Housing in Austria
ኣውስትራያ ምስ ኣተኹ ብኸመይ ይእንገድ ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ይዋሃበኒ ዶ?
ፈለማ ኣውስትርያ ምስ በጻሕካ ፡ ብምቅጻል ጠለብ ዓለም ለኻዊ ዑቅባ እንተሓቲትካ ፡ኣብ ሓደ ካብቶም ክልተ ቀንዲ መቀበሊ ማእከላት ትውዛዕ ፡ብምቅጻል ናብ ካልእ ኣብ ዞባታት ኣውስትርያ ዝርከብ መቀበሊ ማእከል ትምደብ። ብሓፈሻ ሓተትቲ ዑቅባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይምደቡ።
ከም ሓታቲ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ኣብ ኣውስትርያ ፡ ክሳብ ውሳኔ ናይ ጠለብካ መዕለቢ ዝረክብ ኣብ መቀበሊ ማእከል ዘድሊ እንግዶት ምስ ቀንዲ ቀረባት ትእንገድ።እንተኾነ ግን ፡ ውሳኔ ናይ ምጽባይ ግዜ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ክወስድ ይኽእል።እዚ ዝተጠቅሰ ዕድላት ድማ እንተደኣ ገንዘባዊ ዓቅሚ ንምእላይ ህይወትካ ዘይብልካ ፡ ይወሃበካ።
መንበሪ ገዛ ኣብ ናይ ሓባር መዕረፊ ማእከል ክኸውን ይኽእል፡ ከምእውን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝተፈልየ መንበሪ ክኸውን ይኽእል። እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ድማ “Grundversorgung”ተባሂሉ ይፍለጥ።
ብመንግስቲ ዝተመወለ ኣገልግሎት፡“Grundversorgung”
ኣብ እዋን ምጽባይ ውሳኔ ዑቅባ ናይ ብመንግስቲ ዝተመወለ ኣገልግሎት፡“Grundversorgung” ማለት ድማ መንግስቲ መሰረታዊ ጠለባት ዘማልእ ኣገልግሎት ይወሃበካ። ብሓፈሻ ፡ ኣብ እዋን ምጽባይ ውሳኔ ፡ ሰብ መዚ ዑቅባ ፡ጉዳይ ዑቅባኻ ዝምርምሩ ፡ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ክረኽቡኻ ክኽእሉ ኣለዎም ። መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፣ ኣዘናጋዕን ፣ መሃርን ፣ ሞያውን ንጥፈታት ድማ ተዳልዮም ይርከቡ። ብልምዲ፡ ማሕበረ- ኣእምራውን ሕጋውን ሓገዛትን ደገፋትን ብዝተፈላለዩ ማሕበራትን ይወሃብ፡ መዕረፊ ማእከል እውን እዞም ኣገደስቲ ጠለባት ብኸመይ ክትጥቅመሎም ከምእትኽእል ምኽሪ ይህብ።
እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ነዞም ዝስዕብ ይሽፍን፥
- ናይ መግቢ ሰሌዳን መንበርን (ብመቀበሊ ማእከል ዝተዳለወ)
- ኣልባሳት/ክዳውንቲ (ክሳብ 150 ዩሮ ዝውድእ)
- ውሕስነት ጥዕና ብመሰረት ኣገልግሎት ናይ ውሕስነት ጥዕና ምወላ
- ሓገዛት ንተማሃሮ ህጻናት(ኣስታት 200ዩሮ ዓመታዊ ንሓደ ተመሃራይ)
- ናይ ጁባ ገንዘብ
- ማሕበራዊ ክንክን፣ ሓበሬታን ሓፈሻዊ ምኽርን
ንሓደጋ ዝተቃልዑ ሰባት ፍሉይ ሓገዛት ኣሎ ዶ?
ኣብ መቀበሊ ማእከል እንግዶት ምስተገበረልካ ፡ውልቃዊ ኩነታትካ ኣብ ግምት ይኣቱ። ስድራቤታት ብሓባር ይእንገዱ። ውልቂ ደቀንስትዮን ኣላይ ዘይብሎም ህጻናትን ነንበይኖም ይእንገዱ።እንተደእ ካብ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ሰባት ኮንካ፡ (ዝስዕብ ዝርዝር ተመልከት) ንዝምልከቶም ሰበስልጣናት ፡ ጠለብ ዑቅባ ዝምርምሩ፣ ንሓለፍቲ መቀበሊ ማእከል፣ ወይ ድማ ንስነ-ኣእምራዊ ሓገዛት ዝህቡ ሰባት፡ ብርእሰ ተኣማንነት ክትሕብር ይግባእ።
ኣባላት ንሓደጋ ዝተቃልዑ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥
- ስንክልና ዘለዎ ሰብ ወይ ተመላላሲ ወይ ብርቱዕ ሕማም፣
- ነፍሰ ጾር ደቀንስትዮ፣
- ዓበይቲ ሽማግለታት፣
- ውልቀ ወላዲ ምስ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣
- ግዳይ ስቅያት፣
- ግዳያት ምግራዝ/ምኽንሻብ ደቀንስትዮ፣
- ግዳያት ኣካላውን፣ ጾታውን፣ ስነኣእምራውን ዓመጽ
ንክንደይ እዋን ዝኣክል ብመንግስቲ ሓገዝ ይረክብ(“Grundversorgung”) ?
ብመንግስቲ ዝተመወለ ኣገልግሎታት ምስ ምዝዛም መስርሕ ጠለብ ሕቶ ዑቅባ የብቅዕ፡ ዛጊት ግን ናይ 4 ወርሒ መሰጋገሪ እዋን ይህሉ።ብሓፈሻ እቲ ሓገዝ ምስ ምሕባር መስርሕ ውሳኔ ዑቅባ ድሕሪ 4 ወርሒ የብቅዕ።
ድሕሪ ምብቃዕ ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ “Grundversorgung” እንታይ የጋጥም?
ድሕሪ ምብቃዕ ብመንግስቲ ዝተመወለ መንበሪ ገዛ “Grundversorgung” ነብስኻ ባዕልኻ ክትኣሊ ይግባእ። ዝኾነካ መንበሪ እውን ክትረክብ ይግባእ። ደረጃ ስደተኛ ምስ ተቀበልካ ናይ 4 ወርሒ ዕድል ምወላ ካብ መንግስቲ ይህልወካ። ብውሑዱ ኣብ ፈለማ እዋን ካብ መዕረፊ ማእከል መንበሪ ቦታ ኣብ ምርካብ ሓገዛት ይህሉ።
ጠለብ ውሑድ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ከተቅርብ ይግባእ (“Mindestsicherung”) ። ነዚ ጠለብ ውሑድ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መቀበሊ ማእከል ክትረክብ ትኽእል።
ሓበሬታ ብዛዕባ መንበሪ ገዛ ኣብ ኣውስትርያ ኣብዚ ዝስዕብ ክርከብ ይከኣል፥
ብልምዲ ሰባት መንበሪ ገዛ ተኻርዮም ይነብሩ።ገለ ድማ መንበሪ ይውንኑ ፡ እንተኾነ ግን ደረጃ መነባብሮ ኣብ ኣውስትርያ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝኾነ፡ መንበሪ ክውንኑ ስለዘይክእሉ ተኻርዮም ክነብሩ ይመርጹ።ብብዝሒ 2-4 ሰባት ብሓባር ኣብ ሓደ ክፍሊ( ክሽነ፣ ዓይነ ምድርን 1-2 መደቀሲ ክፍሊ) ዘለዎ ይነብሩ። ኣብ ገለ ኣጋጣምታት ድማ ዓበይቲ ክፍልታት ብምክራይ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክነብሩ ይኽእሉ።
ምክራይ ክፍሊ ማለት ውዕል ምፍራምን ምውሳድ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ወጻኢታት መንበሪ ከም አሌክትሪክ፣ ጋዝ፣ መውዓይ፣ ማይን የጠቃልል።
ብከመይ መንገዲ መንበሪ ገዛ ይርከብ
ኣብ ኣውስትርያ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ብልምዲ ብመንገዲ ቀጥታ/online መስመራት መወዓውዕን ብመንገዲ ትካላት ምክራይ ኣባይቲ ይኸውን። ብመንገዲ ትካላት ምክራይ ኣባይቲ ዝካየድ መስርሕ ምርካብ መንበሪ ገዛ ግን ዝተወሰነ ክፍሊት ብምኽፋል ይካየድ።ገለ ናይ ምክራይ ኣባይቲ ኣገባባት እውን ብመንገዲ ጋዜጣታት ክርከብ ይካኣል።
ኣብ ክራይ ገዛ ትቕመጥ እንተደኣ ኮንካ ተኻራያይ ኢኻ። ተኻረይቲ ገዛ ካብ ዋናታት ገዛ ይካረዩ፡ ዋናታት ድማ ትካላት፣ ወይ ድማ ውልቀ ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ። ኣካራይን ተኻራይን ድማ ውዕል ገዛ ክፍርሙ ይግባእ። እዚ ውዕል ገዛ ድማ ንምምዝጋብ ኣድራሻ ከድልይ ይኽእል።ምዕራፍ ውዕልን ምቅያድን ተመልከት፡
መሰላትን ግቡኣትን ተኻራያይ እንታይ ይመስሉ?
ውዕል ስምምዕ ክራይ ገዛ ከም ተኻራያይ መሰላትካን ግቡኣትካን ብግልጺ ኣቀሚጡ ይርከብ።
ኣብ እትነብረሉ ክፍሊ ዝኾነ ንብረት እንተ ተባላሽዩ ወይ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ኮይኑ፡ (ንኣብነት፡ ፍሪጅ ወይ መኸሸኒ መግቢ)፡ ዋና ገዛ ክፈልጥ ይግባእ ፡ክትትክኦ ወይ ከተዐርዮ ድማ ይግባእ።ከም ተኻራያይ፡ ናይ ዝተበላሸወ ንብረት ተሓታቲ ባዕልኻ ምስ ዘይትኸውን፡ ወጻኢታት ምዕራይ ወይ ምስትኽኻል ዝተበላሸወ ንብረት ኣይምልከተካን። ቅድሚ ምክራይ ገዛ ተኻራይን ኣካራይን ዝጎደለ ንበረት ከይህሉ የጻርዩ፡ እዚ ድማ ዝኾነ ጉድለት ናይ ቀረብ ንኸይህሉ ንምርግጋጽ ይኸውን።
ገንዘብ ክራይ ብልምዲ በቲ ውዕል መሰረት ወርሓዊ ይኽፈል። ወጻኢታት ናይ ሃለኽቲ ኣገልግሎታት ከም አለክትሪክ፣ ማይ፣ ጋዝ፣ ጽገናን ኣብ ወርሓዊ ክፍሊት ክራይ ዝኣተወ ኣይኮነን።እንተደኣ እዞም ወጻኢታት ተጠቃምነት ናይዞም ዝተጠቅሱ ኣገልግሎታት ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዘይተኸፊሉ፡ ሓበሬታ መቅጻዕቲ ዘካተት ክፍሊት ይህሉ።
እንተደኣ ናብ ካልእ ቦታ ክትንቀሳቀስ ደሊኻ ፡ መሰልካ ከም ተኻራያይ ውዕል ንምስራዝ ውሑስ ይኸውን። እንተኾነ ግን በቲ ውዕል መሰረት ካሳብ 3 ወርሒ ዝዝርጋሕ ክራይ ክትከፍል ይግባእ።
በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዋና ገዛ እውን ውዕል ምስራዝ ይኽእል፥
- እንተደኣ ተጠቃምነት ኣገልግሎታት ኣብ ግዚኡ ዘይተኸፍለ
- ክራይ ገዛ ብዘይ ኣፍልጦ ዋና ገዛ ምስዝሰጋገር
- ጎረባብቲ ምርባሽ
- ብዘይ ኣፍልጦ ዋና ገዛ ንነዊሕ ግዜ ሰብ ኣብ ገዛ ክነብር ምፍቃድ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ሰብ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ፡ ብሕጊ መሰረት ድማ ክትኣልዮ ዝግባእ እንተዘይኮይኑ
- እቲ ክፍሊ ንካልእ መዓላ ምውዓል ፡ንኣብነት፡ ገበናዊ ንጥፈታት ወይ ሰፊሕ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ
ቅድመ ኩነት ምስራዝ ውዕል ክራይ ገዛ ኣብ ስምምዕ ውዕል ገዛ ሰፊሩ ይርከብ። ተኻራያይ ይኹን ኣካራያይ ቅድሚ ምስራዝ እቲ ውዕል ኣቀዲሞም ነሓድሕዶም ክሕብሩ ይግባእ።
ትነብረሉ ገዛ ምስ ዘይህሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
እንተደኣ ክትነብረሉ ትኽእል ገዛ ዘይብላካን ኣብ ትነብረሉ ዝነበርካ ገዛ ክትቅጽል ዘይከኣልካን ፡ ግዝያዊ ፍተሓት ኣለዉ።
ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ብህጹጽ ናብ እትነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት ክትሕብር ይግባእ። ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ድማ ግዝያዊ መንበሪ ከዳልወልካ እዩ።
እንተደኣ ብቁዕ መለልይ ካርድን መንበርን ኣለካ፡ መሰል ዝተማለኣ መሳለጥያ ዘለዎ መዕቆቢ ይህልወካ ፡ እዚ ህይወትካ ክትመርሕ ኣብ ትጽገመሉ ግዜ ይኸውን።
ንሓደ እዋን እትእንገደሎም መዕቆቢ ቦታታት ፡ ማለት ቀረብ መግብን፣ መውዓልን ፡ ዘማልኡ መዕቆቢታት እውን ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ኩነት ሓደ ክፍሊ ይምደበልካ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር ግን እቲ ክፍሊ ምስ ሓደ ሰብ ብሓባር ይወሃበካ ማለት ይኸውን። ዝተዳለወ ቀረብ መግቢ ይህልወካ። እንተኾነ ግን ፡ መሰል ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይህልወካን ፡(እንተደኣ ትወስድ ኔርካ ማለት እዩ)።
እዞም ዝተጠቅሱ ኣማራጺታት ንዝግብኦምን ኣድላይነት ምሕጋዝ ንዝምልከቶምን ሰባት ይኸውን። ኣብ መዕቆቢ ክሳብ ነብስኻ ከተማሓድር ትኽእል ክትጸንሕ ትኽእል።
ቦታ ምስዝቅይር ዶኩመንት ክቅይር ይግባእ ዶ?
ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምስ እትንቀሳቀስ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ንዝምልከቶም ክትሕብር ይግባእ። እዚ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ቅጺ ብምምላእ ክፍጸም ይከኣል።
ናይ መንነት ካርድን ብቁዕ ፓስፖርት ክህልወካ ይግባእ። ተኻራያይ እንተ ኾንካ ድማ ውዕል ክራይ ገዛን ናይ ደገፍ ጽሑፍ ካብ ዋና ገዛን ከተምጽእ ይግባእ።
ዝያዳ ሓበሬታን ሊንክታትን
ድያኮኒ/Diakonie:
https://www.diakoniewerk.at/was-wir-tun/wohnen/wohnen-fur-menschen-auf-der-flucht
ቀይሕ መስቀል/Rotes Kreuz / red cross:
https://www.roteskreuz.at/i18n/en
ካሪታስ/Caritas:
ምንጭታት/Sources:
https://diakonie.at/kleines-asyl-lexikon
http://asylwohnung.at/hrf_faq/wie-viel-geld-bekommt-ein-fluechtling/