Public transport in Italy
ዓይነታት ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ኣገደስቲ መስመራት ካርታን ስሌዳ ግዜን፣ ቲከት ብኸመይ ይዕደግ።
ካብን ናብን ኢጣልያ ብቀሊሉ ምጓዓዝ ይከኣል። ኢጣልያ ኣዝዩ ዝማዕበለ ስርዓት ህዝባዊ ናይ መጓዓዝያ መስመራት ባቡር፣ ኣውቶቡሳት፣ መራኽብ፣ ነፈርቲ፣ ካልኣት ናይ መጓዓዝያ መንገድታትን መጓዓዝያ ትውንን።
- መስመራት ባቡር
መስመር ባቡር ናብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ደገን መጓዓዝያ የገልግል። ስርዓት መስመር ባቡር ኢጣልያ ነዊሕ ዝገሐ ዘለዎ ኮይኑ ምስ ናይ ኣውሮፓ ስርዓት መስመር ባቡር እውን ዝተራኸበ እዩ። ዞባዊ መስመር ባቡር ካብ ንደቡባዊ ክፋል ብዝያዳ ናብ ስሜናዊ ክፋል ዝርገሐ ኣለዎ። ዝለዓለ ፍጥነት ዝርከቦ ኣገዳሲ መስመር ባቡር ንደቡባዊ ክፋል ምስ ሰሜናዊ ክፋላ ናይታ ሃገር ካብ ናፖሊ ናብ ሚላኖን ቱሪንን የራኽብ።
ትካል ሃገራዊ መስመር ባቡር፡
- መስመር ሜትሮ-ባቡር፡ ፡ ናይ ትሕቲ መሬት መስመር ባቡር ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሮማን፣ ሚላኖን፣ ናፖሊን ጌንዋ ይርከብ።
- ኣውቶቡሳት ንናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለምለኻዊ መስመራት መጓዓዝያ የገልግሉ። ውሽጣዊ መስመራት ኣውቶቡስ ንነዊሕ ርሕቀት ኣብ ውሽጢ ከተማን ከምእውን ናብ ካልኦት ከተማታትን የገልግል።
ንኣብነት ናይ ነዊሕ ርሕቀት መስመራት ኣውቶቡስ ብፍሊክስባስ ክቀርብ ይኽእል፡ – Flixbus:
ባስ ኢጣልያ/ Bus Italia:
- መራኽብ ፡ መጓዓዝያ መራኽብ ሓደ ካብቶም ኣገባባት መጉዓዝያ ኮይኑ ቀንዲ ዓበይቲ ወደባት መሬት ምስ ናይ ኢጣልያ ደሴታትን ሃገራት ማእከላይ ባሕርን የራኽብ።
መስመራት መራኽብ
- መጓዓዝያ ነፈርቲ፡ -ኢጣልያ ብሓፈሻ መስመራት ዞባውን ዓለም ለኻውን መዓልቦታት ዘራኽብ 129 መዕርፎ ነፈርቲ ኣለዋ። ኣብ ኢጣልያ ገለ ካብቶም ዓበይትን ስራሕ ዝበዝሓሎም መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ሮማ ፉሚቺኖ ፣ ሚላኖ ማልፔንሳ ፣ ሚልኖ በርጋሞ፣ ሚላኖ ሊናተ፣ ቨነስያ ማርኮፖሎ፡ እዩም።
ሃገራዊ ትካል መንገዲ ኣየር ኣልኢታልያ/ Alitalia ናብ 97 መዓልቦታት ኣብ ዓለም በረራ የካይድ፡ –
ኣብ ኢጣልያ ዝተሓተ ናይ በረራ ዋጋ ዘለዎም ትካላት፡
- ገለ ከተማታት ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዘገልግሉ ትራም/ባቡር ውሽጢ ከተማን ጀላቡን (ቨኒስያ) ይርከቦም።
- ሽግለታ ምዝዋር ኣብ ገለ ከተማታት ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ቀጻሊ ዘገልገሉ ሽግለታት ምርካብ ይከኣል።
- ቲኬትን ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽንን
ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ዝቅመጥሉ ቦታ ምርኩስ ብምግባር ብዝተሓተ ዋጋ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ መስመር ወይ ድማ ብነጻ ክፍሊት ንምግልጋል ጠለብ ከቅርቡ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ቀጻሊ ህዛባዊ መጓዓዝያ ንዝጥቀሙ ሰባት ወቃትዊ ወይ ድማ ዝተሓተ ዋጋ ትኬት ምርካብ ተኽእሎታት ይህሉ። ንዓመታዊ ወይ ሰመስተር ትኬት ተመሃሮ ህጻናት፣ተማሃሮ፣ ሽማግለታት፣ ብዝተሓተ ዋጋ ጠለብ ከቅርቡ ይኽእሉ።
ምኽሪ፡ ሕግታት ህዝባዊ መጓዓዝያ (፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ስለ ዝፈላለ ሓበሬታ ብዛዕባ ትካላት ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ዝርዝራትን ኣብ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ክትረክብ ይግባእ።
ናይ መጓዓዝያ ትኬት ኣብ ድኳናት ትምባኾ/ሽጋራን መደበራትን (ማሽናት ወይ ቤት ጽሕፈት ቲኬት)፡ ሓድሓደ እዋን ድማ ካብ መራሕ ተሽከርካሪ ቲኬት ምዕዳግ ይከኣል።
ቅድሚ ምብጋስ ኣብ ናይ መደበር ማሽን ወይ ኣብ ውሽጢ መጓዓዝያ ቲኬት ንብቁዕነት ፡ ከተሕትም ይግባእ።
ምኽሪ፡ እንተደኣ ኣቀዲምካ ቲኬት ክትገዝእ ዝግበኣካ ኮይኑ ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ መጓዓዝያ ክትገዝእ ዝከኣል ኮይኑ ኩሉግዜ ንባዕልኻ ሙሉእ ሓበሬታ ክህልወካ ይግባእ። ኣብ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ቁጽጽር ቲኬት ቀጻሊ ይካየድ፡ እንተኾነ ግን ብሃንደበት ኣጋጣሚ ይኸውን። እንተደኣ ብዘይ ብቁዕ ቲኬት ተቋጻጸርቲ ረኺቦሙኻ ከም መቅጻዕቲ ዑል ክፍሊት ክትከፍል ትግደድ።
ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ድማ ፡ ጠቀምቲ ሓበሬታታት ብዛዕባ ህዛባዊ መጓዓዝያ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን መዓልቦታት፣ ከምእውን ናይ ጉዕዞ ሰሌዳ ግዜ ምርካብ ይከኣል። ዝበዝሑ ትካላት መጓዓዝያ ድማ ጠቀምቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ፡ ኣብ ናይ ግሎም ሞባይል ኣፕሊካሽን /mobile app ኣዳልዮም ይርከቡ።
ጠቀምቲ ናይ ሞባይል ኣፕ/ mobile app ንመስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኢጣልያ፡
ካርታታት ጉግል ኣብ ኢጣልያ ብኣዝዩ ደሓን ኩነታት ይሰርሕ