Public transport in Slovenia
ኣብ ስሎቪኒያ እንታይ ዓይነት ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ኣለዉ?
ኣብ ስሎቪኒያ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተወደበ ከምኡውን ዘተኣማምን እዩ ፡፡ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ቀፃሊ ዝኮነ ምምልላሳት ኣለዉ ባቡራት ኣብ መንጎ ከተማታት ቅልጡፍ ከምኡውን ምቹእ ዝኾነ ኣገልግሎት ይህቡ ከምኡውን ኣዉቶብሳት ናብ ተወሳኺ ርሕቀት ቦታታት ይኸዱ. ክልቲኦም ንተማሃሮ, ዓበይቲን ስራሕ ናዘይብሎምን ወዘተ ዋጋ ይጎድሉ፡፡
ባቡር
ሓበሬታ ብዛዕባ ጉዕዞታት (ግዘ ሰሌዳ ናይ ባቡር መርበብ ካርታ) ኣብ http://www.slo-zeleznice.si/en/ ይርከብ፡፡ ኣብ መደበር ባቡር ትኬት ምግዛእ ይኽእሉ፡፡ ቢሮ መገዲ ባቡር ኣብ ዝዕፀወሉ እዋን(መብዛሕትኡ ግዜ ብሓፈሻኡ ንኣሽቱ ነኣሽቱ ከተማታት ከምኡውን ንኣሽቱ መደብራት) ትኬት ኣብ ዉሽጢ ባቡር ምግዛእ ይከኣል እዩ ነግር ግን እቲ ትኬት ቢሮ ክፍቲ እናሀለየ ኣብ ዉሽጢ ባቡር እንተገዚእካ ዋግኡ ዕፅፊ ይከዉን ዓለም ለኸ ጉዕዞታት እዉን ኣለዉ፡፡
ኣዉቶቢስ
ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ከተማታት ቀፃሊ ዝኮነ ናይ ኣዉቶቢስ ጉዕዞ ኣሎ ንዝበለፀ ሓበሬታhttps://www.ap-ljubljana.si/en/ ምርኣይ ይከኣል፡፡
ህዝባዊ መጎዓዝያ ኣብ ከተማታት
ኩለን ከተማታት ብቀፃልን ቅልጡፉን ዝኮነ ህዝባዊ መጎዓዝያ ኣለወን ኣብ ከተማ ሉብያና ኡርባና (Urbana) ዝበሃል ካረዲ በምግዛእ ምጥቃም ይከኣል ፡፡ኡርባና ካርዲ ናብ ካስትል ሉበያና ንምጎዓዝ፤ ንህዝቢ መዓርፎ ክፍሊት ንሓድ-ሓደ ናይ መኪና መዓርፎ ቦታታትን ቤተ መጻሕፍቲ ኣገልግሎታት ንምኽፋል እዉን የገልግል እዩ ፡፡ ልቓሕ ምጽዓን ወይ ከኣ ናይ ሓደ ጊዜ ቲኬት ምግዛI ይኽእሉ. ትኬት ብምግዛእ ኣብ ቶባኮ ሱቅ ምምላእለምጽዓን ይከኣል ንዝበለፀ ሓበሬታ http://www.lpp.si/en/single-city-card-urbana፡፡
ናብ እቲ ኣዉቶቢስ ክትኣቲ ከለካ ኣቲ ጥቓ እቲ ሹፌር ዘሎ ስክሬን ኣንዳኣጣለለካ/እናሞከርካ ክትኣቲ ኣለካ እቲ ናይ ኣዉቶቢስ ስርዓት ኣብ ማሪቦር እዉን ተመሳሳሊ እዩ: http://www.marprom.si/en/tickets-and-prices/
ንዝበለፀ ሓበሬታ ህዝባዊ መጎዓዝያ ኣብ ስለጅ Celje: https://www.izletnik.si/potniski_prevozi/linijski_promet/cenik/ ከምኡ ዉን ኣብ ክራጅ Kranj: https://www.alpetour.si/avtobusni-prevozi/javni-linijski-prevozi/mestni-linijski-prevoz-kranj/
መዓልታዊ ትኬት ኣብ ዉሽጢ እቲ ኣዉቶቢስ ምግዛእ ይከኣል ፡፡ ካልኦት ከተማታት ዝምልከት ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጣብያ ይሕተቱ፡፡
ባይስከላት
ኣብ ስሎቪኒያ ባይስክል ምግናሕ ልሙድ እዩ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ባይስክላት ብሕሱር ዋጋ ምክራይ http://kolesarji.org/english/ ይከኣል እዩ ፡፡ ኣብ ስሎቪኒያ መደብር ናይ ከተማ ባይስክላት ኣብ መላእ እታ ከተማ ይርከብ : http://en.bicikelj.si/Ljubljana. እንድሕር ድኣ ንሰሙን ወይ ከዓ ንዓመት ባይስክል ንምጥቃም ተመዝጊብካ ን24/7 ብዘይክፍሊት ክትጥቀም ትክእል (አቲ ፈለማ ሰዓት ብነፃ ድሕሪኡ ግን ዝተወሰነ ትከፍል) ነግር ግን ፈለማ ናይ ክረዲት ካርድካ ብምጥቃም ኦንላይን ክትምዝገብ ኣለካ (3 ዩሮ ትከፍል)፡፡
ኣዉሮፕላን
ኣብ ስሎቪኒያ ሰለስተ ናይ መንግስቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣለዋ ንሳተን እዉን ኣብ ሉብያና ማሪቦርን ፖርቶሮዝ እንትትኮና መብዛሒቲኡ በረራ ግን ካብ ሉብያና እዩ http://hrup.lju-airport.si/sl/Main ሃገራዊ ካምፓኒ መስመር ኣየር መንገዲ ኣየር ኣድርያ ይበሃል፡፡
መኪና
መብዛሕቲኡ ሰብ ወናኒ መኪና እነትትኮን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገጠር ዝነብር ሰብ ሓዱሽ መኪና ክባር ስለዝኮነ መብዛሕቲኡ ሰብ ዘገልገሊ መኪና እዩ ዝገዝእ፡፡ ነግር ግን ጥንቃቐ የድሊ እዩ ምክንያቱ ድማ እትሽፍሮ መኪና ብቑዕ ክከዉን ኣለዎ አቲ መኪና ብፈተና ዝህብ ኤጄንሲ ዓመታዊ ፈተነ ይካየድ እዩ ብምክንያት ዉሕስና (ኣገዳዲ እዩ) ታክሲ ነዳዲ እና ናይ ፓርኪንግ ክፍሊት ዋጋ መኪና ክባር እዩ፡፡
ህዝባዊ መጎዓዝያ ክጥቀም ከለኩ እንታይ ኣብ ግምት ከእቲ ኣለኒ?
ህዝባዊ መጎዓዝያ ብመደብ/ግዘ ሰሌዳ እየን ዝጎዓዛ ስለዚ ባቡር ወይ ኣዉቶቢስ ክንደይ ሰዓት ከም ዝብገሳ ቼክ/ምረኣይ የድሊ ፡፡ ብእዋንካ ናብ መከዲካ ንምብፃሕ ሓደ ሓደ ግዘ ህዝባዊ መጎዓዝያታት ክዝንግዓ ይክእላ፡፡ ትኬት ካብ ቶባኮ ሱቕ መዕረፊታት (ካብ ማሽን ወይ ትኬት ቢሮ) ኢሉ እዉን ሓሓሊፉ ካብ ሽፌርን ኦንላይንን ምግዛእ ይከኣል፡፡
ሓደ ሓደ ግዘ ትኬታት ቅድም ኢሎም ክግዝኡ ኣለዎም ኩሉ ግዘ ትክክለኛ ትኬት ምሓዝካ ርግፀኛ ክትከዉን ኣለካ፡፡ ብጀካ ትኬት ኣዉቶቢስ ምጥቃም ቅፅዓቱ ብዙሕ እዩ እንድሕር ድኣ እዉቶቢስ ብቐፃሊ ትጥቀም ኮይንካ ንንዉሕ ዝበለ ዘገልግል (ንወርሒ ወይ ንዓመት) ትኬት ምግዛእ የድሊ፡፡ ተምሃሮን ተዓለምትን ቅናሽ ዋጋ ንናይ ሓደ መንፈቕ ዓመት (ሰሚስተር) ወይ ዓመታዊ ትኬት ከምልክቱ ይክእሉ ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ ንሰብ ፀጋ ዕድመ ኣካል ጉድኣት ከምኡ ዉን ነፍሰ ፁራት ዝግደፍ መቐመጢ ኣለዉ፡፡
ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ ምትካክ ኣይፍቀድን ከም ኣኻልብ ዝበሉ ዘቤት እንስሳ ምውሳድ ፍሉይ ሕግታት ኣለዉ ኣክላብ ብጐዱፍ መትሓዚ ኮፍ ምባል ከምኡውን መከላኸሊ ምጥቃም ዘድልይ፡፡