Legal aid in Italy

ኣብ ስርዓት መቀበሊ ማእከል ሕጋዊ ሓገዛት ዝህቡ ኣማኸርትን ናይ ሕጊ ክኢላታትን ተዳልዮም ይርከቡ።ኣብ ሓደ ካብቲ ወግዓዊ ማእከል እንተደኣ ዘይትነብር ኮንካን፡ገንዘባዊ ዓቅሚ እንተዘይብልካን ሕጋዊ ሓገዛት እንተደሊኻ ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዝ ክትጥቀም ትኽእል።

መን ብኸመይ ሕጋዊ ሓገዛት ምርካብ ይከኣል?

ኣብ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ መቀበሊ ማእከል ዝነብር ሓታቲ ዑቅባ መሰል ናይነጻ ሓጋዊ ሓገዛትን ሕጋውያን ኣማኸርትን ፡ ብዘይ-መንግስታውያን ማሕበራት ዝምወሉ ሰራሕተኛታት ወይ ድማ ብወሃብቲ ሓገዝ ክኢላታት ዝቆመ፡ ክረክብ ይኽእል።

እዞም ናይ ሕጊ ኣካላት ኣብ መስርሕ ምቅራብ ጠለብ ዑቅባንምድላው ናብ ውልቃዊ ቃለ-መሕትት ኣብ ቅድሚ እቶም ወሰንቲ ኣካላት ሰብ መዚ ፣ ኣብ መስርሕ ክትክተሎም ዝግበኣካ ኣገደስቲ ሓበሬታትን ፣ ብኣባላት ኮሚሽን ክሕተቱ ዝኽእሉ ቀንዲ ሕቶታትን ከምእውን ኣብ ግዜ ኣሉታዊ ውሳኔ ንጥርዓን ምድላውን ዝኣመሰሉ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ዝለዓለ ተራ ይጻወቱ።

ብተወሳኺ ጠባቃ ወይ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ኣብ ምእካብ ውልቃዊ ሓበሬታን ሓበሬታ ብዛዕባ መበቆል ሃገርካን ከምእውን ኣድላይ ጸብጻባት ኣብ ምድላውን፡ ብፍላይ ድማ ናይ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ሰባት፡ንዝምልከቶም ሰብ መዚ ግዝኣታዊ ኮምሽን ይልእኽ። ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ጠበቃ ብኣካል ክርከብ ይኽእል፡እንተኾነ ግን ከምቲ ኣብ ናይ ቤትፍርዲ ምስማዕ ቃለ-መሕትት ሓደ ዓይነት ተራ ኣይጻወትን።ኣብ እዋን ቃለ መሕትት ዝቀርቡልካ ሕቶታት ብውልቂ ክትምልስ ይግባእ፡ እንተኾነ ጠበቃ ሓሳባት ንምብራህን ጣልቃ ክኣቱ ይኽእል።

መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መቀበሊ ማእከል ዝሰርሑ ናይ ሕጊ ክኢላታት ንነፍስወከፍ ውልቃዊ ናይ ሕጊ መስርሕ ናይ ኩሉም ሓተቲ ዑቅባ፡ብፍላይ ድማ ኣብ ቀዳማይ መቀበሊ ማእከል ዝተዓቅቡ ስደተኛታት ፡ኣብ ምክትታል እኹል ግዜ የብሎምን።እንተ ደኣ ጉዳይካ ኣቃልቦ ዘይረኸበ ንሓተቲ ዑቅባን ዑቅባ ኣብ ኢጣልያ ዝተዋህቡ ስደተኛታትን ነጻ ሕጋዊ ሓገዛት ዝህቡ ካልኦት ማሕበራት ወይ ውድባት ክትውከስ ትኽእል።

ገለ ኣብነታት ክትረኽቦም ትኽእል ማሕበራት ኣብ ታሕቲ ተመልከት፡

 

ንዝያዳ ሓበሬታ ስዒቡ ዝርከብ ሊንክ ተወከስ፡ –http://www.refugeelegalaidinformation.org/italy-pro-bono-directory