Public transport in Austria

Home » ሓበሬታ ብዛዕባ ኣውስትርያ » Public transport in Austria

ኣብ ኣውስትርያ ህዝባዊ መጓዓዝያ እንታይ ይመስል?

ኣብ ኣውስትርያ ኣዝዩ ምዕቡል ናይ ህዝባዊ መጐዓዝያ ስርዓት ይርከብ። ኣብ ከተማታት ኣውቶቡሳት ትራም/ባቡር ከተማ ይርከባ፡ ኣብ ዋና ከተማ ቪየና ብተወሳኺ ናይ ሜትሮ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይርከብ። እቲ ቀንዲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ናይ ከተማ ቪየና ፡ ስችወቻት ይርከብ። ነኣሽቱ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ኣብ ከተማታት ስላዝቡርግ፣ ኢንስብራክ፣ ግራዝ፣ ሊንዝ ከምእውን ክላገንፉርት ይርከብ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ንምጥቃም እንታይ ከማልእ ይግባእ?

  • ህዝባዊ መጓዓዝያ ጽኑዕ ናይ ግዜ ሰሌዳ ይኽተል። ስለዝኾነ ድማ እተን መጓዓዝያ ፡ኣውቶቡሳትን ፣ ትራማትን ንምጥቃም ናይ ግዜ ሰሌዳ ብምሕላው ኣብ ግዜ ክትርከብን ይግባእ።
  • ቲኬት ድማ ኣቀዲምካ ምግዛእ ይግባእ፡ ቅድሚ ምብጋስ ድማ ትኬት ኣብ ጣብያ ዝርከብ ማሽን ንብቁዕነት ከተህርም ይግባእ። ኩሉ ግዜ ድማ ብቁዕ ቲኬት ከም ዘለካ ምርግጋጽ የድሊ፡ ምኽንያቱ ተኸቲሉ ዝመጽእ ኣዝዩ ልዑል መቅጻዕቲ ስለ ዝኾነ ምጥንቃቅ የድሊ።እንተደእ ቀጻሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ትጥቀም ኮንካ ፡ ንነዊሕ እዋን ከገልግል ዝኽእል ቲኬት(ንኣብነት፡ ንወርሒ ወይ ንዓመት ) ምግዛእ ተመራጺ ይኸውን። ተማሃሮ ፣ሰልጠንቲ ንምሉእ ሰመስተር ወይ ዓመታዊ ከገልግል ዝኽእል ቲኬት ብጎዶሎ ዋጋ ንምግዛእ ጠለብ ከቅርቡ ይኽእሉ።
  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንዓበይቲስንኩላን ከምእውን ነፍሰጹር ደቀንስትዮዝተሓዝኣ መናብር ይርከብ።እዚ ድማ ፍሉይ ምልክታት ይርከቦ።
  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል እዩ። ብተወሳኺ ድማ እንስሳታት ከም ከልቢ ምጽዓን ድማ ሕግታት ይርከቡ ፡ እዚ ድማ መራሕ ገመድ ፣ ናይ ኣፍ መትሓዚ ክህልዎ ይግባእ።

ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ካበይ ክረክብ ይኽእል?

  • ሽግለታ ንውሱን ርሕቀት ምዝዋር ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ መጓዓዝያ ኣብ ኣውስትርያ እዩ። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ሽግለታ ንውሱን ግዜ ብውሑድ ዋጋ ምክራይ ይከኣል።

                        ቪየና/Vienna

                        ግራዝ/Graz

              ስላዝቡርግ/Salzburg

  • መንገዲ ባቡር

ሃገራዊ ናይ መንገዲ ባቡር ትካል፡ ÖBB

ናይ ፈለማ ናይ ባቡር ትካል ኣብ ኣውስትርያ ዌስትባኽን ትበሃል

  • ኣውቶቡስ

ኣውቶቡሳት ኣብ ውሽጢ ኣውስትርያን ናብ ካልእ ናይ ኣውሮፓ ሃገራትን ኣብ ጥቅሚ ይውዕላ።

ሃገራዊ ናይ ኣውቶቡስ ትካል ፖስትባስ/ Postbus: http://www.postbus.at/en/index.jsp

ናይ መጓዓዝያ ቲኬት ኣብ ድኳናት ትምባኾ/ሽጋራ፣ ጣብያታት (ማሽናት ወይ ቤት ጽሕፈት ቲኬት) ምግዛእ ይከኣል። ሓድሓደ እዋን ድማ ካብ መራሕ ኣውቶቡስ ወይ ብኦንላይን/online ምዕዳግ ይከኣል።

  • ጀላቡ

ኣብ ናይ ኣውስትርያ ኣብቲ ዝዓበየ ወሓዚ ሩባ ጀላቡ ምጥቃም ይከኣል፡ካብ ዳኑብ / Danube ናብ ዝተፈላለዩ ናይ UNESCO ዞባ ዋቻው/ Wachau ቦታታት 

  • መስመር ኣውሮፕላን

ሃገራዊ ትካል መስመር ኣውሮፕላን ኦስቲርያን

መኪና ንምምራሕ እንታይ ከማልእ ይግባእ?

ኣብ ኣውስትርያ ዝበዝሑ ሰባት ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነብሩ፡ መኪና ይውንኑ። ሓዳስ መኪና ምዕዳግ ክቡር ስለዝኾነ መብዛሕትኦም ሰባት ኣቀዲመን ኣብ ጥቅሚ ዝወዓላ መካይን ይዕድጉ። እንተኾነ ግን መኪና ንመጓዓዝያ ንምጥቃም፡  ሙሉእ ናይ ምስራሕ ዓቅሚ ዘለዋ መኪና ክትከውን ይግባእ። ዓመታዊ ድማ ብመንግስታዊ ናይ ምርመራ ትካላት ምርመራ ተሽከርከርቲ ይካየድ። ብሓፈሻ መኪና ምውናን ክቡር ዋጋ የኽፍል፡ ምኽንያቱ ወጻኢታት ኢንሹራንስ/ውሕስነት ከም ግብሪ ፣ ነዳዲ ፣ ከምእውን ወጻኢታት ፓርኪንግ ክማላእ ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ መኪና ብሽርክነት ምውናን ዝሓሸ ይኸውን።

ትካላት ሽርክነት መካይን ኣብ ኣውስትርያ

ምጒታት መካይን ኣብ ኣውስትርያ /Car pooling in Austria