If you feel lost in a new country
ኣብ ዘይፈልጦ ሃገር ኣንትትጠፍእን ሓገዝ እንትደልን እንታይ ይገብር?
ናብ ካልእ ሃገር ምካድን ሓድሽ ሂዎት ምጅማርን ኣፀጋሚ ክከዉን ይኽእል ሓደ ሓደ ግዘ ምስእቲ ኩነታት ክትላመድ ከምዘይትክእል ይስመዐካ፡፡ እዚ ከኣ ጭንቀት ይበሃል ጭንቀት ሙሉእ ሂወትካ ኣንኮላይ ስሚዒትካ ባህርካ ኣተሓሳስባካ ክፀልወልካ ይኽእል ኢሉ ዉን ኣካልካ ይፀልዉ፡፡
ገዝኦምን ሃገሮምን ብሓይሊ ዝገደፉ ሰባት ንስነ ኣእሙራዊ ጉድኣት ይጋለፁ እዞም ኩነታት ዝስዕቡ እዮም፡፡
-ኣካል ኩናት ምኮን
– ካብ ስድራ ወይ ቀረባ መሓዛ ብሓይሊ ምፍላይ
– ሞትን ምጥፋእ ኣባል ስድራ ወይ ኣፍቃሪትካ/ኪ
– ኣካላዊ ዓመፅ ወይ ሓደጋ ስቓይ ፆታዊ ጥቕዓት ከምኡ ዉን ኣብ ሓደጋ ከም ዘለካ ክስመዐካ ዝገብሩ ዘፍርሑ ኩነታት
ከምዚ ዓይነታት ነገራት ስነ ኣእሙራዉን ኣከላዉን ጥዕናካ ክጎድኡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ነዚኦም ከምዚኦም ዝበሉ ኩነታት ሰባት ብዘተፈላለየ መልክዕ ይርእይዎም ኮይኑ ግን ዝተፈላለዩ ዓይነት መልስታት ከም ዝህልዩካ ርዱእ እዩ እቶም ተርእዮታት ( reactions) እዞም ዝስዕቡ ክኮኑ ይክእሉ፡፡
ብዛዕባ እቶም እዋናት ኣብ ቀትርን ለይትን ዘይተደለየ ምስትዋስ
-ምንም ዓይነት ፀጋም ኣብ ዘየለየሉ እዋን ኣብ ሓደጋ ከም ዘለካ ምስማዕ ወይ ምምሳል
-ብዛዕባ ሕሉፍ ፀገማት ምሕሳብ ወይ ምዕላል ምግዳፍ
-ኣብ ገለ እዋን ፅቡቕ ዝነበሩ ነገራት ሐዚ ግን ስምዒት ምስኣን
-ካብ ካልኦት ከም ዝተገለልካ ኮይንካ ምስማዕ
ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣፀጋሚ ኮይኑ መዓልታዊ ሂወተካ ዉን ይፀሉ ስለዚ ሓገዝ በዓል ሞያ ክትሓትት ይግባእ፡፡
ሓገዝ ስነልቦና እንታይ ማለት እዩ ንመን እዩ ከ?
ምኽሪ ስነልቦና ስነልቦናዊ ፀገም ዘለዎም ሰባት ብዝተምሃሩ በዓል ሞያታት በዓል ሞያ ስነልቦና ሓኪም ርእሲ ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት በዓል ሞያታትን ክሕገዝ ይኽእል፡፡ ኣብ ሂወቶም ፀገም ዘለዎም ሰባት ጭንቀት ዘለዎም ዓርሶም ዝሰሓቱ ንዘለዎም ሰባት ክሕግዙ ይክእሉ ሓገዝ ምሕታት ማለት ንስኻ ድኹም ወይ ዕቡድ ኮይንካ ኣይኮነን ነገር ግን ሓገዝ ስነልቦና ንፀገም ስነልቦን ንዘለዎም ዝወሃብ እዪ፡፡
ምኽሪ ስነልቦና ብመልክዕ ቃል ምልልስ ምስ ግለ ሰባት ስድራ ቤት ተፃመድቲ ወይ ጉጅለ ክግበር ይኽእል፡፡ ኣብ መንጎኻን ኣማኻሪ ስነልቦናካን እምነት ኣድላይ እዩ እዚ ካዓ እቲ ሓገዝ ዕዉት ይገብሮ ስለዚ ምስጢር ዓቃባይነት ኣድላይ እዩ፡፡ እዚ ማለት እቲ ኣማኻሪኻ ግላዊ ምስጢርካ ንማንም ዋላ ንቤተሰብካ ኣሕሊፉ ክህብ የብሉን፡፡
ሓገዝ ስነልቦና ኣበይ ይረክብ?
ኣብ ስሎቪኒያ ሓገዝ ስነልቦና ዶክቶርካ ምስ እትልእከካ ወይ ሪፈር እንትፅሕፈልካ ኣብ ስርዓት ማሕበራዊ ክንክን ጥዕና ምርካብ ይከኣል፡፡ ክትከፍል ዉን ኣይፅበየካን ስደኛታትን ሓተቲ ዕቁባን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ናፃ ናይ ስነ ኣእሙሮ ሓገዝ ይረክቡ ፡፡ መብዛሕቲኡ ግዘ እቶም ትካላት ተረጎሚ ስለዝህልዮም ምስ መማኸሪኻ ምርድዳእ ትኽእሉ ተርጎምቲ ዝርርብካ ብምስጢር ክሕዝ ይግባእ ኣንድሕር ድኣ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ደሊኻ ኣብቲ ማእኸል ዕቁባ ዝርከብ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ምሕታት ይከኣል፡፡
ክሕግዘኒ ዝክእል ዝኮነ ትካል ኣሎ ዶ?
መርበባት ሓገዝ
ናብ ሓደ ሃገር ወይ ማሕበረሰብ እትትከይድ ከም ሓዱሽ መፃኢ ኣብኡ ንዝተወሰነ እዋን ዝነበረ ወፃእተኛ ምርካብ ጠቓሚ እዩ ሓደ ሓደ ግዘ ምስ ካልኦት ሰባት ምዕላልን ግዘ ምሕላፍን ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ካብ ካልኦት ልምዲ ምርካብን ይሕግዝ፡፡ ወፃእተኛታት ብፍላይ ሓተቲ ዕቁባን ዓለም ለኸ ሓለዋ ዝተዉሃቦምን ኣብ ሓገዝቲ ትካላት ማሕበራትን ክለባትን ይእከቡ እዮም፡፡
- ኢኒስቲዩት ፅንዓት ኣፍሪካ https://african-studies.org/institute_en.html
- ስሎቪኒያ ፍላንትሮፒያhttp://www.filantropija.org/en
- ዱሩስትቮ ኦድኖስ http://odnos.si/
- ዱሩስትቮ ኣፕ ጀስኒሰhttp://www.up-jesenice.org/en
ሕቶን መልስን
ናብ ናይ ስነልቦናዊ ምኽሪ ንምርካብ ሕክምናዊ ምርመራ የድልየኒ ዶ?
ኣይፋልን፣ ስነልቦናዊ ምኽሪ ስነ ኣእምራዊ ሕክምና ብዘይ ሕክምናዊ ምርመራ ንስነኣእሙራዊ ፀገም ዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ መብዛሕቲኦም ንስነ ኣእሙራዊ ምኽሪ ወይ ስነ ኣእሙራዊ ሕክምና ዝመፁ ሰባት ስነ ኣእሙራዊ ፀገም እንትህልዮም ናብ ዶክቶር ምኻድን ምርመራ ምግባርን ግን ኣየድልምን እዚ ማለት ግን እቲ ፀገም ንአሽቶ እዩ ኣይኮነን፡፡
እንድሕር ድኣ ናብ ናይ ስነ ልቦናዉን ስነ ኣእሙራዊ ምኽሪን ከይደ ክኒን ምዉሳድ ይድሊ ድዩ?
ኣይፋል ኣድላይ ኣይኮነን፣ መባዛሕቲኦም ፀገማት ስነ ኣእምሮ መድሓኒት ምዉሳድ ኣየድልዮምን ነግር ግን እቲ ኣማኻሪኻ እንድሕር ድኣ ምዉሳድካ ተሎ ከድሕነካን ክሕግዘካን ይኽእል እዩ ኢሉ እንተ ኣሚኑ ምሳኻ ጥቕሙን ሳዕቤኑን ብምግላፅ ክትወስድ ትድልን ኣይትደልይን ትዉስን ኣብ ስሎቪኒያ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ጥራሕ እዩ ንናይ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ መድሓኒት ዝእዝዝ፡፡
ናብ ናይ ኣማኻሪ ስነልቦና ወይ ሓኪም ኣእምሮ ምኻደይ መን ክፈልጥ ይኽእል?
ንስኻ ኣማኻሪኻ ወይ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ከምኡዉን ተርጎሚ እንድሕር ድኣ ኣተርጎሚ እንተሃልዩ ከልእ ማንም ክፈልጥ ኣይክእልን ዋላ ኣባላት ስድራኻ እንድሕር ድኣ ምስኦም ሓበሬታ ክትካፈል ዘይደለኻ እንድሕር ድኣ ሂወትካ ሓደጋ ዝወድቕ ኮይኑ ከምኡ ድማ ካልኦት ዝጎድእ ኮይኑ ግን ፍሉይ ከዉን ነግር ግን እዚ ሓሓሊፉ ዝፍጠር ጉዳይ እዩ፡፡