If you feel lost in a new country
ኣብ ሓድሽ ሃገር እንተደኣ ኣንፈት ኣጥፊእካ
ምንቅስቃስ ናብ ሓድሽ ሃገርን ሓድሽ ህይወት ምምስራትን ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ገለ እዋን ዝቀርቡልካ ጠለባት ከደናግረካን ከሻቅለካን ይኽእል።ገለ ስምዒታት ናይ ፍሽለት ክስመዓካ ይኽእል። እዚ ኩነታት እዚ ጭንቀት ይበሃል። ጭንቀት ኩለ መዳያዊ ህይወትካ ክጸሉ ይኽእል፡ ገለ ካብኡ ፡ ስምዒታትካን ፣ ጠባይካን፣ ኣተሓስባኻን ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣካላዊ ጥዕናዊ ኩነታትካን ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል።
ካብ መንበሪ ኣብይቶምን ሃገራቶምን ክስደዱ ዝተገደዱ ሰባት ንስንባደን ካልኦት ሽግራትን ዝተቃልዑ ይኾኑ፡ ገለ ካብቶም ናይ ስንባደ ኩነታት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፥ምስታፍ ወይ ኣካል ናይ ኲናት ተዋጋኣይ ምዃን፣ግዱድ ምፍላይ ካብ ስድራቤትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን፣ሞት፣ ምስዋር ናይ ኣባል ስድራቤት ፈታዊ/ፈተውቲ፣ኣካላዊ ጭቆና፣ ስቅያት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእናይ ምፍርራሕ ኩነታትን ወይ ህይወት ኣብ ሓደጋ ምውዳቅን ዝኣመሰሉን እዮም።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ናይ ህይወት ተመክሮታት ስነ ኣእምራውን ኣካላውን ጥዕናዊ ኩነታት ብኣሉታ ክጸሉ ይኽእል። ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና ነገር ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ኩነታት ብናቱ ፍሉይ ኣገባብ ክፈትሖ ከምዝፍትንን እዩ። እንተኾነ ግን ገለ ካብቶም ኣገባባት ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል፥
- ዝሓለፉ ተዘክሮታት እንደገና ምምላስን ከም ኣሰንባዲ ሕልሚ ወይ ብጋህዲ እቶም ስምዒታት ምንባርን ምዝካርን
- ወላኳ ኣብ ውሑስ ኩነታት እንተሃለኻ ኣብ ናይ ፍርሕን ሓደጋን ስምዒታትን ከምዘላኻ ምውሳእ
- ሓሳብን ብዛዕባ ዝሓለፈ ሕማቅ ተመክሮ ምዝራብ ምውጋድን ብፍላይ ካብቶም ዝሓለፉ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት
- ድሌታትካ ኣብ ኣገደስቲ ነገራት ምስኣንን ናይ ተነጽሎ ስምዒታት ምሕሳብን
ሽሕኳ ከበድትንን ኣጨነቅትን ኩነታት እንተኾኑ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ረብሓኻ ከተውዕሎ ይከኣል እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ክኢላ ምውካስን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዘጋጥሙኻ ፈተነታት ንምስዓር ምቅላስን ኣገዳሲ እዩ።
ስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ
ስነ-ኣእምራዊ ሓገዝ እንታይ ማለት እዩ ፡ ንመን የድልዮ?
ስነ-ኣእምራዊ ምኽርን ፍወሳን ማለት ንሰባት ብመንገዲ ዝርርብ ጸገማቶም ንምፍዋስ ወይ ንምእላይ ብክኢላታት ዝግበር ሓገዝ እዩ። እሳቶም ድማ፡ ክኢላ ስነኣእምሮ፣ ሓኪም ጭንቀት፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ካልኦት ሰብሞያን እዮም።ሕክምና ኣእምሮን ምኽርን ሽግራት መዓልታዊ ህይወት ንምፍዋስ ይሕግዙ ፡ ገለ ካብኣቶም ፡ ጽልዋ ናይ ስንባደ፣ ሕክምናዊ ሕማም ወይ ጽምዋ ከም ሞት ፈታውን፡ ካልኦት ናይ ኣእምሮ ምምዝባላትን ፡ከም ጸቅጥን ቁጥዐን ዝኣመሰሉ የጠቃልል። ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምሕታት ማለት ድኹም ኢኻ ወይ ጽሉል ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ስነኣእምራዊ ሕክምና ንዝኾነ ተራ ሰብ ሽግር ከጋጥሞ ከሎን ኣብ ግዜ ጽንቀትን ባዕሎም ክፈትሕዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስዝበጽሑ ዝወሃብ ምኽርን ፍወሳን እዩ።
ሕክምና ኣእምሮን ምኽርን ብውልቂ ደረጃ፣ ብስድራቤት ደረጃ፣ ብጽምዲ ወይ ብጉጅለ ክወሃብ ዝኽእል ኮይኑ ፡ ንህጻናትን ዓበይትን ክጠቅም ዝኽእል መስርሕ እዩ።እምነት ኣብ ሞንጎኻን ክኢላ ሓኪም ኣእምሮን ፡እቲ ሕክምና ውጽኢታዊ ንምዃን ኣገዳሲ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ፡ እምነት ሚስጥር ምዕቃብን ሞያዊ ሓልፍነት ናይ ክኢላ ሓኪምን ናይቲ ዝምልከቶ ሰብ ኮይኑ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ወላ `ውን ኣባላት ስድራቤትን ኣዕሩኽትን ክዝረበሉ ኣይግባእን።
ኣብ ኣውስትርያ ስነኣእምራዊ ሓገዛት ካብ ስርዓት ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ምርካብ ይከኣል ፡ እዚ ድማ ሓኪም ምስ ዘሕልፈካን ዝእዝዘልካን ይኸውን። ነዚ ዓይነት ሕክምና ድማ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ኣይህልውን።ሓተትቲ ዑቅባን ስደተኛታትን ድማ ካብ ኣብዪ መዳይ ዝነጥፉ ማሕበራት ብቀሊሉ ፡ ብነጻ ክፍሊት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ። እዞም ማሕበራት ድማ ናታቶም ተርጎምቲ ይህልውዎም፡ ተርጎምቲ ድማ ኩሉ ዝካየድ ዝርርባት ብምስጥር ክሕዝዎ ይግባእ።
ናይ ሓገዝ መርበባት/Support networks
ካሪታስ/Caritas
ድያኮኒ/Diakonie
ምትሕብባር ዑቅባ ኣውስትርያ /Asylkoordination Österreich
ቀይሕ መስቀል/Rotes Kreuz
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ካሪታስ/Caritas:
ሶቲርያ/Sotiria
ድያኮኒ/Diakonie
https://diakonie.at/einrichtung/ankyra-zentrum-fuer-interkulturelle-psychotherapie-tirolሒማያት/Hemayat
ቮልክሽልፈ/Volkshilfe
ዘብራ/Zebra
ኦሜጋ/Omega
ሓገዝ ንግዳያት ንግዲ ደቂ ሰብ/Support for victims of human trafficking:
ንደቀንስትዮን ህጻናትን/For women and children: Interventionsstelle für Betroffene von Frauenhandel
ንደቂ ተባዕትዮ/For men