Language courses in Austria
….ንህጻናት
ኣብ ኣውስትርያ ኣብ ክልል ዕድመ 6-15 ዝርከቡ ኩሎም ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግባእ። ሓተትቲ ዑቅባ ህጻናት ከም ፍሉያት ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይምዝገቡ። እዚ ናይ ፍሉይነት ደረጃ ክሳብ ክልተ ዓመት ግዜ ክወስድ ይኽእል። ኣብ ከምዚ እዋን ድማ ኩሎም ህጻን ናይ ጀመርቲ ትምህርቲ ቋቋ ጉጅለ ብምጽንባር ንምምዕባል ናይ ቋንቋ ክእለቶም ን11 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይመሃሩ።
ቤት ትምህርቲ ዘዳልዎ ናይ ቋንቋ ኮርሳት ብተወሳኺ ብዞባ ደረጃ እውን ናይ ተወሳኺ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ብመንገዲ ማሕበራትን ክለባትን ንህጻናት መንእሰያትን ካልኦት ግዱሳትን ይወሃብ ፡(ንኣብነት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ስልጠናታት ወይ ኣብ ግዜ በዓላት)። ነዚ ስልጠናታት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ሊንክ ምውካስ ይከኣል።
…..ንዓበይቲ
ሓላፍነት ሕበረተሰባዊ ምውህሃድ ሓተትቲ ዑቅባን ደረጃ ስደተኛ ዘለዎም ሰባትን ኣብ ኣውስትርያ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ናይ ዞባዊ ምምሕዳራትን ዝምልከቶም ምንስትሪታትን ናይ ኣውስትርያ ምወላ ምውህሃድ (ÖIF) ከምእውን ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ዕዮ (AMS) ይካየድ። ኣብ በበይኑ ዞባታት ዝወሃቡ ስልጠናታት ቋንቋ ድማ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ስለዘይክተሉ ክፈላለ ይኽእል። ኣብ ኩሉ ዞባታት ዝዳለዉ ናይ ቋንቋ ኮርሳት ሓደ ዓይነት ኣይኮኑን።ገለ ስልጠናታት ነጻ ክፍሊት ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ዝኾነ ወጻኢታት ክፍሊት(100 ዩሮ) ክህልዎም ይኽእል።
ሓተትቲ ዑቅባ
ሓታቲ ዑቅባ ኮንካ ቃለ-መሕትት እንተ ዘይተኻይዱልካ ወይ መልሲ ትጽበይ እንተደኣ ኣሎካ፡ ብመንግስቲ ዝተመወለ ትምህርቲ ቋቋ ክትከታተል ኣይትኽእልን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ በርጌሳውያን/ ሲቪካውያን ማሕበራት ናይ ቋንቋ ስልጠናታት ወዲቡ ይንቀሳቀስ፡ እንተኾነ ግን ብዘይ- መንግስታውያን ማሕበራት/NGOs ዝዳሎ ናይ ቋንቋ ስልጠናታት ንምርካብ ኣዝዩ ነዊ እዋን ክወስድ ይኽእል።
ደረጃ ስደተኛ ዘለዎም ሰባት
መንበሪ ፍቃድ እንተደኣ ኣሎካ/ኪ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት (ÖIF) ምውካስ የድሊ። ዝርዝር ሊንክ ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት (ÖIF) ኣብ ታሕቲ ይርከብ። ድሕሪ ምፍጻም ናይ ምኽሪ መስርሕ ድማ ሕጊ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ ክትፍርም ይግባእ። እዚ ሕጊ ድማ ኣብ ናይ (ÖIF) ስነ ምግባርን ሌላን ብመልክዕ ዕውደ መጽናዕቲ ክትሳተፍ የገድድ፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕግታት ኣውስትርያ ዝተመርኮሰ ናይ ስነምግባርን ሌላን ስልጠና ቋንቋ ጀርመን ደረጃ A1 ከምእውን A2 ይወሃበካ። እንተደኣ እዚ ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ሰነድ ዘፈረምካን ስልጠና ቋንቋ ጀርመን እውን ዘይትከታተል ኮንካ ምወላ ሽቅለት ኣልቦ ወይ ትሑት ምወላ ኣይወሃበካን።
ካልኦት ዕድላት ትምህርቲ ቋንቋ
ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ስልጠናታት ቋንቋ ጀርመን ዝህቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብብዝሒ ይርከቡ። እሳቶም ድማ WIFI ፣ BFI ከምእውን ማእከላት ትምህርቲ ንዓበይቲ(Volkshochschulen) እዮም።
ብተወሳኺ ዩኒቨርሲታት ቪየና፣ ሊንዝ፣ ኢንስብሩክ፣ ከምእውን ክላገንፉርት ናይ ቋንቋ ስልጠናታት ይህቡ።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ሓበሬታ ናይ መላእ ሃገር/Nationwide information:
ምወላ ምውህሃድ ኣውስትርያ ንምድላው ቋንቋ /Language portal of the Austrian Integration Fund
ዝርዝር ቦታታት ምወላ ምውህሃድ ኣውስትርያ /Locations list of the Austrian Integration Fund
ስልጠና ቋንቋ ጀርመን ብፍላይ ንደቀንስትዮ/German courses especially for women:
ስልጠና ቋንቋ ጀርመን ንተመሃሮን መንእሰያትን/German courses for pupils and teenagers:
ዝርዝር ሊንክታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ስልጠና ቋንቋ ዝህቡ ትካላት/Links to providers of language courses in the different federal states:
ቡርገንላንድ/Burgenland
VHS-Burgenland: http://www.vhs-burgenland.at/home/Deutsch_als_Fremdsprache.html
BFI-Burgenland: http://www.bfi-burgenland.at/unser-angebot/sprachen/
WIFI-Burgenland: https://www.bgld.wifi.at/kategorie/c-sprachen/ce-deutsch
https://www.caritas-burgenland.at/aktuell/news/detail/news/77341-deutsch-sprechen-lesen-schreiben/
http://www.auslaender.at/auslaender/sprache/sprachschulen/sprachschulen-in-burgenland
ካሪንትያ/Kärnten/Carinthia:
ታሕታይ ኣውስትርያ/Niederösterreich/Lower Austria:
http://www.auslaender.at/sprachschulen-in-niederosterreich
https://bildungsangebote-at.riskommunal.net/Bildungsangebote_-_Sprache_und_Werte
ላዕላይ ኣውስትርያ/Oberösterreich/Upper Austria:
http://www.integrationsstelle-ooe.at/5947_DEU_HTML.htm
ስላዝቡርግ/Salzburg:
https://deutschlernen-salzburg.at/
http://www.auslaender.at/sprachschulen-in-salzburg
https://www.salzburg.gv.at/themen/soziales/asyl/grundversorgung/deutschkurs-fuer-asylwerberinnen
ስትርያ/Steiermark/Styria:
http://www.auslaender.at/sprachschulen-in-der-steiermark
http://www.isop.at/tatigkeitsfelder/qualifizierung-bildung/deutschkurse-fur-migrantinnen/
ቲሮል/Tirol/The Tyrol:
https://www.tirol.gv.at/gesellschaft-soziales/familie/tiroler-familienratgeber/d/deutschkurse/
ቮራርልበርግ/Vorarlberg
http://www.auslaender.at/sprachschulen-in-vorarlberg
https://www.okay-line.at/Informationen/deutsch-lernen/Sprachkursanbieter.html
ቪየና/Wien/Vienna:
VHS-Vienna: https://www.vhs.at/de/k/sprachen/deutschkurse-daz
WIFI- Vienna: https://www.wifiwien.at/kategorie/c-sprachen/cb-allgemeine-sprachkompetenz/cba-deutsch
BFI-Wi Vienna en: https://www.bfi.wien/sprachen/?subcategories%5B%5D=1000118&isProduct=1&productType=&isAk=&dayTime=&startDate=&endDate=&minPrice=&maxPrice=&sort=&page=1
https://sprachenzentrum.univie.ac.at/deutschkurse/
https://www.wienxtra.at/jugendinfo/infos-von-a-z/deutsch-lernen-fuer-migrant-innen/#c11890
List of language schools in Vienna: http://www.auslaender.at/sprachschulen-in-wien
http://www.asyl.at/de/adressen/bildungsangebote/wien/#Deutschkurse