Housing in Italy
ኣብ መስርሕ ዑቅባ ከምእውን ኣብ እዋን ጥርዓን ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ውሕስነት መንበሪ ገዛ ምስ ኩሉ መሳለጥያ ተዳልዩ ይርከብ።
ፈለማ ምቅባል/ CPSA
ፈለማ ናይ ምድሓንን ሓገዝን ስርሒት ኣብ ቀንዲ ናይ ምውጻእ ቦታታት ዝርከብ መቀበሊ/ መዕረፊ ማእከል(CPSA) ይካየድ። ብተወሳኺ ኣብ 2017 ኣብ ርእሲ እቶም ዘለዉ ነቊጣታት ናይ ላምፐዱሳ፣ ፖዛሎ፣ ታራንቶን ትራፓኒን ፡ ካልእ ነቁጣ ኣብ መሲና ተመስሪቱ። ኣብ ወርሓ መጋቢት 2018 ነቊጣታት ላምፐዱሳን ታራንቶን ንግዚኡ ተዓጽዮም። ሕጋዊ ንድፊ ስራሕ ኣብ እዋን ምፍጻም ስርሒታት ምድሓን ናብ CPSA ኣይተኻየዱን።
ካብ እዋን ምእታው ናብቲ ቦታታት ጀሚሩ ንሓጺር ግዜ ኣብ መቀበሊ ማእከላት ምጽናሕ ይግባእ። ብግብሪ ድማ ኣብቲ ዝተጠቅሰ መቀበሊ ማእከላት ንመዓልታት ወይ ንሰሙናት ክትታኣናገድ ተኽእሎታት ኣሎ።ኣብዞም ቀጻሊ ናይ ሓደስቲ ስደተኛታት ምእታው ስለዝህሉ ኩነታት ምቅባልን ምእንጋድን ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ይኽእል።
መንግስታዊ መቀበሊ ማእከላት
መንግስታያን መቀበሊ ማእከላት ብዞባውያን ናይ ህዝቢ ትካላትን ምምሕዳራትን፡ ኣብ መዳይ ምሕጋዝ ስደተኛታት ዝነጥፉ ናይ ግሊ ኣካላትን ብተሳታፍነት ህዝቢ ይመሓደሩ።
ዕላማ ናይዞም መቀበሊ ማእከላት ድማ ንሓተትቲ ዑቅባ ደሓን ኣቀባብላ ምግባርን ኣድላይነት ምስዝህሉ ድማ ሕክምናዊ መርመራታትን ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት መርመራታት ንምክያድ ዝዓለሙ ኮይኖም ኣብ ቀጻሊ ዝግበር ፍሉይ ናይ ምቅባል ቦታ ንምጥጣሕ ይኸውን። ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ ግን እቲ ናይ ምቅባል ኩነታት ካብ ሓደ መቀበሊ ማእከል ናብ ካልእ ከምዝፈላለን ፡ እዚ ድማ ኩነታትን ቁጽርን ስደተኛታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ መቀበሊ ማእከል ዘማሓድር ኣካል ኣብ ዝህቦ ናይ ኣገልግሎት መዳያት ከምዝውሰን እውን ምፍላጥ የድሊ።
ግዝያዊ መሳለጥያታት ፡CAS
ኣብ ቀዳማይን ካልእይን መቀበሊ ማእከላት ናይ ምቅባል ኩነታት ምስ ዘይህሉ ድማ ስደተኛታት ኣብ ህጹጽ ናይ ምቀበል ማእከላት ክጸንሑ ይኽእሉ። ንዝምልከቶም ኣካላት ድማ እቲ ጉዳይ ይሕበሮም። እዚ ናይ ምቅባል መስርሕ ድማ ብኣላይነትን ምትሕብባርን ምንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ሰብ መዚ ናይቲ ዞባን ይኸውን።
እዚ ዝተጠቅስ መቀበሊ ማእከል ንናይ ህጹጽ እዋን ተወሳኺ ምብጻሕ ስደተኛታት እኳ እንተኾነ ፡ ብግብሪ ኣብዚ እዋን እዚ መቀበሊ ማእከላት ልሙድ ናይ ምቅባል መምዘኒ ስለዘየማልኡን ናይ ምቅባል መስርሕ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክኸውን ይኽእል።
ግዝያዊ ናይ መቀበሊ መሰላጥያታት /CAS ንናይ ፈለማ እዋን ናይ ምቅባል መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ ንካልእይ ደረጃ ናይ ምቅባል መስመር እውን የገልግሉ። እዚ ድማ ክሳብ እቶም ስደተኛታት ናብ ዝተዳለወሎ መቀበሊ ማእከል /SPRAR ዝሰጋገሩ ይኸውን።ዝወሃብ ኣገልግሎታት ድማ ማዕረ ናዪ ኣብ ፈለማ መቀበሊ ማእከል ዝወሃብ ይኸውን።
ስርዓት ግዝያዊ መሳልጥያ ማእከል/CAS ግዝያውን መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ንስደተኛታት ዝተዳለወ ማእከላት/ SPRAR ኮይኑ ፡ መቀበሊ ማእከላት ንምምቻእን ዳግም ንምውዳብን ኣብ ዝግበር ስራሕ ከም መጽንሒ የገልግል።
ካልኣይ መስመር መቀበሊ ማእከል/ SPRAR
ኣብዚ እዋን ዝርከቡ ቅርጽታት መቀበሊ ማእከላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ብቀንዱ 83.3% ጠቅላላ ቁጽሪ መሳለጥያታትን ፣ ነኣሽቱ መቀበሊ ማእከላት ናይ 10.3% ፣ ገዛውቲ ኮማት ማሕበረሰብ 6.6% እዮም። ገዛውቲ ኮማት ማሕበረሰብ ንኣላይ ዘይብሎም ህጻናት ዝተሓዝኡ እዮም።
መኣንገዲ ኩነታት ኣብ እዋን ዘለዉ መሳለጥያ ናይ ስርዓት SPRAR ካብ ኣብ ናይ ፈለማ መቀበሊ ማእከላት ዝርከቡ መሳለጥያታት ዝተፈልዩ እዮም። ኣብ ዓበይቲ መሳለጥያታት ናይ ስርዓት SPRAR ክፍልታት ክሳብ 4ሰባት ክሕዙ ከለዉ ኣብ ጸበብቲ ክፍልታት ግን ካብ 2-3 ሰባት ይሕዙ። ብገምጋም ስርዓት መሳለጥያ SPRAR ካብ 10-15 ነፍስወከፎም የኣንግዱ።
ኣብ ስርዓት SPRAR ብግሊ መግቢ ምድላው ይከኣል። እዚ ድማ በቲ ካብቶም መወልቲ ኣካላት ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዛት (ንሓደጋ ዝተቃልዑ ሰባት ዝያዳ ምወላ ስለ ዝግበረሎም) ኣስቤዛ ብምዕዳግ ወይ ድማ ካብቲ ዝወሃቦም ኣስቤዛታት ብምክዋን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ድማ ክሽነ ብሓባር በቶም ተኣንገድቲ ምጥቃም ይግባእ። ኣብ ካልኦት ቅርጽታት ናይ ስርዓት SPRAR ግን ብመቀበሊ ማእከል ዝተዳለወ መግቢ ይምገቡ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ መምዘኒታት ምእንጋድ ብዝተሓተ ደረጃ ኣብ ስርዓት SPRAR ይከናወኑ። ፍሉይ ክንክን ዘድልዮም ሰባት ብፍላይ ድማ ኣላይ ዘይብሎም ህጻናት፡ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት (ንኣብነት፡ ስፖርት፣ ባህላዊ ዑደት ወዘተ) ስፍሕ ዝበሉ እዮም።
ኣብ ስርዓት SPRAR ዝተዓቊቡ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት ድማ ናይ 6 ኣዋርሕ ተወሳኺ ናይ ምእንጋድ ይወሃቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ እዋን ምቅባል ዓለለኻዊ ዑቅባ ናብ ካልእ መቀበሊ ማእከል ናይ ስርዓት SPRAR እንተደኣተሳጋጊሮም ተወሳኺ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ዕድል ምንባር ኣብቲ ማእከል ይወሃቦም። ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ድማ ፡ ብፍላይ ብጥዕናዊ ኩነታት ወይ ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ጸገማት ተውሳኺ 6 ኣዋርሕ ግዜ ይወሃቦም።
ኣላይ ዘብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ን6 ኣዋርሕ ዝኣክል ግዜ ኣብ መዕረፊ ማእከል ይወሃቦም፡ እዚ ድማ እንተደኣ ሓደ ካብቲ ናይ ሓለዋ ዑቅባታት ተዋሂቦም ይኸውን። ድሕሪ ምቅባል ውሳኔ ናይ ዑቅባ እንተደኣ ናብ ካልእ ናይ ስርዓት SPRAR ማእከል ተሰጋጊሮም ተወሳኺ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ይወሃቦም።
እንተኾነ ስርዓት መቀበሊ ማእከል SPRAR ዝተወሰነ ናይ መኣንገዲ ስርዓት ይርከቦ። ሽሕኳ ብሕጊ መሰረት ሓተትቲ ዑቅባ ብቀጥታ ናብ መቀበሊ ማእከል SPRAR ክሓልፉ እንተተገበኦም ፡መብዛሕትኦም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን መስርሕ ዑቅባ ኣብ መንግስታዊ ማእከላት ወይ ግዝያዊ መሳለጥያታት /CAS የሕልፍዎ።
ዕድል ምስፋር ናብ ህዝባዊ ኣባይቲ
እስኻ/ኺ ከም ስደተኛ ወይ ዓይነታዊ ሓገዝ ሓለዋ ዝተዋህቦ ሰብ ኣብ ትሕቲ ማዕረ ኩነትታ ናይ ዜጋታት ዕድል ምስግጋር ናብ ህዝባዊ ኣብይቲ ክትሓትት/ቲ ዕድል ይህልወካ/ኪ።
እዚ ናይ ኣባይቲ ፍታሕ ድማ ብማዕረ ናብ ትሕቲ ግዝያዊ መሳለጥያ ማእከላት ወይ ኣብ ኣትሕቲ ስርዓት SPRAR ዝርከቡ ስደተኛታት ብማዕረ ይምልከት። ኣዚ መደብ እዚ ድማ ንተጠቀምቲ ዕድል ምንባር ኣብ ህዝባዊ ኣባይቲ ፡ በቲ ዝህሉ ባዶ ኣባይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ፡ ንምጅማር ዝዓለመ እዩ።
ሕቶን መልስን
መንበሪ ክፍሊ ብከመይ ከናዲ ይኽእል?
ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ምርካብ ይክኣል፡ https://italychronicles.com/how-to-find-an-apartment-to-rent-in-italy/
ግቡኣተይን መሰላተይን ከም ተኻራያይ እንታይ ይመስሉ?
ቅድሚ ምክራይ ቤት ዋንነት ናይ ገዛ ምርግጋጽ የድሊ። እዚ ማለት ድማ እትካረየሉ ዘለኻ ሰብ ሓቀኛ ወናኒ ድዩ ወይስ ተኻርዩ ዘካርይ ዘሎ ሰብ እዩ ምጥንቃቅን ምርግጋጽን የድሊ። እንተ ዘይ ኮይኑ ግን ውዕል ብምስራዝ ካብቲ ዝተኻረካሉ ቤት ብሕጊ ናይ ምውጻእ ተኽእሎ ከም ዘሎን ፡ብተወሳኺ ካልእ ቤት ናይ ምንዳይ መስርሕ ክትጅምር ከም እትኽእል ምፍላጥ የድሊ። ክፍሊት ውዕል ገዛ ኣብ ምምዝጋብ ብማዕረ ንተኻራይን ኣካራይን ከም ዝምልከት ምግንዛብ የድሊ።
ምስ ክራይ ገዛ ዝተኣሳሰር ትሕጃ ክትከፍል እንተደኣ ተሓቲትካ ኩሉ ግዜ ቅብሊት ክትሓትት ይግባእ ። እዚ ድማ ኣብ እዋን ምፍጻም ውዕል ክራይ ዘትሓዝካዮ ትሕጃ ምስ ወለድ ናይ ባንኪ ንክትቅበል የኽእለካ። ብተወሳኺ ናይ ክፍሊት መዓልትን ኣገባብ ኣከፋፍላን(ብባንኪ ወይ ቸክ ወይ ጥረ ገንዘብ) ምምልካት እውን ሓጋዚ ይኸውን። ብጥረ ገንዘብ እንተደኣ ትኸፍል ኮንካ ኩሉ ወግዓዊ ቅብሊት ምሕታት የድሊ፡ እዚ ምስ ናይ ኢጣልያ ናይ ግብሪ ሕግታት ንምምላእ ይኸውን። ናይ ማይን ጸዓትን ወጻኢታት ብተወሳኺ ሓላፍነትት ምኽፋል ወጻኢታት መውዓይ፣ ጽገና መደየቢ ኣሳንሰር፣ ንቡር ጽገና ናይ ቀጽርን ኣታኽልትን ፣ ዝሑል ማይ ካብ ምእከላይ ስርዓትን ካልኦት ናይ ምምሕዳርን ግብሪ ጉሓፍን ወጻኢታት ኣብ ዝባንካ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።
ክፍሊት ወጻኢ ጽገናታት ናይ ጽሬት ናውቲ፣ ስርዓት አለክትሪክ፣ ጋዝ፣ ስርዓት ማይ፣ ዓመታዊ ናይ ትኪ ሃልኪ፣ ሓላፍነትካ ምዃኖም እውን ብተወሳኺ ምግንዛብ የድሊ። ጽገና ናይ ትቦታት፣ ናይ ግዳምን ውሽጥን መሳኹቲ እውን ተወሰኽቲ ሓላፍነታት እዮም።
ምንጭታት/Sources:
https://www.asylumineurope.org/reports/country/italy
http://www.interno.gov.it/sites/default/files/piano-nazionale-integrazione.pdf
https://www.tenlaw.uni-bremen.de/Brochures/ItalyBrochure_09052014.pdf
http://www.integrazionemigranti.gov.it/guidemultilingua/Documents/Casa/Guida_EN%20casa.pdf