትካ ናብ ቃንቃ ስሎቪኒያ ክትርጎሙ ይግባእ ንናይ ዓለምለከ ዕቁባ/ሓለዋ ዝረከቡ ኣካላት መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ሓገዝን ምዉሃድን ስደኛታት ነቲ ናይ ትርጉም ክፍሊት ዝሽፍን እንትትከዉን ሓታቲ ዕቁባን ካልኦት ወፃእተኛታትን ባዕሎም ክከፍሉ ይግባእ
እንድሕር ደኣ ኣድለይቲ ሰነዳት ዘይብልካ/ኪ ካልኣይ ብርክን ዩኒቨርሲቲን ንምክትታል ሓደ ሓደ ብድሆታት ኣለዉ ካልኣይን ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲን ናይ ምክትታል መሰል ዋላ እኮ እንተሃለዩካ/ኪ ኣብ ተግባርነቱ ግን ሓደ ሓደ ፀገማት ክፍጠሩ ይክእሉ
እንድሕር ደኣ ዓለም ለከ ሓለዋ ተዋሂቡካ እሞ ድማ ወረቐት መረዳእታ ትምህርቲ ክተቕርብ ተዘይኪልካ/ኪ ብኢንስቲትዩት ትምህርቲ ስሎቪኒያ (https://www.zrss.si/en/) ዝወሃብ ፈተና ብምሕላፍ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ክትመሃር ትክእል ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ድማ ብማእከል ብሄራዊ ፈተናታት (RIC – https://www.ric.si/ric_eng/general_information/) ዝወሃብ ክትሓልፍ ኣለካ
ትምህርቲ ንክምዝገብ እንታይ ክገብር ኣለኒ
ኣብ ስሎቪኒያ ዝተፈላለዩ ኣማርፅታት ትምህርቲ ስለዘለዉ እቶም ኣማርፅታት ምርኣይ ይምከር መሰል ዓለም ለከ ሓለዋ/ዕቁባ ሃልዩካ/ኪ ክትመሃር እንተደሊካ/ኪ እሞ ድማ ኣበይ ከም እትጅምር ተዘይፈሊጥካ ሓገዝ መማከሪካ/ኪ ምዉህሃድ ክትሓትት ኣለካ
ዝበለፀ ሓበሬታን ሊንክታትን
- Educational system in Slovenia: https://www.youtube.com/playlist?list=PLpXqOJBPuT-nY6S7KpbvfWTU0iwHZzITm
- Study in Slovenia: http://studyinslovenia.si/
- National Vocational qualifications: http://www.npk.si/index.php?lang=en
- Javni zavod Cene Štupar (educational programmes): https://www.cene-stupar.si/sl/domov
- CDI Univerzum (educational programmes): https://www.cdi-univerzum.si/
ሕቶን መልስን
ንጉድኣት ኣካላት ዝኮኑ ቤት ትምህርትታት ኣለዉ ዶ
ንኣእሙራዉን ኣካሎም ዝጎደሉ ህፃናት ፍሉያት ቤት ትምህርትታት ኣለዉ
ወፃእታት ትምህርቲ እንታይ ይመስል
ትምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ነፃ እዩ ነገር ግን ዝተወሰኑ ወፃእታት ይህልዉ (ንዝበለፀ ሓበሬታ ልዕል ኢልካ ምርኣይ ይከኣል) ናይ ግሊ ቤት ትምህርትታት ዘክፍላ እንትትኮና ናይ ምንግስቲ ግን ነፃ እዩ ነግር ግን ኩሉ ግዘ ሓደ ሓደ ክፍሊታትን ኩነታትን ተፈፀምቲ ይኮኑ ምስ ትምህርቲ ዝተትሓሓዙ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክትረክብ ትክእል ኢካ
TNC መምሃሪ ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ዶ
ኣብ ስሎቪኒያ ዝርከቡ ደቂ ወፃኢ ሓገዝ መምሃሪ ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን ሓደ ሓደ ቤት ትምህርታት ንተመዛበልትን ከምኡ ዉን ክልኣዊ (ፀረት) ሓለዋ ዝረክቡ ሰባት ብነፃ ክምዝገቡ ይፈቕዳ