Language courses in Italy
ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ከም ካልኣይ ቋንቋ
ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ ኢጣልያን ናይ ግሊ ማሕበራትን ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዝተፈላለዩ ዕድላት ስልጠናታት ቋንቋ ጥልያን ይህቡ።
ቀዋሚ ግዝኣታዊ ማእከላት ትምህርትን ስልጠናን (CPIA) ንዓበይቲ ፡ ህዝባውያን ትካላት ኮይኖም ፡ ብመንግስቲ ዝምወሉ መምህራን ዝተሓገዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ድሌታት ዝተመርኮሰ ፡ ብክኢላታትን ናይ ደገ ተሓባበርትን ባህላውን ትምህርታውን ስልጠናዊ ንጥፈታት ንዓበይቲ ኣብ ምድላው ይነጥፉ።
ስልጠና ቋንቋ ጥልያን ብቀዋሚ ግዝኣታዊ ማእከላት ትምህርትን ስልጠናን (CPIA) ንዓበይቲ ፡ሲቪካዊ ትምህርትን ሓበሬታን ኣብ መሰላት ግቡኣትን ዜጋታት ዝተመርኮሰ እውን ብተወሳኺ የካትት።
ኩሎም ዜጋታት ወጻእ ሃገር ካብ 16 ዓመት ዕድመ ዘይንእሱ ስልጠናታት ቋንቋ ጥልያን ብቀዋሚ ግዝኣታዊ ማእከላት ትምህርትን ስልጠና (CTP) ክኸታተሉ ይኽእሉ። ኣብ መዛዘሚ ድማ ምስክር ወረቀት ምልከት ቋንቋ ጥልያን ድማ ይወሃብ።
ካብ ምንስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ምንስትሪ ትምህርትን (ዩኒቨርሲቲ ወጻእተኛታት Perugia – CELI Certification, (ዩኒቨርሲቲ ወጻእተኛታት Siena –CILS Certification, ዩኒቨርሲቲ Roma Tre- IT Certification, Società Dante Alighieri- PLIDA Certification) ወይ ድማ ቀዋሚ ግዝኣታዊ ማእከል (CTP) ኣፍልጦ ዝረኸቡ ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ዝህቡ ናይ ትምህርቲ ትካላት ፡ ስልጠናታት ቋንቋ ብምውሳድ ምስክር ወረቀት ቋንቋ ጥልያን ምቅባል የኽእል።
ምስክር ወረቀት ቋንቋ ጥልያን ደረጃ ኣፍልጦ ቋንቋ ጥልያን ኣብ ናይ ሓባር ናይ ኣውሮፓ ንድፊ ስራሕ ዝዛመድ እዩ፡ (CEFR) (http://www.clifu.unito.it/QCER.pdf)
ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን መምርሕን ሓበሬታን ዝህቡ ሊንክታት ኣብ ዝስዕብ መርበባት ምርካብ ይከኣል፡
http://www.unipa.it/La-Scuola-di-Lingua-italiana-per-Stranieri-dellUniversit-degli-Studi-di-Palermo/
http://milano.italianostranieri.org/en/search/e-learning
http://www.educational.rai.it/ioparloitaliano/corso.htm
https://caffescuola.com/corsi-gratuiti-italiano/
http://www.oneworlditaliano.com/italiano/video_corso_di_italiano.htm
http://oltreloccidente.org/2017/10/05/corso-gratuito-di-italiano-per-stranieri/
https://www.bibliotechediroma.it/opac/news/corsi-gratuiti-di-italiano-per-stranieri/16527
http://www.scuolemigranti.org/aderenti/
http://www.imparareitaliano.org/
http://italianoperstranieri.loescher.it/materiale-didattico/giochi-didattici
https://www.santegidio.org/pageID/30104/langID/it/SCUOLE-DI-LINGUA-E-CULTURA.html
https://www.santegidio.org/downloads/Scheda-Scuola-di-Lingua-Cultura-Italiana.pdf