Welfare benefits and social security in Austria

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያ » Welfare benefits and social security in Austria

ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ንመን ይምልከቶ? ዝተዳለወ ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት እንታይ ይመስል?

ብመንግስቲ ኣውስትርያ ዝወሃብ ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ንኩሎም ዜጋታት ዝምልከት ኮይኑ ፡ንዝምልከቶም ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት (ንኣብነት፡ ሕማም፣ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ዘይብቁዕነት፣ ምእላይ ጽግዕተኛታት) ዕላማ ጌሩ ይሰርሕ። መሰል ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ብመንግስቲ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ገንዘባውን ካልእ ሓገዛትን የጠቃልል። እዞም ዝተጠቅሱ መሰላት ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ምስ ስራሕ፣ ዜግነት (ኣውስትርያዊ፣ ሕ.ኣ፣ ቁጠባዊ ዞባ ኣውሮፓ፣ ዜጋታት ኣውሮፓ ዘይኮኑ)፣ ደረጃ ነባርነትን፣ ዝነበርካሉ ግዜ ኣብ ኣውስትርያን ዝተታሓሓዘ እዩ።

  • ቀዋሚመንበሪ ፍቓድ ዘለም ሰባት ኣብ ዕድላት ማሕበራዊ ሓገዛት ከም ዜጋታት ኣውስትርያ ይእለዩ።
  • ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ዕድላት ማሕበራዊ ውሕስነትን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ዝያዳ መሰላትን ይህልዎም።
  • ሓተትቲ ዑቅባ ዕድላት ናይ ስሩዕ ምወላ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ኣይህልዎምን።ከም መተካእታ ግን፡መባእታዊ ክንክን (Grundversorgung)

 ብቁዕ መንበሪ ገዛ፣ መግቢ፣ ውሕስነት ጥዕናን ናይ ጁባ ገንዘብን ዕድላት ይረኽቡ።

  • ዘይስሩዕ ደረጃ ነባርነት ዘለዎም ሰባት ቁጠባዊ ናይ ድሕነት ምወላ ከም ውሕስነት ጥዕና ፡ ክረኽቡ ኣይክእሉን። እንተኾነ ግን ፡ ህጹጽን መባእታዊ ሕክምናዊ ሓገዛትን ክንፈጉ ኣይክእሉን።

ማሕበራዊ ድሕነት፡ ማሕበራዊ ሓገዛት፣ ጥዕናን ስራሕን ዘካተተ እዩ።

ናይ ሽቅለት ኣልቦ ምወላ ይምልከተኒ ዶ?

ኣብ ኣውስትርያ እንተደኣ ስራሕ ኣቋሪጽካ ጠለብ ምወላ ሽቅለት ኣልቦ ክትሓትት ትኽእል። ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነት ድማ ፡ነባርነት ኣብ ኣውስትርያ፣ ትሑት ናይ ውሕስነት ሰነድ፣ ድልዉነትን ድሌትን ናይ ዝቀርበልካ ስራሕን እዮም። ንፈለማ ግዜ ጠለብ ዘቅርቡ ሰባት ብውሕዱ  52 ሳምንታት ናይ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ቅድሚ ምቅራብ ጠለብ ክኸውን ይግባእ። ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት ድማ ናይ 26 ሳምንታት ክኸውን ይግባእ። ሓተትቲ ዑቅባ ግን ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት እንተዘኮይኑ ዝተጠቅሱ ዕድላት ክምልከቶም ኣይክእልን። እዚ ማለት ድማ ፡ ምወላ ሽቅለተ ኣልቦ ኣይምልከቶምን

እትዋት ገንዘብ እንተደኣ ዘይብለይ ወይ ውሑድ እንተ ኾይኑ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ንምወላ ዝምልከት ጠለብ ናይ ፍቱን ውሑድ ኣታዊ bedarfsorientierte Mindestsicherung) ፡እንተደኣ ኣታዊ ዘይብልካ ወይ ትሕቲ ውሑድ ዓቀን ኣታዊ ናይ 837,76 ዩሮ ንሓደ ውልቀ ሰብ ወይ 628,32 ዩሮ ንሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ መጻምድቲ ፡ ጠለብ ሕቶ ምወላ ከተቅርብ ትኽእል። እንተደኣ ናይ ፍቱን ውሑድ ኣታዊ ምወላ ትቅበል ኮንካ፡ ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ጥዕና እውን ምዝጉብ ትኸውን።ካብ ስራሕ ትርኽቦ ኣታዊ ከምእውን ካልኦት ምወላታትን ውልቃዊ ንብረትን ኣብቲ ናይ መናበይ  ውሑድ ምወላ (means tested minimum income) ዝተጸንበሩ እዮም።

 

ስድራቤተይ ናብ ኣውስትርያ ክጥርንፍ/ከምጽእ ይኽእል ዶ?

እንተደኣ ደረጃ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ኣሎካ/ኪ (ዑቅባ ተዋብካ/ኪ)ስድራቤትካ ናብ ኣውስትርያ ክትጥርንፍ ትኽእል። ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ -ዳግመ ሰፈራ- ጥርናፈ ስድራቤት ተመልከት።

ንስድራቤተይ ዝወሃብ ምወላታት እንታይ ይመስል?

ኣብ ኣውስትርያ ኣባላት ስድራቤትካ ዕድላት ናይ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ማዕረኻ ይህልዎም። ኣባላት ስድራቤትካ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ውሕስነት ጥዕና ዘይሃሊዎም ፡ እንተኾነ ግን መንበሪ ፍቃድ ኣብ ኣውስትርያ እንተደኣ ኣለዎም ውሕስነት(mitversichert) ክረኽቡ ይኽእሉ። ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋቅ/click  ብምግባር፡German information; English information ፡ስድራቤትካ ውሕስነት ክረኽቡ የኽእሎም።

እስኻን ስድራቤትካን ናይ ዝወሃቡ ቁጠባዊ ሓገዛት ፡ከም ምወላ ህጻን ፣ ግብሪ ልቃሕ ህጻን፣ ምወላ መዕበይ ህጻን፡ ተጠቃሚ ክትከውን የኽእለካ። ኩሎም ስድራቤታት ኣታዊታቶም ብዘየገድስ ተጠቀምቲ ምወላ ህጻን እዮም። ዓቀን ገንዘብ ምወላ ህጻን ኣብ ዕድመን ብዝሒ ህጻናት ይምርኮስ። ንኣብነት ፡ ንሓደ ህጻን ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዕድመ 110,18 ዩሮ ወርሓዊ ይኽፈል። ግብሪ ልቃሕ ህጻን ድማ 58,4 ዩሮ ወርሓዊ ኮይኑ ፡ ብሓደ ምስ ምወላ ህጻን ይኽፈል። ምወላ መዕበይ ህጻን ብምሉእ ዓቀን ንምቅባል እተን ዓሰርተ ነጻ መርመራታት ኣብ ኣደነት ካርድ maternity card (Mutter-Kind-Pass) ሰፊሩ ዝርከብን ፡(ሓሙሽተ ቅድሚ ምውላድ ሓሙሽተ ድሕሪ ምውላድ) ፡ብግቡእ ክፍጸሙን ናብ ትካል ውሕስነት ጥዕና  ክርከቡን ይግባእ።

ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ምወላ እንታይ ይመስል?

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስንክልና ኣለዉ። ገለ ሰባት ኣካላዊ ስንክልና ኣለዎም። ንኣብነት ፡ ዓይነ ስውር ፣ደንቆሮ/ጸማም፣ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዘጸግሞም/ ዊልቸየር ዘድልዮም ወዘተ። ካልኦት ሰባት ናይ ስነ- ኣእምሮ ስንክልና ኣለዎም። ስንክልና ድማ ውርሻዊ ወይ ብሓደጋ ወይ ሕማም ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ኣውስትርያ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ሓገዛት ይግበረሎም ፡ እዚ ድማ ብማዕረ ኣብ ንጥፈታት ሕብረተሰብ ንኽሳተፉ ይኸውን፥

  • ቀጻሊ ሓለዋ ኣንጻር ምውጋድ/ምንጻል

ኣስራሕቲ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ምውሳዶ ተቀባልነት/ስምምዕ ካብ ኮሚተ ስንኩላን ክረኽቡ ይግባእ።

  • ሞያዊ ሓገዛት

ዝርግርሐ ሓገዛት ካብ ገንዘባዊ ሓገዛት ብመንገዲ ሞያዊ ደገፋት ንፍሉይ ናይ ስልጠና ኮርሳት

  • ተወሰኽቲ በዓላት

ክሳብ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ናይ ስራሕ ስምምዕ ፣ ወይ ናይ ትካል ስምምዕ ዝጥሕስ ዘይኮነ ፍቁድ ይኸውን።

  • ምወላ ኣታዊ ግብሪ

ደረጃ ስንክልና ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ግብሪ ምጒዳል ግብሪ ናይ 25% ክፍጸም ይኽእል።

ተጠቀምቲ ዝወሃቡ ፍሉይ ሓገዛት ንምዃን ፡ ፈለማ ደረጃ ስንክልና ክግለጽ ይግባእ። እዚ ድማ ብሞያዊ ሓኪም ናይ ዝምልከቶ ኣካል/ Sozialministeriumservice ብምኻድ ይፍጸም። ከም ኣፍልጦ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህበካ ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ መጠን ፡ ናይ ምንባርን ስራሕን መሰል ዘለካ/ኪ፡ ማዕረ መሰላት ከም ዜጋ ኣውስትርያ ይወሃበካ/ኪ።

እቶም ሰለስተ ፍሉጣት ማሕበራት ፡ ሓገዝ ንኣካላውን ስነኣእምራውን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝህባ ማሕበራት ካሪታስ/Caritas፣ ዲያኮኒ/Diakonie ከምእውን ለበንስህልፈ/Lebenshilfe እዮም። ካብዞም ሰለስተ ማሕበራት ወጻኢ ካልኦት ብዞባዊ ደረጃ ዝንቀሳቀሱ ማሕበራት እውን ኣለዉ ።

ከም ሓታቲ ዑቅባ ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ብኸመይ ይረክብ?

ከም ሓታቲ ዑቅባ መባእታዊ ሓገዝ ( Grundversorung)፡ንምርካብ ባዕልኻ ክትምዝገብ ይግባእ። እቲ መባእታዊ ሓገዛት ፡ መንበሪ ገዛ፣ መግቢ፣ ውሕስነት ጥዕናን ናይ ጁባ ገንዘብ የጠቃልል። ጠለብ ሕቶ ዑቅባ ንምቅራብ ኣብ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወይ ሰብ መዚ ፖሊስ ምምልካት ይከኣል።

ዑቅባ እንተደኣ ተዋሂበ ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ብኸመይ ይረክብ?

  • ድሕሪ ምቅባል ዑቅባ ኣብ መደብ መባእታዊ ክንክን ንኣርብዕተ ኣዋርሕ ትጸንሕ።
  • ማሕበራዊ ውሕስነት

ብድሕሪዚ ድማ ውሕስነት ጥዕና፣ ውሕስነት ሓደጋን ጥዕናን ዘካተተ ማሕበራዊ ውሕስነት ትቅበል።ኣብ ኣውስትርያ ማሕበራዊ ውሕስነት ሕጋዊ ግዴታ እዩ። ምስ ምውሃብ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ክትሰርሕ ይፍቀደልካ። ምምዝጋብ ናብ ማሕበራዊ ውሕስነት ድማ ግዴታዊ ሓላፍነት ናይ ኣስራሒ ይኸውን። ባዕላዊ ስራሕ ተካይድ እንተኾንካ ግን ባዕልኻ ናብ ማሕበራዊ ውሕስነት ክትምዝገብ ይግባእ።

  • ኣገባብ መናበይ ውሑድ ኣታዊ

እንተደኣ ዝኾነ ኣታዊ ዘይብልካ ፡ ጠለብ ናብ  ኣገባብ መናበይ ውሑድ ኣታዊ ከተቅርብ ይግባእ። ዝኾነ ኣገባብ መናበይ ውሑድ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ ፡ ብቀጥታ ውሕስነት ጥዕና ይረክብ ብተወሳኺ ድማ ካርድ ውሕስነት ጥዕና/e-card ይወሃቦ።ውሑድ መናበይ ኣገባብ ኣታዊ ከምዘለካ ንምግላጽ ፡መርትዖ ናይ ውሑድ ኣታውን መርትዖ ጽሑፍ ናይ ንብረት ናብ በዓል ስልጣን ዞባዊ ምምሕዳር  ፡ሓላፍነት ናይ እትነብረሉ ዞባ ዝወስድ፡  ከተቅርብ ይግባእ። እቲ ተቅርቦ ጠለብ ቅዳሕ ወረቃቅቲ ናይዞም ዝስዕቡ ዶኩመንትታት ናይ ነፍወከፍ ኣባል ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ። መርትዖ መለለይ መንነት(ስእሊ መ.መ)

  • ውልቃዊ ዶክመንትታት/ወረቃቅቲ፡(ምስክር ወረቀት ዕለተ ትውልዲ፣ ምስክር ወረቀት ናይ ዜግነት ወይ መንበሪ ፍቃድ/ምስክር ወረቀት ናይ ምዝገባ ወይ ናይ ኣፍልጦ ደብዳቤታት ፣ ናይ መርዓ ምስክር ወረቀት፣ ሕጋውን ቀያድን ናይ ፍትሕ ወረቀት፣ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ወረቀት)
  • ናይ ቀረባ እዋን ናይ ውሑድ ኣታዊ መግለጺ ጽሑፍ(ወረቀት ክፍሊት፣ ናይ ጥሮታ ወረቀት፣ ደብዳቤታት ውሳኔ ምወላ ዝምከት፣ ቅብሊት ወረቀት ናይ ጽገናን ብልሽትን፣ ደብዳቤ ካብ ኣገልግሎት ቤት ዕዮ ኣውስትርያ/AMS ከምእውን ናይ ቆጸራ ካርድ፣ ምወላ ብምኽንያት ሕማም፣ ምወላ መዕበይ ህጻንን ካልኦት ኣታዊታትን )
  • መርትዖ ክፍሊት ክራይ ገዛ(ውዕል ክራይ ገዛ፣ መርትዖ ዋጋ ክራይ፣ ክፍሊት ኣገልግሎት፣ ደብዳቤታት ምወላ ውሳኔ ክራይን ገዛን )
  • ናይ ይግባኣኒ/ዝቀረበ ጠለብ ምወላ መርትዖ (ንኣብነት ምወላ AMS፣ ጠለብ ናይ ጥሮታ፣ ምወላ ገዛ፣ ብቤት ጽሕፈት ግብርን ምወላን ዝተዋህበ ምወላ ገዛ፣ ንውሱን ኣታዊ ዝምልከቱ ካልኦት ጠለባት)
  • መርትዖ ንብረት(ንኣብነት፡ መኪና፣ ዕቃበ ገንዘብ/ሴቪንግ፣ ናይ ህንጻ ውዕል ልቃሕ፣ ናይ ህይወት ውሕስነት፣ ናይ ጥሮታ ሓገዛት፣ ንብረትን ልቃሕን ወዘተ.. )
  • ካልኦት ምወላታት ድሕነት

ንምወላታት ድሕነት ዝምልከት ከም ምወላ ህጻን ወይ ምወላ ሽቅለት ኣልቦነት ናብ ዝምልከት ኣካል በዓል ስልጣን ጠለብ ምቅራብ የድሊ። መምርሒ መጽሓፍ ሓበሬታ ፡ መሰላት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ኣውስትርያ/“Your social security rights in Austria” ብኣውሮፓዊ ኮሚሽን ዝተሓትመ ኮይኑ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምወላታት ድሕነት ፡ ኣበይን ከመይን እንታይ ወረቃቅቲ ከምዘድሊ፡ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

 

ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣውስትርያ ኣዮኖት መዳያት ይሽፍን?

ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣውስትርያ ፡ ውሕስነት ጥዕና ፣ ጥሮታን ፣ ሓደጋ ኣብ ስራሕን ይሽፍን።

 

ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣውስትርያ ብኽመይ ዝተወደበ እዩ?

ዝኾነ ኣብ ኣውስትርያ ዝነብር ሰብ ማሕበራዊ ውሕስነት ክህልዎ ግዴታዊ እዩ። ብቀዳምነት ብኣበርክቶ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታት ዝተመወለ እዩ። ብጠቅላላ 22 ትካላት ማሕበራዊ ውሕስነት ናይ ጥዕና፣ ጥሮታ፣ ሓደጋ ኣብ ስራሕ ውሕስነት ይሽፍን። ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ማሕበራት፡ፈደሬሽን ትካላት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣውስትርያ/Federation of Austrian Social Insurance Institutions (Hauptverband der österreichischen Sozialversicherungsträger) ተወዲቦም ድማ ይሰርሑ። ኣብ ክሊ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣውስትርያ ፡ ወሃብቲ ውሕስነት ፡ ኣብ ግዝኣታትን ሞያዊ ጨናፍራትን ተወዲቦም ይንቀሳቀሱ። ከም ሳዕቤን ድማ ፡ህዝባዊ ውሕስነት ባዕልኻ ክትመርጽ ኣይትኽእልን፡ ቦታን ሞያን ድማ ንወሃብቲ ውሕስነት ወሰንቲ ባእታታት ንምድላው ውሕስነት እዮም።

ብመሰረት ሕጊ ውሕስነት ኣውስትርያ ፡ ሕጋዊ ነባርነት ዘለዎም ወጻእተኛታት ማዕረ ዜጋ ኣውስትርያ ይእለዩን ካብ ሓገዛት ሃገራዊ ውሕስነት ድማ ተጠቀምቲ ይኾኑ። ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት ኣገዳሲ መሳርሒ ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ኮይኑ ፡ ሐለዋ ሓደጋታት፡ ኣንጻር ሽቅለት ኣልቦ፣ ሓደጋ ኣብ ስራሕ፣ ሕማምን ዘይብቁዕነትን፣ ኣገልግሎት ውሕስነት ኣደነትን ኣቦነትን ፣ ኣገልግሎት ውሕስነት ስድራቤትን ጥሮታን ይህብ።

 

ውሕስነት ጥዕና ኣብ ኣውስትርያ ብኸመይ ተወዲቡ ይርከብ?

ብሕጊ፡ መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ኣውስትርያ ከም ኣካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሕጋዊ ግዴታ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ፡ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ፡ኣብ ግዜ ሕማም፣ ሓደጋ ኣብ ስራሕ፣ ስራሕ ኣብ ዘይብልካ/ኪ እዋን ፡ወጻኢታት ሕክምናን፣ ተሃድሶን ኣፋውስን፡ወጻኢታት ብምሽፋን ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ።

ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህዝባዊ ውሕስነት ኣብ ኣውስትርያ ፡ ወሃብቲ /ኣዳለውቲ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ግዝኣታትን ሞያውያን ጨንፈራትን ተወዲቦም ይንቀሳቀሱ። ከም ሳዕቤን ድማ፡ ስራሕተኛን ኣስራሕን ናታቶም ናይ ጥዕና ውሕስነት ክመርጹ ኣይክእሉን፡ ቦታን ሞያ ናይ ኣስራሕን ንኣዳለውቲ ውሕስነት ጥዕና ኣገደስቲ ነገራት ይኽኑ። ዝበዝሑ ኣዳለውት ህዝባዊ ውሕስነት ጥዕና  ንድፊ ውሕስነት ጥዕና ናይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒታት ህይወት ዝርከቡ ሰባት የዳልዉ፡ (ንኣብነት ፡ ተማሃሮ፣ ጥሮታ ዝወጹኡ ሰባት፣ ኣባላት ስድራቤት፣ ወዘተ።)፡ ስለዝኾነ ድማ መሰረታዊ ዕድላት ኣገልግሎት ጥዕና ንኩሎም ክዳሎ ይኽእል።

እንተደኣ ኣቅራቢ ጠለብ ዑቅባ ኮንካ/ኪ ብቀጥታ ኣብ ስርዓት ውሕስነት ጥዕና ትምዝገብ።

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ፡እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣሎካ ፡ ብቁዕ ናይ ስራሕ ፍቃድ ወረቀት  ይወሃበካ። ኣስራሒ ድማ ኣብ ስርዓት ውሕስነት ጥዕና ከምዝግበካ ይግባእ። ዝኾነ ኣታዊ ገንዘብ እንተደኣ ዘይብልካ ጠለብ ሓገዝ ንውሑድ መናበይ ኣታዊ ( bedarfsorientierte Mindestsicherung)፡ ከተቅርብ ይግባእ።ውሑድ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ሰብ ድማ ብቀጥታ ናብ ስርዓት ውሕስነት ጥዕና ይኣቱ፡ ኢ-ካርድ/e-card ድማ ይወሃቦ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ምዕራፍ 2 ክንክን ጥዕና ተመልከት፡

ውሕስነት ጥሮታ ኣዮኖት መዳያት ይሽፍን?

ኣብ ኣውስትርያ ፡ስሩዕ ናይ ጥሮታ ውሕስነት ንድፊ ነዞም ዝስዕቡ የካትት፥

  • ምወላ ንናይ ሽምግልና ሓገዛት(ጥሮታ -ሽምግልና)
  • ምወላ ብመሰረት ምጒዳል ዓቅሚ ንስራሕ(ጥሮታ-ዘይብቁዕነት)
  • ምወላ ንኣባላት ስድራቤት ጥሮተኛ ብምኽንያት ሞት ጥሮተኛ(ጥሮታ- ንህልዋት)

ንናይ ሽምግልና ጥሮታ ከም ናይ ዜጋታት ኣውስትርያ ሓደ ዓይነት መምዘኒታት ከተማልእ የድሊ፡ መምዘኒታት ደረጃ ዕድመ ጥሮታ (60 ዓመታት ንደቀንስትዮ፡ ከምእውን፡ 65 ዓመታት ንደቂተባዕትዮ)፡ ብውሑዱ ድማ ናይ 180 ኣዋርሕ ኣበርክቶ ንውሕስነት ጥሮታ ክህሉ ይግባእ። ዓቀን ምወላ/ድጎማ ጥሮታ ኣብ ኣበርክቶ ኣታውን፣ ናይ ውሕስነት ኣዋርሕን፣ ጥሮታ ትወጸሉ ዕድመን ይምርኮስ።

 

ከም ዘይምዝጉብ ሰብ ኣብ ግዜ ህጹጽ ሓደጋ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣውስትርያ ትነብር እንተደኣ ኮንካ/ኪ፡ መሰል ናይ ማሕበራዊ ውሕስነትን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ምወላን ኣይህልወካ/ኪን። እንተኾነ ግን፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዛትን መባእታዊ ሓገዛትን መሰል ኣይንፈገካን። ዕድል ንመሳለጥያታት ጥዕና ዝኾነ ሕጋውነት ኣየካትትን። ውሕስነት ጥዕና ዘይብሎም ሰባት (ንኣብነት፡ ሓተትቲ ዑቅባ ከም ጠለብ ዑቅባ ዘቅረቡ ሰባት ዘይተመዝገቡ) ፡ ኣብ ጥዕናዊ ንጥፈታት ዝርከቡ(ብAMBER MED ዝፍለጡ) ዘይ-መንግስታውያን ማሕበራት፡ ኣብ ወለንታ ዝተመርኮሰ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ።

3.6 ምንጭታት፡ ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን

ህልው ስርዓት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣውስትርያ ፡ንዋሕዚ ስደተኛታትን ስድራቤታቶምን ብቀሊሉ ክለማመዶ ኣይኣለን።መስርሕ ዕድላት ናይዞም ኣገልግሎታት ብዝምልከት፡ንወጻእተናታት ዝተሓላለኸን ኣደናጋርን ክኸውን ይኽእል። ስለ ዝኾነ ድማ ፡ወላኳ ሓገዛት ናይ መንጎኛ ተሓጋገዝቲ ማሕበራት ንባህላዊ ምትሕንፋጽ ፡  ውሑድ እንተኾነ ፡ ኣገዳሲ ይኸውን። ካብ ማሕበራት ካሪታስ/Caritas ወይ ዲያኮኒ/Diakonie መምርሒ ብምውሳድ ፡ንምምሕዳራዊ መስርሓትን ህዝባዊ ምሕደራን ብቀሊሉ ክትሰግሮ የኽእል።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ዝርዝራት ሓበሬታ ብዛዕባ ማሕበራዊ ምወላን ውሕስነትን ብዝምልከት ነዞም ዝስዕቡ ሊንክታት ምውካስ ይከኣል ፥

 

3.7 ሕቶን መልስን

  1. ምወላ ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ኣዮኖት መዳያት ይሽፍኑ?

ማሕበራዊ ውሕስነት ንወጻኢታት ህዝባዊ ጥሮታ ፣ ውሕስነት ጥዕና፣ ውሕስነት ሓደጋ ስራሕን ይሽፍን።

ምወላ ሰብኣዊ ድሕነት ንወጻኢታት ማሕበራውን፣ ጥዕናን፣  ንስራሕ ዘድልዩ ነገራት ይሽፍን።ንዝያዳ ሓበሬታ ድማ ኣብዚ ሊንክ ምጥዋቅ ይከኣል።

  1. መሰረታዊ መምዘኒታት ዕድል ምወላ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን እንታይ ይመስሉ?

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ክህልወካ ይግባእ። እንተደኣ ውሳኔ መልሲ ዑቅባ ትጽበ ኣልኻ/ኺ ወጻኢታትቱ ዝተሸፈነ ዕድል ናይ መባእታዊ ክንክንን መሰረታውያን ነገራትን (Grundversorgung ) ይህልወካ/ኪ።

  1. ብሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ማዕረ መሰላት ናይ ምወላ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ከም ዜጋታት ኣውስትርያ ይህልዎም ዶ?

እወ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ጉዳያት ማዕረ መሰላት ይህልዎም። እንተኾነ ግን ፍሉይነት ክህልዎም ይኽእል፡ ንኣብነት፡ ብዘይ መንበሪ ፍቃድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዕድል ናይ ህዝባዊ ኣባይቲ ኣይህልዎምን።

  1. ኣባላት ድራቤት ሓተትቲ ዑቅባ ከም ናታቶም ማዕረ መሰላት ናይ ማሕበራዊ ምወላ ኣለዎም ዶ?

መሰረታዊ ጠለባት ሓተትቲ ዑቅባ ከም ገዛ፣ መግቢ፣ ክንክን ጥዕናን፣ ናይ ጁባ ገንዘብን  ብመባእታዊ ክንክን ጥዕና ይሽፈን። እዚ ድማ ብማዕረ ንዝኾነ ሓታቲ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ይምልከት። እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ደረጃ መንበሪ ዑቅባ ዝተዋህበ ሰብ ኮይኑ ወይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ኣለዎ/ዋ ኣባላት ስድራቤት ድማ ማዕረ ደረጃ ይወስዱ/ይቅበሉ። ኣባላት ስድራቤት ዛጊት ኣብ ኣውስትርያ እንተደኣ ዘየለዉ ፡ ጠለብ ጥርናፈ ስድራቤት ከተቅርብ ይግባእ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብቀይሕ መስቀል ኣውስትርያ ዝተዳለወ ሊንክ፡ Austrian  Red Cross ፡ ተወከስ።

  1. ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዕድላት ናይ ምወላ ማሕበራዊ ድሕነት ኣለዎም ዶ?

እወ ፡ ኣለዎም።

6.ዘይስሩዕ ደረጃ ነባርነት ዘለዎ ሰብ መሰል ናይ ምወላ ማሕበራዊ ድሕነት ኣለዎ ዶ?

ኣይፋል ፡የብሉን፡ መሰል ሓገዝ ናይ ህጹጽ ሓደጋን መባእታዊ ሕክምናዊ ኣልያን/ክንክንን ጥራይ ይህልዎ።