Health care in Italy
መሰላት ክንክን ጥዕና ኣብ ኢጣልያ
ቅዋም ኢጣልያ ጥዕና ከም መሰረታዊ መሰል ውልቀሰብ ኣስፊርዎ ይርከብ። እዚ መሰል ንኩሉ ሰብ ክውሓስ ዘልዎ ምዃኑን ወላውን ነቶም ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ሰባት መሰል ከምዝህልዎም ይገልጽ።ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ስርዓት ጥዕና ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ኢጣልያ መሰል ክንክን ጥዕና ኣብ ህዝባዊ ወይ ናይ ግሊ ትካላት ጥዕና ኣለዎ።
ዕለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦምን ሓተትቲ ዑቅባን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክምዝገቡ ይኽእሉ። ኣብ ኢጣልያ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወሃብ ኣገልግሎታት ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወሃብ ኣልያን ግዴታዊ ሓገዛትን ክትረክብ ትኽእል።
ኣብ መዳይ ጥዕና ኣብ ሞንጎ ኣብ መዕረፊ ማእከል ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቅባን ነቲ ማእከል ሓዲጎም ዝወጹ ስደተኛታትን ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወሃብ ኣገልግሎታት ጥዕና ብማዕረ ይምልከቶም ። እዚ ማለት ድማ ኣፈላላይ ኣይህሉን።
ዕድላት ክንክን ጥዕና ብኸመይ ክረክብ ይኽእል?
መሰል ሕክምናዊ ሓገዛት ካብ እዋን ጠለብ ዑቅባ ዘቅረብካሉ ግዜ ጀሚሩ ክትረክብ ትኽእል፡ እንተኾነ ግን እዚ መሰረታዊ መሰል ሳሕቲ ብሓደ ሓደ ምኽኒያታት ክደናጒይ ይኽእል። ምዝገባ ናይ ግብሪ ኮድ ንሕቶ ጠለብ ዑቅባ ዕላዊ ኣብ ምግባር ብኲስቱራ ዝካየዱ መስርሓት ድማ ካብቲ ዘዳናጒዮ ምኽንያት ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ማለት ድማ ናብ ደረጃ C3 ንምሕላፍፋብ ገለ ዞባታት ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል።ናይ ምዝገባ መስርሕ እናተኻየደ ግን ዕድላት ናይ ህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ከምእውን ኣገደስቲ ሕክምናዊ ኣልያን ካብ መደብ ናይ ምክንኻን ሕክምና ፡ ንውልቀሰባትን ጉጅለን ዘውሕስ፡ ምርካብ ይከኣል።
ከም ሓታቲ ዑቅባ ንእትነብረሉ ዞባ ዝምችእ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጽሬት ኣብ ናይ ጥዕና ቤት ጽሕፈታት (ASL) ምምዝጋብ ይግባእ።
ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና እንታይ ይመስል?
ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ንጥዕናዊ ክንክን ዘድልዩ ኣገልግሎታት ናይ ዜጋታት ኢጣልያን ዓለምለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባትን ዝሽፍን ኣገልግሎት እዩ።
ንሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ኣበይ ክምዝገብ ይኽእል?
ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ዞባዊ ቦርድ ጥዕና (ASL) ምምዝጋብ ይከኣል።
ንምዝገባ ዘድልዩ ሰነዳት/ዶኩመንትታት እንታይ ይመስሉ?
- ፍቃድ መንበሪ
- ምዝገባ ኣብ ሲቪላዊ ደረጃ መዝገብ
- ፊስካል ኮድ ወይ ኮድ ርእሰማል
ናይ ምዝገባ መስርሕ ምስወዳእካ ናይ ኣውሮፓ ውሕስነት ካርድ ትቅበል፡( Tessera Europea Assicurazione Malattia- TEAM) ፡ ናይቲ ካርድ ግዜ ገደብ ምስ ግዜ ገደብ መንበሪ ፍቃድ ይተኣሳሰር። ሕክምና ንምርኣይ፣ መርመራታት፣ ኣብ ሆስፒታል ምዕራፍን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ድማ ዘውሕስ ይኸውን።
ሕክምናዊ ሓገዛት ንመን ዘካተተ ይኸውን?
ሕክምናዊ ሓገዛትታብ ኢጣልያ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ኣባላት ስድራቤትካ ዘካተተ ይኸውን፡ ብተወሳኺ ወለዶም ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ምዝጉባት ንዝኾኑ ሓደስቲ ዝውለዱ ህጻናት እውን ዝምልከት ይኸውን።
ምዝገባ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ክትረክብ የኽእሉ፡
- ኣብ ዝርዝር ASL ዝርከቡ ሓፈሻዊ ሓካይም ናይ ምምራጽ ዕድልን ናይ ህጻናት ሓካይምን (ሕክምናዊ ዑደት፣ ዑደት ኣብ መንበሪ ገዛ፣ ምስክር ወረቀት ንዕድል ትምህርቲ ምእላይን ናይ ኣደነት ቤት ትምህርትን፣ ግዴታዊ መባእታዊ ትምህርቲ፣ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን) ዘጠቃለለ ይኸውን።
- ፍሉይ ሕክምናዊ ሓገዛት ብመንገዲ ጠለብ ሓፈሻዊ ሓኪምን ሓኪም ህጻናትን ካርድ ጥዕና ምስ ዝህልው
- ቀጥታዊ ዝኾነ (ብዘይ ናይ ሓኪም ፍቃድ) ዕድል ዑደት ናይ መወለዳንን ሓኪም ማህጸንን ኣብ ትሕቲ “ስድራቤታዊ ምኽሪ“ / consultorio familiare
- ነጻ ምእንጋድ ኣብ ናይ ህዝቢ ሆስፒታላትን ናይ ግሊ ቅርጽትታት ሕክምናዊ ማእከላት
ዝያዳ ሓበሬታ ብኸመይ እዚ ዕድላት ከምእትረክብ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ተወከስ፡
http://www.salute.gov.it/portale/temi/p2_6.jsp?id=624&area=Assistenza%20sanitaria&menu=vuotoo
1. ዕለት መንበሪ ፍቃድ እንተደኣ ወዲቁ መሰል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህልወኒ ዶ?
ኣብ እዋን መስርሕ ምሕዳስ መንበሪ ፍቃድ ሕክምናዊ ሓገዛት ደው ክብል ኣይግባእን፡ እንተኾነ ግን እንተደእ ዝወደቀ መንበሪ ፍቃድ ኣሎካ ውሕስነት ዘይ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛት ኣይህልወካን፡ እዚ ድማ ብምኽንያት ዝተሓላለኸ ናይ ቤት ጽሕፈት ስርሓት ኣብ መስርሕ ምሕዳስ መንበሪ ፍቃድ ይኸውን። ብተወሳኺ ፡ኣብ ምሕዳስ ወረቀት ከምዘለኻ ዝሕብር ዝኾነ ይኹን ወረቀት እንተደኣ ዘይብልካ ናይ ምስትእንጋድ ሓገዛት ደው ስለ ዝብል ካርድ ጥዕና እውን ክሕደስ ኣይከኣልን።
2. ብዝወሃበኒ ሕክምናዊ ሓገዛት ካልኦት ክሕገዝ ይኽእል ዶ?
ኣብ ትሕቲ ሓላፍነትካ ዝርከቡ ብቁዕ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ኣባላት ስድራቤት ኣብ ኢጣልያ ሕክምናዊ ሓገዛት ክረኽቡ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ፡ ስድራቤቶም ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ስርዓት ጥዕና ዝተመዝገቡ ኣባላት ስድራቤት ንዝወልድዎም ዕሸላት ኣፍልጦ ሕክምናዊ ሓገዛት ይህቡ። ንሓተትቲ ዑቅባን ዑቅባ ዝረኸቡ ሰባት ዝወሃብ ሕክምናዊ ሓገዛት ዝህቡ ኣካላት ዝተዋህበ ብቁዕ ምልመላን ሓበሬታ ብዛዕባ ስደትን ስደተኛታትን ብግቡእ ከም ዘይርከብ ክፍለጥ ይግባእ።
3. ናይ ቋንቋ ጸገም ብኸመይ ክፈትሖ ይኽእል?
ብልምዲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ክኢላታት ሕክምና ብቋንቋ ጥልያን እዮም ዝረዳድኡ፡ ዝጸንሑ ተርጎምቲ ኣብ ሞንጎ ክኢላታትን ተሓከምትን ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ኣይርከቡን። እንተኾነ ግን ኣብዚ መዳይ ዝንቀሳቀሱ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ይርከቡ ፡ መስርሕ ሕክምና ኣብ ሆስፒታላት እውን ብኡ መንጽር የቃልሉ።
4. ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ዘበርክቶ ወጻኢታት ይህሉ ዶ?
ብመሰረት ከም ሓታቲ ዑቅባ እተቅርቦ መሰል ናይ ነጻ ሕክምናዊ ሓገዛት ኣብ ትካል (ASL) ነጻ ሕክምናዊ ሓገዛት ክትርኽቡ ትኽእል። እዚ ዝወሃብ ነጻ ሕክምናዊ ሓገዛት ብመሰረት ንድፊ ሕጊ ናይ መሰል ሕክምና ንስራሕ ዘይብሎም ኢጣልያውን ብማዕረ ንሓተትት ዑቅባ እውን ብማዕረ ይምልከት። እንተኾነ ግን ኣብ ግብሪ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝወሃብ ሕክምናዊ ሓገዛት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ።
ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ንሓደጋ ዝተቃልዑ ጉጅለታት
ስንክልና ኣእምሮ ዘለዎ ሰባት ከምቲ ንዜጋታት ኢጣልያ ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ዝወሃቦም ሕክምናዊ ሓገዛት ማዕረ መሰላት ይህልዎም። ኣብ ግብሪ ድማ ብሃገራዊ ስርዓት ጥዕናን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ተወሳኺ ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ክረኽቡ ይኽእሉ። መንበሪ ፍቃድ እንተደእ ዘይብልካ ጠለብ ንግዝያዊ ካርድ ጥዕና (STP = Straniero Temporaneamente Presente, foreign person that lives temporarily in Italy) ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድ ፡ ክትሓትት ትኽእል። በቲ ዝወሃበካ ካርድ ድማ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛት ፣ ምከላኸሊ ኣፋውስ፣ ኣገልግሎት ምርካብ መድሃኒት ክትረክብብ ትኽእል።
እቲ ዝወሃብ ሕክምናዊ ክንክን ክምቲ ንዜጋታት ኢጣልያ ነጻ ክፍሊት ዝኾነ ስደተኛታት እውን ብማዕረ ነጻ ሕክምናዊ መርመራ ኣብ እዋን ጥንሲ፣ ዕድል ክንክን ንደቀንስትዮ፣ ናይ ስነኣእምሮ ሕክምናን ገለ ብክፍሊ ምክልኻል ሕማማት ዝወሃብ መርመራታት (ክታበት፣ መርመራ HIVን ምክልኻልን፣ ጥዕናዊ ስእልን/ screening) ከምእውን ሕክምናዊ መርመራ ንትሕቲ 6 ዓመት ዕድመ ህጻናትን ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ሽማግለታትን ክረኽቡ ይኽእሉ።
ካርድ ጥዕና ካብ ማእከል ጥዕና ናይ ዝኾነ ከተማ ፡ (ክፍልታት ህጹጽ ሕክምና፣ ሆስፒታላት፣ ፖሊኪኒክ፣ ቤት ጽሕፈት ጥዕናዊ ምኽርታት) ምርካብ ይከኣል። ብተወሳኺ ድማ ካብቲ ፈለማ ጥዕናዊ ስእሊ/ screening ዝወሰድካሉ ቦታ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፍቃድ መንበሪ ካርድ ጥዕና / STP card ክትረክብ ትኽእል።
እቲ ካርድ ድማ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ገደብ ይህልዎ፡ ኣብ መላእ ሃገረ ኢጣልያ ድማ ክሰርሕ ይኽእል።
ተወሳኺ፡
- ክኢላታት ሕክምና ንፖሊስ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብዛዕባ ሕሙም ምትሕልላፍ ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ማእከላት ጥዕና ዝሰርሑ ኣንጻርካ ዝኾነ ይኹን ጸብጻብ ወይ ጥርዓን ከቅርቡ ይክእሉን።(ብመሰረት ዓንቀጽ 35,5 ሕጊ ቁጽሪ 286/1998)
- ወጻኢታት ክፍሊት ዑደት ንሕክምናዊ መርመራ ካብ 15 ዩሮ ይጅምር ክሳብ 100 ዩሮ ክበጽሕ እውን ይኽእል። ዝኾነ ይኹን ስራሕ እንተዘብልካን ዓመታዊ እትዋት ድማ ካብ 8000 ዩሮ ንታሕቲ ኮይኑ፡ ሕክምናዊ ወጻኢታት ወይ ኣፋውስ ፡ ጠለብ ምቁራጽ ወጻኢታት ምቅራብ ይግባእ። ምቁራጽ ክፍሊት ድማ ብመሰረት እትነብረሉ ቦታ ምርኩስ ብምግባር ክወሃብ ይኽእል።
ገለ ጠቀምቲ ናይ መራኸቢ መስመራት
Centro Agape /ቸንትሮ ኣጋፐ-ፒያሳ ስ. ቺያራ 10, ፓለርሞ ተሌ. 091/327986 *Poliambulatorio Ippocrate (http://www.caritaspalermo.it/index.php?option=com_content&view=article&id=90&Itemid=80%E2%8C%A9=it)
ሓደጋ ህጹጽ እዋን ኣብ ፓለርሞ- Emergency in Palermo – 2/A, Via Alagna Giacomo; Palermo; Phone 091 6211368, 091 6211269
Emergency Via Gerolamo Vida 11, ሚላኖ/Milano phone 02881881 email: info@emergency.it
MEDU (Medici per i Diritti Umani) – ሮማ/Roma Via dei Zeno, 10 phone 0697844892 mobile 3343929765 email: posta@mediciperidirittiumani.org www.mediciperidirittiumani.org
MSF (Medici Senza Frontiere) Via Magenta 5 – ሮማ/Roma phone 0688806000 email: msf@msf.it
ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ /Croce Rossa Italiana free number: 800166166 website www.cri.it email: urp@cri.it
ምንጭታት
http://www.sprar.it/wp-content/uploads/2018/03/Dossier-TUTELA-DELLA-SALUTE-2018.pdf
http://www.asylumineurope.org/reports/country/italy/reception-conditions/health-care
http://www.sprar.it/wp-content/uploads/2016/06/Guida_pratica_per_titolari_di_protezione.pdf