Social life and leisure in Croatia
ኣብ ክርዋትያ ዝርከቡ ማሕበራትን ምንቅስቃሳቶምን እንታይ ይመስል?
ኣብ ክርዋትያ ዝበዝሓ ሲቪካውያን ማሕበራት ናይ ስፖርት ማሕበራት ኮይነን ኣብ መዳይ ባህሊ፣ ቁጠባ፣ ተክኖሎጂ፣ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ጥዕና፣ ሰብኣዊ ኩነታትን፣ ከባብያዊ ሳይንስን ሓለዋ ህጻናትን መንእሰያትን ስድራቤታዊ ህይወትን ዝነጥፋ ማሕበራት እየን። ብተወሳኺ ማሕበራት ናይ ወታሃደራት ነበርን ግዳያት ኲናትን እውን ይርከባ።
ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ንጥፈታተን ወለንተኛታት የካትታ። ወለንተኛታት ማለት ፡ ዜጋታት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ዝዋስኡ ሰባት እዮም። ዝኾነ ዘካይድዎ ንጥፈት ኣብ ናቶም ድሌትን ነጻ ግዜን ተበግሶን ይምርኮስ።
ብወገንካ እውን ኣብቲ ናይ ሲቪካውያን ማሕበራት ንጥፈታት ክለባትን ክትሳተፍ ትኽእል።ገለ ካብኣቶም ኣብ ፕሮጀክትታት ሕብረተሰባዊ ምጽንባርን ምውህሃድን ንምሕጋዝ ስደተኛታትን፣ ሓተትቲ ዑቅባን፣ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ዝተዋህቦም ሰባትን ይነጥፉ። ዕድላት ንሕብረተሰባዊ ምውህሃድን፣ ባህላውን፣ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን ናይ ምልመላ ስልጠናታትን ተምክሮ ወለንተኛታትን ይህቡ። ብወገንካ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ንጥፈታት ከም ሓለዋ ከባቢ፣ መሰል ደቀንስትዮ፣ መሰል ህጻንት፣ ስፖርት፣ ሳይንስ፣ ባህላውን ስነጥበባዊ ጉዳያት ክትሳተፍ ትኽእል።
ኣብ ክርዋትያ ናይ ስደተኛታት ወይ ወጻእተኛታት ማሕበራት ኣለዋ ዶ?
ብሓፈሻ ኣብ ክርዋትያ ኣብ መዳይ ስደተኛታት ወይ ወጻእተኛታት ተበግሶ ወሲደን ዝንቀሳቀሳ ማሕበራት ወይ ብሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ዝቖማ ማሕበራት የለዋን። ዝበዝሓ ማሕበራት ብሓባር ምስ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ይዋሰኣ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ብተበግሶ ገለ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይረእዩ ኣለዉ።ገለ ካብዞም ተበግሶታት ድማ ፡ባዕላዊ ስራሕ ኣብ ባህሊ፣ ትምህርቲ ዝተሞርኮሱ ክይኖም ኣብ ምልላይ ሽግራት ስደተኛታትን መፍትሕን ገለ ካብቶ ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት እዮም።
ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ኣብ ክርዋትያ፥(http://dah.hr/) ፡ናይ ኣአሪቃ መበቆል ዘለዎም ሰባት ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድን ምጽንባርን ይነጥፍ፡ እዚ ድማ ንምክልኻል ናይ ተነጽሎ ስምዒታትን፣ ተነጽሎ ካብ ሕብረተሰብን ዓሌትነትን ኮይኑ ናይ ኣፍሪቃ ባህልን ጥበብን ልምድን ንምድንፋዕ ይንቀሳቀስ።
ጣዕሚ ቤት፥ (https://www.okus-doma.hr/en) ማሕበራዊ ትካል ኮይኑ፡ ሓገዝ፣ ጥምረት፣ ተመክሮ/ፍልጠት ምልውዋጥ መሰረት ጌሩ ዝንቀሳቀስ ዝንቀሳቀስ ኣካል እዩ። ሰባት ፡ዝተፈላለዩ ባህልን ልምድን ዘለዎም፡ ብምእካብ ናይ ምድላው መግቢ፣ ምርኢት ኣሰራርሓ መግብን ናይ ቋንቋ ንጥፈታትን ዝካየደሉ መደባት የዳሉ።
ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታት ንምንታይ ይሳተፍ?
ንሓፈሻዊ ኩነታት ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታት ምስታፍ ኣገዳሲ እዩ። ሓታቲ ዑቅባ ኮንካ ኣብ እዋን ምጽባይ ውሳኔን ዓለም ለኻዊ ዑቅባ ክሳብ ትረኽበሉ ግዜ ፡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ስለ ዝኽእል፡ ምስታፍካ ኣዝዩ ጠቃሚ ይኸውን።
ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣብ ክርዋትያ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ከም፡ ስፖርት ፣ ናይ ፈጠራ ሞያ (ስነጥበብ፣ ሙዚቃ፣ ኢደ ጥበብን)፣ ወይ ድማ ትምህርትን የዳልዉ። ኣብ ክርዋትያ ሕጋዊ መንበሪ እንተደኣ ኣሎካ ፡ንህዝቢ ክፉት ዝኾኑ ኩሎም ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን ወለንተዊ ምዃንን ዕድላት ይህልወካ።
ብርግጽ ፡ ኣብዞም ንጥፈታት ንምስታፍ ትብዓት የድሊ፡ ንኣብነት ናይ ቋንቋ ጸገም ኣብ ምስታፍ ጥርጣረታት ክፈጥር ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ምስታፍ ናይ ቋንቋ ክርዋታያ ልምድን ክእለትን ንኸተሕድር ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ይኽእል።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን/Further information & links
ማሕበር | ክህቦ ዝኽእል ሓገዛት | ዝርከበሉ ኣድራሻ/Contact |
ማእከል ተሃድሶ ካብ ጭንቀትን ስንባደን/RCT- | – ስልጠና ቋንቋ ክርዋትያ – ማሕበረ ጥዕናዊ ሓገዝ – ሓገዝ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ | |
ማእከል ሕጊ ክርዋትያ | – ናይ ሕጊ ሓገዝ | |
ቀይሕ መስቀል ክርዋትያ(ክፍሊ ዑቅባን ስደትን) | – ሓገዝ ኣብ ትምህርታዊ መጽናዕቲ ፣ዕድጊ ናይ መጽሓፍትን፣ ኣልባሳትን፣ ኣፋውስን፣ መግብን፣ ኣባልነት ኣብ ቤት ንባብን፣ ክለባትንናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ገንዘብ፣ ናይ ቤት ኣቊሑን – ሓገዝ ኣብ ምውህሃድን ምጽንባርን ደቀንስትዮን ህጻናትን | |
ማእከል መንእሰያት ንሞያዊ ስርሓት/STATUS M- | – ሓገዝ ንደቂ ተባዕትዮን ሰብኡትን ንምፍጣር ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ሕብረተሰብ | |
ማእከል መጽናዕቲ ንሰላም/CMS | – ሓገዝ ንሕብረተአሰባዊ ምውህሃድ – ሕጋዊ ሓገዝ – ባህላዊ ዓውደ መጽናዕቲ | |
ማእከል ጾታዊ መሰላት/Ženska | – ሕክምናውን ሕጋውን ስነኣእምራዊ ምኽርታት – ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕናን መሰላትን | |
ልኡላዊ ባህላዊ ማእከል/ATTACK! | – ምስታፍ ኣብ ኮንሰርት፣ ምርኢት፣ ልዝብን – ሓገዝ ኣብ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ | |
ጀስዩት ኣገልግሎት ንስደተኛ/JRS | – ናይ ሕብረተሰባዊ ምውህሃድ ዓውደ መጽናዕቲ ንደቀንስትዮ – መጻወቲ ክፍልታት ንህጻናት – ክፍሊ ኮምፒተር/“Computer room” – /ዓውደ መጽናዕቲ ሙዚቃን ሳዕሳዒትን – ስልጠና ቋንቋ ክርዋትያ | |
Biciklopopravljaona (BicPop) – | – ደገፍን መሳርሕን ንምጽጋን ሽግለታ – ወለንተኛ ምዃን – ትምህርቲ ግብራዊ ክእለት | http://biciklopopravljaona.zelena-akcija.hr/p/english-about-us.html |
ኣር ዩ ሲርዮስ/Are you Syrious | – ሓበሬታን ሓገዝን – መግብን ኣልባሳትን – ሓገዝ ንትምህርታዊ መጽናዕቲ ህጻናት | |
ኡድሩጋ ፕራክትኩም/Udruga Praktikum | – ዓውደመጽናዕቲ ስነጥበብ፣ ሙዚቃ፣ ድራማ፣ ፊልም | |
ወለንታዊ ማእከል ኦስየክ | – ክትሳተፎ ትኽእል ወለንታዊ ንጥፈታት | |
/Hrvatsko planinarsko društvo Zagreb | – ናይ ጎቦ ጉዕዞን ዑደትን – ትምህርቲ ሃይኪንግ | https://zagreb-matica.hr/index.php/o-nama/o-drustvu-opcenito |
ክለብ ኲዕሶ እግሪ “ዛግረብ 041“ | – ቤት ትምህርቲ ኲዕሶ እግሪ | http://www.nkzagreb041.hr/o-klubu-about-the-club/o-klubu-about-the-club |
መርበብ መንእሰያት ክርዋትያ | – ስልጠና፣ ሓበሬታን ትምህርትን ንመንእሰያት |
ሕቶን መልስን
እንተደኣ ቋንቋ ዘይዛረብ ኮይነ ኣብ ዝህልዉ ንጥፈታት ክሳተፍ ይኽእል ዶ?
ኣብቶም ዝህልዉ ንጥፈታት ንምስታፍ ኣየናይ ማሕበር ነቲ ንጥፈት ከምዘካይድ ኣድላይ ኮይኑ ንገለ ካብኡ ድማ ውሑድ እንግልዝኛ ምዝራብ ኣኻሊ ይኸውን። ንካልኦት ንጥፈታት ግን መሰረታዊ ቋንቋ ክርዋትያ ኣድላይ ይኸውን።እንተደእ እታ ማሕበር ተርጓሚ ዘዳለወት ኮይና ምዝራብ ቋንቋ ክርዋትያ ወይ እንግልዝኛ ኣድላይ ኣይከውንን። እንተኾነ ግን ቋንቋ ክርዋትያ ምምሃርን ምምላኽን ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት ብኩሉ መዳይ ንምስታፍ ሓጋዚ ይኸውን።
ወለንታዊ ተሳትፎ እንታይ ማለት እዩ፡ ንምንታይ ከ ይጠቅም?
ወለንታዊ ተሳትፎ ማለት ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ምውሳእን ምግልጋልን ማለት እዩ። ወለንታዊ ሱታፌ ዝተፈላለዩ ክእለትን፣ ፍልጠትን፣ ከምእውን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምልላይን ይጠቅም። ቋንቋ ብቅልጡፍ ንምምሃርን ንምምላኽን እውን ይሕግዝ፡ ኣብ ከተማ ብቀሊሉ ንምንቅስቃስን ምውሳእን እውን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ። ብተወሳኺ ፡ ስራሕ ብቀሊሉ ንምርካብ `ውን ሓጋዚ ይኸውን።
ሕብረተሰባዊ ምውህሃድን ምጽንባርን እንታይ ይመስሉ?
ሕብረተሰባዊ ምውህሃድን ምጽንባርን ማለት ምውህሃድን ምስታፍን ኣብ ሕብረተሰባዊ ህይወት ናይ ትነብረሉ ከባቢ ህዝቢ ወይ ኮሚኒቲ ማለት እዩ።እንተደኣ ሓደ ሰብ ከምዝተጸንበረን ዝተወሃሃደን ተሰሚዕዎ ፡ ናይ ሕብረተሰብ ባህልን ቅዲ ህይወትን ምቅባልን ምንባርን ማለት ይኸውን። ቋንቋ ምምሃርን ወለንታዊ ተሳትፎ ምክያድን ኣብዚ መዳይ ኣዝዩ ሓጋዚ ይኸውን።