Social life and leisure in Austria
ተራ ማሕበራትን ክለባትን ንስደተኛታትን ዑቅባ ዝተዋህቦምን እንታይ ይመስል?
ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ዑቅባ ዝተዋህቦምን ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣለዉ። ማብዛሕትኦም እቶም ማሕበራት ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኮይኑ ፡ ከም ካሪታስን ድያኮኒን ፡ ንካልኦት ሃይማኖታዊ ድሕረባይታን ባህልን ብነጻ ዝንቀሳቀሱ ጉጅለታት እውን ብክፉት ይሕግዙ። ብተወሳኺ ከም ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት እውን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ቀረቤታ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝንቀሳቀሱ ማሕበራት እዮም። መንግስቲ ድማ መደባት ምሕጋዝ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ንስደተኛታት ይሕንጽጽ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መደብ ድማ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኮሰ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ዝዓለመ እዩ። መወልትን ኣበገስትን ናይዘን ማሕበራት ድማ ዝተፈላለዩ ኣካላት እዮም። በተወሳኺ ብስደተኛታት ባዕሎም ዝመሓደራ ማሕበራት እውን ይርከባ። ሓደ ፕሮጀክት ድማ ኣብዚ ምጥቃስ ይከኣል። CoMiDe ዝተባህለ ፕሮጀክት ኣብ ዓመተ 2011- 2014 ንስደትን ምዕባለን ተበግሶ ወሲዱ ዝንቀሳቀስ ፕሮጀክት ምንባሩ ይግለጽ። ሓፈሻዊ ስእሊ ብዛዕባ ጉዳይ ስደት ምሃብ ሓደ ካብቲ ንጥፈታቱ ምዃኑ `ውን ይፍለጥ። ምንም እኳ እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ እዋን ዝተዛዘመ እነተኾነ ገለ ኣገደስቲ መራኸቢ መስመራት ግን ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ምርካብ ይከኣል፡ http://www.comide.net/organisations
ኣብ ታሕቲ ድማ ዝርዝር ንዝያዳ ሓበሬታን ኣብነታትን ማሕበራት ምርኣይ ይከኣል።
እዞም ማሕበራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝስዕብ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይህቡ፡ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት፣ ባህላዊ ንጥፈታት፣ ግብራዊ ሓበሬታ ብኸመይ ገንዘባዊ ሓገዝ ትረክብ፣ ስራሕ ወይ መንበሪ ገዛ ብኸመይ ትረክብን ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ብኸመይ ናይ ህይወት ምርግጋእ ትረክብን ዝኣመሰሉ ምኽራውን ግብራውን ሓገዛት ይህቡ።
ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዕላማ ብምግባር ኣተክሮ ሂሞም ይንቀሳቀሱ፡ ዑቅባ ዝሓቱ ስደተኛታት፣ ዓይነታዊ ሓገዝ ዝተዋህቦም ሰባት(ናይ ዑቅባ ሕቶኦም ዝተነጽጉ ግን ናብ መበቀል ሃገሮም ምምላስ ኣስጋኢ ኩነታት ዝህልዎም ሰባት)፣ ኣቃልቦ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ከምእውን ኣፍልጦ ናይ ዑቅባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት እዮም። ገለ ማሕበራት ድማ ብፍሉይ ንደቀንስትዮ ኣቃልቦ ሂቦም ይንቀሳቀሱ።
ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት እንታይ ይመስሉ ፡ብምስታፈይ እንታይ ጥቅምታት ክረክብ ይኽእል?
ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ኣብ እዋን ዕረፍቲ ካብ ስራሕን ትምህርትን ዝካየዱ ንጥፈታት እዮም። እዞም ንጥፈታት እዚኦም ንሓፈሻዊ ኩነታት ህይወትካ ዓቢ ጥቅሚ ክህቡኻ ይኽእሉ። ብተወሳኺ እዞም ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድን ማሕበራዊ መርበባት ህይወት ኣብ ምምስራትን ዓቢ ጽልዋ ይህልዎም።
ዝተፈላለዩ ማሕበራት ድማ ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ከም ስፖርትን፣ ፈጠራዊ ሞያ ኣብ ምሃብን (ኣሰራርሓ መግቢ፣ ሙዚቃ ወዘተ.) ሓገዛት ስልጠናታትን ይህቡ።
ኣብ ኣውስትርያ ኣባል ናይ ዝኾነ ማሕበር (ንኣብነት ፡ ናይ ስፖርት፣ ሙዚቃ፣ ወለንታዊ ናይ መጥፍእ ሓዊ ኣባል፣ ቀይሕ መስቀል ወዘተ)ምዃን ልሙድ ተርእዮ እዩ። ናብ ዝኾነ ይኹን ስልጠናታት ዝህቡ ማሕበራት ምኻድ ንስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ዜጋ ሕጋውን ጠቃምን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ናብዞም ዝተፈላለዩ ማሕበራት ምኻድ ምስ ኩሉ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታት ብርግጽ ትብዓት የድሊ። እዚ ቋንቋ ጀርመን ምፍላጥ ኣገዳስነቱ ኣብ ኣውስትርያ ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ይሕብር። ኣብ ንጥፈታት ናይዞም ማሕበራት ምስታፍ ደሓን ዕድላት ይኸፍትን ብግብሪ ድማ ናይ ቋንቋ ክእለት ንምምዕባል ይሕግዝ።
ሕቶን መልስን
- ማሕበራት ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዘካይድዎም ንጥፈታት እንታይ ይመስሉ?
ትምህርታዊ ንጥፈታትን ናይ ቋንቋ ስልጠናታት (እንግሊዝኛ፣ ቋንቋ ጀርመን፣ ዓረብኛ፣ ወዘተ) ፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት፣ ባህላዊ ርክባት፣ ሓገዛት ምንዳይ ናይ መንበሪ ገዛን ምኽሪ ንሓደስቲ ስደተኛታትን ገለ ካብቶም ብወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝካየዱ ንጥፈታት እዮም።
- ኣብ ክለባት ስፖርታዊ ንጥፈታት ክሳተፍ ይኽእል ዶ?
እወ፡ ኣብ ዝኾነ ናይ ስፖርትን ምዝንጋዕ ንጥፈታትን ክትሳተፍ ትኽእል ። ኣብ ናይ ስደተኛታት ናይ ኲዕሶ እግሪ ክለባት ግብራዊ ኣብነታት ኣለዉ።
- ኣብ ናይ ወጻእተኛታት ወይ ካልኦት ማሕበራት ምጽንባር እንታይ ጥቅምታት ይህልዉ?
ኣባልነት ኣብ ማሕበራት፡ ማሕበራዊ ውህደት ምስ ሕብረተሰብን ትካላትን የማዕብል። ብተወሳኺ ባህላዊ ምትሕንፋጽ ኣፍደገ ድማ ይኸፍት።
- ስደተኛታት ኣብ ኣውስትርያ ወለንታውያን ክኾኑ ይኽእሉ ዶ?
እወ፡ ወለንታዊ ተሳትፎ ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትርያ ምውህሃድን ናይ ቋንቋ ምዕባለ ኣብ ምድንፋዕን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።
- ኩሎም ስደተኛታት ዕድል ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ይረኽቡ ዶ?
ሓፈሻዊ ኩሎም ስደተኛታት ናይ ምዝንጋዕ ዕድል ኣለዎም። ነቲ ዝዳሎ ንጥፈታት ዘዳልዉ ማሕበራት ምርኩስ ብምግባር ናይ ምስታፍ ኩነታት ክፈላለ ይኽእል። እንተኾነ ግን ቁጠባዊ ትሕዝቶን ናይ ቋንቋ ጸገማትን ናይ ተሳትፎ ዕድል ክውስኖ ይኽእል።
ስልጠናታት ቋንቋ ንስደተኛታትን ዑቅባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት
ምወላ ኣውስትርያ ንሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ዝተፈላለዩ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት የዳሉ ፡ ገለ ካብኡ ድማ ኣብ ፍሉይ ሞያ ኣተኩሮ ይህብ። ሓገዝ ንሞያዊ ስልጠናን ትምህርትን ድማ ቀንዲ ኣተክሮ እቲ ትካል እዩ።
ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ቅድመ ኩነት ድማ ምወላ ንተሳተፍቲ ይወሃብ ። ናይ ስደተኛ ደረጃ ዑቅባ ዝተዋህቦምን ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለዎምን (ኣብ ውሽጢ ፈለማ ሰለስተ ዓመታት) ጠለብ ንምወላ ከቅርቡ ይኽእሉ። ስደተኛታት ካብ ኣገልግሎት ዕዮ /ስራሕ (Arbeitsmarktservice AMS) ምወላ ክረኽቡ ይኽእሉ። ኣብ ውሽጢ ገለ ፕሮጀክታት ምወላ ኣውስትርያ ንሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ገንዘባዊ ክፍሊት ይወሃብ። ኣብ ቪየና ዝሰርሑን ዝነብሩን ስደተኛታት ካልእ ናይ ሓገዝ ኣማራጺ ክረኽቡ ይኽእሉ።
ሊንክታት ስልጠና ቋንቋ ጀርመን ንስደተኛታት
ስደተኛታት ኣብ ቪየና | ሓበሬታ ብዛዕባ ምምዝጋብ ንስልጠና ቋንቋ ጀርመን ኣብ ቪየና ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቅባን ሓለዋ ዑቅባ ዝተዋህቦን | |
ዝርዝር ኩሎም ዝርከቡ ናይ ቋንቋ ጀርመን ስልጠናታት | ምወላ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ኣውስትርያ ትካል ኣውስትርያ ዝርዝር ስልጠናታት ቋንቋ ጀርመን ዝህቡ ትካላት የዳሉ፡ መርበብ ሓበሬታ ናይያብ ከባቢኻ ዝርከቡ ትካላት ኣብዚ ምርካብ ይከኣል። | |
ስልጠናታት ቋንቋ ጀርመን ኣብ ቪየና | ከተማ ቪየና ንቋንቋ ጀርመን ዝምልከት ሓበሬታ ንስደተኛታት ይህብ። | |
ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ኦንላይን/Online | ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ዝሕግዙ ቃላትን ሰዋስውን ኦንላይን መድረኽ ምኽፋት |
|
ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ንዓረብኛ ተዛረብቲ | ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ዝሕግዙ ቃላትን ሰዋስውን ኦንላይን ንተዛረብቲ ዓረብኛ መድረኽ ምኽፋት | |
ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ብመልክዕ ገይም ካብ ትካል ጎኢይዝ | ብነጻ ቋንቋ ጀርመን ብመልክዕ ገይም ምምሃር። ነጻን ጸወታ ኮይኑ ብቀሊሉ ኣብ ሞባይል ወይ ኮምፒተር ምጽዋት ይከኣል። | |
ንቋንቋ ጀርመን መምሃሪ ናውቲ | · https://supportrefugees.oeh.ac.at/wp-content/uploads/2015/10/Skript_Farsi_NEU.pdf · https://supportrefugees.oeh.ac.at/wp-content/uploads/2015/10/Skript_Arabisch_NEU-1.pdf · https://deutsch.fit/Deutschkurs/ |
ዝርርብ ኣብ ባህላዊ ምትሕንፋጽን ብሓባር ምንባርን /Intercultural dialogue and coexistence
(source: CORE- Integration im Zentrum: https://www.refugees.wien/en/initiatives-for-integration/)
ሕጂ ብሓባር ንጻወት | እዚ ማሕበር ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ንመንእሰያት የዳሉ። ኲዕሶ ኣብ ሰሙን ዝበዝሐ እዋን ኣብ ቪየናን ስችወቻትን ይጻወቱ። ክእለት ዘለዎ ድማ ናብ ትያትርን ጉጅለ ዳንስን ይሓልፍ | |
ደረት ዘይብሉ ናይ ቸዝ ጸወታ | ዓበይትን ንኣሽቱ ቪየናውያን ዝራኸብሉ ናይ ጨዝ ጸወታ በዚ ማሕበር ይዳሎ። በዚ መንገዲ ድማ እዚ ፍሉጥ ኣድማሳዊ ጸወታ ምልክት ምሕዝነትን ምርድዳእን ይኸውን።
| |
ኣንኮመን ኣብ ቪየና | ተዛረብቲ ቋንቋ ፋርሲ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ቪየና ምስ እተዉ ህይወቶም ክምስርትሉ ዝኽእሉ መንገድታት ዝኢ ፕሮጀክት ይጣጣሕ።ስደተኛታት ብምስናይ ወለንታውያን ምስ ሰብ መዚ ኣኼባ የካይዱ። | |
እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም | እዚ ማሕበር ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ብጉጅለ የዳሉ፡ ብተወሳኺ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት የዳሉ፡ ማእከል ምኽሪ ንስንባደን ፍርሕን ዝንቡዕ ኣረኣእያታትን ድማ ኣለዎ። | |
Neuer Start/ነዩር ስታርት | እዚ ንሓደስቲ መንእስያት ጀመርቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ምጽንባር ይዋሳእ። ትምህርታውን ናይ ስራሕ ዕድላትን ድማ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ዝኣክል ይኸፍት። | |
ANR – መርበብ ኣውስትርያ ንስደተኛታት | እዚ ማሕበር ከም መራኸቢ ነጥቢ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ኣውስትርያን ስደተኛታትን ብምዃን ፡ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ከምዘለዉ ንኽስምዖም ኣበርክቶታት ይገብር። | |
Akademie der Zivilgesellschaft | ኣካዳሚ ሲቪካዊ ሕብረተሰብ ኣብ ቪየና ትምህርቲ ንዓበይቲ ብምድላውን ናይ ባዕሎም ፕሮጀክት ኣብ ምምስራት ይተሓጋገዝ ፡ኣብ ቪየና ንዘለዉ ፕሮጀክትታት ድማ የተባብዕ። | |
ካማ/KAMA | ካማ ብስደተኛታት ዝዳለዉ ስልጠናታት ይውድብ ነጻ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝደልዩ ድማ ሓበሬታ ይህብ። | |
ዓፍያ/AFYA | ብሰላም ናብ ኣውስትርያ ንምእታው ጥዕና ዓቢ ተራ ይጻወት።ንትምህርትን ስራሕ ብብቅዓት ንምስራሕ ናይ ስንባደ እዋን ክስገር ኣለዎ። እዚ ማሕበር ኣብዚ መዳይ እዚ መደብ ብምድላው ዓብይ ግን ተነቃፊ ተራ ይጻወት። | |
ኦስገቭ/ÖSGEV | ኦስገቭ ኣብ ኣውስትርያ ዝርከቡ ሶማላውያን ሓገዛትን ምኽርን ይህብ።ሰባት ነሓድሕዶም ብምርኻብ ድማ ሓሳባት ንኽለዋወጡ ብምሕጋዝ ፡ ሶማላውያን ክፋለጡ ንዝደልዩ ኣውስትራውያን ከም መራኸቢ ነጥቢ ኮይኑ የገልግል። | |
ኣፍጋን ዉላስ/Afghan Wulas | እዚ ማሕበር ንስደተኛታት ኣብ መዳያት ትምህርቲ፣ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ፣ ባህልን ብሓባር ምንባርን ሃገዝ ይህብ። ብተወሳኺ ፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ጠለብ ዑቅባ ህዝባውያን ትካላት ይህብ፡ ባህላውን ትምህርታውን ንጥፈታት ድማ ይኣሊ። | |
ኣፍሮ ኣስያቲክ ማሕበር ስላዝቡርግ | ዓለም ለኻዊ ባህላዊ ኣጛጣሚታት፣ ስልጠና ቋንቋ፣ ህዝባዊ ክትዓት፣ ምልውዋጥ ዕዉት ባህላዊ ኣጋታሚታትን ካብ ደቡባዊ ዓለም ክቅሰሙ ዝኽእሉ ተመክሮታት ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ መደባት የዳሉ። | |
ቫስ/VAS | ማሕበር ኣፍሪቃውያን ተማሃሮ ኣብ ኣውስትርያ |
ተበግሶታት ንደቀንስትዮ ስደተኛታት/Initiatives for migrant women
(source: CORE- Integration im Zentrum: https://www.refugees.wien/en/initiatives-for-integration/)
VMS Verein der Migrantinnen zum Sonnenschein | ደቀንስትዮ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ሃይማኖታዊ ድሕረባይታን ንደቀንስትዮን ህጻናት ስደተኛታት ኣብ መደብ ሕብረተሰባዊ ምውውህሃድ ይሕግዙ፡ ብኡ መንጽር ድማ ኣንጻር ዓሌታውነት ኣበርክቶ ይህልዎ። | ||
Nachbarinnen ኣብ ቪየና | ማሕበር Nachbarinnen ኢዶም ብምዝርጋሕን ሓገዝ ንስደተኛታት ብምሃብን ዝተወጽዑ ስድራቤታት ጉዕዞ ኣብ ሓድሽ ንኽለምዱ በይኖም ኣብ መጻኢ ክብድሁን ሓገዛት ይህብ። | ||
Kasimir and Henriette | ደቀንስትዮ ስደተኛታት ሰሙናዊ ብምርኻብ ዳግም ንጥቀመሉ ንብረትን ጨርቃ ጨርቅን ብኢደ ጥበባዊ ስረሓት ዳግም ኣብ ጥቅሚ ንክውዕሉ ፡ ብተምክሮ ናይ ሃገራቶም ይሰርሑ። | ||
ኮሚኒቲ ጸለምቲ ደቀንስትዮ | ብጸለምቲ ደቀንስትዮ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን ባህልን ሃይማኖታዊ ድሕረባይታን ዝቆመ ኮይኑ ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ኣውስትርያ ናብ ሕብረተሰብ ንምውህሃድን ርእሰ ተኣማንነት ንኽህልወንን ዓሊሙ ይንቀሳቀስ።. |
|
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/Sources, further information & links
- https://www.integrationsfonds.at/themen/beratung/
- https://www.caritas.at/hilfe-beratung/migrantinnen-fluechtlinge/
- https://diakonie.at/unsere-arbeit/fluechtlingsarbeit
- Different initiatives for integration: https://www.refugees.wien/initiativen-fuer-integration/
- http://politikberatung.or.at/fileadmin/rezensionen/buchrezensionen/Buchrezension_Migrantenorganisationen.pdf