Welfare benefits and social security in Italy
ድጎማ ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን
ብመንግስቲ ንዝምልከቶም ሰባት ዝወሃብ መሰላት ማሕበራዊ ድሕነት ገንዘባውን ካልእ ሓገዛትን ፡ (ንኣብነት፡ ሽቅለት ኣልቦ፣ ሓደጋታት ኣብ ስራሕ፣ ኣካላዊ ዘይብቁዕነት፣ ናይ ስድራቤት ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት፣ ኣደነት) የጠቃልል።እዞም ድጎማታት ናይ ማሕበራዊ ፣ ጥዕናዊ ወይ ጠለባት ስራሕ የማልእ።ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ምውህሃድ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ።
ኣብ ኢጣልያ፡ ድጎማታት ማሕበራዊ ድሕነት ምስ ሽቅለት/ስራሕ፣ ዜግነት (ኢጣልያዊ፣ ዜጋ ኣውሮፓዊ ሕብረት፣ ዜጋ ናይ ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ሃገር)፣ ደረጃ ነባርነትን ዝተኣሳሰረ እዩ።
- ወጻእተኛ ኮይኑ ኣብ ኢጣልያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ወይ ናይ ሓዋሩ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎ ፡ ማዕረ ኢጣልያውያን ዕድል ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ይህልዎ።
- ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ደረጃ ዑቅባ ብዘየገድስ ዕድል ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ይህልዎም። ስራሕ ምስዝህለወካ እውን ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ድጎማ ክትጠልብ ትኽእል።
- ሓተትቲ ዑቅባ፡ ምስጋና ንውልቃዊ ናይ ጥዕና ካርድ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ መልሲ ውሳኔ ናይ ዑቅባ ሕቶ እንዳ ተጸበዩ ናይ ማሕበርዊ ውሕነት ዕድል ይህልዎም። ዕድል ናይ ማሕበራዊ ድጎማ ኣይህልወካን ፡እንተኾነ ግን እኹል ቀረብ ናይ መንበሪ (ኣብ ማእከል ስደተኛታት )፣ መግብን ናይ ጁባ ገንዘብን ይህልወካ።
- ዘይስሩዕ ደረጃ ነባርነት ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ህጹጽ ሕክምናን ኣልያ ሕክምና ይህልዎም፡ ግን ቁጠባዊ ናይ ድሕነትን ናይ ጥዕና ውሕስነትን ኣይህልዎምን።
ናይ ኢጣልያ ናይ ውሕስነት ሕጊ ንሕጋዊ መንበሪ ዘለዎም ሰባት ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ ናይ ድጎማን ሓገዝን ዕድል ካብ ሃገራዊ ውሕስነትን ይረኽቡ። ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ጥዕና ፣ ጥሮታን ውሕስነት ሓደጋ ኣብ ስራሕን ዝተመስረተ እዩ።
ጥሮታ ኣብ ኢጣልያ እንተደኣ ሰሪሕካን ኣስራሒ ድማ ግብሪ ይኸፍለልካ ኔሩን፡ ወይ ድማ ባዕላዊ ስራሕ ተካይድ እንተ ኔርካን ግብሪ ትኸፍል ኔርካ ፡ስሩዕ ክፍሊት (ጥሮታ) ይህልወካ። ክልተ ዓይነት ጥሮታ ኣለዉ፡
- ናይ ሽምግልና ጥሮታ፡ -ንናይ ሽምግልና ጥሮታ ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ ናይ 20 ዓመታት ክፍሊት ግብሪ ክትፍጽም/ከተማልእ ይግባእ።
- ናይ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ወይ ዘይብቁዕነት ጥሮታ፡ – ጥሮታ ንምርካብ እቲ መምዘኒ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ግብሪ ዝኸፈልካን 3ዓመታት ካብኡ ድማ ናይ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክኸውን ይግባእ።
ውሕስነት ሽቅለት ኣልቦ ፡ሕጋዊ መንበሪ ኣብ ኢጣልያ ዘለካ ወጻእተኛ እንተኾንካ (ግዝያዊ ሰራሕተኛ ዘይኮንካ) ፡ ስራሕ ምስ እተቋርጽ ንናይ ሽቅለት ኣልቦ ድጎማ ጠለብ ከተቅርብ ትኽእል። ክማልኡ ዝግበኦም መምዘኒታት ድማ ነባርነት ኣብ ኢጣልያ፣ ደረጃ ሽቅለት ኣልቦነት(ብቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝጸደቀ/ Centro per l’impiego)፣ ውሑድ ሰነድ ውሕስነትን ይመስሉ።እዚ ማለት ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብውሑዱ ናይ 13 ሳምንታት ናይ ኣበርክቶ (ውሕስነት ግብሪ/ኢንሹራንስ) ዝኸፈልካ ክትከውንን ብውሑዱ 30 መዓልታት ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ቅድሚ ምጅማር ግዜ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ስራሕ ዝነበርካን ክትከውን ይግባእ።
ጠለብ ንውሕስነት ሽቅለት ኣልቦ ስራሕ ደው ካብ ዘበልካሉ ኣብ ውሽጢ 68 መዓልታት ኣብዚ ዝስዕብ መስመራት ክቀርብ ይግባእ፡ –
- ኣብ INPS (ሃገራዊ ትካል ንማሕበራዊ ውሕስነት) ዝርከብ መርበብ ኢንተርነት ኮድ ቁጽሪ ዝህልዎ ቅጺ ብምምላእ
- ኣብ ዝተዋሃሃደ INPS (ሃገራዊ ትካል ንማሕበራዊ ውሕስነት)፡ – Inail (ሃገራዊ ትካል ንማሕበራዊ ውሕስነት ኣንጻር ሞያዊ ሓደጋታት) ዝርከብ ናይ መራኸቢ ማእከል
- ናይ ረዲኤት ትካላት ፡(Patronati)
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ኣብ መምርሕ መጽሓፍ ዝርከብ ምዕራፍ ሽቅለት/ስራሕ ተወከስ።
ክንክን ጥዕና
መሰረታዊ ውሕስነት ጥዕና ኣብ ኢጣልያ ኣካል ናይ ማሕበራዊ ውሕስነትን ሕጋዊ ግቡእን እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ እዋን ሕማም፣ ሓደጋ ኣብ ስራሕ፣ ሽቅለት ኣልቦነት ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት ወጻኢታት ናይ ሕክምና፣ ተሃድሶ ከምእውን ኣፋውስ ይወስድ።
ዕድል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምርካብ ኣብ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ክትምዝገብ ይግባእ፡ -(Servizio Sanitario Nazionale – SSN) ።
- እንተደኣ ዑቅባ ዝተዋሃብካ ሰብ ኮንካ ደረጃ ዑቅባኻ ብዘየገድስ ማዕረ መሰላት ክንክን ጥዕና ከም ዜጋታት ኢጣልያ ይህልወካ።
- ግዜያዊ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ሰባት ክሳብ ግዝያዊ መንበሪ ዘለዎም ማዕረ መሰላት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም ዜጋታት ኢጣልያ ይህልዎም።
- እንተደኣ ሓታቲ ዑቅባ ኮንካ፡ ምስጋና ንውልቃዊ ናይ ጥዕና ካርድ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ መልሲ ውሳኔ ናይ ዑቅባ ሕቶ እንዳ ተጸበኻ ናይ ማሕበርዊ ውሕነት ዕድል ይህልዎም።
- ዘይስሩዕ ደረጃ ነባርነት ዘለዎም ሰባት ፡ መሰል ናይ ህጹጽ ሕክምናን ኣልያ ሕክምና ይህልዎም።
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ምዕራፍ ጥዕና ኣብ መምርሕ መጽሓፍ ዝርከብ ተወከስ።
ጥርናፈ ስድራቤት ከምእውን ድጎማ ማሕበራዊ ድሕነትን ስድራቤታት
እንተደኣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ወይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዘለካ ሰብ ኮንካን ኣባላት ስድራቤትካ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢጣልያ ዝነብሩ እንተደኣ ኮይኖም ከም ናትካ ማዕረ መሰላት ናይ ማሕበራዊ ድሕነትን ክንክን ጥዕናን ይህልዎም። መሰላት ናይ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ድጎማ ከም ድጎማ ምውላድ ህጻን ፣ ድጎማ ህጻን፣ ውሕስነት ስድራቤት (ውሕስነት ጥዕና ) ፣ ድጎማ ኣደነት ወይ ኣቦነት ይህልዎም። ድጎማ ህጻን ንምርካብ ብውሑዱ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ምውላድ ህጻን ጠለብ ምቅራብ ይግባእ።
እንተደኣ ስድራቤትካ ካብ ኢጣልያ ወጻኢ ዝርከቡ ኮይኖም ድማ ናይ ጥርናፈ ስድራቤት መሰል ይህልወካ። ፈለማ እቲ ጠለብ ኣብ ኣሃዱ ኢሚግሬሽን (Sportello Unico per l’Immigrazione della Prefettura) ክቀርብ ይግባእ።ድሕሪ ምቅባል ዶኩመንት (nulla osta) ጠለብ ቪዛ ንስድራቤታዊ ጥርናፈ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኢጣልያ ናይ ዝርከብሉ ሃገር ክቀርብ ይግባእ።
ሰብኣዊ ሓለዋ ዘለዎምን ሓተቲ ዑቅባን ናይ ስድራቤታዊ ጥርናፈ መሰል ኣይህልዎምን።
ድጎማታት ማሕበራዊ ድሕነት ንስንክልና ዘለዎም ሰባት
ሕጋዊ ነባርንት (መንበሪ ፍቃድ) ኣብ ኢጣልያ እንተደኣ ኣሎካ ፡ ምወላ ማሕበራዊ ውሕስነት ቁጠባዊ ሓገዛት ንስንኩላን ንምርካብ ኣፍልጦ ደረጃ ስንክልና ኣብ ኢጣልያ ክትረክብ ይግባእ። ስለዚ ወረቀት ምስክር ናይ ስንክልና ክትረክብ ይግባእ። እዚ ድማ ብመንገዲ INPS ((ሃገራዊ ትካል ንማሕበራዊ ውሕስነት) መረጋገገጺ ጠለባት ንምርካብ ዝተጠቅሰ ሊንክ ወይ ድማ ናይ ረዲኤት ማሕበራት፡(Patronati) ምውካስ ይግባእ። እንተደኣ እቲ መርመርመራ ስንክልና ከምዘሎ ዝሕብር ኮይኑ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ምስክር ወረቀት ናይ ስንክልና ብደረጃ መንግስቲ ብመንገዲ ሕጊ 104 ዝተዳለወ ፡ ምርካብ ይከኣል።ክትቅበሎ ትኽእል ድጎማ ድማ ምስ ስራሕን ኣባላት ስድራቤትን ምወላ ግብርን ዝተኣሳሰረ ይኸውን።
ድጎማ ማሕበራዊ ድሕነት ብኸመይ ምርካብ ይከኣል?
ዝኾነ ኣብ ኢጣልያ ዝቅመጥ ሰብ ማሕበራዊ ውሕስነት ክረክብ ይግባእ። እንተኾነ እዚ ማሕበራዊ ውሕስነት ብቀጥታ ዝርከብ ኣይኮነን ፡ ስለዚ ድማ ማሕበራዊ ውሕስነት ንምርካብ ኣብ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት (Servizio Sanitario Nazionale) ምምዝጋብ ይግባእ።ነዚ ንምፍጻም ድማ ናብ ዞባዊ A.S.L (Assistenza Sanitaria Locale – ዞባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ) ብምኻድ ነዚ ዝስዕብ ሰነዳት ምቅራብ ይግባእ፡ –
- ዶኩመንት ውልቃዊ መንነት
- ኮድ ናይ ግብሪ/ቀረጽ
- መንበሪ ፍቃድ
- ምስክር ወረቀት መንበሪ (ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተቀመጥካሉ መቀበሊ ማእከል ከል ልሙድ መንበሪ ስለ ዝቁጸር)
ናይ ምዝገባ መስርሕ ምስ ፈጸምካ ሓኪም ስድራቤት ወይ ሓኪም ህጻናት እውን ክትመርጽ ትኽእል።
ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ምምዝጋብ ክሳብ ናይ መንበሪ ፍቃድ ግዜ ገደብ ዝወድቅ ናይ ኣገልግሎት ብቅዓት ይህልዎ ። እዚ ማለት ድማ ክሳብ መንበሪ ፍቃድ ዘይወደቀ ኣገልግሎት ጥዕና ምርካብ ትኽእል። ኣብ መስርሕ ምሕዳስ መንበሪ ፍቃድ እንተደኣ ኣሎኻ ድማ መርትዖ ሰነድ ናይ ምሕዳስ ንቤት ጽሕፈት A.S.L ምቅራብ ይከኣል።
ምስ ተመዝገብካ ድማ ውልቃዊ ናይ ጥዕና ካርድ ትቅበል፡ ብምቅጻል ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎት ብመንገዲ ነጻ ክፍሊት ወይ ውሑድ ኣበርክቶ ብምግባር (ትነብረሉ ዞባ ኣብ ግምት ዘእተወ) ምርካብ ይከኣል፡ ናይ ሃፈሻዊ ወይ ክኢላ ሓኪም ሕክምናዊ ዑደት፣ ናይ ገዛ ሕክምናዊ ዑደት፣ ናይ ሆስፒታል ኣገልግሎት፣ ክታበት፣ መርመራ ደም፣ ኤክስ ረይ፣ ሕክምና ድምጺጨረርታ፣ ኣፋውስ፣ ናይ ተሃድሶን ሰብ ዝሰርሖ ኣካላትን ኣገልግሎት ምርካብ ይከእል።
ድጎማ ማሕበራዊ ድሕነት
ረቋሕቲ ጠለባት፡ – ስሩዕ ምህላው/ምክትታል ከምእውን ስራሕ ኣብ ኢጣልያ እዮም።
ድጎማ ማሕበራዊ ድሕነት ንምርካብ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት C.A.F (ማእከል ገንዘባዊ ሓገዝ) ምምዝጋብ ይግባእ። እዞም ማእከላት ድማ ንሰራሕተኛታት፣ ጥሮታ ዝወጹ ሰባትን ንኣስራሕቲ ድማ ኣብ መዳይ ዝተፈላለዩ ጠለባት ናይ ኩሎም ዓይነታት ምምላስ ግብርን ካልእን ኣገልግሎት ሓገዛት ይህቡ። እቲ ፈለማ ክትገብሮ ዝግባእ ድማ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ምምሕዳር መንበሪ ፍቃድ ምርካብ ይኸውን። ነዚ ንምፍጻም ድማ ብቁዕ መንበሪ ፍቃድ ብምሓዝ ኣብ ዝርዝር ምምሕዳር( anagrafe) ምምዝጋብ የድሊ።
ነባርነት ምስ ረኸብካ ድማ እዞም ዝስዕቡ ዕድላት ምርካብ ይከኣል፡ –
- ማሕበራዊ ኣገልግሎታት(ሓደጋ ኣብ ስራሕ፣ ሕማም፣ ዘይብቁዕነት፣ ጥሮታ)
- ቁጠባዊ ሓገዝ(ሽቅለት ኣልቦነት፣ ኣገልግሎት ውሕስነት ስድራቤት፣ ድጎማ ምውላድ ህጻን፣ ኣገልግሎታት ውሕስነት ኣደነትን ኣቦነትን ወዘተ….)
- ትምህርቲ ምእላይ ሕሙማት
- መምርሒ ፍቃድ ተሽከካሪ
- መስርሕ ምቅራብ ጠለብ ንዜግነት ኢጣልያ።(ጠለብ ዜግነት ንምቅራብ ወጻእተኛ ንዓሰርተ ዓመታት ሕጋዊ ነባሪ ምዃን ይግባእ)
- ተሳታፍነት ኣብ ህዝባዊ ናይ ኣባይቲ ጨረታ
መምዘኒታት ሕጋዊ መንበሪ እንተደእ ዘይተማልእ ኮንካ ዕድል ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ድጎማን ማሕበራዊ ውሕስነትን ብቀጥታ የቋርጽ።
ናይ ህጹጽ እዋን ክንክን ጥዕና
ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኢጣልያ ትቅመጥ እንተደኣ ኮንካ ዕድል ክንክን ጥዕና ኣይህልወካን ፡ እንተኾነ ግን ፡ ህጹጽን መባእታውን ክንክን ጥዕና ክትረክብ ትኽእል። ሓደ ካብቶም መሰረታዊ ክኢላታት ክንክን ጥዕና ፡ ብዘይ ሕቶ መንበሪ ፍቃድ ፡ ንስደተኛታት ዘቅርብ ዘይ መንግስታዊ ማሕበር ኣብ ፓለርሞ ዝርከብ ናይ ህጹጽ እዋን መወከሲ ጥዕና /ክሊኒክ እዩ።
ሕክምዊ ኣገልግሎታት ካብ ህዝባዊ ትካላት ጥዕና ንምርካብ ጠለብ S.T.P ( ግዝያዊ ነባሪ ወጻእተኛ) ካርድ ኣብ A.S.L (ዞባዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት) ምቅራብ ይግባእ። እዚ ዝተጠቅሰ ካርድ ድማ ንሆስፒታል ወይ ትካል ጥዕና ን6 ኣዋርሕ የገልግል ፡ ክሕደስ ድማ ይኽእል። ነዚ ካርድ ንምርካብ ድማ ዝኾነ ይኹን ገንዘባዊ እትዋት ከምዘይብልካ ዝርዝር ሓበሬታ ከተቅርብ ይግባእ።
እዚ ዝተጠቅሰ ካርድ ድማ ብዘይ ስምን ስም ኣቦን ክሕተም ይኽእል፡ እዞም ዝስዕቡ መሰላት ክትረክብ ድማ የኽእል፡
- መሰረታዊ ክንክን ጥዕና
- ህጹጽ ክንክን ኣብ ናይ ቀትሪ ሆስፒታል
- ህጹጽን መባእታዊ ክንክን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ወላውን እንተቀጺሉን ምምሕያሽ እንተ ዘየርእዩን
ዕድል ጥዕናዊ መሳለጥያ ንምርካብ ዝኾነ ይኹን ጸብጻብ ናብ ሰበስልጣናት ኣየካትትን/ኣይህልዎን
ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ዘይብለን ነፍሰጹር ደቀንስትዮ፡ መንበሪ ፍቃድ ንሕክምናዊ ዕላማ ይወሃበን ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪ ምውላድን ድማ መሰል ማሕበራዊ ሓለዋ (ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ) ይህልወን። ድሕሪ ምውላድ ህጻን ድማ ናይ ካብ ኢጣልያ ምስጓግ ኩነታተን ድማ 6 ኣዋርሕ ድሕሪ ምውላድ ዕሸል/ህጻን ይቋረጽ።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ህልው ስርዓት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኢጣልያ ንዋሕዚ ስደተኛታትን ስድራቤታቶምን ንምብዳህ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ፡ ውሑድ ምንቅስቃሳት እውን ኣካይዱ እዩ። እዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ መስርሕ ኣገልግሎታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንወጻእተኛታት ዝተሓላለኸን ኣደናጋርን ኮይኑ ይርከብ። ስለ ዝኾነ ድማ መንጎኛታት ባህላዊ ምትሕንፋጽ ምድላው፡ወላዊ እኳ ኣብ ባይታ ኣጸጋሚ እንተኾነ ኣገዳሲ ይኸውን። እንተኾነ ግን ዝምልከቶም ኣካላት ናይ (Patronati /ናይ ረዲኤት ትካላት) ፡ኣብ እዋን ምምሕዳራዊ መስርሓት ሓበሬታን ሓገዝን ንምርካብ ምውካስ ነቲ ዝህሉ ናይ ህዝባዊ ምሕደራ ኩነታት ከቅልሎ ይኽእል።
መርበባት ሓበሬታ ኣብ መዳይ ማሕበራውን ድሕነታውን መሰላት፡ –
ማሕበራዊ ውሕስነት/Social security: http://www.integrazionemigranti.gov.it/en/legal-framework/domestic-law/Pages/Social-security.aspx#2
http://www.meltingpot.org/-Schede-pratiche-.html#pagination_elenco_articoli
http://www.fishonlus.it/migranti/diritti/assistenza/
ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንስደተኛታት /Social services for immigrants: http://informa.comune.bologna.it/iperbole/salute/servizi/2072/
ዕድል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንስደተኛታት /Access to social services migrants: http://sociale.regione.emilia-romagna.it/immigrati-e-stranieri/documentazione-fami/accesso-ai-servizi-e-cittadini-migranti-novita-e-cambiamenti
ኢሚግሬሽን/IMMIGRAZIONE: L’ACCESSO AI SERVIZI SOCIALI di Daniela Pompei e Rita Cutini https://shop.wki.it/documenti/61302076_est.pdf (Retrieved on 28.05.2018)
ጥርናፈ ስድራቤት/Family reunification: http://www.meltingpot.org/La-procedura-per-il-ricongiungimento-familiare.html#.WxAUs-6FPIV
ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሓገዛት ማሕበረኮም ፓሌርሞ /Servizi Socio-Assistenziali Comune di Palermo http://www.attivitasociali.palermo.it/index.php?option=com_content&view=article&id=13&Itemid=56
Quali sono i diritti degli stranieri con disabilità in Italia?
http://www.socialelazio.it/prtl_socialelazio/?vw=faqDettaglio&id=85
https://www.money.it/Legge-104-testo-guida-permessi-agevolazioni-disabili
መንበሪ ፍቃድ /Residence permit: http://www.asylumineurope.org/reports/country/italy/content-international-protection/status-and-residence/residence-permit
ትካላት ረዲኤት/Istitutions of Patronage: http://www.tituteliamo.it/chi-siamo/
ሕቶን መልስን
1.ኣብ ኢጣልያ ድጎማ ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ኣዮኖት መዳያት ይሽፍን?
ናይ ማሕበራውን ጥዕናውን ጠለባት ስራሕን ወጻኢታት ይሽፍን።
2.ንዕድል ማሕበራዊ ድጎማን ማሕበራዊ ውሕስነትን ንምርካብ ክማልኡ ዝግበኦም ረቋሒታት እንታይ ይመስሉ?
ንማሕበራዊ ውሕስነት መንበሪ ፍቃድ የድሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ድሕነት ድጎማን ንምምዝጋብ ድማ ስራሕ ክትቁጸር ወይ ክትሰርሕ ይግባእ።
3.ሕጋዊ መንበሪ ዘለዎም ወጻእተናታት ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ ዕድላት ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ድጎማን ማሕበራዊ ውሕስነት ኣለዎም ዶ?
እወ፡ ሕጊ ውሕስነት ኢጣልያ ንወጻእተናታት ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ ዕድላት ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ድጎማን ማሕበራዊ ውሕስነት ይህብ።
4.ስድራቤታት ሓተትቲ ዑቅባ ማዕረ መሰላት ናይ ማሕበራዊ ድጎማ ከም ናይ ዝተኣሳሰርሉ ሓታቲ ዑቅባ ውልቀ ሰብ ኣለዎም ዶ?
መሰላት ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ንኣባላት ስድራቤታት ናይ ደረጃ ዑቅባ ዘለዎምን ዓይነታዊ ሓገዝ ዑቅባ ዘለዎምን ጥራይ ብፍሉይ ይምልከት።
5.ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዕድል ማሕበራዊ ድጎማ ኣለዎም ዶ?
እወ፡ እንተደኣ ኣብ ኢጣልያ ሕጋዊ ነበርቲ ኮይኖምን ደረጃ ዑቅቦኦም ድማ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኮይኑን እዚ ዝተጠቅሰ ዕድላት ይህልዎም።
6.ዘይስሩዕ ደረጃ ነባርነት ዘለዎ ሰብ ማዕረ መሰላት ናይ ማሕበራዊ ድጎማ ክረክብ ይኽእል ዶ?
ኣይፋል፡ መሰል ክንክን ጥዕና ኣብ እዋን ህጹጽ እዋን ሕማም ጥራይ ይህልዎ።