Social life and leisure in Italy
ማሕበራትን ክለባትን
መብዛሕትኡ እዋን ስደተኛታት ብሄራዊ ወይ ዞባዊ መሰረት ዝገበረ ምትእኽኻብን ማሕበርን የቋቅሙ፡ ድያስፖራ ወይ ማሕበራት ስደተኛታት ተባሂሎም ድማ ይፍለጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 2,100 ምዝጉባት ፡ (ናይ ድያስፖራ ማሕበራት ስደተኛታት ይርከቡ። ብልምዲ ድማ ኣብ ባህላውን ማሕበራውን ንጥፈታት ናይ መበቆል ሃገሮም ብምንጣፍ ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ኢጣልያ ኣበርክቶ ይገብሩ። ዘካይድዎም ንጥፈታት ድማ ትምህርታዊ ንጥፈታት ከም ስልጠና ቋንቋ (ቋንቋታት እንግልዝኛ፣ ጥልያን ወይ ድማ ቋንቋታት ኣደ ስደተኛታት ከም ዓረብኛ፣ ዎሎፍኛ፣ ማንዲንከ ዝኣመሰሉን )፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት፣ ባህላዊ ንጥፈታት፣ ሓገዝ ኣብ ምድላይ ኣባይትን ምኽሪ ስራሕ ንሓደስቲ ስደተኛታት ወዘተ… ዝኣመሰሉ እዮም። መብዛሕትኡ እዋን እዞም ማሕበራት ምስ ካልኦት ማሕበራትን፡ ኣብ መቦቆል ሃገር ምስዝርከቡ ማሕበራትን ከምእውን ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ መንግስታውያንን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ብምትሕብባር ይሰርሑ። በዚ መንገዲ ድማ ኣብ ኢጣልያ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኢጣልያን ስደተኛታትን ዓብይ ኣበርክቶ ይገብሩ።
ሕጊ ምትሕግጋዝ (125/2014) ንፈለማ እዋን ተራ ማሕበራት ስደተኛታት ኣብ መስርሕ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ኢጣልያ ከምእውን ኣብ ሞንጎ ስደተኛታትን ትካላት ስደተኛታትን ዝህሉ ባህላዊ ዝርርብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣፍልጦ ከምዝሃበን ይግለጽ። ናይ ፈለማ እዋን ዋዕላ ወጻእተኛታት 2017 ነዚ ሕጊ ናይ ምትሕብባር ብዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ።
ብተወሳኺ ሓተትቲ ዑቅባን ስደተኛታትን ኣብ ንጥፈታት ማሕበራት ኢጣልያ ብነጻ ክሳተፉ ይኽእሉ። ኣብ ኢጣልያ ብዙሓት ዘይ-መንግታውያን ማሕበራትን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ኣብ ፕሮጀክታት ማሕበራዊ ምትሕንፋጽ ናይ ስደተኛታትን፣ ሓተቲ ዑቅባን፣ ዕድላት ማሕበራውነትን ሌላ ከተማታትን፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን፣ ስልጠናታትን፣ ወለንታዊ ተመክሮ ኣብ ምልውዋጥን ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ምንቅስቃሳት የካይዱ።
ንዝያዳ ሓበሬታ፡ መርበባት ናይ ማሕበረሰባዊ ምትሕንፋጽ ኣብ ኢጣልያ ንዘካይዱ ብዘይ ጥቅሚ ዝንቀሳቀሱ ማሕበራት ምውካስ ይከኣል ፡ –
Centro per lo sviluppo creativo Danilo Dolci
ንጥፈታት ምዝንጋዕ
ንጥፈታት ምዝንጋዕ ኣብ ትርፊ ግዜ ማለት ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ካብ ትምህርትን ስራሕን ዝካየዱ ንጥፈታት እዮም። እዞም ንጥፈታት ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕናን ናይ ርክብ መበባትን ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ መዳያት ዓቢ ተራ ኣለዎም። ኣብ ኢጣልያ ብሕጋዊ መንገዲ ትነብር ወጻእተኛ እንተደእ ኮንካ ፡ ኣብ ኩሎም ንጥፈታት ናይ ምዝንጋዕ ክትሳተፍ ዕድላት ይህልወካ። ገለ ካብዞም ንጥፈታት ድማ ስፖርት፣ ፈጠራዊ ንጥፈታት(ስነጥበብ፣ ምድላው መግብን) ከምእውን ወለንተዊ ተሳትፎ እዮም። ብቅኑዕ መንፈስ “ንጡፍ ዜጋ“ ኣብ ኢጣልያ ወለንታዊ ንጥፈታት ንኩሎም ኣብ ኢጣልያ ሕጋዊ መንበሪ ዘለዎም ወጻእተኛታት ኣብ ምስታፍን ንመንእሰያት ስደተኛታት ድማ ኣብ ሃገራዊ ሲቪካዊ ኣገልግሎት ኣብ ምጽንባር ብምትብባዕ ኣብ መዳይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ዝለዓለ ተራ ይጻወት።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
Diaspora: http://www.repubblica.it/solidarieta/immigrazione/2017/11/18/news/diaspore-181477679/
Costituzione, Legge sulla Cooperazione Internazionale: http://www.gazzettaufficiale.it/eli/id/2014/08/28/14G00130/sg
CeSPI (2017). Le diaspore nella cooperazione Italiana. https://www.aics.gov.it/wp-content/uploads/2017/08/SD_Documento_di_discussione_LUG17.pdf
Register of migrant associations: http://www.integrazionemigranti.gov.it/Areetematiche/PaesiComunitari-e associazioniMigranti/Pagine/mappatura-associazioni.aspx
È nata “Piccola Africa”, primo club calcistico formato solo da rifugiati http://www.ilsecoloxix.it/p/imperia/2018/01/31/ACyDxXn-calcisticoformato_piccola_rifugiati.shtml
Milano. Due squadre di migranti in un torneo ufficiale: un calcio al razzismo
https://www.avvenire.it/multimedia/pagine/calcio-migranti
Horolets, Anna. (2012) Migrant’s leisure and integration. Institute for Public Affairs, Warsaw. http://www.isp.org.pl/uploads/filemanager/pdf/Horolets.pdf
Servizio Civile Nazionale aperte le porte ai rifugiati: http://www.vita.it/it/article/2017/05/31/servizio-civile-nazionale-aperte-le-porte-ai-rifugiati/143592/
ሕቶን መልስን
1.ማሕበራት ስደተኛታትን ድያስፖራን እንታይ ንጥፈታት የካይዱ?
ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃሳትን ንጥፈታትን ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ከም ስልጠና ቋንቋ (ቋንቋታት እንግልዝኛ፣ ጥልያን ወይ ድማ ቋንቋታት ኣደ ስደተኛታት ከም ዓረብኛ፣ ዎሎፍኛ፣ ማንዲንከ ዝኣመሰሉን )፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት፣ ባህላዊ ንጥፈታት፣ ሓገዝ ኣብ ምድላይ ኣባይትን ምኽሪ ስራሕ ንሓደስቲ ስደተኛታት ወዘተ… ዝኣመሰሉ እዮም።
2.ኣብ ንጥፈታት ክለባት ስፖርት ክሳተፍ ይኽእል ዶ?
እወ፡ ኣብ ዝኾነ ናይ ስፖርታዊ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል። ኣብ ክለባት ኲዕሶ እግሪ ስደተኛታት ደሓን ዝኾኑ ኣብነታት ክትረክብ እውን ትኽእል።
3. ኣባል ማሕበር ናይ ድያስፖራን ካልኦት ማሕበራትን ምዃን እንታይ ጥቅሚ ይህልዎ?
ንጡፍ ኣባልነት ኣብ ማሕበራት ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ናይ ዞባዊ ኮሚኒቲ ማሕበራት ከቀላጥፍን ብኡ መንጽር ባህላዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣብ ምምሕያሽ እውን ዓቢ ተራ ይህልዎ።
4.ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ኣብ ወለንታዊ ንጥፈታት ክጽንበሩ ይኽእሉ ዶ?
እወ፡ ወለንታውነት ብዝለዓለ ደረጃ ይተባባዕ። ኣብ ሃገራዊ ሲቪካዊ ኣገልግሎት ስደተኛታት ውን ክስተፉ ይኽእሉ እዮም።
ስልጠና ቋንቋ ንስደተኛታት
ስርዓተ ትምህርቲ ኢጣልያ (CPIAs) ከምእውን ዝተፈላለዩ ዘይ-መንግስታውያን ማሕበራት ዕድላት ስልጠና ቋንቋ ጥልያን ንስደተኛታት የዳልዉ።እዞም ስልጠናታት ነጻ ክፍሊት ኮይኖም ብምያዊ ብቅዓት ዘለዎም ሞያውን ይወሃብ። ምልከት ቋንቋ ኣብ ምቹእነት ምንባር ናይ ተቀባሊ ሃገር ዓቢ ተራ ይህልዎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢጣልያ መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ደረጃ A2 ፈተና ቋንቋ ክትሓልፍ ይግባእ።