Language courses in Croatia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያ » Language courses in Croatia

ህጻናትን መንእሰያትን

ፍሉይ ስልጠናታት ቋንቋ ንህጻናት የለን። እንተኾነ ግን ፡መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ክርዋትያ ግዴታዊ ስለ ዝኾነ እቶም ህጻናት ስልጠናታት ቋንቋ ክርዋትያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ። ኣብ ክርዋትያ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብውሑዱ 70 ሰዓታት ናይ መዳለዊ ስልጠና ንቋንቋ  ክህቡ ግዴታዊ ኮይኑ፡ንህጻናት ስደተኛታት፡ ብቁዕ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ክርዋትያ ዘይብሎም ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላላዩ ዓይነታት ትምህርቲ ይህቡ። ግብራዊ ትምህርቲ ድማ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ይፈላለ።

ዓበይቲ

ከም ሓታቲ ዑቅባ መሰል ወግዓዊ ስልጠና ንቋንቋ ክርዋትያ የብልካን፡ እንተኾነ ግን ብመንገዲ ማሕበራት ነጻ ስልጠናታት ኣብ መቀበሊ ማእከልን ኣብ ነቁጣ እተን ማሕበራት ስልጠናታት ቋንቋ ይህቡ።

ብመንገዲ መደብ ዳግመ ሰፈራ እንተደኣ መጺኻ ናይ 80 ሰዓታት ስልጠና ቋንቋ ክርዋትያ ኣብ መቀበሊ ማእከል ከለኻ ይወሃበካን ፡ ብተወሳኺ ድማ ናይ 18 ሰዓታት ማሕበረ ቁጠባዊ ሌላ እውን ይወሃበካ።

ኩሎም ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቡ ሰባት ናይ 220 ሰዓታት ስልጠና ቋንቋ (ሓደ ናይ ትምህርቲ ሰዓት 45 ደቃይቅ ይኸውን) ይወሃቦም ፡ እዚ ድማ ብምወላ ባጀት መንግስቲ ኮይኑ ፡ ኣብ መስርሕ ግን ብዙሕ ጸገማት የጋጥም።

እቲ ስልጠናታት ብዝተፈላለዩ ናይ ቋንቋ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተወደበ ኮይኑ ክሳብ 70 ሰዓታት ንሓደ ደረጃ ይወስድ። ክሳብ ሕጂ እዞም ዝተጠቅሱ ስልጠናታት ኣብ 6 ዝተፈላለዩ ከተማታት (ዛግረብ፣ ቨሊካ ጎሪሳ፣ ስፕሊት፣ ኩቲና፣ ፑላን ፖረችን) ተዋሂቦም።

ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ስተዋሃብካ፡ ነቲ ስልጠናታት ዝምልከት ሓበሬታን ከምእውን መሰላትካን ግቡእካን ካብ ሓላፊ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ክትረኽቦ ትኽእል።

ካልእ ናይ ትምህርቲ ቋንቋ ዕድላት  

ስልጠናታት   ቋንቋ   ክርዋትያን    ባህልን    ንወጻእተኛታት     ብክርዋቲኮም/ Croaticum ዝተወደበ እዩ። ክርዋቲኮም ፡ ማእከል ንቋንቋ ክርዋትያ ከም ካልኣይን ናይ ደገ ቋንቋን ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ንቋንቋ ክርዋትያ ኣብ ዛግረብ እዩ።ናይ ሰመስተርን፣ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠናን፣ ትምህርት ክረምትን  ስልጠናታት የካይድ። ብተወሳኺ መርመራታት ቋንቋ ክርዋትያ ንተዛረብቲ ካልእ ቋንቋ የዳሉ።

ኦንላይን/ online መሳርሕታት

ክርዋቲኮም ፡ ማእከል ንቋንቋ ክርዋትያ ከም ካልኣይን ናይ ደገ ቋንቋን ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ንቋንቋ ክርዋትያ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ቀጥታ/online ስልጠናታት ይህብ። ኣብ 80 ምዕራፋት ዝተኸፋፈለ- ኮይኑ ፡ ንነፍስወከፍ ምዕራፍ 45 ደቂቅ ይህቡ፡ እቲ ስልጠናታት ድማ ብቋንቋ እንግሊዝን ስጳኛ ተዳልዩ ይርከብ። እዚ ህልው/ኣብዚ እዋን ዝወሃብ ዘሎ ናይ ቀጥታ/online  ስልጠና ክሳብ 30 መስከረም 2018 በዚ ሊንክ ፡ ይወሃብ ኣሎ።

 

ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን

ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ስልጠና ቋንቋ ክርዋትያ ንሓተቲ ዑቅባ፣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦምን ብዳግመ ጥርናፈ ዝመጹ ኣባላት ስድራቤትን ይወሃቦም። እዞም ስልጠናታት መብዛሕትኡ እዋን ብወለንተኛታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ስልጠና ምስ ተዛዘመ ናይ ምስክር ወረቀት ኣይወሃበካን እዩ።