Employment in Italy
ስራሕ ኣብ ኢጣልያ
ኣብ ኢጣልያ ዝኾነ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ኣባል ናይ ስራሕ ውዕል(“contratto di lavoro”) ክህልዎ የድሊ። እቶም ክልተ ናይ ውዕል ስራሕ ዓይነታት ድማ ነባሪ ናይ ስራሕ ውዕል (“contratto a tempo indeterminato”) ከምእውን ግዝያዊ ናይ ስራሕ ውዕል (“contratto a termine” ከምእውን “contratto a tempo determinato”) ተባሂሎም ይፍለጡ። ናይ ስራሕ ውዕል ብልምዲ ኣብ ሞንጎ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝህሉ ርክባትን ዝርዝር ሓበሬት ብዛዕባ ስራሕን ይገልጽ። መብዛሕትኦም ውዕላት ስራሕ ናይ ስራሕ ዓይነት፣ ደሞዝ፣ ሓፍነትን ግቡኣትን፣ ኣብ ግዜ ሕማምን ዕረፍትን ዝህሉ ኣገባባት ከምእውን ካልኦት ናይ ምልክታ ግዚያትን ስራሕ ምቁራጽ ግዜን ኣጠቃሊሉ ይርከብ።
እዞም ክልተ ናይ ስራሕ ውዕል ዓይነታት ብሓፈሻዊ ሕግታት ናይ ኢጣልያ ሲቪካዊ ዓንቀጻት ይግዝኡ። ነባሪ ናይ ስራሕ ውዕል ክፉት ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣለዎ ፡ ንኣስራሒ ድማ ብዝላዓለ ደረጃ ውሕስነት ካብ ካልኦት ዓይነታት ውዕላት ስራሕ ኢጣልያ ይህቦ።
ግዝያዊ ውዕል ስራሕ ክሳብ 36 ኣዋርሕ ግዜ ገደብ ኣለዎ፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ክዝርጋሕ ይኽእል።ኣሃዛዊ ገደብ ስራሕ ብሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ(NCAs) ይዳሎ ። ብሕጊ መሰረት ድማ እዚ ብሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝዳሎ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ውዕል ካብ 20 % ሓይሊ ስራሕ ናይ ነባሪ ናይ ስራሕ ውዕል ክሓልፍ ኣይግባእን። ናይ ውሱን ግዜ ውዕል ስራሕ ኣብ ግዜ ግጭት ወይ ናይ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ጃምላዊ ምስጓግ ሰራሕተኛታት ግዜ ብካልእ ስራሕተኛታት ክትካእ ኣይግባእን።
ናይ ትርፊ ግዜ ውዕል ብጽሑፍ ክሰፍር ይግባእ ፡ብተወሳኺ ናይ ስራሕ ሰዓታት እውን ክገልጽ ይግባእ፡(ንኣብነት ፡ ብመዓልቲ ፣ ሰሙን፣ ወርሒ ወይ ዓመት)። ብልምዲ ናይ ክፍሊትን ካልኦት ነገራት ምስቶም ናይ ሙሉእ ግዜ ስራሕ ዝሰርሑ ክሳኔ ይግባእ። ኣስራሒ ብተወሳኺ ኣብ እዋን ስራሕ “clausole elastiche” (elastic clauses) or “clausole flessibili”ግዜ ሰዓታት ክውስኽ ሰዓታት ስራሕ ክቀያይር ይኽእል።
ኣብ ኢጣላያ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ናይ ሓባር ውዕላት ስራሕ ኣለዉ መብዛሕትኦም ኣስራሕቲ ድማ ይጥቀምሎም።
ውልቃዊ ናይ ስራሕ ውዕል ናይ ሰራሕተኛ ምድብ ስራሕ ብመሰረት ናይ ኢጣልያ ሲቪካዊ ዓንቀጽ ይገልጽ።
ኣብ ኢጣልያ ኣርባዕተ ምድባት ሰራሕተኛታት ይርከቡ፡
ፈጻሚ ኣካል/“Dirigente”
ማእከላይ ኣካያዲ ስራሕ/“Quadro”
ጻዕዳ መለለይኡ ሰራሕተኛ“Impiegato”
ሰማያዊ መለለይኡ ሰራሕተኛ/“Operaio”
ንዝያዳ ሓበሬታ ዝስዕብ ሊንክ ተወከስ/: http://www.britishinitaly.com/italian-employment-contracts/
ናይ ስራሕ ግዝያት
ብመሰረት ሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ (NCAs) ሰሙናዊ ናይ ስራሕ ሰዓታት ካብ 40 ሰዓታት ዝወሓደ ይኸውን። ሰራሕተኛታት ድማ ሰሙናዊ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይህልዎም (ብልምዲ ድማ ሰንበት)።
ፍሉይን ግዝያዊ ናይ ስራሕ ንጥፈታት ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ወይ ኣብ ግዜ በዓላት ክሰርሑ ክጥለቡ ይኽእሉ። ልዕሊ ግዜ ስራሕ ማለት ካብ ሰሙናዊ ኣርባዓ ሰዓታት ዝያዳ ክሳብ 8 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ወይ ድማ ዓመታዊ 250 ሰዓታት ተወሳኺ ዝስራሕ ሰዓታት ይኸውን። ሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ንናይ ትርፊ ግዜ ስራሕ ተወሳኺ ክፍሊት ክህሉ ከምዘለዎ ይገልጽ፡ ሓድሓደ እዋን ድማ ኣብ ክንዲ ክፍሊት ተወሳኺ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ብምሃብ ይፍጸም። ፈጸምቲ ሰራሕተኛታት ሕግታት ናይ ስራሕ ብፍላይ ድማ ሰዓታት ስራሕ ኣይምልከቶምን።
በዓላትን ናይ ዕረፍቲ ግዝያትን
ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ቀዋሚ ዓመታዊ ዕረፍቲ 4 ሳምንታት እዩ። እቲ ሕጊ ብዘቀመጦ መሰረት እተን ክልተ ሳምንታት ናይ ዕረፍቲ ኣቀዲሙ ክውሰድን እቲ ዝተረፈ ክልተ ሳምንታት ድማ ኣብ 18 ኣዋርሕ ምስ ዝቅጽል ዓመት ስዒቡ ክውሰድ ከምዝከኣል ይሕብር።
ንቀዋሚ ዓመታዊ ዕረፍቲ ብዝምልከት ሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ (NCAs) ግድምናን ኣበርክቶ ኣብ ስራሕን ኣብ ግምት ብምእታው ተወሳኺ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከምዝህሉ ይሕብር።
ስራሕ ደው ኣብ ዝብለለሉ እዋን ድማ ሰራሕተኛ ዘይተጠቀመሉ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣብ ግምት ዘእተወ ክፍሊት ደሞዝ ክሓትት መሰል ይህልዎ።
ዕረፍቲ ብምኽንያት ሕማም
ነፍስወከ ሰራሕተኛ ናይ ሰለስተ መዓልታት ክፍሊት ዝህልዎ ዕረፍቲ ብምኽንያት ሕማም ይህልዎ። INPs ዝተባህለ ኣካል ምምሕዳር ድማ መተካእታ ክፍሊት ካብ 4 መዓልቲ ሕማት ጀሚሩ ክሳብ መበል 180 መዓልቲ የዳሉ። ገለ ለገስቲ ናይ ሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣካላት ድማ ክሳብ 100% ናይ ደሞዝ ድጎማ ማሕበራዊ ውሕስነት ንሰራሕተኛ ከምዝህሉ ይገብሩ። ሰራሕተኛ ኣብ ግዜ ሕማም ኣብ ዝህልወሉ እዋን ውዕል ስራሕ ይድስክል ውሕስነት ኣስራሒ ድማ ዝተሓለወ ይኸውን። ብተወሳኺ ኣስራሒ ቅድሚ እቲ ዝህሉ ናይ ሓባር ውዕል ስምምዕ ስራሕ ንሰራሕተኛ ክሰጉግ ኣይክእልን።
ዕረፍቲ ኣደነት
ነፍሰ ጹር ደቀንትዮ ሰራሕተኛታት ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይህልወን ፡እዚ ድማ ክልተ ኣዋርሕ ቅድሚ ምሕራስን ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ድሕሪ ምሕራስን ይኸውን። እተን ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ግዜ ዕረፍቲ ክሳብ ሰውዓተ ኣዋርሕ ክዝርጋሕ ይኽእል ምኽንያቱ ኣብ እዋን ስራሕ ዝኾነ ሓደጋ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ክህሉ ስለ ዝኽእል ይኸውን። INPs ዝተባህለ ኣካል ድማ ደሞዝ ድጎማ ማሕበራዊ ውሕስነት ብምኽንያት ኣደነት ከምዝህሉ ይገብር ፡ ብተወሳኺ ድማ ግድምና የውሕስ።
ደሞዝ
ኣብ ናይ ኢጣልያ ቀዋሚ መግለጺ ናይ ደሞዝ የለን።
ዝኾነ ተወሳኺ ንሰራሕተኛ ኣብ ውሽጢ ናይ ስራሕ ዝምድና ዝወሃብ ካሕሳ ከም ደሞዝ ይቁጸር፡ (ዝኾነ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ወጻኢታትን እትዋት ግብርን ኣየካትትን)። ሕጊ ኢጣልያ ቀዋሚ ዝተሓተ ዶሞዝ ኣይገልጽን ፡ እንተኾነ ግን ፡ ብሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ መሰረት ደሞዝ ኣብ ደረጃ ውዕል ዝተመርኮሰ ኣብ ነፍወከፍ ጽላት ይህሉ።
ዝተሓተ ናይ ደሞዝ ክፍሊት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ይግለጽ፡ እንተኾነ ግን እዚ መግለጺ እዚ ን3% ናይ ሰራሕተኛታት የካትት።
ብተወሳኺ ሕጊ ኢጣልያ ናይ ደሞዝ ተወሳኺ ክፍሊት ኣይገልጽን ፡ እንተኾነ ግን ፡ ብመሰረት (NCAs) ገለ ናይ ኣበርክቶ ዝያዳ ክፍሊትን (“premio di risultato”) ውልቃዊ ናይ ዝያዳ ኣበርክቶ ክፍሊትን የዳሉ።
ቀወምቲ ድጎማታት ብሕጊ ዝተደንገጉ ኣይኮኑን፡ ትካል (NCAs) ግን ናይ መጓዓዝያ ድጎማን ካልእ ድጎማታትን የዳሉ።
ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ናይ ክፍሊት ካላንደር 12 ኣዋርሕ ዘይኮነ 13 ኣዋርሕ እዩ። እቲ ናይ መበል 13 ወርሒ ክፍሊት (“la tredicesima”) ምስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ደሞዝ ብተወሳኺ ይኽፈል።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ድማ ትካል (NCAs) ኣብ ወርሒ ሰነ ዝኽፈል ናይ መበል 14 ወርሒ ክፍሊት ከምዘለዎ ይግለጽ።
ግዜን ሕሳብን ኣከፋፍላ ደሞዝ ድማ ብመሰረት ኣገባብ ናይ ትካል (NCAs) ምልክታ ግዜ ፣ ካሕሳ ኣብ እውን ሕማም ኣብ ግምት ብምእታው ይኽፈል።
ኣብዚ ክግለጽ ዘለዎ ጉዳይ ድማ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታት ናይ ምቁራጽ ክፍሊት (“Trattamento di Fine Rapporto – TFR”) ክኸፍልዎም ከምዝግባእ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ድማ ናይ 1/13.5 ዓመታዊ ናይ ጠቅላላ ክፍሊት ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ስራሕ ኣብ ዝቋረጸሉ ግዜ ክኸውን ይግባእ። ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ሰራሕተኛ ምእላይ ቅድሚ ካልእ ስራሕ ምርካቡ ገንዘባዊ ሃጓፍ ከኸትል ስለዝኽእል እኩብ ናይ ካሕሳ ክፍሊት ክዳለወሉ ይግባእ።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ሰራሕተኛ ኣቀዲሙ ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጠለብ ምቅባል ገንዘብ ኣቅሪቡ ክኽውን ይኽእል ፡( ገዛ ንምግዛእ ወይ ብጥዕናዊ ምኽንያት)። ካብ ጥሪ ዓመተ 2017 ጀሚሩ ኣብ ኢጣልያ ነፍስወከፍ ሰርሕተኛ ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ንኣስራሒ ዝኾነ መደብ ገንዘብ ምውፋር ኣብ TFR እንተደኣ ክህልዎ ዝደሊ ኮይኑ ፡ ወይ ድማ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ጥሮታ ክፍሊት ክኽፈል ዝደሊ ኮይኑ ክሕብር ከምዝግባእ ይገልጽ።
መሰል ስራሕ
ወናኒ ናይ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ናይ ዑቅባ ሓለዋ ቅርጽታት እንተደኣ ኮንካ ፡ ማለት ዓለምለኻዊ ዑቅባ፣ ዓይነታዊ ሓገዝ ዑቅባ፣ ሰብኣዊ ዑቅባ ዕድል ስራሕ እንተላይ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ይህልወካ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዕድል ስራሕ ኣብ ህዝባዊ ትካላትታብ ዝተወሰኑ ደረጃ ኣብ መዝነትን ሓላፍነት ናይ ውሕስነት ሓፈሻዊ ጥቅሚ ናይ ሃገር ዘየካተት ይኸውን።
ከም ተጠቃሚ ናይ ዑቅባ ሓለዋ ማዕረ ዜጋታት ኢጣልያ ኣብ ጉዳያት ስራሕ ፣ ባዕላዊ ስራሕ ፣ ምቅራብ ጠለብ ናብ ሞያውያን ትካላት፣ ሞያዊ ስልጠና ፣ ናይ ምሕዳስ ሞያ ስልጠናታትን፣ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝወሃቡ ስልጠናታትን ኣብ ማእከላት ዕዮ ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ዕድላት ይህልወካ/ኪ።
ጠለብ ዑቅባ ካብ ዘቅረብካሉ ሰለስተ ወርሒ ስራሕ ምጅማር ትኽእል። ብፍሉይ ድማ ግዚያዊ መንበሪ ረኺብካ ኣብ C3(ሕጋውነት ጠለብ ዑቅባ ንዓለም ለኻዊ ካብ ዝጸደቀሉ እዋን ጀሚሩ) ካብ ዝመላእካሉ እዋን ኣትሒዙ ስራሕ ምስራሕ ምጅማር ይከኣል።
ብተወሳኺ LD 142/2015 ብዘስፈሮ ሕጊ መሰረት ኣብ ማእከላት SPRAR ዝቅመጡ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ናይ ህዝባውያን ማሕበራት ክሳተፉ የኽእሎም። ማእከል SPRAR ስርዓቱ ዝሓለወ ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ መደብ ኣዳልዩ ይርከብ። ብሓፈሻ ሓተትቲ ዑቅባን ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባት ኣብ ስርዓት SPRAR ዝርከቡ፡ ኣብ መስርሕ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ብውልቃዊ ፕሮጀክታት ኣብ ሞያዊ ስልጠናን ኢንተርንሽፕ መደባት ክሳተፉ ይኽእሉ።
ምምሕዳራት ከተማ ብተወሳኺ ሓላፍነት ምወላ ናይ ሞያዊ ስልጠናን ኢንተርንሽብን መደባት (“borse lavoro”) ወሲዶም ይንቀሳቀሱ። እዚ ዝተጠቅሰ ምወላ ብማዕረ ንዜጋታት ኢጣልያን ስደተኛታትን ፡ሓተትቲ ዑቅባን፣ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባትን ዝዳሎ ይኸውን። እዚ ናይ ሞያዊ ስልጠና መደባት ኣብ መንግስታዊ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ምስ ዝህልዉ ብተዛማዲ ውሱን ክኸውን ይኽእል።
ንወጻእተኛታት ዝተዳለዉ ኣገልግሎታት ዕዮን ፕሮጀክታትን እዞም ዝስዕቡ ዘካተተ ክኸውን ይኽእል፡ ሓገዝ ንባዕላዊ ምጅማር ስራሕ፣ ትምህርታዊ ስልጠና፣ መምርሒ ስራሕ፣ ሓገዝ ምእላይ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ መተባብዒ ምቊጻር ንስራሕ፣ ዕድል ንሃገራዊ ልቃሕ ብዞባ ደረጃ፣ ምዝማድ ቀረብን ጠለብን፣ ንጥፈታት ዳግመ ምቊጻር ንስራሕ፣ ዝተወሰኑ ተበግሶታት ብዞባዊ ደረጃን ብደረጃ መበቆል ሃገርን ዝኣመሰሉን እዮም። እንተደእ ኣብ ኢጣልያ ባዕላዊ ምጅማር ወይ ናይ ፈጠራ ስራሕ ምቁቋም ተደልዩ ከም ስደተኛ ሓገዛት ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ማሕበራት መርበባት ኣገልግሎታት ስራሕ፣ ናይ ግሊ ትካላትን ቤት ምኽሪ ንግድን ምርካብ ይከኣል። እዞም ዝተጠቅሱ ትካላትን ሰብ መዝን ኣብ ምኽርን፣ መምርሕን፣ ሌላን፣ ኣገልግሎት ስልጠናን፣ ናይ መተባብዒ ተበግሶታት ምቅልጣፍን ፣ መበገሲ ገንዘብን ንኡስ ልቃሕን ጉዳያት ሓገዛት ከቅርቡ ይኽእሉ።
ንዝያዳ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ ሊንክ ተኸተል፡ http://www.integrazionemigranti.gov.it/Documenti-e-ricerche/Italy-AHR_LMIntegrationOfAsylumSeekers_RefugeesMay2016_Final.pdf
ማሕበራት ሰራሕተኛታት
ኣብ ኢጣልያ ዝበዝሑ ማሕበራት ሰራሕተኛት ካብ መላእ ሕብረት ኣውሮፓ ዝርከቡ ማሕበራት ንላዕሊ ይርከቡ። እንተኾነ ግን ፡ሓደ ስልሲት ናይ ኩሎም ማሕበራት፡ ናይ ጥሮተኛታት ማሕበራት እዮም። ሰለስተ ዓበይቲ ማሕበራት ድማ ይርከቡ፡ – CGIL, CISL and UIL – ይበሃሉ፡ ቀንዲ ፍልልያቶም ድማ ኣብ ፖሊቲካ ዝተሞርከሰ ኮይኑ ምስ ግዜ ግን እንዳ ሃሰሰ ከምዝመጸ ይግለጽ።
እዞም ሰለስተ ማሕበራት ብመንገዲ ኢንዱስትርያዊ መሰረት ዝተወደቡ ኮይኖም፡ ዝተፈላለየ ማሕበራት ኢንዳስትሪ ኣለዎም። እሳቶም ድማ ስራሕ ውጽኢት ሓጺን፣ ህዝባዊ ትካል፣ ተሌኮሚኒኬሽን፣ ህንጻን ዝኣመሰሉን እዮም። ካብ ኣፍረይቲ ትካላት፡ CGIL እቲ ዝዓበየ ዝሓየለን ካብቶም ሰለስተ ማሕበራት (CISL ከምእውን UIL ) እዩ። ኣገዳስነት ናይ ናጽነት ናይ ኢንዱስትርያዊ ፈደራሽን ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ (FIOM)ዝተባህለ ናይ ውጽኢት ሓጺን ትካል ናይ (CGIL) ዓቢ ተራ ይጻወት፡ -ንዝያዳ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ ሊንክ ተኸተል፡
http://www.cgil.it/Tesseramento/
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ሕቶን መልስን
ውዕል ልምምድ ስራሕ እንታይ ማለት እዩ?
ውዕል ልምምድ ስራሕ ንኣላይ ዘይብሉ ናይ 16 ዓመት ዕድመ ህጻን ኣብ ትካል ስልጠና መንእሰያት ንኣስታት 240 ስዓታት ኣብ ዓመት ኮይኑ ንዝስልጥነሉ ሞያ ድማ ምስ ዝወሃቦ ሞያዊ ብቅዓት ንክዛመድ ተባሂሉ ዝወሃብ ስልጠና እዩ። ነዚ ዝተጠቅሰ ስልጠና ብዝምልከት ሓገዝ ንምርካብ ናብ ዞባዊ ማእከል ዕዩ ብኣካል ምኻድ የድሊ።
ናይ ዞባዊ ማእከል ዕዮ እንታይ ማለት እዩ?
እዚ ቤት ጽሕፈት ናይ ቀረብን ጠለብን ስራሕ ዘዳሉን ፣ ሞያዊ ስልጠናታት ዘዳሉን፣ ስልጠናታት ብቅዓት ስራሕ ዝህብን ምኽርን ሓገዛት ንምድላው ኣካድያምያዊ ሰነድ ማለት CV ዘዳሉን ዝህብን ትካል እዩ።
ኣካዳምያዊ ሰነድ ማለት CV እንታይ እዩ?
እኹል ዝርዝር ብቅዓትን ናይ ስራሕ ክእለትን፣ ሞያዊ ተመክሮን ዝሓዘ ሰነድ እዩ።
ኣብ ዓመታት ዝተእከበ ውህሉል ተመክሮ ኮይኑ ናስራሒ ቅድሚ ንስራሕ ምቊጻርካ ብዛዕባ ኻለትካን ተመኩሮኻን ሓበሬታ ይህብ።
ንምንታይ ኣብ ዞባዊ ናይ ሰራሕተኛታት ቤት መዝገብ ምምዝጋብ የድሊ?
ምዝገባ ኣብ ዞባዊ ቤት መዝገብ ሰራሕተኛታት ብዞባዊ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይፍጸም። ስራሕ ኣብ ኢጣልያ ንምርካብ ድማ ይሕግዝ። እቲ ምዝገባ ሓበሬታ ብዛዕባ ውልቃዊ ሰነድን ናይ ስራሕ ተመክሮን ይኸውን። ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ንምዃን መለለይ ካርድ (መንበሪ ፍቃድ) ናይ ግብሪ ኮድን ድልውነት ንስራሕን ሞያዊ ክእለትን ምግላጽ የድሊ።
ኣብ ዞባዊ ናይ ሰራሕተኛታት ቤት መዝገብ ምምዝጋብ እንታይ ጥቅምታት ይህልዎ?
ምዝገባ ኣብ ዞባዊ ቤት መዝገብ ሰራሕተኛታት ብዞባ ደረጃ ዝህሉ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምጥቃም ይሕግዝ።ቀንዲ ካብኡ ድማ ምልክታታት ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ዕድላት ክትሳተፍ የኽእል። ንስንክልና ዘለዎም ሰባት እውን ምዝገባ ግዴታዊ ኮይኑ ንዝህልዉ ናይ ሞያዊ ስልጠናታት ዕድላት ኣብ ምልልላይን ኣገደስቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ፖሊሲታት ስራሕን ምኽርን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ የኽእሎም።