Public transport in Croatia

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ክርዋትያ » Public transport in Croatia

ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ክርዋትያ ስሩዕ መስመራት ኣብ ሞንጎ ከተማታት ይሽፍን። ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝውቱራት ዓይነታት ህዝባዊ መጓዓዝያ እዮም። እዞም ዝተጠቅሱ መጓዓያታትታ ኣብ ንናይ ውሽጢ ሃገርን ግዳምን ክትጥቀመሎም ይከኣል። እዞም ክልተ መንገድታት መጓዓዝያ (ኣውቶቡሳትን ባቡራትን) ንተማሃሮን፣ ዓበይትን፣ ስራሕ ዘይብሎምን ወዘተ ናይ ምጒዳል ዋጋ ሓገዛት ይገብሩ።

ባቡር

ኩሉ ሓበሬታ ብዛዕባ መስመራት ባቡር (ናይ ግዜ ሰሌዳን መርበብ ካርታ ባቡርን) ኣብ ክርዋትያ ኣብዚ፡ https://prodaja.hzpp.hr/en ክርከብ ይከኣል። ቲኬት ናይ ባቡር ኣብ መደበራት ባቡር ክትገዝእ ይከኣል። እንተደኣ ቤት ጽሕፈት ባቡር ክፉት ዘይኮነ (ብፍላይ ኣብ ነኣሽቱ ከተማታትን መደበራትን) ፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ክትገዝእ ይከኣል፡ እንተኾነ ግን ዋጋ ዝያዳ ካብቲ ናይ መደበራት ስለዝኾነ ብፍላይ ድማ ናይ ቲኬት ቤት ጽሕፈት ክፉት እንተኾይኑ ጥንቃቀታት የድሊ።ካብ ሃገር ወጻኢ /ዓለምለኻዊ መስመራት እውን ኣሎ።

ኣውቶቡስ

ኣብ መላእ ሃገር ስሩዕ መስመራት ኣውቶቡስ ኣብ ነኣሽቱን ዓበይቲ ከተማታትን ኣሎ፡ ብተወሳኺ ዓለምለኻዊ መስመራት እውን ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ተመልከት፡ http://www.akz.hr/en 

ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ከተማታት

ነፍስወከፍ ከተማ ናይ ባዕላ ህዝባዊ መጓዕዝያ ዝርከባ ኮይና ስሩዕን ቀጻልን ናይ ኣውቶቡስን ባቡር ከተማን /ትራም ኣገልግሎት ኣለዋ። ኣብ ዛግረብ፡ ኣቀዲምካ ዝኽፈል ቲኬት (ፕረፕላትና ካርድ) ፣ ዕቁብ ዋጋ ቲኬት(ቪዮድኖስና ካርታ)፣ ወይ ናይ ሓደ እዋን ንጽል ቲኬት ክትዕድግ ትኽእል። ንጽል ቲኬትን ከምእውን ኣገልግሎቱ ዘብቀዐ ካርድ ኣብ ዝኾነ ቲሳክ ዱካን ክትዕድግን ከትጽዕንን ትኽእል። ካብ መራሕ ኣውቶቡስ ወይ ትራም እውን ቲኬት ምግዛእ ይከኣል ፡ እንተኾነ ግን ፡ ዋጋ ቲኬት ግን ካብ ኣብ ኣውቶቡስ ወይ ትራም ኣብ ናኣሽቱ ዱካናት ከምዝጎድል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ቲኬት ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ http://www.zet.hr/tickets-and-fares/601 ምውካስ ይከኣል።

ንኦስየክ ኣብዚ ተመልከት http://m.gpp-osijek.com/web/index.html

ርየካ: https://www.autotrolej.hr/linije/

ስፕሊት: http://www.promet-split.hr/index.php?option=com_content&task=view&id=20

ዛዳር: http://www.liburnija-zadar.hr/index.php?lang=en