If you feel lost in a new country

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ኢጣልያ » If you feel lost in a new country

ካብ ኣሰንባዲ ኣጋጣሚታት ዝኽሰት ጭንቀት

ምንቅስቃስ ናብ ሓድሽ ሃገርን ሓድሽ ህይወት ምምስራትን ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ገለ እዋን ዝቀርቡልካ ጠለባት ከደናግረካን ከሻቅለካን ይኽእል።ገለ ስምዒታት ናይ ፍሽለት ክስመዓካ ይኽእል። እዚ ኩነታት እዚ ጭንቀት ይበሃል። ጭንቀት ኩለ መዳያዊ ህይወትካ ክጸሉ ይኽእል፡ ገለ ካብኡ ፡ ስምዒታትካን ፣ ጠባይካን፣ ኣተሓስባኻን  ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣካላዊ ጥዕናዊ  ኩነታትካን ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል።

ካብ መንበሪ ኣብይቶምን ሃገራቶምን ክስደዱ ዝተገደዱ ሰባት ንስንባደን ካልኦት ሽግራትን ዝተቃልዑ ይኾኑ፡ ገለ ካብቶም ናይ ስንባደ ኩነታት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፥

  • ምስታፍ ወይ ኣካል ናይ ኲናት ተዋጋኣይ ምዃን
  • ግዱድ ምፍላይ ካብ ስድራቤትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን
  • ሞት፣ ምስዋር ናይ ኣባል ስድራቤት ፈታዊ/ፈተውቲ
  • ኣካላዊ ጭቆና፣ ስቅያት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእናይ ምፍርራሕ ኩነታትን ወይ ህይወት ኣብ ሓደጋ ምውዳቅን

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ናይ ህይወት ተመክሮታት ስነ ኣእምራውን ኣካላውን ጥዕናዊ ኩነታት ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል። ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና ነገር ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ኩነታት ብናቱ ፍሉይ ኣገባብ ክፈትሖ ከምዝፍትንን እዩ።

እንተኾነ ግን ገለ ካብቶም ኣገባባት ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፥

  • ዝሓለፉ ተዘክሮታት እንደገና ምምላስን ከም ኣሰንባዲ ሕልሚ ወይ ብጋህዲ እቶም ስምዒታት ምንባርን ምዝካርን
  • ወላኳ ኣብ ውሑስ ኩነታት እንተሃለኻ ኣብ ናይ ፍርሕን ሓደጋን ስምዒታትን ከምዘላኻ ምውሳእ
  • ሓሳብን ብዛዕባ ዝሓለፈ ሕማቅ ተመክሮ ምዝራብ ምውጋድን ብፍላይ ካብቶም ዝሓለፉ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት
  • ድሌታትካ ኣብ ኣገደስቲ ነገራት ምስኣንን ናይ ተነጽሎ ስምዒታት ምሕሳብን

ሽሕኳ ከበድትንን ኣጨነቅትን ኩነታት እንተኾኑ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ረብሓኻ ከተውዕሎ ይከኣል እዩ።

ገለ እዋን ምስ መሓዙትካን ኣዕሩኽትኻን ምዝርራብ ፡ ክሰምዑኻን ክርዱእኻን ምኽኣሎም ጥራይ ስምዒታትካ ክትቆጻጸርን ዝሓሸ ስሚዒታት ክስማዓካን ይኽእል። ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ናይ እትነብረሉ ከባብን ኮሚኒቲ ሕብረተሰብ ከባቢኻን (ብርግጽ ደቂ መበቆል ሃገርካ ኣብ እትነብረሉ ከተማ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ) ኣብ ማእከላት መራኸቢ ብምስታፍን ሃደስቲ ሰባት ብምፍላጥን ኣዎንታዊ ዝምድናታት ኣብ ምምስራት ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ይኽእል።

እንተኾነ ግን እንተደኣ እቲ ናይ ጭንቀት ተመኩሮ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዕረፍቲ ዝኸልኣካ ኮይኑ፡ ሞያዊ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ ይኸውን።

ናብ ስነኣእምራዊ ሓኪም ብምኻድካ ናይ“ እእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ “ ከብለካ ኣይክእልን፡  ብኣንጻሩ ሓላፍነት ናት ድሕንነትካን ናይ እትግደሰሎም ሰባት ምውሳድ ማለት ይኸውን። ወላኳ ኣብ ባህልኻ ናብ ስነኣእምራዊ ሓኪም ምኻድ ዘይተለምደ እንተኾነ፡ ኣብ ኢጣላያ ሰባት ናብ ስነ ኣእምራዊ ሓኪም ምኻዶም ልሙድን ጠቃምን ኮይኑ ክሰምዑኻን መምርሕታትን ምኽርን ክህቡኻ እውን ድልዋት ይኾኑ።

ስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ

ስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ እንታይ ማለት እዩ ፡ ንመን የድልዮ?

ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ፍወሳን ማለት ንሰባት ብመንገዲ ዝርርብ ጸገማቶም ንምፍዋስ ወይ ንምእላይ ብክኢላታት ዝግበር ሓገዝ እዩ። እሳቶም ድማ፡ ክኢላ ስነኣእምሮ፣ ሓኪም ጭንቀት፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ካልኦት ሰብሞያን እዮም።

ስነ ኣእምራዊ ሓገዝ ካበይ ክረክብ ይኽእል?

ኣብ ኢጣልያ ስነኣእምራዊ ሓገዝ ብመሰረት መስነይታ ወረቀት ሓኪም ኣብ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ማእከል ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክርከብ ይከኣል። ሓተትቲ ዑቅባን ስደተኛታትን ካብ ዝምልከቶም ማሕበራት ስነኣምራዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ። እዞም ማሕበራት ብልምዲ፡ ተርጎምትን ፡ ንምርድዳእ ዝኣክል ኣዳልዮም ይርከቡ። ተርጎምቲ እውን ሓበሬታ ብምስጢር ክዕቅቡዎ ይግባእ።

መርበባት ሓገዝ ስነ ኣእምራዊ ሕክምና

http://www.asppalermo.org/direzionegenerale-dettaglio.asp?ID=4

http://www.asppalermo.org/presidi-dettaglio.asp?ID=9

መርበባት ሓገዝን ዝያዳ ሓበሬታን

እንተደኣ ሓድሽ መጻኢ ናብ ዝኾነ ሃገር ኮንካ ፡ ምስ ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝቅመጡ ወጻእተኛታት ብምርኻብ ብዙሕ ጥቅምታት ክትረክብ ትኽእል። እዞም ትራኸቦም ሰባት ሓደ ዓይነት መስመር ተኸቲሎም ዝመጹ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ወይ ናይቲ ከባቢ ተቀማጢ ኣብ ባህላዊ ምልውዋጥ ተገዳስነት ክህልዎም ስለ ዝኽእል ይኸውን።  

ኣብ ገለ እዋናት ምዝራብን ግዜ ምስ ሰባት ምሕላፍን ሓጋዝን ሽግራት ናይ ምፍታሕ ኣጋጣምን ተመክሮን ካብ ካልኦት ክትረክብ ትኽእል።

ሲዒቡ መርበባት ገለ ናይ ድያስፖራ ማሕበራት ይርከብ፡ –

https://www.sunugal.it/

https://www.facebook.com/associazionedonnedibenincitypalermo/

https://www.facebook.com/associazioneniofar/

https://www.facebook.com/UNis-166385276732086/

 

ሕቶን መልስን

ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ወይ ሕክምና ንምርካብ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ይህልወኒ ዶ?

ኣይፋል። ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ሕክምና ፡ሕክምናዊ መርመራ ዘካየዱ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ምምዝባላት ዘለዎም ሰባት ጠቃሚ እዩ። እንተኾነ ግን፡ መብዛሕትኦም ናይ ስነ- ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ሓገዝ ዝሓቱ ሰባት ፡ ሕክምና ክርኣዩን መርመራታት ከካይዱን ኣይደልዩን። እዚ ማለት ግን ጸገማት ኣለዎም ማለት ኣይኮነን፡ ሞያዊ ኣልያ/ሕክምና ድማ ኣዝዮ ኣገዳስን ጠቃምን እዩ።

ናይ ስነ ኣእምራዊ ምኽርን ሕክምና ኣእምሮን እንተደኣ ኣካይደ ኣፋውስ ምውሳድ የድልየኒ ዶ?

ኣድላይ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገማት መድሃኒት ምውሳድ ኣድላይነት የብሉን። እንተኾነ ግን፡  እንተደኣ እቲ ናይ ስነኣእምሮ ሓኪም ኣፋውስ ምውሳድ ኣድላይነቱ ኣስሚርሉ ሰፊሕ መግለጽን ሓበሬታን ናይቲ ኣፋውስ ብምሃብ ፡ ማለት ፡ ጎናዊ ጸገሙን ጥቅሙን ብምሕባር ብዝርዝር ምምይያጥን ክውሰድ ይከኣል እዩ።

እንተደኣ ናብ ናይ ስነ ኣእምሮ ምኽርን ሕክምና ስነ ኣእምሮን ከይደ መን ክፈልጥ ይኽእል?

እንተደኣ እቲ ስነኣእምራዊ ምኽሪ ምስ ተርጎሚ በቲ ዝርደኣካ ቋንቋ ተኻይዱ ፡እስኻን፣ ወሃቢ ምኽርንተርጓምን ክፈልጡ ይኽእሉ። ካልእ ሰብ ግን ክፈልጥ ኣይግባእን ፡ ወላውን ኣባላት ስድራቤትካን ኣዕሩኽትኻን ፡እዚ ድማ እንተደኣ እቲ ምስጥር ዓቂብካዮ ይኸውን።

ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ግን ፡ማለት ፡ እንተደኣ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ክቃላዕ ይኽእል። እንተኾነ ግን ፡ ከምዚ ኣጋጣሚታት ሳሕቲ የጋጥም።